ፍሉይ ሕታም

ታሪኻዊን፣ ፖለቲካዊን፣ መጎታውን ትንተና ብዛዕባ ሕቡእ ኣጀንዳ ኤርትራ!

ፍልልይ ኮሎንያል ጣልያንን ህ.ግ.ሓ. ኤ.ን እንታይ እዩ ? ብ1884 ዓ.ም.ፈ. ዝነበረ ካብ ኣፍሪቃውያን ተኸዊሉ ዝተገብረ በርሊን ኮንፈረንስ እንታይ ነይሩ ዓላማኡ? ኣራባራብ መንግስቲ ኣሜሪካኸ ነቲ ኣብ በርሊን ኮንፈረንስ ዝተገብረ ውዕል ንምትግባር ድዩ ወይስ ሓዲሽ ዓለማዊ ሥርዓት ብዋጋ ህዝቢ ሓበሻ ንምትካል እዩ? ካብ ብዙሕ ምጒያይ ክሳድ መሓዝ! ሰንሰለታዊ መስርሕ ታርኽ ኤርትራን፣ ጸላእቲ ህዝቢ ኤ®ጥ®እ •Åaልመን ምኻኖም ከይፈለጥካን ከይተረድእእካን፣ ዕንክሊል ምባል እንተዘይኮይኑ፣ መሰረታዊ ፍታሕ ኤርትራ ክፍለጥን ክርከብን ኣይከኣልን እይ። ጸላእቲ ኤ®ጥ®እ እዞም ዓፋፋት ህግደፍን ፈዛዝ ኢሰያስን ኣይኮኑ!!!!

The Berlin Conference of 1884, which regulated European colonisation and trade in Africa, is usually referred to as the ultimate point of the Scramble for Africa. The Scramble for Africa was the occupation, division, and colonization of African territory by European powers during the period of the New Imperialism, between 1881 and 1914. In 1870, only 10 percent of Africa was under formal European control; by 1914 it had increased to almost 90 percent of the continent, with only Ethiopia(Abyssinia) and Liberia remaining independent.

እቲ ብ1884 ዓ.ም.ፈ. ማሕወስ ካብ ኣፍሪቃውያን ዘይነበሮ፣ ብኤሮጳውያን ጥራይ ኣብ ከተማ በርሊን ዝተኻየደ  ኣኼባ ፣ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ምሽማውን፣ ምምሳሕን፣ ብዋጋን ጻማን ኣፍሪቃውያን ንምክያድ እዩ ዝነበረ። ምሽማው ሃገራት ኣፍሪቃ ብኤውሮጳውያን ርእሰማላውያን፣ ንሃገራት ኣፍሪቃን ብሓይልኻ ወሪርካ ንዓይ ንዕይ እንዳበልካ ንምምሳሕ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ቀንዲ ዓላማኡ ድማ ብስም ኮሎንያሊዝም ንንመላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምምሳሕን፣ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ከም ባርያ ገርካ ምግዝእን እዩ ዝነበረ። እዚ ድማ ካብ 1881  ጀሚሩ ክሳብ 1914 ዓ.ም.ፈ. ዝነበረ እዋን እዩ ነይሩ። እወ፣ ክሳብ 1870 ዓ.ም.ፈ. 10% ጥራይ እየን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ኮሎንያል ገዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝነበራ። ካብ 1914  ጀሚረን ግና ብዘይካ ኢትዮጵያን፣ ላይበርያን 90% ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ኮሎንያል መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ወዲቐን። ኢትዮጵያ እንተኾነት’ውን ብድሕሪ ውድቀት ንጉስ ቴድሮስ ብኮሎንያን ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብተዘዋዋሪ ሜላ ኣብ ትሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ እያ ነይራ። እዚ ግን ግሁድ ታሪኽ እኳ እንተኾነ፣ ኤውሮጳውያን ጸሓቲ ታሪኽ ክገልጹዎ ኣይደልዩን እዮም። ብተመኲሮን እንተርኢናዮ እውን፣ ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ብተዝዋዋሪ ሜላ ኣብቲ ሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ እያ ዘላ። ኤርትራ እንተኾነትውን ኣብት ሕቲ ቍጽጽር ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝ እያ ዘላ። ኢሰያስ ግን ብዛዕባ መንግስቲ እንግሊዝ ሓንቲ ቃል እኳ ትኹን ኣምልቑ ኣይፈልጥን። እታ 2ይቲ ባዕዳዊት ሃገር ብስዉር ካብ ስሳታት ጀሚራ ንኤርትራ ትቆጻጸር ዘላ ድማ ጽዮናዊት እስራኤል እያ። ብዛዕባዛ ሃገር እዚእውን ኢሰያስ ነቒፉን ዘሊፉን ኣፈልጥን። እኳድኣ ኩሎም ባዶ ሰለስተን እቶም “ሃገራዊ ድሕነትን ህዝባዊ ድሕነትን” ዝፍለጡ ብመጀር ጀነራል ኣብራሃ ካሳን፣ ስምኦን ገብረድግልን ዝምርሑ ግንከኣ ህዝቢ ዘጽንቱ ዘለው እንስሳ ዘገዳም ጭፍራ ስለላን ኮለላን ህግደፍ፣ ኩሎም  ኣብ ሃገር እስራኤክል ዝሰልጠኑ እዮም።

