ኣቦታትና ክምስሉ ከለው፣ “ዝብኢ ምስከደስ ኣኽላባት ይነብሑ”፣ ወይከኣ “ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ” ይብሉ። ኣብዘን ዝሓላፋ መዓልታት፣ ልኡኽ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ “ካሕሳ ይግባኣኒ እዩ ክብል፣ ኣብቶም ልኣኽቱን ዓሰብቱን፣ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጥርዓን ኣቕሪቡ”፣ ይስማዕ ኣሎ። እስከ ንከታተሎ። እየናይ ካሕሳ ኮን እዩ?

ርግጽዩ፣ ሓደ ሰብ ምስዝብደል፣ ኣብቶም ክሰምዑዎን ክፈርዱዎን ዝኽሉ ለባማት ሰባት ቀሪቡ፣ “ስምዑለይ ርኣዩለይ ተዓሚጸ ተበዲለ”!  “ዋጋ በደለይ ከኣ ካሕሳ ይግባኣኒ እዩ” ኢሉ ክጠርዕ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝጸንሐ ባህላዊ ኣገባብ እዩ። እቶም ፈራዶ ድማ ነቲ ጥርዓን ተቐቢሎም፣ ነቶም ክልተ ሰብ ነገር፣ ማለት ንበዳልን ተበዳልን ጸዊዖም፣ ብግቡእ ጒዳዮም ርእዮምን መምዮምን ፍትሓዊ ዝኾነ ብይን ይብይኑ። እዚ ኣገባብዚ ግና ኣብቲ ሕጊን ስርዓትን እንዳባ ዝትግበረሉ ዝነበረ ዘመን ጥራይ እዩ ዝትግበር ዝነበረ።  ውግእን ናዕብን ዝፈጠሮ ኩነታት ድማ፣ ሓንቲ ሃገር ብሓንቲ ወራሪት ሃገር ምስትብደል፣ ኣብቲ ሕቡራት መንግስታት ዝብሃል ውድብ፣ ቀሪባ ትጠርዕ እሞ፣ ንሶም ድማ በቲ ቻርተር ዝብሃል መምርሒ ውድብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ ከምቲ ቻርተር ዘፍቅዶ፣ነታ ዝበደልት ሃገር ካሕሳ ነታ ዝተበደለት ሃገር ንኽትከፍል ክብይንን ክውስንን ይግባእ ነይሩይ። ካብ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ጀሚሩ ግና፣ ሓንቲ ዝተወጽዐት ሃገር ጥርዓና ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣቕሪባ ግቡኣ ዝረኸበት ክሳብ ሎሚ ኣይተራእየን። ብኣንጻሩ እኳድኣ፣ እታ ፈጻሚት ኣካል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፣ ኣብ ልዕሊታ በዲላ እትብሃል ሃገር፣ ባዕሎም ከሰስቲ ባዕሎም ድማ ፈረድትን፣ ወሰንትን ኮይኖም ብምቕራብ፣ ኣብ ልዕሊታ በዲላ ዝተባህለት ሃገር መቕጻዕትን ካሕሳን ክውስኑ እዮም ጸኒሖም። ካብ 1989 ዓ.ም.ፈ. እሞ ከኣ ንሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ባዕሎም ኣንዳወረሩ ባህርያዊ ሃብታ ክዘምቱ ጥራይ እዮም ዝርኣዩ ዘለው። ንመረዳእታ፣- ኣብ ዩጎዝላብያ ዝተፈጸመ ግህሰት፣ ኣብ ሃገር ኣፍጋኒስታን ዝተፈጸመ ውዲታዊ ወራ፣ ኣብ ሃገር ዒራቕ ዝተኻየደ ውዲታዊ ግፍዓዊ ወራር፣ ኣብ ሃገር ሊብያ ብናቶን ብውድብ ሕቡራት መንግስታትን ዝተፈጸመ ግህሰ ልዑላውነት ሃገር ሊብያ፣ ሎሚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሃገር ሶርያ ዘካይዱዎ ዘለው ግህሰት ምክትታል የድሊ። ብፍላ ኣብ ኣኤርትራ ብረቂቕን ብግህዶን ዝካየድ ዘሎ ውዲታዊን ስነኣኣምራዊን ዝሑል ኲናት፣ ግንከኣ ገረብ ብሓኽላ ምክትታሉ ኣኣገዳሲ እዩ። ኣብ ኣኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ሃገር ሶማል ዝካየድ ዘሎ  ፕሮጀክት ጥፍኣት ድማ ምክትታሉ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ካብ ዝብኢዶ ዓጽሚ ከምዝብሃል፣ ካብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ካሕሳ ምርካብሲ ሕልሚ ደርሆ ጥራይ እዩ። ሓቂዶ ሓሶት እንድ ህግደፍ?

 ድሕሪ ቀዳማይን 2ይን ኲናት ዓለም፣ ንሃገር ጀርመን ዘጋጠማ ሽግር፣ ምስ ሽግር ኤርትራ፣ ማለት ድሕሪ 30 ዓመታት መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ኤርትራ  ምስተወድአ ረኺባቶ ዘላ ጸገም ስለዝመሳሰል፣ ከም ኣብነት ኢልና ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መረዳእታ ነቕርበልኩም ኣሎናሞ፣ ከየስተናዓቕኩም ኣስተብህሉሉ ኢኹም። ሰናይ ንባብ።

