ብወዲ ጥሮታ ዕለት 02.03.18፡

ምንጪ ሓበሬታ

in English: The Battle of Adwa

እንሆ በሉ ወያ ኣብ ናይ ህላወን ሞትን ኩነት ተቐርቂራ ትሕመስ ዘላ ሃገረ-ኢቲዮጲያስ ንዓመታዊ ዝኽሪ ክቡር በዓል ‘ዓ ወት’ ውግእ ዓዱዋ ትሸባሸበሉ፣ ትድግደገሉን ትዕጠቐሉን ትርአ። ብወገነይ ሎሚ ግደፍ ነቲ ቅድሚ 122 ዓመታት ዝተገ ብረ ውግእን ትርጉማቱንሲ ነቲ ናይ ዕለት 28/05/1991 ‘ዓወት’ውን እንተዝቐምሶ ኣይምመዓረንን። ኢቲዮጲያዊያን ምስ ኩሉ ምስጡር ልባቶም ብሴፎምን ዋልታኦምን እንተሸለሉሉን ደበሉሉን ሓቆም! ንሕና ኤርትራዊያንከ ነዚ ዘቐንዘወና መ ዓልቲ ውግእን ውጽኢቱን ብከመይ’ና ንዝክሮ?

መቸም ብዙሕ እዋን “መመጽሓፍና ኣለና” ክብል ተሰሚዐ እንድየ፣ እንሆ ከምዚ ናይ ሎሚ ክርከብ ድማ ክብሎን ክደጋ ግሞን ደስ’ዩ ዝብለኒ። ምኽንያቱ ንከምዚ ናይ ዓዱዋ ዓወት ዝኣመሰለ ዝዋሃብ ኣተረጓጉማ ከከምረብሓኻ ስለዝትርጎም።

ዝኾነት ውግእ /Battle/ ትርፎ’ቲ ናይ ንጹል፣ ሓፈሻውን ዛዛምን ውጽኢት፡ ሰዓርን ተሳዓርን ናይቲ ኲናት /war/ ክትገልጽ ኣይትኽእል ኢያ። ምኽንያቱ ንሳስ ከም ሓንቲ ቀላሲት ናይቲ ዕያር ድኣ’ምበር ንርእሳ እቲ ሙሉእ ውድ ን ኣይኮነትን። ብተወሳኺ ነገር ጉርሒ ኲናት ኮይኑ ከም ቲ ጸወታ ዳማ ክትብላዕ ዝተበጀወት ክትከውን ትኽእል ኢያ። ዝስዕብ’ሞ ብሕፍሶ ክትመልሶ ከምትግደድ ንባህሪ ጸወታ ኲናት ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ። ኣጋጣሚነቱ እቶም ኢቲዮጲያዊያን ውግእ ዓዱዋ ከም ዛዛሚ ዓወት’ኳ እንተ ተመክሑሉ፡ ኣብ ማይ ጨውን ክሳብ ድማ ንጉሶም ንዓዲ እንግሊዝ ብምፍርጣጦም ብጣሊያን ንሓሙሽተ ዓመታት ከምተደኽደኹን ክዝክሩ ስለዘይራኣዩ ከንቱነቶም ተጋሂዱ ‘ዩ ዝርአ። ንጉሶም ኣብ እንግዳዓ ሰራዊት እንግሊዝ ተሓን ጊሮም ርእሲ-ከተማኦም ምስ ኣተዉ’ውን ባዕላቶም ንከም ጎጃማይ በላይ ዘለቀ ዝኣመሰሉ ሓርበኛታቶም ክቐትሉ ኢ ዮም ዝተራእዩ።

ናብቲ ውግእ ዓዱዋ ተመሊስና ብኸመይ ከምተፈጺመ ን ዝምልከት ኣነ`ኳ በዛ ቁንጣሮይ ብዙሕ እዋን ስለዝተረኽ ኩሉ ሎሚ እይደግሞን። ርግጽ’ዩ ታሪኽሲ ብታሪኽነቱ እ ንክትረኽ ንመጻኢ ውሕስነት ህላወን ዕቤትን ምዃኑ ኩል ና ንምስክሮ ሓቂ ምኾነ። እንተ ኣብቶም ኢቲዮጲያዊያን ከምቲ ንዓና ዝርዳኣና ስነ-ኣእምሮ የለን። ሃጓፍነት ታሪኽ ብድበላ ዓወት ከምዘይሽፈን ዓለማዊ ሓቂ እናኾነ፡ ንሳቶ ም ሳላ’ቲ ዝምክሑሉ ድቡቕ ልባቶም ብሰንኪ’ቲ ድኹም ን ክኸውን ዘይነበሮ ዝፈጸሙዎ ገበናትን ጠንቂ ምብትታ ን’ታ ናይ ሰለስተ ሽሕ ከምዝገበረት ዘውሩዩላ ‘ናጻ’ ሃገሮ ምን ይኸውን ከምዘሎ ተሰቚርዎም ክእርሙዎ ኣይስም ዑን ኣይኽእሉን’ውን።

