ጀርመናውያን፣ ብፍላይ እኳድኣ ሽቫበን ዝብሃሉ ክፍሊ ህዝቢ ጀርመን፣ ግንከኣ ካብቲ ልዑል ጀርመንኛ ቋንቋ ተባሂሉ ዝስመ፣ ኣሞከኣ መብዛሕትኦም ጀርመናውያን ዝዛርብሉ ቋንቋ፣ ፍልይ ዝበለ ድያለክት ኣዘራርባ ቋንቋ ጀርመን ዝዛረቡ ክፍሊ ህዝቢ ጀርመን፣ ንሓደ ክርድኦም ዘይከኣለ ሰብ፣ ከምዚ ኢሎም ይምስልሉ፣- “ዓሻ ተወሊዱ፣ ዓሻ ኮይኑ ዓባዪ፣ ዓሻ ምዃኑ ከይተረድኦ ከኣ፣ ብዕሽነቱ ሞይቱ“ ይብሉ። ኣነ ብወገነይ ከኣ፣ ከም ተርጓማይ ሓያሎ ቋንቋታት መጠን፣ እዛ ምስላ እዚኣ ኣብ ብዙሓት ቋንቋታት ክረኽባ ኢለ ሃሰው ኢለ፣ ግና ፈጺመ ከምኣ ክረክብ ኣይክኣልኩን። ምስ ኩነታት ህዝብና ከዛምዳ ከሎኹ ግና፣ ህዝብና ስኣን ፍልጠት ከይፈለጠ ይጠፍእ ምህላዉ እየ ዝርዳእ። ኣነ ከኣ፣ ነቲ ትርጒምን ትሕዝቶን እዛ ምስላ እዚኣ ብኣድህቦ ምስ ኣስተብሃልኩላ፣ እዋይ ምስላ እዚኣስ ልክዕ ምስ ኤርትራውያን ክትመሳሰል ትኽእል ኢለ ተረዲኤ። መኽንያቱ ድማ እዚ ኣብ 27 ዓመታት ብሰላዪ ኢሰያስ ክግበር ዝጸንሐ ዝተፋላለየ ምስምሳት ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ንምብጻሕ ምኻኑ ህዝብና ከይተረድኦ ምጽንሑ እዩ። እወ፣ ንምቕንጣት ልዑላውነት ህዝቢን ሃገር ኤርትራን ከምዝነበረ ከይተረአ፣ ክሳብ ኢሰያስ ንኣዲስ ኣበባ ብዘብዘብ እንዳበለ ብምኻድ፣ ንዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ ንስኻ መራሒና ኢኻ ኢሉ ሓላፍነት ዝህቦን፣ ነቲ ኣስታት 2 ሚሊዮን መንእሰይን ዓበይትን ኤርትራውያን በጃ ሃገር ኤርትራ ዝሓለፍሉ ክሳራ ኮነ ኢሉ ረሲዑ፣ ተጠሊዑ ኣይከሰርናን ክብል ተበዲዑ። ሕጂ ግን ህዝቢ ክርድኦ ጀሚሩ። ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ

ብመሰረት ውዕል ምሽማው ሃገራት ኣፍሪቃ (The scrambel of Africa) በርሊን ብ1884 ዓ.ም.ፈ.፣ ኮሎንያል ጣልያን ብሓገዝ ስለላ መርበብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብዕለት 27 ጥሪ 1887 ዓ.ም.ፈ. ንኤርትራ ክትወር ምስ ተበገሰት፣ ብጀጋኑ ደቂ ምድረ ባሕሪ ኣብ ኲናት ዶጋሊ ተሳዕረት። ድሕሪ ስዕረት ኮሎንያል ጣልያን ኣብ ኲናት ዶጓሊ፣ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ሓዲሽን ዘሕፍርን ተርእዮ እዩ ተራእየ። እቲ ቀንዲ መኽንያት ከኣ፣ ኤውሮጳውያን ነቲ ካብ ምቕልቃል ሓይሊ ግሪኽን፣ ሮማውያንን፣ ከምኡ ድማ ባርባራዊ ዕዳጋ ባርነት ኣፍሪቃውያንን ዝተላዕለ፣ ኣብ ኣእምሮ ኤውሮጳውያን: “ንሕና ኢና ሓያላት፣ ንሓና ኢና ገዛእቲ፣ ጸሊም ትሑት ፍጥረት ስለዝኾነ ይስዓር እምበር ኣይስዕርንዩ“ ዝብል ትምክሕቲ እዩ ኣብ ኣእምርኦም ሰሪጹዎም ነይሩ።

