1ይ. ወራር ሮማውያን ኣብ ከባቢ ምጽዋዕ ብደቂ ኣጋኣዝያን ተሳዓሩ።

2ይ. ወራር ዮዲት ይሁዳዊት
ኣብ 8ይ  ክፍለ ዘመን (እዛ ዮዲት እትብሃል ኣረሜን ካብ ፋላሻ ዝብሃሉ ዓሌት እያ ዝነበረት) ኣብ ልዕሊቶም ን300 ዓመታት ዝግዝኡ ዝነበሩ ነገስታት ነገደ ዛጕየ (ዘኣጕየየ) ከም ብዓል ንጉስ መሮኒን፣ ንጉስ ሳውርን  ወዘተ ኣረሜናዊ ኲናት ወሊዓ ንመጀመርያ እዋን ኣብ ታሪኽ ነገደ ኣግኣዝያን፤ክስዓር ዘይክእል ዝነበረ ገዲም ንግስነት ኣግኣዝያን  ተሳዕረ። ብድሕሪ ወራር ዮዲት እይም እምብኣር ንጉስ ሳውር ንዓሳውርታ ዝፈረየ፣ ንጉስ መሮኒ ድማ ንሓማሴንን ንኣከለጉዛይን ዝፈረየ ንመሬት ምድረባሕሪ ዝግዓዙ። ሽኡ እዋን ኢትዮጵያ ዝብሃል ኣይነበረን። ኣብዚ ሎሚ ኢትዮጵያ ዝብህል ዘሎ ቦታ ሰምናዊ ክፍሊ እዩ ኣብስልጣን ዝነበረ። ንሶም ድማ ህዝቢ ኣግኣዛያን ጥራይ እoም ዝነበሩ። ስለዚ ኣብ ዘመነ ዛጕየ ዘማሓድሩ ዝነበሩ ነገስታት ንስሜን ዘሎ ቦታታት ካብ ሰሜናዊ ሸዋ፣ ቤገምድር፣ጎጃም፣ወሎ፣ትግራይ ምድረባሕሪ (ሎሚ ኤርትራ ዝብሃል ዘሎ ቦታ) እዮም ዘማሓድሩ ዝነበሩ። ቅድሚኦም ዝገዝኡ ዝነበሩ ንገስታት ኣግኣዝያን ድማ፣ ማለት  ካብ ቅድሚ ዘመነ እኽሱም ጀሚሮም ክሳብ መወዳእታ ዘመነ ኣኽሱም፣ ክሳብ የመን ይገዝኡ ከምዝነበሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።ንመረዳaታ ንግስት ሳባ ክሳብ የመን ኣያ ትገዝእ ዝነበረት። ተመራመርti መበቆል ደቂሰባት (ኤትኖሎጂካዊ ትምህርቲ) ወይ ሊቃውንቲ መበቆል ደቂሰባት፣ ብፍላይ ብዛዕባ ህዝብታት የመንን ምድረባሕርን ክትንትኑ ከለው “ሕዝቢ የመንን ህዝቢ ምድረ ባሕርን፣ ሓደ መልክዕን ቅርጽን መበቆልን ዘለውዎ ህዝብታት ኣግኣዝያን እዩ” ክብሉ ይገልጹ። እቶም ታርኽ ኣዘንቢዖም ዝሕንጥጡ ዕዱጋት ፕሮፈሶራት ከም ብዓል ኣስራኤላዊ ሃጋይ ኤርልኽ ግና፣ በቲ ጽዮናውያን ዝሓንጸጽሎም መምርሒ ተኸቲሎም ዝምቡዕ ሓበሬታን ታርኽ ብዛዕዳ ድቂ ምድረባሕሪን ጽሒፎም ማኽፍድኣoም ይመልኣu ኣለው። ካብ ብዓል ጣፍሲ ብዓል ኣፍ።

 3ይ.ወራር ቱርኪ ብ1557ዓ.ም.ፈ. እዩ ተጀሚሩ።
ብጀጋኑ ደቂ ኣግኣዝያን ተጸፊዑ ከኣ ብዝመጾ ተመሊሱ። እቶም ብጅግና በሓርነጋሲ ኢሳቕ ዝምርሑ ደቂ ምድረ-ባሕሪ ግና፣ ብዘይ ሓገዝ ትግራዎትን ኣምሓራን ን3 ዓመታት ዝኣክል ንበይኖም መኪተሞም። ድሕሪ ክንደይ ደም ምፍሳስ ግን ወራር ቱርኪ ብ1560 ኣብ ሒርጊጎን ምጽዋዕን ተላሒጉ ተረፈ። ዓቐብ ሸግርኒ ክወጽእ ግን ኣይከኣለን። መኽንያቱ በሓርነጋሲ ኢሳቅ ኣብ ቤተ መንግስi ዘድባርዋ ስለዝነበሩ ብምንታይ ምዓንጣ እሞ ንከበሳ ክድይብ።

ኣስተብህል፤ መሳፍንቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ወራሪ ክመጾም ከሎ፣ ንደቂ ምድረባሕሪ እዮም ረዳት ዝሓቱ ዝነበሩ። ብቕጽበት ከኣ ኣሕዋቶም ደቂ ምድረባሕሪ ዝረድኡዎም ነበሩ።ንመረዳእት፣ ወራር ግራኝ፣ ወራር ግብጺ ኣብ ጉንደት፣ ወራር ማህዲ ገላባት ኣብ መተማ፣ ወራር ኮሎንያል ጣልያን ኣብ ኣዕድዋ፣ ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ ድሎ ከይትዕሎ ኢሎም ኣብ ጎድኒ ደቂ ኣግኣዝያን እሕዋቶም ደው ኢሎም መኪቶምን ስዒሮምን ከኣ እዮም። ንኣብነት ግራኝ ንኢትዮጵያ ክወራ ከሎ፣ ደቂ ምድረባሕሪ ብዓል ብሓረነጋሲ ይሳቕ እዮም ረዲኦሞም። ግራኝ ድማ ብሳላ ደቂ ምድረባሕሪ ንሓዋሩ ቅሂሙ ተሪፉ። ወራር ግብጺ ድማ እቲ ዝበዝሐ ዓውዲ ኲናት ኣብ መሬት ኤርትራ ኣዩ ዝነበረ። እወ፣ ኣብ ጎዳጉድን ድባርዋን ጉራዕን ኩዓቲትን ጉንደትን እዩ ነይሩ። ኣብኡውን ተኻፋልነት ኢትዮጵያውያን ዳርጋ ኣይነበረን። ንጉስ የውሃንስ 4ይ ግና፣ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ጉንደት ምስበጽሐ ክምክት ክኢሉ። ኣብ ኩናት መተማ ድማ ንጉስ የውሃንስ ንደቂ ምድረባሕሪ ኣኽቲቱ እዩ ንማህዲ ገላባት ክድምስሶም ዝኽኣለ። ደቂ ምድረባሕሪ ግና ወረርቲ ምስ መጽዎም ሓገዝ ካብ መሳፍንቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ኣይረኽቡን በይኖም እዮም ኣንጻር ጸላእቶም ዝምክቱ ነይሮም። ቱርክን ግብጽን ንመታሕትን ንሰምሃርን ደንከልን ከመስልምዎ ከሎው፣መሳፍቲ ትግራይን ኣምሓራን ረዲኤት ኣይገበሩን። እንተዝገብሩ ነይሮም ሎሚ ከብ ሳሕልን ባርካን ፍርቂ ሰንሒትን፣ ሰምሃርን ደንከልን ክርስትያን ኮይኑ ምሃለወ።

