ብዝብል ጸማም ሓደ ደርፉ ጭርሖ፣ እቲ ምዓልቲ ስዉኣት 20 ሰነ ብ”ሊቀ-ሊቃውንቲ” ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ “መቓብር ሓርበኛታት” ብዳንኬራን ጓይላን ተባዒሉ።

እቲ ብልኡኽን ወኪልን ባዕዳውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ኩባንያ ህገድፍ፣ “መዓልቲ ስውኣት 20 ሰነ” ” ሓየት ወድኺ ተሰዊኡምበር ምኣስ ሞይቱ” ብዝብል መደረ ተሰንዩ፣ “ብዓወት ንሓፋሽ“! ከምቲ ልሙድ ጭርሖ ሓሶት “መዓልቲ ስዉኣት 20 ሰነ” ተባዒሉ። ስድራ ስውኣት ግና “ማይ ጠፊኣ መብራህቲ ከኣ ትማሊ ምሸት ተቐልቂላ ነይራስ ከይዳ፣ “ዋርሳይ እከኣሎ” ከኣ ካብቲ መዓስከር ሳዋ ነፊጹ ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ተሸሚሙን፣ ዝተረፈ ከኣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሉን”፣ ክብል ይውዕል ኣሎ። እሞ ሓፋሽ ተዓዊቱዶ ማለት እዩ? ሰማእታትከ ሕድሮም ተተግቢሩዶ? እቲ ክብርታት ድኣሞ ኣበይ ኣሎ?

ደቂ ስውኣት ከኣ ወግሐ ጸብሐ፣ ካብ ባርነት ዋርሳይ እከኣሎ፣ መዓስከር ሳዋ ነነፊጾም፣ ግዳይ ስደት ብምዃን፣ ኣብ ምድረበዳ ስሃራን፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ይጸንቱ ኣለው።

ኣብ እዋን ሰውራን ቅድሚኡን፣ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ኩርዓትን ጅግንነትን ዘመስከሩሉ እዋን እዩ ነይሩ። ግንከኣ ንመጻኢ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ከምዝትከል ከይሓሰቡን ከይተዳለውሉን ሓሊፎም። እቶም ጅጋኑ ንሃገሮም ካብ ወረርቲ ንምክልኻል ብትብዓት መኪቶም ተበጂዮም ክሓልፉ ከለው፣ ሎሚ ግና እቶም ንህዝቢ ማይን መብራህትን ከልኪሎም ብጎረርኡ ሒዞሞ  ዘለው ወኻሩ ሳሕል፣ “መዓልቲ ስውኣት ዕለት 20 ሰነ” “ብዓወት ንሓፋሽ“! ዝብል ጭርሖ እንዳግዓሩ ኣብዒሎም። መብጽዓ ጀጋኑስውኣት ግና ተተግቢሩ ድዩ? ተኻሒዱን ተኸዲዑን እምበር! እቲ “ዓወት ንሓፋሽ” ዝብሃል ጭርሖ ሓሶት ግና ሎሚ ውድቀት ንሓፋሽ ተለዊጡ ይርአ ኣሎ። ሓቂርዶ ሓሶ!!!??

ብታሪኻዊ ምርምር እንተድኣ ክንጉዓዝ ክኢልና ግና፣ እቲ ንሃገረይ ክስውኣላ እየ ዝብል ጅግና፣ በቶም ተዃሉ ልኡኻት ባዕዳውያን፣ ብዓል ሰላዪ ኢሰያስ፣ከም ዓሻሹን ገርሀኛን ተቖጺሮም እዮም። እወ፣ ካብ መስዋእቲ ዝተረፉ ድማ ዝሓዙዎ መጻኢ መንግስት ዘይብሎም፣ ብገርሀኛ እምነት ጥራይ ነስመራ ኣትዮም። ሳዕሲዖምን ዘሊሎምን ከኣ ባሕ ተሪፎ። ኣብ ጥራይ ጎልጎል ክኣ ተጻዲሖም ተሪፎም። ኢሰያስ ግና ኣብ ድሮ ነጻነት 24.05.1991 ኣብ ከተማ ለንዶን ምስ መሃንድሳት ጽዮናውያን ብዓል ሄርማን ኮሀን ኮይኑ፣ ነታ ሃገር ኣብዚ ወዲቕቃቶ ዘላ ደልሃመት ንኽትወድቕ ውዲታዊ ውዕል ተፈራሪሙ። እዚ እንድዩ እቲ ሓቂ! ሓቂዶ ሓሳት??

