• ካብ ደናቕር ተወሊዶም ደናቑር ዝዓበዩ፣ ደናቑር ምኻኖም ከይተረድኡ ድማ ብድንቁርንኦም ዝመቱ ኣድሕነና ፈጣሪ!!

    ሓደ ተመራማሪ ስነ-ልቦና፣መጽናዕቲ ከካይድ ደልዩ፣ብዕድሚኣ ንእሽቶ ዝኾነት ህበይ ኣብ ገዝኡ ኣምጺኡ ልክዕ ከም ኣባላት ስድራ ቤት ጌይሩ ኣዕብይዋ።
    ደቁ ዝበልዕዎ ትበልዕ፣ ከም ድውቁ ኣብ ዓራታ ትድቅስ፣ከም ደቁ ነብሳ ትሕጸብ፣ንክናፈሱ ክወጹ ኸለዉ ምሶኦም ይማልእዋ፣ኮታ ከም እንስሳ ዘይኮነስ ከም ደቁ ጌይሩ ኣዕብይዋ።
    ኣብ መወዳእታ እታ ህበይ ምስጎበዘት፣ውጽኢት ምርምሩ ክፈልጥ ደልዩ፣ኣሳእል እንስሳታት ዘቤት፣ ፣ኣሳእል እንስሳታት ዘገዳም፣ሰእሊ ናታን ኣሳእል ናይቶም ዘዕበይዋ ስድራ ቤት ብሙሉኡ ኣብ ጠረጴዛ ዘርጊሑ፣ንብ ክልተ ጉጅለ ክትፈልዮም ኣዚዝዋ።
    ሽዑ፣ነቶም ኣሳእል እንስሳታት ዘቤትን ዘገዳምን ብሓባር ብሓደ ሸነኽ ፣ ኣሳእል እቶም ዘዕበይዋ ስድራቤት ካኣ ብኻልእ ሸነኽ ፈልያ ኣቀሚጣቶ።ኣብ መውዳእታ፣ነቲ ስእላ ክንዲ ምስቶም ኣሳእል እንስሳታት ትምድቦ፣ምስቶም ኣሳእል ስድራቤት መዲባቶ።ካብ ምሒር ብሓደ ምንባር ዝተበገሰ ፣ሰብ ዝኾነት መሲልዋ፤ተቀይራ።
    ናይዚ ውጽኢት ኣገዳሲ፣ኣይኮነን ደቂ ኣዳም፣እንስሳታት እውን ካይተረፉ ብኸባቢኦም ከምዝጽለውን ከምዝቅየሩንን ክንርዳእ ክኢልና።
    እዞም ናይ ደገ በዓል “ንሕና ንሱ” እዚ ኹሉ ዕድሚኦም ሙሉእ ኣብ ቀዳማይ ዓለም እንዳነበሩ፣ቁሩብ እዃ ክቅየሩ ዘይምኽኣሎም ክንድምንታይ ሓንጎሎም ትሕቲ ህበይ ምኳኑ የመልክት ።
    እዚ ኹሉ ኣብ ቀዳማይ ዓለም እንዳተቀመጡ ፣ክማሃሩ ኣይካኣሉን፣ክምዕብሉ ኣይካኣሉን።
    ብሓፈሻ፣መንእሰያት ቀዳማይ ዓለም ፣ናጻ ኮይኖም ስለዝዓብዩ፣ኣይኮነን ኣብ ፖለቲካ ፣ኣብቲ ዘይድፈር ሃይማኖት ካይተረፈ ኣትዮም ፣”ንምንታይ” ኢሎም ዝሓቱ ንቁሓት፣ ኣግፊሖም ዝጥምቱን ተመራመርቲ እዮም።እዞም መንእሰያት ህግደፍ ግን፣በቶም ኣካዳሚያውን ሓፈሻዊ ፍልጠት ዘይብሎም ስድሮኦም ተቀሪጾም ስለዝዓብዩ፣ከም እንስሳ ብኻድራት ኢሰያስ ዝጓሰዩ፣ዝጥወዩ፣ሰብኣዊ ሕልና ዘይብሎም ስንኩላን ሓንጎል ኮይኖም ተሪፎም።ጾር ኮይኖም ተሪፎም።
    ኣብዚ እዋን እዚ፣ክንዶኦም ዝኣኽሉ መንእሰያት እዮም፣መሰል ደቂ ኣንስትዮ፣ምእንቲ ኸባብያዊ ኣየር ወዘተ ፣ዝቃለሱን ድምጾም ዘስምዑን ዘለዉ።
    እዞም መንእሰያት ህግደፍ (YPFDJ) እንተድኣ  ለባማት ኮይኖም፣ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም፣ ሓፈሻዊ ፍልጠቶም፣ ሰብኣዊ ሕልኖኦምን ኣእምሮኦምን፣ ካብ ስድሮኦም ዝሓሹ እንተኾይኖም፣ ብውሕዱ እዘን ዝስዕባ ሕቶታት ንቤተሰቦም ክውከስዎም ኣለዎም።

