(2ይ ምዕራፍ)

ኤርትራዊ ብሄረ – ትግርኛ ዝተፈልየ መንነት ከምዘለዎ እንዳፈለጡ ፥ ተጋሩ ፡ ንብሄረ – ትግርኛ ስለምታይ ከም ናቶም ብሄር ጌሮም ይቖጽርዎ ? ኤርትራዊ ብሄረ – ትግርኛ ኤርትራዊ ዝብል ሃገራዊ መንነት ከማዕብሉ እንከሎው ፥ ተጋሩ ንገዛእ ርእሶም ሃገራዊ መንነት ንምምስራት ኰነ ንምምዕባል እንታይ ዓገቶም ? ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝርኤ ቅልውላው መንነት መበገሲኡ (ምንጩ) እንታይ እዩ ? ንምዃኑ እዚ ብሄረ-ትግርኛ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘሎ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ክመጽእ ከኣለ ?
ንነገድ (ብሄር) ንመንነት ትርጉም ብዝተፈላለዩ ተመራመርቲ ማሕበራዊ ሳይንስ ዝተፈላለየ ትርጉም ይህብሉ።

ነገድ ፥ እንዳ ዓሌት (ቀቢላ) ፥ ብሄር ዝብሉ ቃላት፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተቀራራቢ ትርጉም እዩ ዘለዎም ። ብሄር ምስ ሃገር ፥ዓሌት (ቀቢላ) ምስ ቋንቋ፥ ስለ ዝዛመዱ ኤትንሲቲ ( ethnicity) ንዝብል ብእንግሊዝኛ ቋንቋ ተዛማዲ ዝዀነ ቃልነገድ ዝብል ስለዝዀነ፣ ነገድ ዝብል ቃል ክጥቀም እመርጽ ። ማክስ ዌበር ብዛዕባ ነገድ (ብሄር) መንነት ተመሳሳሊ ዝዀነ ግዳማዊ ዝዀነ ኣረኣእያ (ኣቋቑማ) ወይ’ውን ልምዲ ስለዘሎና ሓደ ምንጪ ሓባር ነገድ ( ብሄር ) ኣሎኒ ኢልካ ምእማን ውልቃዊ ሓሳብ እዩ ይብል ። ኣባልነት ሓደ ነገድ (ብሄር) ደማዊ  ምትእስሳር ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ እቲ ቀንዲ ዕላማ ፖለቲካዊ ጉጅለ ወይ ከኣ ማሕበረ ሰብ ምፍጣር እዩ ይብ።

Those human groups that entertain a subjective belief in their common descent because of similarities of physical type or of customs or both, or because of memories of colonization and migration; this belief must be important for group formation; furthermore it does not matter whether an objective blood relationship exists…ethnic membership does not constitute a group; it only facilitates group formation of any kind, particularly in the political sphere. On the other hand it is primarily the political community, no matter how artificially organized, that inspires the belief in common ethnicity.” (1978, Max Weber, p. 389)
ከምኡ’ ውን ፕሮፌሰር ጆሹዋ ብዛዕባ ነገድ ( ብሄር ) መንነት ድውሰን ብቐንዱ ብስነ ልቦና እዩ ይብል።

ሓደ ሰብ ኣባል ሓደ ነገድ ( ብሄር ) ኢየ ኢሉ ባዕሉ ንነብሱ ምእማንን ምግላጽን ኣለዎ ።
The psychological dimension of ethnicity is perhaps the most important because, regardless of variations in the biological, cultural, and social domains, if a person self-identifies as a member of a particular ethnic group, then he or she is willing to be perceived and treated as a member of that group. Thus, self-ascribed and otherascribed ethnic labels are the overt manifestations of individuals’ identification with a
particular ethnicity. (2001, Joshua A. Fishman, p.115)