“ጸማምሲ’ያ ሓደ ደርፉ” ከምዝባሃል፡ ብመጉስዕ ጥንታዊ ዓወታቶም ክሰራሰሩ ንዝራኣየ፡ ብትሕዞ እንተተገጢሞም እቲ ከም ብለቢቶ ዝተኾመረ ሃገርነት ቅጽበት ከምዝነጽፍ ኣጸቢቑ እናተፈልጠ ኣብ ክንዲ ነይርኒሲ እነህኒ መበሊ ስ ለዘይብሎም ንጉሁ-ንጉሆ “ዓዱቃ-ዓዱዋ-” ክብሉ ተመሊ ሱ የነውሮም እንሆ። ስለኡ ይኸውን እቲ ረቂቕ ዝትርጉ ሙ “ዓዱዋ ትመጸኩም ዲያ ትኸድዋ” ዝተጠቕሰ።

ብዛዕባ ዓወት ዓድዋ ክንዛረብ ካብ ተገደድና ልክዕ’ዩ ኣብ ውግእ እቲ ዝጸብለለ ክጭድር ክፍክር እንከሎ እቲ ዝተሳዕረ ድማ ሕነኡ ክፈዲ ክመክር ብልሓት ክፍሕትር የግዲ ምዃኑ እሙን ወሲድና ግን እስከ ነዚ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ስእልታት እናረኣኹም’ሞ ሕስብ ኣብሉዎ። ስለምንታይ ኢየን 800 ጉምቦ ኣእዳውን ክንድኡ ዝቑጽረን ግምቦ ኣእጋርን በቲ መላጸ ዝብልሑ ዝድብልሉን ዝሽልሉሉን ሴፎም ተቖሪጸን? ካብዚ ትዕዘቡዎ ጭብጢ ዘኹርዕ ዘይኮነስ ዘሕፍር መዳይ ናይቲ

‘ዓወት’ ከምዝምዘን እዚ ስእልታት እናመስከረ ትንፈር’ምበር ጤል ክትኮነሎም ዶኾን ይኾኑ ክንድኡ ሃለውለው?

“መባእስተይሲ እንተዝልብመለይ!” ከምዝባሃል፡ እቲ ኣውራ ነዞም ክሳብ ሎሚ ብ’ዓወት’ ዝፍክሩን ብ’ሰባውነት’ ዝመጻ ደቑን ዘለዉ ናይ ሽዑ ‘ጀጋኑ’ ዘንዕቖም፡ ነቶም ምሩኻት ስዑር ሰራዊት ጣሊያን ብቀይሕ ምንጻፍ ንዓዶም ከፋንዉዎም እንከለዉ ነቶም ዓሳክር ጥልያን ዝነበሩ ምሩኻት ተጋሩ’ውን ሳላ ኣሉላ ናጻ ከምዝለቐቑዎም ንዕዘብ።

ሕጂ’ውን ደጊምኩም’ሞ ሕሰቡዎ፡ ስለምንታይ’ዮም ነቶም ትእዛዝ ዝተቐበሉ ሰብ ሰናይ ዓላማ ፈሊዮም በቲ ከም ናይ ውጫለ ‘ወሃ ዘበለ’ ናይ ዓሎቕ ሕጋጋቶምን ጥልመቶምን ነቒሎም ኣእጋርን ኣእዳውን ምሩኻት ዝቖረጹ? እቲ ኣውራ ዝገ ርም፡ ከመይ’ሎም’ኢዮም ሕውነቶምሲ ይትረፈና’ሞ ነዛ ንደቂ-ሰባትን ከምኣቶም ጸለምትን ብሂወቶም ብስሕለት ዝቖረጹ ላ ፍጻመ ክንዲ ዝናስሑላ ከም መርኣያ መሰልን ናጽነትን ጸለምቲ ዝጠመቑዋ? ናይ ኢቲዮጲያዊያን ድንቁርና ኣይዝረቦን!! ዝገበሩ ገይሮምድማ ዓለም እንታይ ከምትሓስቦም ከይገመቱ ክሓስቡዋ ምፍታኖም ኢዩ።

ንነገሩ ኣብዚ ሎሚ እዋን ን‘ፍትሓውነት’ ክንድኡ ካብ በሃጉዋ ንሳቶምከ ፍትሓዊያን ዲዮም? ዝኾነ ድማ ይመኽነዮ፡ ግና ስ ትርፎ ኤ ርትራውነትን ምሩኽነትን ካልእ እንታይ ስለዝኣበሱ ነበረ ብፍሉይነት መሓውርና ዝተቖርጸ? እዞም ብመባኹ ዕቲ ዝንፍሑ ተጃሃርቲ ገዛእቲ፡ ጥልቀት ልቦም ሰብ ዝበጽሖ ይመስሎም ስለዘይነበረ ብሓፈሻ ንሓቀኛ ታሪኽ፡ ብፍላይ ድማ ነዚ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ሕቶታት ሓንቲ መዓልቲ’ውን ክምልሱዎ ሰሚዕናዮም ኣይንፈልጥን!

ብዛዕባ ታሪኽ ዝመጸ ሕጂ’ውን መመጽሓፍና ስለዘለና እቶም ኣብ ኣራእሶም ከበብቲ ቆቡዕ ዝወደዩን ናይ መመረቒ ቀም ሽ ዝደረቡን እንተባጨዉልና ዓቕሞም ኮይኑዎም’ዩ’ሞ ክሳውድና ዘድንን የብልናን። እንተ ንነበርነት ዓወት ዓድዋ ዝመጸ ፡ ሽዑ ወዮም ክማረኹ ዝተማዕዱ ኤርትራዊያን ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ኢዶም ምስሃቡ፡ ንጉስ ምሊሊክ ግደፍ ከም ውዕሎ ም ንኤርትራዊያን ደጊፎም ንጣሊያን ካብ ኤርትራ ከውጽኡስ፡ ዶብ መግዛእቲ ጥልያን ካብ ኣለውሃ ምላሽ ናብ መረብ ምላሽ ቀይሮም’ዮም እንጦጦኦም ዝተሓንኬቡ። እ ቲ ቦኹትሽነቶም ድማ ብዓንቀጽ ፍትሃ-ነገስቶም’ ማለት ብቁዋሞም ብ ክሕደትን ባንዳነትን ዝተወንጀሉ 800 ካብ’ቶም ባዕሎም ኢ ዶም ዝሃቡ ወታደራት ጥልያን ኣሕዋትና በቲ ዝሽልሉሉ መ ላጸ ሴፎም መሓውሮም ቖሪጾሞም ኢዮም።

ዝብሎ ዘለኹስ፡ ከምታ ክትናጠር ዝራኣኹማ ዝተቖርጸት ጭራ ጥጠበቕ ብዝመስል ሸሞንተ ምኢቲ ግምቦ ኢድን ክንድ ኡ ዝኣክል ግምቦ ኣእጋርን ከምተጎንደባ ኢየ ዝገልጽ ዘለኹ። ተተቖሪጸን ኣብቲ ባይታ ምስተደርበያ የንፈጥፍጣ ምንባረን ከኣ ምንም ኣየጠራጥ ርን። ከም ፈኸራ ተሓሲቡ ድማ ነተን ግዳያት መሓውር ክንዲ ምቕባረን፡ ኮነ ኢሎም ንኣፍልጦ ስ ለዝዘርኡወን እታ መሬት ብዝኸድካዮን ፈቐዶኡን ብዝተቖርጸ መሓውርና ደቢናን ደምያን ነበረት። ወዮ ጉንዲ ዝተቐየረ ወናኒ’ዘን ክልተ መሓውር ድማ፡ እቲ ነጥሪ ብሂወት ዝተረፈ ከምዚ ትርእዩዎ ብሰኸም ኣሕዋቱ ክውገን እንከሎ ዕድል ና ይ’ቲ ዝመተ’ሞ ክቕበር ስለዘይተዓደለ እንታይ ክዝረቦ!

