ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ሃገር ኤርትራውያን፣ ንክናናን ምናናን ኣማኻሪ መላኺ ኢሰያስ ኩባንያ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣኼባኡ ብትብዓት መኪቶም በቲኖሞ…

1 Source VIDOE

YOUTUBE  ጥርዓን ሓርበኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ

ሰጋእ እንከይ በሎም ዋላ’ውን ድንብርጽ

 VIDEO
ንጽቡቕ ንሕማቕ ንፍትሒ ንዓመጽ
ብማሰን ብልቚሶን ዓው ኢልካ ኣብ ምግላጽ
ዲሞክራስያዊ ባህሊ እቦታት ቀዳሞት
ሓያል ዓቕሊ ውርዝውና ክእለት
ካብ ቀደም ዝጸንሐ ብኣበው እቦታት
ኣሎዶ ምሳና ሎሚ ህሞ?

ኣብ መንጎኦም እንተሎ ባረነጋሲ መንጓድ
ኣብ ቅድሚኦም እንተሎ ዓቢ ራእሲ ሰዋድ
ከንቲባ ደገዝማቲ ዘይጽዓድ
ብማሰ ብልቕሶ ክንቀፍ ክንኣድ
ኣይንድርን ስጉምቲ ክወስድ

ሎሚ ኣብ ሃገርና ሰብ ደፊሩ ብኣፍ
ኣብ ኣኼባ ኣብ እኩብ ሰብ ይትረፍ
ንኢሰያስ ክወቅስ ክነቅፍ
ዋላውን ኣብ ዕላል ስሙ ነይትንክፍ
እቲ ሕሱም ጭካኔ ናይዚ ከይሲ ዝመርሓና
ኣዝዩ ዝገደደ ካብ ስርዓተ ጓና
ዘልኣለም ዘይሓዊ እቲ ናቱ ጭቆና
ገዲፉ እንዳጸንሐ ዝጉዳእ ቍስልን በሰላን ኣብ ህዝብና።
ነቲ ደላይ ፍትሒ ሰላም ዝቕናቱ
ንህዝቡን ሃገሩን ዘፍቅር ዝፈቱ
በቲ ኩሉ ግፍዑ ጉድለታቱ
ንኢሰያስ ዝቃወም ኣብ ሓቂ መኪቱ
እንታይ ትብሉ ኣንቱም ተጣቕዑ ምስኡ ትህውትቱ
ትማሊዶ ርኢኹሞ ኣብ ሆላንዲ ዝረኸቦ ማንኪ ምስ ጭፍራታቱ
እንታይ ድኣዮም ክብሉ እቶም ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ንማንኪ ሓለፍቱ

ኮንኩምና ሕማም ኩሩምቲ ኣብ መርዓ ኣብ ሓዘን
ብዓል ላንግላንጋ ሕማም መርዘን
ኣይትዕንቅፉዎ ዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ሃገና ክሰፍን
ትማሊ ኣብ ሆላንድዶ ርኢኹሞም ዘጋጠመ ንብዓል ክናናን ምናናን የማነ ማንክን
ሕሰቡሉ ድኣ እዝስ ትገብሩዎ ዘይምምዛን
ካብ ለባም ሰብ ምዃን ዘምስልዩ ዓዋን
እቲ ቅኑዕ ዜጋ ከምዚ ኣብ ሆላንድ ዝተገብረ ቅያ ይገብር
እቲ ተበላጺ ድማ ብዙሕ የቃባጥር
ኣብ እኼባ ማኒክ ክምጽእ ይዘልል ይነጥር
እቲ ሓርበኛ ግና ይምክት ዓርዑት ጭቆና ንኽሰብር
እወ እቲ ተባዕ ደፋር ይቃወም ከምዚ ኣብ ሆላንዲ ዝተገብረ ምጽራር