እቲ ንቡርን ውርዙይን ጥንታዊን መለለዪ መንነት ህዝቢ ሓበሣ (ህዝቢ ተዛራቢ ትግሪኛ) ዝኾነ ባህላዊ ጸወታን ጓይላን፣ ንኣስታት 5 ሽሕ ዓመታት ኮሪዑ ክኸይድ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ግሪንቢጥ ግና፣ብሰንኪ መሃንድሳት ጸረ ንቡር ዝኾኑ ህግደፍን ወያኔን ተዓንቂፉ፣ ኣብ ዘይንቡር ወዲቑ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ገገለ ቦታታት ግና፣ ከም ኣብ ስደት ይኹን፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ፣ እቶም ህዝቢ ተስፋ ከይቆረጹ ነቲ ንቡር ጥንታዊ ባህሎም ከይተሓለሉ የካይዱዎ ኣለው። እንዳ ህግደፍን ወያኔን ግና፣ ነቲ ንቡር ዝነበረ ጥንታዊ ባህሊ፣ ብጸረ ንቡር ዝኾነ ማርክሰ ለኒናዊ ገሮም፣ ኣብዘይንቡር ክቕዪሩዎ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው።ቀንዲ ተልእኾኦም ድማ፣ ነቲ ካብ ጎይቶቶም ሃጸያውያን ዝተዋህቦም ጸረ ጥንታዊ ባህልና ዝኾነ መደብ ዕዮኦም ንምትግባር እዩ። በትሪ ሐቂ ግና ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን ስለዝኾነት፣ ህዝቢ ሓበሳ ተዛራቢ ትግሪኛ ይኹን ኣምሓሪኛ፣ ሓደ መዓልቲ፣ ነቲ ዘይንቡር ዝኾነ ባህሊ ህግደፍን ወያኔን፣ ኣብ ንቡር ክመልሶ እዩ።

ክቡራትን ክቡራንን ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬት ደቀባት ኤርትራ፣ ነዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ባህላዊ ጓይላታት ብኣድህቦ ክትከታተሉወን ንላቦ።

1ይ.) ኣብ ኤርትራ ዝጽወት ዓይነት ባህላዊ ጓይላ

2ይ.) ኣቦታት ስቦ ሌጋብ ስቦ! ሐ ሐ ! እንዳበሉ፣ ኣብ ዳስ መርዓ ክኣትዉ ከለው  ባህላዊን ጥንታዊን ቋንቋ ትግሪኛ (ሓሕ! ሕሱም ጥፋእ ማለት እዩ) ዝደርፉዎ።

 3. ኤርትራውያን ኣዴታትን፣ ኣሞታትን፣ ሕብቲኖታት፣ ኣሓትን፣ ምሓዙትን ኣብ ግዜ መርዓ ክጻወታ ከለዋ።

4ይ.) ኣብ መርዓ ባህላዊን ትግሪኛዊ ኵዳ ክካየድ ከሎ

1ይ.) ኣብ ትግራ ዝጽወት ዓይነት ባህላዊ ጓይላ

 

2ይ.) ኣብ ትግራ ዝጽወት ዓይነት ባህላዊ ጓይላ

2ይ.)ኣብ ኤርትራ ዝጽወት ዓይነት ባህላዊ ጓይላ

3ይ.) ኣብ ትግራ ዝጽወት ዓይነት ባህላዊ ጓይላ