“ንጻምኡን ድኻሙን ዘይፈልጠሉ መራሒ ከገልግል ዝነብር ህዝቢ፣ ንህይወቱ ንኸንቱ እዩ ዘድክማን ዘጨንቛን”።
ብሊቀ መዛምራን ሞጎስ ዑቕባ-ገርጊስ

ወፍሪ “ምድማር”! “ንምብርታዕ”፣ መራሒ ሕገ-ኣልቦ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ን2ይ ግዜ ንኢትዮጵያ ክበጽሕ እዩ ይብሃል ኣሎ። “ፕረዚደንት ኤርትራ” ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ፡ ከተማ ባህርዳር ወግዓዊ ዑደት ከምዝገብር” ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ገሊጹ”። እዚ፡ “ንደመር፡ ሓደ ኢና፡ ንፋቐር” ዝብል እዋናዊ ጭርሖ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ብዘይካ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ምትፍናን ንግዚኡ ምህድኡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክንዲ ፍረ ኣድሪ መኽሰብ የብሉን። ኣዲኣ ገዲፋስ ሓብቲኖኣ ትናፍቕ። ብቐደሙውን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሰላዪ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ስለዝኾነ ግድነትዩ ኣብ ኣዴኡ ትግራይን ሓትንኡ ኢትዮጵያን ክምለስ። ምናልባትዶኾን “መራሒ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን እሱራት ሒዙ ይምለስ ይኸውን፣ ወይስ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ተቓለስቲ ኣእሲሩዎም ክምለስዩ?” እወ! ኣብቲ ምስቶም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ወያነ ኣዝማዱ ክመላለስ ከሎ ንብዙሓት ደቂ ሃገር ከም ብዓል ተስፋሚካኤል ጆርጆን፣ ዘካርያስ ንጉሴን፣ ገብረብርሃን ዘርኤን ካልኦት ብዙሓት ሓርበኛታት ኤርትራውይን ኣቐንጺሉ እንድዩ። ሕጂውን  ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ፣ ከምዝብሃል ዘይተርፍ እዩ!፣ ኣብኡ ከይዱ ከእስርን ከቐንጽልን። ኢሰያስ ክሳብ ዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ቅንጸላን ማእሰርትን ቀጻሊ እዩ።

ፖለቲካ “ተደመሮ” ኣብ ተመቕሎ እንክቕየር ምንጪ ሓበሬታ መስትያት ቤትና
https://youtu.be/ZQNL3kJgb60
https://youtu.be/PzsIVf_s6l0

 ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተቓወምቲ ውድባት ኣምሓራ ምስ መንግስቲ ኢ.ህ.አ.ዴ.ግ.(ወያኔ) ብሓባር ንኽሰርሑ፣ ብመንጎኝነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኢትዮጵያ ተመሊሶም፣ ምስ መንግስቲ ኢ.ህ.አ.ዴ.ግ.(ወያኔ) ብሓባር ንኽሰርሑ ተሰማሚዖም። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኤርትራውይን ተቓወምቲ ውድባት ግና ንሃገር ኤርትራ ምምላስ ይትረፍ፣ ካብ ኢትዮጵያ ክጥረዙ ከምዘለዎም፣ ኢሰያስን መንግስቲ ኢ.ህ.አ.ዴ.ግ.(ወያኔ) ተሰማሚዖም። እቲ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ብስለላ መርበብ ኤም.ኣይ.6 ዝሰልጠነ፣ ሎሚ ከኣ ሚንስተር ሓበሬታ መንግስቲ ህግደፍ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ሰላዪ የማነ ገበረ-መስክቀል ከምዝሓበሮ፣ ካብተን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዶር. ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊን፣ ዝተሰማምዑለን 5 ነጥብታት ሓንቲ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፣ ካብ ኢትዮጵያ ክጥርዞም ከምዘለዎ ስለዝተሰምምዑ፣ መንግስቲ ህግደፍ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ክዘራረብ ኣይደልን እዩ። Eritrea’s government hasn’t offered to hold talks with Eritrean opposition groups based in Ethiopia. ክብል ኣፍሊጡ።

