ንምርምርን ንምፍላጥን ዝኣክል
እዚ ኣብዚ ወርሓትን ሰሙናትን ብዛዕባ ጂቡትን ቀጠርን ኤርትራን፣ ኣብታ ትካል ጽዮናውያን ዝኾነት መደበር ዜና ኣልጀዚራ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሕሱር ዜና፣ንምድንጋር ዝወጽእ ዜና እዩምበር፣ ሓቀኛ ዜና ኣይኮነን። እቶም ከም መንግስታት ዝቝጸሩ ዘለው፣ ግንከኣ ከደምቲ ጽዮናውያን ዝኾኑ፣”መንግስቲ ቀጠር”!፣ “መንግስቲ ጂቡቲ”! “መንግስት ኤርትራ” “መንግስቲ ኢትዮጵያ”ን፣ ሓራ ዝኾኑ መንግስታት ኮይኖም ኣይፈልጡን። እቶም ነቲ ውዲታዊ ፖለቲካ ጽዮናውያን ገና ክሳብ ሎሚ ዘይተሰቆረኩም ዘሎኹም ግና፣ምናልባት እንታይ ይፍሌጥ ካብ ድቃስኩም እንተድኣ ተባራቢርኩም ማለትዩ።እቶም ምሁራትና እኳ ይፈልጡ እዮም ግና በቶም ጎይቶቶም ስለዝተዓስከሩ፣ ከምኡ ኢሎም ክሓልፉ እዮም። መኽንያቱ ኣብቲ ውዲታዊ ማሕበር ወይ ሲስተም ኣንግሆም ተመዝጊቦምን፣ ኣባላት ኮይኖምን ማሃይኦም ይቕበሉ ስለዘለው። ጽባሕ ብጊሓት ክትፈልጡዎም ኢኹም።

እቶም ቀንዲ ጸረግቲ ጽርግያ ሓዲሽስ ዓለማዊ ስርዓት ወይ ጽዮናውያን ዝኾኑ፣እዞም ኣብ ላዓሊ ዝጠቐስናዮም ክናናን ምናናን ጭፍራታት፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዮም። ነቲ መስኪንን ገርሀኛን ህዝቢ ንምድንጋር ግና ሓቂ ንኸምስሉ ኣብ ነንሓድሕዶም ኲናት ይውልዑ። እቶም ዘወርቲ እቲ ኲናትትን ተጠቀምቲ እቲ ረብሓን ግና ብሓቂ እቶም ጽዮናውያን እዮም። እምበር እዞም ሸቃሎን ከደምትን ጽዮናውያንን ክናናን ምናናን ኣይኮኑን።

ጂቡቲ እቲ ወዲ ዙሉ ዳግማዊ ሚነሊክ ንፈረንሳ ምስ ሸጣ፣ ባንዴራ ጁቢቲ ሎጎ ፔንታጎን ኮይኑ። ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስትተሰዕረ ድማ ባንዴራ ኤርትራ፣ ሎጎ ኢሉሚናቲ 3 ትሪያግል ዘሎዋ ጨርቂ፣ 3 ግዜ ስሉስ ኲርናዕ ማለት እዩ። እዚ ድማ ምልክት ኢሉሚናቲ እዩ። ስለምንታይ እቲ ምልክት ጅግንነት ዝነበረ ኣንበሳ ካብታ ጥንታዊት ባንዴራ ኢትዮጵያ ተደምሲሱ፣ ብምልክት ኢሉሚናቲ ፔንታጎን ግና ተተኪኡ?

እዚ ምልክታት ኣጻብዕ እዞም መሳርሒ ኢሉሚናቲ ዝኾኑ ሰባት ትርእዩዎዶ ኣሎኁም።
Toblerone Pyramid Sign

ስለዚ ጅቡቲ ንብረት ፈረንሳ እያ። ፈረንሳ ድማ ኣባል ውዲታውያን ረቀቕትን ስዉራትን ማሕበር (ኢሉሚናቲ)  እያ። እምብኣር ባንዴራ ጂቡቲ ብኢሉሙናቲ ዝተሓንጸጸት 5 ስሉስ ኵuርናዕ (ትርያንግል) ዘለዋ ሎጎ ፔንታጎን እያ። ህ.ግ.ሓ.ኤ. ድማ ገና ክፍጠር ከሎ ትካል ጽዮናውያን (ኢሉሚናቲ) ስለዝኾነ፣ ግድነት እዩ፣ ባንዴራ ኤርትራ ምልክት ኢሉሚናቲ ክህልው ወይ ክትከውን ተወሲኑ። እታ ኣምብሆ ዘመን ዝነበረት ባንዴራ ሻዕብያ ግና ኣብታ ባንዴራ ኢትዮጵያ ግዒዛ ኣላ። መኽንያቱ እቲ መደብ ጽዮናውያን ሓንት ባንዴራ ኢትዮጵያ ጥራይ እያ ክትከውን።


