እቲ ኮሚንስት ዝብሃል ፍሹል ፍልስፍና “ማሕበርነት“ ወይከኣ “ደስነት“፣ ንርሂጸ በላዕ ዓለም ንምትላል፣ ብውዲት ብመሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ካብ “ፕሮቶኮል“ ዝተባህለ ውዲታዊ ፍልስፍና ተቐዲሑ ዝተሰንዐ፣ ስኑዕ ፍልስፍና ሓሶት እዩ ዝነበረ። ንኸምስሉ ግና በቶም ምሳርሕን ግዳይን ጽዮናውያን ዝነበሩ፣ ኤንጅልስ፣ ማርክስን፣ ሌሊንን ዝተጻሕፈ “ፍልስፍና” እዩ ዝነበረ። እወ፣ ንሚልዮናት ዝኾኑ ሩስያውይንን ቻይናውያን ዝመንቆሰ፣ ንራእዪ ኣፍሪቃውያን ድማ ዝለከመ፣ ጸኒሑ ድማ ድሕሪ ሓደ ፍርቂ ዘመን ዝፈሸለን፣ ብውዲት ዝተሰንዔ ሰይጣንዊ “ፍልስፍና” እዩ።

ኣስተብህል፣ነቲ “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፣ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይን” ዝብሃል ትካል ጽዮናውያን ዝመርሑዎ ፖሊት ቢሮ፣ እቶም ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጽ ዝኾኑ ልኡኻት ሳጥናኤል እዮም። ነዚ ገርሀኛን ፈሪሃ ኣግዚኣብሔርን ዘለዎ ህዝቢ ኣገኣዝያን ብዘይ ምጻእ መጺኦም፣ ሎሚ ከኣ ሓዲግ መዲግ ኣትሪፎሞ ንዕዘብ ኣሎና። ኣብ ክንዲ ኣብ መንነትን ታሪኽን፣ ሕጊእንዳባን፣ መሬትን ሃይማኖትን፣ ህዝቢ ኣግኣዝያንን ዝተመርኮሰ ፍልስፍና ስነሓሳብን ኣልዒሎም፣ ንህዝቢ ኣንጻር ጸላቱ ብግቡእ መኪቱ ንኽከላኽል ዝምህሩዎን ዘፍልጡዎን፣ ብኣንጻሩ ግና፣ “ኣዲኣ ገዲፋ ሓትኖኣ ትናፍቕ” ከምዝብሃል፣ ማርክስ ከምዚ በለ ለኒን ከኣ ከምዚ ደገመ” እንዳበሉ፣ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ኣደንቁሮሞ እዮም። እወ፣ ትምህርቲ ሰይጣን ዝኾነ ፍልስፍና ተለቂሖም እዮም ሚሂሮሞ። እቲ ውጽኢቱ ድማ ሎሚ ንርእዮ ኣሎና።

ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ዕንክሊል ሰውራ ከኣ፣ እንሆ ሎሚ ብሰንኪ ሻዕብያን ህውሓትን ዝፈጸምዎ ርኹስ ፕሮጀክት (ግንከኣ ፕሮጀክት ጽዮናውያን)፣ ኩነታት ህዝቢ ኣግኣዝያን ኣብ ምንታይ በጺሑ ከምዘሎ ዛጊት በሪሁስ “ነዚ ክትጥሕና ዲኽን ትርህጻ” ኮይኑ ንዕዘቦ ኣሎና።

ርግጽዩ፣ ብመሰረቱ ጽዮናውያን ብፈላሊኻ ግዝእ ዝብል ውድታዊ ስነኣእምራዊ ሽበራን ዝትሕዝቶኡ ማእለማ ዝኣለምዎ ኮይኑ፣ ግንከኣ መወዳድርቲ ካፒታሊዝም ጥራይ እዩ ነይሩ። ንህዝቢ ዓለም ንኸሃምል ተባሂሉ ዝተማህዘ ጥራይ ነበረ። ንውጹዕ ህዝቢ ዓለም ዕንክሊል ንኽብልን፣ ጽዮናውያን ድማ ውዲቶም ብምቕጻል ረብሓኦም ንምዕቃብ ድኣንበር፣ ብሓቂ ንርሂጸ በላዕን ንሓፋሽ ህዝቢ ዓለምን ሓራ ንኸውጽኣ ኣይኮነን። እቶም ደቂ ገርሂ ልባ ኣፍሪቃውያን ግና፣ ሓቂ መሲሉዎም ከም ገስጋሲ ኣይድዮሎጂ ተቐቢሎሞ። ነቲ ደላይ ፍትሕን ሓርነትን ህዝቢ ኣፍርቃ ድማ ሓዲግ መዲግ ከምዝኸውን ገሮሞ እዮም።