ጭካኔ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ሎሚ ብገረብ ብሓኽላ እዩ ተቐዪሩ ዘሎ

ኤውሮጳያን ገዛእቲ: = ኢሰያስከ ካብዚ ዝተፈልየ ድዩ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽም ዘሎ

 ፍልልይ ኮለንያል ጣልያን ትካል ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን እንታዩ? ኮሎንያል ጣልያን ስለምንታይ ንኤርትራ ወሪሩ? መንከ ልኢኹዎ? እስከ ዓላማን መደብን ኮሎንያል ጣልያን እንታይ ከምዝነበረን፣ ስለምንታይ ከምዝፈሸለን ንከታተል።

እስከ ተግባራት ኮሎንያል ጣልያንን ህግደፍን፣ ብዕሙቕ ዝበለ ምርምር ኣስተብሂልና፣ ፍልልዩ ክንርድኦ ንፈትን። ካብኡ ምናልባት ብፍላይ ነቶም ንኢሰያስ ከም ባዕሉ ዝውጽኦ መደብ ዕዮ እንዳፈጸመዩ፣ ዝልኣኾ ሓይሊ የልቦን ዝብሉ ሰባት፣ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብሓቂ መቐጸልታ ኣየናይ ሓይሊ ከምዃኑን እንታክርድኣና እዩ።

ኣብዛ ሎሚ ግዳይ ብባዕዳውያን ዝተላእከ ሰላዪ ኢሰያስ ኮይና ዘላ ሃገር፣ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ክሳብ ወራር ኮሎንያል ጣልያን፣ በቲ ወግዓዊ ስማ ምድረ-ባሕሪ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት፣ ብ1890 ዓ.ም.ፈ. ግና ኮሎንያል ጣልያን፣ “ኤርትራ“ ዝብል እከይ ትርጒም ዘለዎ ስም ዘጠመቓ፣ በቲ መተካእታ ኮሎንያል ዝኾነ ህግደፍ ድማ “ሓዳስ ኤርትራ“ ተባሂላ መጀመርያ ቊርባን ዝቖረበት እያ። ብሓጺሩ ሠላዪ ባዕዳውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ብግሁድ መቐጸልታ መደብ ዕዮ ኮሎንያል ጣልያን ተመሪሑ እዩ ዝገዝኣ ዘሎ። ነዚ ከረጋግጹልና ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ መርትዖታትን ንጹራት መደብ ዕዮታትን ኣሎው። ካብኣቶም ብኸፊል  እዞም ኣብ ታሕቲ ቀሪቦም ዘለው እዮም።

1ይ. ኮሎንያል ጣልያን ድሕሪ ብውዲትን ሓገዝን ኮሎንያል እንግሊዝ፣ ንምድረባሕሪ ክቆጻጸራ ምስከእእለ፣ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ተመክሮታት ኣከበ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓዲ እንዳኸደ ብዛዕባ መበቆልን፣ ባህልን፣ ጅግንነትን ታሪኽን፣ ህዝቢ ኤርትራ መጽናዕትን ምርምርን ኣዋህለለ። ካብቲ ዘዋህለሎ ውጽኢት መጽናዕቲ ተመርኲሱ ድማ፣ መንእሰይ ኤርትራ ተባዕ ወተሃደር ኮይኑ ከገልግሎ ከምዝኽእል ኣረጋገጸ። ካብኡ ቀጺሉ መድብ ኣውጽአ፣ እዝዮም ምርኡያትን ሓያላትን ዝብሎም ብፍላይ ብብዝሒ ካብተን 3 ኣውራጃታት ኣከለጉዛይን፣ ሓማሰንን፣ ሰራየን፣ ብኣሽሓት ዝቕጸሩ ወራዙትን ኣጓብዝን መልሚሉ ዓሳኽር ኮይኖም ከገልግሉዎ ከተቦም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ድማ ኣብቲ ንኢትዮጵያ ዝገበሮ ወራር ካብ ኢጣልያውያን ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዓሳኽር ኣሰለፈ። ቀጺሉ ኣብቲ ኣብ ወራር ሶማል ዘካየዶ ውግእ ድማ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣሰለፈ። ቀጺሉውን ንሃገር ሊብያ ክወውርር ከሎ ብዙሓት ኤርትራውያን እዩ ብቅድመ ኲናት ኣሰሊፉ። ከምኡ ስለዝገበረ ድማ ብሳላ ጀጋኑ ኤርትራውያን ንሃገር ሊብያ ክሕዛን ክገዝኣን በቒዑ። እወ፣ ኣብተን ቀጺሉ ክወረን መዲቡ ዝነበረ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሀ. ኢትዮጵያ ለ. ሶማልን ሐ. ሊብያን፣ ብቅድመ ግንባር ኣሰሊፉ ክዕወት ከኣለ።

ኣስተብህል!!