እቲ ዝገርም ሕሰም ናይ’ታ ፍትሃ-ነገስቶምሲ፡ የማናይ ግምቦ ኢድ ምቑራጽ ድማ ፍሉይ ትርጉም ምሃቦም ነበረ።

“ፈራህ ኣይሓዝካ” ድዮም ዝብሉ ወለድና! ብመንጽር ተግባሮም ንሕና’ዞም ‘ሸፋቱ’ ኸድኣ ኣብ ዓውደ-ኲናት ማሪኽና ኣካ ላቶም ክን ቆርጽ ወይ ክንርሽኖምዶ ተራኢና ወይስ ነገር ቦኽቱሽነት ኮይኑ ‘ኣሕዋትና’ እናሉ መምስ ሓለፈሎም ግድን ሂ ወት ሰብ ከሕልፉ’ዮም?

እንተ ነገር ሕውነት ካብተላዕለ ብኣጋጣሚ ዓወት ዓድዋ ድማ ኢቲዮጲያዊነት’ውን ምስዓቡ ስለዘይተርፍ ሓፈሻዊ ህሉው ፖለቲካናን ጽልዋታቱን ብዝምልከት እቶም ናይ ታሪኽ ምሁራት ከምዝኾኑ ዝንገረሎም ኣብ ትግራይን ኪኖኡን ዘለዉ ከ ም’ኒ መምህር ገብረ ኪዳን ደስታን መምህር ሙሉወርቅን ዝኣመሰሉ ዝበሉዎ ሰሚዕና። እቶም ብስም ዓባይ ኢቲዮጲያ ዘ ኽርሩ ጀነራለ-ኤምባስን ተ ቓወምቲ ደገፍትን፡ ከምኡ ድማ እኒ’ቲ ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ንመጀመርታና ንሪኦ ዘለና በዓ ል ሃብቲ ኣቶ ዳዊት ገብረግዚኣቢሄር ዝበሎ’ውን ሰሚዕና።

ካብ ዝተዓዘብናዮ ብድሙሩ ክርአ እቶም ክሳብ ሕጂ ናጽነት ሃገርና ስለዘይተዋሕጠሎም ርእሶም ከምተቖርጹ ዝሓስቡ ወገናት ኢቲዮጲያ እንተበሉዎስ’ኳ ገና ክንተሓሳሰብ ስለዝኾና ዘዛርብ የብልናን። ገደደ ናይ’ቶም “ናትኩም ኢና” ዝብሉ። ወዮም ብኢቲዮጲያዊነቶም እናኾርዑ ንዓወት ዓድዋኦም ዘብዕሉ ‘ኣሕዋትና’ ብኣጋጣምነት’ቲ ቀታሊና ዓወቶም ኣብ ርእ ሰና ንዝተፈጸመ ባርባርነት ኮነ ብመጻኢ ሃገራውነት ኤርትራን ክቡር ህዝባን ብዕምቆት ዝተዛረበ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን።

ናይ’ቶም ካልኦት ከኣ ደለ ምኾነ፡ ናይ ኣቶ ዳዊት ግና ሓለፋ ነይርዎ። ወናኒ እርቡናለታትን ከም ቢራ ራያ ዝኣመሰላ ፋብ ሪካታትን ምዃኑ ዝነግሩና ኣቶ ዳዊት፡ ብከምቲ ናይ ኣመሪካ በዓል ሃብትን ስልጣን መንግስትን ብህሎኡ ከይተቖጻጸረ ዝ ፍንዎ ዘይእዱብ ፖለቲካ፡ ዳዊትና ከኣ ብኣምሳሉ መዕለቢኡ ስሒቱ ከይፈግኣና ዝሰጋእናሉ ዱቦላዊ ደናጉላ ክውርውር ር ኢናዮስ ከቕሕር’ኳድኣ። ንሱ ብስም ‘ኣሕዋት’ እናቀረበ በቲ ሓደ፣ ወያነ ኣስመራ ክትቆጻጸር እናኸኣለት ንምንታይ ከምዘ ይተገብረ ከምዘቕሓሮ ክመስል፣ በቲ ካልእ፣ ባድመ ናይ ትግራይ’ምበር ናይ ኢቲዮጲያ ከምዘይኮነት ክድርጉሖ ስለዝተሰ

ምዐ፡ ምናልባሽ ከምቲ ብወገን ወልቃይትን ጸገዴን ከምዝቖረሱዎ ዝውረ መሬት፣ ባድመ’ውን ብፍታዎም፡ እወ ብፍታዎ ም’የ ዝብለኩም፡ ንኤርትራ እንተሂቦማ ኣምሓራ ዘእቱ ከምዘይብሳ ከተምብህ ክብል ዶኾን ይኸውን?