እቲ ቅኑዕ ፍልስፍና ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ኣብ ፈሪሃ-ኣብን መንፈስ-ቅዱስን ዝተሰረተ ነበረ። ድሕሪ ክርስቶስ ድማ ኣብ ቅዱስ እምነት መንፈስን፣ ወልድን ዝተመስረተ (ኣብብሉትይን ሓዲሽን ኪዳን ዝተሰረተ) እንኮ መትከል ነበረ። ስለዚ እምብኣር እቲ ቅኑዕ ፍልስፍና ዴስነት፤ ደቂ ኣግኣዝያን ካብ ቅድሚ ልደተክርስቶስ ጀሚሩ እዩ ዝነበረ። ኤውሮጳውያን ወይ ደቂ ያፌት ግና፣ ነዚ ቅዱስ ፍልስፍና እዚ ከይበጽሑዎ ከለው እዮም ደቂ ኣግኣዝያን፣ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ጀሚሮሞ። ስርዓተ ደስነት ደቂ ኣግኣዝያን ብፍላይ ምሉእ ማዕርነትን መሰልን ደቂ ኣንስትዮ ዝሕሉ ውርዙይ ስርዓት እዩ ዝነበረ።

ደቂ ኣግኣዝያን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ማለት ቅድሚ ደቂ ያፌት እዮም መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዘኽብሩ ነይሮም።

ንኣሽሓት ዓመታት ድማ ተጠቒሞምሉን፣ ጸላእቶምን ወረርቶምን ድማ ተኻላኺሎምሉን ተዓዊቶምሉን እዮም። ስለዚ ፍቱን ፍልስፍና ስለዝነበረ፣ ብነቲ ህያው ዝኾነ ጥንታዊ ሰረት ኣንዳቦ ሓኺኽካ፣ ስኑዕ ፍልስፍና ማርክሰ ለኒን ተለቂሕካ ንህዝቢ ኣምሮኡ ምሕጻብ ኣዝዩ ዘሕፍርን ሃየንታን ጥራይ እዩ ዝብሃል። እቲ ኣብ ባህልን መንነትን ሕግን ዋንነት መሬትን ዝተመርኮሰ ቅዱስ ፍልስፍና ደቂ ኣግኣዝያን፣ ደስነት ደቂ ያፌት ከይበጽሑዎ ከለው እዩ ብሊቃውንቲ ደቂ ኣግኣዝያን ተጀሚሩ። ንግስተ ሳባ ኣብ የመንን ምድረባሕርን ተማሓድረሉ ዝነበረትሉ  ዘመን ደቂ ያፈት ፈጺሞም ኣይበጽሑዎን ነይሮም። ንግስቲ ነፈርቲትን ኪሎፓትራን ንሃገር ግብጺ ከምሓድራ ከለዋ፣ ደቂ ያፌት ደቂ ኣንስትዮ ግና ካብ ክሽነ ኣይሓለፋን። ህዝቢ ኣግኣዝያን እምብኣር ደቂ ያፌት ኤውሮጳውያን ከይበጽሑዎ ከለው፣ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ግና ደቂ ኣንስትዮ ነገስታት ዝነበርኦ ህዝቢ ኣግኣዝያን እዩ ዝነበረ። እወ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ ትማሊ ማላዴቲ ህግደፍ ነስመራ ክሳብ ዝኣትው ማለትዩ፣ ኣብ ምድረ ኣግኣዝያን ኣሰሩ ጥራይ ዘይኮነስ ብወግዒ ደስነት ነይሩ እዩ።

ንመረዳእታ፣ ኣብ ኣውራጃ ሓማሴንን ኣከለጉጽዛይን፣ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ሰራየን፣ መሬት ደሳ እዩ ዝብሃል ዝነበረ። እዚ ፍልስፍና እዚ ድማ ከምቲ ጽዮናውያን ዝገብሩዎ ሰይጣናዊ ኣመል፣ ካብ ካልእ ዝተቐድሐን ዝተሰርቀን ዘይኮነስ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ባዕሎም ዝፈልሰፍዎን ዝሓንጸጽዎን ቅዱስ ፍልስፍና እዩ ዝነበረ።

