ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
03 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም.ፈ.

ውዲት ወያኔን ሻዕብያን እንታዩ??

ብዛዕብ ታሪኽ ወያኔን ሻዕብያን እንተድኣ ተንቲና፣ ብዙሕ ግዜን ማእለያ ዘይብሉ ጽሑፋትን ክወስደልና እዩ። መኽንያቱ ኣብ ውሥጢ እዚ ዛዕባዚ ብዙሕ ዝተሓላለኸ ውዲታዊ ነግራት ስለዘለዎ። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ግን፣ ጭፍራ ውያኔን ሻዕብያን፣ ከምቲ ብማዕከናት ዜናኦምን፣ ብባሃማት ካድረታቶምን ንመስኪን ህዝቢ ዝፍነወሉ ዝነበረ እናሓደር ዝቕላዕ ፍሹል ፍላስፋ ዘይኮነስ፣ እቲ ሓቂ እዞም ክልተ ጋጽ ሓደ ቅርሢ ዝኾኑ ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክፍጠሩ ከለው ብመሃንድሳት ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን፣ ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝን ተኣሊሞም ዝተጠልፉ ትካል ሃጸያውያን እዮም። እዚ ግን ከም ተራ ህዝቢ ኮንካ ንክትርድኦ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ ውዲት እዩ።  ብዓሚቕ ታሪኻዊ መጽናዕቲ ኣካይድካ ግን እታ ብርኩታ እምኒ ኣላታ ክትብል ይከኣል።

ንታሪኻዊ ኣመጻጽእ ወያኔ ብሕጽር ዝበለ ክንገልጾ እንተድኣ ኮንና ንጉስ ሃይለስላሴ ብ1974 ካብ ስልጣኑ ክእለ ከሎ፣ ኣብ ክንዲ ምስቶ ደቂ ሃገር ኮይኖም ኣብ ህዝባዊ ቃልሲ ዝሳተፉ፣ ብመደብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሞዴል ቦልሾቪክስ ፓርቲ [ጸኒሑ ኮሚኒስት ፓርቲ ሃገር ሶቭየት ሕብረ ዝኾነ እከይ ፓርቲ] ሒዞም ንሜዳ ወጺኦም። ጭፍራ ወያኔ ካብ ክበቚሉ ከልው ጀሚሮም፣ ብዘይካ ምኽሪ ስለላ መርበብ እንግሊዝ ኣብ ግብሪ ምውዓል እንተዘይኮይኑ፣  ሃገራዊን ሕዝባዊን ራእዪን ዓላማን ብምንም ተኣምር ፈጺሙ ኣይነበሮምን። እወ ኩሎም መራሕቲ ወያኔ ከም ኩሎም መራሕቲ ቦልሸቪክ ፓርቲ ተጸውዖ ስሞም ስኑዕ እዩ። ንመረዳእታ

ለገሰ ዜናዊ   መለስ ዜናዊ.  ሕቡር ገብረመድህን => ገረኪዳን ገብረመድህን …..ወዘተ……

 እዚ ማለት ድማ ኣስማቶም ከምቲ ክውለዱ ከለው ኣቦኦምን ኣዲኦምን ዝሰየሙዎም ኣስማት ዘይኮነስ፣ ብምኽሪ መሃንድሳት ስለላ መርበ እንግሊዝ ተመሪጹ ዝተዓደለ እዩ። ኩሉ ከኣ ብስነኣምራዊን ጥንቆላዊን ትርጉም ኣለዎ። ንመረዳእታ መለስ  ማለት ንኤርትራ ንክመልሳ ኣለዎ ማለት ምስጢራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ፣

ሕቡር ገብረመድህን ዋና ንተቓወምቲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባንመቐለን ዝፍንጥሖምን ዝእክቦምን ዝነበረ ጸረ ቃልሲ ኤርትራ ዝኾነ ሰላዪ እንግሊዝ እዩ። ስለዚ ከኣ “ሕቡር” ዝብል ስም ስኑዕ ስም ኣጠሚቖሞ።

እቲ ዋን መደብ ዕዮን ዓላማን ውድብ ወያኔ፣ ንሜዳ ወፊሮም፣ ነዞም ዝስዕቡ ወፍሪታትት ከተግብሩ ኣለዎም

1) ንገስገስቲ ኢትዮጵያውያንን ትግራዎትን ንምብብዳህ

2) ኣብ ውሥጢ ሰውራ ወያኔ ንግስግስቲ ሃገራውያን ምምንቋስ

3) ምስ ውድብ ሻዕብያ ተላፊንካ ንዝኾነ ኤርትራው ገስጋሲ ምንቅስቓስ ምምንቋስ

4) ብፍላይ ምስ ኢሰያስ ፍሉይ ርክብ ብምግባር ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ መሬት ኤርትራ ንምውጻእ

5) ኣብ መወዳእታ ኣብ ውሽጢ ሣዕብያ ዘለው ሓርበኛታት ኣብ ምጥፋእውን ምስ ኢሰያስ ምልፋን። ካብኡ ንኢሰያስ ሓጊዝካ ገስገስቲ ኤርትራውያን ኣጽኒትካ ንኤርትራ እብ ኢትዮጵያ ንምምላስ እዩ።

 

ወያኔኸ ብሓቂ ድዮም ክስዓሩ?

ኣብ ቀጻሊ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

06 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም.ፈ.