5ይ. ምዕራፍ፣ ወራር ቱርኪ

ወራር ቱርካውያን ኣብቲ ምድረባሕሪ፣ ብጀጋኑ ባሕረ-ነገስታት ትመሓደረሉ ዝነበረት ብ1557 ዓ.ም.ፈ. እዩ ዝነበረ። ኣብ ወደብ ምጽዋዕን ሕርጊጎን መደበሩ ገሩ ድማ ንገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ብቀስብ ኣገዲዱ ኣመስለሞ። ካብ ዘመነ ኣኽሱምን ቅድሚኡን ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ እንዳነበረ እዩ፣ ምስ ኤውሮጳውያንን ኣዕራብን ሃገር ህንድን ዝነግድ ዝነበረ። ወራር ቱርኪ ምስ መጸ ግና ንጎቦታት ከበሳን ትግራይን ክግዕዝ ተገዲዱ። ካባu ግዝኣት ቱርኪ፣ ንከበሳታት ኤርትራን ትግራይን ክወጽእ ኣይከኣለን። ንህዝቢ ባርካን ከሰላን ሰዋኪንን ሳሕልን ኣመስለመ፣ ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናት ከኣ ኣቃጸለ። ድያቆናትን፣ ካህናትን፣ ኣቡናትን፣ ፓትርያክታትን ድማ ሓረደ።

ሕልሚ ቱርካውያን ንቀዪሕ ባሕሪ ድሕሪ ምስተቖጻጸሩ፣ ንመላእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመስሊሙ፣ ንቀላይ ጻናን ፈለግ ኣባይን ንምግባት እዩ ዝነበረ። ብጅግንነት በሓረ-ነገስታት ኤርትራ ጥራይ ድማ ካብ ሕልሙ ከየግሃዶ ብስዕረት ንቱርኪ ተዓዝረ። ኣብቲ ዘመንቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንጉስ ሰርጸ ድንግል ዝተባህለ እዩ ዝገዝእ ዝነበረ። ንጉስ ሰርጸ ድንግል ግና ቱርካውያን ንድባርዋ ክወሩ ምስ መጹ ክረድእ ኣይመጸን። ወራር ቱርኪ ብ1560 ዓ.ም.ፈ. በቶም ሰለይትን መሳርሒ ባዕዳውያንን ደቂ ናይብ ተመሪሑ ንድባርዋ ምስ በጽሐ፣ ንበይኑ ባሕረ-ነጋሲ ኢሳቕ መከቶም እሞ ተሳዒሮም ንሕርጊጎ ተመልሱ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግና፣ ብስኣን ሓገዝ መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ባሕረ-ነጋሲ ኢሳቕ ኣብቲ ኲናት ተወጊኡ ብጅግንነት በጃ ሃገሩ ሓለፈ። ቱርካውያን ግና ምስተሳዕሩ ንወዲ ባሕረ-ነጋሲ ኢሳቕ ኣብርሃም ዝተባሃለ ድኣ ሰሪቖሞ ንእስታንቡል ከዱ እምበር ንድባርዋስ ኣይሓዙዋን። ነቲ ኣብርሃም ዝተባህለ ወዲ ባሕረ-ነጋሲ ኢሳቕ “ኢብራሂም” ኢሎም ስም ኣውጽኡሉ። ካብኡ ንጉስ ሩስያ ገዚኡ ንሩስያ ወሰዶሞ፣ “ኣብርሃም እዩ ስመይ፣ ኣብራሂም ኣይኮነን፣ ስለዚ ብኣብርሃም ክጽዋዕ እየ ዝደሊ” በሎ። እቲ ንጉስ ሩስያ ድማ “ኣብርሃም” ጥራይ ዘይኮነ፣ ስም ሓደ ጅግና “ሃኒባል” ዝብሃል ኣፍሪቃዊ ወሰኸሉ። ካብኡ እቲ ንጉስ ንሃገር ፈረንሳ ንትምህርቲ ልኣኾሞ ድሕሪ 6 ዓመታት ትምህርቲ ተማሂሩ ምስተመልሰ፣ ኣብ ሞያ ወተሃደርነት ኣቶ። በቲ ብሉጽ ዝኾነ ብቍቕዓቱ ድማ ብቚልጡፍ፣ ብጀነራልነት መዓርግ ብንጉስ ሩስያ ተሸመ። ካብኡ ኣዝዩ ጅግና ጀነራል ኮይኑ ንሰራዊት ሩስያ መሪሑ ኣብኩሉ ዓውዲ ውግኣት ኣንጻር ቱርካውያንን፣ ባልካናውያንን ብዓወት ኣመረ። ኣዝዩ ጅግና ጀነራል ኮይኑ ድማ ንሃገር ሩስያ ብልዑል መዕርግ ጀነራልነት የገልግል ነበረ።

ኣብ ታሕተዋይ ወለዶ ጀነራል ሃኒባል (ኣብርሃም) ኣብ ሃገር ሩስያ ኣለክሳንደር ፑሽኪን ዝብሃል ውሩይ ደራሳይ ነበረ። ክሳብ ሎሚውን ሓደ ካብቶም ውሩያት ደቂ ሩስያ ኮይኑ፣ ኣብ ፐተርስበርግ ዝርከብ ዓቢ ሙዝየም፣ ሓውልቱ ተሰሪሑሉ ይርከብ። እንዳ ህግደፍ ከኣ ካብ መን ሰኒፍና ኢሎም ይኣይ ንኣለጻንደር ቡሽኪን ኣብ ኣስመራ ሓውልቲ ኣስሪሖምሉ ኣለው።

ሓውልቲ ኣለክሳንደር ፑሽኪን፣ ኣብ ከተማ ፐትርስበርግ፣ ኣብ ቅድሚ ቀጽሪ ሃገራዊ ሙዝየይም ሃገር ሩስያ ተተኺሉ ዝርከብ።


ሓውልቲ ለክሳንደር ፑስህኪን ኣብ ከተማ ኣስመራ ሃገር ኤርትራ። እዚ ህግደፍ ኣብ ኣስመራ ተኺሎሞ ዘለው ሓውልቲ እዚ፣ ኣለክሳንደር ፑስኪን ካብ ወለዶ ጅግና ባሕረ ነጋሲ ኢሳቕ ስለዝኾነ ከዘክሩና ድዮም ተኺሎሞ፣ ወይስ ምስጢራዊ ውዲት ዘለዎ ብልሓት እዩ? እስከ ብሓባር ንመራመረሉ።

ዘይሓፍሩ እንዳ ህግደፍ፣ ነቶም ኩሎም ጀጋኑ ኤርትራ ረሲዖም፣ ሓውልቲ ንኣለክሳንደር ፑሽኪን ምስርሖም ኣዝዩ ዝገርም እዩ። ንካልኦት ጀጋኑ ባሕረነገስታትን፣ ራእስታትን፣ ትማሊ ድማ ብሉጻት ጀጋኑ ተጋደቲ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነትን ኤርትራውያን ሓውልቲ ዘይተሰርሓሎምሲ፣ ስለምንታይ ሓውልቲ ንኣለክሳንደር ፑሽኪን (Alexander Pushkin) ተሰሪሑሉ ግና ዘተሓሳስብን ዘመራምርን ጉዳይ እዩ።

እንዳ ህግደፍ ግና ብባዕዳውያን ጎይተቶም ተማዕዶም ዝገብሩዎ እንተዘይኮይኑ፣ሓሲቦም ዝገብሩዎ ታሪኻዊ ይኹን ባህላዊ ምዝየም ፍጹም የልቦን። እዞም ክናናን ምናናን እዚኦም ግና፣ ብዘይካ ምድምሳስ ባህልን ጅግንነትን፣ ካልእ ቍምነገር ከምዘይብሎም ማንም ሰብ ዘይስሕቶ እዩ።

ሎሚ ኤርትራ ብኤርትራውያን ትግዛእ ነይራ እንተትኸውን፣ ነቶም ንመሓመድ ግራኝ ዝምበርከኹን ዝደምሰሱን ጀጋኑን፣ ንቱርኪ ዝመከቱን፣ ንወራር ግብጺ ዘባህረሩን፣  ኣብ ኲናት ዶጋሊ ኣንጻር ኮሎንያል ጣልያን ቅያ ዝሰርሑን፣ ኣብ ኲናት መተማን ዓድዋን ጅግንነታዊ ቅያ ዘመስከሩን፣ ከም ብዓል ኣብርሃም ደቦጭን ኣስገዶምን፣ ንጀነራል ግራስያኒ ኣብ ማእከል ገርጊስ ኣደባባይ ብቦምባ ኢድ ደርብዮም ዘቚሰሉ ጀጋኑን፣ ከም ብዓል ዘርኣይ ደረስ  ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ንመኳንንቲ ኮሎንያል ጣልያን ብጉራደ ዝመልዓሰን፣ ከም ጅግና ደጊያት ሓጎስ ጎይታ ሓላይን ጎይታ ሰገነይትን፣ ንሰራዊት ኮሎንያል ጣልያን ዘባህረረን፣ ኣብ ኮርያን ኣብ ኮንጎን ቅያ ዝሰርሐን፣ ጎይታ ሶማልን ጅግና ኣማን ዓንዶምን፣ ብፍላይ ድማ እቶም ትማሊ፣ ኣብቲ ካብ ቃልሲ ኣፍሪቃውያን እዝዩ ዝነውሐን፣ 30 ዓመታት ዝውሰደ ሰውራ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅያታት ዝፈጸሙ ጀጋኑን፣ ብ1991 ዓ.ም.ፈ.ድማ ንሶቭየት ሕብረት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሰጎጉ፣ ሎሚ ኩሉ ጎደናታት ኤርትራ ብስሞም ምተጸውዐ ነይሩ፣ ከምኡውን ሓውልታት ምተሃንጸሎም ነይሩ። ደቂ ተንቤን ይገዝኡ ስለዘለው ግና ሓውልቲ ዝተሰርሓሉ ጅግና ኣብ ኤርትራ የልቦን

እታ ዓዲ ጀጋኑ ኤርትራ ግና እካብ ወዲ እካብ ደቂ ቴንቤን ይገዝኡ ስለዘለው፣ ነቲ ብ16 ክፍለዘመን ዝነበረ፣ ድራሲ ኣለክሳንደር ፑሽኪን፣ ወዲ ወዱ ንባሕረነጋሲ ኢሳቕ ኣብ ኣስመራ ሓውልቲ ሰሪሖምሉ። እዚ ህግደፍ ኣብ ኣስመራ ተኺሎሞ ዘለው ሓውልትስ፣ ንባሕረ ነጋሲ ኢሳቕ ዘኪሮም ድዮም ሃኒጾሞ፣ ወይስ ምስጢራዊ ውዲት ዘለዎ ብልሓት እዩ? እስከ ብሓባር ንመራመረሉ።

ይቕጽል…….

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
11. የካቲት 2018 ዓ.ም.ፈ.