For Those Who Value Deqebat.com: We Need Your Help!

ካብ 16 ክፍለዘመን ዝጀመረ መወዳእታ ዘይብሉ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ

Kolony_In_Eritreapdf

3ይ ፍሉይ ሕታም

እቶም ቅድሚ ኮሎንያል ጣልያን ንምድረ-ባሕሪ ምውራሩ፣ ጸረግቲ መንገዲ ዝነበሩ ሰለልቲ  ኤውሮጳያን ትፈልጡዎምዶ? ብመን ተሓጊዙ እዩኸ ንምድረባሕሪ ክቆጻጸራ ዝኽኣለ? ኮሎንያል ጣልያንከ፣ ብኸመይን ስለምንታይ ብ890 ዓ.ም.ፈ. ንኤርትራ ወሪሩ? ስለምንታይከ ካብ መሬት ኤርትራ ብ1941 ዓ.ም.ፈ. ክወጽእ  ተገዲዱ?  ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ክወርር ቅድሚ ምባጋሱ፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተዳለወ፣ ሓደ ንጹር ስትራተጂካዊ መደብ ተዋሂቡዎ ነይሩ እዩ። ብፍላይ ኮሎንያል ጣልያ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ንክማስሐን፣ ዛጊት ቅድሚ ምውራሩ፣ ኣብቲ ካብ 1881 ክሳብ 1914 ዓ.ም.ፈ. ዝተኻየደ ውዲታዊ “ውዕል ምሽማው ሃገራት ኣፍሪቃ“ ብአውሮጳውያን እዩ ተወሲኑ ነይሩ።

ሎሚኸ እዚ ብኩባንያ ጽዮናውያን ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ፍጻሜታት፣ ታሪኽ ኮሎንያል ጣልያን ዝደግም ዘሎዶ ኣይመስል? -ታሪኻዊን ጂኦ-ፖለቲካዊን፣ ስትራተጂካዊን ትንተና-

The “Scramble for Africa” was the invasion, occupation, division, colonization and annexation of African territory by European powers during the period of New Imperialism, between 1881 and 1914. It is also called the Partition of Africa and the Conquest of Africa. In 1870, only 10 percent of Africa was under European control; by 1914 it had increased to 90 percent of the continent, with only Ethiopia (Abyssinia), the Dervish state (Present day Somalia) and Liberia still being independent. The Horn of Africa, the southern tip of the continent, and the west- African coast were all strategic locations for world control.

  Source

እወ “ኣደ ንጉሰ ኣዲኻ ኣይኹና ንሱ ይሕረድ ንሰን ይቝነና“ ከም ዝብሃል፣ ጽዮናውያን ንኣፍሪቃ ንምሽማው ኣብ ከተማ በርሊን ውዲታዊ ዋዕላ ክገብሩ ከለው፣ ማለት ፕሮጀክት ህልቀት ህዝቢ ኣፍሪቃ ክሕንጽጹ ከለው፣ ካብ ኣፍሪቃውያን ማሕወስ ዘይብሎም፣ ንበይኖም ካብ ኣፍሪቃውያን ተኸዊሎም እዮም ፈጺሞሞ። ንኣፍሪቃውያን ከምዘለው እውን ኣይዘከሩዎምን። መሬቶም ንምሽማው ግና ቀዳማይ ውዲታዊ መደቦም ነበረ። መሃንድሳት ብጽዮናውያን ቅድሚ ውሳኔ በርሊን ኮንፈረንስ፣ ማለት ካብ 1750 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብስለላን ኮለላን ብዙሕ ሓበሬታታት ክእክቡ ጸኒሖም እዮም።

ኣስተብህል፣ ኣብ 1870 ዓ.ም.ፈ. 10 % ጥራይ እየን ሃገራት ኣፍሪቃ ብኮሎንያል ገዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝግዝኣ ዝነበራ። ብ1914 ዓ.ም.ፈ. ግና 90 % ሃገራት ኣፍሪቃ ግዳይ ኮሎንያል ገዛእቲ ኮይነን። ሕልሚ ጽዮናውያን ክፍጸም ማለት ኣልፋን ኦሜጋን ክኸውን እንተድኣ ኮይኑ ግና፣ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማልን ምስዝተሓዛ ጥራይ እዩ ነይሩ። እዚ ሕልሚ እዚ ግና፣ ኣዶልፍ ሂትለር ኣብ ሕምብሪት ኤውሮጳ ሓዊ ስለዘባርዓሎም ፈሺሉዎም እዩ።

ብድሕሪኡ ግና ነቲ ውዕልን ፕሮጀክትን በርሊን ኮንፈረንስ ንምትግባር፣ ሓድሽ ቅዲ  ኣውጽኡን ሓንጸጹን። ንጉስ ሃይለ ሥላሴ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ኩርኩሮም ንኽኸውን ኣሰልጢኖም ዘውዲ ደፊኦም ፈቲኖሞ። መስፍናዊ ንግስነት ከኣ ንረብሓ ጽዮናውያን መንገዲ ጸረገ እምበር ኣብ መወዳእትኡስ ኣየብጽሖን። ንግስነት ንጉስ ሃይለ ስላሴ ድማ ብኣብዮታዊ ወይ ህዝባዊ ቁጣዔ ኣብቅዐ። ግንከኣ ነቲ ኣብዮት ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ስለዝጨወየቶ፣ እቲ ካብ ብኣእምሮኡ ብኸብዱ ዝሓስብ  ኮሎኔል መንግስቱ ብውዲት ኣብ ስልጣን ከምጽእዎ ከኣሉ። ባህጊን ድልየትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ በኒኑ ተሪፉ። ብድሕሪኡ ባርያ መንግስቱ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንኸሃምል፣ “ኢትዮጵያ ትቕደም ያለ ምንም ደም!” ኢሉ እንድ ጨርሐ መደብ ዕዮ ጀመረ። ቅንይ ኢሉ ግና ነቲ “ኢትዮጵያ ትቕደም ያለ ምንም ደም!” ዝብል ጭርሖ ራሕሪሑ፣ “የፍዬል ወጠጤ 9 ትወልዳለች ልጆቹዋ ይሞታሉ እርስዋ ትቀራች” እንዳበለ ከጕርዕ ጀመረ። ማኣለያ ዘይብሉ ኣጽዋር ካብ ሶቭየት ሕብረት ጓሪቱ ድማ ማእለያ ዘይብሉ ግንከኣ ጽባሕ ዘይትካእ ወለዶ ኣጽነተ። እዚ ኩሉ ድማ ብውዲት ጽዮናውያን ዝተኣልመ ፕሮጀክት እከይ እዩ ዝነበረ።

ህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራይን ኤርትራን ብሓባርን ብስኒትን እንተድኣ ክነብር ክኢሉ፣ ጸረ ስትራተጂካዊ ዓላማ ጽዮናውያን ስለዝኾነ፤ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ ግድነት እዮም ከዕጥቕዎ። ኮነ ድማ፣ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ ኣብ ክንዲ ንልምዓት ሃገርን፣ ድሕነት ህዝብን፣ ፍታሕን ዲሞክራስያን ዘምጽእ፣ ነቲ ብንጉስ ሃይለስላሴ ዝተጀመረ ብሮጀክት ጥፍኣት፣ ግርጭት  ምስ ገድሊ ኤርትራን፣ ምስቶም ድሒሮም ዝተፈጥሩ ወያኔን፣”ሁሉም ወደ ጦር ግንባር ኢሉ ንዕርበቱ ኲናት ሓድሕድ ምስ ደቂ ኣግኣዝያን ጀመረ “፣ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ድማ ላሕ ተባሃሃለ። መንእሰይን ብቖሞቶምን ብመልክዖምን መዘና ዘይብሎም መኮንናት ኢትዮጵያን፣ ጀጋኑ ድቂ ኤርትራን ትግራይን ከኣ ኣብ ጎቦታትን ሽንጭሮታትን ሳሕልን ትግራይን ተመንቆሱ። ኣብ መወዳእታ ግና ድልየት ጽዮናውያን ስለዝኾነ፣ ንመንግስቱ ንዚንቫበ ነፊጹ ከምዝሃድም ገሮም፣ ነቶም ባዕሎም መልሚሎም ዘዋፈሩዎም ሻዕብያን ወያኔን ድማ ንኣዲስ ኣበባን ኣስማራን መቐለን ከምዝኣትዉ ገበሩ።እዚ ኩሉስ ንመን ረብሓኸ ውዓለ? ክቡራት ተሐታተልቲ ባዕልኹም ተመራመሩሉ።