ምንጪ ሓበሬታ፣ https://ethiomedia.com/2018/08/18/eritrean-leader-to-re-visit-ethiopia-as-talks-turn-to-rebels/ ቀጺሉ ክሕብር ከሎ የማነ ገብረ-መስቀል፣ ብተወሳኺ ከምዚ ክብል ኣፍሊጡ፣ “ንረብሓ ህዝቢ እዚ ሃገርዚ፣ ብዝዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሪዶም ዘለው ተቓወምቲ ኤርትራ ዝብል ኣጀንዳ ክልዓል ከምዘይብሉ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዝተሰማማዕና፣ ጠመተና ንመሰል ህዝቢ ዘርብሕ መሰረት ሃኒጽና ህዝብና ከኣ ኽሕጎስን ክቐስንን ስለንደሊ፣ ተቓወምቲ ኤርትራ ዝብሃሉ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዛተዩን ኣይነፍቅድን ኢና፣ንኤርትራ ክምለሱንውን ኣይነፍቅድን እዚ ኢና።It isn’t “an issue at all for the people of this country,” presidential adviser Yemane Gebreab said earlier this month. “We’re focusing on creating the grounds here whereby all citizens can enjoy their rights.”

ዝኾነ ሕብረተሰብ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ካብ ህዝቢ ዝተወከለ ባይቶ፡ ናጽነት ሃይማኖት፡ መሰል ምእካብን ሓሳብካ ምግላጽን፡ ምዕሩይ ቁጠባዊ ትካላትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ ጥዕና ዘለዎ ህዝቢ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ልኡኽን ሰላዪን መላኺ  ኢሰያስ፣ ወናኒ መሬቱን፣ ባህሉን፣ ሰብኣዊ  መሰሉን ኣይኮነን። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ’ዩ ንኤርትራን ህዝባን ከም ውልቃዊ ንብረቱ ይቐትሎ፡ ይሸጦ፡ ይኣስሮን ኣብ ስደት ሃጽ ክብል ይግድዶን። ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ “ንደመር፣ ተደሚርና ኢና፣ ፍቕሪ ያሸንፋል፣ ዕርቅን ሰላምን” ዝብሉ ጭርሖታት ብቀንዶም፣ ንኢትዮጵያ ስለዝምልከቱ፡ ካብ መስመርናን ቀዳምነትናን ወጺእና፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምትኳርን ብመደረታት ዶር. ዓቢዪ ኣሕመድ ዓሊ “ምምሳጥን”፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ንዛረብ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ን20 ዓመታት፡ “ስርዓት ወያነ ጎቢጡዎ ዘሎ መሬትና ከይስሓበ፡ ዶብና ከይተሓንጸጸ ምስ ኢትዮጵያ ዘተ ዝብሃል የለን” ብምባል ሃገራዊ ቅዋም ከይንደፍን፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደው ከየበለን፣ ከም ምስምስ እንዳተጠቕመ ጥራይ ንህዝቢ ኤርትራ ክላገጸሉ ን27 ዓመታት ጸኒኹ እዩ። ሎሚ  ድሕሪ ህልቂትን ስደትን “ጉዳይ ዶብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይኮነን” ክብለና ድሕሪ ምጽናሕን፡ ነቲ ህግደፍ ትማልን ሎምን ዝሃቦ ተጋራጫዊ መግለጺታት ከነዋጥሮ’ዩ ዝግብኣና እምበር፣ ንሱ ኣብ ዝተኸሎ ጓይላ ከነጣቅዕ ዘምሕረልና ኣይኮነን።

እስከ ነዚ ኣዘራርባ የማነ ገብረ-መስቀል፣ ኣብ ስነ-መጎታዊ ትንተና ተመርኲስና፣ aንታይ ከምዝኾነ ብልሓቱን እንታይ ዓይነት ሸቶ ንምውቃዕ ምዃኑን ብኣቕልቦ ንመርምሮ ።

  1. ብመንጎኝነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ፣ ኣምሓራን ኦሮሞን፣ ደምሒትን ንኢዮጵያ ተመሊሶም፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሮም ንክሰርሑ ስምምዕ ተገሩ ተባሂሉ። ግንከኣ ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ጒዳይ ተቓወምቲ ክፍታሕ ከሎ፣ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን፣ ስደተኛታትን ግና፣ ምስ መንግስቲ ህግደፍ ክዛተዩን፣ ንኤርትራ ክምለሱን ኣይፍቀደሎምን እዩ። እሞ እቲ ሓባራዊ  ስምምዕ ተገሩ ዝብሃል ድኣ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ረሲዕካ ንኢትዮጵያ ዘርብሕን፣ ንኢሰያስ ከኣ ኣብ ስልጣን ዘጽንሕን ጥራይ እዩ ማለትዩ? ስለምንታይ ግና ከምኡ ኮይኑ? ኣብ ምንታይ ንምብጻሕከ እዩ? ነቲ ገጂፍ ፕሮጀክት ዝውንኑን ብድሕሪት ኮይኖም ንዶር. ኣቢዪ ኣሕመድን ንልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈውርቅን ዝዝውሩዎም ዘለው ብዓል መንዮ? እስከ ነዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ  ሓጺር ግንከኣ መጎታዊ ትንተና ንከታተል።