ኣከሳሳብ እንተልዩዎስ ነታ ወያነ ዓሰብ ከተምጻኣላ መሲልዋ ዘፋጸየት፡ ነታ “ሕብሪ ዓይንኹም ኣይተበራሃናን” ብዝብል ዓሌትነት ህዝብና ንዘበሳበሰት ወያነ ዘጣቕዐት ኣምሓረተይቲሲ “ንሱ’ኳ ክውሕዳ” ዘየብል ኣይኮነን። ግና ሃየንታ ድማ ኣ ለዎ። ሓደ ናጽነቱ ዘናዲ ሓይሊ እንተ ብልዝብ እንተ ብሓይሊ ንፖለቲካዊ መሰላቱ ክዋደቕ ግቡእ ኣገባብ ቃልሲ እመስ ለኒ። ቦኽቱሽነቱ ዝርአ ንሱ’ቲ ደላይ ናጽነት ተገልቢጡ ክንድቲ ከምዝተገዝኦ ዝጽብጽቦ ዓመታት ክገዝእ ክመጣጠር እን ክርአኸ ምስ እንታይ ይቑጸር? እቲ ከምኡ ስራሕከ ንዓና ንኤርትራዊያንን ነቶም ብኣና ዝግደሱ ኣሕዋትናን እንታይ መልእ ኽቲ ክህብ ይኽእል? እሞ በሉ ከምኡ ካብኮነ፡ ይኽደኖ ድኣ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ’ምበር ወያ ዓንቀጽ 39ሲ ኣብ’ቲ ኩሉ ከይበጽሐት በዚ ተኣዊጁ ዘሎ ህጹጽ ኣዋጅ ድሮ ትመክን እንሀት!

ግርም! እወ ኩሉ ግርም። ሕጂ’ውን ንሳቶምሲ ይሸልሉ፣ ይፈክሩን ዝበሉ’ውን ይበሉን” ንብል ኣለና። ግናንዶ ከፍአ ናይ’ ቶም ናህና። ምኽንያቱስ እኒ መምህር ተስፋጼን ኣግኣዚ ዝብሉዎ ኸኣ ንሰምዖ ስለዘለና። ካባ ናይቲ በዓል ሕዱር መግዛእ ቲ ተተጎምጒምካ ሎሚ ብልሳን ናይቲ ሕሉፍ፡ ግን ድማ ህሉውን ስዉርን ብልሓት ኣገዛዝኣ ዮሃንስዶ ኣሉላ እናበልካ ሕ ቑንቑንከ እንታይ ኣምጽኦ?

ዝኾነ ድማ ይኹን፣ ግናስ ንሳቶም ብኣጋጣሚ ዓወት ዓዱዋኦም ክድብሉን ክሸልሉን እንከለዉ “ንሕናኸ ነዚ መዋእሉ ዘቐ ንዘወና መዓልቲ ውግእ ዓዱዋን ውጽኢቱን “ብከመይ ኢና ንዝክሮ? ምስቲ ፖለቲካዎ ምስረታ ሃገርነትናን ህላወናን ብከ መይ ይጻባኣና? በቲ ዘሳቕየና መቑረጽትን ክሳብ ሎሚ ዘይተኸፈልናዮ ካሕሳን ክንሕንሕን ይግድዱና ከምዘለዉኸ ይፈል ጡ ዲዮም” ኢልኩም ትሓስቡዶ?

ግዲ የለን! እቶም ናይ ውሽጥን ወጻእን ለባማት ንሕና እናሰማዕናዮም ንዓና ምስማዕ ካብ ኣበዩ እወ ግዲ የለን! እንተ ብ ወገነይ ካብ ቅድመይ’ውን “እምባጋር” ትብል ጽሕፍቲ ኣዳልየ ምንባረይ እዝክር። እምባጋር ኤርትራውነት ትዝምር መጽ ሓፍ ነበረት። እምባጋር ካብጥንቱ ዝወረደና ባርባራውን መስፍናውን ግፍዕታትን ካሕሳኡን ትምጉት መጽሓፍ ነበረት። ክሳብ’ውን ኣብቲ ቃልሲ ከይተረፈ ይግበር ንዝነበረ ናይ ውሽጢ-ውሽጢ ሸርሕን መጻኢ ሳዕቤናቱን ትትርኽ መጽሓፍ ነ በረት። ግናስ ኣብቲ ሕማቕ ግዜ ተተሓሒዝና ምስተኣሰርና ክሳብ ሎሚ ኣይተፈታሕናን። ንሳ’ሞድማ ሽዑ ምስተፈለየትኒ ድሃያ’ኳ ነይረኸብኩ! ብዝኾነ ገለ ካብቲ እምባጋር ዘልዓለቶን ብድሕሪኣ ክሳብ ሎሚ ክስዕብ ንሪኦ ዘለናን ንዝምልከት እ ስከ ንኣፍልጦ ነዚ ዝስዕብ ንሕሰበሉ፦