ብሄር (ነገድ) መንነት ምስ ሃይማኖት፥ ቋንቋን ባህልን ዝተኣሳሳር እዩ። እንተዀነ ግን ብሃይማኖት ኰነ ብቋንቋ ምቅርራብ ሓደ ሓባራዊ ብሄር ኣይፈጥርን እዩ ። ንኣብነት ጀርመናውያንን ኣውስትርያውያንን ተመሳሳሊ እምነትን ቋንቋን ከምኡ’ውን ተቐራራቢ ባህልን ወግዕን ዋላኳ እንተሃለዎም ንነብሶም ከም ክልተ ዝተፈላለዩ ብሄራት እዮም ዝቖጽርዎ። ሁቱ፣ ቱትሲ ከምኡ’ውን ትዋ ሰለስቲኦም ብሄራት ሩዋንዳ ሩንዲ ዝብሃል ተመሳሳሊ ቋንቋ እዩ ዘለዎም። ሃይማኖቶም ብብዝሒ ኣመንቲ ካቶሊክ እዮም። ባህሎም’ውን ተመሳሳሊ እዩ። እንተዀነ ግን ንነብሶም ከም ዝተፈላለዩ ብሄራት እዮም ዝቖጽርዋ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘለዉ ዲንካውያን ዝተፈላለየ  ኣዘራርባን ቋንቋን ፍልልይ ይሃልዎም ድኣምበር፣ ከም ሓደ ቢሄር ዲንካ ኢና ይብሉ። ኑወርን ሺሉክ (Shilluk) ቋንቋ በጣዕሚ ተመሳሳሊ ይኹን ድኣምበር፣ ክልቲኦም ከም ዝተፈላለዩ ብሄራት እዮም ንነብሶም ዝርእይዎ። ንብሄረ ትግርኛ፥ ትግርኛ ዝብል ቃል መሰረታዊ ቋንቋኦምን ብሂሮምን መጸውዒ እዩ ። ገለ ገለ ሰባት “ትግርኛ መጸውዒ ቋንቋ እምበር መጸውዒ ብሄር ኣይኰነን” ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ግን ዓቢ ጌጋ ኢዩ ።
In official papers distributed by the Eritrean Government, the ‘language’ (Tigrinya) is used as an ethnic term of the group” (1998, Kjetil Tronvoll, P. 30). ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ካልኦት ብሄራት’ውን ናይ ቋንቋኦም ስምን ናይ ብብሄሮም ስምን ሓደ ኢዩ ።”Nearly all the ethnic groups in Eritrea are also named after their language, including the Tigre, Kunama, Afar, Nara, Saho, Hedareb, and Bilen” (Hassan Adem, M.T., Tekle B, 2010)
ብዙሓት ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዋ ብሄራት ስም ብሄረን ስም ቋንቋኤንን ዳርጋ ተመሳሳሊ ኢዩ።

ንኣብነት:
ኣምሓራ – ኣምሓርኛ፥ ኦሮሞ – ኦሮምኛ፥ እንግሊዝ – እንግሊዝኛ፥ ጀርመን – ጀርመንኛ … ውዘተ ። ኣብ ከባቢ 1990 ዓ.ም.ፈ. ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ መብዛሕትኦም ብሄረ- ትግርኛ፥ ንነብሶም ክገልጽዋ እንከለዉ፥ ሐማሴን (ሓማሴናይ)፣ አከለ ጉዛይ (ኣከለ ጉዘታይ) ሰራዬ ( ሰረወታይ ) ብዝብል ስያመ እዮም ዝጥቀሙ ።
“However, people from the highlands do not speak of themselves as “Tigrinyans.” When asked they would usually reply as did Tewolde, a 60-year old villager from Mai Weini: “Tigrinya is just the language, it is not the tribe (aliet). The tribe is Kebessa (highland). Or, when in the highlands, the tribe is Akele-Guzai, Seraye or Hamasien”( Kjetil Tronvoll, P. 30,1998 )”