ኮሎንያል ጣልያን፣ ሽዑ እዋን መንእሰያት ዝነበሩ፣ ሎሚ እባሓጎታትና፣ ኣብ ዓሳኽር ኣንኸተበ፣ ነቲ ባዕሉ ወሪሩ ክዕወተሉ ዘይክእል ወተሃደራዊ ወራርት፣ ኲናት ኣብ ሃገር ሶማልን፣ ኲናት ኣብ ሃገር ሊብያን፣ ኲናት ኣብ ሃገር ኢትዮጵያን እናለኣኸ፣ ንህዝብና ዘሳቐየን ብሕሱር ጒልበት ዓሳኽር ከቲቡ መንእሰያት ዝቐዘፈን ጨካን ገዛኢ እዩ ነይሩ። እቲ ከነስተብህለሉ ዘሎና ኣገዳሲ ታሪኽ ግና፣ ኮሎንያል ጣልያ ብመደብ መሃንድሳት ሃጸያውያንን፣(ፊሜዞንስ) ብቫቲካንን: ተላኢኹ እዩ ንኤርትራ ዝወረረ። እቶም ቀንዲ ብስለላን ኮለላን ዝሓገዙዎ ድማ ስለላ መርበብ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ እዮም ዝነበሩ። ኤርትራውያን ጀጋኑ ዓሳኽር ኮሎንያል ኮይኖም ኣብ ሃገር ሊብያ ዝፈጸሙዎ ዓወት መዘና ከምዘይነበሮ ጸሓፍቲ ታሪኽ ጣልያንን ሊብያን ኣጸቢቖም እዮም ዝፈልጡዎ።

ብዘመን ኢሰያስከ!!

እቲ ህ.ግ.ሓ. ኤ. ዝብሃል ብቐንዱ፣ ካብ ሜዳ ዝወጸሉ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ ነስመራ ዝኣተወሉ ዕለት፣ ብምንቕሓት ክርአ ከሎ፣ ብርግጽ ትካል ሃጸያውያን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቃልሲ ኤርትራ ክሳብ 1991 ዓ.ም.ፌ. ዝተመንቆሱ ደቂ ሃገር ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ዝኣኽሉ እዮም። ነቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ዝጽሕፍ ጸሓፋይ ታ ግና ክሳብ ሎሚ ኣይተራእየን። እቲ ሰራዊት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝብሃል ድሕሪ ነስመራ ምእታዉ፣ ኣብ ምዕባሌ ሃገር መታን ከይዋፈር፣ ኣብ ዝተፋላለያ ጎረባብቲ ሃገራት ክዋጋእ እዩ ተዋፊሩ።

ሀ. ኣንጻር የመን ብሰበብ ደሴት ሓኒሽ ተባሂሉ ዝተወልዐ መንእሰያት ዝበልዔ

ለ. ኣንጻር ጁቡቲ ትርጒም ኣልቦ ኲናት

ሠ. ኣንጻር ሱዳን ካብ 6 ሽሕ ዘይውሕዱ መንእሰያት ዝውሓጠ ሕሱር ኲናት

ሐ. ኣንጻር ባዕሉ ኢሰያስ ዝመሃዞም „መጃሃዲ“ ወይ „ጭሓማት ኣኽረርቲ ኣስላ“

ሐ. ኣንጻር ኢትዮጵያ፣ እንጻርቶም መላፍንቱ ወያኔ፣ ካብ 50 ሽሕ ንላዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ጥራይ ዝበልዐ ሃጸያውያን ዝፈልሰፍዎ ኣዕናዊ ኲናት። እዚ ኵሉ እከይ ፍጻሜታት ወለዶ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት እዩ። እዚ ከኣ መደብ በርሊን ኮንፈረንስ ብኮሎንያል ጣልያን ዝፈሸለ ንምቕጻል ጥራይ እዩ።

2ይ. ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ምስተቖጻጸረ፣ ብፍላይ ኣብ ኲናት ደጒዓሊ ባጽዕ ንኮሎንያል ጣልያን ዝሰዓሩዎ ጀጋኑ ካብ 75% ካብቶም ኣብ ኲናት ዝነበሩ፣ ደቂ ሓማሴን ብፍላይ ሎጎጭዋን ደቀተሽምን ላዕላይ ዓንሰባን ስለዝነበሩ፣ ብመደብ ንሓማሴን ለጎጭዋ ፍርቃ ምስ ሰራየ ፍርቃ ምስ ኣከለጒዛይ ጎዛዘያ። ንመረዳእታ እዚ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ሎሚ ጽልማ ዝብሃል ቦታ ቅድሚ ወራር ኮሎንያል ጣልያን ምስ ሎጎጭዋን ከበሳ ጭዋን እዩ ነይሩ።

ኢሰያስ ከኣ ነተን 8 ኣውራጃታት ኣብ 6 ዞባታትን: ኣብ 9 ብሔራትን ጎዛዚዩ: መሰረተን ታሪኸንን ደሚሲሱ ይገዝአን ኣሎ ። ሓቂዶ ሓሶት?