ኣስተብህል፣ ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ቅድሚ ምዕራባውያን፣ ኣብ ፈሪሃ እግዚኣብሔርን ኣብ መጽሕፍ ቅዱስ ዝተሰረተ ዴሳዊ ሕጊ እንዳባ ዝነበሮ ህዝቢ ምኻኑ፣ መጻሕፍቲ ታሪኽ ብግቡእ እንተድኣ ተወኪስና መርትዖ ዘለዎ ሓቂ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ። እቲ ካብ ኩሉ ዘደንቕ ድማ፣ ህዝቢ ደቂ ያፌት ኣብ ቍርን በረድን ኣስሓይታን ዝመልኦ ሰሜናዊ ፕል ክነብንሩ ከለው፣ ህዝቢ ኣግኣዝያን ግና፣ ኣብቲ መኣዛ ዝመልኦ ኣየርን፣ ብባሕርን (ከም ቀይሕ ባሕሪ) ኣፍላጋትን (ከም ፈለግ ኒልን እሞን ተከዘን ኣትባራን ዓንሰባን) ህንዳዊ ውቅያኖስን ዝተማእከለ ብባህርያዊ ጸጋ ድማ ዝተዓደለ መሬት ዝነበሮምን ገና ዘለዎምን እዮም። ከምኡ ድማ ክልተ ማእቶት ዘራእቲ፣ ባሕርን ዓድን ዘለዎ ህዝቢ ኮይኖም ዘራእቲ እንተ ተሳእነ ዓሳታት ተመጊቦም ክነብሩ ዝኽእሉ ብኣምላኽ ከኣ ባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደሉ ህዝቢ እዮም። ህዝቢ ኣግኣዝያን ነዚ ባህርያዊ ጸጋ እዚ ስለ ዝወነነ እዩ እምብኣር፣ግዳይ ጽዮናውያን ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ቅሳነት ስኢኑ ዘሎ።

እኳድኣ ኩሉ ወኒኑ ከሎ ብደቂ ያፌት ከም ስደተኛን ድኻን ተቖጺሩ ኣብታ ብጽዮናውያን ዝተወረት ዓለም ከም ፍንፉን ዓሌት ተገምጊሙ ኣሎ። ንኸይነብር ድማ  እዞም ጸጊበ ዘይብሉ ሃርጓማትን ገብቲ ንብረት እንዳማቶምን ይምንቁስዎ ኣለዉ። ኣምላኽ ግና ንዕኦም እውን ኣይክንሕፎምን እዩ። እቲ ቀንዲ ዓላማ ጽዮናውያን ኣምብኣር፣ብፍላይ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ኣፍሪቃ፣ ዘጥፍኡዎ ዘለው፣ ንመሬቶምን ማዮምን ባሕሮምን ባህርያዊ ጸግኦምን ስለዝብሃጉዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ህዝቢ ኣጋኣዝያ ጀማሪ ስልጣኔን ባህልን ኦሪታዊ ሃይማኖትን፣ እወ፣ ዘርኢ ሙሴን ኣሮንን እያሱን፣ ኣብርሃምን ኢሳቅን ምዃኑ ስለዝፈለጡ እዩ። ነቲ ደይ ናቶም በረኸት ንኽዘምቱ ድማ፣ ካብ መዋእለ ግልያነት (ባርነት) ክሳብ ሎም መበል 21 ክፍለዘመን፣ ኮታ ዘመን ዲጂታላይዝድ፣ እዚ ኩሉ ኣረሜናዊ ኣራባራብ ይፍጽሙ ኣለው።

