ኣብቲ “መስከረም.ኔት“ መርበብ ባዶ3 ህግደፍ ዝብሃልሲ፣ ንእግ– መንገደይ ክሓልፍ ከለኹ፣ “ትምኒት ህዝቢ 2017 ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ ኩሉ ዞቦታት አንዳዞረ ህዝቡ ክገብር። ሓቀኛ ኩነታት ምሕደራ ሃገር፡ ካብ ብእዝኒ ምዩቕ ዝብሉ ካልኦት፡ ከም ዘላታ፡ ብእዝኑ ካብ ህዝቡ መታን ክሰምዖ። ከምታ ናይ ቀደም“። ዝብል ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘይፍለጥ ሃጠው-ቀጠው ጽሑፍ ምስ ኣንበብኩስ ኣስደሚሙኒ።

ንምዃኑኸ ዋና መርበብ ሓሶት መስከረም.ኔት ትምኒት ህዝቢ ኤርትራ ይፈልጦ ድዩ? ኢለ ድማ ንነብሰይ ሓተትኩ። ትምኒት ህዝቢ ኤርትራ ብዛ እዋን እዚኣ፣ ድኣ ልኡኽ ባዓዳውያንን መላኺን ኢሰያስ ከይውዓለ ከይሓደረ ተሓግሒጉ ክኸደሉ ዝደሊ ከይከውን? ብዛዕባ ምሕደራ ዓጂቡዎስ; ካብቲ ኮብሊሉዎ ዘሎ ቁሽት ዓዲ ሃሎ መጺኡስ ይኣይ ከምዘላታ እታ ኩነታት ንገርሀኛ ህዝቢ ከረድኦ? ወይ ጉዳም! እንዳ ባዶ3ስ ዘይትዛረቡዎን ዘይትኣልሙዎን ነገር የብልኩምን። ሰብ ጸውዓለይ እንተበልኩዎስ ብዓል በለስ፣ “ከምታ ናይቀደም” ክኣ ኢልኩም? ካብ ኣምሆ ዘመን (ካብ ቀደም) ጀሚሩ ብደም ዝጠስጠሰ ገበነኛ መላኺ ደይኮነን? እንታይ ዓይነት ንዕቀት እዩ ዘሎኩም ግዲ? ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስዕ! በሉ ድሓን ግበሩ ክሳብ ተሓግሒግኩም  ምስ ጎይታኹም እትባረሩ።

ካብ ምዓስከ እዩ እዚ ሰብዚ ፕረሲደንት ሃገር ተመሪጹ? ብሃጸያውያን ተመልሚሉ ብዘይ ምርጫ ሃዝቢ “ፕረሲስደት“ ኢህግደፍ ተባሂሉ ዝተመርጸ፣ ሕጊ ኣልቦ መላኺስ፣ ከም ፕረሲደንት ሃገር ተሓሲቡለይ።

እሞከኣ ካብቲ ሓኪልዎ ዘሎ ቁሸት ዓዲ ሃሎ ወጺኡስ፣ እሞ ከኣ ዓዲ ዓዲ እናዞረስ ኩነታት ውድቀቱ ከረድእ። በየናይ ምዓንጣኡ ከድኣ ካብ ብዓቲ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ምስ ህዝቢ ክቃላዕ?? ኣንቱም ሰባት! ኤረ እንታይ ክንሰምዕ ኢና ጸኒሕና? ብዘይካ ማእሰርትን ስደትን ባርነትን ዝበዝሖ ሃገር፣ ግንከኣ ማይ መጺኣ ሉቸ ጠፊኣ ዝብል ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እንተዘይኮይኑስ፣ ኣየናይ ምምሕዳር ኣሎ ኮይኑ ድኣ እዩ፣ እዚ ኩሉ ዓጀፍጀፍን ንዕቀትን። ወናኒ “መስከረም.ኔት“፣ መርበብ ሓሶት ባዶ3 ዝኾነ፣ ብዝዕባ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ወግሐ ጸብሐ ዋጣን ጡሩምባን ዝንፋሕ ዘሎስ፣ ቁሩብ ኣይሓንኽን እንድዩ። ኣይበዝሐንዶ ሎምስ? ግና ህግደፍ ከቲቦሞን ባጀት ሰሊዖምሉን ስለዘለው፣ ሓቁ እዩ ንሕምብሩ ክኽድም። ዋላውን ኣዲኡ ንወናኒ መስከረም.ኔት ትግራወይቲ እንተኾና ምዓስ ነውሪ ኮይኑ፣ ጓል ኣግኣዝያን እኮ እየን። በቲ ዝገብሮ ዘሎ ተግባር ግና፣ ንሕምብርቱ እንተይዘይኮይኑስ፣ ንእንዳንኡ ትግራዎት ወይ ትግራይይ ኣይሕግዞምን እዩ።  ኣይኮነንዶ ንሱስ እቲ ብምሉኣ መወለዱ ትግራዋይ ዝኾነ ኢሰያስ ኣፈወርቂ  እንተኾነውን ንባዕዳውያን ምኽዳም እንተዘይኮይኑስ ንህዝቢ ትግራይስ ከቶ ኣይጠቕሞን እዩ።

እንታይ ዘረባ ኣልዩዎ! ግንከኣ ክንብርኩት ከይንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ ጥራይ ኢና ንብል።

ልቦናን ንቕሓትን ንህዝቢ ኤርትራ

ብሓልዮት መርበብ ደቀባት – እግኣዝያን 10.ጥሪ 2017 ዓ.ም:ፈ.