1, እቲ ን30 ዓመታት ዘውረዱዎ ባርባራዊ መግዛእቲ፡ ድሕሪ ነጻነት ምእንቲ ሰላም ክባሃል ክኽሕሱና ኣይሓተትናን። እኳ ድኣ ወደባትና ብጥርሑ ክጥቀሙሉ ተፈቒድዎም ነበረ።
2, ኣብ ቃልሲ እንከለና ናይ ሰላማዊ ህዝብና ንብረት ዘዘሚቶምን መካይኖም ጸጽዒኖምን ንሃገሮም ከምዝጓረቱን፣ ኩለን’ ተን መሰረት ሃገራውነትን ሸቃሎነትን ዝነበራ ፋብሪካታትና ነነቒሎም ከምዘግዓዙን እናተፈልጠ ድሕሪ ናጽነት ብስም ‘ወ ያነ ስልጣን ሒዙ’ ኣይተኻሓስናን።

3, ሃለዋት ናይ’ቶም ኣብ ትሕቲኦም ዝወደቑ ተጋደልትን ተቓለስቲ ህዝብናን እናተፈልጠ ቅድሚ ይኹን ድሕሪ ናጽነት ዝ ነበረ ኣተሓሕዛን ፈነወን ምሩኻቶም እናተፈልጠ ብግምጣሉ ኣብ እዋን ናጽነት ሰራዊቶም ክሃድም እንከሎስ ያኢ ኣብ ል ዕሊ ህዝብና ዓመጽ ዘይምፍጻሙ ከም መርኣያ ፍትሓውነቶም ገይሮም ከቕርብዎ ሰሚዕና። እቲ “እግረይ ኣውጽእኒ!” እና ለ ዝነፍጽ ዝነበረ ሰራዊት’የ ዝብለኩም ዘለኹ ያኢ ኣርኪብሉስ ነቲ ማይን መግብን እናኾለሰ ዘፋነዎ ህዝብና ክቐትል! ን ፍትሓውነትና ዝግባእ ምስጋና’ውን ኣይተኻሓስናሉን።

4, ድሕሪ ናጽነት ኣብዝተገብረ ዳግማይ ኲናት ባድመ ምስ ተረጋግአ ሃገርና ጉቡኣ ክትፍጽም እንከላ ንሳቶም ኣይከሓሱ፡ ዶብ ኣይሓንጸጹ። ነዚ’ውን ምእንቲ ሰላም ክባሃል ኣይተኻሓስናሉን።
5, ብተወሳኺ እዞም በላዕቲ ሰብ ኢቲዮጲያዊያን ብሰበብ ውግእ ባድመ ነቲ ኣብ ማእከል ዓዶም ዝነበረ ሰላማዊ ህዝብና ካብቲ ቅድም ብዝኸፍአ “ሕብሪ ዓይንኹም ኣይተበራሃናን” ብዝብል ዓሌታዊ ቃል ንብረቱ ዘሪፎም በታቲኖሞ ክንሶም ነ ዚ’ውን ምእንቲ ሰላም ክባሃል ኣይሓተትናሉ ኣይተኻሓስናሉ!!