ካብ ክቱር ጭካኔን ኣረሜነነትን፣ርእሰማላውያን ኤውሮጳውያን፣ ነቲ ህዝቢ ኤውሮጳ ብክፉእ ግንከኣ ረቂቕ ውዲታዊ ፕሮፓጋንዳ ብምንዛሕ ኣብ ኣእምርኡ፣ብጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ክድፈሩ ከዘይክእሉ ገይሮም ከምዝኣምኑ እዮም ኣእምርኦም እፍዚዞሞም ነይሮም። ዋላኳ ፈረንጂ ካብ ቅድሚ 3000 ዓመታት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ጀሚሩ፣ ክሳብ ዘመነ ሓይሊ ግሪኽን ሮማውያንን ዝተቐልቅለሉ ዘመን፣ እቲ ዝልዓለ ሥልጣኔ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝነበረ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እንተኾኑ፣ ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ ካብ ዝብል እከይ ኣተሓሳስባ ግና ክሳብ ሎሚ ንጸሊም ሕብሪ ቆርበት ብፍላይ ንኣፍሪቃውያን ይፍንፍኑዎዮም።

ኣፍሪቃውያን ቅድሚ ኤውሮጳውያን ካብ ጥንቲ ቅ.ል.ክ. ጀሚሮም፣ መሃዝትን ፈልሰፍትን፣ ኣብ ኲናት ዘይስዓሩን ከምዝነበሩ፣ እዞም ትምክሕተኛታት ኤውሮጳውያ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። እኳድኣ እቶም ጥንታውያን ፈሮኦናውያን፣ መንግስቲ ብፍላይ ንግስነት ሓበሻ፣ ኣብ ኣዱሊስን መጠራን፣ ኣዅሱምን፣ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን፣ ኑብያ፣ ሎሚ ሱዳን፣ ኬምነት ሎሚ ግብጺ፣ ከምዝነበረ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ባዕሎም ዝሰነዱዎ ህያው ምስክር ኣሎ።

ነዚ ሓቂ እዚ ግና ካብ ቅንእን ኣንነትን ተበጊሶም፣ ዋላኳ ይፈልጡዎ እንተኾኑ፣ ፈጺሞም ክኣምኑሉ ኣይደልዩን እዮም። ብርግጽ፤ እዚ ኩሉ ኤውሮጳውያን በጺሖሞ ዘለው ምዕባሌ ካብ ግብጽን ከባቢ ምድረ ሓበሻን ኑብያን ዝዘመቱዎ መሰረታዊ ፍልጠት እዩ። ንመረዳእታ፣ ንግስነት ሮማውያን (Roman Empire) ኣዝዩ ክቡርን ብሉጽን ዝኾነ ሰነዳት ስነፍልጠትን፣ ቁጽርን ኬምስትርን፣ ፊዚክስን፣ ኣስትሮሎጂን፣ መንፈሳዊ መጻሕፍትን ሰነዳትን፣ ብዘይንሕስያ ዘሚቶም ገቢቶሞ እዮም። ነቲ ዝተረፈ ንብረት ኣፍሪቃውያን ድማ፣ ኣብ ኣለክሳንድርያ ዝብሃል ኣብ ግብጺ ዝርከብ ከተማ ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ መጻሕፍቲ ኣቃጺሎሞ። ንጸለምቲ ድማ ብሚልዮናት ዝኣኽሉ ሓሪዶሞምን ንሃገር ህንድን ደቡብ ኣሜሪካን ፋሕ ብትን ከምዝብሉ ገሮሞም እዮም። እምብኣር ንዝመራመርን ዝሓለፈ ታሪኽ ዝከታተልን ሰብ ግና፣ ባህሊ ኤውሮጳውያን ጭካኔን ቅትለን ፍግርን ዝምታን ጥራይ ከምዝኾነ እዩ ክርዳእ ዝኽእል።

