ተልእኾ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መንገዲ ሕቡእ ኣጀንዳ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ንምጽራግ  እዩ።

ንህዝቢ ኢርትራብቐዳምነት ዝስርዑ 3 ግዜ ኣብ መዕልቲ ቅጫ እንዳበልዐ ክነብር፤ ሓራ ኮይኑ ክነብር፣ ልዑላውነቱ ትኸቢሩ ክነብር እየን። ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ገርካ ምንባር ሓጋዚ ድኣምበር ረቛሒ ግን ከቶ ኣይኮነን። እዚ ሰላዪ ኢሰያስ እፈወርቂ ግና ደላዪን ሓላዪን ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ተመሲሉ፣ ንኢትዮጵያን ንስዑድያን፣ ንግብጽን፣ ሱዳንን ጸፋዕፋዕ ክብል ንዕዘቦ ኣሎና። እቲ ሓቂ ግና እዚ ካብ 1969 ዓ.ም.ፈ. ብመሃንድሳት ጽዮናውያን መተካእታ ንጉስ ሃይለስላሴ ኮይኑ ንኸገልግሎም ዝዓሰቡዎ ስልዝኾነ ንጹር ኣጀንዳ ሒዙ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ ዕሱብ ጽዮናያን ስልዝኾነ እዩ። እዚ ከልቢ እዚ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ዓጂቡዎ ኣይኮነን ክሳብ ኣብ ጉድጓድ ዝኣቱ ዕንክሊል ዝብል ዘሎ። ማለት ጎይትቱ ጽዮናውያን ብገርሁ ከሎ ቅድሚ 50 ዓመታት ክምሕሉዎ ከልው፣ ድሕሪ 50 ዓመታት ከምዚ ሎሚ ዘላቶ ዓለም ትኸምን ስለዘይመሰሎ ኣብ ዘይ ላዓቱ ኣትዩ ሎሚ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ኮይኑ ኣይ ጽሉል ኣይ ዕቡድ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ስለዚ እዚ ሰላዪ ባዕዳውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ጎይቶቱ “መልእኽትና ኣብጽሓልናን ኣቐብለልናን” ዝበሉዎ ጥርይ እዩ ዝፍጽም ዘሎ። ደቂ ገርሂ ልባ ግና ኢሰያስ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ይገብረልና ኣሎ እንዳበሉ ሕልሚ ደርሆ ክሓልሙ ንዕዘብ ኣሎን።

ርእይቶ ኣካየድቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣

ክቡር መንፈሳዊ ኣቦናን፣ ሓውናን መምህርናን፣ ብብቕዓትኩምን ብዕድሜዅምን፣ ብመንፈሳዊን ብስጋዊን ንኤርትራ ክትመርሑ ከምትኽእሉ እምነትና ዕዙዝእዩ። ብወገና ሓደራ ክንብለኩም እንደሊ ኣገዳሲ ሓላፍነታዊ ወኸሳ ኣሎና። እወ ከምቲ aaበዋትና ዝምስሉዎ፤ “ሃገር ክዝመትዶ ዓይንኻ ይዕመት”፣ ኣብዛ በጺሕናያ ዘሎና መድረኽ ምስምስን ጥልመትን ውዲትን ኢሰያስ ስለዝኣረገ፣ ዋርሳይ ኮንኩም ብመጀመርያ፣ ንኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ከምዛ ትገልጹዋ ዘሎኹም፣ ማለት ኣብ ሓቀኛ ታሪኻዊ መስርሕ ዝተመርኮሰ ሲምፖዝዩምን፣ ሰሚናርን ኣዳሊኹም ክትምህሩን ከተንቅሑን ሓደራ ንብለኩም። ታሪኽ ገርካ ሞት ክብረት እዩሞ፣ በብወገና ቅድሚ ሞትና፣ ብዝከኣል መጠን ክንገብሮ ዝግባኣና፣ ካብ ብሕምብርትና ንሓስብ፣ ብኣእምሮና ሓሲብና፣ ምስ እንቃለስ፣ ንውዲትን ሽጣራን ወኻሩ ህግደፍን ወያኔ ክንብድሆም ክም ንኽእል ጥርጥር የልቦን።

ኢልኩም እትደኽምዎ ድኻም ድማ ኣብ ጎድንዅም ከምዘሎና ነረጋግጸልኩም።

መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብድሎ ከይትዕሎ ክስዕሩዎ ስለዘይከኣሉ፣ ብመጽናዕትን ምርምርን ዝበጽሑዎ “ገረብ ብሓኽላ”! ዝብል ሓዲን ፍቱንን ሜላ ኣውጺaoምልና። እው ከም ወሳኒ መደብ ዕዮ ጌሮም ብምሕንጻጽ፣ እንሆ ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ወዲ ተንቤን ክነሱ፣ ሓማሴናይ ተመሲሉ፣ ንፕሮጀክት ምዕራባውያን ንኸሳልጥ ቅድሚ 0 6ዓመት መልሚሎም ኣሰልጢኖም ልኢኾምልና። ብድሕሪ 60 ዓመታት ድማ እንሆ፣ እቲ ብምስምስን ብምትላልን ዘረባርበና ዝነበረ ሎሚ ኣግሂዱዎ “ምስ ኢትዮጵያ ሓዊሰኩም እየ”! ይብለና ኣሎ።

ክቡራት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ ከምቲ ኩሉ ሰብ ብመጠኑ ዝርድኦን ዝፈልጦን፣ ኣእምሮ ዝተፈጥረ ንኽንፈልጠሉን፣ ፈሊጥናን ተረዲእናን ድማ ከይተታለልናን፣ ከየታለልናን ንክነብር እዩ። ሓቂ’ዶ ሓሶት? እምብኣር ከነንብብን ከነጽንዕን ክንመራመርን መታን፣ ኣምላኽ ኣእምሮ ፈጢሩልና እዩ። ኣንተድኣ ፈሊጥናን ተመራሚርናን ዝኣከብናዮ ፍልጠት ተጠቒምንማ ተበጊስና፣ ሽዑ እታ እዞም ተ ዃሉ ቅኑዕ ሕልናናን ራእዪናን መዝሚዞም ብረቂቕ ስነኣእምራዊ ኲናት ፈንዮምልና ዘለው ክንምክቶ ንኽእል ኢናሞ ብጃኹም ኣብ ክንዲ ምፍልላይ ምትሕውዋስ፣ ኣብ ክንዲ ምብኣስ ምፍቓር፣ ኣብ ክንዲ ዓሌተይ ዓሌትካን ወገነይ ወገንካ እንዳበልና ዕንክሊል ንብል፣ ታሪኽን መበቆልን ደቂ ሰባት ብኣድህቦን ብግቡእ ምጽናዕትን እንተድኣ ክንፈልጦ ክኢልና ሓራ ከውጽኣና እዩ።

ካብኡ ሓሊፉ፣ ፈላሊኻ ግዛ ዝብል ንርእሱ ዓቢ መሳልጢ ፕሮጀክት ጽዮናውያን ስለዝኾነ፣  ዋናታትን ቀለስትን ፍልላያትና እቶም ንዓና እዳናጊሮም፣ ስትራተጂኦም ክውቕዑ ዝድልዩ ንሶም ጽዮናውያን ጥራይ እዮም።

ብሓልዮት መርበብ ደቀባት ኤርትራ

09 ሓምለ 2020 ዓ.ም.ፈ.