ኣስተብህል፣ ጽዮናውያን ነቲ ክበጽሑዎ ዝደልዩ ሸቶ፣ በብዓይነቱ ውዲታዊ ፕሮጀክት እዮም ዘውጽኡ። ኣብ ኢትዮጳያን ኤርትራን ኮራኹሮም ሻዕብያን ወያኔን ኣዋፈሩ፣ብወገን ሶማል ድማ ድሕሪ ሰላዪ ሰይድ ባረ ድማ፣ ክልተ ሓደ ዝሃይማኖቶም ኣጋçዮም ኣልሸባብን ሃገራውያንን aiሎም ኣጠሚቖም ሕድሕዳዊ ኲናትኣብ መንጎ ሓደ ዓሌትን ሃይማኖትን ዘለዎም ደቂ ሶማል ከምዝፋለሱ ገሮም።እታ ሃገር ድማ ክሳብ ሎሚ ዓውዲ ኲናት ሓድሕድ ኮይና ኣላ። ስለዚ እቲ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢታት፣ ብግልጺ መቐጸልታ ኮሎንያል ጣልያን፣ ግንከኣ ብደቂ ሃገር ኣፍሪቃ ክፍጸም ንዕዘብ ኣሎና።

ኩነታት ህግደፍ፡ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ” ፕሮጀክት ጽዮናውያን እዩ።

ብሰንኪ ህትለር ዝተቋረጸ ፕሮጀክት ኮሎንያል ጣልያን ሎሚ ኢሰያስ የተግብሮ ኣሎ። ኮሎንያል ጣልያን ድሕሪ ዓወቱ፣ ንጀጋኑ አርትራውያን ኣብቲ ኩሉ ወራራቱ ዓሳኽር ከቲቡ መዝሓል ጥይት ገሩ ምስተጠቍመሎም፣ ንህዝቢ ከበሳ ኣብ ዶብ ሱዳን ኣስፊሩ ባርያ ክገብሮ፣ ነቶም ድኻታት ኢጣልያ ድማ ኣብ ከበሳ ከስፍሮም እዩ ዓላምኡ ዝነበረ። እቲ መደብ እቲ ግና ኣብ 2ይ ኲናት ዓለም ብኣዶልፍ ሂትለር ገዛኢ ሃገር ጀርመን ፈሸለ። ሎሚ ግና ጽዮናውያን ብግቡእ ንኢሰያስ ኣገልጋሊኦም ፈጢሩሎም፣”ሳዋዶ” “ሃገራዊ ኣገልግሎትዶ”፣ ዝብሉ ፕሮጀክት ጥፍኣት ዝኾነ ውዲት ምሂዞም፣ ነቲ ዝፈሸሎም መደብ ዕዮ ኮሎንያል ጣልያን፣ ብዓቢኡ ኣብ ኤርትራ ከተግብሩዎ ብግህዶ ንዕዘብ ኣሎና። እወ እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኣይውግእ ኣይሰላም፣ ግንከኣ ብሰላሕታ ህልቀት ዝኾነ ዓላማu ፕሮጀክት ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት “ኒው ዎርልድ ዲስኦርደር”  ጽዮናውያን ንምትግባር ይቕጽሎ ኣሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ፣ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ኤርትራ እኳድኣ ብግህዶ ዲቕ ዝበለ ባርነታዊ መግዛእቲ እንዳካየደ ከሎ፣ ዘይሓንኩ ኤውሮጳ ሕብረት፣ ካብቲ ዝግሕጡዎ ዘለው ሽያጥ ዕደና ወርቂ ብሻን ሃይኮታን፣ብማንካ ፍንጭል ኣቢሎም መቝሽሹ 200 ሚልዮን ኤሮ ሓጊዞሞ ይብሃል ኣሎ። ዘስደምም እዩ። ወርቅናን ሃብቲ ባሕርናን ብጽዮናውያን እንዳተዘምተስ ትኳቦት ንኢሰያስ ተመጽዊቱሉ ይብሉና ኣለው። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ መርማሪት ኮሚተ ሕቡራት መንግስታት፣ ይኣይ ተዓላቒት ኮይና፣”ሰብኣዊ  መሰል  ኣብ ኤርትራ ተገፊፉ” ኢሎም፣  ንኸምስሉ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዓንገረር ክብሉ ሰሚዕናዮም። ደቂ ገርሂ ልባ ድማ ሓቂ መሲሉና ኣብ ስዊዘርላንድ ምትሕብባርና ኣርኢና። ድሕሪኡ ግና እቲ ጉዳይ “ባህ ክብላ ልባ ጽብሓላ ዱባ” ኮይኑ ንዕዘቦ ኣሎና። ብዐደሙስ ህዝቢ ባዕሉ ተቋሊሱ ዘየምጽኦዶ ትም ኢሉ ዓወት ይመጽእ ኮይኑ!!ንኣዳም ገርሞ እዩ ዘብል፣ብኻልእ ሸነኽ ኣብ አርትራ ብማእሰርትን መግረፍትን ቅንጸላን ህልቀት መንእሰይ ወለዶ ይግበር፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፣ምጕሕጓሕ ዕደና ወርቅን ሃብቲ ባሕሪ ብጽዮናውያን ይትግበር  ንዕዘቦ ኣሎና።

ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን

ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝካየድ ዘሎ ዕግርግር ድማ፣ ንፕሮክጀክት ጽዮናውያን ንምትግባር ጥራይ እዩ እምበር፣ ፈላሊኻ ግዝእ ፕርጀክት ጥፍኣት ኣብ ኢትዮጵያስ እንታይ  ኣምጽኦ?  ኦሮሞን ኣምሓራን 60 %  ካብ መላእ ህዝቢ ክንሱስ፣ ብ4% ትግራዎት ኢትዮጵያ ትግዛእ ኣላ። ኣብቲ ዝተገብረ ምርጫ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ድማ ብ100% ውድብ ኢሃዴግ ተዓዊቱ ተባሂሉ።  ዘስደምም ውዲት!! ኣብ ሶማል እንተኾነ ድማ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ እንታይ ከይዱዎም እዮም ዘረባ ጎይቶቶም ሰሚዖም፣ ሰራዊት ወያኔ መርሲኔሪ ጽዮናውያንኮይኑ ንኽመውት ንሶማን ዝወርር?

ኩነታት ሶማል ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን

ህዝቢ ሶማልከ ብምልኦም ኣስላምዶ ኣይኮኑን? ስለምንታይ ድኣ ነንሓድሕዶም ይፋለሱ ኣለው? እዚ ንዘስተብህል ሰብ፣ ብጋህዲ ንስትራተጂካዊ ቦታ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ንምቍጽጻር ዝካየድ ዘሎ ውዲት ጥራይ እዩ። ግንከኣ እቲ ብሰንኪ ኣዶልፍ ሂትለር ዝተቋረጸ ኣብቲ ውዕል በርሊን ኮንፈረንስ ዝተመስረተ ፕሮጀክት ወይ መደብ ዕዮ፣ ንምትግባር ዝኸይድ ዘሎ ንጹር ስትራተጂካዊ ዓላማ ጽዮናውያን ዝሓዘ ማራቶናዊ መስርሕ እዩ።

መዘክር ገዳይም ሰለልቲ ኤውሮጳውያን

ብስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ብቫቲካንን ፈረንሳን ተመልሚሎም ዝተዋፈሩ ብዙሓት ቋንቋታት ክዛረቡ ዝኽእሉን፣ ብልዑል ስለላዊ ትምህርቲ ዝሰልጠኑን ከኣ ነበሩ። እቶም ሰለልቲ ድማ ሚስዮናውያን ተመሲሎም፣ ቀሚሽ ሰበይቲ ዝተኸድኑ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢዶም ሒዞም እዮም ኣብ ቅድሚ ኣፍሪቃውያን ዝቐርቡ ዝነበሩ። ንሳቶም ከኣ ብስለላን ኮለላን ዝሰልጠኑ ኮይኖም፣ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኣፍሪቃ ሰሊኾም ብምእታው፣ ስለላን ኮለላን እካይዶም፣ ዝኣከቡዎ ሓበሬታ ንኤውሮጳ ዘለው መሃንድሳት ጽዮናውያን ንኸመሓላልፉ ዝተዋፈሩ ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ ነበሩ።

ካብቶም ብዙሓት ብፍላይ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋፈሩ ሰለልቲ ኤውሮጳውያን ሓያሎ ንምጥቃስ

