መራሕቲ ወያኔን መራሒ ህግደፍን ኢሰያስን ሓደ ዓይነት ተልእኾ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዎም ዝሕብሩ ቀንዲ ነጥብታት።

ብልሓትትን ተልእኾን ወያኔን ህግደፍን ከይፈለጥካ ብዛዕባ ኢሰያስን ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ምዝራብ ዕሽነት እዩ። ድሕሪዚ ብውልቀ መላኺ ሕገ ኣልቦ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ዝተደወለ፣ ደወል መሸጣ ሃገር፣ ንሓያሎ ኣባላት ህግደፍ  እዚ ዝኸይድ ዘሎ ግዝያዊ ኲነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከመይ ትከታተሉዎ ኣሎኹም፣ ኢልና ምስ ሓተትናዮ፣ እወ፣ “ካብ ሰላም ዝጥዕም የልቦን፣ እቲ ካልእ ምዕባሌ ከኣ ሳላ ወዲ ኣፎም ቀስ ኢሉ ክስዕብ እዩ፣ ኣይንተሃወኽ ጥራይ” ክብሉ ይስምዑ።

ሻዕብያ ሎሚ ኣምሆ ዘመን ህግደፍ ዝነበረ፣ ሎሚ ኢህወዴግ ኣምሆ ዘመንን ሎምን ወያኔ፣ ቅድም ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ንምጥፋእ፣ ጸኒሖም ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣጽኒቶም፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንጽዮናውያን ንኸረክቡ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተመልሚሎም ዝተሰንዑ፣ መንነቶምን ሕብሪ ቆርበቶምን ንጓና ብገንዘብ ዝሸጡ  ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ  እዮም። እስከ ነቲ ዝምድናታቶም ኣወዳዲርና ነቲ ሓቂ ክንፍትሾ ንፈትን።

ቀንዲ ልኡኻት ጽዮናውያን መራሕቲ ህግደፍ፣ 1ይ) ኢሰያስ ኣፈወርቂ 2ይ) የማነ ገዘሄኝ (ማንኪ)

ቀንዲ ልኡኻት ጽዮናውያን መራሕቲ ወያኔ፣
1) ስብሓት ነጋ፣ 2ይ) ስዩም መስፍን = ዶር. እቢዪ ኣሕመድ

ሕገ-ኣልቦ ግዝያዊ መንግስቲ ንዘይተወሰነ ግዜ፣ ን27 ዓመታት ሓደ ኢሰያስ ኣፈወርቂ “ፕረሲደንት ሓዳስ ኤርትራ“።

ንይምሰል ፓርላማ መስሪትካ ብውዲት ምርጫ ምክያድ (Fake Election) ስኑዕ ምርጫ። ፈላላዪ ስኑዕ ሕገ-መንግስቲ ዓንቀጽ §39

ኣስማት ጥንታውያን 8 ኣውራጃታት ኤርትራ፣ ደምሲሶም ብ6 ዞባታት ቀዪሮመን።

ኣስማት እተን 13 ክፍለ ሃገራት ኢትትዮጵያ፣ ንንቡርን ጥንታዊ ኣስማተን ደምሲሶም ብ9 ክልላት ቀዪሮመን።እታ ቍጽሪ 9 ድማ ብንሞሮልጂ ምስጢር ፍሉይ ጥንቆላዊ ትርጉም ዝሕዘትያ።
ንቡርን ጥንታዊ ጆግራፍፊካዊ ቅርጺ  ኢትዮጵያ

ብዘመነ ወያኔ ዝተዋህበ ኣስማት እተን 9 ክልላት ዞባታት ኢትትዮጵያ፣ ዘይንቡርን ስኑዕን ካርታ ክቕየር ከሎ ህዝቢኸ ይፈልጥዶ ነይሩ ወይከኣ ተሓቲቱዶ?
ዘይንቡር ቡርን ዝተሰንዐ ጆግራፍፊካዊ ቅርጺ  ሓዳስ ኢትዮጵያ። ነዚ ጥንቆላዊ ምቕያር ኣስማትን ቍጽሪ ክፍለሃገራትን ምቕያር ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ብመደብ ዝተገብረምበር፣ ካብ መራሕቲ ወያኔ ዝተበገሰ ሕእሳብ ኣይኮነን።

ባንዴራ ኤርትራ ካብ ንቡር (ጥልልቲ ሰማያዊት ቆጽሊ) ብንቕጽቲ ብጫ ቆጽሊ ተኪኦም 3 መኣዝን ዘለዋ ባንዴራ ገሮም ሰኒዖማ።


ስለምንታይ ነታ ብውድባዊ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ. ኤ. ብ1976 ዝተወሰነት ባንዴራ፣ ብንቕጽቲ ቆጽሊ ተተኪኣ? ንምዃኑ፣ትርጉም ኮኾብ እንታይ ከምዝኾነ  ትፈልጡዎዶ?