ጽዮናውያን ማሕበር ጸልማት ስለዝኾኑ ሓሳዳት ውዲታውያን እዮም። ብስዉር ጥራይ እዮም ከኣ ዝሰርሑ። ካብ መላእ ዓለም ዝበልጾም ፍሉይ ህዝቢ ክህሉ ከቶ ኣይደልዩን እዮም። ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ካብቶም ኣዝዮም ውሑዳት ብሉጻት ሕዝብታት ዓለም ሓደ እዩ። ዘይናቶም መሬትን ሃብትን ምግባት ኣመሎም ስለዝኾነ ግና፣ ንብረቱን መሬቱን ባሕሩን ንምዝማት እምበር፣ ህዝቢ ኣግኣዝያንሲ ዝበደሎም የብሉን። ነዚ ብሉጽ ህዝቢ እዚ እምብኣር ካብ ቅድሚ ልደተክርስቶስ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ምስተጻብኡዎ እዮም። ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ንጎረቤት ሃገር ይኹን ንኻልእ ሃገር ደፊሩን ወሪሩን ዓሚጹን ዘይፈልጥ፣ ንኡድን ፍትሐኛን ህዝቢ ስለዝኾነ፣ ሎሚ ግዳይ ደቂ ያፌት (ኤውሮጳውያን) ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። እዚ እዩ እቲ መጎታዊ ሓቂ። ብርግጽ ሓዲሽ ኮይኑ ዝነበር ነገር ንዘልኣለም ስለዘየለ፣ እቲ ስዉር ጉዶም ግና ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ዝቕልዓሉን፣ ኣብ ነንሓድሕዶም ድማ ዝባልዑሉን ክኸውን እዩ። ምናልባት እብ ግዜ ዶናልድ ትራም ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ብፍላይ መስጣ ደቂ ኣግኣዝያን፣ ብሓፈሣ ድማ መስጣ ኣፍሪቃውያንሲ ግድነት ክወርዶም እዩ።

ህዝቢ ኣግኣዝያን ግልያ ደቂ ያፌት (ጎግ-ማጎግ፣ጁጅ-ማጁጅ ወይከኣ ጽዮናውያንን፣ ሃጸያውያን ማለት እዩ) ኮይኑ ዘይፈልጥ እቲ እዝዩ ዘተሓሳስብ ግና፣ ህዝቢ ኣግኣዝያን፣”ነንጫዋ ገዛስ ኣንጭዋ ደገ ተውጽኣ” ወይ ድማ “ካብ ብዓል ጣፍሲ ብዓል ኣፍ” ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ እዩ። ብፍላይ ግዳይ ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣ ሃገሩ ኮይኑ ግና ይርከብ ኣሎ። ብሓፈሻ ድማ ግዳይ መንነቱን ዘይድፈር ጅግንነቱን ጭዋ ባህሉን፣ ቅዱስን ጽኑዕን ኣምነቱን፣ ብፍላይ እኳድኣ ፈሪሃ- እግዚኣቢሄሩን፣ እምነቱን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

እቲ ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦ ሓቂ እንተሎ ድማ፣ ጽዮናውያን ካብ ኣስታት 2000 ዓመታት ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ፣ ንህዝቢ ኣገኣዝያን ብድሎ ከይትዕሎ ገጢሞም ክስዕርዎ ከምዘይክእሉ ፈሊጦም እዮም። ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ኩiና ድጓልን ዓድዋን ስለዝፍልጡ ድማ፣ እንሆ ብድሎ ከይትዕሎ ክዕወቱ ስለዘይከኣሉ፣ ብውዲት ካብ ዓሌቱ ዝኾኑ ልኡኻት ሳጥናኤናኤል፣ ከም ብዓል ርጉም ኢሰያስ ልኢኾም፣ ነቲ ኣልፋን ኦሜጋን ዝኾነን፣ ማለት ጀማሪ ደስነትን ምዕባሌን ዝኾነ ህዝቢ ኣግኣዝያን ብዓመጽ መንጢሎም ንኽውንንዎ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። እወ፣ ንፈርዖን ኣይጠቐመን እቲ ድርቅና። በትሪ ሙሴ ከኣ ኣብ ኢድ ኣግኣዝያን፣ ኣብ ኢድ ደቂ ምድረባሕሪ  እያ ዘላ።

እዚ እዩ እምብኣር እቲ ሓቂ። እዚ ሓቂ እዚ ሰብ ከይፈልጦን ከይርድኦን እምብኣር እዮም ሎሚ ኣብ ኤርትራ፣ እቶም ባዶ ሰለስተ ዝብሃሉ ማሕበር ድያብሎስ ኣንጭዋ ክልተ ዓንደል፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝቐረብሎም ውዲታዊ መደብ ዕዮ ተኸቲሎም፣ ኣብ 24 ስዓታት 124 ሓሶት ብምምሃዝ፣ ብረቂቕ ስነኣምራዊ ሜላ ዝተላዕጠጠ ስነኣምራዊ ሽበራ፣ኣብ ልዕሊ ገርሀኛ ህዝቢ ነዚሖም፣ነዚ ገርሀኛን ፈሪሃ ኣምላኽ ዘለዎን ህዝቢ ኣእምርኡ ዝሰልቡዎ ዘለው። መሳኪን ባዶ ስለስተ ግና ረብሓ የብሎምን እኳ፣ዝገብሩዎ ድማ ኣይፈልጡን እምዮ። ግን ዓናጅል ስለዝኾኑ ንረብሓ ጽዮናውያን ዝኽድሙ ዘለው፣ እኳድኣ ካብ ብኸብዶም ብሕምብርቶም ዝሓስቡ ሓምሓማት እዮም። ጽባሕ ብጊሓት ኣይተ ተንቤናይ ወዲ መድህን በራድ እንተኣድሒኑዎም ከኣ ክንዕዘብ ኢና። ኣብ መዋእል ደርጊ እኮ፣ መንግስቲ ሃይለማርያም ጭርኡ ደጊሉ ንዚንባቨ ምስትዓዝረ፣ ኣባላት ደርግን ኣiሳፓን ዝሮምሮ aዩ ኣትዩዎም። ኣረ ብዙሓትስ ማርያም ትሃብኩም ይብሉ ነይሮም። እንዳ ባዶ ሰለስተ ክኣ ትኾቡልና ስለ ሚካኤል እንተበሉውን ዝተዅበሎም ኣይረሕቡን እዮም።