ክቡራት ተኽእታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣እስከ ንእግረ መንገደይ ገለ መዘኻኸሪ ዝኸውን ሓደ ነገር ከልዕለልኩም። ኣብቲ “መስከረም ኔት” ዝብሃል  መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ ከምገለ ክብል በጺሐስ፣ ነዚ ጽውጽዋይዚ “እታ ሓቂ ምስ መን ኣላ”?  “ምስ ክልል ትግራይዶ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ”? ብዛዕባ ምጉዓዝ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዶባት ምስ ኤርትራ ዝተፈላለየ ሓበረታ ይወሃብ ኣሎ። እታ ሓቂ ምስ መን ኣላ? ምስ ክልል ትግራይዶ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ? “ሪፖርተርዶ ወይስ ቢቢሲ ድምጺ ኣመሪካን  ፈይስቡክ ገታቸው ኣረጋዊ”?  ምስ እንበብኩ ተገሪመ።

መኽንያት መገረምየይ ከኣ፣ ጭፍራ ወያኔን ህግደፍን፣ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተደመሮ ኢሰያስ ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ከምዝኾኑስ፣ እዚ ወናኒ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ክሳብ ሎሚ ኣይተሰቆሮን ማለት ድዩ ኮይኑ?? ወይስ ፈሊጡ እዩ ሰብ ከደናግር ዝገብሮ ዘሎ? ወይከኣ ነቲ “ምድማር” ዝብል ውዲት፣ ተቐቢሉዎ ማለት እዩ? ከኣ በልኩ። መኽንያቱ ድማ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ፣ ዕምሪ ህግደፍን ዕምሪ ወያኔን ብሓደ ከምዝሓጽር፣ ብፍላይ እኳድኣ ነቶም ወነንቲ መርበባት ኤርትራን፣ ከምኡውን ካድረታት ጀብሃ ዝነበሩን – ከም ብዓል ወናኒ መርበብ መስከረም- ኣይስሕቱዎን እዮም ኢለ ይኣይ ስለዝኣምን እየ።

ኣስተብህል!

ብሕጽር ዝበለ ትንተና፣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ህንጡይ “ንደመር” ዝብል ወፍሪ፣ ብኣቕልቦ እንተድኣ ካብ መበገሲኡ ጀሚርና ተኻታቲልንዮ፣ ግዝያዊን ተልመዴንን፣ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ፣ ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊን፣ ፈዛዝ ሰላዪ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዝመሃዙዎ ውዲት ዘይኮነስ፣ መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ኣብ ሰነ-ኣእምራዊ ፍልስፍና ተመርኲሶም፣ ብረቒቕ ምጽናዕቲ ዘዳለውዎ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ነቶም ታርኽ ኤርትራን ውዲት ጽዮናውያንን ብግቡእ ዝከታተሉ ተመራመርቲ ክውል ኣይኮነን። እዚ ብቅድመ ግንባር 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያን ሓዲሽ መሓዛ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝጎዪ ዘሎ ውዲታዊ ፕሮጀክት “ንደመር”፣ ብውሽጡ ዕረ፣ ብደጊኡ ድማ መዓር ዝኾነ ግንከኣ  ጽባሕ ብጊሓት ፈርከሽከሽ ክብል ክንርእዮ ኢና።