3ይ. ኮሎንያል ጣልያን ንኹሎም ተማሃሮ ኤርትራ ብዘይካ ቤት ትምህርቲ ጣልያን፣ ኣብ ኩሉ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ክሳብ 4ይ. ክፍሊ ጥራይ ከምዝምሃሩ ወሰነ። ነቶም ውሑዳት ኤርትራውያን ግንከኣ ኣቦታቶም ምስሰበስልጣናት ጥቡቕ ርክባት ዝነበሮም ወይ ሓውሲ ሰለይቲ ዝነበሩ፣ ንደቆም ክሳብ ንሃገር ጣልያን ልዑል ትምህርቲ ንኽመሃሩ ይልእኮም ነበረ።

ብዘመን ኢሰያስከ !!? መንእሰያት ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ጒልባብ: ኣብታ ኮሎንያል ጣልያን መዲቡዋ ዝነበረ፣ ዶብ ከባቢ ከሰላ  ሳዋ እትብሃል ዓዲ ዓሶን ማላርያን ጒሕ(ፉዎም፣ ኣብ ሓደ ወርሒ 5000 ዝኾኑ መንእሰያት ሃጽ ኢሎም ንስደት ከምዘምርሑ ገሩዎም ኣሎ። ሓቂዶ ሓሶት?

4ይ. ድሕሪ ዓወት ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ሊብያን፣ ኮሎንያል ጣልያን ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ኲናት ጠቢሱ ስለዝመንቆሶምን ግን ከኣ ብሳልኦም ዓቢዪ ዓወት ስለዝሓፈሰሎምን፣ ከምታ ንለሚን መጺኻ እቲጒሕፋ፣ ንኤርትራውያን መንእሰያት ድማ መዝሚዙ ምስተጠቕመሎም ምስተላገጸሎምን፣ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ፣ “ካምቦስታቶ“ ኤርትራዊ ክረግጾ ከምዘይብሉ፣ ኣብ ሓዲሽ ዕድን ኣባሻውል፡ገዛ ታኒካን ክሕጸር ከምዘለዎ ኣወጀ። ካብኡ ቀጺሉ ድማ፣ ኩሉ ኣብ ከበሳ ዝነብር ኤርትራዊ፣ ንባርካ ሎሚ ሳዋ ክግዕዝ ከምዘለዎ ወሰነ። እዚ ውሳኔዚ ከይተተግበረ ግና ኮሎንያል ጣልያን ካብ ኤርትራ ተመንቊሱ ወጸ።

ብዘመን ኢሰያስከ!?

ኢሰያስ ከኣ ብፍላይ ንደቂ ከበሳ ካብ መሬቶም ኣዘናቢሉ፣ ንባርካን ንጋሽን ፋሕ ብትን ኣቢሉ መሃነኖም የጥፍኦም ኣሎ። ንህዝቢ ዓዲ ቀዪሕ ንመንደፈራ ተማሓደር ኢሉ ቀሲቡዎ። ንህዝቢ ድንበዛን ምስከረን ተጸንበር ኢሉዎ፣ ወዘተ….።

5ይ. መግዛእቲ ኮሎንያል ጣልያን ነቲ ፍሪያምን ቦዱን ሸኻን ልሙዕን መሬት ኤርትራ፣ ካብ ደቀባት መንጢሉ፣ “መሬት ዶሚናለ“ እንዳበለ ንዜጋታት ጣልያን ይዕድሎም ነበረ።

ብዘመን ኢሰያስከ!?

ብዙሕ ከይሃለኽና መሬት ደቀባት ኤርትራ፣ “ምሉኡ መሬት መንግስቲ እዩ” ኢሉ ባዕሉ ኢሰያስ ከምዝገበቶ፣ ንህዝቢ ብኣዋጅ ኣፍሊጡዎ። እወ፣ እዚ ልኡኽ ባዕዳውያን፣ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣሜሪካን፣ እንግሊዝን፣ እስራኤልን፣ ሃገር ጣልያንን፣ ዝእዘዝ ጭፍራ ህግደፍ እምብኣር፣ መቐጸልታ ኮሎንያል ጣልያን ከምዝኾነ ዘከራኽር ኣይኮነን።

ኤርትራ ምዓስ እያ ልዑላውነታ ተነፊጋ! ሰንሰለታዊን ንኣስታት 78 ዓመታት ዝወሰደ ኣራባራብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ!!! ህዝቢ ኤርትራ ነዚ እንተዝፈልጥ ነይሩ፣ ትካል ግዳይ መንግስቲ ኣሜሪካ ከኸውንን፣ ንሓደ ሰላዪ ኣሜሪካ ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ክሰቅልን፣ እሞከኣ ንኽምንቆስ ኢሉ ንሜዳ ኣይምወፈረን!

