ንምስጢራዊ መደብ ዕዮ ህግደፍ ዘተግብሩ ፎርምላታት ኣየኖት ምዃኖምን፣ መን ከምዝምሃዞምን፣ ዘዳለዎምንከ ትፈልጡዎ?

ነቶም ወሰንትን ቀንድን መሰረት መድብ ዕዮ ሻዕብያ ወይ ህግደፍ ዝኾኑ ፕሮግራማት ከይፈለጥካን፣መን ከምዝምሃዞምን ንህግደፍ ኣዳልዩ ዘቍረበሎምን ከይፈለጥካ ውዲታዊ ምስጢር ኢሰያስን ህግደፍን ክፍለጥ ኣይክኣልን እዩ።

ነቶም መምርሒታት ሰብ ከይተረድኦም ግንከኣ ብግብሪ ብትእዛዝ ኢሰያስ ብጭፍራ ህግደፍን በብእዋኑ ኣብልዕሊ ዝይቢ ኤርትራ ዝፍጸሙ ዘለው፣ እንታይ ምዃኖም ከይፈለጥካ፣ጎጉዱ ንኢሰያስን ኮራዂር ኢሰያስን ጥራይ ምስካም ዕሽነት እዩ።

እቲ ኣምሆ ዘመን ህ.ግ.ሓ.ኤ. (“ሻዕብያ“) ዝብሃል ዝነበረ፣ ሎሚ ከኣ ህግደፍ ዝብሃል ዘሎ ጭፍራ: መጋበርያን መሳርያን ጽዮናውያን እዩ።  ብመሃንሳት ጽዮናውያን ከም ብዓል ሲ.ኣይ.ኤን፣ ኤም.ኣይ.6ን፣ ሞሳድን ዝተቐረበሉ ፕሮግራም መደብ ዕዮ ከም ፓፓጋሎ ኮይኑ ድኣ እዩ ዘተግብሮም ዘሎ ዕምበር፣ ባዕሉ ሓሲቡን ሓንጺጹን ኣይኮነን። እቶም ስዉራት  ምሃንድሳት ጽዮናውያን ተዳልዮም ዝተዋህቡዎ መደብ ዕዮ ጥራይ እዩ ሓደ ብሓደ ዘተግብሮም ዘሎ እምበር፣ ወሪዱዎ ኢሰያስ ድኣ ነዚ ረቂቕ ውዲት እዚ በየናይ ኣእጋር በየናይ ኣሰጋጋር ክፈልጦ። ግን ምስቶም ጎይቶቱ ሓንሳብ ሐራይ ዝበልኩምኒ ክፍጽም እየ ኢሉ ውዕል ስለዝኣተወሎም፣ ብረቂቕ ሜላታቶም፣ገሮም ኢሰያስ ከም ሓደ ፈላጥን፣ ብዓል ዓቢ ኃለሥልጣንን ኮይኑ ብህዝቢ ከምዝርአ ገሮም ኣብታ ልሕልሕቲ መንበር ከም ካትራመ ተላሒጉ ክሳብ ዝመውት ንህዝቢ የጽንት ኣሎ። እቲ ኩሉ ተዓቢጡ ዘሎ ዘይተኣደነ ምስጢራት ኢሰያስ ህዝቢ እንተፈሊጡዎ ግና፣ ኢሰያስ ሓንቲ ለይቲ ክሓድር ኣይምኽኣለን።

ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘገም እንዳበለ ካብ 1970 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ሰራዊት ከየስተብሃለሉ ክሳብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ክፍጽሞ ዝጸንሐ፣ ሎሚ ከኣ ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ማለት ድሕሪቲ ብ“ነጻነት“ ዝፍለጥ ግንከኣ ብግብሪ ባርነት፣ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ከይፈለጦ ብግህዶ እንዳገደደ ዝፍጸም ዘሎ ውዲታዊ መደብ ዕዮ፣ ኣይተ ኢሰያስ ባዕሉ ዝመሃዞ ዘይኮነስ፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተጸኒዑን ተፈቲኑን ተዳልዩ ዝተዋህቦም መደብ ዕዮ እዩ። እቶም ብክኢላታት ጽዮናውያን ተዳልዮም ንኢሰያስ ዝቐርበሉ ቀንዲ ፕሮግራም መድብ ዕዮ  እምብኣር እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1ይ. ንቡር <-> ጸረ ንቡር =ዘይንቡር (Thesis <->Anti Thesis = Synthesis) ኣተገባብርኡ፣ ከኣ ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብድልየት ህዝቢ ዝተሰረተ ሕገንዳባ ክጉዓዝ ዝጸንሐ፣ ንቡር ባህልን መንነትን ሃይማኖትን፣ ብጸረ ንቡር (ሰውራ ዝብሃል) ኣሳዊርካ፣ድሕሪኡ ዘይንቡር ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ሰኒዕካ ምምስራት ማለት እዩ።

Random Thoughts Thesis Antithesis Synthesis
ንቡር ዘይንቡር = ጸረንቡር። ብሉጽ ባህልን ልምድን፣ መንነትን፣ ፍትሕን ዋንነት መሬትን፣ ብጸረ ንቡር፣ ብሰውራ ኣመኽንኻ ዘይንቡርን ግዕዙይን ስርዓት ምትካል፣ ንመረዳእታ ስርዓት ህግደፍ

