ድሕሪ ምስንባት 1ይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ሰልፊ ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፣ ስዓት ሕላፍ (ኮፕሪፎኮ) ኣዊጁ። ኣብ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ስልጣን ድዩ ክሕዝ ወይስ ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ እዩ?

ድሕሪ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ “ካብ ስልጣነይ ክወርድ ስለዝደሌኹ ጥርዓነይ ተቐበልሉኒ ኢሉ ንሰልፊ ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. ምምልካቱ፣ ኢህ.ኣ.ዴ.ግ. ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ውሱን ስዓት ሕላፍ (ኮፕሪፎኮ) ኣዊጁ። መንዩኸ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ክምረጽ?

Ethiopia's prime minister resigned on Thursday amid widespread public protests [Tiksa Negeri/Daylife]

ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ንፍትሒን ንዲሞክራስን ኢሉ መኸተኡ የርኢ ኣሎ። ኣብታ ፍትሕን ዲሞክራስን ሓሪሙዋ ዘሎ ሃገር ኤርትራ ዝነብር ዘሎ ውጹዕ ህዝቢኸ ኣንጻር ሽፍታ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እንታይ ይሓስብ ኣሎ??

ድሕሪ ምስንባት 1ይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣዋጅ ስዓት ሕላፍ (ኮፕሪፎኮ) ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣዊጁ። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ድማ ባuንብኡ ተቓሞ ይልዓል ኣሎ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ንንጉስ ሃይለስላሴ “ውረድ ከይትዋረድ” ኢሉ መኸተ ምስ ኣካየደ ግና፣ ዛጊት መኮንናት ሰራዊት ወተሃደራት ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብዮት ህዝቢ ሰሪቖም፣ ግዝያዊ  ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣዊጆም። ሎሚኸ እዚ ቁጣዐ መንእሰይ ኢትዮጵያ ክስረቕ ድዩ ወይስ ብፍትሓዊ መንገዲ ህዛባዊ መንግስቲ ክምስረት እዩ። ክንብርኲት ከይንብርኲት ኣብ ማይ ንብጻሕ።

ብገዲም ተጋዳላይ ህውሓት ኣቶ ኣስገደ ገብረሥላሴ ዝተዳለወ። ጭንቀት ውስጥ ኣልፈዋል ዝብል ሓተታ  ጠዉቕኩም ብሰፊሑ ክትከታተሉ ትኻሉ ኢኹም።

ኢሕአዴግ፤ ሕገ-መንግስቱንም ሀገሪቱንም በራሱ አምሳል ለመፍጠር ነው የሞከረው * አገሪቱ እስካሁንም ድረስ የቆየችው በኢህአዴግ ሳይሆን በህዝቡ ጨዋነት ነው
* ኢሕአዴግ በታደሰባቸው ዘመናት የአስተሳሰብ ለውጥ አምጥቶ አያውቅም
* ሰላም የሚሰፍነው በኢህአዴግ አፈና ሳይሆን፤በህዝቡ ብልህነት ነው

* ኢትዮጵያዊነትና አገራዊ አንድነት የት ጠፍተው ነው የምንተራመሰው?
* ኢሕአዴግ ይቀየራል ወይም የአስተሳሰብ ለውጥ ያመጣል ብዬ አላምንም
* በ80 ዓመቴ የዚህች አገር ጉዳይ ያስጨንቀኛል፤የልጆቼ ዕጣ ፈንታ ያሳስበኛል

 ቀጺሉ ኣቶ ኣስገደ ግብረስላሴ ከምዚ ኢሉ ርእይቶኡ ይትንትን፣/ ኢትዮጵያ – የተከመረ ገለባ አሁን ኢትዮጵያ የተከመረ ገለባ ሆናለች። የኢትዮጵያ ወጣት ከአጠቃላይ ህዝቡ 70 በመቶ ገደማ ነው፡፡ ከዚህ ውስጥ 85 በመቶ የሚሆነው ስራ አጥ ነው፡፡ ይሄ ወጣት ጡንቻውን አሳርፎበት ሊበላበት የሚችል የስራ መስክ የለውም፡፡ ከዩኒቨርሲቲ ተመርቆ የሚወጣውም ማረፊያ የለውም፡ ፡ በዚህ መሃል ወጣቱን ለግጭት የሚገፋፋና የሚያቀጣጥል ደግሞ አለ፡፡ ይህ አቀጣጣይ ኃይል፣ ኢህአዴግ ሀገሪቱን በፌደራሊዝም ያደረጀበት መንገድ ነው፡፡ አሁን አቀጣጣዩ፣ በሀገሪቱ ህዝቦች መካከል እንዲሰፍን የተደረገው የቋንቋ፣ ብሄር ልዩነት ነው፡፡ ደርግ ገዳይ ወታደራዊ መንግስት ነበር፤ነገር ግን በኃይልም ቢሆን አገራዊ አንድነትን አስጠብቆ ኖሯል፡፡ በዘመነ ኢህአዴግ ግን የአገር አንድነት ተፋልሷል፡፡ እየተፈጠረ ያለው የብሄር ግጭት፣ የአንድነት እጦት ውጤት ነው፡፡ ይሄ ደግሞ መጨረሻው የከፋ እንደሚሆን ይታወቃል፡፡  

ርእይቶ ደቀባት፣ ኢህ.ኣ.ዴ.ግ. ክሳብ ሎሚ ምስቲ ዕቡድ ከልቢ መራሒ ኤርትራ ክወዳደር ጥራይ ጸኒሑ። ማለት እቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ወያኔን ሻዕብያን እኳ ሓደ ከምዝኾነ ንምሁራትን ተኻታተልቲ ፖለቲካ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕቡእ እንተዘይኮነ፣ ንገርሀኛ ህዝቢ ግና ግሉጽ ኣይኮነን። ዝኾነ ኮይኑ እዞም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ ትካል መንግስታት ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራአልን፣ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መወዳእትኦም ይበጽሑ ከምዘለው፣ ህዝቢ ድማ ክልቲኦም መሳርሒ ባዕዳውያን ምዃኖምን፣ተማራሪሖም ከምዝጠፍኡን፣ መተካእትኦም ግና በቶም ጎይተቶም ከምዝሕረ ዳርጋ ተረዲኡዎ እዩ። እቲ ኮይኑ እቲ ግና ብፍላይ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ጸላእቱ ኣለልዩ ሃገሩ ክዕቅብ ታሪኻዊን ኣባታዊን ሓላፍነቱ እዩሞ፣ ኣጆኻ ካብዚ ተበጊስካዮ ዘሎኻ ንድሕሪት ኣይትበል ኢልና ሞራልን ለበዋን ነበርክተሉ። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ መኸተ ዝመስል ብህጹጽ  ከልዕል ንጽውዕ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
17 የካቲት 2018 ዓ.ም.ፈ.