ኣስተብህል፤ ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎን፣ ንባህራዊ ጸጋ መሬቱን ባሕሩን ድማ ኣብ ረብሓኡ ኣውዒሉ ብሰላም ክነብር ዝደልን ህዝቢ እዩ። እቶም ካብ መዋእለ ዕዳጋ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ማለት ካብ 14 ክፍለዘመ ጀሚሮም፣ክሳብ 19 ክፍለ-ዘመን፣ ሰለልቲ ኣዋፊሮም ስትራተጂካዊን ኤትኖሎጂካዊን ምጽናዕቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ግና ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘካይዱ ዝነበሩን፣ ክሳብ ሎሚ ድማ ዘካይዱ ዘለውን፣ ጽዮናውያን ጥራይ እዮም። ንሶም ከኣ ዘመትን ወነንትን ባጤራን በልዚንን፣ ወርቅን፣ ካልእ ክቡር ባህርያዊ ጸጋን እዮም። እብቲ ኦሜጋ መወዳእታ እዋን ግና ምትፍኡ ግና ክጽግሞም እዩ።

ግልያነት መን እዮም ጀሚሮሞ?

እታ ንመጀመርያ ግዜ 1619 ዓ.ም.ፈ. 20 ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ጽዒና ንጆርጅ ታውን (Jamestown, Virginia) ዝኣተወት (White Lion) እትብሃል መርከብ (Dutch ship) ዋናታታ ጽዮናውያን ክኾኑ ከለው፣ ዘወርታን ገላዩ ጸለምቲ ዓዲጎም ዘመላልሱ ዝነበሩ ግና፣ እቶም ካብ ዓለም ቀንዲ ዓሌታውያን ዝነበንሩ ዝኾኑን ስፓኛውያን ነበሩ። ድሕሪ እቲ ብስለላን ኮለላን ዘዋህለልዎ ሓበሬታ ድማ ንወረርቲ ኤውሮጳውያን ዕጥቅን ስንቅን ስትራተጂካዊ ሕንጻጽን ኣስኒቖም ንሃገራት ኣፍሪቃ ንኽወሩ ኣዋፈሩዎም። እቶም “ይሁዳውያን ኢና“ ዝብሉ፣ ግንከኣ ብመበቆ ቀንዲ ጽዮናውያን ድኣንበር ይሁዳውያን ኣይኮኑን። ብግቡእ ታሪኻዊን ጀነቲካዊ ምርምን መጽናዕቲ ብዛዕባ እቶም ቀንዲ ደቂ ኣብርሃምን ኢሳቅን ወይ ብስም ደቂ እስራኤ ዝፍለጡ ጥንታውያን ኣመንትን ተቐበልቲ ኦሪታዊ ሃይማኖትን ዝኾኑ ህዝቢ ኣንታዎት መንምዃኖም እንተዝካየድ ግና እቶም ብሓቂ ኣልፋን ኦሜጋን ዝኾኑ ደቂ ኣጋእዝያን ጥራይ ምኻኖም ርጉም ።፤ ኣዩ። ኣዚ መርትዖ ዘለዎ ሓቂ እዚ ግና፣ ብወግዒ ንኸይዝርጋ ብጽዮናውያን ክልኩል እዩ። መኽንያቱ እቲ ጉዶም ከይፍለጥ ስለ ዝርዕዱ። ኣዚዩ እቲ ሓቂ እምብኣር።