ካብቲ መደረ ኢሰያስ እስከ ከም መረዳእታ ፍንጭል ኣቢልና እንታይ ትርጉም ከምዘለዎ ከነቕርብ።

መደረ ኢሰያስ ኣብ ብዓል ሰማእታት 20 ሰነ 2017 ዓ.ም.ፈ.፣
ካብ ብዓል ጣፍስ ብዓል ኣፍ።

“ሰማእታትና ብተባላሕነቶም ብተወፋይነቶም ሓልያቶምን ብብዓይነቶም ዘርኣዩዎ ኣብነታዊ ጅግንነት እዩ ዝዓዝዝ። ኩሎም እቶም ሰማእታትና ዘመስከሩዎም ብሉጻት ክብርታታት፣ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብቂዑና። ሓርነትን ነጻነትን ብዘይቶም ክብርታት ብኻልእ ክብርታትን ጥራይ ኣይመጽእን እዩ”።

ኣይፋልካን ዓገብ ኣፍትሓላባ ድኣ፣ ሓርነትን ነጻነትን ልዑላውነትን ድኣ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ድዩ? ሓጋጊ ኣካልን ፈራዲ ኣካልን፣ ፈጻሚ ኣካልን ንስኻ ጥራይ ደይኮንካን ዘሎኻ። ሰማእታትና ድኣ ነታ ብሕገመንግስቲ እትምራሕ መጻኢ ኤርትራ ኢሎም እንድዮም ተበጂዮም። ንስኻ ደይኮንካን ምስ ጽዮናውያን ተማኺርካ ብሕገኣልቦ ግይዛዊ መንግስቲ ጥራይ ን26 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ተውጽኦ ዘሎኻ?ሓቂዶ ሓሶት?

ሕቶ ካብቶም ነቲ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ስቓይ ዝከታተሉ ግዱሳት ደቀባት ኤርትራ፣  ሰማእታትናስ ዕዙዝ ዓወት ኣምጺኦም፣ ድሕሪ ዓወቶምከ፣ እትም ስድራቤታት ሰማእታት፣ ኣብታ ሃገር ሎሚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከንቡ ኣለው? ዝስተማይ ደይኮነን ተሳኢኑ ዘሎ ኣብ ኣስመራ? ዝበርህ መብራህቲ እንድዩ ህዝቢ ኤርትራ ጨኒቚዎ ዘሎ ሓቂዶ ሓሶት? ንስኻኳ ኣይትሓንኽን ስለዝኾንካ፣ ተጠሊዕካ ሓሶት ኢኻ ክትብሎ!! መንእሰያት ሃገር ጠንጢኖም ኣብ መላእ ዓለም ተዘሪኦም ዘለው፣ እንታይ እዩ እቲ ጠንቂ??

ነዚ ድዮም ተበጂዮም እቶም ትውሕልለሎም ዘሎኻ ሰማእታት?? ወይስ ንረብሓ ባዕዳውያ እዮም ተበጂዮም? እሞ ነቲ ብዓይንና ንርእዮ ዘሎናን፣ ብኣኻ ዝእዘዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ፣ ባርባራዊ ጭቆናስ፣ በቲ ንስኻ ሎሚ ትብለና ዘሎኻ ሰሚዕናን ኣሚንናን ጥራይ፣ ነቲ ውድዓዊ ኩነታት ክንድምስሶ ኣሎና ማለትካ ድዩ? ዓገብ! ኣየ ንዕቀት! ኣየ ኣሽካዕላል! ኣየ ሃየንታ ብሰማእታት ምሽቃጥ! ክሳብ መዓስ እዩኾን ክቍጽል እዚ ዓመት ዓመት ዝደጋገም ዓጀውጀው ኢሰያ?? ዘረባ ኣደይ ለቱስ ኣየውፍር ኣየእቱ!!

“ሓርነትን ነጻነትን ብዘይካቶም ክብርታት ኣይመጽእን እዩ”። ክብርታት ድኣሞ ብመስዋእቲ ሰማእታት ድሮ ተሓፊሶም እንድዮም።ካብ መስዋእቲ ንላዕሊ እንታይ ክግበር ኣለዎ ማለትካ እዩ? ንስኻ ደይኮናካን፣ ዝተሓንጸጸ ሕገ መንግስቲ ኣጊድካ፣ ንመንእሰይ በረኻ ኣስፊርካ ዓዲ ብሕገ ኣልቦ ማፍያ ገርካ ክብርታት ትቕንጥጥ ዘሎኻ? ሓቂዶ ሓሶት? ካብ መስዋእቲ ንላዕሊ እንታይ ክፍጸም ትደሊ ኣሎኻ? ብዓይንና ንርእዮ ዘሎና ዘይተኣደነ ጥልመትስ፣ በቲ ንስኻ ትምድሮ ዘሎኻ ዓጀውጀው ኣሚና ክንርስዖምን ክንድምስሶን ኣሎና ማለትካ ድዩ?

“ስስዐን ንዓይ ይጥዓመንን፣ ንብረት ካልኦት ምምንዛዕን፣ ምጥፍፍእን ብክልናን ፍርህን ሳዕቤናቶም ዕንወትን ድኽነትን እዩ” ክትብል መዲርካ። እየ ክትካለሉ ንስኻስ!! ። ገንዘብን ህዝብን፣ ርስቲ ህዝብን፣ መንእሰይ ወለዶን መንዚዕካ፣ ፓትሪያርኪ ቅድስቲ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሓይርካ፣ ዕደና ወርቂ ድማ ንባዕዳውያን ጢል ኣቢልካ ዝዓደልካ ንስኻ ደይኮንካን። ስስዑን ንዓይ ይጥዓመኒ ትብል ድኣ ንስኻ ከይትኸውን? ነቲ ናተን ንሓማተን!! ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ ክትብል ተጠሊዕካ መዲርካ። እወ ንርእዮ ደየሎናን፣ እይትብከ እክኳ እዩ ዘብክየና ዘሎ። ነቲ ብሰንክኻ ወሪዱ ዘሎ ሳዕቤናት፣ ድኽነትን ሓዘንን ሞትን ስደትን ደይኮነን ውጽኢቱ። እሞ ነዚ ብዓጀጀውን ሕሱር መደረኻ ንገርካ ዲኻ ክትሸፋፍኖ? ካብ ብዓል ጣፍስ ብዓል ኣፍ!!

ሎሚድኣ ነቲ ብሉጻት ጀጋኑ በጃ ብምሕላፍ ዝተበጀውዎን ዘመስከሩዎም  ንስኻ ትሽቅጠሉ ከምዘሎኻ እኳ ኩሉ ሰብ ፈሊጡዎ እዩ። ብዘረባ ጥራይ ክትክውሎ ክትነብር ግና ክሳብ መዓስ እዩ? ቁሩብዶ ኣይትሓንኽን ኢኻ ወደይ፣ እዛ ሃገር እዚኣስ ምዓስ እያ ካባኻ ክትገላገል?

In historical perspective, anyone who takes seriously his country’s call to war is a dupe. The enemy is within. –
ብታሪኻዊ መስርሕ እንተድኣ ተኻታቲልና፣ እቲ ንሃገሩ ክከላኸል ኢሉ ዝብጆ ጅግና ወዲ ሃገር፣ ነቲ ዓወት ኣይሓፍሶን እዩ።  ብኣንጻሩ እኳድኣ ከም ደንቆሮ እዩ ዝቚጸር። እዚ ድማ ከምዚ ሎሚ ጋንታ ወኻሩን ተዃሉን  ህግደፍ ኣብ ብዓል ስዉኣት ከውደኽድኹ ንዕዘቦም ዘሎና፣  ጥራይ እዩ ኣብ መወዳእታ ዝኸውን። ኮይኑ ድማ ንርእዮ ኣሎና።

