ታ ሪ ኽ መንኮርኮር ግዜን መስርሕ ምዕባሌን እዩ ። ትማል ዝነበረ ታሪኽ ኣብ ሎሚ የብጽሕ፣ ሎሚ ዝነበረ ታሪኽ ድማ ኣብ ጽባሕ የብጽሕ።

ብ27.01.1887 ኣብ ዶጓሊ ብጀጋኑ ደቂ ምድረ-ባሕሪ ተሳዒሩ ከብቅዕ፣ ስለምንታይ ኮሎንያል ጣልያን 1889 ዓ.ም.ፈ. ድሕሪ 2 ዓመት ድሕሪ ስዕረት ደጓሊ ማለትዩ፣ ብጀነራል Baldassarre Orero ዝምራሕ ሰራዊት ጥይት ቶግ ከየበለ ነስመራ ኣትዩ ? እቲ ውዲከ መንዮም ከም ምሃንድሳት ኮይኖም ንኸተግብሩዎ ለይትን መዓልትን ብስለላን ኮለላን ዝጽዕሩ ዝነበሩ? ኣየናይ ስለላ መርበብ እዩኸ ብድሕሪ መጋረጃ እዚ ውዲትዚ ኮይኑ ጽዑቕ ስለላን ኮለላን ዘካይድ ዝነበረ?

ኣብቲ እዋንቲ ብመሳፍንቲ ትግራይ ብፍላይ ብንጉስ የውሃንስ 4ይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድረባሕሪ እንታይ ውዲታዊ ፍጻሜታት ተፈጺሞም ነይሮም ?

ኮሎንያል ጣልያን ካብ ባጽዕ ነስመራ ክኣቱ እንዳተቓራረበ ከሎኽ፣ ስለምንታይ ሰራውዊት ኣስላማዊ ሓይሊ ማህዲ ካብ ሱዳን ተበጊሱ፣ ኣብ ክፍለ ሃገር ቤገምድር ዝርከብ መተማ ዝብሃል ቦታ ክወርር ክኢሉ?

ሀ. ጅግና ራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሙን ብዓል ሃዘጋ ሓማሴን፣ ብውዲት ንጉስ የውሃንስ ተሓይሩ።

ለ. ካብ ከባቢ ለጎጭዋን ሰራየን ጅግና ድግያት ጎፋር ሰብኣይ ጓሎም ንራሲ ወልደሚካኤል ሓምኡ ራእሲ ወልደሚካአል ሰለሙን፣ ብውዲት ብንጉስ የውሃንስ ምስተሓየረ ተቖጢዑ ንሓባብ ክጋደል ወፈሩ።

ሐ. ጅግና ደግያት ባህታ ሓጎስ ብዓል ሓላይ ሰገነይቲ ድማ፣ ብሰንኪ ንጉስ የውሃንስ፣ ሰገነይቲ ብደግያት እምባየ ዘመድ ንጉስ የውሃንስ ምስተወረት፣ ካብ ሰገነይቲ ብዓላ ኣቢሉ ንሓባብ ክጋደል ወፈረ።

መ. ጅግና ደግያት ሓድገምበስ ወዲ ግልወት፣ ብዓል ዓዲተከሌዛን ድንበዛን ሓማሴን ድማ፣ ነቲ ንኣዋጅ መስፍናዊ ሸቃ ኣሉላ ፈንፊኑ፣ ብዓልቲ ቤቱን ደቂ ዓዱን ኣኽቲቱ ንምድረ ሓባብ ክቃለስ ወፈረ። ደግያት ሓድገምበስ ካብቶ ጀጋኑ ደቂ ምድረ ባሕሪ ሓደዩ ነይሩ። ሓድገምበስ ወድኻ “ጕልወተ ዘማት ዓድዋ ዘማት ዓደርባዕ ጽባሕ ዝመውት ሎሚ ዘይሞተ ተባሂሉ ማሰ ዝተባህለሉ ጅግን aዩ ነይሩ። ምስቶም ጀጋኑ ከም ብዓል ደግያት ሓጎስን ወዲ ሰገነይቲ፣ ከም ባaል ጅግና ጎፋር ወዲ ካፈል ጎይታ ሓበላን ዴዳን ቅሓይንን ድማ ኣብ ሓባብ መሬት ሳሕል ተራኸበ።