እዚ ኩሉ ግፍዕታት ሮማውያን ምስ ሓለፈ ድማ መዋእለ ከሊፋውያን ኣርኪቡ፣ ከሊፋውያን መሓመዳውያን ከኣ፣ ድሕሪ ሞት ነቢዪ መሓመድ ብ632 ዓ.ም.ፈ. ወከልቲ ልኡኽ ኣምላኽ ኢና እንዳበሉ ብክቱር ጭካኔ ህዝቢ እንዳሓረዱ ከመስልሙ ጀመሩ። ነቲ ጨካን ንግስነት ሮማውያን፣ እኳድኣ ነቲ ጥንታዊን ክቡርን ሰነዳት ፍልጠት ግብጺ ዝዘመቱን ዘቃጸሉን፣ ንግብጺ ወሪሮም ብምእታው ነቶም ኣረሜን ሮማውያን ካብ ግብጺ ስዒሮም ጉሓፉዎም። ጸኒሖም ግና ካብሮማውያን ዝኸፍአ፣ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግብጺ ፈጸሙ። መልሓስ ግብጻብያን እንዳቆረጹ ድማ ንህዝቢ ግብጺ ካብቲ ጥንታዊን መሰረት ምዕባሌን ዝነበረ ቆብጥክ ዝብሃል ቋንቋ ኣደኡን ኣቦኡን፣ ኣጊዶም ዓረብኛ ቋንቋ ንኽመሃሩ ኣገደዱዎም። መከረኛ ህዝቢ ግብጺ ድማ ቋንቍኡ ገዲፉ ብቐስብ ቋንቍዕ ዓረብ ክመሃር ተገደደ። ክሳብ ሎሚ ድማ ብዘይ ቋንቍኡ ብቋንቋ ዓረብ ይዛረብ ኣሎ።

እቲ ባርባራውያን ግፍዐኛታት ከሊፋውያን ኣዕራብ እምብኣር፣ ብድሕሪ ግብጺ ንሊብያን ንኣልጀርያን፣ ንቱኒዝያን፣ ንሱዳንን ብምውራር ካብቲ ቀንዲ ቋንቍኦምን ሃይማኖቶምን፣ ብግፍዓዊ ተግባር ከልኪሎም፣ ዓረብኛ ቋንቋ ጥራይ ከምዝዛረቡን ከምዝምስልሙን ኣገደዱዎም።

ኣስተብህል፣
እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም እምብኣር፣ እዞም ኣራዊት ከሊፋውያን ኣዕራብ ንህዝቢ ሓበሻ ደፊሮም ክስዕሩዎን፣ ከምቲ ንሃገር ግብጽን ሱዳንን ኣልጀርያን ሊብያን ቱኒዝያን ዝፈጸሙዎ ዓወት ክፍጽሙ ኣይከኣሉን። ብጅግና ህዝቢ ሓበሻ ተሓጂፎም እቶም ዝተረፉ ጀለብዪኦም ነኺሶም እንዳፈሰውን ጠረጡን እዮም ንዓዶም ተዓዚሮ። ግንከኣ ኣብ ቆላማ ኤርትራ ባርካን ፍርቆ ሰኒሒትን፣ ሳሕልን፣ ሰምሃርን፣ ደንከል ዝነብር ህዝቢ ብቐስብ ኣመስሊሞሞ እዮም። ዋላኳ ብቐስብ እተመስለሙ፣ ክሳብ ሎሚ ግና ቋንቍኦ፣ ትግሪኛን፣ትግረን፣ ዓፋርኛን፣ ብሌንኛን፣ ኩናምኛን፣ ሳሆኛን ዓቂቦም ይነብሩ ኣለው።

ኣስተብህል፤ እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ከእ፣ ዋላ ነቶም ከሊፋውያንን ድሕሪኦም ብስም ምስልምና ዝወረሩን፣ ከም ዖስማን ቱርክን፣ ግብጽን መሓመድ ግራኝን፣ እቶም ሕቡኣን ፍሪሜዞን ዝብሃሉ ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ ኤውሮጳያን እዮም፣ ዝምውሉዎምን ብስለላን ኮለላን ዝተሓባበሩዎምን ዝነበሩ።

ግን ህዝቢ ሓበሻ ብፍላይ ትግሪኛ ተዛራቢን ኣምሓርኛ ተዛራቢ ህዝብን፣ እምቢ! ሎሚ ኣይንምስልም ጽባሕ ኣይንምስልም! ኢሉ ብምምካት ንከሊፋውያን ኣዕራብ ንሓዋሩ ከምዝሽመሙን፣ እንደገና ንምድረባሕሪ ገጾም ከምዝይቅልቀሉ ገሩ ስዒሩዎም እዩ። ርቱዕ ሃይማኖቱን፣ ብባዕሉ ዝመሃዞም ፊደላትቱን ዓቂቡ ድማ ክሳብ ሎሚ ክነብር ጸኒሑ።