ስለምንታ እዩ እዚ ኪሉ ኮለል? ንጥሉል ቆጽሊ :ብንቑጽ ቆጽሊ ምልዋጥ፣  ካብ ምሉእን ርቡዕ ኩርናዕን ቅርጺ፣ ኣብ ስለስት መኣዝን ዘለዎ ቅርጺ ምቅይያር፣ ስለምንታ ኣድለየ? መንዮም እቶም ነቲ ንቡር ቅርጽን መልክዕን ባንዴራ፣ ብጸረ ንቡር ባንዴራ ክትኣ ኣለዎ ኢሎም ዝኣዘዙ፣ ህዝቢ ድዩ ወይስ መሃንድሳት ጽዮናውያን?

ነታ ጥንታዊ ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ ኣብ ማእከላ ብዙሓት 3 መኣዝናት ምልክታት ብምሕዋስ ምልክት ፔንታጎን ብምእታው።

 ነቲ ኩሉ ምልክታት ባንዴራን 9 ን  6 ቍጽሪ ዞባታት ኣውራጃታት ወይ ክልላት ብመሃብድሳት ጽዮናውያን ዝተቀርጸ ብልሓት ኣለዎ እዩ።ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትሕቲ ፐንታጎንን ሞሳድን እየን ዝግዝኣ ዘለዋ። እቶም መራሕቶምዘካዪዱዎ ዘለው ዘገምታዊ ቃልሲ ድማ መንገዲ ሓዲሽ ዓልለማዊ ስርዓት ንምጽራግ ከምዝኾነ ቀስ እንዳበሎ ክርድኣና ክኢሉ ኣሎ።


ለምንታ እዩ እዚ ኪሉ ዕንክሊል? ንታ ጥንታዊት ድም ሕንጻጽ ዝነበረት፣  ካብ ምሉእን ርቡዕ ኩርናዕን ቅርጺዝነበረ፣ ብ5 ስሉስ ኵርናዕት፣ ምልክት ፔንታጎን፣ ወይ ባንዴራ ጽዮናዊት እስራኤል ምትካእ።    ኣብ ስለስት መኣዝን ዘለዎ ቅርጺ ምቅይያር፣ ስለምንታ ኣድለየ? መንዮም እቶም ነቲ ንቡር ቅርጽን መልክዕን ባንዴራን፣ ብጸረ ንቡር ባንዴራ ክቕየር ኣለዎ ኢሎም  ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝኣዘዙን ዝውስኑን። ህዝቢ ድዩ ወይስ መሃንድሳት ጽዮናውያን?

መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብመድብ ኲናት ሓድሕድ ጸረ ተ.ሓ.ኤ. ወሊዑ።

መራሕቲ ወያኔ ምስ መሪሕነት ሻዕብያ ተላፊኖም ንኽወቕዑ ወሲኖም ኣተግቢሮሞ ድማ።

ገና ወያኔን ሻዕብያን ኣብ ሜዳ ከለው፣ ንሓርበኛታት ደቂ ሃገር መዳጎኒ ዝኾውን፣ ሓለዋ ሰውራ ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ደቂ ሃገር ነይሩዎም። እቲ ኩሉ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝፍጸም ግፍእታት ድማ ብመደብ መሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተዳለወ እዩ።

ጌና ኣብ ሜዳ ከለው ሓለዋ ሰውራ ኣብ ወያኔ ነይሩ። መደብ ዕዮን ሜላን መራሕቲ ህግደፍን ወያኔን፣ ብፍላይ ኣተሓሕዛ እሱራን ፍልልይ ኣይነበሮን ሓደ እዩ ነይሩ። ውዲት ወያኔ ንሻዕብያ ተኪእካ ንኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ንምጽንባር እዩ።

ምቕንጻል ምሁራትን ንመጻኢ ሃገር ክመርሑ ዝበቕዑ ደቂ ሃገር፣ ንመረዳእታ “መንካዕ“ “የሚን“፣ ጂ15 ማእለያ ዘይብሎም ምሁራትን ገዳይም ሓርበኛታት ተጋደልትን።

ብውገን ወያኔ፣ ምቕንጻል ብሉጻት ምሁራትን ትግራዎት፣ ውድብ ኢፒ ኣርፒን፣ ሕብረት ኢትዮጵያ (ኢዱ EDU) ሜኤሶንን፣ መራሕቲ ተ.ሓ.ት.ን፣ ካልኦት ሓርበኛታት ኢትዮጵያውያንን ትግራዎትን ብመደብ ተፈጺሙ እዩ።

