እወ፣ እቶም ናይ ብሓቂ ዋርሳይ ሓርበኛታት ደቂ ኤረይ፣ “ንሓደ ህዝቢ ውሑድ ግዜ ክታለል ይኽእል እዩ፣ ብዙሕ ግዜውን ክታለል ይኽእል እዩ፣ ብህግደፍ ንዘልኣለም ክታለል ግና ኣይክእልን እዩ፣ ሎምስ ይኣክል“። ኢሎም ትማሊ ኣብ ሮማ ንኮራዅር ኩባንያ ህግደፍ መኪቶሞም።

እቲ ኣማኻሪ እከይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ የማነ ገብረኣብ ወይ ”ማንኪ”! ተባሂሉ ዝጽዋዕ፣ ግንከኣ ግርማን ካሪዝማን ኣማኻርን መራሕን ዘይተዓደሎ፣ ብርግጽ ከኣ ነቶም ኣህባይ ምዓልዲ ዝመል፣ ክናናን ምናናን ፍጥረት፣ ትማሊ ኣብቲ ኩባንያ ህግደፍ ”ፈስቲቫል ሮማ” ኢሉ ዝግዕረሉ ዝቘነየ ምትእኽኻብ እቶም ዓጀብትን ጨፈርትን፣ ዓዲ ጣልያን ዝነብሩ፣ ዛህር ጠፋ ኮራዅር እቲ ገና ዝስሓግ ዘሎ ኩባንያ ህግደ

 

እወ፣ እቶም ኢሰያስ ብዋርሳይ እከኣሎ ኢሉ ዝዋጥየሎምን ዝላገጸሎምን ዘይኮኑስ፣ እቶ ብሓቂ ዋርሳይ ሓርበኛታት ደቂ ኤረይ፣ “ንሓደ ህዝቢ ውሑድ ግዜ ክታለል ይኽእል እዩ፣ ብዙሕ ግዜውን ክታለል ይኽእል እዩ፣ ብህግደፍ ንዘልኣለም ክታለል ግና ኣይክእልን እዩ፣ ሎምስ ይኣክል“። ኢሎም እንዳጨርሑ፣ ንየማነ ማንክን ነቲ ዝሰንዮ ዝነበረ ለምጻም ”ኢንባሲ ሓዳስ ኤርትራን” ፍስሓጽዮንን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምግባር ረጋጊጾሞም፣ ከቢድ ሓደጋ ድማ ኣውሪዶምሎም። አረ ከምዝውረስ ሞይቶም ኢሎም እዮም ገዲፎሞም። ተዓወቱ! ንየማነ ማንኪ ምንጋግኡን ሓምሓም ርእሱን ካብ ጨደድኩሞ፣ ነቲ ለምጻም ፍስሓጽዮን ኢንባሲ ድንማ ኢዱ ካብ እቝረኹሞ፣ ክልቲኦም ድማ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ሮማ ተዓቚቦም  ካብ ሃለው፣ ካብዚ ዝዕቢ ዓወት ድኣ እንታይ ኣሎ? ተዓወቱ፣ ነዊሕ ዕድመ ከኣ ይሃብኩም ?

እወ፣ ታስክ ፎርስ ኤርትራውያን መድረኹ ኣኺሉ እዩሞ፣ ዛጊት ቅድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ሆላንድ፣ ሎሚ ድማ ኣብ ከተማ ሮም ሃገር ጣልያን ወፍሩ ጀሚሩ እንሆ። ጽባሕ ከኣ ኣብ ከተማ ስያተል ኣሜሪካ ክልሕም እዩ። ተዕወቱ ደቂ ኤረይ!፣ ከምዚ ዓይነት መኸተ፣ ኣብ ልዕሊ ኮራኹር ኢሰያስ እዋኑዩሞ ቀጽሉዎ። ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ! እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎኹም ደቂ ኤረይ ድማ፣ በዚ ኣብ ከተማ ሮማ ዝተፈጸመ ቅያ ተማሂርኩም፣ ሃየ ከም ኣመልኩም ተበገሱ!! ከይመከትካ ዓወት ሓርነትን የለን!!

እወ፣ እቶም ብሓቂ ዋርሳይ ሓርበኛታት ደቂ ኤረይ፣ “ንሓደ ህዝቢ ውሑድ ግዜ ክታለል ይኽእል እዩ፣ ብዙሕ ግዜውን ክታለል ይኽእል እዩ፣ ብህግደፍ ንዘልኣለም ክታለል ግና ኣይክእልን እዩ፣ ሎምስ ይኣክል“። ኢሎም ትማሊ ኣብ ከተማ ሮማ ሃገር ጣልያን ከምት ኣብሓጕእም ጅግና ዘርኣይ ደረስ ዝፈጸሞ ቅያ ፈጺሞም።

ሰላምን ራህዋን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም.ፈ.