6, ብስም ደምበ ተቓውሞ ልምሰትን ዝርወትን ኤርትራዊ ሓይሊ እናተኣናገዱ ግልባጥ ህግደፍነቶም ኣመስኪሮም እናረኣ ና እዚ ሓድነቶም’ዚ ነቲ ዘይበቓዕናዮ ሕሉፍ ኮነ ህሉው ዘይሓድነትና እናርኣየና ከይፈወስናዮ ትም ባቃ ትም!! ገሌኹም ብስም ተሓኤ ነበርነት ደምበ ተቓውሞ ብመገዲ’ታ ውድብ ክሃጥር ዝተመነኹም ኣይወሓድኩምን። ሓቁ ግን መብዛሕቶ ም ተሓኤ ነበር እንተ ብግህዶ እንተ ብማዕዶ/ብስዉር/ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ተደርጊሞም’ዮም። ነዚኸ ብከመይ ይኽሕሱ? 7, ብስም ‘ስደተኛታት’፡ ህዝብና ኣብ መዓስከራቶም ዘሪዖም ብስምና ንዝመጸ ረዲአትን ፍቓድ ጽጋዕተኛነትን መንዚዐሞ ን ሸይጠሞን ሰብና ድማ ክሳብ ሎሚ ልክዕ ብከምቲ ናይ መግዛእቲ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳዊያን ዝተወስደ ኣብ መ ሐየሪ መዓስከራቶም ኣብ ዝተደኮነ ቴንዳታት ተኸዚኑ ምህላዉ እናፈለጥና ትም ባቃ ትም። ንኸመይ ክኽሕሱና ይኾኑ” 8, ኩሉ ካብዘይሸገሮም ድማ ምስ’ቲ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ንምፍንጥሖም ሓሲቡ ከምዘይፈልጥ ንዝውድሱዎ ሰብና ክመስለና ዝጸንሐ ስማዊ ኤርትራዊ መራሒ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክመሻጠሩ ተራእዩ። እዚኸ ኣየኽሕስዶ?

9, ብሓቂ እንክርአ፡ መብዛሕትኦም’ቶም ‘ኣሕዋትና’ ካብ ነቶም ምስኦም እናደመዩ ቤተመንግስቶም ዝኣተዉ ደቂ ኤርትራ ነምሓራ ዝያዳ ይኣምኑ። ካብ ጥንቱ’ውን ኤርትራዊ ንትግራይ ትግርኝ ክዋደቕ እንከሎ ንሳቶም ግና ዘምሓርሓሩ እበዝሑ’ ሞ እዚኸ ብመንጽር’ዚ ናይ ሎሚ ጥሙሓቶም ክዕወት ንሳቶምከ ንይቕረታ ከም ካሕሳ ኣቕሪቦን ዲዮም ጨጨጓሩ ደፊኖ ም ሓድነት ዝደልዩ ዘለዉ?

10, እዚ ኩሉ ካብ ማዕዶ እናተገብረ ካብ ውሽጥና ድማ ብስም ሕህውነትዶ መበቆል ኮነ ፍቕሪ ስግር ዘዝማዓሮም ግሩሃ ት ከሕቆንቁኑ ክራኣዩስ እንታይ’ዩ ወሪድና ዘሎ ኤርትራዊያን? መዓስ ኢናኸ ነብስናን ሃለዋትናን ንፈልጥ ኤርትራዊያን?

ክቡራት ደቂ ኤርትራ፡ ኣጸባጻብ እንተኾይኑ መወዳእታ’ውን የብሉን። ግናስ ብዘለና ክቡር ባህሊ ሃየንታኡ ኣጽሊእና ንኩ ሉ ክንጽመሞ ግቡእ’ኳ እንተኾነ ክሳዕ መዓስ’ዩ’ዚ ትም’ዚ? ከምቲ ጀነራል ስብሓት ዝበሎ ክልተ ኩንታል ትስከም ገመል ሓንቲ ኪሎ ምስትውስኸላ ሕቖኣ ከምትስበር ይጠፍኣና ዲዩዘሎ ኮይኑ ወይስ ኣይንስበርን ኢና? ወይ’ውን ዘይፈለጥናዮ ካልእን ንሳቶም ጥራይ ዝተወጠሩሉ ወጥርን ኣልዩ?

ምናልባሽ ካብቲ “ንሕማቕ ግዜ የለኹን በላ” ዝብል ኣዚዩ ከቢድ ዝመልእኽቱ ጥቕስና ብምብጋስ ስለገዳፍነትና ግዜ ክሳ ብ ዝልውጠልና ክንገለሉ እንተተበገስናኸ ኣማስያኡ ትርፎ ስዕረት እንታይ ከምዝወልደልና ጠፊእና ዲዮ?

ብሓጺሩ “መንዩ ኢቲዮጲያዊ?” ንዝብል ሕቶ ነቲ ኣማኒኡ ገዲፈ እንተ ምስ ኢቲዮጲያዊያን ከምቲ ደብተር ሕዩር ቢተወ ደድ ኣብራሃ ዝገለጾን ካብ ጥንቱ’ውን ንጸባጸበሉ ሕዱር ዘይተኻሓስናዮ እምባጋር ከምዘሎን ግና ንፈልጦን ይፈልጡዎን’ ዮም’ሞ “ጠንቂ ናይ ብሕጂ ዝመጽእ ክፉእ ከይኸውን” ዝብል ልቢ ምዕባይሲ ክሳዕ መዓስ? ብወገነይ ኩሉ ከብቅዕ ኣለዎ “ ይብል ኣለኹ’ሞ ንስኻትኩምከ እንታይ ትብሉ?