1.) ጀምስ ብሩስ

ጀምስ ብሩስ ዝተባህለ ሰላዪ እንግሊዛዊ ኣብ ስኮትላንድ ዝተወልደ፣ ብዕለት 18 መስከረም 1769 ዓ.ም.ፌ. ንምጽዋዕ ኣትዩ። ካብ ምጽዋዕ ተበጊሱ ኣብታ ብራእሲ ዓንዳሃይማኖት ብዓል ጽዓዘጋ ዝተሰረተት ከተማ ዓድዋ ኣተወ። ኣብኡ ድማ ምስቲ ወኪል ራእሲ ዓንዳሃይማኖት ኮይኑ ንዓድዋ ዝገዝእ ዝነበረ፣ ሚካኤ ስሑል ዝተባህለ ትግራዋይ መስፍን ተራኸበ። ተመራመርቲ ታሪኽ ከምዝትርኹዎ፣ “ራእሲ ዓንደሃይማኖት ንዓድዋ ከም ዓዲ መስሪቶም፣ ከም ቀንዲ መዋፈሪቶም ይጥቀሙላ ነበሩ። “መስፍን ሚካኤል ስሑል ድማ ወኪሎም ገሮም ብላታ ዝብል ሽመት ሸምዎ። ንራእሲ ዓንደሃይማኖት ግና ሚካኤል ስሑል ብቃጻ ቀንጸሎም። ራእሲ ዝቐተለ ራእሲ ስለ ዝሽየም ከኣ፣ ምካኤል ስሑል ካብ ብላታ ራእሲ ኣበለ“ ይብሉ። እዚ ኩሉ መስርሕ ዝተፈጸመ ድማ ሚካኤል ስሑል ድሕሪ ምስ ጄምስ ብሩስ ምርኻቡ እዩ።ጀምስ ብሩስ ድማ ኣብቲ ንሱ ዝደረሶ መጻሕፍቲ ብዛዓባ ህዝቢ ምድረባሕሪ ኣሉታዊ እዩ ጽሒፉ።

 ስለዚ እዞም ጽሓፍቲ ታሪኽ ዝተረኽዎ መጎታዊ ሓቂ ዝሓዘለ እዩ። (መወከሲ፤ ብረፊሎ ፔርኒ ዝተደርሰ መጽሓፍ፣ ብቪቶርዮ ሮንካሊ ከኣ ዝተተርጎመ፣ መረብ ምላሽ ገጽ 78፣ ብየውሃንስ ኮልመዲን ዛንታ ጸዓዘጋን ሃዘጋን፣ ገጽ 91-94) ምውካስ ይከኣል እዩ።

2.) ጁዜፐ ሳፔቶ


 ብድሕሪ ጀምስ ብሩስ ድማ፣ ብቫቲካን ዝተላእኩ ሚስዮናውያን ሰለልቲ ኣብ ኤርትራ ተዋፈሩ። ጁዜፐ ሳፔቶ ዝተባህለ ሰላዪ ፈላሲ፣ ኣባል ላዛሪስት እትብሃል ካተሊካዊት ማሕበር እዩ ዝነበረ። ካብ1838 ክሳብ 1848 ዓ.ም.ፈ. ድሕሪ ካብ ሃገር ጣልያን ንኤርትራ ምእታዉ ድማ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሰሊኹ ጉዳይ ስለላን ኮለላን ኣካየደ። ኣብ ጎንደር ግና ሰላዪ ምኻኑ ስለ ዝተለለ ብንጉስ ቴድሮስ ተኣስረ። ድሕሪ ምእሳሩ ግና ነጻ ተፈትሑ ንኤርትራ ኣተወ። ካብኡ ብ1851 ዓ.ም.ፈ. ምስቲ ፓድረ ስቴላ ዝተባህለ ኣብ ምድረ መንሳዕ ተሓቢኡ ዝስሊ ዝነበረ ሰላዪ ፈረንሳዊ ፈላሲ ተራኸበ። ብድሕሪ ምኽፋት ስዌዝ ካናል ብ1869 ዓ.ም.ፈ. ድማ፣ ብመንግስቲ ጣልያን ሓደ መደብ ስለላ ተዋሂቡዎ ንኤርትራ ተመልሰ። ብሕዳር 1869 ዓ.ም.ፈ. ድማ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ዓሰብ መሬት ካብ ሓደ ኣብ ኣውሳ ዓፋር ሪሓይታ ዝብሃል፣ብወገን ደቡባዊ ደንከል ዝርከብ ቦታ ዝነብር ዝነበረ ሙሓማድ ዝተባህለ ሱልጣን፣ ብ6,000 ማሪያ ተሬዛ መሬት ዓደገ። ብየካቲት 1870 ዓ.ም.ፈ. ድማ ነቲ ውዕል መሸጣ መሬት ምስቲ ወዲ ዓፋር ክፈራረም ንዓሰብ ተመልሰ። (ኣብቲ Assab e i soui critici (1879) ዝብል መጽሓፉ ተወከሱ።) ድሕሪኡ ድማ ብ1880 ዓ.ም.ፈ. ነቲ መሬት ንሓንቲ ትካል መራኽብ “ናቪጋዝዮነ ዲ ራፋኤለ ሩባቲኖ“ እትብሃል፣ መጉዓዝያ መርከብ ባሕሪ ሸጠላ። ንሳ ድማ ንመንግስቲ ጣልያን ሸጠትላ። ክሳብ ጥሪ 1881 ዓ.ም.ፈ. ስለላን ኮለላን ከካይድ ኣብ ዓሰብ ጸንሐ።

እዚ ሰላዪ ፈላሲ እዚ ብዛዕባ ኩሉ ዝኣከቦ መጽናዕቲታት ብ1878 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ፍሎሬንስ ዝብሃል ከተማ ሃገር ጣልያን፣ ነቶም መሃንድሳት ጽዮናውያንን፣ ነቶም ማሕበር ሰይጣን ፍሪሜሶንን ሓደ ዓቢ ሰሚናር፣ ብዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣ፣ ከባቢ ቀርኒ ኣፍርቃን ኣቕረበ። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፣ እዚ ሰላዪ jusepe Sapeto ዝተባህለ ሰብዚ፣ ቀንዲ ተልእኾኡ ዝነበረ፣ ኮሎንያል ጣልያን በየናይ ሜላን ውዲትን ገራ ቅድም ንኤርትራ ቀጺላ ትቆጻጸር፣ ካብኡ ድማ ንኢትዮጵያ ከምትቆጻጸር እዩ። ብ1890 ዝተሓትመ “A study of Ethiopian government, geography, and history“ ባእሉ እዚ ሰላዪ ፈላሲ ጁሰፐ ዝደረሶ መጽሓፉ ምውካስ ይከኣል።

እትቲ ጁዜፐ ሳፔቶ ዝተባህለ ሰላዪ ኢጣልያዊ ፈላሲ፣ ሚስዮናዊ ተመሲሉ እዩ ብቫቲካን መደብ ዕዮ ትዋሂቡዎ ንኤርታራ ዝኣተወ። ቀንዲ መደቡ ግና ስለላን ኮለላን ድኣንበር ውራይ ሃይማኖት ዓጂቡዎ ኣይኮነን። ጸብጻቡ ድማ ንመሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ብፍላይ ከኣ ንስትራተጂካዊ መጽናዕቲ ዝሕግዝ ሓበሬታ ንምትሕላፍ ጥራይ እዩ ዝነበረ። በቲ ጁዜፐ ሳፔቶ ዝሃቦም ግብራዊ ዝኾነ መጽናዕታዊ ሓበሬታ ተጠቒሞም እዮም እምባኣር፣ ኮሎንያል ጣልያን ኣብ ከባቢገምገም ቀዪሕ ባሕሪ ፍሑኽ እንዳበሉ፣ ክሳብ ነስመራ ክወሩ ዝኽኣሉ።