ጭፍራ ህግደፍ፣ መሬት ህዝቢ ኤርትራ፣ “መሬት መንግስቲ“ ኢሎም ብምህጋር ንህዝቢ ኣድኪዮም ንባዕሎም ሃብቲሞም።

ጭፍራ ወያኔ፣ መሬት ህዝቢ ሃጊሮም፣ንባዕዳውያን ብምሕራጅ ርእሰማል ደሊቦም።

ንግዳዊ ትካላት ንደቂ ሃገር ኣጊዶም ብዓሎም ነጋዶ ኮይኖም። ትካላት መንቒሶም ንሃገር ኣድኪዮማ።

ብፍላይ ኣብ ክፍለ ሃገር ትግራይ፣ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ወነንቲ ዝልዓሉ ትካላት ባዕሎም መራሕቲ ወያኔ እዮም።

ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኣብ ኤርትራ ፍጹም ክልኩል እዩ።

ንኸምስሉ ንሰልፊ ቅንጅት ፈቒዶምሎም ድሓር ግና ኣጊዶሞም።

ንኢትዮጵያውያን ውድባት ምሕቓፍን ምምዋልን፣ ኣብ መወዳእታ ንኢሰያስ ዝሕልዉ ሰራዊት ንሶም ጥራይ እዮም። እቲ ቀንዲ መደብ ንሰራዊት ህ.ግ.ሓ. ኤርትራ ኣሕቂቕካ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ንምትካእ እዩ።

ንኤርትራውያን ውድባት እንዳመወሉ፣ ፈላልዮም ንኸይቃለሱ ከምዝቃለሱ ምግባር።

ገዳይም ሓርበኛታት ሃገራውያን ተጋደልቲ ምድስካል፣ ምጽልጻልን ቀንደ መደብ ዕዮ ኢሰያስ ስለዝኾነ፣ ኣተግቢሩዎ እዩ። ብሂምቦልን ሰገንን ወዘተ ዝብሃላ ትካላት ህግደፍ መራሕቲ ህግደፍ ገጂፍ ቍጠባዊ ሓይሊ ገሩ እዩ። ሃብታማት ደቂ ሃገር ኤርትራ ግና፣ ኣብ ኤርትራ ሃብታም ኤርትራ እምበር ሃብታም ኤርትራዊ ክህሉ የብሉን ስለዝበለ ኢሰያስ፣ ካብ ሃገሮም ነፊጾም ግና ኣብ ፈቐዶ ስደት ተሰዲዶም ትካላት ገሮም ይርከቡ። ንመረዳእታ ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ ጁባ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ኣንጎላ ወዘተ ፋሕ ኢሎም ኣብ ዓዲ ጓን ይነብሩ ኣለው።

ብሓደ እዋን ጥራይ  ካብ 20.000 ንላዕሊ ሰራዊት ወያኔ ኣብቲ ልሙዕ ቦታ ሕርሻ ኣብ ሑሞራ ኣጣይሰሞም።ብዙሓት ኣባላት ፖሊት ቢሮ ወያኔ ነቲ EFFERT 5 billion ርእሰማል ዘለዎ ትካል ተጠቒሞም ብቒጠባዎ ሜዳይ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ተራ ተጻዊቶም እዮም።

ህግደፍ ንኸምስሉ ብመጠኑ ንትግራዎት ካብ ኤርትራ   ንኢትዮጵያ ጠሪዞሞም። እቶም ቀንዲ መራሕቲ ህግደፍ ግና፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ሓጎስ ገብረሂየት ( ክሻ)ን፣ የማነ ገዝሀኝ (ማንኪ)፣ ስብሓት ኤፍሬም፣ ኣርኣያ ደስታ ወዘተ … ግና ትግራዎት  ክንሶም ብዛዕብኦም ዝዛረብ ኣባል ህግደፍ የልቦን።

ወያኔ ግና  ካብ 70 ሽሕ ዝበዝሑ ሃብታማትን ንነጻነት ዘድመጹ ኤርትራውያንን ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ጠሪዞሞም።  ብዙሓት መራሕቲ ወያኔ ግና ከም መለስ ዜናዊ፣ በረኸት ስምኦን፣ ታምራት ላይነ፣ ወዘተ ኤርትራውያን እዮም። እቲ ቀንዲ መኽንያት ግና ኤርትራውያን ሃብታማት ኣብ ኢትዮጵያ እንተድኣ በዚሖም፣ ንወያኔ ክግልጡዎም ከምዝኽእሉ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተጸኒዑ ስለዝተረጋገጸ ጥራይ እዩ።

ብኲናት ባድመ ምውላዕ መደብ ጽዮናውያን ክነሱ፣  ወያኔ „ሻዕብያ ወሊዖሞ“ ኢሎም ከዳናግሩ ከለው፣ ሻዕብያ ከኣ „ጠራሮ ወያኔ ወሊዖሞ“ ይብሉ። እቲ ሓቂ ግና ህዝቢ ኤርትራ ነጻነቱን ልዕላውነቱን ንኽርስዕ ተባሂሉ ብመደብ ጽዮናውያን ጎይተቶም ዝተመደበ እከይ መደብ ዕዮ እዩ ዝነበረ።