ይኹን እምበር እቲ ንምድረ ሓብሻ ምውናን ዝብል ሕልሚ ኤውሮጳውያን፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብኣካል እንተዘይ ጠዓሞም ብተዘዋዋሪ ብረቂቕ ውዲት ክፍጸም ምዃኑ ከም ፕሮጀክት ኣስፊሮሞ እዮም ጸኒሖም።

ንመረዳእታ፤
እምብኣር፣ እቲ ብኮሎንያል ጣልያን ዝተጀመረ ወፍሪ ኮሎንያሊዝም፣ ብፍላይ ነቲ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ቦታ ቀዪሕ ባሕርን፣ ፈለግ ኒልን (ኣባይን) ባሕሪ ጻናን፣ ኤርትራን፣ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ብሓፈሻ ድማ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ንምግባት ኢሉ ክብገስ ከሎ፣ ካብቶም መሃንድሳት ኮሎንያሊዝም ኢጣልያውያን ዝነቐለ ፕሮጀክት ዘይኮነስ፣ በቶም ረቀቕቲ ስዉራት ሓይልታት፣ ፍሪሜሶን ኤውሮጳን፣ ማሕበር ቫቲካን፣ ዝተዳለወ ፕሮጀክት ተመርኲሶም እዮም።

እወ! መሃንድሳት ኮሎንያሊዝም ኤውሮጳውያን፣ ድሕሪ ዘመነ ባርነት፣ ብኻልእ ኣገላልጻ፣ ርእሰማል እትድልበሉ ዕዳጋ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን፤ ከም ኣቕሓን ንዋትን ሸጥካ ርእሰማልካ ምድላብ ዝነበረ ዘመን ኣብቂዑ ብኮሎንያሊዝም ተተኪኡ። እዚ ኮሎንያሊዝም ዝብሃል ወራር ኤውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣፍሪቃ ግና፣ እቲ መደብ መሃንድሳት ኮሎንያሊዝም ብፍላይ እኳድእ እቶም ማሕበር ጽዮንነት፣ ዝነበረ ዓላማኦም ንመላእ ኣፍሪቃ ወኒንካ ምግዝእ እዩ ዝነበረ። ብ1945 ዓ.ም.ፈ. ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝብሃል ኣዶልፍ ሂትለር ዝምራሕ ዝነበረ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ምስ ተባርዐ ግና፣ ነገውስ ኮሎንያል ዝነበሩ ወከልቲ ኣፍሪቃውያን መልሚሎም ብምስጣን ንኣፍሪቃ ገዲፎማ ንኤውሮጳ ካብ ሂትለር ከድሕኑ ተመልሱ። ሂትለር ከኣ ተሳዕረ፣ ጽዮናውያን ከኣ ንዓለም ክቆጻጸሩዋ ጀመሩ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምብቅዑ፣ ብ1948 ዓ.ም.ፈ. ብውዲት ንህዝቢ ፓለስቲና ካብ ሃገሩ መንቊሶም ነቲ መሬት ደቂ ፓለስቲንያ ገቢቶም ንዓለም ክቆጻጸሩ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው።

እወ፣ እቲ ወራር ኣዶልፍ ሂትለር ኣብ ኤውሮጳ ምስ ፈሸለ፣ ኮሎንያል ጣልያን ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሊብያን ንኽወጽእ ተቐሰበ። ካብኡ ኤውሮጳውያን ኣሜሪካ ዝተሓወሰቶ ማለትዩ፣ ሓዲሽ ስትራተጂካዊ ፕሮጀክት ሓንጸጹ።

