ገለ ክፋል እዚ ሓበሬታዚ፣ ካብቲ ፕሮክሲን መተካእታ መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ “መስከረም” ዝብሃል ዝወጸ ሓበሬታ ዝተቐድሐ ምዃኑ ንተኸታተልትና ክንሕብር ንፈቱ ።

ነቶም ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም፣ ግንከኣ ተቓወምቲ ድዮም ተቐየምቲ  ምዃኖም፣ መለለዩ ዘይብሎም። ንኸይቃለሱ መታን ክቃለሱ ተባሂሉ፣ ካብ ካሳ ሰንዓ-ፎርም ወያኔ ዝምጽወተሎም ምጽዋት ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ እዩ ይብሃል ኣሎ። መሃንድሳት ወያኔኸ ብስም ሰንዓ ፎርም ተባሂሉ ዝተዋህቦም ባጀት ካብ 2 ቢልዮን ንላዕሊ ደይኮነን?!!  ወያነ ፕሮክሲ ወይ መርሲኔሪ ኣሜሪካ ኮይኖም ንኣልሸባብ ሶማል ንክዋግኡ ዝተዋህቦም ባጀትከ 4 ቢልዮን  ደይኮነን? እዚ ብብር ኢዮጵያ 80 ሽሕዶ 35 ሽሕዶ ኢልካ ዘረባ ድኣ ጽውጽዋይ ደይኮነን?

!! እቲ ቀንዲ ዓላማ እዚ ባጀት እዚ ድማ፣ ነቶም ኣረገውቲ ውድባት ኤርትራ ዝነበሩ ተረፍ መረፍ ጀብሃ፣ ካብ ፈቐድኡ ሃገራት ኤውሮጳ ባኣፈርኩቡ ጸዊዑ ንኸይቃለሱን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተጠራኒፎም ድማ መጕዚታዊ መንግስቲ መታን ከይእውጁ ደይኮነን? ! እቶም ቀንዲ ዘወርትን ሃንደስትን ነዚ ወፍሪዚኸ መሃንድሳት ስትራተጂቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ግንከኣ ሃዋርያት ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት፣ (ስዉራት ሓይልታት=ጽዮናውያ) ደይኮኑን?!! እሞ ነዚ ረቂቕ ስትራተጂካዊ ወፍሪን መስርሕን ከይፈለጥካን ከይተረደኣካንስ ይኣይ ኣዲስ ኣበባ ከድካ፣ እሞከኣ ካብ ጭፍራ ወያኔ ኣዕጋቢ ሓገዝ ክርከበለይ! ኣየ ንስኽን እንተዘይሞትክን ጥዕና ኣሎክን!ወይከኣ ካብ ዝብኢዶ ዓጽሚ ደይኮነን?! ሓቂዶ ሓሶት?!! ነታ ብሳሕልን ዓላን ጋሽን ባርካን ዝመጸት “ነጻነት ኤርትራ” እሞ ብረቂቕ ውዲት ከኣ ንቃልሲ ኤርትራ ሓኺኽካ ንህዝቢ ኤርትራ ምጽናትን፣ ኣብ ባርነት ምቕያርን ብኩባንያ ሃጸያውያን ህግደፍ ወፍሪ እንዳተኻየደስ ይኣይ፣ ነንሓድሕዶም እንዳ ተባላልዑ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ህግደፍ ከገላግሉውን ሓርነት ንኸምጽኡዋ ማለትስ፣ ምስ ምንታይ ይቚጸር? ድንቍርና ድዩ ዕሽነ? ካብ ዝብኢዶ ዓጽሚ ዶ ኣየስምዕን? ስለዚ ካብቶም ሓደ ገጽ ክልተ ቅርሺ ህግደፍ ዝኾኑ ጭፍራ ውያኔ ንኢሰያስ ንምልጋስ ሓገዝን ረዲኤትን ንኽረኽቡ ቍልጭ ክብሉ እንሆ 20 ዓመታት ሓሊፉ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ እቶም ኣረገውቲ መራሕቲ ጀብሃ ዝነበሩ፣ ምስጢር ከየውጽኡ በብሓደ ሰብ ውሓደ እንዳኾኑ፣ ከም ሓርበኛታት ከኣ ታሪኽ ህይወቶም እንዳ ተነበ በብሓደ ይሓልፉ ምህላዎም እዩ። ነዚ ክትጥሕናዶ ትርህጻ!!