ንጉስ ሃይለስላሴን ፕረሲደንት ሩዝቨልትን ብ1947 ዓ.ም.ፈ. ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትጽምበር ከምዘለዋን፣ ኣብ ማእከል ኣስመራ ድማ ቃኘው ስተሽን ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ንኽቐውም ተፈራሪሞም።መዓስከር ንጉስ ሃይለስላሴን ምስቲ Franklin Delano Roosevelt ዝተባህለ፣ መበል 32 ፕረሲደንት ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ማለት ካብ 1933 ክሳብ 1945 ዓ.ም.ፈ. ን12 ዓመታት ክሳብ ግዜ ሞቱ ፕርሲደንት ኣሜሪካ ዝነበረ፣ ኣብታ USS Quincy እትብሃል ዓባይ መርከብ ውግእ ኣሜሪካ፣ ቀቅድሚ ፕረሲደንት ፍራንሊን ደላኖ ሩዝቨልት ሙማቱ፣ ኣብቲ ዋዕላ ያልታ ዝብሃል ማለትዩ፣ ኣብቲ መሪር ባሕሪ ዝጽዋዕ ኣብ መትረብ ስዌዝ ካናል  Great Bitter Lake, Suez Canal ተራኺቦም። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትጽምበር ከምዘለዋን፣ ኣብ ማእከል ኣስመራ ድማ ቃኘው ስተሽን ዝተባህለ፣ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ክቘውም ከምዘለዎን ተፈራሪሞም። Ethiopian Emperor Haile Selassie visits USS Quincy (CA-71) underway in Great Bitter Lake, Suez Canal

In March 1941 Roosevelt administration declared Ethiopia eligible for the military aid program known as the Lend-Lease program. This was done to support the British troops in Libya and Egypt which were fighting Germany’s Afrika Korps. The focus of the lend-lease program was in Eritrea, a former Italian colony which strategically bordered the Red Sea. British forces had established a communications base at the former Italian radio communications base named called Radio Marina, which was located in Asmara, Eritrea. The British used the former Italian name for the base, Radio Marina. The United States received access to the base from the British beginning in 1942. The United States would initially call the former Radio Marina the “Asmara Barracks,” but the name “Radio Marina” would become the more enduring name for the base until the base was officially named “Kagnew Station.” Kagnew Station was a United States Army installation in Asmara, Eritrea on the Horn of Africa. The installation was established in 1943 as a U.S. Army radio station, taking over and refurbishing a pre-existing Italian naval radio station (Radio Marina), after Italian forces based in Asmara surrendered to the Allies in 1941. Kagnew Station operated until April 29, 1977, when the last Americans left.

The station was home to the United States Army’s 4th Detachment of the Second Signal Service Battalion. The Cold War listening station, Kagnew Station, was located nearly on the equator and at an altitude of 7,300 feet (2,200 m) above sea level. Its altitude and close proximity to the equator made Kagnew Station an ideal site for the Cold War listening station’s dishes and the 2,500-acre (10 km2) antenna farm. In all Kagnew sprawled over 3,400 acres (14 km2) containing eight fenced or walled tracts. Kagnew Station became home for over 5,000 American citizens at a time during its peak years of operation during the 1960s.

Senator John Foster Dulles (R-NY).jpg John Foster Dulles January 26, 1953 – April 22, 1959, 52nd United States Secretary of State John Foster Dulles on General Assembly resolution “Uniting for Peace” – 1950 in particular Regarding Eritrean Sovereignity… https://youtu.be/jyxPBPGQ17s

The US Ambassador to the UN, John Foster Dulles, famously declared: “From the point of view of justice, the opinions of the Eritrean people must receive consideration. Nevertheless the strategic interest of the United States in the Red Sea basin and the considerations of security and world peace make it necessary that the country has to be linked with our ally Ethiopia. ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ጆን ፎስተር ዱለስ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት፣ ሽዑ እዋን ለግ ኦፍ ኔሽንስ ዝብሃል ዝነበረ፣ ከምዚ ክብል ንልዑላውነት ኤርትራ ዝግህስ ኣብቲ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ውሳኔ ሂቡ። “ብዓይኒ ሕጊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ግንዛበ ክግበረሉ እኳ  እንተተገብኤ፣ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ኣሜሪካ ክንብል ግና፣ ኤርትራ ምስ መሓዛና ኢትዮጵያ ክትጽንበር ኣለዋ”።  ”