ኣስተብህል። ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ከበሳ ምድረባሕሪ (ሎሚ ከበሳ ኤርትራ) ብሰንኪ መሳፍንቲ ትግራይ ብፍላይ እኳድኣ፣ ብሰንኪ ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ ጀጋኑ ስኢና፣ ብሓደ ሸቃ ኣሉላ ዝብሃል ተንቤናይ፣ ጸኒሑ ግና ብጅግንነት ዘይኮነስ ምሒሉን ጥሒሉን ብተንኮል ንራእሲ ወልደሚካኤል ኣብ ኢድ ጨካን ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ ስለዘረከቦ ይኣይ “ራእሲ” ኣሉላ ተባሂሉ ንምድረ ባሕሪ ዝገዝኣሉ ዝነበረ እዋን ኮይኑ፣ ብኻልእ መዳይ ግና፣ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ጀጋኑ ካብ ዓዶም ስለዝርሓቑ ነቲ ጀጃዊ ኮሎንያል ጣልያን ዝምክቶ ጅግና ወዲ ከበሳ ስለዘየለ፣ ነስመራ ብዘይ ኲናት መታን ንኽኣቱ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ዝነበረ እዋን እዩ ነይሩ። ብሳላ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን መሳፍንቲ ትግራይን ከኣ ኮሎንያል ጣልያን ደፊሩ ነስመራ ተቖጻጸራ። ዓዲ ጀጋኑ ከኣ ምዓኮር ህበይ ዝመስል ዝሕብሩ ባዓዳዊ ሓይሊ ብውዲት ክገዝኣ ከኣለ።

እዚ ኩሉ ክፍጸም ከሎ ግና ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብፍላይ ምስ ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይን፣ ከምኡውን ምስ ዳግማዊ መነሊክ ንጉስ ሽዋን ጽኑዕ ውዲታዊ ስለላን ኮለላን ተካይድ ነበረት። እዚ ውዲት እዚ ድማ ንኽጥቀመሎም እምበር ከም ነጋውስ ኮይኖም ንሃገር ከምሓድሩ ግና እእይኮነን። ስለዚ ኮሎንያል ጣልያን ብውዲት እዩ ነስመራ ኣትዩምበር፣ ብድሎ ከይትዕሎ ምስ ጀጋኑ ደቀባት ምድረባሕሪ ተዋጊኡ ኣይኮነን።

መ. ድሕሪ እቲ ደቂ ምድረባሕሪ ብፍላይ 75% ሰራዊት ራእሲ ወልደሚካኣል ዝነበሩ፣ ግንከኣ ራእሲ ወልደሚካአል ብንጉስ ትግራይ ስለዝተሓየረ፣ ብራእሲ ኣሉላ ተመሪሖም ንወራር ጣልያን ኣብ ደጓሊ፣ “ወዲ ማይ ጓይላ” ! ኢሎም እናፈከሩ፣ ን500 ዝኸውን ሰራዊት ጣልያን መኪቶም ስዒሮሞ እዮም። ይኹን እምበር ራእሲ ኣሉላ ብሳላ ደቂ ምድረባሕሪ እኳ ከም ጅግና ኣባነጋ ተባሂሉ እንተተስምየ፣እቲ ሓቂ ግና ካልእ እዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኮሎንያል ጣልያን ዓወት ፈጺሙ ከብቅዕ ግና፣ ንጉስ ትግራይ የውሃንስ ብውዲታዊ ምኽሪ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሃንደበት ንራሲ ኣሉላ ኣደስኪሉዎ እዩ። ስለምንታ?

ብ1869 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ከባቢ ደንከል፣ ሓደ ጁዘፐ ሳፔቶ ዝተባህለ ብቫቲካንን ብፍረማሶንን ዝተላእከ ሰላዪ ፈላሲ፣ ሓንቲ ንእሽቶ መሬት ካብ ሱልጣን ኣፋር ወዲ ደንከል ዓዲጉ፣ ነታ ብቀይሕ ባሕሪን፣ ህንዳዊ ውቅያኖስን ዕንክሊል እናበለት ትስሊ ዝነበረት ሩቢነቶ እትብሃል መራኽብ ዝነበራ ትካል (Rubattino Shippoing Company) ሸጠላ። ካብኡ ንሳ ድማ ነቲ መሬት ንመንግስቲ ጣልያን ሸይጠትሉ። ብድሕሪዚ ሰራዊት ኮሎንያል ጣልያን ብዘገምታዊ ጉዕዞ ደፋእ እናበለ ኣጽዋርን ወተሃደራትን ኣብቲ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ደንከል  ኣጽዋር ክጓርት ጀመረ።