2ይ. ተበግሶ<->ዕንቅፋት <-> ፍታሕ (Problem <-> Reaction <-> Solution) ፍታሕ ንምምጻዕ ኸተምስል ሰውራ ምምሃዝ፣ ኣብ ፍታሕ ከይበጻሕካ ግና ኮነ ኢልካ ዕንቅፋት ፈጢርካ ነቲ ፍታሕ ወይ ህዝቢ ዝጽበዮ ሓርነት ኣዳናጒኻ ኣብ ዕንክሊል ምባል። ንመረዳእታ፣ ውድብ ጀብሃን ሻዕብያን፣ ኣብ ክንዲ ብሓባር ሰሚሮም ንጸላኢ መኪቶም፣ ንህዝቢ ብእዋኑ ሓርነት ዘምጽኡሉ፣ ካብ 1973 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም ክሳብ 1981 ዓ.ም.ፈ. ጀብሃ ተሳዒራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ክሳብ ትወጽእ ውግእ ሓድሕድ ኣባሪዖም፣ ነቲ ፍታሕ ን9 ዓመታት ኣናዊሖሞ። ኣብዚ 9 ዓመታት ዝወሰደ ውግእ ሓድሕድ ግና ካብ 60 ሽሕ ዘይውሕዱ ደቂ ሃገር ብደቂ ሃገር ተመንቊሶም።

Motive = ነጻነት ከነምጽእ ንሳሕል ወይ ንባርካ ወጺእና። ሜላ ፣ Big Lie = “ዓማ ኣድሓርሓሪት”!፣ “ሻዕብያ መዳዳ”! ዕንቅፋት ወይ ጓል ነገር ምሂዝካ ኣብ ዕንክሊል ምእታው። ፍታሕ ከምቲ ህዝቢ ዝተጸበዮ ከይኮነ ምፍሻል። ንኣብነት፤መንግስቲ ህግደፍ

ኮነ ኢልካ ናዕቢ ፈጢርካ፣ ካብቲ ናዕቢ ዝወጸ ውጽኢት፣ “ሓዲሽ ስርዓት” ምስናዕ። Order Out of Chaos.ነቲ ኣብ ሃገራት ሊብያን ዒራቕን ዝነበረ ንቡር ስርዓት ናዕቢ ኣእትዮም፣ እዚ ዘሎ ፋሉል ስርዓታት ሃገር ሊብያን ዒራቕን ተመስሪቱ ንዕዘቦ ኣሎና። ወያኔን ህግደፍን ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ፣ ግንከኣ ሓደ ልሳን ዝዛረቡ፣ ሓደ ባህልን ሃይማኖትን ዘለዎም ክንሶም፣ ብኲናት ባድመ ነንሓድሕዱ ንህዝቢ ኣባሊዖም ክሳብ ሎሚ ብውዲት ጸኒሖም፣ ሕጂ ግና መድረኾም ይኣክል ኣሎ። ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ግና ተሃስዩ እዩ።ገረብ ብሓኽላ!!!!

እቲ መንግስቲ እየ ዝብል፣ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሽገር ኣምጺኡ፣ ንሓደ ህዝቢ ብማዕከናት ዜና ኣእምሮኡ ጠውዩ፣ ነቲ ውግእ ከምዝድግፍ ገሩ ኣብ ውግእ ይጠብሶ፣ ድሕሪቲ ውግእ ግና ክሳራምበር ረብሓስ ከቶ የልቦን። ንመረዳእታ፣ ድሕሪ  ኲናት ባዱመ፣ መላእ መንእሰይ “ንወያኔ ክከላኸል” ንሳዋ ይጓረት፣ ነባር ተጋዳላይ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ከብቅዕ “ወያኔ ከይወሮ” ዛጊት ኣስታት 27 ዓመታት ሓሊፉ ገና ኣብ ዶብ ባድመን ጸሮናን ይበሊ ኣሎ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ፎርሙላታት ወይ ፕሮግራማት፣ እንዳ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮኑስ፣ እተን ምዕራባውያን ሃገራት ከይተረፋ እየን፣ከም መትከል ወሲደን ሓደ ብሓደ ዝጥቀማለን።

ንመረዳእታ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ፣ ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ብዙሕ ዘይተፈትሑ ሽግራት ከለው፣ ነቲ ሰባባት ካብ ነብሱ ኣልጊሱ፣ነቲ ናተን ኣብ ሓማተን ከምዝብሃል ንወጻእተኛታት ሃገራት እዩ ዘጸጽግዖ። ከይሓፈረ ከኣ ብፕሮፓጋንዳዊ ሓሶት ብማዕከን ዜናታት ገሩ፣ኣብ ወጻኢ ሃገራት እዩ ኲናት ዘካይድ።  ከም ኣብነት፣ኣብ ቬትናም፣ ኣብ ኮርያ፣ ኣብ ጀርመን፣ ኣብ ኒከራጉዋ፣ ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ ኣብ መንጎ ኢራንን ዒራቕን፣ ኣብ ዒራቕን ሊብያን፣ ሎሚ ከኣ ኣብ ሃገር ሶርያ፣ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ግና ብኣዝዩ ዝረቐቐ ሜላ እዩ ዝካየድ። ንመረዳእታ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኮንጎ፣ ኣብ ሃገር ሱዳን፣ ኣብ ሃገር ኣልጀርያ፣ ኣብ ግብጺ፣ ኣብ ቱኒዝያ ወዘተ . . ።

ፈላጥ ዝብሃል፣ከምዘይ ፈልጥ ምስ ዝፈልጥ ጥራይ እዩ። ሶክራተስ

 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
10.04.2018 ዓ.ም.ፈ.