ብኻልእ ኣገላልጻ ድማ፣ ድሕሪ 66 ዓመታት ኣረባራብ (1952 ዓ.ም.ፈ.) ጽዮናውያን፣ ኣንጻር ደላይ ሰላምን ፍትሕን ህዝቢ ኤርትራ፣ ከምኡውን ድሕሪ ማእለያ ዘይብሉ ምስምሳትን ምድንጋራትን ልኡኽ ጽዮናውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ውጽኢት ኩሉ  እኩብ ድማር፣ ክሳብ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓ.ም.ፈ. ምዓልቲ “ንደመር”! ዓጊትካን፣  እሱራት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከይወጹ መሽሚሾም ከም ዝዓርቡ ምግባርን፣ ብ“ስም ዋርሳይ ይከኣሎ” ተባሂሎም ንሕልፈታት ኣብ ባርነት ወፊሮም ዘለው መንእሰያት ከምዝወጹዎ ክተርፉ፣ ተቓዋሚ ሓይሊ ወይ ኤርትራዊ ውድብ ዝብሃል ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ከምዘይህሉ ምግባር፣ ኤርትራውያን ነጋዶ ዓዶም ተፊኣቶም ኣብ ፈቐዶ ስደት ተሰዲዶም ትካል ክገብሩ ክቃለሱ ከለው፣ ኢትዮጵያውያን ነጋዶ ግና ነስመራን ንምጽዋዕን ወዘተ… ኣትዮም ከም ድላዮም ንግድን ሸቐጥን ትካላትን ከካይዱ ተፈቒዱሎም።

 ድሕሪ 30 ዓመታት ቃልሲን፣ ድሕሪ 27 ዓመታት ፋሺስታዊ ምልኪ ኢሰያስን፣ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኤርትራዊ ዜጋ ከይተደመረ፣ ከምዘለዎ እሱር ካብ ማእሰርቲ ከይወጸ፣ ስደተኛ ኤርትራዊ ካብ ስደቱ ከይተመልሰ፣ መንእሰይ ካብ ወፍሪ ባርነቱ ከይተመልሰን ምስ ስድራቤቱ ከይተድመረን ከሎ፣ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ “ተደሚርና”! ተባሂልና። እሞ ኣብዚ ንምብጻሕ እዩ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ን27 ዓመታት ዘይተኣደነ ምስምሳት እንዳምሃዘ ንህዝቢ አርትራ ስምዒቱን ሕልንኡን ራእዪኡን እንዳመዝመዘ ክላገጸሉ ዝጸንሐ። እሞ ሕጂኸ ድሕሪዚኩሉ ላግጺ፣ መሬት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምስተደመረ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ተደምዲሙ ማለት ድዩ? እቲ ራእዪ ህዝቢ አርትራኸ ብጽዮናውያን ተሰሪቑ ንዘልኣለም ክተርፍ ማለት ድዩ? ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ፍታሕ ከይረኸበኸ፣ ጭፍራ ህግደፍን መሬትን ባሕርን ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ምስተደመረ፣ ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ሰላም ክርከብ ማለት ድዩ? እቲ ባሕቲ መስከረም ብ1961 ዓ.ም.ፈ. መጀመርያ ቃልሲ ንሓርነት ኤርትራ (ኣልፋ) እቲ ብ24 ግንቦት 1991 ዓ.ም.ፈ. ኦሜጋን ቃልሲ ኤርትራ በኒኑን ንረብሓ ጽዮናውያንን ኮይኑ ክተርፍዩ ማለት ድዩ?
                                            ኣይትተሃመሉ፣

 