ሃገር ጀርመን ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም፣ እቲ ብናሽናል ሶሻል ዲሞክራሲ ዝብሃል ሰልፊ ዝምራሕ፣ መንግስቲ ኣዶልፍ ሂትለር፣ ኣብ መላእ ኤሮጳ ውግእ ወሊዑ። ማኣለያ ዘይብሉ ህዝቢ ኤውሮጳ ሃሊቑ። ንብረት ከኣ ዓንዩ። ካብኡ እተን ሽዑ ዘመን “4 ሓያላት መንግስታት” ዝብሃላ ዝነበራ፣ መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካን፣ መንግስቲ ሶቭየት ሕብረትን፣ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን፣ መንግስቲ ፈረንሳን ተላፊነን ንሃገር ጀርመን ወሪረንኣ። መንግስቲ ኣዶልፍ ሂትለር ድማ ተሳዒሩ። ሃገር ጀርመን ድማ ኣብ ኣርባዕታ ዞባታት መቓቒሎም ተማሲሖማ። ኣብ ታሕቲ ዘሎ ካርታ ተኸታተሉ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ፣ መንግስቲ ሶቭየት ሕብረት ብወገን ምብራቕ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ብወገን ደቡብ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ድማ ብወገን ደቡብዊ ምዕራብ ተማሲሐንኣ።

ብሰንኪ ካልኣይ ውግእ ዕለም ዝፈጠሮ ናዕቢ ኣምባር፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መላእ ኤውሮጳ ከቢድ ጒድኣት ወረደ። ካብ 60 ሚልዮን ዝበዝሕ ህዝቢ ሃሊቑ፣ ማእለያ ዘይብሉ ትሕተ ቅርጻ ከተማታት ኤሮጳ ከኣ በሪሱ። እዚ ኩሉ ከምዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግና፣ እቶም ባዕሎም ፈራዶን ወሰንቲ ዝነበሩ እቶም “4 ሓያላት መንግስታት” ዝብሃሉ ጥራይ ስለዝኾኑ፣ “ኣዶልፍ ሂትለር ን6 ሚልዮን ይሁዳውያን ብጋዝ እህሊቑ እዩ” ኢሎም ብምጽላም፣ ነቲ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤሮጳ ዝወረደ ህልቀት ህዝብን ዕንወት ከተማታትረሲዖም፣ ነታ ብ1948 ዓ.ም.ፈ. ብውዲት ዝቖመት ጽዮናዊት እስራኤል መንግስቲ ጀርመን ካሕሳ ከምትኸፍል ኢሎም ወሰኑሉ። ክሳብ ሎሚ ድማ ሃገር ጀርመን ንእስርኤል ብብልዮናት ዝቚጸር ዶላር ትኽሕሳ ኣሎ። እወ፣ እታ እስራኤል እትብሃል ሓዳስ ሃገር፣ ካብ ምብራቕን ማእከላይን ኢውሮጳን፣ ኣሜሪካን ተኣኻኺቦም ንህዝቢ ፓለስቲንያ ተኪኣም መንግስቲ እስራኤል እትብሃል ጽዮናዊት ሃገር ዘቖሙ እዮም። ስለዚ ኣምባኣር መንግስቲ ጀርመን ንመዋኣል ብብልዮናት ዝቑጸር ዶላራት፣ ንመንግስቲ እስራኤል ጥራይ ካሕሳ ክትከፍል  እተን “4 ሓያላት መንግስታት” ዝብሃላ ወሲና። እቲ ካብ ኲሉ ዘስደምም ከኣ በተን “4 ሓያላት መንግስታት” ዝብሃላ ዝተፈጸመ ገበን እዩ። መንግስቲ ሂትለር ምስተሳዕረ፣ ማኣለያ ዘይብሉ ወርቅን ጥረ ገንዘብን፣ ሊቸንሳ ዓበይቲ ትካላትን ዘሚቶም ተማቒሎሞ። ነቲ ካብ ህልቀትን ዓጸቦን ሕማምን ዝድሕነ ህዝቢ ጀርመን፣ ካብቲ ማኣለያ ዘይብሉ ዝዘመቱዎ ገንዘቡ 6 ቢልዮን ዶላር ጥራይ ፍንጭል ኣቢሎም መጽዊቶምሉ። ንሱ ድማ ብሓረጣ ንማርሻል ፕላን ዝብሃል ፕሮጀክት ህንጻ ሃገር ኢሎም ኣለቂሖሞም። ሓቦኛ ህዝቢ ጀርመን ግና፣ ብትብዓት ለቕሕኡ ከፊሉ፣ ንሃገሩ ድማ ካብተን ከተማታት ዓበይቲ ሃገራት ዓለም ዝብሃላ ንላዕሊ ሃገሩ ሃኒጹን ኣማዕቢሉን።

እስከ እቲ ሎሚ ዘሎ ብሕቡራት መንግስታት ዝፍለጥ ውድብከ፣ ብዛዕባ ጒዳይ ኤርትራ እንታይ ከምዝገበረን ንመጻኢ ድማ እንታይ ክገብር ከምዝደልን ንከታተል? ኣብ ታሪኽ ተመርኲስና እስከ ብሕጽር ዝበለ ትንተና ክንትንትን፣-
እወ፣  ብድሕሪ ምስንባት ኮሎንያል ጣልያን፣ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኤርትራ ከም ሃገር ቆይማ ብልዕላውነት መታን ከይትነብር፣ ብሕቡራት መንግስታት ውሳኔ መሰረት ተኣገደት። ንመረዳእታ ብፍላይ ኣኳድኣ ብወገን መንግስቲ ኣሜሪካ ዝተወስደ ውሳኔ፣ በቲ ሽዑ እዋን ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝነበረ፣ ጆን ፎርስተር ዱላስ  John Foster Dulles ዝተባህለ ብዓል ስልጣብ ብኸምዚ ዝስዕብ ተፈርደት።