ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን። ኣብዚ እዋናት እዚ፣ “እስላም ከምዚዮም”፣ “ተቓወምቲ ከምቲዮም”፣ “እቲኦም ከኣ ወገናውያን እዮም” ዝብል ዓጀውጀዋት ይበዝሕ ኣሎ። እንዳ ኩባንያ ህግደፍ ድማ፣ መፍትኦም ረኺቦም ገና ንኤርትራ 8 ኣውራጃታት ዝነበራ ኣብ 6 ዞባታት ጎዛዚዮማ ከይኣኽሎምስ ሎሚ ከኣ ኣብ 3 ዞባታት ጎዛዚዮማ። ንሕና ከኣ ነንሓድሕድና ንተሃላለኽን ንጐዛዘን ኣሎና።

ብጃኹም ራእይናን ስትራተጂናን ሓደ እዩ። ንሱ ድማ ንህግደፍ ቀንጢጥና ኣብታ ዓዲ ምዓርን፣ ዓዲ ጸባን ጠስምን፣ ዓዲ ወርቅን፣ ብሩርን፣ ዓዲ ክቡር ማዕድንን ተዋሃሂድና ክነብር ኢና።

ነዚ መደብ እዚ ግና ካብ ሎሚ ጀሚርና ብውህደት ንኩባንያ ህግደፍ ክንምክቶ ኣሎና። ተፋላሊኻ ኣብ ነንሓድሕድካ ምምንጫት ንረባሓና ኣይኮነን፣ እንታይድኣ ንዕድመ ሰበስልናት ኩባንያ ህግደፍ መናውሒ ጥራይ እዩ።

ሕገ ኣልቦ ህግደፍ ብፍላይ ሎሚ ቆንቊኑ እዩ ዘሎ። እሞ ብሓባር በሎ ከፊኡዎ ከሎ ንበል እምበር፣ ሎሚ ቆዮቛን ቍዘማን ኣየዕውተናን እዩ። የግዳስ እቲ ናትና ምትህልላኽ ንህግደፍ ዘዕውት ጥራይ እዩ። ስለዚ ንህግደፍ ንተሃላለኮ እምበር  ኣብ ነንሓድሕና ምትህልላኽስ ደው ነብሎ።

ፓልቶክ መርበብ ስለያ ዘዳለዎ ደንበ ስለያ እዩ። ኣብ  ዩቱብ ዝምድሩ ሰባትውን፣ ወዲ ሃገር  ንኽጥርነፍ ድኣ ጎስጓስ ክገብሩ ኣለዎም እምበር፣ መሳርሒ ህግደፍ ክኾኑ የብሎምን። እታ ቀንዲን ወሳኒትን ቃልሲ፣ ብጎቦ ዓላን፣ ጎቦ ሳሕልን፣ ባርካን ጋሽን ድኣ እያምበር፣ ኣብ ውሻጠ ኣብ ኮምፕዩተር ፓልቶክ ዓሪድካ ዓወት የልቦን።

 

ፍቕርን ሰላምን ውህደትን ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስታያንን፣ ኣብ መንጎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ይስፈን!!1