እቶም ንኸምስሉ፣ “ሕሩያት ይሁዳውያን ኢና“ እንዳበሉ ካብ ጥንቲ፣ ማለት ካብ ንግዲ ግልያነት ጀሚሮም፣ ባጤራን ሓረጣን፣ ወርቅን ዘይትን፣ ኣጽዋር ውግእን ዝውንኑ፣ ነቲ ብሓይሊ ክስዕሩዎ ዘይከኣሉ ኣልፋን ኦሜጋን ዝኾነ ህዝቢ ኣጋእዝያን ኣጽኒቶም፣ ነቲ ስትራተጂ መሬቱ መታን ንኽግብቱ እዩ ቀንድ ሕልሞም። ኣምሆ ዘመን ካብ ማሕበር ቫቲካን፣ ፈለስቲ ሰለይቲ ብምልኣኽ ንኮሎንያል መግዛእቲ ፈጢሮም። ሎሚ ከኣ ነቲ ስለላን ኮለላን ብረቂቕ ሰይጣናዊ ቴክኖሎጂ ዲጂታልዝድ ብምግባር፣ ብውዲት ማለት ብስነ-ኣእምራዊ ወፍሪ ኣእምሮ ደቂ ምድረባሕሪ ብምቕያር (ማይንድ ኮንትሮል) ብምግባር ዳርጋ እቲ ጅግና ህዝቢ ኣጋእዝያን ድሕሪ 1500 ዓመታት ኣብ ኣላሽ ዝብለሉ መድረኽ ኣብጺሖሞ ኣለው።

መንዮም መሃንድሳት ዕዳጋ ባርነትን ወራር ኮሎንያሊዝምን??

ንኹሎም ኮሎንያል ግዛእቲ ንመረዳእታ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ በልጁም፣ ሆላንድን፣ ስፓኛን፣ ፖርቱጋልን፣ ንኣፍሪቃን ሃገራት ኣዕራብ ንኽወሩ ዘማኽሩዎን ዝምውሉዎምን ዝነበሩ፣ እቶም ኣብ ሃገር እንግሊዝ ብፍላይ እኳድኣ ኣብ ስኮትላንድን፣ፈረንሳ፣ በልጂምን ሆላንድን፣ ተኸዊሎም ዝነብሩ ግንከኣ መሃንድሳት ኩሉ ስለላን ኮለላን መግዛእትን ዝኾኑ ሕቡኣት ማሕበር ኣዮም። ንኣብነት ኮሎንያል ጣልያን ብፍላይ ንኤርትራ ንኽወርር ቫቲካንን ንሳቶምን እዮም ኣማኺሮሞ። ንኢትዮጵያን ክወሩ ዝመጹ ዝነበሩ ልኣኽቶም ከኣ ቫቲካንን ጽዮናውያንን እዮም ዝነበሩን፣ ክሳብ ሎሚውን ንባህርያዊ ሕጊ ንኽቕይሩ ገልዳሕ ዝብሉ ዘለው እዮ። The point being is that the Eritrean People are already sold on the idea of make love, not war, with the Ethiopia or the West. They just don’t want to be raped, robbed and killed by the western Puppet Iseias Afewerki und his Bandits…

ዓወት ንሓፋሻ ተተግቢሩዶ ሓፋሽ ተዕዊቱ ዶ??

እቲ “ዓወት ንሓፋሻ“! እንዳተባህለ ዓንገረር ዝብሃለሉ ዝነበረ ፍሹል ጭርሖ፣ኣብ ውድቀት ንሓፋሽ ተቈዪሩ። ካብ “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ“፣ ኣብ ህዝባዊ ባርነት ኤርትራ ወዲቑ። ካብ ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ዲሞክራስን “ህግደፍ“= ህዝባዊ ግፍዕን ደንበ ፍግርን! ኣብ መደምደምታ ጋንታ “ህግደፍ“ን ህውሓትን (ኢህኣዴግ)ን፣ ሎሚ ዛህር ጠፋ ኮይኑ፣ ኣየናይ ስነሓሳብ ወይ ኣይዶሎጂ ከምዝኽተል ጠፊኡዎ፣ ኣብ ኣቦኹም ዘደቀሱና ዝዓይነቱ መኣዝን ሒዞም፣ ኣብ ደርበሽበሽ ዕንክሊ ዝብሉ ዘሎው ግዳይ መሃንድሳት ጽዮናውያን እዮም።

 

ክቕጽል እዩ………

መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኣግኣዝያን

23 ሕዳር 2016 ዓ.ም.ፈ.