ኩለን ምልክታትን ባንዴራታት ሻዕብያን፣ ወያኔን ከምኡውን ኦሮሞን = ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ሓዳስ ባንዴራ ፔንታጎን ተጠቓሊለን። እቲ መደብ ጽዮናውያን ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ እዩ።

 

እወ፣ ሎሚ እሞ ከኣ እታ ሓዳስ ኤርትራ እትብሃል፣ንብረት እስራኤልን ኣሜሪካን እንግሊዝን ፈረንሳን እያ። ኢስያስ ከኣ ኣባሎም ስለዝኾነ ግድነት እዩ በቲ ዘውጽኡሉ መደብ ስትራተጂካዊ ረብሓኦም ጥራይ ከተግብረሎም።

እቶም ካብ ብኣእምሮኦም ብከብዶም ዝሓስቡ “ኤርትራውያን ኢና” ብሃልቲ፣ ግንከኣ ኣናብር ኢንተርነትን፣ ፓልቶክን፣ ዩቱብን ዝኾኑ፣ከምኡውን ኣብ መርበብ መስከረም. ኔት ይኹን ኣብ ተጎርባ.ኦርግ ወይ ኣሰና.ኮም፣ ዕንክሊል ክብሉ ዝውዕሉን ዝሓድሩን፣ እንዳርኣዩ ዘይርእዩ፣ እንዳሰምዑ ከኣ ዘይሰምዑ፣ ክዛረቡ ዝኽእሉ ክነሶም ድማ ክዛረቡ ዘይክሉ ከይተረድኦም ዝደንቆሩ እዮም።

ኤርትራን ጂቡትን፣ ከምኡ ድማ እታ 350 ሽሕ ተቐማጦ ዘሎዋ ንእሽቶ ዓረባዊት ቍሸት ቀጠር እትብሃል፡ መዓስከር ፔንታጎንን ሞሳድን ዝኾነት፣ ከም ሃገር ይኣይ ተቖጺራስ፣ “ወተሃደራት ቀጠር”!፣ “መንግስቲ ጂቡቲ”! “መንግስት ኤርትራ” ክብሉ ክትሰምዕ ከሎኻስ፣ ተምላስ ይመጽኣልካ። ግንከኣ፣”ደናቕር ተወሊዶም፣ ደናቝር ዓብዮም፣ ደናቝር ምዃኖም ከኣ ከይተረድኣም ይሞቱ ኣለው” ክትብል ትግደድ።

ካብ ኤርትራ ምፍጣርናእኳ ክንደይ እዩ ዘዅርዓና። ምስዚኦም ደናቝር እዚኦም ክንፍጠር ግና፣ ኣዝዩ እዩ ዘሕዝነና! ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ህግደፍን ኢሰያስን፣ ጂቡትን፣ ቀጠርን ምዝራብ ግና፣ ቅድም ቀዳድም፣ ብዛዕባ ነብስኹም ተዛረቡ! ብዛዕባ ውህደት ኤርትራውያን ተዛረቡ።  እቲ ኩባንያ ጽዮናውያን ህግደፍን፣ እታ ኩባንያ ፈረንሳ ዝኾነት ጅቡትን፣ ከምኡውን ኩባንያ ኣሜሪካን እስራኤልን ዝኾነት ቀጠርን፣ እቶም ኩባንያ ጽዮናውያን ዝኾኑ እንዳ ወያኔን፣ በቲ ጽዮናውያን ዘዋፈሩዎም መንገዲ እንዳ ተጓዕዙ፣ ነቲ ጽዮናውያን ዘውጽኡሎም መደብ ዕዮ ጥራይ እዮም ዘተግብሩ ዘሎዉ። ንስኹምከ እንታይ ትገብሩ ከምዘሎኹም ንምዃኑ ይስቆረኩምዶ?? ብዘይካ መሳርሒ ህግደፍን ወያኔንን ኮንኩም፣ ኣብ መርበብ ህግደፍ “መስከረም ኔት”ን፣ መርበብ ወያኔ “ተጎሩባ.orgን፣ መርገጹ ዘይፍለጥ ዕንክሊሉ መርበብ ኣሰና.comን ዕንክሊል ካብ ምባል ገለ ሓንጎልኩም ዘይትዅዕኵዖ፣ እንታይ ትጽበዩ ኣሎኹም? ሞት እንተዘይኮይኑ ዓወትስ ዘበት! ሓቂዶ ሓሶት?

ሓንቲ ደቒቕዶኾን ብዛዕባ ነብስኹም ተመራሚርኩም ትፈልጡ? እንታይ ትገብሩን፣ ተፍርዩን ከምዘሎኹምከ ቍሩብዶ ገምጊምኩምን ሓሲብኩም ትፈልጡ? ብኽብረትኩም ብዛዕባ ነብስኹም ዘይፈለጥኩም ብዛዕባ ህግደፍን ኢሰያስን ወያኔን ሃጠቀጠውን ዓጀውጀውን ኣይትበሉ!! ምሕረት የውርደልኩም!!

ብሓልዮት ክፍሊ መጽናዕትን ምርምርን መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ። 7 ሓምለ 2017 ዓ.ም.ፈ.