ህዝቢ ኤርትራ ኣስላሙ ክርስትያኑ ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ብሓባር ንነጻነት ክልዓል ከሎ፣ ኣብ እዋን ፈደረሽ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘርኢ ስእሊ።

ንጉስ ኢትዮጵያ ተፈሪ መኮንን ወይድማ ባዕሉ ንባዕሉ ዝተሰምዮ ኃይለ ሥላሴ፣ ንመጀመርያ እዋን ኣብ ኣስመራ ዝኣተወሉ። Haile Selassie cuts tape between Ethiopia and Eritrea Haile Selassie incorporates Eritrea

ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን ህዝቢ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ጀመረ። ደድሒርኡ ድማ ምዕራባውያን ብስለላ መርበቦም ኣቢሎም፣  ኣብ ውሽጢ ሰውራ ኤርትራ ተጸፍዮም፣ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ከምዝብርዕን ገበሩዎ።

Henry Kissinger Shankbone Metropolitan Opera 2009.jpg ሄንሪ ኲስሲንገር 56th United States Secretary of State ካብ 22 መስከረም 1973 ዓ.ም.ፈ.  ክሳብ 20 ጥሪ 1977 ዓ.ም.ፈ. መበል 56 ሰክረታሪ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካንጆን ፎስተር ዱለስ ተኪኡ ዝልዓለ ስልጣን ኣብ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበሮ ብዓል ስልጣን እዩ። ንልዑላውነት ኤርትራ ከኣ ፈጺሙ ዘይኣምን ሰብ እዩ። ሎሚ ሄንሪ ኪሲንጀር ወዲ 96 ዓመት ኮይኑ ብምርኩስ እንምዳኸደ ከሎ ካብቶም ንዓለም ዝዝዉሩዋ መራሕቲ ዓለም ቀዳምስ ደረጃ ዝሕእዘ እዩ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሰላዪ መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ ንሱዳን ስንቅን ዕጥቅን ዓጢቑ ከምዝተላእከ፣ በዚ ኣብታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ምስክርነት ላዕለዋይ ሓላፊ ስለላ መርበብ መንግስቲ ኣሜሪካ ብሪገደር ጀነራል ዳኒኤል መንግስቱ ክፍለጥ ይከኣል።

ኢሰያስ በብእዋኑ ደጋጊሙ ንቃኘው ስተኽን ክመላለስ ከሎ፣ ብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ መንነት ወረቐት ወይ ንቃኘው ስተሽን መእተዊ ወይ ግዝያዊ ፍቓድ ንሰራሕተኛታት ዝብል ፍቓድ ተዋሂቡዎ ነይሩ። ንሱ ድማ እዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎዩ።

ተስፋሚካኤል ጆርጆ ብዝዕባ ኢሰያስ ምዃኑ ክምስክር ከሎ። ሓቂ ስለዝመስከረ ድማ ብኢሰያስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀትሪ ምድሪ ብጥይት ብዘይ ድምጺ ተቐንጺሉ።

ጆርጅ  ቡሽ መበል 41 ፕረሲደንት ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ነበር 1980 ዓ.ም.ፈ. ንሱዳን ዑደት ብምግባር ምስ ወያኔን ኢሰያስን ብምርኻብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ መሬት ኤርትራ ንኽትጉሓፍ ዝገበረ እዩ።

Carter smiling ጂሚ ጫርተር ካብ 1977 ክሳብ 1981 ዓ.ም.ፈ. መበል 39 ፕረሲደንት ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ ተኪኡ፣ ንወያነን ሻዕብያን ተላፊኖም፣ ነቲ ብሶቭየት ሕብረት ዕጥቅን ስንቅን ዝምወል ዝነበረ፣ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽስዑሩዎ፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣኪቡ፣ ኩሉ ስትራተጂካዊ ሓገዛት ከምዝልገሰሎም ኣረጋጊጹሎም። ወያኔን ሻዕብያን ንወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስዒሮም፣ ወያኔ ንኣዲስ ኣበባ ተቖጻጺሮም። ሻዕብያ ድማ ንኣስመራ ተቋጻጺሩዋ።

Herman Jay “Hank” Cohen  ከም ምክትል ሰክረታርዝ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይኑ ን40 ዓመታት ዘገልገል፣ ካብ 1989 ክሳብ 1993 ክሳብ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ።. ብ1991 ንኢሰያስን ንመለስ ዜናዊን፣ ተስፋየ ድንቃ ኣባል ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ ኣብ ከተማ ለንደን ኣኪቡ ሕቡእ ኣጀንዳ ተሰማሚዑ። እቲ ምስጢር እቲ ሕቡእ ኣጀንዳኳ ሽዑንሽዑ ካብ ህዝቢ እንተተኸወለ፣ በቲ ድሕሪኡ ዝስዓበ ተመኵuሮታት ግና፣ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝጻባእ ውዕል ከምዝነበረ እንዳተጋህደ መጺኡ፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚከኣ ክትግበር ንዘቦ ኣሎና።