3ይ.ወራር ግብጺ
ጀጋኑ ደቂ ኣግኣዝያን ኣብ ኲናት ጎዳጕዲ ኣንጻር ሰራዊት ግብጺ፣ “ሎሚ ዘይከተተ ኣብ ጎዳጉዲ ነዲኡ ይኾነን ሰኽታት መጕዲ”፣ ኢሎም እንዳኣወጁን ኣንዳዝመሩ ቅያ ሰሪሖም እዮም። ኣብ ጉራዕ ድማ፣ “ሎሚ ዘይከተተ ኣብ ጉራዕ ነዲኡ ይኾነን ሰኽታት ቍራዕ” እንዳበሉ እዮም ንወራር ግብጺ ድሂሎሞ። ኣብ ኩናት ጉንደት ግና፤ እቶም ብንጉስ የውሃንስ 4ይ ዝምራሑ ሰራዊት ትግራይ ምስ ደቂ ምድረባሕሪ መኪቶም እዮም። ካብኡ ወራር ግብጺ ብጀጋኑ ደቂ ኣግኣዝያን ተኸትኪቱ ዝሮምሮ ኣትዩዎ ተሳዒሩ።

ኣስተብህል፣ንግብጺ ደቂ ኣግኣዝያን እንተዘይምክትዎ ነይሮም፣ ሎሚ ኢትዮጵያ ኣብ ምስልምና ሃይማኖት ጥሒላ ምሃለወት። ኣብ ትሕቲ ግብጺ ድማ ትግዛእ ምሃለውት ነይራ።ኣብቲ ዘመን እቲ ኮሎንያል እንግሊዝ ኣብ ሱዳንን ኬንያን ትገዝእ ዝነበረትሉ ዘመን ነበረ። ስለላ መርበብ ኮሎንያል እንግሊዝ ግን ኣዝዩ ረቂቕ ስለዝነበረ፣ ንከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ መሬት ምድረ-ባሕሪ (ሎሚ ኤርትራ) ንኽትቆጻጸር ዝተፋላለየ ስዉር ውዲታት ተካይድ ነበረት። ንመረዳእታ፤ ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ንኽትቆጻጸር ብውዲታዊ ዓባይ ብሪጣንያ ተሰንዩን ተሓጊዙን ጥራይ እዩ ንኤርትራ ክወርር ዝደፈረ።

እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰለይቲ ድማ ጆሴፍ ሙዚንገር ወዲ ስዊዘርላንድን፣(Josef Munzinger) ኣብ ስዊዘርላንድ እትርከብ ኦልተን ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ተወልደ።እዚ ሰብዚ ካብ ሃብታም ስድራቤ እዩ ተወሊዱ። ኣብኡ ክኣ ኣባል ፈደራላዊ ባይቶ ስዊዘርላንድ እዩ ዝነበረ። ኣብ በርን ዩኒቨርሲቲ ከኣ ታርኽን ስነፍልጠን ተማህረ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሙኒክ ከተማ ጀርመን ድማ (Oriental studies ኦርየንታል መጽናዕቲ ተማህረ። ኦርየንታል መጽናዕቲ ማለት ትርጉሙ፣ ብዛዕባ ቋንቋን ባህልን ዓለትን መበቆልን፣ታሪኽን እርኪዮሎጂን መጽናዕቲ ደቂሰባት ዘጠቓለለ ዓይነት ትምህርቲ እዩ። ዮሴፍ ሙሲንገር ብ1852 ዓ.ም.ፈ. ንካይሮ ግብጺ ተላኢኹ፣ ንሓደ ዓመት ዓረብኛ ቋንቋ ተማህረ። ድሕሪ ዓረብኛ ቋንቋ ትምህርቲ ምውሳዱ ከኣ፣ ካብ ግብጺ ኣብታ ኩሎም ኤውሮጳውያን ዝብህጉዋ ዝነበሩ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ እትሪከብ ምድረባሕሪ (ሎሚ ኤርትራ)፣ ከምኡውን ንፍረለግ ኒል ንምቁጽጻር ስለልኡ ቀጸለ። ካብኡ ጸኒሑ ብ1861 ዓ.ም.ፈ. ምስቲ Theodor von Heuglin ዝተባህለ ንማእከላይ ኣፍሪቃ ዝስሊ ዝነበረ ጀርመናዊ ሰላዪ ተራኸበ። ድሕሪ ምስቲ ሰላዪ ጀርመናዊ ምርኻብ ከኣ ካብ ወርሒ ኖቨምበር 1861 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ንከባቢ ጋሽን ኣትባራን ይስልን ይድህስስን ነበረ። ብ1862 ዓ.ም.ፈ ድማ ንካርቱምን ብጽሐ። ኣብ ካርቱም ድማ ከም ኣመሉ ስለያን ኮለላን ከካይድ ጀመረ። ንከባቢ ዳርፉን ንኽሳገር ምስፈተነ ግና ኣይሰለጦን። ካብኡ ግን ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ንከተማ ከረን ግዓዘ። ኣብኡ ኮይኑ ድማ ንህዝቢ ቦጎስ ይስልዮ ነበረ። ኩሉ ግዜ ድማ ነቲ ብስለላ ዘዋህለሎ ሓበሬታን (ስለያዊ መጽናዕት)፣ ነቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝነብሩ ልኣኽቱ፣ ብተለግራምን ኣናመሓላለፈን፣ ብኣካልን ከኣ እናተማላለስን የማሓላልፈሎም ነበረ። ንመረዳእታ ኣብ 1863ዓ.ም.ፈ. ንቁሩብ ግዜ ኣብ ኤውሮጳ ምስጸንሐ፣ ካብቶም ልኣኽቱ ብፍላይ ከኣ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሓዲሽ ስትራተጂካዊ መደብ ስለዝተዋህቦ፣ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ምድረ-ባሕሪ (ሎሚ ኤርትራ) ኣብ ባጽዕን ዓሰብን እንዳተማላለሰ ጉዳይ ስለላን ኮለላን የካይድ ነበረ። ኣብ ከባቢ ዳንካልያ ዓፋርን ኮይኑ ድማ ንኩነታት ንጉስ ቴድሮ ይጸናጸንን የጽንዕን ነበረ።እዚ ዘመን እዚ ንጉስ ቴድሮስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገዝኣሉ ዝነበረ ዘመን እዩ ዝነበረ። ሽዑ ግዜ ንሃጸይ ቴድሮስ ክስልዮም ካብ ሃገር እንግሊዝ ንመቕደላ ዝኣተዉ እንግልዛውያን ሰለይቲ ብንጉስ ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ዝነበረ ግዜ እዩ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከኣ ሽዑ እዋና ንግስቲ ቪክቶርያ እትብሃል ኣዲኣ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ትገዝኣሉ ዝነበረት ዘመን ነበረ። እቲ ግዜ እቲ ድማ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንንጉስ ቴድሮስ ክትወቕዖ መደብ ኣውጺኣትሉ ዝነበረት እዋን እዩ።