እንተ ኤርትራና ምስ ሃገርነት ናይተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክትነጻጸር እንከላ “ምድሪ ባሕሪ” ትስመ ጥንታዊት ሃገር ኢ ያ። መራሕትና ድማ “ባሕሪ ነገስታት” ይባሃሉ ምንባሮም እዞም ዘመናዊያን መደርቲ ዘይቅይሩዎ ታሪኽና ኢዩ። እቶም ኣ ብ ኣራእሶም ፋረ ጋዋኑ ዝገተሩ ሸለልቲ በቲ ዝግትርዎ ጋዕሲ ህበይነቶም ስለዘርኣዩና፡ ንሕና ድማ ብሓሳብ ኮነ ብግብሪ፡ ህበይሲ ጉርሕ ውዒላ ጉርሕ እንተሓደረት ህበይ ጥራይ ምዃና ኣጸቢቕና ንፈልጥ።

እምበርከ ወዮም ጎራሓት፡ ብሓያል ጉርሒ ተጋሩ ምስ ተለኽዑ ተመን ለሚዱ እልካ ኣብ ጁባኻ እንተእቲኻዮ ምንካስ ከ ምዘይገድፍ ከረድኡና እናወዓሉ ከመይቢልና ንሕና ንዓታቶም ኣብ ጀበቡና ክንድርግሞም ይምነዩ? እቶም ንዶርሆን ብ ማሸላ፡ ንሓማሸናይ ድማ ብማሕላ ከሽከርክሩና ዝጸንሑ ‘ኣሕዋትና’ ድማ ልቢ እንተዘይቀኒዑ ምሒር እንተተሰወረ’ውን ዕድመ ንምውሳኽ እንተዘይኮይኑ ዝፍይዶ ነገር ከምዘይብሉ ፈሊጦም ካብቲ ዝለመዱዎ ላንጋ-ላንጋነት እንተዝቖርጹ ከም ዝሓይሽ ከነፍእመሎም ንመርጽ።

ብዝተረፈ መን’ዩ ኢቲዮጲያዊ ንዝብል ሕቶ ደጊመ ከየድመቕኩ ንሳቶም ኣብ ርእሰና ንዝፈጸሙዎ በደል ክሳብ ለይቲ ሎ ሚ ብዛዕባ’ቲ ዝእወዱዎ እምባጋርሲ ይትረፍ፡ ወግዓዊ ይቕረታ’ውን ሓቲቶሙሉ ኣይፈልጡን’ዮም። ቀንዲ ምኽንያቱ ድ ማ፡ ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣብ ኣእምሮ’ዚ ንሃገርና ነጊሱላ ዘሎ ገዛኢ ስለዘይነበረን ዘየሎን ጥራይ ኢዩ። ስለኡ ንሱ ቀጻሊ ረብሓታቱ ቀራሪሙ እናነበረ ንሳቶም ድማ ከም ተጠቀምቱ ብመገዱ ስለዝገዝኡና እንተንዓቑና መዓስ ተጋጊዮም!

ድሕሪ ደጊም ዓወት ዓዱዋ ክላዓል፡ ኣብ ጓህሪ ኤርትራውነት ላምባ ምኽዓው ምዃኑ ኩሎም ክፈልጡዎ ዝግባእ ውሳነ ሃገራውነትና ምዃኑ ካብ ዘይተቐበሉ፡ እቲ ዝፈልጡዎ ስቕታና ብከመይ ከምዝጠብሶም ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና።

እወ፡ ዓወት ዓዱዋ ሕጂ’ውን ዓወት’ዞም ወነንቲ ወርቂ መንነትን ፈጸምቲ ታሪኽን ኣቦታትና ኢዩ። ንሕና ድማ ንወርቃዊ ታሪኽና ንዕቅብ ወለዶ ምዃንና “እሺ” ኢሎም ክቕበሉዎ ዘለዎም ሓቂ ምዃኑ እናተሓሳሰብና ኢና ነቲ ፍጻመ ንዝክሮ።

ዕድመ ንሓርበኛታት ኤርትራን ኤርትራውነትን!!!!!!!!! ወዲ ጥሮታ፡