ዎን-በዴ፣ ወይም ወሮ-በላ ብቋንቋ ኣምሓሪኛ፣ ወሪሩ ዝበልዕ ሽፍታ ማለትዩ። ብቋንቋ ትግሪኛ ግና ካልእ ትርጉም ኣሎዎ። መኽንያቱ ሓደ ሽፍታ ወይ ወሪሩ ዝዘምት፣ ሓንሳብ ምስ ዘመተካ ካላኣይ ግዜ ክዘምት ምስወፈረ እንተድኣ ረኺቡካ፣ “እዋእ ንዓኻ ድኣ ብቐዳማይ ረኺበካ ነይረ እንድየ፣ ሕለፍ ጥራይ ብቐዳማይ ተዘሚትካ ኢኻ “ኦሉ እዩ ዝምሕሮ።እህግደፍ ግና ንዘልኣለም እዮም ክዘምቱ ብመደብ ንህዝቢ ከብትኹን ከድክዩን ብጎይቶትም ተዋፊሮም። ንረብሓ ጎይተቶም ከኣ እዩ እቲ ኩሉ ወፍሪ።እዚ እዩ እምብኣር እቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ ሽፍታን ህግደፍን ዘሎ።

ሓይሎ ገርሀኛታት ደቂ ሃገር “ብውሽጢ ሃገር ጥራይ እዝይ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል“ ክብሉ ይስምዑ እዮም። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ጉዳይ ግና፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተሪፉ ዘሎ ሰራዊት፣ ብመጽናዕትን ምርምርን ኩነታቱ ገምጊሞም ድዮም ? ወይስ ብሕልምን ብባህግን ጥራይ እዮም ዝዛረቡ ዘለው?። ሓቂ ብሓቂ ኩነታትሃገርና ክንግምግሞ እንተድኣ ዀና፣ እቶም ጀጋኑ ሃገር፣ ካብ እዋን ነጻነት ጀሚሮም ክሳብ ዅናት ባዱመ፣ እቶም ኣውራ ጀጋኑን ንኢሰያስ ዘስግኡዎን ተተሃዲኖም ደስኪሎምን፣ ተጸልጺሎምን፣ ተኣሲሮምን እዮም። ንመረዳእታ እስከ ውሑዳት ክንጠቅስ፣ ብ1973 ዓ.ም.ፈ. ብስም መንካዕ ዝተመቕሑ ዲሞክራስያውያን ደቂ ሃገር፣ ብየሚን ጸሊሞም ዝዓረቡ ፈላስፋታት ከም ብዓል ዶር. እዮብ ገብረልዑል፣ ትማሊ ከም ገዳይም ሰበስልጣናት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፣ ጅለ 15 ዝፍለጡ፣ ከም ብዓል ድሩዕን ጴጥሮስ ሰሎሙንን ሸሪፎን ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃን፣ ቢትወደን ወዘ፣ ..ሎሚ ኣበይ ኣለው።? ስለምንታይከ ተኣሲሮም? ጀነራል ሃብተጽዮን ሓድጉ ስለምንታይ ተኣሲሩ ሎሚከ ኣበይ ኣሎ?

መንድኣ እዩ እሞ፣ ንህዝቢ ዕኤርትራ ካብ ኣርዑት ኩባንያ ህግደፍ፣ ከገላግሎ ከፍድሕኖን ዝኽእል ሓይሊ?

እቲ ተሪፉ ዘሎ ንከይእሰርን ከይጽልጸልን ከይድስክልን፣ ጃጅዩ ነብሱ ክሕሉ ጥራይ ዝነብር ዘሎ እዩ። እቲ ኣብ እንዳወያነ እንዳሰገደ እቃወም ኣሎኹ ዝብል ዘሎ ድማ ቅቡጽ እዩ። መስኪን ህዝቢ ኤርትራ ግና፣ ኩሉግዜ ካብቶም “ዓበይቲ መራሕቲ“ ዝብሃሉ ኮረንኔላትን ጀነራላትን፣ ኣብ ምንኩቦም ባሊቃታት ኢሰያስ (ከም ግቡእ እኳ ጽሮራ መዓርግ ማለት እንድዩ ነይሩ፣ ኣብ ደይልዓቱ ድኣ እትዩ እምበር።) ኣብ ዘመነ ኢህግድፍ ግና ወግዓዊ ዝብሃል መዓርግ መራሕቲ ክፍለሰራዊት ፍጹም ትርጉም የብሉን። እኳድኣ ንፎርማ ኮይኑ ነቶም ፈዛዛት ከኣ ባህ ክብላ ልባ ጽብሓላ ዱባ ጥራይ  ኮይኑ መዕሸውን መሃመልን ጥራይ እዩ።

ንደቂ ገርሂ ልባ  ግና፣ እቲ ኢሰያስ ንጀጀውቲ ኮራኹሩ (ምስዚኦም ዘሎ ፍርሕን ራዕድን ዘኢትነገር ጥራይ እዩ ክብሃል ዝክኣል።) ዝዕደል ባሊቃታት (ጽሮራታት ወይ መዓርግ ህግደፍ) ብሓቂ ጀነራላት ይመስሎም። ከመይ ገሩኸድኣ እቲ በጃ ህዝቢ ዝሓልፍ ክጥረ?  ጅግና ተጋዳላይ ክመርሕ ዝግብኦ ኣብ ኩናት ክጠፍእ ከሎ፣ ብድሕሪ ውግእ ኮይኖም ተሓቢaoም ዝሓልፍዋ ዝነበሩ ጀጀውቲ እኳ እዮም፣ እዞም ሎሚ ሰብ ጽሮራ ጀነራላት ዝብሃሉ ዘለው። ሓቂዶ ሓሶት ??

እቲ መስኪናይ ሓፋሽ ዝብሃል ህዝቢ ኤርትራ እኳ፣ ሎሚ ማይ ጠፊኣ ሉቸ ዓሪባ ክብል እንዳውዓለ፣ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ብባህርያዊ ሞት ይሓልፍ ስለዘሎ፣ ኣበይ ከርክበሉ ብዛዕባዞም ካብ ኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ ዘለው ጀነራላት፣ ድሮ ቀቢጹዎም እዩ። በቶም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ ጭፍራ ወያኔ ድማ፣ ዓወት ከምዘይመጽእ ድሮ ፈሊጡዎ እዩ። እወ፣ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ርእሱ ዘድንን እምበር ርእሱ ዘልዕል ወዲ ሃገር ዳርጋ የልቦን እንተተባህለ ጽውጽዋይ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኢንተርነትን ኣብ ፓልትክን ክግዕር ዝሓድርን ዝውዕልን ዘሎ ድማ ከም ወልፊ ወሲዱዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብኢሰያስን ወያኔን ዝተዓስቡ ድማ ብዙሓት እዮም።

ስለዚ ካብ ብዙሕ ምጒያይ ክሳድ ምሓዝ ስለዝኾነ፣ መንእሰያት ጥራይ፣ ካብ ወያኔን ህግደፍን፣ ካብ ሃይማኖትን፣ ወገንን ሓራ ኮይኖም፣ ኣብ ዘዘለውዎ ሃገር ክጠራነፉ ኣለዎም። ብግቡእ ድማ ጸላእቶም ከለልዩ ኣለዎም። ካልእ መፍትሒ የልቦን።

ብርግጽ ጀነራላት ይመስሎም። ኢሰይያስ እዚ ኩሉ ትዕቢትን ንዕቀትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘርእዮ ዘሎ ብሰንኪ ፍርሒን ንዕቀትን ናይዞም ጀነራላት’ዩ። ከምታ ንሱ ዝእስሮምን ዝጽልጽሎምን ዘሎ፣ ንሶም ድማ ንህዝቢ ይኣስሩን ይቕንጽሉን፣ ይድህክዎን ኣለው።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት፣ ማለት ካብቲ ኣብ ትሕቲ መራሒ በጦሎኒ ዘሎ፡ መራሒ ሓይልን፡ መራሒ ጋንታን ዝፍለጥ፣ ወዮ ድኣ ሎሚ ደንዚዙን ደስኪሉን ፈዚዙን ተጸልጺሉን ተኣሲሩን እምበር፣ ሰራሕ ቅያን ጅግንነትን እዩ ነይሩ። ቶዅላ ኢሰያስ ነዚኦም በቶም  ኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ ወኻሩ እንዳ ልኣኸ ግና፣ ብቀጥታ ኣይኮነን ዝራኸቦም። እንተ ተራኸቦም ከኣ፣ “ካብ መራሕትኹም ኣይትተሃመሉ” እንዳበለ እዩ ክፍኣት ዝመሮም። ስለዚ እታ ላሕሊሓ ዘላ ስልጣን ኢሰያስ፣ በዚኦም ኣብ ሓይልታት ዘለው፣ ካብ መራሒ በጦሎኒ ክሳብ መራሕ መስርዕ ተተንከፈት ማለት ዘበትዩ፣ ኢሰያስ ቴምቤናይ ተመናይ፣ ወይከኣ ቶዅላ ገደና ስለዝኮነ፣  ተጋዳላይ ከይተረድኦን ከይነቕሓሉን ከሎ እዩ ኣንጊሁ እዩ፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ እዩ፣ ነቲ ዙርያኡ ካብ ብኣእምርኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቡ ጨጓር ዳንጋን፣ ተበለጽቲ ምሁራትን ሰለልቲ ኣዛብእ፣ ዋርድያታቱ መልሚሉ ከምዝሕልዉዎ ገሩ።

እቲ ካብ ፈለማ እዋን ዝጥቀመሉን ዘተግብሮን ዝነበረ መደብ ዕዮ (ፕሮጀክት ባዕዳውያን) ድማ፣ ብቶም ዓሰብቱ መሃንድሳት ጽዮንነት እዩ።በዚ ውዲታዊ ፕሮጀክት እዚ ገሩ እዩ እምብኣር ነቲ ራእዪ ህዝቢ ኤርትራ ፈጊሩዎ። ነቲ ዝተላእክሉ ፕሮጀክት ባዕዳውያን ድማ፣ ኣብ ሸቶኡ ከብጽሖ ብኣሽሓት ዝቒጸሩ ጀጋኑን ፈላስፋታትን ደቀባት ኤርት፣ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት መዋእል ሰውራ ኤርትራ መንቊሱ ነስመራ ዝኣቶ።

ኣስተብህሉ፣ ኢሰያስ መለኮታዊ ስልጣን ሃልዩዎ ባዕሉ ዝምሃዞ ፕሮጀክት ከይመስለኩም። እንታይድኣ ብመሃንድሳት ባዕዳውያን ተኣሊሙን ተሓንጺጹን ዝተቐረበሉ ውዲታዊ መደብ ዕዮ እዩ ብምስጢር ከተግብሮ ጸኒሑ። ኣብዘን 30 ዓመታት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሰራዊት ከይፈለጦ፣ ብስዉር ንሱዳንን ንሃገራት ኣዕራብን ኤውሮጳን ኢትዮጵያን እንዳዀብለለ እዩ ምስጢራዊ ትእዛዛት ስለላ መርበባት ምዕራባውያን ዝመሃር ነይሩ። ንሜዳ ተመሊሱ ድማ ዝጻብኡዎ ጀጋኑን ፈላስፋታት ምቕንጻል ጥራይ እዩ ቀንዲ ስርሑ ዝነበረ። ገርሀኛ ሰራዊት ግና ብስለላን ኮለላን እንዳተጓሰየ፣ ንከንቱ ይመውትን ይቕዘፍን ጥራይ እዩ ዝነበረ። ሎሚ ከኣ ካብቲ ኮብሊሉዎ ዘሎ ቁሸት ዓዲ ሃሎ፣ ኣብታ 360 ሽሕ ህዝቢ ዝቍመጡዋ ንብረት ጽዮናውያን፣ ቀጤር መዓስከር ስለላ መርበብ ኣሜርካን ፔንታጎንን ሞሳዓድን እንዳተመላለሰ ምዕቡል ቴክኒካዊ ስለላ ይምሃር ኣሎ። በቲ ዝቐሰሞ ስለላዊ እከይ ወፍሪ ድማ ፣ ንህዝብና ብቐጻሊ ሜላታት እንዳ ቀያየረ ዳክኡ የስትዮ ኣሎ።

ኢሰያስ እታ ሓንቲ ሞያኡ ዝነበረትን፣ ክሳብ ሎሚ ዘላን፣ ነቲ ካብ መሃንድሳት ባዕዳውያን (ማእከላይ ስለላ ኣሜሪካን፣ (ሲ.ኣይ.ኤ.ን) ስለላ መርበብ ዓባይብሪጣንያን፣ (ኤም.ኣይ.6ን)፣ ስለላ መርባብ እስራኤል (ሞሳዓድን) ዝመኸሩዎ እከይ ምኽሪ ዓቂቡ፣ በቲ ዘውጽኡሉ ጸረ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾን) መደብ ዕዮ ከየጕደለ ከተግብሮ ብምኽኣሉ ጥራይ እዩ።

 

እዚ እዩ እቲ ሓቂ። ግንከኣ ዝርድኦ እንተድኣ ረኺቡ እዩ።