ሰላዪ ሙሲንገር ኣብቲ ከባብ ስሜናዊ ምብራቕ ከባቢ ደንክልን ኢትዮጳን ኮብሊሉ ጉዳይ ስለላን ኮለላን የካይድ ነበረ። በቲ ንሱ ዘውጽኣሎም ሓበሬታን ስትራተጂን ድማ እቲ ብጀነራል ናምፒር ዝምራሕ ሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካብ ሃገር ህንዲ ተበጊሱ ብ1868 ዓ.ም.ፈ. (British invasion of Ethiopia) ንምቕደላ ደየበ። ኣልፋን ኦሜጋን ንጉስ ቴድሮስ ከኣ ኮነ። ጀነራል ናምፒር በቲ ሰላዪ ሙሲንገር ዝኣከበሉ ሓበሬታን፣ ብሓገዝ ንጉስ የውሃንስ 4ይን ተሓጊዙ እዩ ነቲ ንኣሽሓት ዓመታት ዘይተደፍረ ጎቦታት በጌምድር ኣቋሪጹ ንመቕደላ ክበጽሕ ዝኽኣለ። ድሕሪ ወራር ዓባይ ብሪጣንያ ንኢትዮጵያ፣ ዮሴፍ ሙሲንገር ኮንስል ዓባይ ብሪጣንያ ተሸሙ ኣብ ምጽዋዕ ኮይኑ ንቀጻላይ ስትራተጂ ኮሎንያል ጣልያን ይስልን የጽንዕን ነበረ። ሰላዪ ዮሴፍ ሙዚንገር ክልተ በላሕቲ ሰለይቲ ግንከከኣ ብማሕበር ቫቲካን ተመልሚሎም ዝተላእኩ ብጾት ነይሮሞ ኣዮም። ንሳቶም ድማ፣ ፓደረ ጁዘፐ ሳፔቶ ላዛሪስት ፈላሲ ኣብ ከባቢ ብጽዕን ዓሰብን፣ፓድረ እስቴላ ዝተባህለ ድማ ኣብ በጎስን ምድረ-መንሳዕን ምሕላብ እንዳኮብለለ ዝስሊ ዝነበረ ፈላሲ ነበረ። ቅድም ንኤርትራ ድሓር ድማ ንኢትዮጵያ ንኽስልዩ ብቫቲካት ተዓሲቦም ብመደብ ጽዮናውያን ዝተላእኩ፣ ምስ ዮሴፍ ፍሙሲንገር ተላፊኖም ዝሰርሑ ሰለይቲ እምብኣር ፓደረ ጁዘፐ ሳፔቶን፣ፓድረ እስቴላ እዮም ዝነበሩ።

ኣስተብህል፤ ዮሴፍ ሙዚንገር ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ብስለላ መርበብ ሃገር ስዊዘርላንድን ጀርመንን ይልኣኽ እምበር፣ ቀንዲ ዓሰብቱ ኤም.ኣይ.6 ስለላ መርበብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ እዮም ዝነበሩ። እቶም ቀንዲ ምስኡ ተላፊኖም ማለት ከም ሰለስተ ስላሴ ንሓደ ስትራተጂካዊ ዓላማ ጽዮናውያን (One Tam one Mission) ኮይኖም ኸሳልጡ ንምድረባሕሪ ዝተመደቡ ቦኽሪ ስለያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ፣ ፈላሲ ጁዘፐ ሳፔቶ ላዛሪስት (Giuseppe Sapeto Lazarist An Italian orientalist, author, and political agent, who acquired the Red Sea port of Assab for Italy.) http://www.dacb.org/stories/non%20africans/sapeto_g.html ፈላሲ ስቴላ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ፈላሲ ምኻኖም ተገንዝብና ኢና። እቶም ቀንዲ ምስኡ ተላፊኖም ማለት ከም ሰለስተ ስላሴ ንሓደ ስትራተጂካዊ ዓላማ ጽዮናውያን (One Tam one Mission) ኮይኖም ኸሳልጡ ንምድረባሕሪ ዝተመደቡ ቦኽሪ ስለያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ፣ ፈላሲ ጁዘፐ ሳፔቶ ላዛሪስት (Giuseppe Sapeto Lazarist An Italian orientalist, author, and political agent, who acquired the Red Sea port of Assab for Italy.) http://www.dacb.org/stories/non%20africans/sapeto_g.html ፈላሲ ስቴላ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ፈላሲ ምኻኖም ተገንዝብና ኢና።