3.) ፓድረ ዮሴፍ ስቴላ፣

ካብ 1850 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ኣብ ከረንን ኣብ ምድረ መንሳዕን እንዳኾብለለ ዝነብር ዝነበረ ፈረንሳዊ ሚስዮናዊ ሰላዪ ነበረ። እዚ ሰላዪ ፈላሲ ሰብዚ፣ ቀሚሽ ሰበይቲ ለቢሱ ፈላሲ ተመሲሉ ምስ ጁዘፐ ሳፔቶ እንዳተራኸበ ጉዳይ ስለላን ኮለላን የካይድ ነበረ። ሓደ ጽቡቕ ነገር ዝገበሮ ግና ኣሎ፣ ንሱ ድማ ፣ ወራር ግብጺ ንመላእ ኤርትራ ከምስልም ብዙሕ እዩ ጽዒሩ። ህዝቢ ቦጎስ ብፍላይ ደቂ ተርቀን ብጾቶምን ግና፣ “እምቢ ኣይንምስልምን ኢና” እታ ትገብራ ግበር” ኢሎም፣ ዓጭ ምስሓንፈፍሉ፣ ኣረሜን ሰራዊት ግብጺ ምስ ካብ 340 ንላዕሊ ስድራቤቶምን ጥሪቶምን ገፊፉ ንከሰላ ኣውረዶም። ካብኡ ካብቶም ህዝቢ ትሓቢኦም ገለ ተብዓት ደቂ ብሌን፣ ኣብ ፓድረ ስቴላ ቀሪቦም “በጃኻንዶ ኣብየት! ዑቝባ ኩነና! ካብ ኣርሜናዊ ህይማኖት ምስልምና ኣድሕነና”!! ኢሎም ጠርዑ። ፓድረ ስቴላ ድማ፣ከም ሰላዪ መጠን፣ ምስ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ድልዱል ርክብ ስለዝነበሮ፣ ነታ ሽዑ ዘመን ንግስቲ ቪክቶርያ ዝተባህለት፣ ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንህዝቢ ብሌን ካብ ኣርዑት ግብጺ ንከገላግሎም ለመና። ኣብ ሃገር ሱዳን ወኪል ወይ  ኮንስል ዓባይ ብሪጣንያ ስለዝነበረ ድማ፣ ምስኡ ትረዳዲኣ ህዝቢብሌን ንዓዶም ክምለሱ ከምዘለዎም ተገብረ። እዞም ካብ ጥንቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ኣርቶዶክስ ዝእምነቶም ድማ መታን ብህይወቶም ክርስይትያን ኮይኖም ኣብ ዓዶም ክነብሩ፣ ጥንታዊ ሃይማኖት ተዋህዶ ገዲፎም ክኽትልኹ ግድነት ኮኖም። ፓድረ ስቴላ ምስ ቫቲካን ተሰማሚዑ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኽ፣ ኣብ ከረን ቤተክርስትያን ካቶሊክ ኣስርሐ።

ብመም. ሚካኤል ጋብር ዝተደረሰ ህዝቢ ብሊን ዝብል  መጽሓፍ ኣብ ገጽ 12ን 13 ተወከሱ።

ክሳብቲ ዘመን እቲ ህዝቢ ሰኒሒት ኦርቶዶክስ እዩ ነይሩ ሃይማኖቱ። ከረን ብገዳማት ዝተኸበት ከተማ እያ። ንመረዳእታ፣ እንዳ ስላሴ ጻዕዳ እምባ፣ ገዳም ደብረሲናን፣ ማርያም ቁስቋም ሽዕብ ሰለባ፣ ቅዱስ ገርጊስ መጋርሕን፣ ቅዱስ ሚካኤል ከረን-ላዕላይን ወዘተ. . . ዝተማእከለት ኮይና፣ ህዝባ ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ኦሪታዊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት እዩ እምነቱ ዝነበረ። ጽሕፍቶኡ ግዲ ኮይኑ ግና፣ ብወራር ቱርክን ግብጽን መብዛሕትኡ ህዝቢ ሰኒሕትን ሳሕልን ባርካን ሰምሃርን ደንከልን ጽኑዕ ኣማናይ ኦሪታዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ሃይማኖት ዝኣምን ዝነበረ፣ ብቐስብ ብኣርሜናውያን ወራር ቱርክን ግብጽን ክምስልም ተገዲዱ። ኤውሮጳውያን ድማ፣ ብፍላይ ቫቲካን ንተዋህዶ ሃይማኖት ክጠፍእ ስለትደልዮ፣ ነቲ ካብ ምስልምና ዝድሓነ ህዝቢ ተዋህዶ ኣብ ካቶሊክ ከምዝቕይር ኣገዲዳቶ።

እዚ ፈላሲ እዚ እሞከኣ ምስ ህጻናት ከይተረፈ ግብረሰዶም ዝፍጽም ዝነበረ ነውሪ  ዝመጋብሩ፣ ፐዶፊልያ (Pedophilia) ዝነበረ’ዩ። ክምስልም ከሎ ድማ ቫቲካን ኣይረድኣቶ፣ መሳፍንቲ ትግራይን ኣምሓራን እውን ንዓይኖም ቁልሕ ኢሎም ኣይርኣይዎን። መሓመድ ግራኝ ይኹን ገላባት ማህድን ደርቡሽን ከጓዪይዎም ከሎው ግና፣ ኣውያቶም ንደቅ ምድረባሕሪ ስለዘስምዑ፣ ሳላ ደቂ ምድረባሕሪ ኣiትዮጵያ ካብ ምስልምና ድሒና እያ። ሎሚ ግና aaብ ዘመነ ወያኔ ሓደ ሚልዮኔር ምሓመድ ሑሴን ኣል ኣማውዲ (Mohammed Hussein Al Amoudi) ዝተባህለ ድቓላ ዓረብ ብስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ተላኢኹ ንኢትዮጵያ ከመስልማ ኣብ ፈቐዶ ዓድታት ኢትዮጵያን ትግራይን መሳጊ የስርሕ ኣሎ። ታሪኽ ወራር ግራኝን፣ ቱርክን፣ ግብጽን ክደግም ብረቂቕን ብግሁድን ስለላን ኮለላን የካይድ ኣሎ። እሞ ዎ ኣማኒ ኦሪታዊት ተዋህዶ ህይማኖት ዝኾንካ ህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራይን ካብዚ በደው ዝውፍየልካ ዘሎ ሚልዮናት ገንዘ ሰይጣን ምኻኑ ኣለሊኻ ሃይማኖትካ  ዓቅብ።

4.) ቨርነር ሙሲንገር (Werner Munzinger) ብ1864 ዓ.ም.ፈ.

ንከተማ ምጽዋዕ ኣተወ፣ ኣብ ምጽዋዕ ምስ ሓንቲ Kohler, Nägeli & Cie እትብሃል ንግዳዊ ትካል ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብ1865 ወኪል ኮንስል ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኑ የገልግል ነበረ። ካብኡ ጸኒሑ ካልእ ስለላዊ መደብ ስለዝወጸሉ፣ ንከተማ ከረን ግዒዙ ምስ ሓንቲ ሰብኣያ ዝሞታብለነይቲ መበለት ሓደ ቆልዓ ዝነበራ ተመርዕዩ ጉዳይ ስለያኡ የካይድ ነበረ። እዚ ሰላዪ ሰብዚ በቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኣባላት መሃንድሳት ጽዮናውያን ተመልሚሉ እዩ ንስለላ ተዋፊሩ። ግንከኣ ካብ ሓደ ኣባል ፓርላማ መንስቲ ስዊዘርላንድ ዝውለድ ውልቀሰብ ኮይኑ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባዘል ልዑል ትምህርቲ ድሕሪ ምጽናዕ፣ ንሙኒክ ከይዱ ድማ ብዛዕባ ተፋላለዩ ህዝብታት ኣፍሪቃን ኣስያን ኦርየንታል ትምህርቲ ወሲኹሉ። ድሕሪዚ ብመደብ መሃንድሳት ጽዮናውያን ንሃገራት ዓረብ ነቐለ። ኣብ ግብጺ ከይዱ ከኣ ዓረብኛ ቋንቋ ተማሂረ። ካብኡ ኣብ ኣለክሳንድያ ቁሩብ እዋን ድሕሪ ምጽንሑ፣ ንወደብ ምጽዋዕ ሽዑ እዋን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ቱርክን ኮራኹሮም ደቂ ናይብን ዝነበረት ኤርትራ ኣተወ ።