    ~ንምንታይ እስኻትኩም (ስድራና) ኣብዚ ሃገር  ተሰዲድኩም?
    ~ንምንታይ ሓደ ፕረሲደንት 28 ዓመት ካይተቀየረ ዝነብር?
    ~ንምንታይ ኣብ መንግስቲ ህግደፍ ምክትል ፕረሲደን ዘየለ?
    ~ንምንታይ ኣብ ኤርትራ ኣባላት ፓርላማ ክእከቡ ዘይንርኢ?
    ~ንምንታይ ፣ዜጋታት ብዘይፍርዲ ይእሰሩ?
    ~ንምንታይ ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት ወይ ሓራ ይኾነ መራኸቢ ብዙሓን ዘየለ?
    ~ንምንታይ ኣብ ሳዋ፣ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመን ሊሊ ዕድመን ደቂ ኣንስትዮ፣ ሓለፍትን ኣዘዝትን፣ መራሕትን ባእታታት ጾታዊ ዓመጽ ይፍጸመን ኣሎ?

    Bild könnte enthalten: 6 Personen, Personen, die stehen
    Bild könnte enthalten: 6 Personen, Hochzeit und im Freien

    ካብ ደናቕር ተወሊዶም ደናቑር ዝዓበዩ፣ ደናቑር ምኻኖም ከይተረድኡ ድማ ብድንቁርንኦም ዝመቱ ኣድሕነና ፈጣሪ!!

    ~ንምንታይ ኣብ ኤርትራ፣ ሓራ ዝኾና ጋዜጣታት ዘየለዋ?~
    ንምንታይ መሳቱና መንእሰያት፣ ትምህርቶም ካይወድኡ ኣብ ሳዋ ክኸዱ ዝግደዱ?

    ~ንምንታይ ውድባትን ተጣበቅቲ መሰል ደቂ ሰባትን ኣብ ኤርትራ ንኽዋስኣ ዘይፍቀድ?
    ~ንምንታይ ኣብ ትግራይ ንዘመናት ዩኒቨርሲት ዘይነበረ ክነሱ፣ ብወያነ ብዙሓት ዩንቨርስቲታት ክህንጻ ከለዋ፣
    ኣብ አርትራግና፣ እታ ካብ ጥንቲ ይነበረት ዩኒቨርሲት ተዓጽያ፣ ካልእ ዩኒቨርሲቲ ክህነጽ ዘተደለየ ? [/button]

    ምእንቲ ኤርትራውያንን፣ ምእንቲ ሃገርኩምን ጥራይ ዘይኮነስ፣
    ~ምእንቲ ሰብኣውነት፤
    ~ምእንቲ ሓቂ፣
    ~ምእንቲ ውጹዓት፣
    ዘረባ ድሑራት ስድራኹም ካሰምዓኹም፣ ነቲ ሓቂ ብዕልኹም ተረዲእኹም ምስቶም ደለይቲ ለውጢ ኣሕዋትኩም ተራኺብኩም ተቃለሱ።
    ሕልና ግበሩ!
                                                        መቓብር ህግደፍ

Bild könnte enthalten: eine oder mehrere Personen, im Freien und Essen