ላዛሪስት ጁየፐ ሳፔቶ ብ1837 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዓድዋ መጺኡ ስለላዊ ስርሓት ድሕሪ ምክያድ መጽሓፍ ጽሒፉ ንኤውሮጳ ተመልሰ። ኣብ ፓሪስ ከኣ ቋንቋ ዓረብ ይምህር ነበረ። ካብኡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1869 ዓ.ም.ፈ. እንደገና ንምድረባሕሪ ተመልሰ። ኣብ ከባቢ ዓሰብ መጺኡ ድማ ከም ላዛሪስት ሰባኻይ ሃይማኖት ተመሲሉ፣ ሓንቲ ንኣሽቶ መሬት ካብ ሓደ ሱልጣን ወዲ ዓፋር ዓዲጉ፣ ነታ ኣብቲ እዋንቲ ዝዓበየት ትካል መራኽብን ባሕሪን ስትራትጂ መጽናዕን ተካይድ ዝነበረት ሩባቲኖ እንደጋና ነቲ ካብ ሱልጣን ዝዓደጎ መሬት ኤርትራ ሸጠላ። እታ ትካል ድማ ንመንግስቲ ጣልያን ሸጠትሉ። በዚ ውዲት እዚ እያ እምብኣር ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ክትወር ዝበቕዐት።

ፓደረ ስፔላ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብን ደንከልን “መጽሓፍ ቅዱስ ክምህረኩም እየ“ እንዳበለ፣ ከም ላዛሪስት ፈላሲ ተመሲሉ ስለላን ኮለላን ዝካይድ ዝነበረ ብማሕበር ቫቲካን ብመደብ ዝተላእከ ሰላዪ ካቶሊካዊ ፈላሲ ነበረ። ኣብ ምሓላብ ኮብሊሉ ዝስሊ ዝነበረ ድማ ፓድረ እስቴላ ዝተባህለ ካቶሊካዊ ፈላሲ ነቲ ተውህዶ ኦርቶድክስ ዝኣምን ዝነበረ ህዝቢ ቢለን ኣብ ከቶልኽ ዘእተዎ ልኡኽ ማሕበር ቫቲካን ነበረ።እዚ ፓድረ እስቴላ ዝተባህለ ፈላሲ ሰላዪ እዚ ድማ ብ1854 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከረን ንመጀመርያ ግዜ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ዘስርሐ እዩ። ቅድሚኡ ግና ኩሉ ህዝቢ በጎስ ኣoርተዶክስ እዩ ዝነበረ።

እዚ ሰብዚ ኣብ ምሕላብ ዝብሃል ምድረመንሳዕ ንብዙሕ ግዜ ኮብሊሉ ዝስሊ ነበረ። ኣብ ምሕላብ ምድረ መንሳዕ ኮብሊሉ ጉዳይ ስላላኡ እናኣካየደ ድማ ምስ ቪክቶርያ ዝተባህለት ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብቀጥታ ርክብ ዝነበሮ ሰላዪ ነበረ። ንደቂ ቦጎስ ብፍላይ ደቂ ተርቀ ብወራሪ ሰራዊት ግብጺ ተገፊፎም ንከሰላ ምስተወስዱ፣ፓድረ ስቴላ እዩ ምስ ንግስቲ ቪክቶርያ ተዛራሪቡ ኣብ ካቶሊክ እንተ ኣሚንኩም ንምድረ ቦጎስ ክመልሰኩም ኣኽእል እየ ኢሉ aaምኻሎም። ሐራይ ምስበሉዎ  ድማ ምስ መንግስቲ እንግሊዝ ተሳማሚዑ ንደቂ ተርቀ ንምድሪ እንዳብኦም ምድረበጎስ ንኽምለሱ ብውዕል ዝተሓባበሮም ሰላዪ ፈላሲ ነበረ። ካብኡ ግና እቲ ኣውራ ውዲታዊ ስርሑ ምስ ፈላሲ ላዛሪስት ጁዞፐ ሳፔቶ እንዳተማኻኸረ ንኮለንያል ጣልያን ንኤርትራ ዝኣትዉሉ ስለላዊ ስርሓት ዘካይድ ዝነበረ ዝሰላዪ ቫቲካንን መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን ነበረ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ ፓድረ ስቴላ ኣብቲ እዋን እቲ ንቆልዑ ግብረሰዶማዊ ረኽሲ ዝፍጽም ዝነበረ ሰዶማዊ (ፐዶፊልያ)  እዩ ዝነበረ። ከምኡውን እዚ ሰብዚ ብፍላይ ንኤርትራ ቀጺሉ ድማ ንኢትዮጵያ ንኽስሊ ብማሕበር ቫቲካን ዝተላእከ ሰላዪ ካተሊካዊ ፈላሲ እዩ ዝነበረ።

 ኣስተብህል፤ፈላሲ ላዛሪስት ጁዘፐ ሳፔቶን ፈላሲ ስቴላን፣ ብማሕበር ቫቲካን ብመደብ ንሃይማኖት ኦርትድክስ ንምጥፋእ ተመዚዞም ዝተላእኩ መንፈሳውያን ሰለይቲ ኢጣልያውያን ነበሩ። እቶም ቀንዲ ዘዋፍርዎም ዝነብረ ውዲታውያን ስዉራት ሓይልታት ድማ፣ ማሕበር ቫቲካንን ስለላ መርበብ እንግሊዝን ነበሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ኤርትራ እትዮም እንተዘይስልዩ ነይሮም ኮሎንያል ጣልያን ንመሬት ምድረ ባሕሪ ኣይምረገጻን ነይሩ። ክሳብ ሎሚ ግና ንመሬት ኣግኣዝያን ገቢትካ ንምቍጽጻር ዝብል ሕልሚ ቫቲካንን ጽዮናውያንን ገና ኣይተተግበረን ዘሎ። ምናልባት ሎሚ ስለላ ኣብ ዲጂታል ዝተቐየረሉ ረቂቕ ዘመን ኣርኪብና ስለዘሎና፣እዞም ኣምሆ ዘመን ዝነበሩ ስለይቲ ፈለስቲን፣ እቲ ብስለላ ዝሰልጠነ ሰላዪ ዮሴፍ ሙሲንገርን እቲ ሕልሞም ኣብ ደቂ ኣግኣይዛን ሰለይቲ ተማሓላሊፉ ዘሎ aዩ ዝመስል። ንመረዳእታ፣ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ዘለው ጭፍራ ህግደፍ፣ ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ጭፍራ ህውሃት፣ ክልቲኦም ደቂ ኣግዝያን እዮም። ንዘስተብህልን ዝመራመርን፣ እዞም ሰባት aዚኦም ከምቲ ጅግንነት ኣባኻጎታቶም እንተዝወርሱ ነይሮ፣ ልፕሚ መቐጸልታ ሳጰቶን ስቴላን ሙሲንገርን ኮይኖም፣ ንጽዮናያን ኣይመገልገሉ ነይሮም። aaብ ክንዲ ታሪኽ ማርክስን ለሊንን፣ ታሪኽ ኣባኻጎታቶም እንተዝወስድ ነይሮም ግና ህዝቢ ኣግኣዝያን ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምገዝኤ ነይሩ። እንድዒ ይምሰለሎም እምበር ይኸውን። ካብኡ ሓሊፉ ገረብ ብሓኽላ ኮይኑ እቲ ጉዳይ  ዝኸይድ ኣሎ። እወ፣ ታሪኽ፣ ፓድረ ሳጴቶን ስቴላን ሙሲንገርን ዝድገም ዘሎ ድማ ይመስል ኣሎ። ይኽደነና እዩ ዘብል!