 መጀመሪያ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ዝተረኽበ ኣብዛ  ሎሚ ኤርትራዊት ሃገር ክኸውን እንከሎ ፥ ካብቲ
ጽሑፍ ኣብ መንጎ ትግራይን ኤርትራን ፍልልይ ኣዘራርባ ከምዘሎ ትዕዘብ። ነዚ ኣፈላላይ እዚ ከኣ
ተመራመርቲ ስነ-ጽሑፍ ኣስመራን (ኤርትራን) ትግራይን ኢሎም ይፈላልይዎ። ኣብ መንጎ ብሄር- ትግርኛን ፥ ብሂረ -ትግረ ፥ ብሄር- ትግራይን ዘሎ ዝምድና “ ትግ “ ትብል ቃል ኢያ ። እዚ ማለት እዞም ሰለስተ ብሔራት መሰረቶም ካብ ሓደ ዘርኢ ( ወለዶ ) ሓረግ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ። ይኹን እምበር ፥ ኣብ ነዊሕ ዘመናት ኩሉ ወዲ ሰብ ካብ ሓደ ሓረግ ከምዝተበገሰ ይእመን ። ኣብ ነዊሕ ዘመናት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብምቕማጦም ነናቶም ዝተፈላለየ ኣዘራርባን (ቋንቋ ) ባህልን ከም ዘማዕብሉ ተመራመርቲ ቋንቋ ይገልጹ። ከምኡ’ውን ንባዕሎም ብሄርን ማሕበራዊ ጉጅለን እናፈጠሩ ከምድመጽኡ ይፍለጥ።ንምዃኑ እዞም ብሄር- ትግርኛ (ኣብ ኤርትራ የለው ተዛረብቲ ትግርኛ) ነቶም ተጋሩ ከም ናቶም ሓደ ዓይነት ብሄር ጌሮም ዘይቆጽርዎም ስለምንታይ ኮን ይኸውን ? እቲ ምኽንያት ንጹር ኢዩ ። እዚ ኸኣ ተመሳሳሊ ዝዀነ ስነ-ልቦናን ሓቢርካ ምንባርን ምትእስሳርን ስለ ዘይብሎም ኢዩ ። ክልቲኦም ብሄራት (ኤርትራን ትግራይን) ንብዙሕ ዘመናት ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ከምዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ተጠቒሱ ይርከብ ።
“The 9th century Arab geographer Al-Ya’qubi wrote of six Beja kingdoms located in what is today Eritrea. Beja place names are found throughout the central and northern highlands of Eritrea, suggesting widespread Beja interaction with other communities
(Schmidt, Curtis, Teka , p. 284, 2008)”

ብሄረ- ትግርኛ ከምኡ’ውን ተጋሩ ዋላኳ ተቐራራቢ ቋንቋ ይጠቐሙ እምበር ክልቲኦም ዝተፈላለዩ ብሄራት ከምዝዀኑ በቲ ኣከባቢ መጽናዕቲ ዝገበሩ ተመራመርቲ ጽሒፎሞ ኢዮም ። ሮይ ፓተማን ከም ዝበሎ ብሄረ- ትግርኛን ፥ ተጋሩን ክልቲኦም ዝተፈላለዩ ብሄራት ምዃኖም ከምዚ ክብል ይገልጾም ። ኣውስትርያውያን ፥ ጀርመናውያን ፥ ከምኡ’ውን ዝተወሰኑ ደቂ ስዊዘርላንድ ፥ ዋላኳ ኩሎም ቋንቋ ጀርመን ይዛረቡ እምበር ኩሎም ዝተፈላለዩ ኣህዛብ ከም ምዃኖም መጠን፥ እቶም ኣብ ከበሳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ተዛረብቲ ትግርኛን ፥ተጋሩን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክልቲኦም ዝተፈላለዩ ብሄራት እዮም ክብል ጽሒፉ ኣሎ ።
“Even in those distant times, however, it is clear that the land and people of highland Eritrea were distinct from people of Tigray, even though they spoke the same language-just as the Austrians, Swiss Germans and the Germans of today are very different people (Roy Pateman, P.33, 1998)”

