እዋናዊ መዘካከሪ ንኩሎም ሰብ ሕልና ዝምልከት’ዩ፤ አካይዳ ናይ’ዚ ቃልስና ዘሕዝን ከቢድ ንዕቀት አብ ልዕሊ ናይ ቃልሲ ምርጫ ደቂ ሰባት ይኩን አብ ልዕሊ ሰብአዊ መሰላት’ዩ ዝካየድ ዘሎ አብ ደምበ ፓልቶክ ብፍላይ ድማ አብ ስመር ሩም1 ዝብሉ አለዉ። እዚ ተቃውሞ ናይ ኤርትራ ዝብሃል እንታይ ዓይነት አካይዳ ይከይድ አሎ ዘሕፍር እዩ። ነቲ ብአካል አብ ውድባዊ ስርርዕ አትዩ አብ ሰሚናራት ኮነ ፈስትባላት ከምኡ’ውን አብ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፍታት አንጻር ዲክታቶር ዝቃለስ ምሳካ ዘሎ ዘይአመንካን ወይ ዘይዕገብካንስ ?፣ ንአብ ድሕሪ ኾምፒተር ተሐቢኡ መንነቱ ተሐቲቱ ክገልጽ ዘይደሊ አነ ፎሮ12 ገበነኛ እየ እናበለ ተሐቢኡ እቅሬታ ዝሐትት ጥራሕ ዘይኾነስ አበየናይ ዓለም ከምዘሎ ዘይፍለጥ ሕቡእ ሰብ ዝተዛረቦ ክትአምን ወይ ክትጠራጠር፤ ንብአካል ምሳካ ዘሎ ክትከስስ ብሐቂ ሃየንታ’ዩ። ንምሳካ አለኩ ብአካል አብዚ ተቃውሞ ዝብለካ ዘሎ ክትአምን ወይ ከተእምን ዘይከአልካስ ንዘይትፈልጦ ብቀረባ ይኩን ብርሑቅ ክትአምን ወይ ከተእምን ምሕሳብ ምስ ምንታይ ክቁጸር ይከአል ? ብዘይ ገለ ጥርጥር ምአዝንና ዘስሕት አፍልጦን አንፈትን ሒዝና ናብ ፈራዶን መናፍሳንን ተቀይርና መንገዲ ቃልሲ ንስሕት አሎ። እቶም በጃኩም ነዚ ቃልሲ ብዝሕግዝ ሰብእዊ መሰላት ብዘክብር አገባብ ንኪድ ንኩሉና ክሐይሽ ዝብሉ ሰማዒ አይረከቡን። አብ’ዚ ቃልሲ ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ናብቲ ናይ ሩዋንዳ ሕልቂት ገጹ ዝመርሕ መንገዲ ምትፍናን ንሃይማኖታት ሰጊሩ ንአውራጃ ይኩን ወረዳ ዝተናክፉ ገለ ውልቀ ሰባት ይተእካከቡ ጥራሕ ዘይኾነስ ይፍክሩ ስሞም ሐቢኦም ይምድሩ አለዉ።
ምስሕሐብ ፎሮ12ን ሐጎስ1ን ብዝምልከት ሰሚዕኩም ሚዛንኩም ብቅኑዕ ሃቡ፣ አነ ብወገነይ ንምስክርነት ዘይበቅዕ ተሐቢእካ ዓበይቲ ክሲ ምስ ሐሶትን ቂምታን ሐዋውሽካ ንውልቀ ሰባት ምጥቃዕ ዓገብ ክብሃል አለዎ እብል። ተሐቢእካ ክሳብ ክንድዚ ዓበይቲ ተዋስኦ ናይ ቅትለት ብሐቂ ንዕቀት ንሰማዕቲ ጥራሕ ዘይኾነስ ንዕቀት ንክቡር ባህልና’ውን እዩ። እዚ ጉዳይ ተዋስኦ ናይ ስዑራትን ናይ 03 ህግደፋዊ መደብ’ውን’ዩ ዝመስል። ድሕር’ዚ ዝሰዓበ ተሐቢእካ ጸለመ’ውን ደረቱ ዝሐለፈ መስደምም ተዋስኦ ኩሉና ተከታቲልናዮ አሎና። ንምእላዩ እንታይ ተራ ተጻዊቱ ኤርትራዊ ንኩሉና ሰማዕቲ ዘተሐትት’ዩ። ሕጂ’ውን ዘይተጨበጠ ሐበሬታ ብዛዕባ ህግደፍ ዘቆመን ውድባት አብ ደምበ ተቃውሞ አለዋ ተከታተሉኒ ከቅርብ’የ ይብሃል አሎ፤ ተጋደልቲ ናይ ህግሐኤ ዝነበሩ ከይትአምንዎም አብ ተቃውሞ ከይትሕውስዎም ወዘተ ክብሃል’ውን ሰሚዕና። ነዚ ዝተረድኡ ዓገብ ንጠንቀቅ እናበሉ ክዛረቡ ዝቀነዩ ለባማት አብ ቡዙሐት ቅቡል እናኾነ ይመጽእ አሎ። እቲ ዝተጋደለ አብ ጸጥታዊ ትካላት ይኩን አብ ካልእ ዝነበረ ሰብ ኩሉ ቀታሊ ከምዝነበረ አምሲልካ ምርዳእ ወይ ምርዓድ ብሐቂ ትርጉም ናይ’ዚ ቃልሲ ብግቡእ ዘይምርዳ ጥራሕ’ዩ። ንአብነት ሐጎስ1 ዝብሃል ሰብ ብዓቅሙ ብመንገዲ ህግሐኤ ይኩን ብመንገዲ ህግደፍ ብቅሉዕ ክሳብ አስመራ እናተመላለስኩ ንህዝቢ ኤርትራ ይጠቅም’ዩ ዝበልኩዎ ይሰርሕ ነይረ እምበር ሰብ አይቀተልኩን እንተዝቀትል ምስቶም ቀተልቲ ንብሎም ዘለና ምቀጸልኩ ነይረ ምባሉ ጥራሕ ዘይኾነስ፣ እኔኩ ርአዩኒ ናብ ደምበ ፍትሒ ካብ ዝጽምበር ድሮ 10 ዓመተይ ቀሪበ አለኩ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝገድፎ’ዩ ዝብል ዘሎ። ዝገበርኩዎ ገበን የለን፤ አሎ ዝብል ሰብ እንተሃልዩ ድማ ስመይ ይኩን አድራሻይ ፍሉጡ’ዩ ክሕተት ድልውነተይ ይገልጽ እናበለ’ዩ ዝካታዕ ዘሎ፤ እንተኾነ ነዚ እናሰማዕና ንተሐቢኦም ዝከሱ ወይ ዝምስክሩ አበይን መንን ዘይፍለጡ ሕቡአት ነድንቅን ዝበልዎ ከም ባባጋሎ ንደጋግምን ስለምንታ እዩ ? ሃገርና ከይትጠፋአና ካብቲ ዘሕለፍናዮ መሪር ተመኩሮ አብቲ ልክዕ ሐቀኛ ኤርትራዊ ምስሊ ተመሊስና ብቅሉዕ ክንምክት ኩልኩም ሰብ ሕልና ንቃልሲ ዝዕንቅፍ ጭብጥን ሕጋዊ ዳኛ አብ ዘይብሉ ብሕቡአት ዝቀርብ ተንኾለኛ ናይ ፈጠራ ኽሲ ዓገብ ክንብል ወይ ክትብሉ ይግባአ። ንመን ንምድንጋር’ዩ እዚ ኩሉ ናይ ሕቡአትን ቂምተኛታትን ህግደፋዊ ድርሰት ክንብል አለና። ሰብ ንሕልንኡ’ዩ ዝነብር’ሞ ሕልናና ንመርምር። እዚ ፍትሐዊ ቃልስና አብ ድሊትን ሕልናን ተመርኩሹ ብሕጊ ክንምራሕ ካብ ዝብል ዝብገስ’ዩ። እንተኾነ ሕጊ ከተንግስ ንሕግን ባህልን ረጊጽካ ዘይኾነስ ሕግን ባህልን ተከቲልካ’ዩ እሞ ዓገብ ንሕቡአት ወይ በቶም ዝሕቡኡ ዝተደናገሩ ክንብል ንሕተት አለና ደለይቲ ፍትሒ ብሐባር ምስ ሰብ ሕልና።

እስገዶም