5ይ. ወራር ማህዲ ገላባት፣ ገላባት፣ወራር ግብጺ ምስ ኣብቀዐ፣ ወራር ገላባት ማህዲ ድማ 1889 ዓ.ም.ፈ. ተቐልቀለ።ኲናት ማህዲ ወይ ዶርቡሽ ወይ ኣስላማዊ ኣኽራሪ ሓይሊ ካብ ሱዳን ተበጊሱ ንቤገምድር ዝተባህለ ክፍለ-ሃገር ኢትዮጵያ ወሪሩ፣ ንኣስታት 44 ዝኾና ኣብያ ክርስትያናት ኣቃጸለ። እቲ ኲናት መተማ፣ (March) ብ1889 ዓ.ም.ፈ. ካብ ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 10 መጋቢት፣ ኣብ ክልተ መዓልታት ጥራይ እዩ ተደምዲሙ። ስለዚ ኣብ ኲናት መተማ ከም ኣመሎም ደቂ ምድረ-ባሕሪ ምስቲ ብንጉስ የውሃንስ ዝምራሕ ሓይሊ ትግራይ ተላፊኖም፣ ንሰራዊት ገላባት ማህዲ ምኪቶም ፋሕ-ጭንግራሕ ከምዝኣትዎ ገሮም ስዓሩዎ። ኣብዚ ኵናት እዚ ብምልኦም ደቂ ምድረ-ባሕሪ ብተባዕ ጅግነትን ንሰራዊት ማህዲ ዝመከትሉ ዕለት ነበረ። ብስለላ መርበብ እንግሊዝ  ካብታ ኣብትሕቲ ጽላል ግብጺ እትነብር ሱዳን ተላኢኹ ኣብ ክልተ መዓልታት ብደቂ ኣገኣዝያን ኣብ ዕውዲ ኩiናት መተማ ተደምሲሱ።.ሰራዊት ማህዲ ንኢትዮጵያ ክወርር ብውዲት ዘበገስዎ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ነበሩ። መኽንያቱ ከኣ ሰራዊት ደቂ ምድረባሕሪ እንተድኣ ኣብ ኤርትራ ኣልዮም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንጉስ የውሃንስ ብሂወቱ እንተድኣ ጸኒሑ፣ ኮሎንያል ጣልያን እንደገና ንኤርትራ ክወርር ከምዘይክእል ብስለላን ኮለላን መጽናዕቲ ኣካይዱ ስለዘረጋገጸ፣ ኣንጻር ንጉስ የውሃን ሰራዊት ማህዲ ንኢትዮጵያ ከምዝወሩ ገበረ። ይኹን እንበር ሰራዊት ማህዲ ምስተደምሰሰ፣ ዛጊት ድሕሪ ኵናት መተማ ምድምዳሙ ከኣ፣ ብውዲት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ንጉስ የውሃንስ 4ይ ተቐንጸለ። ካብኡ ኩሉ ሰራዊት ንጉስ የውሃንስ ሰራዊት ራእሲ ወልደሚካኤል ዝነበሩ ደቂ ምድረባሕርን ፋሕ ብትን ኣተዎም። ካብ ውግእ መተማ ነንዓዶም ምስተመልሱ ድማ። ኮሎንያል ጣልያን ብሓገዝ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ተኻላኻሊ ሓይሊ ከየጋጠሞ፣ ግንከኣ ሓንቲ ጥይት ከይተኮሰ ብከረን ኣቢሉ ነስመራ ኣተወ። እወ፣ ብእምባትካላን ሸግርንን እንተኣቢሉ ግና ደቂ ምድረባሕሪ ከምታ ኣብ ደጓሊ ዝጓነፈቶ ስዕረት መታን ከየጓንፎ ብኸረን ተጥዋውዩ እዩ ነስመራ ዝደየበ።

6ይ. ወራር ኮሎንያል ጣልያን፣
ንማንም ኤውሮጳዊ ኮሎንያል ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይኣጋጠሞ፣ ወራር ኮሎንያል ጣልያን ግና፣ ብ 27.01.1887 ዓ. ም.ፈ. ኣብ ዶጓሊ ብመብዛሕትኦም እቶም ቅድም  ሸቃ እሉላ፣ ንርእሲ ወልደሚካኤል ብማሕላ ምስ ማረሖም ግና ራእሲ ኣሉላ ዘበለ ዝምርሑ ዝነበሩ  ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ፣ ኣብቲ ኲናት ዶጓሊ “ወዲ ማይ ጓይላ”! እናበሉ እዮም ነቶም ሰራዊት ጣልያን ዝመንቆሱዎም። 75 %  ካብቶም ኣብቲ ኵናት ደጓሊ ዝውዓሉ ድማ፣ወተሃደራት ራእሲ ወልደሚካኤል ነበሩ። ንሳቶም ድማ መብዛሕትኦም ደቂ 7 ደቀተሽምን ለጎጭዋን ድንበዛንን ዓንሰባን እዮም ዝነበሩ። ኣብቲ ኲናት ዶጓሊ ትግራዎትን ደቂ ኣከለጉዛይን ሰራየን እውን ተኻፊሎም።2ይ ግዜ ድማ ኣብ ኲናት ዓድዋ፣ ዋላኳ ኮሎንያል ጣልያን፣ ካብ 11 ሽሕ ዝበዝሑ ዓስከር ደቂ ምድረባሕሪ ኣዕጢቑ፣ኣብቲ ኩናት ዓድዋ ኣንጻር ኢትዮጵያ እንተ ገጠመ፣ኣብቲ ዓውዲ ኩናት ዝነበሩ ጀጋኑ ግና መብዛሕትኦም ደቂ ምድረባሕሪ እዮም ዝነበሩ። ብዓል ድግያት ኣበራ ወዲ ራእሲ ሃይሉ ጽዓዘጋ፣ “ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ”! ተባሂሉ ብንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ ዝተጸውዐን፣ ጅግና ራእሲ ወልደሚካኤል ድማ ካብቲ ንጉስ የውሃንስ 4 “ዕድመይ ይፍታሕካ” ኢሎም ዝፈረዱዎ፣ ድሕሪ ኣብ መተማ ምማቶም ካብ ማሕዩር ሓራ ወጺኡ፣ ኣብቲ ኩናት ዓድዋ ብጅግንነት መኪቱ፣ ኣውዓሎም ብዓል ጸዓዘጋ ድማ ዓቢ ቅያ ዝሰርሐ ጅግና  ዝትኻፈሉዎ ኲናት ነበረ።