ልዒሉ ከምዝተገልጸ ሁቱን ቱትስን ተመሳሳሊ ቋንቋ ከምኡ`ውን ሃይማኖት ይሃልዎም ድኣምበር ፡ ንነብሶም ከም ክልተ ዝተፈላለየ ብሄር እዮም ዝቆጽርዎ። ፖርቹጋላዊ ፍራንሲስኮ አልቫሬዝ በ ብ16 ክፍለ ዘመን ኣብ ምብራቕ አፍሪቃ፣ ኣብ ዝመጽእሉ እዋን = ዝረእዮ ከምዚ ክብል ይገልጽ ። ”እዚ መረብ ዝተባህለ ፈለግ ንባሕሪ ነጋሽን ትግራይን ዝፈሊ ዶብ እዩ ” Here; this river, the Mareb, separates the country of the Bahar Nagash from that of Tigray” ( Francisco Alvarez al et , P. 91, 1540)።ክልቲኦም ኣህዛብ ብኣከዳድኖኦምን ባህሎምን ዝተፈላለዮ ምዃኖም ይገልጽ ።
”The men (of Medri-Bahri) wear different costumes; so also the women who are married or living with men. Here (Tigray), they wear wrapped round them dark coloured woolen stuffs, with large fringes of the same stuff, and they do not wear diadems on their heads like those of the Barnagasi (Midri-Bahri people)”. (Francisco Alvarez, P. 91-2 ,1970)

ስኮትላንዳዊ ዜጋ ጀምስ ብሩስ ዝተባህለ ባሕሪ ነጋሽ ናይ ሎሚ ኤርትራ ካብ ትግራይ ዝተፈልየ ምዃኑን፣ ዶባቶም ከኣ ፈለግ መረብ ምዃኑ ብንጹር የቐምጦ። ብወገን ምዕራብ ትግራይ ዶብ ፈለግ ተከዘ ከም ዝዀነ እብርህ ኣቢሉ ይገልጾ። ተጋሩ ምስ ብሄረ- ትግሪኛ ኣብ ብሓባር ዝነበርሉ ኣብ ታሪኽ ኣይተመዝገበን ይብል።  ሎሚ ሓደ ሓደ ምሁራን ተጋሩ ካበይ ኣምጺኦም ኢዮም ብሄረ -ትግርኛን፥ ተጋሩን ብሓባር ካብ ምንባር ዝፈላለዮም ምንሊክ እዩ ዝብሉ? ምስዚ ተተሓሒዙ ወልቃይት ጸገዴ : ጸለምቲ : ታሕታይ ኣርማጭሆን : ምንሊክ እዩ ኣብ ጎንደር ዘእተዎም ዝብልዎ ኩሉ ሓሶት ምዃኑ ጀምስ ብሩስ መረጋገጺ ኣቕሪቡ።
“The greatest length of Tigre (Tigray) is two hundred miles, and the greatest breadth one hundred and twenty. It lies between the territory of the BaharNagash (which reaches to the river Mareb) on the east, and the river Tacazze on the west.” ( James Bruce, p.83,1860)
