ኣብዚ ገጽ እዚ ድማ ብሓርበኛ ተስፋጽዮን ወዲ ሃብተስሉስ፣ ወዲ ራእሲ ዓንደ-ሃይማኖት፣ ወዲ ራእሲ ሃይሉ ወዲ-ጅግና-ኣውዓሎም! እወ! ኣውዓሎም ጎይታ ኲናት ዓድዋ፣ ውርሻ እቦታቱን እቦሓጎታቱን ደቂ ምድረ-ባሕሪ ብሓላፍነት ተሸኪሙ፣ ብድምጺ ወይ ብቪድዮን ብዩቱብን ዘኢትንገር ዝኾነ ታሪኻዊ ትንተና ወይ ኣስተምህሮ ብቐጻሊ ክቐርብ እዩ። ሰናይ ምስማዕን ምርዳእን ይግበረልኩም!

ብርግጽ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ ካብ 2000 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ በቲ ንእሽቶ ዓቕሙ ዓንቀጻትን ቃለ-ምሕታትን ከምኡውን ዜናታትን፣ ነቶም ክንብቡን ኣንቢቦነም ድማ ክርድኡን ዝኽእሉ ሃገራውያን ደቂ ምድረ-ባሕሪ ከይተሓለለን፣ ቅለቱና ከይበለን፣ ክዝርግሕ ጸኒሑ እዩ። እወ እዚ መርበብ እዚ ኣብዚ ዓመተ-ምህረት 2016 እዚ፣ ዳርጋ ንኣስታት ወርሓት ደስኪሉ ከምዝወርሐ፣ እቶም ግዱሳት ደቂ ሃገር ኣይትስሕትዎን ኢኹም። ይኹንምበር “ሃገር ክዝመትዶ ዓይንኻ ይዕመት ኮይኑ“ ካብ ዝብል መምርሒ፣ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ብሓዲሽ ቅርጽን ዓይነታዊ ትሕዝቶን፣ ንሃገራውያን ግንከኣ ብልቦም ሃገሮም ዝፈትዉ ሓርበኛታት፣ ክሳብ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠፍኡ ከይተሓለለ ኣስተምህሮኡ፣ ብጽሑፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብቪድዮን ብዩቱብን ብራድዮን ክዝርግሕ እዩ። እዛ ሎሚ ብኤርትራ ትጽዋዕ ዘላ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ እትርከብን፣ ብባህርያዊ ጸጋ ድማ ዝተዓደለትን፣ ውሕድን ብመንነቱ ዝኾርዕን ናስታ 800 ዓመታት ንሃገሩ ካብ ጸላእቲ ክከላኸል ዝጸንሐን እሞ ኩሎም ጸላእቱ ድማ ዝስዓረን ጅግናን ብዓል ታሪኽን ኩሩዕን ዝኾነ ህዝቢ ዘለዋ።ግንከኣ ባዕዳውያን ክውንንዋን ክሻመውላን መታን፣ በቶም ረቀቕትን ስዉራትን ሓይልታቶም ዝተላእኩ፣ እኳድኣ ብስም ኤርትራውያን ዝጽውዑ፣ ብመሃንድሳ ስለላን ኮለላን ባዕዳውያን ዝሰልጠኑ፣ ህዝባ ዝጸንት ዘሎ ሃገር ኣጋእያን ሃገረ ምድረ-ባሕሪ እያ።
መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ብድምጺ ዝቐርብ ኣስተምህሮ AUDIO-VIDEO-YOUTUBE ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንግዱሳት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ክዝርግሕ እዩ። ሎሚ ኣምብኣር ብሓርበኛን ፈላስፋን መበል 21 ክፍለ-ዘመን ሓው ተስፋ-ጽዮን ዝቐርብ ታሪኻዊን፣ ብመርትዖ ዝተሰነየን፣ ኣዝዩ ከኣ ሃናጺ ዝኾነን ኣስተምህሮ ብቐጻሊ ክንዝርግሖ ኢና።
ቀጺሉውን ካላኦት ግዱሳት ደቂ ሃገር ካብ ልቢ ተበጊሶም ንህዝቦም እጃሞ ከበርክቱ ዝደልዩ ብዘይ ተጒላባ ብነጻ ክንዝርሓሎም ኢና። ከምትን ንባዶ 3ን ንላኡኻት ሰለልቲ ህግደፍ ዛንግዳ መርበብ ሓብሬታታ ግና ከቶ ኣይክንገብርን። ኢና። እቶም ኣናብር ኢንተርነትን፣ ኣጋፈርቲ ህግደፍን ወያነን ኮይኖም ክሳብ ዛኣርጉ፣ ኣብተን ዝዕንድሩለን ዘለዋ ግንከኣ ብወያኔን ህግደፍን ዝምወላ መርበባት ቀጺሎም ክዕንድሩ ብኣድህቦ ክንከታተሎም ኢና። ብግቡእ ድማ መልሲ ብምሃብ ክንምህሮም ኢና።
ጒጅለ ደቀባት 10.09.2016 ዓ.ም.ፈ.