እዚ ቶኽላ ዝኾነ ሰላዪ ቀልጢፉ ቋንቋ ትግሪኛን ብለንን ትግረን ኣጽንዐ። ሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያ ብ1868 ዓ.ም.ፌ. ንንጉስ ቴድሮስ ክወሩዎ ዝኽኣሉ፣ እዚ ሰላዪ ሙሲንገር ብዝሃቦም ስለላዊ ሓበሬታ እዩ ዝነበረ። ካብ ከረን ንኸሰላ ሱዳን እንዳኾብለለ ድማ ይስሊ ነበረ። ካብኡ ንሰራዊት ግብጺ ንኤርትራን ኢትዮጵያን መታን ክወርር ባሻ ዝብል ወተሃደራዊ መዓርግ ተመጽዊትሉ መሪሑዎም ክሳብ ኤርትራ ኣእተዎም። ካብኡ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ኲናት ጉንደት፣ ብኤርትራውያንን ትግራዎትን ምስተሳዕረ፣ ፋሕብትን በለ። ገባር እከይ ሙሲንገር ግና ገና መደባት ስዉር ዕዮኡ ስለዘይወድአ ዝነበረ፣ እንደገና ብከባቢ ዕፋርን ዳንካልያን ፓሻ ግብጺ ኮይኑ ሸንኮለል እንዳለ ጉዳይ ስለላን ኮለላን ከካይድ ከሎ፣ ኣብ ኣውሳ ዝብሃል ቦታ ኣፍርን ደንከልን፤ ብደቂ ኣዳል ተቐንጸለ። እቲ ንመሃንድሳት ጽዮናውያን ዘምሓላልፎ ዝነበረ ሓበሬታት ግና፣ ዛጊት ኣብ ኢዶም ስለዝበጽሐ፣ ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ክኣቱ ከሎ እውን ካብቲ ዝረኸቦ ሓበሬታት ሓደ ኣገዳሲ ክፍል ካብ ሰላዪ ሚሲንገር እዩ ዝነበረ። ሰላዪ ቬርነር ሙሲንገር ክሳብ 25 ቋንቋታት ይዛረብ ነበረ። ኣብዚ ተወከ
ኮሎንያል ገዛኢት ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንኮሎንያል ጣልያ ስዓረትሓደ ካብቶም ጀነራላት ኮሎንያል እንግሊዝ፣ ሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያ፣ ድሕሪ ኣስታት 6 ወርሓት ኣራባራብ ብርቱዕ ኲናት ኣንጻር ጣልያን፣ ከተማ ከረን ምስተቛጻጸረ፣ ሰራዊቱ መሪሑ ነስመራ እንዳ ተጓዕዘ እንከሎ፣ ኣብቲ ነስመራ ዝወስድ መንገዲ ድንበዛንን ካርነሽምን ምስ በጽሐ፣ ኣዴታት ብእልልታን ጣቕዒትን “እልል! እልል! እንቋዕ ኣሓጎሰካ” ኢለን ሰናይ ትምኒተን ምስ ኣስምዕኦ፣ “ኪዳ ባራዩ፣ ኣነኮ ንዓኹም ኢለ ኣይኮንኩን ሰረሒዮ“፣ ፕሮጀክት ጽዮናውያን፣ ስትራትጂካዊ ተልእኾ ስለዘሎኒ እየ፣ ማለቱ እዩ። (I didn’t do it for you! You Negro“!) ክብል ብብድዐ ተጻሪፉወን መንገዱ ቀጸለ። መወከሲ መጽሓፍ፤ኣብ How the World betraye a small African Nation ByMichela Wrongእወ፣ ነዳይ ናይልቡ ይሓልም፣ ከምዝብሃል፣ ነቲ ውዲታዊ ውዕል በርሊን ኮንፈረንስ 1884 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ግብሪ ንምውዓል እምበር፣ ንህዝቢ ኤርትራ ይኣይ ኮሎንያል እንግሊዝ ሓራ ንኸውጽእሲ ከቶ ኣይነበረን።

እቲ

ኩሉ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ንፍርቂ ዘመን ዝኣክል ስለላን ኮለላን ከካይዶ ዝጸንሐ፣ ማለት ካብ ኣዋን ሰላዪ ጀምስ ብሩስ ጀሚሩ፣ ወይከኣ ወራር ኣብ ልዕሊ ንጉስ ቴድሮስን፣ እቲ ውዲታዊ ኲናት መተማ ኣንጻር ኣብዳው እኽረሪት ሽኢን ኣስላምን፣ እቲ ሽርሕን ውዲትን ምስ መሳፍንቲ ትግራይ እኮ፣ ኣብዚ ንምብጻሕ ጥራይ እዩ። እዚ ኩሉ እኮ ንኤርትራ ባሕራን መሬታን ድሕሪ ምቍጽጻር፣ ኣልሒሙ ድማ ንኢትዮጵያ፣ ንባሕሪ ጻናን፣ ፈለግ ኒልን ተከዘን ንምግባት ኮይኑ፣ ብዓቢኡ ድማ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቅጽጻር እዩ። እዚ ሓደ ክፋል ካብቲ ኣብ በርሊን ኮንፈረንስ ዝጸደቐ፣ ምሽማው ኣፍሪቃ ሃገራት ዝብል፤ ፕሮጀክት ጽዮናውያን እዩ እምበር፣ ዓጂቡዎም ድኣ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ሓልዮም ሓራ ከውጽኡዎ

ኣስተብህል፤

እቲ ወኪል (ፕሮክሲ) ሃጸያውያን ዝኾነ ተዅላ ኮሎንያል እንግሊዝ፣ ካብ 1750 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ንሰላዪ ጀምስ ብሩስ፣ ካብ ስኮትላንድ ኣበጊሱ ብምጽዋዕን ዓድዋን ኣቋሪጹ ንባሕሪ ጻናን ንፈልግ ኒልን ስለላን ኮለላን ከካይድን፣ ብፍላይ ድማ ንጅግንነት ህዝቢ ምድረባሕሪ ንኽስልን ልኢኾሞ። እዚ ሰላዪ ሰብዚ ከኣ፣ ን7 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ከባቢ ባህርዳርን (ጎጃምን) ጎንደርን (ቤገምድር)ን ስለላዊ መጽናዕትን ምርምርን ኣካይዱ ጸብጻቡ ንመሃንድሳት ጽዮናውያን ኣረኪቡ። ካብቲ ጀምስ ብሩስ ዝተዋፈረሉ እዋን ጀሚሩ እዩ እምብኣር፣ ስለላ መርበብ ጽዮናውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዲታዊ መደብ ዕዮኡ ኣንጊሁ ከካይድ ዝጀመረ። ጸኒሑ ድማ ኣብ ከባቢ 1860 ዓ.ም.ፈ. ንንጉስ የውሃንስ 4ይ መዳፍዕን ባጤራ ማርያ ተሬዛን ብምትኳብ፣ ሰላዪኦም ኮይኑ ንኸገልግሎም ከቲቦሞ። ካብኡ ብሳላ ሓገዝ ሰላዪ ንጉስ የውሃንስ፣ ንመቕደላ ጎንደር ወሪሮም ንንጉስ ቴድሮስ ክግምጥሉዎን ክስዕሩዎን፣ ንብረት ኢትዮጵያ ክዘምቱን ከኣሉ። ድሕሪ ሞት ንጉስ ቴድሮስ ድማ፣ ጎኒ ንጎኒ ንጉስ የውሃንስ ማለትዩ፣ ንንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ ኣብ ሽዋ ዛጊት ወኪሎም ሰላዪ ገሮም፣ ንንጉስ የውሃንስ ንምቕንጻል ዓሰብዎ። ካብቲ እዋን እቲ ጀሚሩ እዩ እምብኣር እቲ መስርሕ ኮሎንያል እንግሊዝን ግንከኣ ውዲት ጽዮናውያን ተጀሚሩ።

እዚ ኮይኑ ግና፣ ገና ንህዝቢ ምድረባሕሪ ብድሎ ከይትዕሎ ክስዕሩዎ ከምዘይክእሉ ኣረጋገጹ። ንህዝቢ ምድረባሕሪ ኣላሽ ንምባል ድማ ብዙሕ ዓመታት ከምዝወስደሎም ፈለጡ። ድሕሪ ክንደይ ምርብራብ ከኣ፣ ብድሕሪ ኲናት ዕድዋ ብፍላይ፣ ካልእ ረቂቕ ውዲታዊ ሜላ ኣውጽኡ። ነዚ ፕሮጀክት እዚ ንምትግባር ድማ፣ ድሕሪ ሞት ንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ፣ ንንጉስ ሃይለስላሴ ወኪሎም ገሮም ዘውዲ ደፍኡሉ። ሃይለስላሴ ድማ ን40 ዓመታት ዝኣክል ንህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ከልኦ። ንሱውን ፕሮጀክት ጽዮናውያን ኣብ መወዳእትኡ ከየብጽሐ ዓለም ቀደመቶ።