ክሳብ ሎሚ ድማ ከይሓፈሩ ካብ ወያን ይኣይ ዓወት ክርከብ ቍልጭ ይብሉ ምህላዎም እዩ። ታሪኽ ሸቃ እሉላን፣ ንጉስ የውሃንስ 4ይን፣ ራስ መንገሻን እንተዝገናጽሉስ ነቲ ዝድገም ዘሎ ታሪኽ ምፈለጥዎ ነይሮም። ኣብ ሕሱርን ዝኣረገን ፖለቲካ ዕንክሊል ምባል እምበር ንምርምር ግና ኣይተዓደሉን።

ሕድሪ ውድብ ዑባዝጊ ደቡስ ባጀቱ ካብ ሴሜናዊ እዚ እዩ ሓርፍፍ

ወርሓዊ ምጽዋት

80 ሽሕ

ኤስደለ በዓል የውሃንስ ኣስመላሽ

ውርሒ ምጽዋት

40 ሽሕ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ በዓል ኣንባሳድር ኣድሓኖም

ወርሓዊ ምጽዋት 15 ሽሕ

ውድብ ሳሆ በዓል እስማዒል ኢድሪስን ልኡል ጋይምን

ወርሓዊ ምጽዋት 15 ሽሕ

ውድብ ኩናማን ውድብ ዓፋርን እቶም ዝለዓሉ ዝኽፈሉ ንነፍሲ ወከፎም

ወርሓዊ ምጽዋት80 ሽሕ

እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ጀሃድ

ወርሓዊ ምጽዋት 40 ሽሕ

ውድብ ሑሴን ኬሊፋ ጀብሃ

ወርሓዊ ምጽዋት 35 ሽሕ

ሳግም

ወርሓዊ ምጽዋት 35 ሽሕ

ሰደግአ ሃንጀማ ምስ ሰለስተ ርእሱ

ወርሓዊ ምጽዋት 35 ሽሕ

ውድብ ስምረት መንእሰያት

ወርሓዊ ምጽዋት 35 ሽሕ

ስምረት ውድብ ወዲ ኣፅብሃ ንወርሒ

ወርሓዊ ምጽዋት 35 ሽሕ

ፌዴራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ ውድብ በሽር

ወርሓዊ ምጽዋት 20 ሽሕ

ሰልፊ ናህዳ

ወርሓዊ ምጽዋት 20 ሽሕ

እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን

ወርሓዊ ምጽዋት 20 ሽሕ

ሰልፊ ህዝቢ በዓል ደበሳይ በየነ

ወርሓዊ ምጽዋት 15 ሽሕ

ህዝባዊ ጉባኤ ኤርትራ ውድብ ጀሃድ

ወርሓዊ ምጽዋት 10 ሽሕ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት መሳርፍ ኣይወስዱንዮም ይብሃል ሓቂድዩ ሓሶት ግና?  ዝቐረበ መረጋገጺ የልቦንሓቂድዩ

???????????????

ብዙሓት መራሕቲ ውድባት ዝብሃሉ ድማ፣ ካብ ባጀት ህግደፍ ከምዝቕበሉ ፍሉጥ እዩ። ብዛዕባዚ ዝወጸ ዝርዝር ግና ክሳብ ሎም የልቦን። ተመራመርቲ ጂኦ-ስትራተጂ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝብሉዎ ግና፣ “ወያነን ህግደፍን ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ስለዝኾኑ፣ ንባዕሉ እቲ ባጀት ሰንዓ ፎርም፣ ብገንዘብ ህግደፍን ወያኔን እዩ ተሰሊዑ። ንኸምስሉ ግና ሰንዓ ፎርም ብሃገር የመንን ሱዳንን ኢትዮጵያን እዩ ተመስሪቱ ይብሉ። ይኹን እምበር ኤርትራውያን ተቓለስቲ ግና ኣብ ሃገር ሱዳንን የመንን ክቃለሱ ክሳብ ሎሚ ኣይተራእዩን። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኮንካ ምቅላስ ዝብል መደብ ዕዮ ግና፣ብስነኣእምራዊ ኣገባብ እንተድኣ ተራእዩ፣ ቀዳማይ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፣ ካልኣይ ቃልሲ ከኣ ኣብ ሱዳን፣ ሳልሳይ ቃልሲ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኮንካ ንመንእሰያት ምጥርናፍን፣ሞግዚታዊ መንግስቲ እዊጅካ ብዲፕሎማስያዊን ብፖለቲካዊን ንህግደፍ ምምካትን ምኹናን ጥራእ እዩ። እዚ ውዲታዊ መድብ ዕዮ እዚ ግና ኮነ ኢልካ ንኤርትራዊ ንኸይቃለስ መታን ክቃለስ ተባሂሉ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተኣልመ ማእለማ ጥራይ እዩ,” ይብሉ። ዝእመን ኣናሊስዚስ!!!!!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