“ልምዓት ዝተሃመሹ ወገናት ብምቕዳም፡ ንኹሉ ዘመዓራሪ ዕድላት ብምርሃው፡ ህዝቢ ኣብ እንኮን ፍትሓዊን መኣዲ ምጽንባር፡ በዚ ርትዓዊ መገዲ’ዚ ድማ ፖለቲካዊ ርግኣት፡ ሃገራዊ ስኒት፡ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ልምዓት ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ፍትሕን ባህላዊ ስጉሚን ምርግጋጽ ንነዊሕ እዋን ዝተቓለስናሉ፡ ህይወት ብሉጻት ዝኸፈልናሉ ነቕ ዘይብልን ዘይቅየርን ዕላማና’ዩ፡፡” (ቃል ፕረሲዳንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ 2007) …

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጽብዓታትን፡ ዘብልጭልጩ ቃላትን፡ ዳርጋ ንርብዒ ዘመን ለሚድናዮም ኢና፡፡ እወ! ሕድሪ’ቶም ህይወቶም ዝኸፈሉ ብሉጻትና፡ ኣብዘን ብኣባጓይላ ዝተኸተባ ቃላት ሓዲሩ’ሎ፡፡ እቲ ግብራዊ ግን ዛጊት ዓለም ብዓለማ ዝፈለጠቶ፡ ተሓቢኡ ዘይሕባእ፡ ጥፍኣትን ብርሰትን፡ ምኻኑ ንኹሉ ብሩህ’ዩ፡፡
እምበኣር ከስ ብሓጺር ኣገላልጻ፡ ኣብ ውሽጢ 26 ዓመታት ካብ ሃልኪ ፕሮፖጋንዳ ሓሊፎም፡ ሃገራዊ ልምዓትን ለውጥን ዘየረጋገጹ፡ መስተርሆት ህዝቢ ዘይፈጠሩ፡ ካብ ጽምብላትን ቴማን ዘይተሰጋገሩ፡ ብምስምስ “ደርማስ ምዕባለ” ካብ ዝተሓንጸጹ ማእለያ ዘይብሎም፡ ፖሊሲታትን ወፍርታትን ህግደፍ ሓደ ዝኾነ፡ ንወፍሪ ዲጋ ዓዲሃሎ ዘተኮረ ጽሑፍ ንሎሚ ጆባእ ክብለኩም፡፡ (ፈለማ ነቶም ቴክኒካዊን ሳይንሳዊን ሓበሬታ ካብ ውሽጢ ዝሰደድኩምለይ ግዱሳት ዜጋታት ከየመስገንኩ ኣክሓልፍ ኣይደልን፡፡)

ኣብ መፋርቕ 2000፡ ድሕሪ ፍሽለት “ብወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ” ካብ ዝተነድፉ ፖሊሲታትን ስትራተጅታትን ሓደ፡ ብስም “ልምዓታዊ ዞባታት” ዝተሓንጸጸ፡ ብዙሕ ጎስጓስን ቃለ መሕተትን ዝተኻየደሉ፡ ኣብ ዲጋታትን ጽርግያታትን ዘድሃበ ፖሊሲ ነይሩ፡፡ መሰረታዊ ኣምራትን መበገሲ መትከላትን እዚ ፖሊሲ፡ ብቐንዱ ብኢሳይያስ ዝተሓንጸጸን፡ ንሙሁራዊ ትንታነታትን ርእይቶታትን ዝነጸገን ብምንባሩ፡ ገና ብኣግኡ ብውድቀት ክዕጀብ ተራእዩ፡፡ መርኣያ ውድቀታት ናይዚ ፖሊሲ”ዚ ዝኾነ ጭቡጥ ሓበሬታ ድማ ኣብ “ታባ ዓዲሃሎ” ንዕዘብ ኣለና፡፡

ኣብ ሞንጎ’ቲ ገዲምን ሃ/ኣገልግሎትን ቆይቅን ምትፍናንን ክፍጠር ዝገበረ “ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ” ካብ 2001 ጀሚሩ ክትግበር እንከሎ፡ ጅምር ፕሮጀክታት ሓዲጉ ዝፈሸለን፡ ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳ ጥራይ ዘገልገለን ምንባሩ’ውን ባዕሉ ኢሳይያስ ኣብ ናይ 2011 ቃለ መሕተቱ “ሰለስተ ርብዒ ብወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝነቐለ ፖሊሲ ዕውት ኣይነበረን” ክብል ኣተንቢሁ ኔሩ፡፡ ኣብ 2011 ድማ ብኣዚዩ ዝተጋነኑ ጽንብላትን ዝተሰንዑ ጸብጻበትን ብስም “20 ዓመታት ሓበን” ኣብ ዝተወደበ ምድላዋት፡ ኢሳይያስ “ጉዕዞ 20 ዓመት ሃገርና ንድሕሪት” ምንባሩ ስለዝተገንዘበ እቲ እንኮ ፍታሕ ኣብ “በይኑ” ጥራይ ንኽመስል ብተኸታታሊ ብዛዕባ ምስሳን ትሕጃ መግቢ፡ ውሕስነት መግቢ፡ ዝናባዊን መስኖዊን ሕርሻ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ዲጋታት ክህውተት ተራእየ፡፡

ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ንነብሱ “ካብ ሚኒዋለ ክሳብ ጅኦሜትራ” ሰሪዑ፡ ፎቆዶ ዲጋታትን ሓጽብታትን ክወፍር ጀመረ፡፡ ካብዘን ዲጋታት እተን መሳኹቲ ኤረ ቲቪን መናድቕ ደገፍቲ ፌስቡክን ዘሙቋ፡ ኢሳይያስ ብብዝሒ ዝወፍረለን፡ ሃገራዊ ዕማማት ኣወንዚፉ ሙሉእ ግዚኡ ዘሕለፈለን፡ እተን ቀንዲ ዲጋታት ዓዲሃሎን ገርገራን እየን፡፡ ብፍላይ ዲጋ ዓዲሃሎ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ካብ ትቕየር 4 ዓመታት ኣቑጺራ’ላ፡፡

ዲጋ ዓዲሃሎ……ካበይን ናበይን?

ዲጋ ዓዲሃሎ ፈለማ፡ ካብ እዋን መግዛእቲ ጀሚራ ብዝተጀማመረ ኣፈናዊ መጽናዕቲ፡ መበገሲ ተጌሩ ዝተወጠነት ዲጋ እያ፡፡ ኣብ 2013 ወርሒ 10 ንቐረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ህዝቢ ኣስመራን ከባቢኡን፡ ተባሂላ ዝተጀመረት ዲጋ እያ፡፡ ፈለማ ካብ ከባቢታት ሰንከልቲ፡ ዛውል፡ ዓዲ ገብራይ፡ ዓዲ ሰላይትን ጠቐራን ዝወሓዘ ማያት፡ ኣብ ዓዲሃሎ ብምዕጋት ምስተኸዘነ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ናብ ዲጋ ማይነፍሒ ብምግዓዝ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ህዝቢ ኣስመራ ንምስሳን ዝዓለመ ወፍሪ ኔሩ፡፡ ነዛ ዲጋ ኣብ መጀመሪያ እዋናት ከም መደብ ተዓዲሎም መጽናዕታት ዘካየዱ ውልቀ ሰባት ኮ/ል ወልዱ ገረየሱስ (ወልዱ ባርያ)፡ አቶ ሙሴ ተወልደ (ካብ EMIC) ኣቶ ካሕሳይ ገብረህይወት (ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ነበር) ‘ዮም፡፡ እዞም ውልቀ ሰባት ኣብ ምምራጽ ነታ ዲጋ ዝውዕል ቦታን ዓያዬ ዓቕሚ ሰብን መጽናዕታት ምስ ገበሩ፡ ኣብ ስራሓት ዲዛይን ድማ ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝተወደበት ሓይሊ ዕማም ንምህንድስናዊ ስርሓት ክትዓዬ ተገብረ፡፡

‘ቶም ኪኢላታት ብዘካይድዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓዲሃሎ ንክቖውም ዝተሓሰበ ዲጋ፡ ጸገማት ክህልዎ ከምዝኽእል ስለ ዘረጋገጹ፡ ኣብቲ እዋን ከጋጥሙ ከም ዝኽእሉ ንዝተገመቱ ጸገማት፡ ኣብ ባህሪያዊ ኣቀማምጣ መሬትን ሃለኽቲ ጥረ ነገራትን ዝተመስረቱ ኔሮም፡፡ እቲ ከባቢ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ተፈጥራዊ ኩነት (Complex Geology) ዘለዎ ከምዝኾነን፡ ልዕሊ ዓቐን ሃለኽቲ ከምዝጥቀም ተገሚቱ ነይሩ፡፡ ብመንጽር’ዞም ጸገማት እቶም ኪኢላታት እቲ ዝተወጠነ ዲጋ “Uneconomical“ ብምባል ከም ኣማራጺ ኣብ ካልእ ከባቢታት (እንዳህበይ) ክህነጽ ብመልክዕ ጸብጻብ ተላቢዮም፡፡ (ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽናዕቲ ኣብ “ፖለቲካዊ ምንዝርና ርብዒ ዘመንን መጻኢ ሓዱሽ ዓመትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጽሑፍ ሳክቲዝም ምርካብ ይከኣል)

ኣብ መወዳእታ ነቶም ብሳይንሳዊ መጽናዕቲ ዝተደገፉ ጸብጻባት፡ ባዕሉ ፕረሲዳንት ብምንጻግ፡ ነቲ ስራሕ ብኢደ ዋኒኑ ክቕጽሎ ወሰነ፡፡ ከም ብሓድሽ 5 ኣባላት ዝርከብዎ ሓይሊ ዕማም ኣጣይሱ፡ ህንጸት ዓዲሃሎ ኣብ ወርሒ 10/2013 ተጀመረ፡፡ እቶም ዝተመዙ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝስዕቡ ነበሩ፡፡

1) ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ (ሓላቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል) በቲ እዋን ኣዛዚ ተወርዋሪ እዚ ብዓቕሚ ሰብ ዓያዬ ሰራዊት ከቕርብ መደብ ተውሃቦ፡፡
2) ኣቶ ካሕሳይ ገብረህይወት በቲ እዋን ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን ብሕማም ካብ ስራሕ ዝተኣልየ ፡፡
3) ኮ/ል ወልዱ ገረየሱስ (ወልዱባርያ) ኣብቲ እዋን ኣካያዲ ስራሕ መንግስታዊ ጋራዥ ሐጂ ዝደስከለ (ማሽነሪታትን ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብን ከቕርብ)
4) ኣቶ ተስፋይ ጎይቶኦም (ጉራጌ) ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ህንጻ ሰገን (ማሽነሪታት ህንጻን ኪኢላታት ህንጻን ከቕርብ)
5) ሌ/ኮ ጌታቸው መርሃጽዮን (ማእከል ካርታን ሓበሬታን ኤርትራ) ጆኦሚትራዊን ስርሓት ዲዛይንን ብሓላፍነት ክመርሕ ተመዚዞም፡፡
ኣብ ወርሒ 10/2013 ባዕሉ ፕረሲዳንት ካብ ጣባ ናብ ዓዲ ሃሎ ወሪዱ፡ ነፍሰወከፍ ዕማም ክቆጻጸር ጀመረ፡፡ ኣብ መስርሕ ዝተርኣዩ ወፍርታትን ለውጥታትን ዝስዕቡ ነበሩ፡፡

• ብኮ/ል ወልዱ ገረየሱስ (ወልዱ ባርያ) ዝምራሕ ዝነበረ መንግስታዊ ጋራዥ (“ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክ”) ፈሪሱ ንወልዱ ባርያ ብምድስካል ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ክፍልታትን ጨናፍርን ናብ ዓዲሃሎን ከርከበትን ክግዕዝ ተገብረ፡፡

• ካብ እዚ ተወርዋሪ ኣስታት 10 በራጊድ (ናይ እንዳ 22ን 525ን) ናብ ዓዲሃሎ ግዒዘን፡፡ (እተን ክልተ በራጊድ ካብ ሳዋ ብዝመጹ ተምሃሮ ዝቖማን ድሒረን ዝተወሰኻን እየን)

• ድጋፍ ንምሃብን ቀረብ ማሽነሪታት ንምምላእን ኩባንያታት ህንጻ ሰገን፡ ገደም (ቀይሕ ባሕሪ) ፡ ኣስቤኮን መደባት ተዓዲልዎን፡፡

• ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ካብ ዝቖመ ማእከል ካርታን ሓበሬታን (EMIC) ገለ ሓለፍቲ ጨናፍር ተመዚዞም ናብ ዓዲ ሃሎ ወፊሮም፡፡

• ካብ ሓይሊ ዕማም ንምህንድስናዊ ስርሓት (ESTF- Engineering Support Task Force) ዝተረፉ ገለ ኢንጅነራት ናብ ዓዲሃሎ ወሪዶም፡፡

• ዲሒሮም ኣባላት 27፡ 28 ከምኡ’ውን 29 ዙርያታት በቢእዋኑ ናብ ዓዲሃሎ ተወዚዖም፡፡

እምበኣር ከስ ንህዝቢ ኣስመራን ደገፍቲ ዲያስጶራታትን “ማይ ክትሰትዩ፡ ርሁው መጻኢ ክትነብሩ፡ መንግስትን ሰራዊትን ከይተሓለሉ ብውሽጣዊ ዓቕምታት ዝሃነጽዎ ዲጋ ሎጎ መጺኹም ተዓዘብዎ” እንዳተብሃለ ጎስጓስ ዝተገብረሉ ጉድን ኣበርጉድን ዲጋ ዓዲሃሎ እንሆ፡፡

ብሰንኪ ኢድ ምትእትታው ኢሳይያስን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተሰደደ ዝወጸ ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብን ዲጋ ዓዲሃሎ እዞም ስዒቦም ዝግለጹ መባእታዊን ኣገደስትን ሳይንሳዊ መትከላት ከምዝጠሓሰ ተረጋጊጹ እዩ፡፡

• ኣጠቓቕማ ነተጉቲ (Blasting)፡- ነተን ኩጀታት ኣብ ምፍራስ ዝተጠቐምሉ ዓይነት ኣተኻኹሳ ነተጉቲ ዘይምእኩል ኣጠቓቕማ (Uncontrolled blasting) ስለዝነበረ ኣብ ባህሪያዊ ኩነታት’ቲ ከባቢ ዓበይቲ ነቓዓት (Fractures) ተፈጢሩ ‘ዩ፡፡

• ተወሳኺ ዲዛይናት (Extended coffer dam)፡- ኣብ ክረምቲ 2014 እቲ ዲጋ ካብ ጫፍ ክጅመር እንከሎ ኣብ ምህናጽ ድርዕታት ኢሳይያስ ብቕልጡፍ እቲ ዋሕዚ ማይ ክዕገት ካብ ዝብል ካብ ማእከል ክጅመር ብምግባሩ ኣብ ዲዛይን ዘይነበረ ተወሳኺ coffer dam ተሃኒጽሉ ‘ዩ፡፡

• ኣብ ምምላእ ባዕጢን (Concrete) ኣብ ምቋም ድርዕን (Slab) ካብ ዲዛይን ወጻኢ ዘይሙያዊ ብዝኾነ መገዲ ተሰሪሑ ‘ዩ፡፡ ንፕሮጀክት ኣባይቲ ኣስመራ ተባሂሉ ኣብ 2013 ብዙሕ ዝተዘርበሉ ኣብ ከባቢታት ስፔስ 2001፡ ነቲ ኣብ ዲዛይን ዝተገልጸ ናይ ባዕጢን ድርዕን ሜላ ሓዲጎም ኣብ ሓሊበትን ሰንበልን ክስራሕ ንዝተወጠነ 1680 ኣባይቲ ተባሂሉ ብኢጣሊያዊት ትካል Piccini ዝተዳለወ ናይ ኣባይቲ ድርዕታት ብትእዛዝ ኢሳይያስ ክጥቀሙ ተገዲዶም፡፡

• ብኣገላልጻ ‘ቶም መጽናዕቲ ዘካየዱ መሃንዲሳት፡ ዲጋ ዓዲሃሎ መባእታዊ ጸገማት Stability analysis, Specific gravity and fractural abutment ከምዘለዎ ተረጋጊጹ እዩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ፕረሲዳንት ካብዞም ዝተገልጹ ጌጋታት ብተወሳኺ ብኢድ ዋኒኑ ነቲ ዲጋ ካብ ዲዛይን ወጻእ
➢ ቁመቱ ካብ 28 ሜትሮ ናብ 57 ሜትሮ፡
➢ ጎኑ (ካብ ጎቦ ናብ ጎቦ) ካብ 360 ሜትሮ ናብ 570 ሜትሮ
➢ ትሕዝቶ ዓቐን ማይ ካብ 11 ሚሊየን m3 ናብ 28 ሚሊየን m3 ክቕየር ጌሩ’ዩ፡፡

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ!
ሃገርና ብኹሉንተንኣ ክትምዕብልን ክትብልጽግን ዝጸልእ ዜጋ ዋላ እንተዘየልቦ፡ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢን ምህናጽ ትሕተ ቅርጽታትን ዝዕመሙ ስርሓት ሳይንሳዊ ደረጃታት ዝሓለው ክኾኑ ከምዝግበኦም ድማ ብልቢ እኣምን፡፡ ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ኣድሂበ፡ ዋላ ብዙሕ ምባል እንተኸኣልኩ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዓዲሃሎ ዝካየድ ዘሎ ኣዚዩ ኣሰካፊ ስራሕ፡ ክትርድእዎ ከምዝኸኣልኩም ተስፋ ይገብር፡፡ እቲ ኣዚዩ ዘሕዝንን ዘደንጽውን ካልእ ጥሕሰት ድማ እቲ ዲጋ ብዓይኒ ማሕበራዊ ጠመተ (Social feasibility) ዘይቃደው ምኻኑ ‘ዩ፡፡ ንዓመታት ነቲ ጎላጉል ሓሪሱ ድራር ዕለቱ ዘናዲ ዝነበረ ህዝቢ ካብ ድሌቱን ፍቓዱን ወጻእ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክህንጽ ካብ ምግባሩ ሓሊፉ ካብቲ ከባቢ ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ዝተዓደሎም መባድልቲ ካሕሳ የለን፡፡ ብተወሳኺ ዲጋ ዓዲሃሎ ማይ ምኽዛን ምስጀመረት እቲ ፈለማ ዝተሓንጸጸ ዕላማ ክቕየር ተገይሩ’ዩ፡፡ ቀንዲ ዕላማ ዲጋ ዓዲሃሎ ንመሰሰኒ ዋሕዚ ማይ ዲጋ ማይነፍሒ ተባሂሉ፡ ብንጹር ዝተቐመጠ ኮይኑ፡ እታ ዲጋ ገና ማይ ምዕቋር ምስጀመረት፡ ኢሳይያስ ተወሰኽቲ መደባት ሕርሻን መፍረ እንስሳን ክተኣታቶ ኣገዲዱ ኣሎ፡፡

ብውጽኢቱ ከኣ “ኩሉ ባዕለይ” መላኺ ኢሳይያስ ብሰንኪ’ዚ ከም ብሓዱሽ ዘተኣታተዎ ዘይሳይንሳዊ ተወሳኺ መደባት ሕርሻ ከምቲ ኣብ 1996/97 ብስም “መደብ ጥሙር ሕርሻ” ኣብ ዞባ ደቡብን ጋሽባርካን ኣታኣታቲይዎ ዝነበረ ግን ከኣ ተጀሚሩ ዝተቋረጸ ፖሊሲ፡ ሕጂ’ውን ንብርጋዴር ጀነራል ፍጹም ገብረህይወት (ወዲ መምህር) ኣዚዙ፡ ንሓረስቶት ዓዲ ሃሎን ከባቢኡን መሬቶም መንጢሉ ብኣስገዳድ ብድራር ዕለት ክወፍሩ ይገብር ኣሎ፡፡ ኣብ 1990ታት ዝተኣታተወ መደብ “ጥሙር ሕርሻ” ብቐንዱ ብኢሳይያስ ዝተወጠነ ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕላምኡ “ኣብ ዝተበታተን ዝተነጻጸለን መሬት ልምዓት ምርግጋጽ ኣይካእልን” ብዝብል፡ መንግስቲ መሬት ሓረስቶት መንጢሉ፡ ባዕሉ ሓሪሱ ለውጢ ንምምጻእ ዝዓለመ ነይሩ፡፡ ከምቲ ዝተዓዘብናዮ ብዙሓት ሓረስቶት ዘፈናቐለ ፖሊሲ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ምፍሻሉ ይፍለጥ፡፡ ኣብ ከባቢታት ዲጋ ዓዲሃሎ’ውን ብተመሳሳሊ ካብ ዓሚ ጀሚሩ፡ መሬቶም ዝተመንጠሉ ሓረስቶት ከባቢታት ጎዳይፍ፡ ዓዲ ጓዕዳድን መርሓኖን ብድራር ዕለት ኣብቲ ሕርሻታት ክወፍሩ ጸኒሖም እዮም፡፡ ዓሚ እቲ ጎላጉል ስርናይ ተዘሪኡ ብዘይ እቶት ጻሕጺሑ ተሪፉ እዩ፡፡ ለሚዘመን’ውን ስርናይ ተዘሪኡ ኣሎ ውጽኢቱ ከኣ ብሓባር ንሪኦ፡፡

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ!

ነዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍ ክዛዝሞ እንከለኹ፡ ኣብዝሓለፈ ብመልክዕ “እዋናዊ ዛዕባ” ምስ ዝፈነኹዎ ጽሑፍ፡ ብሓባር ብምትእስሳር ክረአ ዝግበኦ ሓደ ጭቡጥ መረዳእታ ብምውሳኽ እዩ፡፡ ኩሉ ሃገራዊ ዕማማት ኣወንዚፉ፡ ኣብ “ታባ ኢሳይያስ” ተሰኪዑ፡ ብወትሃደራውያን ጎባልል ተኸቢቡ፡ ሃገር ኣብ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝሓሰመ ደልሃመት ዘጥሕላ ዘሎ ፕረሲዳንት ኢሳይያስ፡ ብጀካ ‘ቶም ብስም መራሕቲ “መኸተ ዞባታት” ዝመዘዞም ኣሳሰይቲ ጀነራላት፡ እቶም ኣብ ዓዲሃሎ ኣብ ኢዱ ዝተረፉ ኣባላት ድማ ቀጺለ ከፋልጠኩም፡፡

ኢሳይያስ ሃገር ክሃንጽ ንዝኽእል ኩሉ ሙሁርን ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብን ካብ ዓዲሃሎ በቢእብረ ምስ ሰጎገ፡ ኣብ ትሕቲኡ ኣብዚ እዋን እትርከብን ባዕሉ ከም ቀንዲ ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ሰሙናዊ ገምጋም ዘካይደላን ከምድላዩ ዝገብራ ዝስዕቡ ኣባላት ዘለውዋ “ምእዝዝቲ ጉጅለ” ኣላ፡፡

1. ብ/ጀነራል ፍጹም ገብረህይወት -ወዲ መምህር (ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ዓዲሃሎን ኣዛዚ ተወርዋሪ እዚን)

2. ብ/ጀነራል ሓዱሽ ኢፍሬም – ወዲ ኢፍሬም (ኣዛዚ መኸተ ዞባ ማእከልን እዚ ማእከልን)

3. ኮ/ል ሓረጎት ፍርዙን – ወዲ ፍርዙን (ኣዛዚ ክ/ሰ 22፡ ሓለዋ ዙርያ ዓዲሃሎን ኣባላት 28፡ 29 ዙርያ ሃ/ኣገልግሎትን)

4. ኮ/ል ብርሃነ ኤልያስ – ወዲ ኤልያስ (ኣዛዚ ክ/ሰ 525ን ምክትታል ስርሓት ዲጋን)

5. ሌ/ኮ ኣማኒኤል ተስፋጋብር (ካብ ክፍሊ ሓለዋን ጸጥታን ቤ/ጽ ፕረሲዳንት)

6. ሌ/ኮ ጌታቻው መርሃጽዮን (ጅኦሜትራን ኣካያዲ ስራሕ ማእከል ካርታን ሓበሬታን)

7. ሜጀር ኣኽሊሉ ሃብተማርያም – ቸንቶ (ኣብዚ እዋን ሓላፊ ኤ-ቴክን ኣካያዲ ስራሕ ጸሓያዊ ጸዓትን)

8. ተለንተ ቴድሮስ ተመልሶ (ሓላፊ ሃገራዊ ምውህሃድ ሙያዊ ጸጋ ሰብን ስርዓተ ምሕደራን)

9. ሳልሕ ኣሕመድዲን (ሓላፊ ፕሮጀክት ህንጸት)
10. ሴኖ ኣብርሃ (ሓላፊ እንዳ ሓጺን)
11. ሮቤል ሹፋ (ሓላፊ ጀመርቲ ክፍሊ ምህንድስና)
12. ሰመረ ታረቀ – ወዲ ታረቀ (ኣካያዲ ስራሕ ታንከራት) ምስኡ ብሓባር ንኣኼባ ዝዕደሙ ተመስገን ዳዊትን ዝተብሃሉ ኣካየድቲ ስራሕ ታንከራት ገርገራን ሓልሓለን ኣለው፡፡
13. ሜጀር ዳኒኤል ለባሱ (መካኒክ)
14. ኣለም በረኸት (ኤለክትሪሻን)
15. ሽሻይ ተስፋይ (ካብ ክፍሊ ማይ) እዮም፡፡ ብተወሳኺ ወዲ ሓፍቱ ንