4ይ. ምዕራፍ፣
08 የካቲት 2018 ዓ.ም.ፈ.

ኣስላማይ እንተነገሰ፣ ምሓረደ እምበር ኣይምፈረደን”።  ኣብቲ ኲናት እንጻር ኢማም ኣሕመድ ግራኝ ዝውዓሉ ጀጋኑ ደቂ ምድረባህሪ፣ ነቲ ጭካኔ ሰራዊት ግራኝ ምስተዓዘቡ ዝመሰሉዎ ምስላ።

ታሪኽ መስትያት ሓደ ህዝቢ እዩ። ዝሓለፈ ታሪኽ ኣብ ህሉው ኩነታት  የሳግር፣ ታሪኽ ህሉው  ኩነታት ከኣ ንመጻኢ የሰጋግር። ታሪኽ ከይፈለጥካ ኩነታት ሃገርካ ምፍላጥ ከንቱ እዩ።

ኣብ ኤርትራ 3 ዓይነት ህዝቢ እዩ ዘሎ። እቲ ዝውሓደ ነቲ ባርባራዊ መግዛእቲ ክፍጽም ከሎ፣ ብዙሕ ህዝቢ ከኣ ነቲ ባርባራዊ ክፍኣት እንዳፈለጦ ኣስቂጡ ይዕዘብ፣ እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ግና፣ ነቲ ዝካየድ ባርባራዊ መግዛእቲ ከይተረድኦ ዝነብር እዩ።

ግዝኣት ሃጸይ ልብነ ድንግል ኣብ ከባቢ 1508 ክሳብ 1540 ን13 ዓመታት ንኢትዮጵያ ብልምዓት ዳርጋ ኣሰልጢኑዋ ዝነበረሉ ዘመን ነበረ። ብ1536 ዓ.ም.ፈ. ኢማም ኣሕመድ ግራኝ ካብ ዓሌት ዓፋር ኣረሜን ኣስላማይ፣ ካብ ኦጋደን ተበጊሱ ኣንጻር ህዝበ ክርስትያን ባርባራዊ ኲናት ምስ ንጉስ ልብነድንግል  ገጠመ። ንጉስ ልብነ ድንግል ድማ ንህዝቢ ምድረባሕሪ ርድኡኒ ኢሉ ሓገዝ ጠለበ። ካብ ዓንሰባ ለመጨልን ደብረዓዲ ሓንስን ድንበዛንን ለጎጭዋን፣ ብውሑድ ካብ 10 ዓድታት ሓማሴን ዝተዋጽኡ ጀጋኑ ንንጉስ ልብነድንግል ክርድኡ ንኦጋዴን ከተቱ።

ንጉስ ልብነድንግል ድማ ኣንጻር ኢማም ኣሕመድ ግራኝ ኣዳል 200.000 ዝኾኑ ሰራዊት እኽቲቱ ሓያል ኲናት ገጠመ። ኣብቲ ኲናት 211 ጀጋኑ መራሕቲ ሰራዊት በጃ ሓለፉ። ካብቶም 211 ድማ 86 ተዛረብቲ ትግሪኛ ደቂ ሓማሴን ነበሩ። ሽዑ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረፉ ከም ብዓል ብዙሓት ኤርትራውያን ነበሩ። ከም ብዓል ራእሲ መስፍን ስለሺን፣ራእሲ እምሩን ዝብሃሉ ክሳብ ንጉስ ሃይለስላሴ ብህይወቶም ዝነበሩ ኤርትራውያን እዮም። ኣባሓጎታቶም ድማ ኣብ ግዜ ባርባራዊ ኣሕመድ ግራኝ ካብ ኤርትራ መጺኦም ኣብኡ ዝተጣየሱ እዮም። ራእሲ እምሩን ስለሺን ኣዝዮም ሃብታማትን ወነንቲ ሰፊሕ ጋሻ መሬትተኽሊ ቡንን ዘራእቲ ጣፍን ዝውንኑ ዝነበሩ ዓበይቲ ትካላት ዝነበሮም ሃብታማት እዮም ዝነበሩ። ንንጉስ ሃይለስላሴ ድማ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ክሃሲ ከሎ ደፊሮም ዓገብ ዝብሉዎ ዝነበሩ ራስ እምሩን፣ ርስ ሺለሺን እዮም ዝነበሩ። ጠንቋላይ ንጉስ ሃይለስላሴ ግና፣ብሃብትን ብሽመትን ኣታሊሉ ነቲ ምኽሮም ገዲፉ ምኽሪ መሃንድሳት ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ሰሚዑ ንህዝቢ ኢትዮጵያ በደሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብሰንኪ ጀግንነት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስልጣኑ ተዓልዩ ብኽፉእ ጠፍአ።

እቲ መሓመድ ግራኝ (ሸንገባይ ጸጋማይ ኢድ ማለት እዩ) ዝብሃል ኣርሜን ኣስላማይ፣ ብሓገዝ ቱርክን ግብጽን እዩ ደፊሩ 1542 ... ካብ ሶማልን ምዕራብ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ንመላእ ኢትዮጵያ ዝውሪረ። ንህዝቢ ክርስትያን ኣብ ምስልምና እምነት ብቀስብ ንኽእትዎ ከኣ ባርባራዊ ዝመልኦ ጭካኔ ፈጸመ። እብ ኢትዮጵያ ድማ ብኣማእት ዝቚጸሩ ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማትን ኣቃጺለ። ኣሽሓት ድያቆናትን ካህናትን መነኮሳትን እቡናትን ድማ ሓሪደ። ንጉስ ልብነድንግል ዝብሃል ንጉስ ሽዋ ድማ ንግራኝ ንክከላኸል ኣብ ሃረር ኣብ ኲናት በጃ ሃይማኖቱን መሬቱን ሓሊፉ።

ብድሕሪ ሞት ንጉስ ልብነድንግል፣መላእ ህዝቢ ክርስትያን ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ንክኣቱ ቊሩብ ምስተረፎ ድማ፣  ባሕረ ነጋሲ ኢሳቕ ዝብሃሉ ጎይታ ድባርዋ፣ ነቶም ካብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንፖርቱጋል ክምለሱ ብባጽዕ ኣቢሎም ዝሓልፉ ዝነበሩ፣ ሰራዊት ፖርቱጋል ኣብ ሕርጊጎ ኣዕሪፎም ከለው ሓገዝ ለሚኑዎም፣ መሪሑዎም ከኣ ንኢትዮጵያ ኣንጻር ኢማም ኣሕመድ ግራኝ ከቲቱ። ጅግና ባሕረነጋሲ ኢሳቕ ከኣ ምስ ፖርቱጋላውያን ተላፊኑ ኣንጻር ግራኝ ብጅግንነት መከተ። ኣረሜን ግራኝ ድማ ኣብ 21 የካቲት 1543 ዓ.ም.ፈ. (21. Februar 1543) ብሓገዝ ጅግና ባሕረ ነጋሲ ኢሳቕ ኣብ ዘንተራ ዝተባህለ ከባቢ ቤገምድር ንሓዋሩ ተደምሰሰ።

ኣስተብህል፤ብሕረነጋሲ ኢሳቕ ምስ ፖርቱጋላውያን ተላፊኑ ነቲ ኣራዊት መሓመድ ግራኝ ብመዘና ዘይብሉ መኸተ እንተዘይገጥሞ ነይሩ፣ ሎሚ ኢትዮጵያ ሃገረ ኣስላም ኮይና ምሃለወት። ኢትዮጵያ ድማ ካብ መሓመድ ጋራኝ ብሳላ ጅግና ባሕረነጋሲ ኢሳቕን ፖርቱጋላውያንን ሓራ ኮነት።

እቲ መዘና ዘይነበሮ ጅግና ባሕረ ነጋሲ ኢሳቕ ድማ፣ ዓወት ተጓናጺፉ ንኤርትራ ተመልሰ። ቱርኪ ንምጽዋዕ ምስ ተቖጻጸራ፣ንከበሳ ገጹ ክምርሽ ምስተበገሰ፣ ጅግና  ባሕረነጋሲ ኢሳቕ ብመዘና ዘይብሉ ጅግንነት ደጋጊሙ ይስዕሮ ስለዝነበረ፣ ኣብ ሕርጊጎ ጥራይ ተላሒጉ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተቖጻጸረ ተሳዒሩ።

ኣብ ኣውራጃ ወሎን ሃረርን ዘለው ኣስላም፣ ቀደም ክርስትያን ዝነበሩ ኮይኖም ብሰንኪ ኣሕመድ ግራኝ ዝመስለሙ እዮም። ኣብ ሽዋን ጎጃምን ቤገምድርን ትግራይን ኤርትራን ዝነብሩ ክርስትያን ግና ብጅግንነቶም እምቢ ንምስልምና ብማለት ብጅግንነት በጃ ሃይማኖቶምን ባህሎምን ሃገሮምን ስለዝሓለፉ ክሳብ ሎሚ ሃይማኖት ክርስትናኦም ዓቂቦም ይነብሩ ኣለው። ብፍላይ ህዝቢ ምድረባሕሪ ግና፣ ኣንጻር ቱርኪ፣ ኣንጻር ግብጺ፣ ንበይኑ ኮይኑ እዩ ንድርብ ድርብርብ ጸላእቱ ዝምክት ዝነበረ።

ኣስተብህል፤
ክሳብ ሎሚ ድማ ህዝቢ ኣከለጉዛይን ሓማሴንን ሰራየን፣ ሃይማኖቱ ከይቀየረን፣ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ክወርር ከሎ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ኣብ ሕርጊጎ መስጊድ ዝብሃል ኣብ ካልእ ከበሳታት ኣይነበረን። ሎሚ ግና ኣብ ግዜ ፍዛዝ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ሃገር መስጊድ ብመስጊድ ኮይና፣ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቅድስቲ ሃይማኖት ድማ ዝእሰረላን፣ ካህናትን ድያቆናትን ንስልጣን ኢሰያስ ንኽሕሉው ሚልሻን ወተሃደርን ዝኾኑላ፣ ኣቡናት ሸጓጒጥ ዝዓጥቁላ ኮይና ተሪፋ ኣላ።
ስለዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ወራር መሓመድ ግራኝ ዝድሓነ ብባሕረ ነገስታት ኤርትራ እዮም እምበር፣ ብመሳፍንቲ ኣምሓራን ትግራይስ ካብ እምሆ ዘመን ጀሚሮም ኣብ ምስልምና ሃይማኖት ብቀስብ ምኣመኑ ነይሮም። ሎሚ ከኣ ኢትዮጵያ ኣስላማዊት ሃገር ከም ብዓል ሱዳንን ግብጽን ካልኦት ኣስላማውያን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ምዀነት ነይራ።

ኣቦታትን ክምስሉ ከለው፣ “ኣስላማይ እንተነገሰ ምሓረደ እንበር ኣይምፈረደን” ይብሉ ነበሩ። ስለምንታይ ከምኡ ክብሉ ክኢሎም ግና፣ ታሪኻዊ ኣመጻጽእኡ ብግቡእ ተረዲኦም ግንከኣ ስለዝተመኮርዎ እዮም።

ኣብ 1543 ዓ.ም.ፈ. መሓመድ ግራኝ ዝብሃል ባርባራዊ ወራሪ ንክንደይ ህዝበ ክርስትያን ኣጽኒቱ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣብያተክርስትያናት ስለዘቃጸለ። ከምኡውን ብድሕሪ መሓመድ ግራኝ ብ1557 ዓ.ም.ፈ. ብአዝድሚር ፓሻ ዝምራሕ፣ ባርባራዊ ሰራዊት ቱርኪ ንምጽዋዕ ኣትዩ። ካብኡ ቀጺሉ፣ ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ክርስትና ዝኣምን ዝነበረ ህዝቢ ሰምሃርን፣ ደንከልን፣ ሳሕልን ባርካን ገዳማቱን ኣብያተክርስትያናቱን እቃጺሉ፣ ካህናትን ፈለስትን፣ ባሕታውያንን፣ ኣቡናትን ኣቕሽሽትን ድያቆናትን ኣህሊቑ ኣመስሊሙዎም።
ህዝበ ምድረባሕሪ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፣ ማለት ካብ ቅ.ል.ክ. ጀሚሩ፣ እምነቱ፣ ኣብ ኣህዱ ኣምላክ ዎ መንፈስ ቅዱስ፣ስርዓቱ ኣብ ስርዓተ ሙሲe ዝተሰረት ክኣምን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ድሕሪ ል.ክ. ድማ ብኣብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ (ሰለስተ ስላሴ) ዝኣምን እዩ። ብፍጹም ተኣምር ድማ ብስም ሃይማኖት ተበጊሱ ኣንጻር ካልኦት ኣመንቲ ኮነ ኢሉ ከጥቅዕ ሓሲቡ ኣይፈልጥን። ስለዚ ከኣ እዩ ኣማኒ ክርስትና ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሰላማዊን መንፈሳዊን ስለዝኾነ፣ ነቲ ባርባራዊ ጭካኔ ኣስላማይ ኣሕመድ ግራኝን፣ ባርባራዊ ወራር ቱርክን፣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ኣረሜናዊ ፍጻሜታት ክፍጽሙ ስለዝተዓዘበ፣ ከምኡውን ካብ 14 ክፍለዘመን ክሳብ 19 ክፍለዘመን፣ ብምስልምና ዝኣምኑ ጨካናት ወረርቲ፣ ኣሕመድ ራኝ፣ ቱርካውያን፣ ግብጻውያን፣ ማህዳውያን ንምድረባሕሪ ወሪሮም ባርባራዊ ፍጻሜታት ይፍጽሙ ስለዝነበሩ።እዞም ኣራዊት ዝኾኑ ወረርቲ እዚኦም ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ምድረባሕሪ፣ ማእለያ ዘይብሉ ጭካኔ ዝመልኦ ጥፍኣትን ዕንወትን ፈጺሞም እዮ። ስለዚ እምብኣር፣ ኣስላማይ ንኣምላኽ፣ ወይ ንኣላህ ዘምልኽ እዩ፣ ኢሎም ኣላህወኣክበር እንዳበሉ፣ ግብሪ ድያብሎስ ክፍጽሙን፣ ክሓርዱን ክቐትሉን ምስርኣዩዎ እዮም ኣቦታትና፣ “ኣስላማይ እንተነገሰ ምሓረደ እንበር ኣይምፈረደን” ኢሎም ዝምስሉ።

ህዝበ ምድረባሕሪ ተቐባል ጋሻ ስለዝኾነ፣ ኣስላማይ ኣይብል ኣረሜን፣ ብነብሰ ተኣማንነት ጋሻ ተቐቢሉ ዘዑቁብ ርሕሩሕ ህዝቢ ከምዝኾነ በዚ መረዳእታ እዚ ክንርዳ ንኽእል። ኣብ መጀመርታ 7ይ ክፍለ ዘመን፣ ነቶም ሃገራት ዓረብ ሰዓብቲ መሓመድ ዝነበሩ ኣስላም፣ በቶም ቁረሽ ዝበሃሉ ኣረማዉያን ኣዕራብ መኽንያት ንስደት ኣምሪሖም። ነቢዪ መሓመድ ከኣ “ኣብ ዓዲ ሓበሻ ከድኩም ተዓቖቡ ” ኢሉ ኣዘዞም ይብሃል። ዓዲ ሓበሻ ድማ ብናታቶም ኣጸዋውዓ ንምድሪ ከባቢ ምድረባሕሪ፣ ምድረ እግኣዝያን፣ ሎሚ አርትራን ትግራይን ሰሜናዊ ኢትዮጵያን ማለቱ እዩ። ካብኡ ምኽሪ ነቢዪ መሓመድ ሰሚዖም፣ ኣብቲ ብባሕረነጋሽ ዝብሃል ኣማሓዳሪ ምድረባሕሪ መጺኦምም ተዓቚቡ። ባሕረነጋሺ (ንጉስ) ድማ ተቐቢሉ ዑቝባ ሃቦም። ካብኡ ድማ ቀሲኖም ብዘይ ኣፋላላይ ምስቶም ኣብኡ ዝጸንሑዎም ህዝቢ ተሳንዮም ይነብሩ ነበሩ።

ከምኡውን ነቢዪ መሓመድ፣ ነቶም ኣመንቲ ምስልምና ስዓብቲ መሓመድ፣ ንምድረባሕሪ ከይትወሩ ኢሉ ከምኣዘዞም ታሪኽ ዝምስክሮ ሕቂታት ኣሎ።

ኣስተብህል፤
ኣብ ምድረባሕሪ ካብ ቅድሚ ነቢይ መሓመድ ጀሚሩ፣ ኩሉ እቲ ህዝቢ ኣማናይ ክርስትና እዩ ዝነበረ፣ ድሕሪ ወራር ግራኝን፣ ቱርክን፣ ግብጽን ማህድን ግና ብቐስብ ዝመስለሙ፣ ብፍላይ ኣብ ባርካን፣ ሳሕልን፣ ሰምሃርን፣ ፍርቂ ሰኒሕትን፣ ደንከልን፣ ብሰንኪ ቱርክን ግብጽን ዝመስለሙ ህዝቢ እዮም። ኣብ ኤርትራ ግና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፣ግርጪት ይኹን ኲናት ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ተፈጺሙ ኣይፈልጥን፣ ክርስትያን ኣብ መቕደሱ፣ ኣስላማይ ኣብ መስጊዱ ዝብል መምርሒ ዘለዎ ህዝቢ እዩ።

ቶኽላ ኮሎንያል እንግሊዝ ግና ነቲ ሓደ ህዝቢ ዝኾነ ህዝበ ክርስትያንን ኣስላምን ከባእሶ ብዙሕ ውዲት እዩ ፈጺሙ። ንመረዳእታ፣ ነቲ ቋንቋ ኣዲኡን ኣቡኡን ትግርን ትግሪኛ ዝነበረ ህዝቢ መታሕት፣ ነቲ ቋንቃ ቍርኣን ዝኾነ ቋንቋ ዓረብኛ፣ ቋንቋኹም እዩ ኢሉ ኣእሚኑዎም። ካብኡ  ዝተላዕለ ሰበብ ድማ ብሰንኪ እንግሊዝ ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣብ መንጎ ህዝቢ ክርስትያንን ኣስላምን ንቝሩብ እዋን ተቐልቂሉ ነይሩ። ድሪኡ ግና  ህዝቢ ኤርትራ ለባም ስለዝኾነ ረሲዑዎ። እታ ዕንቋ ዓረብ ግና ክሳብ ሎሚ ከም 2ይቲ ቋንቋ ኤርትራ ኮይና ክሳብ ሎሚ ትቕጽል ኣላ።

ትማሊ እዞም ልኡኻት ምዕራባውያን፣ብዓል ክናናን ምናናን፣ መራሕቲ ሻዕብያን፣ ጀብሃን፣ ወያኔን ምስ መጹ ግና፣ ክብርን ፍቕርን፣ ሓድነትን፣ እቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣሕዋት ዝነበረ ኣስላማይን ክርስትያንን ክድፈር ጀሚሩ ኣሎ።

ኣስተብህል፤
ኣብ ዘመነ ኣረሜን ልኡኽ ባዕዳውያን ኢሰያስ፣ ኣብቲ መሬት ቅዱስ ሃይማኖት ክርስትና ዝኾነ ኤርትራ፣ ካብ ኣብያተ ክርስትያናት መሳጊ ኣስላም ይበዝሑ። ኣብ ኢትዮጵያ እንተኾነውን፣ እቲ ድቓላ ዓረብ ሞሓመድ ኣል ኣሙዲ መበል 43 ሃብታም ካብ መላእ ዓለም፣ መሳርሒ ጽዮናውያን ኮይኑ ብኣማኢታት ዝቚጸሩ መስጊዳት ብምስራሕ ንቅድስቲ ሃይማኖት ኣርቶዲክስ ኢትዮጵያ የርክሳ ኣሎ።

ኢሰያስ ድማ ብፍላይ ነቲ ሃገር ካብ ኣሕመድ ግራኝን ቱርካውያንን፣ ግብጻውያንን፣ማህዳውያንን ተኻልኺሉ ዘጽንሐ ጅግና ህዝቢ፣ ሎሚ ነቶም ካብ ሃገራት ኣዕራብ ብ1860 ዓ.ም.ፈ. ተሰዲዶም ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ዝተሃዘቡ፣ እሞ ገና ሰበኽ ሳግም ኮይኖም እንዳ ኮብለሉ ዝነብሩ ራሻይዳ ዝብሃሉ ኣዕራብ፣ ከም ብሔር ኣሚኑሎም፣ ነቶም ደቀባት ምድረ ባሕሪ ከበሳ ከኣ፣ ባህሎምን፣ ሃይማነቶምን፣ ሓቦኛ ጅግንነቶምን፣ ክድምስሶ ይረባረብ ኣሎ።

እዚ ልኡኽ ባዕዳውያን ሰላዪ ኢሰያስ ዝብሃል ድያብሎስ፣ ኣብ ሜዳ ከሎ ብዘይካ ስለላን ኮለላን ካልእ ሞያ ዘይነበሮ፣ንባዕሉ ሓንቲ ጥይት ተኲሱ ዘይፈልጥ በቶም ዝተሰውኡ ጀጋኑ ጥራይ እንዳነገደ፣ ንሱ ኣልፋን ኦሜጋን ከምዝኾነ ኣምሲሉ፣ ብመልሓሱ ጥራይ ካብ 100 እቶት 100 ሓሶት እንዳገበረ ይላገጸሉ ኣሎ።

መወከሲ መጻሕፍቲ፣

1ይ) የውሃንስ ኮልመዲን፣ ታሪኽ ጸዓዘጋን ሃዘጋን ገጽ 25-26
2ይ) ዶር. ላጲሶ ጌ. ድሌቦ፣ የኢትዮጵያ ረጅም ታሪክ፣ ገጽ 130
3ይ) ኣባ ጋስፓሪኒ፣ የኢትዮጵያ ታሪክ ገጽ 162፨
4ይ) ርእሰ ደብር ዕቁበ እንድርያስ ዓስቡ ጥንተ ኣሚን ገጽ 40
5ይ) ሩፊኖ ፐርኒ ትርጉም መረብ ምላሽ ገጽ 24

ይቕጽል………

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት አርትራ