ኣስትብህል፤ መሳፍንቲ ትግራይ ንህዝቢ ምድረባሕሪ ከይተሃላለኹዎ ኢዶምን እግሮምን እንተዝእክቡ ነይሮም፣ ኩሎም ጀጋኑ ምድረባሕሪ ድማ (ራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሞን፣ ድግያት ባህታ ሓጎስ ደግያት ሕድገምበስ ወዲግልወት፣ ደግያት ጎፋር ወዲ ካፈል) ፋሕ ብትን እንተዘይብሉ ነይሮም፣ ጣልያን ምዓንጣ ገሩ ንምድረባሕሪ ኣይምተቆጻጸራን ነይሩ። ዓሻሹ መሳፍንቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ግና፣ ኮሎንያል ጣልያንን እቲ ተዅላ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያን፣ ነስመራ ገዚኦም ትም ዝብሉ እዩ መሲሉዎም ነይሩ። ሃገራውነት ሰለዘይዓጅቦም ግና፣ ኣብ ልዕሊ ጅግና ህዝቢ ምድረባሕሪ ዘይርሳዕ ሕማቕ ታሪኽ ፈጺሞም እዮም።

ሎሚ ድማ ልክዕ እቲ ታሪኽ ይድገም ከምዘሎ ከነስተብህል ኣሎና። ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን፣(ውሓት) ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን (ህ.ግ.ሓ.ኤ) ብመን ተማሂዙ? እዞም ቀደም ብስም ህውሓት፣ ሎሚ ከኣ ብስም መንግስቲ ኢህ.ኣ.ደ.ግን፣ ቀደም ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፣ ሎሚ ድማ ብስም ግዝያዊ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ.፣ ስለምንታይ ተላፊኖም ንጀብሃ ደምሲሶማ? ንመን ረብሓከ እዩ? ስለምንታይከ ሎሚ ትግራዎት ኣብ ኤርትራ ትግራዎት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ይገዝኡ ኣለው?

Link text Link text

እዚ ኩሉ ዝስራሕ ዘሎ ውዲታዊ ስርሓት ምዕራባውያን እምብኣር፣ ብፍላይ እኳድኣ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን እስራአልን፣ ስለምንታይ እዮም ብፍላይ ካብ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ጀሚሮም ነቲ ጉዳይ ዝጓየይሉ ዘለው?

እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኣብ ሶማል ዝፍጸም ዘሎ ፍጻሜታት፣ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ መቐጸልታን ዓላማ ውዕል ጽዮናውያን በርሊን ንምሽማው ሃገራት ኣፍሪቃ ንምትግባር እዩ። እቲ ካብ1881 ክሳብ 1914 ዓ.ም.ፈ. ዝተገብረ ንሃገራት ኣፍሪቃ ብዓመጽ ንምግባትን ንምምሳሕን ዝብል ውዕል በርሊን ጸሊም ታሪኽ እዩ ነይሩ።

እቲ ዘገርምን ብዙሕ ሰብ ዘየስተብህለሉን ዘሎ ረቂቕ ውዲት ግና፣ ታሪኽ ይድገም ከምዘሎ ጥራይ እዩ። እዚ ረቂቕን ግንከኣ ንኣስታ 149 ዓመታት ዝወሰደ (ካብ ስዕረት ንጉስ ቴድሮስ ብኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ 1868ዓ.ም.ፈ.) መስርሕንሲ ይስቆረና ደኾን ይኸውን።

ኣብቲ ጽዮናውያን ኣብ በርሊን ዝተፈራረምሉ ግዜ እዩ ከኣ ኢትዮጵያ ንኮሎንያል ጣልያን ዝተዓደለት። እቲ ካብ ኣዝዩ ላግጽን ንዕቀትን ጽዮናውያን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ድማ፣ ኣብቲ ኣኸባ በርሊን ዋላ ሓደ ኣፍሪቃዊ ኣይተረኽበን። ኣይተዓደመን ከኣ እምበር። ኩሎም ኤውሮጳውያን ጥራይ እዮም መሬት እንዳማቶም ንምዝማት ተረኺቦምን ተፈራሪሞምን።

ኣብዚ ተወከስሱ፣The “Scramble for Africa” was the invasion, occupation, division, colonization and annexation of African territory by European powers during the period of New Imperialism, between 1881 and 1914.

https://en.wikipedia.org/wiki/Berlin_Conference

መወከሲ መጽሓፍቲ።

ንግስነት ሃገረ ምድረባሕሪ ገጽ 177ክሳብ 278

ቀዳሞት ጀጋኑ ኤርትራን ባህልናን   ገጽ 21

ሩፊሎ ፐርኒ ትርጉም መረብ ምላሻ ገጽ 196

ኣብ ዝቕጽል ብዛዕባ ታሪኻዊ መስርሕ ጽይፕናውዛን፣ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይቢ አርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ይመደቡዎ መደብ ዕዞን ክበጽሑዎ ይደልዩ ሸቶን  ምስ መርትዕኡ ብሰፊሑ ንተኻታተልቲ  መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ክዝርጋሕ እዙ።

መርበብ ሓበሬታ ደቀባት-ኣግኣዝያን 10.03.2017 ዓ.ም.ፈ.