ኣብ ለንዶን ዝነበረ ስዉር ኣኸባ፣ ጸረ ልዑላውነት ኤርትራ ከምዝነበረ  ሎሚ ይግሃድ ኣሎ።

ካብ የማን ንጸጋም ወጻኢ ጕዳይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ነበር ተስፋየ ዲንቃ፤ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ መለስ ዜናዊ ሐርማን ኮሀን፣ እቲ መበል 5ይ ኣብ ጥቓ መለስ ዘሎ ከኣ፣ ምናልባት ሓደ ኣባል መንግስቲ እንግሊዝ ወይ ኣባል ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝ ኤም.ኣይ6 ክኸውን ይኽእልዩ። መኽንያቱ ካብ ድሕሪ ኮሎንያል ጣልያን ጀሚሩ እንግሊዝ ኢዳ ዘየእተወትሉ ጉዳይ ኤርትራ ስለዘየሎ።

These two “Pleasant” People are, from Left to Right, Donald Rumsfeld and Issays Afeworki, actual Eritrean Tyranny: they are shaking hands with great affection. That shows that the Tyranny has a secret connection with USA.

ንግዜኡ ወራስ ዓራት ንጉስ ሃይለስላሴ ንክኸውን፣ ንመጻኢ ግና ንገጂፍ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኣሜሪካ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን፣ ንኸገልግል ተባሂሉ ንሜዳ ኤርትራ ዝተላእከ፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ።

መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ወይከኣ The United States Department of State ብዕለት 22 ሚያዝያ 2018 “ሓደ  ልዑል ወኪል መንግስቲ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ፣ ንኢትዮጵያን ኤርትራ ዑደት ክፍጽምዩ” ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምሃቡ፣ እቲ “ልዑል ምክትል ሴክሬታሪ ንጉዳይ ኣፍሪቃ “Principal Deputy Assistant Secretary for African Affairs Ambassador” Donald Y. Yamamoto  ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጂቡትን፣ ንውሑዳት መዓልታት በጺሑ ድሕሪ ምምላሱ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዲሽ ተርኡዮ “ብሃንደበት”! መጺኡ። እዚ ልኡኽ ኣሜሪካ ምስ ኢሰያስን, መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ እንታይ ዓይነት ዝርርብ ተዘራሪቡ፣ ወይ እንታይ ዓይነት ትእዛዝ ኣማሓላሊፉ ንኣሜሪካ ተመሊሱ ግና፣ ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ ኮይኑ እዩ ተሪፉ። ንሓቂ ግና ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ስለትቕልቐል፣ እቲ ውዲት ብኣሜሪካ ዝተበገሰ ምኻኑ፣ ዛጊት ነቶም ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሕቖም ዝጥምቱ ሰባት ግሁድ እዩ ነይሩ። ንሱ ድማ ንልዑላውነት ኤርትራ ግሂስካ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኣሜሪካ፣ ብፍላይ እኳድኣ ን”ሓዲሽ ዓለማዊ ሥርዓት” ብሓፈሻ ድማ ፣ ንረብሓ ኣሜሪካን እንግሊዝን፣ እስራኤልን ንምግባር ጥራይ እዩ እምበር፣ ረብሓ ነታ ዘረባ ንኸጥዕሙ “ዓባይ ትዮጵያ ” እንዳበሉ ዝሽቅጡላ ሃገርሲ ከቶ ኣይኮነን። እኳድኣ ነቲ መስኪን ህዝቢ ኢዮጵያ ንጥፍኣቱ ምኻኑ ድሮ እቲ ነታጒ ቦምባ እንዳጸንሐ ክትኮስ ንዕዘቦ ኣሎና።  እቲ ጒዳይ ንኽትበልዓ ዝደሌኻ ኣባጒንባሕ ዛግራ ትብላ ጥራይ እዩ። ንሱ ድማ ፕሮጀክት፣ “ምድማር፣ “ፍቕሪ”!፣ “ሰላም”!፣ ዕርቂ”! ዝብሉ ጭርሖታት፣ ግንከኣ ሕልናን ስምዒትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰሊቦም፣ ጽባሕ ብጊሓት ፈርከሽከሽ ዝብሉ  ጭርሖታት ነዚሕካ፣ እንደገና ኣብ ህውከትን ዕግርግርን፣ ውግእን ህልቀትን ንምእታው ጥራይ እዩ። ድሮ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኩነታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ምንታይ ገጺ የምርሕ ኣሎ ንዕዘቦ ኣሎና። ገና ከኣ ጉዳይ ኤርትራ ብግቡእ ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህጎ ክሳብ ዘይተፈትሐ፣ ገና ዘስካሕክሕ ኩነታት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክፍጸም ክንዕዘብ ኢና።  ንጽዮናውያን ግና ኣይግድሶምን እዩ ድልየቶምን ሕልሞምን መሬት እምበር ህዝቢ ስለዘየድልዮም።