ካብኡ

ድማ ድሮ ሃይለስላሴ ኣብ ስልጣኑ ከሎ ነቲ መስርሕ ኣጽኒዖም ስለዝፈለጡዎ፣ ካልእ ፕሮጀክት ሓንጸጹ።ንሱ ድማ ገረብ ብሓኽላ ገርካ ጥራይ ንህዝቢ ምድረባሕርን ኢትዮጵያን ክትስዕሮ ከምትኽእል ዝብል ጉርሒ መሃዙ። ንሱ ድማ፣ ብተመክሮ መሳፍንቲ ትግራይ ተመርኲስካ፣ ቅድም መበቆል ትግራይ ዘለዎም ወኻሩ መልሚልካን፣ ብረቂቕ ስለላዊ ትምህርቲ ኣሰልጢንካን ውድብ ምምስራት ጥራይ ምዃኑ ኣጽንዑን ዛጊት ድማ መደብ ዕዮ ሓንጸጹን። ንሱ ድማ ቅድም ውድብ ሻዕብያ፣ ውድብ ሻዕብያ እንተደኸመ ድማ መብረ ኮይኑ ዘገልግል ውድብ ወያኔ ምምስራት ኮነ። ብኳልእ ኣዘራርባ ወርስቲ ንጉስ የውሃንስን ኣሉላን ዝኾኑ ደቂ ደቆም ትግራዎት ዝምርሑዎ ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ ውድባት ሻዕብያን ወያኔን መስሪትካ ጥራይ እዩ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ኣላሽ ኣቢልካ ትስዕሮ ካብ ዝብል ስነመጎት ተበጊሶም፣ ነዚ ሎሚ መራሕ ኩባንያ ህግደፍ ኮይኑ ፕሮጀክት ጽዮናውያን በብሓደ ዘተግብር ዘሎ ተንቤናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብ1969 ዓ.ም.ፈ. መልሚሎም ዓሰቡዎ። ውዲታዊ መደብ ዕዮ ኣስኒቖም ድማ ንሳሕል ሰደድዎ። ድሕሪ ውድቀት ንጉስ ሃይለስላሴ ድማ፣ ኢሰያስን ኩባንያ ጽዮናውያን ህ.ግ.ሓ.ኤ.  እንተደኸመ፣ መብረዪ ዝኾኑ፣ ብስኑዕ ኣስማት ተሰኒዖም ዝተጠፍጠፉ ጭፍራ ወያኔ ደቂ ደቆም ንብዓል ኣሉላን የውሃንስን፣ ከምኡውን ደቂ ሓወብኡ ንኢሰያስ ንሜዳ ኣዋፈሩ። እወ፣ ንመራሕቲ ወያኔን ግና፣ ቀንዲ ወከልቲ (ፕሮክሲ) ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኖም ንኸገልግሉዎም ኣዋፈሩዎም።

ስለምንታይ ውድብ ተ.ሓ.ኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ተመንቊሱ?

ምምንቋስ ውድብ ተ.ሓ.ኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ንመን ረብሓ ምዃኑስ ትፈልጡዎ?

እቶም ተላፊኖም ንውድብ ተ.ሓ.ኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ዝመንቆሱ ውድባት ወያኔን ሻዕብያን ሎሚኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለው?

ብፍላይ ኣብ ጠቕላላይ መሪሕነት ውድብ ተ.ሓ.ኤ..፣ ዋላኳ “ዓረባዊዶ”፣ “ብዓሳዊዶ”፣ ኣስላማዊዶ” ዝብል  ዝንባሌታት እንተነበረ፣ማእለያ ዘይብሉ ወዲ ከበሳ ግና፣ ዕዙዝ ሃገራዊን ህዝባዊን ራእዪ ሒዙ እዩ ንሜዳ ወፊሩ። እቲ ሰራዊት ውዲ ከበሳ ግና፣ ኣብ ነንሓድሕዱ ጥርኑፍን፣ ነመጻኢ እንታይ ከምዝገብርን ጥርኑፍን ጎራሕን ኣይነበረ፣ ኣብ ስምiት ተመርኲሱ ጥራይ እዩ በቶምድሑር ኣተሓሳስባ ዝነበሮም መራሕቲ ጀብሃ ዝጓሰ ዝነበረ። መሪሕነት ቅያዳ ኣልዓማ ግና በቲ ብዝሒ ደቂ ከበሳ ራዕዲ ኣትዩዎም እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ብፍላይ ደቂ ከበሳ ነቲ ውድብ ምስተሓወሱዎ ግና፣ መስተንክር ዝኾነ ዓወታት ኣብ ልዓሊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክፍጽም ጀሚሩ። መሪሕነት ጀብሃ ድማ ስትራተጂካዊ ዝምድና ምስ ውድብ ፓሌስቲንያ ጀመረ።

ስለዚ ብፍላይ ስለላ መርበብ እስራአልን ሞሳዓድ፣ነዚ ውድብዚ ብስለላን ኮሎላን ክከታተሎ ጀመረ። ንንጉስ ሃይለስላሴን ጀማል ዓብደልናሰርን ብዛዕባ ጉዳይ ፈለግ ኒል ንክልቲኦም ብምልዛብ፣ ቤት ጽሕፈት ቅያዳ ኣልዓማ ድማ ብውዲት መንግስቲ እስራኤል ካብ ካይሮ ንሶርያን ኢራቕን ከምዝግዕዝ ኮነ። ብድሕሪኡ ድማ እቶም ሰለስተ ገጀፍቲ ስለላ መርበብ ጽዮናውያን፣ስለላ መርበብ እንግሊዝን ኤም.ኣይ.6.ን፣ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ሲ.ኣይ.ኤ.ን፤ስለላ መርበብ እስራኤል ሞሳኣድን፣ ከምኡውን ምስቲ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ ኩርኩር ባዕዳውያን ዝኾነ መንግስቲ ሱዳን ተላፊኖም፣ግድነት ውድብ ቴ.ሓ.ኤ. ክምንቆስ ከምዘለዎ መደብ ዕዮ ሓንጸጹ። ነቶም መራሕቶም ካብ መበቆል መሳፍንቲ ትግራይ ዝነበሮም መራሕቲ ወያኔን ሻዕብያን መልሚሎም ከኣ፣ ክልተ ፕሮክሲ ወከልቲ ጽዮንነት ዝኾኑ ውድባት፣ሻዕብያን ወያኔን ኣዕጢቖም ጀብሃ ከም ተኮባ ተጠቋሊላ ንዶብ ሱዳን ከምትጉሓፍ ተገብረ።ኣብቲ ምጉሓፍ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ግና፣ ኣእዳው መሪሕነቲ ተ.ሓ.ኤ.ብስዉር ግንከኣ ሰራዊት ዘይፈልጦ ነይሩዎ እዩ።

እወ፣ ጽዮናውያን ብስውርን ግንከኣ ብተዘዋወሪ ሜላን፣ጀብሃ ካብ ሜዳ ኤርትራ ከምተልግስ ኣረጋገጹ። ብኸምዚ ድማ፣ ነቲ ቅድሚ 200 ዓመታት ኣብ በርሊን ዝተሓንጸጸ፣ ምሽማው ሃገራት ኣፍሪቃ ዝብል ውዕል በርሊን ኮንፈረንስ፣ ኣብ መደምደምታኡ ከብጽሑዎ እንተድኣ ኮይኖም፣ ጅግንነትን ሓቅነትን ሓያላት ህዝብታት ከም ብዓል ህዝቢ ኤርትራ ክድምስሱዎ ግድነት ይኸውን። ስለዚ ነቲ ራእዪ ህዝቢ ኤርትራ ሒዙ ዝነበረ ሰራዊት ተጋድሎ ሓርነት ንምልጋስ ቀዳማይ መደብ ዕዮ ኣውጽኡ። ነዞም ፕሮጀክት ጽዮናውያን ንኸተግብሩ ብመደብ ንሜዳ  ዝወፈሩ ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ወይ ዕሱባት ጽዮናውያን መራሕቲ ሻዕብያን ወያኔን፣ ኣዋፊሮም እምብኣር ነቲ ህላዌ ጀብሃ ኣቕሃሙዎ።

እወ፣ ክርሳዕ ዘይብሉ ግና ሓደ ነገር ኣሎ፣ ወያኔን ሽሳዕብያን ተዛራርዮም ንጀብሃ ክምንቁሱዋ መታን ክኽእሉ፣ ብኣጽዋርን ብስለላዊ መስርሕን ብመንጎኝነት መንግስቲ ሱዳን ተሓጊዞምን ተመዊሎምን ጥራይ እዮም ተዋፊሮም። ብኸምዚ ከኣ እቶም ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ መርሲኔሪ ጽዮናውያን ህግደፍን ወያኔን ንጀብሃ ምስ መንቆሱ፣ ንሜዳ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓትዎ። ሰለይ እንዳበሉ ድማ ብሓገዝ ጽዮናውያን ነቲ ብኮሚንስት ሩስያን ፕሮሲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግን ስዒሮም፣ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን 1991 ዓ.ም.ፈ. ተቖጻጸሩወን።

ብኻልእ ኣገላልጻ፣ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሎሚ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብፍላይ እኳድኣ ኤም.ኣይ.6 ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝ፣ ወኪል (ፕሮክሲ) ጽዮናውያን ክኸውን ከሎ፣ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን ድማ፣ ወከልቲ (ፕሮክሲ) ስለላ መርበብ እንግሊዝን እስራኤልን፣ ኣሜሪካን  ኮይኖም፣ ነቲ ፕሮጀክት ጽዮናውያን ዳርጋ ኣብ መወዳእትኡ ንኸብጽሑዎ፣ብፍላይ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ድፋዕ ገሮም ስትራተጂ ጽዮናውያን የተግብሩ ከምዘለዉ ሎምስ እንዳተጋህደ እኮ መጺኡ። እምብኣር ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘሎና፣ ዋላ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኹን ኩሉ እቲ መደብ ዕዮ፣ ብህግደፍ ኣብ ኤርትራ፣ ብወያኔ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ዝትግበር ዘሎ፣ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን፣ እስራኤልን፣ ኣሜሪካን (መኽንያቱ ሰለስቲኦም ወከልቲ (ፕሮክሲ) ጽዮናውያን ስለዝኾኑ እዮም።) ዘውጽኡሎም ብመደብ ዕዮ ጥራይ እዩ።