ዝምድና ኣቢዪ ኣሕመድን ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ ብስነ-መጎትን ብግብርን እንተድኣ ተረዲእኩሞም ፣  “ኣላጊሶም እምበር ምህዳምስ ኣይሃደሙን” ከምዝብህል፣ ኣኣቢዪ ሕመድ ኣባል ወያኔን ኢህ.ኣ.ዴ.ግ.ን እዩ እምበር፣ ካብ ሰማይ ሎሚ ዱብ ኢሉ ዝተላእከ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ከኣ  ኩሎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት ወያኔን፣ እቶም ብኢሰያስ ዝምርሑ፣ ብፍላይ ብሰንኪ ቅልውላው መንነት፣ ብነብሶም ዘይተኣማመኑ፣ ከም የማነ ገዝሀኝ መንገሻ (የማነ ገብረኣብ ማንኪ) ኣባል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ (ሲኣይኤ)፣ የማነ ገብረመስቀልን (ቻርሊ), ኣባል ስለላ መርበብ (ኤም.እይ.6.) ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣርኣያ ደስታን ኣባል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ (ሲ.ኣይ.ኤ.)፣ ካልኦት ቅልውላው መንነት ዘለዎም ዘይደቀባት ኤርትራ ጭፍራ ህግደፍን፣ ከምኡውን ከም ብዓል ወልዳይ ፍጡርን፣ ገብረስላሴ ፋሲልን፣ ዶር. ገርጊስን ተኽለሚካኣልን፣ ዶር. ሞጎስ ፋሲልን ደቀባት ኤርትራ ክነሶም ኣብቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ጽዮናውያን ግን ውዱባት እዮም።  ስለዚ ንሶምውን ኣብዚ ሕጂ ተማሂዙ ዘሎ “ምድማር” ዝብሃል ውዲታዊ ፕሮጀክት፣ ብምንም ተኣምር ኣይፈላለዩን እዮም። መኽንያቱ ብሃገር ኤርትራ ዘይኮነ ብግሎባላይዘሽን ወይ ብሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ስለዝኣምኑ። ብፍላይ ግና ኣቲ ብልኡኽ ባዕዳውያንን መሳለጢ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓትን፣ ብፍላይ ስትራተጂካዊ ቦታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘገልግል፣ ዝምራሕ ጭፍራ ህግደፍን፣ እቶም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ፣ መራሕቲ ውድብ ህውሕእት (ወያኔ)፣ ነቲ ሓደ ቋንቋ ትግሪኛ ዝዛረብ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን፣ ብምድንጋር ፈላልዮም ግዳይ ባህሉን ሃይማኖቱን ጅኦግራፊካዊ ኣቀማምጥኡን፣  ንኽገብሩዎ ምስ ጎይተቶም ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ቃልኪዳን ዝኣተው እዮም። እወ፣ ወያኔን ኢሰያስን ከም ተጻልኡ ንምምሳል፣ ነቲ መስኪን ደላይ ፍትሕን ሰላምን ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን፣ ብውግእን ብወረ ውግእን ኣሳቢቦም፣ ክላገጽሉ ጸኒሖም እዮም። እዚ ክልተ ህዝብታት እንተድኣ ብሓባር ኮይኑ ብንቕሓት ዘይመኪቱዎም ግና ተላጊጾምሉን ለኪሞሞን ከዓርቡ እዮም።

ንመረዳእታ እቲ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ትማሊ ኣብቲ መዓልቲ ስውኣት ዝብሃል ብዓል ቀሪቡ ከይሓነኸ ተጠሊዑ ንወያኔ “Game Over = መድረኽ ወያኔ ኣብቂዑ እዩ!” ክብል ጀላዕላዕ ዝበሎ፣ ላግጺ ጥራይ እዩ ነይሩ። መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ እዮም፣ ንሓደ ፕሮጀክት ከኣ እዮም ብጽዮናውያን ተላኢኾም ንሜዳ ወጺኦም።  እቲ ፕሮጀክት እቲ ድማ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳኺምካ፣ ንኤርትራን ባሕራን  ብዘይ ደላይ ሰላም ህዝባ ምስ ኢትዮጵያ “ንምድማር” እዩ። ክንብርኲት ከይንብርኲት ኣብ ማይ ንብጻሕ።

እስከ ነዚ ወይዘሮ ኣበባ ተስፋግዮርጊሽ (ብዓታይ)፣ ሓብቱ ንጳውሎስ ተስፋገርጊሽ (ብዓታይ) ኣብቲ ውርዙይ ባህሊ ኤርትራን፣ ኣብቲ ኵሕደትን ክድዓትን ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ተመርኲሳ ዘቕረበቶ ኣስተምህሮ ብቪድዮ ንከታተል።

እስከ ብስነ-መጎታዊ ወይ ስነ-ፍልጠታዊ ፎርሙላ ተጠቒምና ድማ ነቲ ሓቂ ንርኣዮ። If A is equal to B and B is equal to C therefore A is equal to C. ኢሰያስን ኣቢዪን ሓደ እንተድኣ ኮይኖም፣ እቢዪ ኣሕመድ ከኣ ምስ ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. (ወያኔ) ሓደ ኮይኑ፣ ስለዚ ኢሰያስን ወያኔን ሓደ እዮም።

ኢሰያስ፣ “ካብ ሎሚ ንኔው ወኪልና ንስኻ ኢኻ”! ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ፣ “ኣነን ወዲ ኢሱ ወዲ ኣፎምን ተደሚርና ንዓሰብ ክንካፈል ኢና”..ተዓዘብቲ ህዝቢ ..”ይደገም ይደገም”!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 18 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.ፈ.