ብ1838 ዓ.ም.ፈ. ኣብቲ ከባቢ ዝኸደ ዳህሳሲ ጆን ሚልስም ትግራይን ባሕሪ ነጋሽን ዶቦም ፈለግ መረብ ምዃኑ ብንጹር ኣቐሚጥዎ ኣሎ ። ”ፈለግ መረብ ኣብ መንጎ ግዝኣትን ትግራይ፣ ባሕሪ ነጋሽ ግዝኣትን ዶብ እዩ ይብል”። እቲ ሓቂ እዚ ኰይኑ ቅልውላው መንነት ዘለዎም ሓደ ሓደ ምሁራን ተጋሩ ታሪኻዊ መርትዖ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ፈጠራ ሓሶት ተመርኲሶም፣ ንሓሶት ኣብ ሓቂ ክቕይሩ፣ “ንሕና ተጋሩን ፥ ብሄረ-ትግሪኛን ብሓባር ዝነበርና ኣህዛብ ኢና”፣ እናበሉ ክጽሕፉን ክዛረቡን ይስምዑ። ከምኡ’ውን ምኒሊክ እዩ ፈላልዩና ዝብል ጽውጽዋይን ሓሶትን ክሲ የቕርቡ። እቲ ሓቂ ግን ምንሊክ ቅድሚ ምውላዱ ትግራይን ብሄረ -ትግሪኛ ኣብ ሓደ ግዝኣት ብሓባር ነይሮም ኣይፈልጡን። ሓደ ብሄር ኮይኖም`ውን ኣይፈልጡን።
“the Mareb, which forms the boundary between Tigre (sic, Tigray) and the Kingdom of Baharnagash.” ( John R. Miles, P. 131,1846) ብ19 ክፍለ ዘመን ኣብቲ ኣከባቢ ዝመጸ እንግሊዛዊ ፕሎውደን ትግራዎት ንብሄረ -ትግርኛ ከም ነብሶም ብሄር ይርእይዎም ከምዘይነበሩ ጽቡቕ ጌሩ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ብምቕጻል” ካብ ጊዜ ራእሲ ሚካኤል ጀሚሩ ህዝቢ ሐማሴንን ሰራዬን ምስ ተጋሩ ዋላኳ ተመሳሳሊ ቋንቋ ይዛረቡ እምበር፣ ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ብሄረ- ትግርኛ ተደጋጋሚ ኲናት ይፍጽሙሎም ይምበሩ እምበር ሓደ ህዝቢ ኢና ኢሎም ሓሲቦም ኣይፈልጡን ”
“The people of Hamazain and Serowee, since the time of Ras Michael, though speaking the same language, are still scarcely (hardly) considered by the people of Teegray as a portion of that country whose governors, since that period, have made war on them….” (Walter Chichele Plowden, P. 39, 1868)