ኣስተብህል፣ ኮሎንያል ጣልያን ንምድረባሕሪ ምስተቖጻጸረ፣ ብዙሓት ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ፣ ኣብ ዶብ ትግራይ ብውድብ መልክዕ ተወዳዲቦም ንኮሎንያል ጣልያን ንኽምክቱዎ ከይዶም። ካብ መሳፍንቲ ትግራይ ግና ሓገዝ ምርካብ ዘይኮነስ፣ ሃሃዲኖም ንጣልያን ንጣልያን የረክቡዎም ነበሩ። መሳፍንቲ ትግራይ ንደቂ ምድረባሕሪ እንተዝተሓባበሩዎም ነይሮም፣ ኮሎንያል ጣልያን ንዓድዋ ክበጽሕ ኣይኮነን ካብ ኤርትራውን ምተሰጐ ነይሩ። ሎሚውን እቶም ተቓውሞ ዝብሃሉ ውድባት ኤርትራ ንትግራይን ኢትዮጵያን ኣትዮም ንህግደፍ ንኽምክቱዎ ሳብ ሎሚ ኣይከኣሉን። መኽንያቱ ድማ ህውሓት ብትእዛዝ ጽዮናውያን ንግበሮን ኣይነጸብቆን ድኣምበር፣ ብግቡእ ክተሓባበሩ ስለዘይደለዩ እዩ። እቲ ታሪኽ ግና ዝድገም ዘሎ እዩ ዝመስል። መኽንያቱ ኣምሆ ዘመን ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ምስሓዘ፣ ንኣዲስ ኣበባ እዩ መሪሹ እንበር ኣብ ኣስመራ ተወሲኑ ኣይተረፈን። መኽንያቱ እቲ መደብ ጽዮናውያን፣ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቍጽጻር ስለዝኾነ፣ ሎሚውን ድሕሪ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምቍጽጻር ስለኾነ እቲ መደቦም፣  ብረቂቕ ሜላ ንኸተግብሩዎ ንህውሓትን ህግደፍን፣ ብረቂቕ ስለላን ኮለላን  ፈላልዮም ኣዋፊረሞም ኣለው። ህዝቢ ኣግኣዝያን ከምቲ ጥንታዊ ታሪኽ ብሓባር እንተዘይ መኪቱ ክድሕን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ህውሓትን ህግደፍን ክልብሙ መድረኽ ይጠልቦም ኣሎ።  እንተዘይኮይኑ ተላኻኺምና ክንጠፍእ ኢና። ኣላማ ጽዮናውያን ድማ ልክዕ ከምኡ እዩ።

7ይ. ዓባይ ብሪጣንያ፣

ዘመን ግሪንቢጥ ማይ ንዓቐብ ከምዝብሃል፣ ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ክወርር ከሎ፣ ሳላ ስለላን ኮለላን ዓባይ ብሪጣንያ እኳ እንተነበረ፣ብ1933 ዓ.ም.ፈ. ኣዶልፍ ሂትለር ኣብ አውሮጳ ምስ ገነነ ግና፣ መንግስቲ ጣልያን ምስ መንግስቲ ጀርመን ተማሓዘወት። ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ግና ጀርመን ምስተሳዕረት፣ ኮሎንያል ጣልያን ድማ ብሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያ ተሳዒሩ ካብ ምድረባሕሪ ወጸ። ምድረባሕሪ ድማ ኣብ ትሕቲ መግዚታዊት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣተወት። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣግኣዝያን ኣብ መንጎ ክርስትናን ኣስላምን ፈጺሙ ምፍልላይን ዘይነበረ ክነሱ፣እንግሊዝ ግና ብዙሕ ውዲታት ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ዝነበሩ ኣስላምን ክርስትናን ደቂ ምድረባሕሪ ፈጺሙ። ንመረዳእታ ቋንቋ ዓረብኛ ከም ቋንቋና ገሩ ብቐስብ ኣብ ህዝቢ ምድረባሕሪ ዘተኣታተወ ፈላላዪን ዓሌታዊን ኣከይ ስለለ መርበብ እንግሊዝ ነበረ። ኮሎንያን እንግሊዝ፣ ነቲ ኣብ መግዛእቲ ኮሎንያል ጣልያን ብርሃጽ ደቂ ምድረባሕሪ ዝተሃንጸ ክቡር ኣቑሑት ዘሚቱዎ እዩ ንለንዶኑ ተመሊሱ። ሽዑ እዮም እዝመርቲ ኤርትራ “ኣያ እንግሊዝ ኣንታ ነኵዃል ሰልዱ፣ ካብ ድኻን ሃብታምን ዝበልዕ ኣዋሊዱ፣ ንሃገርና ዘሚቱዋ ከደ ንሎንድራ ዓዱ” ኢሎም ዝደረፍሉ። እወ፣ ዘገርም እዩ፣ንለንደን ምስተመልሱ ድማ ክሳብ ሎሚ ሰለልቶም ብምልኣኽ፣ንኤርትራን እትዮጵያን ብኢደ ኣዙር ይገዝኡወን ኣለው።

8ይ. መግዛእቲ ኢትዮጵያ
ኣብ ትሕቲ ንግስነት ንጉስ ሃይለስላሴ ካብ 1961 ክሳብ 1973።
ኣብ እትዮጵያ ብማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያን እኳ እጃሞም እንተ ገበሩ፣ ብፍላይ ግና ንጉስ ሃይለስላሴ ብሰንኪ ቃልሲ ህዝቢ ምድረባሕሪ እዩ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝተገደ።