እወ! እዚ ብስምዒት ዓንገረር ዝብሃለሉ ዝቐነየ ጭርሖ “መደመር”!  ግና፣ ካብ ሰማይ ብሃንደበት ዱብ ኢሉ ዝወረደ ተኣምራት ዘይኮነስ፣  ሰበ-ስልጣናት ስለላ-መርበብ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ነቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኢዮጵያን ዘሎዎ ፖሊሲ፣  ድሕሪ 78 ዓመታት ሎሚ ብሰንኪ ድያብሎስ ኢሰያስ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዳርጋ ኣብ ኣላሽ ዝብለሉ መድረኽ ስለዝበጽሐ፣ ብኸመይ ገርካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዓንጂልካ፣ ንልዑላውነት ኤርትራ ተፍሽሎ፣  ካብ ዝብል ዝተበገሰ ውዲት  እዩ።  እወ፣ ውጽኢት ናይቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ላዕለዎት ሰበስልጣናት መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ን78 ዓመታ ዝኣክል፣ ካብ ኢሰያስ ወዲ ክልተ ዓመት ከሎ ጀሚሮም ማለትዩ፣ ክሳብ ኢሰያስ ወዲ 76 ዓመት  ዝበጽሕ፣  ምስ ኢሰያስ ኮይኖም፣ እንዳ ተባራረዩ ከሳልጡዎ ዝጸንሑ ጥራይ እዩ። መቐጸልታኡ ከኣ እንሆ እዚ ኣብ ታሕቲ ንርእዮ ዘሎና ብዘይ ድልየትን ምድማርን ህዝቢ ኤርትራ ዝስራሕ ዘሎ ፍሹል ድራማዊ ውዕል እዩ። ክንብርኲት ከይንብርኲት ግና ኣብ ማይ ንብጻ!!!!

ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብድሕሪ ፍሉት ልኡኽ ኣምባሳደር መንግስቲ ኣሜሪካ ዶናልድ ያማሞቶ Principal Deputy Assistant Secretary for African Affairs Ambassador” Donald Y. Yamamoto ኤ®ትራን ኢትዮጵያን ዑደት ገሩ ንኣሟሪካ ምስተመልሰ፣ ዛጊት “ውዕል 2018 ኢትዮ-ኤርትራን” ዝብሃል ብኢሰያስ ኣፈወርቅን ጥራይን ብ1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊን ተብ8 ክሳ 9 ሓምለ 2018 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ኣስመራ ተጀሚሩ።The 2018 Eritrea–Ethiopia summit (2018 Eritrea–Ethiopia peace summit) was a bilateral summit that took place on 8–9 July 2018 in Asmara, Eritrea, between Eritrean President Isaias Afwerki and Ethiopian Prime Minister Abiy Ahmed and officials from the two countries.

እዚ “2018 Eritrea–Ethiopia peace summit” ግና ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተኣዘዘ ውዲታዊ፣ ግንከኣ ጽባሕ ብጊሓት ዝፈሽል ውዕል፣ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፣ ምስ ሓደ እንኮ ምኩር ሰላዪ መንግሳቲ ኣሜሪካ ፣ ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ ምስ ግዝያዊ 1ይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊን፣ (ኣይ ኣስላማይ ኣይ ክርስትያን ግንከኣ ብስነ-ኣምራዊ ውዲትን፣ ሶሻል ኢንጂቤሪንግን፣ ብውዲት መሃንድሳት ስለላ መርበብ ጽዮናውያን ረቒቑ ዝተሰንዐ ዶክቶር) ፣”ውዕል ምድማር ኤርትትራ ምስ ኢትዮጵያ”። ኣናፍራ ቅቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን! ከምዝብሃል፣ ንህዝቢ ኤርትራ ንምዕንጃል ዝተማህዘ ረቂቕ ውዲታዊ ምህዞ ከምዝኾነ ግና፣ ዛጊት ህዝቢ ኤርትራ ፍሹል ውዕል ከምዝኽ°ነ እኳዳኣ ኣብ ሕእፂር እዋን ፈርከሽከሽ ከምዝብል ተረዲኡውስ፣ “ንዓ ነንጭዋስ ኣብ ለቖታ”! ኢሉ ኣፉ መሊኡ መልሲ ሂቡሉ እዩ።

https://youtu.be/Xb4_pzOK_8E

ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኣይድምሰስን እዩ!!

ህዝቢ ኤርትራ ይውሕድ እምበር ኣይጸንትን እዩ!!

ሓቦን ጽንዓትን ሕብረትን ንህዝቢ ኤርትራ!!!!!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

ክቕጽልዩ……..