ምስ እንግሊዝ ተወዓዒሎም ንናይ እንግሊዝ ወተሃደራት መንገዲ እናርኣዩን እናመርሑን ብወገን ትግራይ ከምዝሓልፉ ብምግባር ናይ ባንዳነት ስራሕ ድሰርሑን ኣብ ናይ መቕደላ ኲናት ሃጸይ ቴድሮስ ኢደይ ኣይህብን ብምባል ባዕሎም ነብሶም ድሕሪ ምቕታል : ብናይ እንግሊዝ መሳርያን ሓገዝን ስልጣን ዝሓዙ ብዝብዝ ካሳ ( ሃጸይ ዮውሃንስ ) ሰራዊቶም ናብ ባሕሪ ነጋሽ ልኢኾም ዓቢ ዕንወት ( ጭፍጨፋ ) ከምዝፈጸሙ ይዝከር። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወሎን ጎጃምን ናይ ጅምላ ቅትለት ዝፈጸሙ ብዝብዝ ካሳ ( ሃጸይ ዮውሃንስ ): ናብ ኤርትራ ራእሲ ኣሉላ ልኢኾም ካብ ህዝቢ ባሕሪ ነጋሲ ክልተ ሲሶ ዝኸውን ህዝቢ ብጭካነ ጨፍጪፎም እዮም።
(, Lyda Favali and Roy Pateman, p. 36, 2003 ) (, Hagai, and Erlikh, p.35, 1996) (Hassan Adem, M.T., Tekle B, 2010) ሃጸይ ዮውሃንስ ኣብ ዓደዋ ምስ እንግሊዝ ኣድሚራል ሂወት፥ ብመሰረት ውዕል ሂወት ( Hiwet Treaty ) ንእንግሊዛውያን ሓጊዞም ስለ ዝተሰለፉ : ድርቡሻውያን ኣብ መተማ ኣብ ዝተገብረ ኲናት ቀቲሎም ክሳዶም ቆሪጾም ወሰዱ። ድሕሪ ሞት ሃጸይ ዮውሃንስ ፡ ራእሲ ኣሉላ ፡ብምኒሊክ ካብ ንግዛእ ነጻ መንግስቲ ትግራይ መንግስቲ ንምቛም ብዝብል ሓሳብ፣ ካብ መረብ ንማዕዶ ዘሎ መሬት ባሕሪ ነጋሽ ንጣልያን ክወሃብ ምስ መንግስቲ ጣልያን ስምምዕ ምግባሮም፣ ታሪኽ ፕሮፈሶር ጌታቸው መታፈርያ ከምኡ`ውን ፖለቲካል ሳይንስ ፕሮፈሶር ጳውሎስ ሚክያስን ክልቲኦም ብሓባር The Battle of Adwa: Reflections on Ethiopia’s Historic Victory Against European Colonialism ኣብ ዝተባህለ መጽሓፍ ኣስፊሮሞ ኣለዉ። (Milkias, Metaferia, p.69, 2005)
ቀጺሉ ተገሊጹ ከምዘሎ ትግራዎት ንብሄረ ትግሪኛ ከም ናቶም ብሄር ጌሮም ከም ዘይርእይዎም ራእሲ ኣሉላ
ንኢጣልያውያን ኣብ ዘቕረብዎ ስምምዕ ሓሳብ ቁልጭ ኣቢሉ የርእየካ። ”ገዛኹም ንምስራሕ : ሕርሻኹም ንምሕራስ፣ቤተ ክርስትያናትኩም ንምህናጽ፣ ክሳብ መረብ ሃገር እንተድኣ ደሊኹም፣ ምኒሊክ ዘይኰነስ ንሕና ንዓኹም ክንህበኩም ንኽእል ኢና ። ከምኡ`ውን ወተሃደራት ጣልያን ንዓድዋ ይምጽኡ ፡ ከም ፈተውትና (ኣጋይሽና) ክቕበለኩም ኢየ ።” “You want the country to the Mareb (Eritrean highlands/Medri Bahri) to cultivate your gardens, to build your houses, to construct your churches….? We can give it to you. [And not menilek.] Let the Italian soldiers come to Adwa, I shall come to meet them like a friend.” (1996, Ḥagai Erlikh, P. 164)
ራእሲ አሉላን ካልኦት ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ይነበሩ መሳፍንቲ ትግራይ፣ ንምድረ ባሕሪ ብምልኡ፣ ኢጣልያውያን ንኽጥቀሙሉ ተሰማሚዖም ከምዝነበሩ ይግለጽ ። እዚ ማለት ተጋሩ ንብሄረ -ትግሪኛ ከም ናቶም ብሄር ቆጺሮሞ ከምዘይነበሩ የረድኣካ ። ቀጺሉ ራእሲ ኣሉላ ከም ዝተዛረቦ ፣ ”ንስኻትኩም ጣልያን ስለምንታይ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ፈታዊ  (ዓርኪ) ትደልዩ ? ንሕና ጎረባብቲ ኤና ፣ ነንሕድሕድና ክንትሓጋገዝ ንኽእል ኢና። መንገዲ ክኸፍተልኩም ትደልዩ ኢኹም ፣ ኣነውን እደሊ ኢየ ። ንስኻትኩም ክሳብ መረብ ዘሎ መሬት ሓልዉ ። ኣነ`ውን ክሳብ ጎንደርን ክንዮው ጎንደርን ዘሎ መሬት ክሕሉ እየ ። ብሓገዝ እግዚኣብሄር ሃገርና ትግራይ ንምልማዕ ክሳብ ገማግም ባሕሪ ብምኻድ ክንነግድ ኣሎና ። ምኒሊክ ርሑቕ ኢዩ ፣ ንዓኹም ዝጠቕመሉ ነገር የልቦን ። ኣብ መንጎና ምሕዝነት ንመስርት ”