ብወገን ህግደፍ ኲናት ኣንጻር የመን፣ ኣንጻር ሱዳን፣ ኣንጻር ጅቡቲ፣ ክውልዑ ከለው፣ ወያኔ ከኣ ኣንጻር ሶማላውያን ውድብ ኣልሸባብ፣  ኣንጻር ኦሮሞን፣ ፕሮክሲ ውግእ ንረብሓ ሃጸያዊት ኣሜሪካ ኣካይዶም።

“እቲ ብመራሕቲ ህግደፍ “እገዳ ብዓለም ተገሩልና” እንዳተባህለ ዝሕሶ:  ሓሶት ንገርሀኛ ህዝቢ ንምድንጋር ጥራይ እዩ። እቲ ሓቂ ግና እገዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበረ፣ ባዕሉ ህግደፍን ወያኔን እዮም።

መራሕቲ ወያኔ ካብ ህግደፍ ንኽበልጹ “ህግደፍ ጻሕታሪ ኲናት እዩ” ይብሉ፣ ንሶም ግን ምስ ውድባት ኦሮሞን፣ ኣምሓራን ክሳብ ሎሚ ኲናት ሓድሕድ ይፍጽሙ ኣለው።

መራሕቲ ወያኔ ብዛዕባ ክፍኣት ህግደፍ ንህዝቢ ብሓሶት እንዳ ኣደናገሩ፣ እቶም ዝኸፍኡ ግና መራሕቲ ወያኔ እዮም። ኢሰያስ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ንመራሕቲ ወያኔ እንዳ ተጻረፈ፣ እቲ ሓቂ ግና ብስዉር መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ እዮም። ኩሉ እቲ ኢሰያስ ዝገብሮ ዘሎ ትንቢትን ፕሮጀክትን ጽዮናውያን ንኽፍጽም ጥራይ እዩ። ኢሰያ ዘረባ ህዝቢ ኤርትራ ሰሚዑ እንተ ንረብሓ ህዝቢ ክሰርሕ ጀሚሩ፣ ብቕጽበት ጽዮናውያን ከምዝቕንጽሉዎ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ኢሰያስ ከይቅንጸል ንሓን ህዝቢ ኤርትራ ክንጸንት ተፈሪድና ኣሎና።

ሎሚ ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ብወገን ኣምሓራን ኦሮሞን ቍጣዔ ህዝቢ ክልዓል ምስ ጀመረ፣ እቶም ጎይተቶም ጽዮናውያን፣ ኣዝዩ ረቂቕ ዝኾነ ውዲት ምሂዞም፣ ብስለላ ዝሰልጠን መንእሰይ ካብ ማእከል ወያኔ መዚዞም ብምውጻእ፣ካብ ሰማይ ከምዝወረደ ኣምሲሎም፣ ንህዝቢ ዘይፍጸም ተስፋታት፣ ከም “ንደመር“! “´መካፈል“! “ሰላም“! “ፍቕሪ“ ንጽባሕ ብጊሓት ዝፈሽል ተስፋታት የተስፉ ኣሎ።

ክቡራት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ ብስምዒትን ብግርህናን ተቓዊምና ክንዕወት ከምዘይንኽእል ክንርዳእ ኣሎና። እወ፣ ካብቲ ሸፊኑና ዘሎ መጋረጃ ወጺእና፣ ንዝሓለፈ ተመኩሮና ገምጊምና፣ ክንመራመርን ሓቂ ክንድህስስን፣ ብፍላይ እኳድኣ ታሪኻዊ መስርሕ ህግደፍን ኢሃዴግን ምስ ንፈልጥ ጥራይ ኢና፣ ጸላእትና መን ምኻኖም ክንርዳእ እንኽእል። ሽዑ ኢና ከኣ ቃልሲ ክንጅምር እንኽእል፣ ዓወትና ከኣ ግድነት ዝኸውን። ካብኡ ሓሊፉ ተፋላሊኽ ብስምዒትን፣ ብግርህነትን ብፈኲስ እምነትን ጥራይ ኣቃለስ ኣሎኹ፣ እቃወም ኣሎኹ፣ ክትብል ግና ድንቍርና ጥራይ እዩሞ፣ ሕጂስ ይኣክል! ጸላእትና ኣለሊናዮም ኢና፣ ብሓባርን ብውህደትን ንመንነትና ንቃለስ ኢልና! ኢልና ክንብገስ ኣሎና።

ብሓልዮት መርበብ ደቀባት ኤርትራ፣ 27 ሓምለ 2018 ዓ.ም.ፈ.