ብፍላይ ድማ ነቶም ገዳይም ስለላ እንግሊዛውያን ዝምራሕ ሓደ ስዉር ጋንታ ስለላን ኮለላን ኣዋፈሩ። ብሳላ ጻዕሪ ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝን ድማ፣ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን ብ1947 ተመስረተ። ስለላ መርበብ ሞሳዓድ እስራኤል ከኣ ብ1948 ዓ.ም.ፈ. ትቓቖመ። ብተወሳኺ ድማ ብስለላ መርበብ ሃገራት ኤውሮጳን፣ ከም ስለላ መርበብ ኢጣልያ ቫቲካንን ፐ2 (ፐ- ዱወ) ተዋፈሩ። ካብዚ ተበጊሶም እምብኣር፣ ብፍላይ ኣጽኒዖም ከምዘረጋገጹዎ፣ እዚ ንኣዕራብን፣ ቱርካውያንን፣ ግብጻውያንን፣ ንመሓመድ ግራኝን፣ ንኮሎንያል ጣልያንን ዝስዓረ ህዝቢ ሓበሻ ብኸመይ ክንስዕሮ ከምንኽእል ዝብል ረቂቕ መጽናዕትን ምርምርን ከውጽኡ ጀመሩ። እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ዝረኸቡዎ ድማ፣ ካብዚ ከባቢ እዚ፣ ማለት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ህርፋን ገንዘብ ዘለዎምን፣ ድኻታትን ምስጢር ግና ክዕቅቡ ዝኽእሉ ዓሌት፣ ጥራይ እዮም ንስለላ ከገልግሉና ዝኽእሉ ብማለት፣ ሃሰው ድሕሪ ምባል፣ ድሕሪ ምምርማ እቲ ንስለላ መርበብ ከገልግል ዝኽእል ሕብረተሰብ ካብ ህዝቢ ትግራይ ጥራይ ከምዝኾነ ኣረጋገጹ። ካብኡ ገረብ ብሓኽላ ካብ ዝብል ረቂቕ ፕሮጀክት፣ ንገዲም ሰላዪ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ብስዉር መልሚሎም፣ ብረቂቕ ትምህርቲ ስለላን ኮለላን ኣሰልጢኖም፣ ንመዳ ኤርትራ ልኢኾሞ። እዚዩ እቲ ሓቂ።

ከምታ ኩሉ ግዜ ኤርትራውያን ዝኣምኑላ፣ ብዕለት 24 ግንቦት 1991 ዓ.ም.ፈ.፤ ህዝባዊ ሰራዊት ህ.ግ.ሓ.ኤ.፣ ነቲ ብሶቭየት ሕብረትንን፣ ኲለን ምዕራባውያን ሃገራትን ዝምወል ዝነበረ ወራር መንግስቲ ኢትይጵያ፣ ድሕሪ 30 ዓመታት ብውሑድ 2 ሚልዮን ሕይወት ደቂ ሃገር ዝበልዐ መኸተ፣ ሓንሳብ ንሓዋሩን ደምሲሱ ንመላእ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ተቛጻጺሩ ነስመራ ኣትዩ ባንዴራ ኤርትራ ክተክል ምተቓራረበ፣ ብኣንጻሩ ግና ኢዚ ፕረሲደንት ኤርትራ ዝብሃል ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ሰራዊትን ህዝብን ኣባላት ማእከላይ ሽማገለን ዘይፈልጡዎ፣ ኣብታ ዋና ከተማ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾነት፣ ምስ ፍሉይ ኣምባሳደር ኣሜሪካ፣ ንኣፍሪቃ ሃገራትን ሄርማን ኮሀንን፣ ምስ ሒዳሪናይ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ነበር፣ መለስ ዜንስዊን፣ ምስ ኣባል ግዝያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተስፋየ ድንቃን ዘተ የካይድ ነይሩ። ብዛዕባቲ ትሕዝቶ እቲ ዘካይዱዎ ኣኼባ ግን፣ ብዘይካቶም ተእክቦም ዝነበሩ ሰባት ዝፈልጦ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ትሕዝቶኡ ግና ጸረ ልዑላውነት ኤርትራ ከምዝነበረ ንምርዳእ እቶም ብግጅለ 15 ዝፍለጡ ገዳይም ኣባላት ማእከላይ ሽማገለ ንሕልፈታት ብዘይ ፍርዲ ከምዝእሰሩ ተገሩ። ሎሚ ድሕሪ 20 ዓመታት ማእሰርቶም ድማ ልዑላውነት ኤርትራ ከምተደምሰሰ ብግህዶን ክትግበር ንርእዮ ኣሎና።

ይቕጽል፣ ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ√

 ዕለት 27.ጥሪ 2019 ዓ.ም.ፈ.