ስለዚ፣ ኩሉ እቲ ክሳብ ሎሚ ብዘገምታዊ ጉዕዞ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ባርባራዊ መደብ ዕዮ፣ ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ እዩ በጺሑ ዘሎ። (እስካሌት ገሩ እዩ።) እቲ ሰብ ክፈልጦ ዘለዎ ኣውራ ውዲት ድማ፣ ብቅድመ ግንባርነት እኳ ብሻዕብያን ወያኔን ይካየድ እምበር፣ ዋናታቱን ዘወርቱን፣ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ስለላ መርበባት ጽዮናውያን እዮም። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ውዲት ድማ፣ እዞም ክልተ ውድባት እዚኦም፣ ንህዝቢ መታን ከታልሉ፣ ኣብክንዲ ኣብ ባህልን መንነትን ሃይማኖትን ህዝቢ ምድረባሕርን ኢትዮጵያን ተመርኲሶም፣ ንሰራዊቶም ዝምህሩዎም፣ ትምህርቲ ሰይጣን ማርክሰ ለሊነት ዝብል ጽውጽዋይ፣ በቶም ባንቡላታት ዝኾኑ ብስም ካድረ ዝሰልጠኑ ገሮም ኣእምሮ ሰራዊት ኣዛናቢሎሞ እዮም። ነቶም ብቅዱስ ኦሪታዊ በዅሪ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተኾስኲሶም ዛዓበዩ ደቂ ትግራይን ኤርትራን ድማ፣ ብምጻእተኛ ትምህርቲ ሰይጣን ተለቂሖም፣ ብማይንድ ኮንትሮል ኣዓንጅሎም፣ ሃይማኖተ-ኣልቦን መንነተ-ኣልቦን፣ ባህሊ-ኣልቦን ገሮም ሓዲግ መዲግ ገሮሞም ንዕዘብ ኣሎና። እቲ ቀንዲ ሸቶ ድማ ጽዮናውያን መታን ክርብሑ፣ ብፍላይ ነቲ ህዝቢ ኣግኣዝያን ትግሪኛ ተዛራቢ ዝኾነ ህዝብታት፣ ግዳይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ገሮም ይምንቍሱዎም ኣለው። እቲ ዝሕዝን ጉዳይ ግና፣ እቲ ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ብባህልን ብቋንቋን፣ ብሃይማኖትን፣ ብጅግንነትን፣ መንነትን ሓደ ክነሱ፣ ብፈላሊኻ ግዛ ዝብል እከይ መምርሒ ኣተኣታትዮም፣ ተፋላዩ ከምዝነብር፣ ግንከኣ ብሓቢሩ ከምዝጠፍእ ይገብሩዎ ምህላዎም እዩ። ካብዚ ዝኸፍእ ነውራም ታሪኽ ከኣ የልቦን። ወያኔን ሻዕብያን ሎሚ ብገንዘብ ተታሊሎም መሳርሒ ጽዮናውያን እኳ እንተኾኑ፣ ጽባሕ ብጊሓት ግና ሓደ ጎዱፍ ዝኾነ ታሪኽ ገዲፎም ክሓልፉ እዮም። እቶም ፕሮፈሶራት ኤርትራ እንተኾኑውን ከምኦም እዮም ክኾኑ።

ዝኾነ ኮይኑ ኮሎንያል ገዛኢት ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንኮሎንያል ጣልያን ምስ ስዓረት ንምድረባሕሪ (ኤርትራ) ከኣ ተቛጻጸረታ። ሽዑ-ንሽዑ ከኣ ዲክታቶራዊ ወተሃደራዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ተኸለት። ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ ገና እግራ ኣብ መሬት ኤርትራ ከይረገጸ ከሎ፣ ተጠሊዓ ንህዝቢ ኤርትራ ንኸተሃምል፣ “ኤርትራ ነጻነታ ክትረክብ እያ“፣ እንዳበለት ሃጠው-ቀጠው ዘይእመን ፕሮፖጋንዳዊ ወረ ትነዝሕ ነበረት። ዛጊት ድሕሪ ምስንባት ኮሎንያል ጣልያን ግና፣ ገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራ ሓቂ መሲሉዎ፣ ነቲ ዘይሕከኽ ባህርያዊ ህያብ ነጻነት፣ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ከምዝጓናጸፎ ባህግን ሃረርታን ተስፋን ነበሮ። እንተኾነ ግና “ካብ ዝብኢዶ ዓጽሚ“ ከምዝብሃል። መራሕቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ፣ ከይውዓሉ ከይሓደሩ፣ ቅዪር ኢሎም መልሓሶም ዓጸፉን ለኽበጡን። “ዓባይ ብሪጣንያ ኣይኮነትን ወሳኒት ዕድል ህዝቢ ኤርትራ፣ ጕዳይ ኤርትራ ብኣርባዓተ ሓያላት መንግስታት፣ ኣብ ዋዕላ ሰላም እዩ ዝውዳእ“ ኢሎም ድኣ ህዝቢ ዘይ ተጸበዮ ባህጉን ተስፋኡን ከምዝሃስስ ገበሩ።

እወ፣ ብንቕሓትን ብመጻሓፍቲ ታሪኽ ምግንጻልን ግና፣መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ እንተኾነትውን ጸራጊት መንገዲ ጽዮናውያን እዩ እምበር፣ እቶም ብኾፎም ተጠቀምቲ ስትራተጅን ባህርያዊ ሃብትንሲ፣ እቶም ኣብ ለንደንን፣ ፓሪስን፣ ኒውዮርክን ኣሳፊሖም ብራሾ ማይ ከየቐበሉ፣ሃብቲ ዓለም እንዳወነኑ ዝነብሩ ጽዮናውያን እዮም። ነታ ብባሕሪ ሃብታም፣ በቲ ዋላኻን ሸኻን ሽዕበትን ገድላን ፍርያም መሬታ፣ መኣዛ ዘለዋ ኣየራን፣ ምድረባሕሪ (ኤርትራ)ን፣ ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ ባሕሪ ጻናን፣ ፈለግ ኒልን፣ ተከዘን ንምዝማትን ምውናንን ጽዮናውያን፣ ነቲ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ተባሂጎሞ እዮም ነይሮም። እኳድኣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ብምርምርን መጽናዕትን፣ ማለት ብስለላን ኮለላን ብፕሮጀክት ወጺኡዎ እዩ። ድሕሪ ዝተናውሐ እራባራብ ግና ዋላ ንሶም እንተዘየርከቡሉ፣ ደቂደቆም መታን ከርክቡሉ፣ክሳብ ሎሚ ይርባረቡና ኣለው።

ስለዚ ከኣ እዩ ንኽትበልዕ ዝደሌኻ ኣባጉንባሕስ ዘግራ ትብላ ከምዝብሃል፣ እቲ ወኪል (ፕሮክሲ) ጽዮናውያን ዝኾነ መጕዚት ወተሃደራዊ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ከይ ሓፈረ ኤርትራ ብቝጠባ ነፍሳ ዘይትኽእል ሃገር እያ ክብል ጀመረ። ኣብ እዋን መግዛእቲ ኮሎንያል ጣልያን፣ ብምዕባሌ መዳይ፣ ኤርትራ ንእሽቶ ኢጣልያ፣ ከተማ ኣስመራ ድማ ንእሽቶ ሮማ ተባሂለን እየን ዝጽውዓ ዝነበራ። ድሕሪ ምፍናው ኮሎንያል ጣልያን ካብ ኤርትራ ግና፣ ነዘን ብኮሎንያል ጣልያንን ብርሃጽ ህዝቢ ኤርትራን ዝተተኽላ ትካላት (ኩባንያታ) ወተሃደራዊ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ በብሓደ እንዳመንቆሰ ብምሕራጅ፣ ሽያጥ ፋብሪካታት ኣብ ጀበቡ ጀነራላት ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ።

ኤርትራ ድማ “ርእሳ  ዘይትኽእል ድኻ ሃገር“ ኢሎም ጸውዕዋ።እተን ብወተሃደራዊ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ፣ተመንቅቊሰን ዝንባዕዳውያን ዝተሓረጃ ካምፓኒታት ንምጥቃስ፣