9ይ. መግዛቲ ፋሺስታዊ ወተሃደራዊ ደርጊ 1973/1991
ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኣጽዋር ኵናት ዝዓጠቐ ፋሺስቲ መንግስቱ ሃይለማርያም ድማ ድሕሪ 17 ዓመታት ንኤርትራ ክድምስስ ዝሓሰበ ብጀጋኑ ደቂ ኣጋእዝያን (ኤርትራውያንን ትግራዎትን) ተደምሲሱ። እወ ክንደይኳ ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ሓምለ ሰነ ኮነ፣ኣብቲ እዋንቲ ዸቂ ኣግኣዝያን ህውሓትን ሻዕብያን፣ ታሪኽ ኣብሓጎታቶም ደጊሞም እዮም። ንወተሃደርዊ  ወራር ኢትዮጵያ ንሓዋሩ ከምዝቕህም ገሮሞ ድማ ኣፋንዮሞ aዮም። ኣዋእ፣ ኣብዚ እዋንዚ ግና፣ብሰንኪ ስለላዊ ውዲት ጽዮናውያን፣ ካብ ታሪኽ ኣባሓጎታቶም ኣላጊሶም ኣለው። ብሓባር እንተ ተላዚቦም ዘርኢ ኣግኣዝያን ክድሕን እዩ። ከምዛ ዝኸዱዋ ዘለው እንተድኣ ቀጺሎም ግና፣ ክልቲኡ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን (ህዝቢ ኣገኣዝያን) ክጠፍእ እዩ። ጸዓዱ ከኣ ሕልሞም ክፍጸም እዩ። ኣይግበሮ ድኣንበር፣ ህውሓትን ህግደፍን ብኸምዚ ዝኸዱዎ ዘለው እንተድኣ ቀጺሎም፣ቀንዲ ከድዓትን ኣገልገልቲ ጽዮናያንን፣ ግንከኣ ጸላእቲ ደቂ ኣግኣዝያን ኮይኖም ኣብ ታሪኽ ክምዝገቡ እዮም። ካብዚ ረሳሕ ታሪኽ እዚስ ኣባጅጎ የድሕነና። መንግስቱ ሃይለማርያም ብጽዮናውያን ተሓጊዙ ሃገር ጠንጢኑ ንዚንብቨ ጸሊቑ ትዓዚሩ። ንሶምከ ከመይ ኮን ይኸውን እቲ መጻኢ ዕድሎም። ካብ ዕጫ መንግስቱ ሃይለማርያምስ እባ የድሕኖም!! እቶም ስዉራት ሓይልታት ግና ብዘይካ ስራሕ እከይ ካልእ ስለዘይሰርሑ፣ ካብኦም እንተዘይተጋላጊሎም፣ ካብ መንግስቱ ዝኸፍአ ዕጫ እዩ ክበጽሖም። ዕጫ ሕዳሪናይ መለስ ትፈልጡዎ ትኾኑ ኢኹም። ብመርዚ እኮ እዩ ተመሪዙ ኣብ ማእከላይ ዕድሜኡ ተቐንጺሉ። ሓቂዶ ሓሶት?

10ይ. መግዛእቲ ህግደፍ ካብ 1991 ክሳብ ሎሚ 2016 ዓ..ም.ፍ.
እቲ ንብረት ዝዮንነ ዝኾነ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝብሃል ዝነብረ፣ ተታሒሱ ንሓይሊ ደርጊ ስዒሩ ነስመራ ምስኣቶ። ዛጊት ድማ ካብ ኮሎንያል ጣልያን ዝገደደ ስርዓተኣልቦ ምልኪ ተጀመረ። ኣምሆ ዘመን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሎሚ ከኣ ህ.ግ.ድ.ፍ. ብስለላን ኮለላን ምዕራባውያን ጥራይ እዩ ተኾስኲሱ ዓብዩ። ከምኡ ስለኾነ ድማ እንሆ ንራዪን ዓላማን ህዝቢ ምድረባሕሪ ክሒዱ፣ኩርኩ ጽዮናውያ ምዃን መሪጹ፣ ግንከኣ እንሆ ሎሚ ዕርቃኑ ወጺኡ።

ህዝቢ ኣገኣዝያን ካብ መጀምርያ፣ ልሉይ መንነትን፣ ፍትሓዊ ሕጊ-እንዳባን፣ ጭዋ ባህልን፣ ቅዱስ ኦሪታዊ ሃይማኖትን ዝውንኑን፣ መሰል ደቂ ሰባት ዘኽብሩን ህዝቢ እዮም። እኳድኣ ካ ቅድሚ ል.ክ. ክሳ መዋእል ንግስት ሳባ፣ ካብ መላእ ዓለም ጓለንስተይቲ ንግስቲ ዝነበሮ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኣግኣዝያን ብዘይ ምግናን ጅግና ፍትሐኛን ፈሪሓ እግዚኣብሔር ዘለዎን ህዝቢ ዩ። ከምኡ ስለዝኾኑ ድማ እዮም ባዕዳውያንን ኣስላምን ካብ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሮ፣ ንክወሩዎም ዝመጹ ኩሎም መኪቱ ዝስዓረ  እዩ። ብጽዮናውያን ከምኡውን ማሕበር ቫቲካን፣ ህዝቢ ኣጋኣዝያን ታሪኾም ንኽርሳዕን እንተኺኢሉ ድማ፣ ክሓክዎን፣ ዳርጋ ካብ 8ይ ክፍለዘመን ጀሚሮም እዮም ኣንጻሩ ተረባሪቦም። ብርግጽ ግና ህዝቢ ኣጋኣዝያ ጀጋኑን ኩሩዓትን እኳድኣ ቅድሚ ኤሮጳውያን ጀሚሮም ስልጡናት ከምዝነበሩ፣ መጽሓፍቲ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።ኤሮጵውያን ድማ ኩሉ ስርሖም ድኣ ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ ኮይኑምበር፣ ንደቂ ኣግኣዝያንሲ ብሉጻት ደቂሰብ ምኻኖም፣ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም።

