ኣብ ክፍላ ወርሒ ሕዳር፣ ኵናት ኣብ መንጎ ኣቢዪን ደብረጽዮንን ተባሪዑ። ኣበዩ ክዓል?

መኽንያት መጀመሪ እዚ ኩናት እዚ ከኣ፣ ጭፍራ ወያኔ ነቲ ሰሜናዊ እዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣጸልሚታ

ብቓጻ መጺኣ እጽዋርን ዘድልዩዋ ሰራዊትን ድሕሪ ምጭዋያ እዩ። ብድሕሪዚ እቲ ዕሠል ግዝያዊ ቀዳምይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ እቢዪ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ወያኔ ብዕሊ ኲናት ኣዊጁ። እዚ ኲናት እዚ ግን ብስነኣእምራዊ ውዲት ግንከኣ ረቂቕ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ። እወ፣ ብመሃንድሳት ሃጸይመጸይ ዝተኣልመ ኮይኑ፣ እቲ ዓላማ ግን ንኤርትራ ንምጉባጥ እዩ። ኣቦታትና ክምስሉ ከሎው፣ “ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጠስ ኣይሃዳናይን“ ይብሉ። ደብረጽዮን (ወያኔ) ኢትዮጵያዊ እዩ፣ ኣቢዪ ኣሕመድ ከኣ ኢትዮጵያዊ እዩ፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድማ ኢትዮጵያዊ እዩ። ስለዚ እዞም ሰለስተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ ኣገልገልቲ ምዒራባውያን እዮም። ንገርሄኛ ህዝቢ ንከሃምሉ ግና፣ ነቲ ጽባሕ ብጊሓት ዝፍዳሕ ውዲት ብዘይተኣደነ ፕሮፓጋንዳ ተሰንዩ እቲ ኲናት ዛጊት ተባሪዑ። እቲ ኵናት ግና ብመሃንድሳት ዝተኣልመን ዝተጠልፈን እዩ። እዚ ኲናትዚ ካብ ዝጅመር ጀሚሩ፣ ብዘይካ ኮፕርፖጋንዳ እምበር፣ ርግጸኛ ዜና ክቐርብ ኣይተሰምዐን። እቲ ውዲት ከኣ ንጹር ዓላማ ዘለዎ እዩ። ንሱ ድማ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኩናት ወሊዕካ ንኤርትራ ንምውራርድ ዝዓለመ ውዲት ምኻኑ፣ ነቶም ንመዋእል መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴን፣ ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግን፣ መንግስቲ ኢሃደግን ዘሕለፉ ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ምሁራት ይኹኑ ጽሓፍቲ ታሪኽን ከምኡውን ገዳይም ተጋደልቲ ከም ጽሓይ ቀትሪ በሪሁሎም እዩ። መኽንያቱ ድማ፣ ካብታ ፍሉይ ኣሜሪካዊ ልኡኽ ኣማማቶ ብ2018 ንኤርትራን ኢትዮጵያን ጅቡትን ዑደት ገሩ ዝተመልሰላ ግዜ ዝጀመረ እዩ። ቅድም ንህዝቢ ንምድንጋር ምድማር ዝብል ድራማ ተገሩ። እቲ ምድማር ዝብሃል ድራማ ግን ንወያኔ ገሊልካ ኣብ መንጎ ኢሰያስን ዶር. ኣቢዪን እዩ ተፈጺሙ።

እዚ ስነኣእምራዊ ወፍሪ እዚ ግና ንረብሓ ሕዝቢ ዝውዕል ምድማር ከምዘይኮነ፣ ብተመራመርትን ተገድስቲ ፖለቲካን ኤርትራውያን ዛጊት እዮም እዛ ብርኩታ እምኒላታ ብምባል ካበይ ተጀሚሩ ኣበይ ከምዝብጽሕ ተረዲኡዎም እዩ።

እወ፣ ድሕሪ እቲ 30 ዓመታት ዝወሰደ ቃልሲ ኤርትራ፣ ብዕለት 24.05.1991 መሬትን ባሕርን ኤርትራ ካብ ሰራዊት  ኢትዮጵያ ሓራ ከምዝኾነ ዘይስሓት ሓቂ እዩ። ዝኾነ ኮይኑ ግን ህዝቢ ኤርትራ ብጅግንነቱኳ መሬቱ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ እንተሓረሮ፣ ክሳብ ሎሚ 1991 ክሳብ 2020 ብፍላይ መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን ስለዘይፈቐዳ

ልዑላውነት ሃገር ኤርትራ ኣብ ሓዲግ መዲግ እዩ ወዲቑ ጸኒሑ። ነዚ ወፍሪዚ ንኸተግብሩ ማለት ንምልሓቕ ልዑላውነት ኤርትራ ከም ኣገልግልቲን ሠቀልቲን ኮይኖም ብቅድመ ግንባር ተሰሪዖም ዘለው ግን ወያኔን፣ ኢሰያስን ዕሠል ኣሕመድ ዓሊን እዮም።

ኣማስያኡ እቲ ጉዕዞ እዚ ኲናትዚ ኣበይ ገጹዩ ክዓልብ ?

ኲናት ውያኔን ኣምሓራን ካበይ ኣበይ?? ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን

ወያኔኸ ብሓቂ ድዮም ክስዓሩ?

ኣብ ቀጻሊ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

03 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም.ፈ.