Ø “And you (Italians), why do you need to look for distant friends? We are neighbors (meaning Medri Bahri and Tigray) and can serve each other. You want the road to be open and I want the road to be open. You should guard to the Mereb River and I will guard it to Gondar and even beyond Gondar. We must be able to go to the coast to trade in order that our country (meaning Tigray) would flourish, with the help of God, Menelik is too far to be of any use to you. Let us make friendship between us. (1996, Ḥagai Erlikh, 164)”

ሕጂ ድሕሪ ምኒሊክ ዘሎ 100 ዓመታት እኳ እንተርኤና ትግራይን፥ ብሄረ- ትግርኛን፡ ሓደ ኰይኖም ኣይፈልጡን። ብሄረ- ትግርኛ፥ ንተጋሩ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለዉ ብሄራት ከም ጎራሓትን ተንኮለኛታትን እዮም ዝርእይዎም። ቅድሚ ኲናት ባድመ ብዝሒ ዘለዎም ተጋሩ ኣብ ዝተፈላለየ ሽራሕ ጉልበትን ስራሕ ግዛን ብምስራሕ ኣብውሽጢ ኤርትራ ተዋፊሮም፣ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ብሄረ- ትግርኛ፥ ነቶም ተጋሩ ከም ብሄሮም ጌሮም ርእዮሞም ኣይፈልጡን። ብመሰረቱ ብሄረ-ትግርኛ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ዝገበርሉ ጊዜ፣ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ዝተመስረተ ቃልሲ ከካይዱ እንከለዉ፥ ተጋሩ ግን ብብሄሮም ስም (ህወሓት) ተወዲቦም ኢዮም ዝተቓለሱ። ክልቲኦም ሓደ ዓይነት ብሄር እንተዝዀኑ ነይሮም፣ ድሕሪ ምውዳቕ ደርጊ ንባዕሎም ሓደ ሃገር ንምምስራት ዝዓግቶም ኣካል ኣይነበረን። እቲ ሓቂ ግን ብሄረ – ትግርኛ ንተጋሩ ከም ሓደ ብሄር ገሮም ርእዮሞም ኣይፈልጡን ። ንደርጊ ኣብ ምእላይ ዝተገብረ ቃልሲ ስልታዊ ምትሕብባር ካብ ምግባር ሓሊፉ ፥ ዝዀነ ዓይነት ዝተፈልየ ርኽክባት ኣይነበሮምን። ኤርትራውያን ተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ ልዕሊ ብሄሮም ዝዓለመ መጥቃዕቲ ስለ ዘይበጽሖም፡ ከምኡ’ውን ነዚ ሕጂ ዘሎ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት፣ ኣብ ምድንፋዕ ዝተገብረ መስርሕ (process) ዓቢ ተራ ስለ ዝተጻወቱ፣ ብፍጹም ኣብ ብሄራዊ መንነት ዘእቱ፣ ዝዀነ ዓይነት ምኽንያት የብሎምን። እዚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣሎ ዝብሃል ኣምባገነናዊ (ውልቀ-መላኺ) ስርዓት እምበር፣ ኣብ ብሄራዊ ወይ ከኣ ኣብ ዓሌታዊ ዘነጸረ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ስርዓት ኣይኰነን ።

መደምደምታ

እዞም ሎሚ ዘለው ተጋሩ ብፍላይ ከኣ ህ.ወ.ሓ.ት. ካብዚ ሕጂ በጺሖሞ ዘለዉ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምውጻእ ክብሉ፣ ኣብ ባይታ ዘየለ ምምስራት ትግራይ- ትግርኚ ወይ ከኣ “ምትግባር ሕልሚ ዓባይ ትግራይ” ዝብሃል መንነት ንምፍጣር እንተፈተኑ፥ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን “ልቢ ትግራይ ጥውጥዋይ“ ኢዩ ዝብሃል ። ብመንጽር ታሪኽ ክርኤ እንከሎ ብሄረ – ትግራይ (ተጋሩ) ብሕማቕ ይኹን ብጽቡቕ ምስኡ ዝነበረ ብባህሊ ይኹን ብስነ-ልቦና፣ ካብ ማንም ዝቐርቦምን ዝተዛመዶምን ህዝቢ ኣምሓራ ፥ ወልቃይት ፡ ወሎ ከምኡ’ውን ምስ ምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክነሱ፥ ኣብ ልዕሊኡ ውግእ (ኲናት) ምእዋጅን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒ ስለዝፈጸሙሉ፡ ሕጂ ኣብ ምስራቕ ኣፍሪቃ ኰነ ኣብ ዓለምና ዘለዎም ህዝባዊ እምነትን ደገፍን ዘስኣኖም። እዚ ከኣ እዩ ካብ ወለዶ ኣብ ወለዶ ዝተሓላለፍ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ ጽልእን ቅርሕንትን፡ ቂምን ዝተኸተሉ ።