1ይ.) ነቲ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ሸኽ ዓብደልቃድር ዝነበረ፣ ዝዓበየ ፋብሪካ ሰሜንቶ፣ ንምዓልቲ 1000 ቶን (ሓደ ቶን 1000 ኪሎ ግራም ክኸውን ከሎ፣ 1000 ቶን ድማ 100፣0000 (ሚእቲ ሽሕ ኩንታል እዩ) ምህርቲ ዝሕፈስ ዝነበረ ንሃገር ሱዳን ኣግዓዘቶ።

3ይ.) ነቲ ኣብ ምጽዋዕ ዝነበረ ትሮፒካል ሆስፒታል፣ ምስ ምሉእ ትሕዝቶኡ ንጅዳ ስዑዲ ዓረብ ሸጠቶ።

2ይ.) ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ 20 መደበራት ማዕከን ዜናታት ራድዮ ከኣ፣ ብምልኦም ፋሕ – ፋሕ ኣቢላ ንባዕዳውያን ሃገራት ሸጠቶ።

4ይ.) እታ ካብ ምሉእ ዓለም ዝበለጸት ተንሰፋፊት መዓሸግ መራኽብ (Dock) ኣብ ወደብ ባጽዕ ዝነበረት ድማ፣ ካብ ወደብ ምጽዋዕ መንቊሳ ንፓኪስታን ሸጠታ።

5ይ.) ነተን ኣዝየን ዝዓበያ ክልተ ዕርፍታት ከኣ፣ ንግብጽን ማልታን ሸይጣተን።

6ይ.) ካብ ኣስመራ ምስ ከተማ ጎንደር ንምርኻብ ተባሂሎም፣ ተኸዚኖም ዝነበሩ ንባቡር ምድሪ መቀያየሪ ዝኾኑ ማእለያ ዘይብሎም ሓጸዊንን ሞቶራትን፣ ከምኡውን  300 ዝኾና ባጎኒታትን፣ ድማ ንሃገር ሩስያ ሸጠተን ። መወከሲ፣ Groß ist Africka: Europas dunkle Schwester A.E. Johan:

እወ፣ እቶም ጀነራላት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ርእሲ እቲ ጽዮናውያን ዝኸፍሉዎም ደሞዝን እስትሕጋግግን፣ ነቲ ንብረት ህዝቢ ኤትራ ሓሪጆም ሃብቲ ደሊቦም ንሎንዶኖም ትዓዚሮም። ሽዑ እዩ እምብኣር፣ ” ኣያ እንግሊዝ ኣንታ ነዃል ሰልዱ፣ (ሰልዲ እንግሊዝ ነዃል እዩ ነይሩ) ካብ ድኻን ካብ ሃብታምን ዝበልዕ ኣዋሊዱ፣ ዓድናባ ጓሕጒሕዋ ከደ ንሎንድራ ዓዱ” ተባጅሂሉ ዝተደፈ።

ኣስተብህል፣
ሎሚውን ጭፍራ ህግደፍ፣ ንብረት ጽዮናውያን ስለዝኾኑ፣ ንዋሕስነት ህይወቶም ጥራይ ክብሉ፣ ሃብቲ  ህዝቢ ኤርትራ እዮም ዝዘምቱ ዘለው። ብመራሕቲ ወያኔ እንተኾነውን፣ እቲ ብወገኖም ዝኸይድ ዘሎ ምስርሕ መልክዑ፣ ካብ እንዳ ህግደፍ ይፍለ ድኣምበር ሓደ እዩ። ስለዚ እቲ ንትግራዎትን ንኤርትራውያንን (ንደቂ ኣግኣዝያ) ከነተሓሳስቦ እንብህግ ጉዳይ እንተድኣ ሃልዩ፣ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተተንተነ ታሪኻዊን ፖለቲካዊ ትንተና፣ ብዕምቆት ኣድሂብና፣ ኣብ ልዕሌና እንታይ ይጽበየና ከምዘሎ ንኽንርዳእ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ ንብል። ንሕና (ኣግኣዝያን) ኢድን ጓንትን ኮና ንስርዓት ደርጊ መንቂስናዮ ከነብቅዕ፣ ቅንይ ከይበልና ዶባዊ ኲናት ባዱመ ወሊዕና፣ ካብ 200000 ዘይውሕድ ትንፋስ ንጹሃት ደቂ ኣግኣዝያን ኣህሊቕና። እንታይ ኢና ከሲብና? ሎሚ ድማ ተፋላሊና ንጥፍኣት ንጕዓዝ ኣሎና። ህዝቢ ኣግኣዝያን ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ጀሚሩ ሓላው ወሰን ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። መሳፍንቲ ኣምሓራ ይኹኑ ህዝቢ ኦሮሞ፣ ወይድማ ብዓባያ ኢትዮጵያ ሳላ ሓለውቲ ወሰን ደቂ ኣግኣዝያን እያ፣ ካብ ኣስላማዊ ሓይሊ ተዓቂባ ጸኒሓ። ኣንጻር ወራር መሓመድ ግራኝ፣ ኣንጻር ወራር ቱርኪ፣ ኣንጻር ወራር ግብጺ፣ ኣንጻር ወራር ጣልያን ድማ ከምዘይ ሓልፍ ተዋዲቕናስ ስዒርናውን ኢና። ትማሊ ድማ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ንመግዛእቲ ደርጊ ደምሲስና ትዓዊትና ኢና። ሎሚ ግና ሻዕብያን ወያኔን እንዳበልና፣ ተፋላሊና ንጕዓዝ ኣሎና። ንዓና ረብሓ ከምዘይኮነ ግና ክርዳእ ኣሎና። ከምዚ ኢልና ምጉዓዝና ግና ንዓና ንጥፍኣትና፣ ግንከኣ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ጽዮናውያንን ጥራይ እዩ ክኸውን። ስለዚ ልቢ ገርና ብሓባር ተሳኒና ነዚ ዝሕሰብልና ዘሎ ጥፍኣት፣ ከምኣመልና ብስኒት ክንምክቶ፣ ካብ ሎሚ ጀሚርና ኢህን ምሂን እንተዘይኢልና፣ ጽባሕ ብጊሓት ምስሓቕ ሸራፋት ክንከውን ኢና።  ከም ህዝቢ ክንህሉ እውን ኣዝዩ ዘጠራጥር እዩ። እንተዘይተመራሚርናን፣ ንሕሉፍ ታሪኽ ድማ እንተዘገምጊምናን፣ ታሪኽ ክንገብር ዓይንበቅዕን ኢና። እወ፣ ደንቊርና ተወሊድና፣ ምስተምሃርና ግና ፈሊጥና። ነቲ ዝፈለጥናዮ ግና ብግቡእ ብመጽናዕትን ምርምርን ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ይግባኣና። ማለት ካብ ምዕራባውያን ቁሩብ ልቦናን ጉርሕን ክንልቃሕ ኣሎና፣ንለብም ኣይንዕሹ!!!

ዓወት ንህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ውድቀት ንጸላእቲ ህዝቢ ኣግኣዝያ!!

ስለዚ ከምዚ ኣብ ብዓል መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔትን፣ ተጎርባን፣ ኣሰናን ወግሐ ጸብሐ ብዝዕባ ኢሰያስ ጥራይ ላልማዮ ላለ! ምባል፣ ከምቲ “ንኣድጊ ፈሪሖምሲ ንጽዕነቱ ይሃርሙ” ዝብሃል ምስላ ጥራይ እዩ ዝኸውን። ጎይቶት ኢሰያስ ከይፈለጥካ ፣ነቲ ንብረቶም ዝኾነ ልኡኽ መላኺ ከም ብዓል ዓቢ ሓይሊ ስልጣን ወይ ከም መለኮታዊ ኣካል ገርካ ምርዳእ፣ ከንቱ እዩ። ኣብ ክንዲ  መንዮም ንኢሰያስ ቾፕላ ኢሎም ኣዋፊሮምልና? ኢልካ ምምርማርን ጸላእትኻ ምፍላጥን፣ ሃለውልው ምባል ረብሓ የብሉን። ካብ ምዓስከ እዮም ጽዮናውያን ተታሓሒዞምና? ቃልሲ ኤርትራ ቃልሲና ድዩ ነይሩ ወይስ ቃልሲ ጽዮናውያ? ብወገን ደቂ ትግራይ ኣሕዋትናኸ ብሓቂ ብዘይ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን፣ ንበይኖም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከድሕንዎ ድዮም? ዝብሉ ቴማታት ኣልዒልና እንተንመራመር፣ ጸላእትናን ፈተውትናን ክንፈልጥ ግድነ ክንክእል ኢና ። ጸላእትና ብሓቂ ምስ ፈለጥና ድማ ክንዕወት ግድነት ኢዩ።

ንመራመር ንፍለጥ፣ ሽዑ ጥራይ ኢና ንነብስና ህዝብናን ከነድሕን እንኽእል።

ይቕጽል

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀብት
18.03.2017 ዓ.ም.ፈ.