እቶም ቀንዲ ጸላእቲ ደቂ ኣገኣዝያን ድማ ጽዮናውያን እዮም። እቲ ቀንዲ መኽንያት ድማ፣ ህዝቢ ኣጋኣዝያን ኣልፋን ኦሜጋን ስለ ዝኾነ እዩ። ትርጉሙ ድማ እዞም ህዝቢ እዚኦም፣ ካብ መላእ ዓለም ዘሎ ህዝብታት፣ እቶም ካብ መዋእል ሙሴ ጀሚሮም፣ ፈለምትን ጀመርትን ሰረትን ስልጣኔን እዮም። እዞም ህዝቢ ኢዚኦም እቶም ቀዳሞት ሓገግቲ ሕግኣንዳበን ወነንቲ ቅዱስ ሃይማኖትን ባህልን ጭዋ መንነትን እዮም። እቲ ንህዝቢ ርሂጸ በልዕ ንምድንጋር  „ማሕበርነት“ ወይከኣ „ደስነት“ ተባሂሉ ብፍላስፋታት ጽዮናውያን፣ ተሰኒዑ ኣብ ሃገር ሩስታን ቻይናን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ዝመንቆሰ፣ ግንከኣ ጥራይ መወዳድርቲ ካፒታሊዝም ኮይኑ ብምጽናሕ ፈርከሽከሽ ኢሉ ዝተደምሰ ስርዓት ደስነት፣ ካብ ጥንቲ ኣብ ምድረ ኣግኣዝያን እዩ ዝነበረ። ስለዚ ብስርዓተ ሕግን መንግስትን ኣንተኾይኑውን፣ ኣብ መጽሕፍ ቅዱስ ዝተሰረተ ደስነት ሕጊ እንዳባን እኳድኣ ቅድሚ ምዕራባውያን፣ ዝነበሮ ህዝቢ እዩ።እዚ ህዝቢ እዚ ብፍላይ ኣብቲ ዝነብሩዎ ኣከባቢ ብውሓዝቲ ማይን ባሕርን ዝተኸበ ኮይኑ መሬቶም ከኣ ብባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደለ እዩ። ኣየር ሃገሮም ድማ መኣዛን ጥዕናን ዘለዎ እዩ። እቲ ቀንዲ ዓላማ ዝዮናውያን ኣምብኣር፣ ነቲ መሬቶምን ማዮምን ባሕሮምን ባህርያዊ ጸግኦምን ስለዝብሃጉዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ህዝቢ ኣጋኣዝያ ጀማሪ ስልጣኔን ባህልን ኦሪታዊ ሃይማኖት ሙሴን ስለዝኾነ ጽዮናውያን ሓሳዳት ስለዝoኑ ዝበልጾም ኣይፈትዉ ስለዝኾኑ፣እዚ ብሉ ህዝቢ እዚ ክህሉ ኣይደልዩዎን እዮም ። እዚ እዩ እቲ መጎታዊ ሓቂ።ስለዚ ከኣ እዩ ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ብፍላይ ግዳይ ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣ ሃገሩ፣ ብሓፈሻ ድማ ግዳይ መንነቱን ዘይድፈር ጅግንነቱን ጭዋ ባህሉን፣ ቅዱስን ጽኑዕን ኣምነት እግዚኣቢሄር ስለዘለዎን፣ ዘሚቱን ንጓኖት ወሪሩን ዘይፈልጥ ውርዙ ህዝቢ ስለዝኾነ እዮም። ጽዮናውያን ካብ ኣስታት 2000 ዓመታት ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንህዝቢ ኣገኣዝያን ብድሎ ከይትዕሎ ክስዕሩዎ ስለዘይከኣሉ፣ ብውዲት ካብ ዓሌቱ ዝኾኑ ልኡኻት ሳጥናኤናኤል ከም ብዓል ኢሰያስ ልእኢኾም ነቲ ኣልፋን ኦሜጋን ንኽውንንዎ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው።

ኣስተብህል፤ ህዝቢ ኣጋኣዝይን ንጎረቤት ሃገር ይኹን ንካኽልእ ሃገር ደፊሩን ዓሚጹን ወሪሩን ዘይፈልጥን፣ ብኤውሮጳውያን እውን ግልያ ኮይኑ ዘይፈልጥን፣ፈሪሃ እግዚኣብሔር ከኣ ዘለዎን፣ ንባህራዊ ጸጋ መሬቱን ባሕሩን ድማ ኣብ ረብሓኡ ኣውዒሉ ብሰላም ክነብር ዝደልን ህዝቢ እዩ። እቶም ካብ መዋእለ ዕዳጋ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ማለት ካብ 14 ክፍለዘመ ጀሚሮም፣ ክሳብ 19 ክፍለ-ዘመን፣ ሰለልቲ ኣዋፊሮም ስትራተጂካዊን ኤትኖሎጂካዊን ምጽናዕቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ግና ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘካይዱ ዝነበሩ ጽዮናውያን እዮም ዝነበሩ። ንመረዳእታ እታ ንመጀመርያ ግዜ 1619 ዓ.ም.ፈ. 20 ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ጽዒና ንጆርጅ ታውን (Jamestown, Virginia) ዝኣተወት (White Lion) እትብሃል መርከብ (Dutch ship) ዋናታታ ጽዮናውያን ክኾኑ ከለው ዘወርታን ገላዩ ጸለምቲ ዓዲጎም ዘመላልሱ ዝነበሩ ግና ግና እቶም ካብ ዓለም ቀንዲ ዓሌታውያን ዝነበንሩ ዝኾኑን ስፓኛውያን ነበሩ።

ድሕሪ እቲ ብስለላን ኮለላን ዘዋህለልዎ ሓበሬታ ድማ ንወረርቲ ኤውሮጳውያን ዕጥቅን ስንቅን ስትራተጂካዊ ሕንጻጽን ኣስኒቖም ንሃገራት ኣፍሪቃ ንኽወሩ ዘዋፍሩዎም ዝነበሩ፣ እቶም “ይሁዳያን ኢና“ ዝብሉ፣ ግንከኣ ቀንዲ ጽዮናውያን ድኣንበር ይሁዳውያን ዘይኮኑ እዮም። ብግቡእ ታሪኻዊን ጀነቲካዊ ምርምርን መጽናዕቲ ብዛዕባ እቶም ቀንዲ ደቂ ኣብርሃምን ኢሳቅን ወይ ብስም ደቂ እስራኤ ዝፍለጡ ጥንታውያን ኣመንትን ተቐበልቲ ኦሪታዊ ሃይማኖትን ዝኾኑ ህዝቢ መንምዃኖም እንተዝካየድ ግና እቶም ብሓቂ ኣልፋን ኦሜጋን ዝኾኑ ደቂ ኣጋእዝያን ጥራይ እዮም። ድሮውን ተፈሊጡ እኮ እዩ። ግና ብወግዒ ንኸይዝርጋ ብጽዮናውያን ክልኩል እዩ። መኽንያቱ እቲ ጉዶም ከይፍለጥ ስለ ዝርዕዱ። ኣዚ እዩ እምብኣር እቲ ሓቂ ።

ክቕጽል እዩ

ብሓልዮት መርበብ ሓበቴታ ደቅብት ኣግኣዝያን 14.11.2016 ዓ.ም.ፈ.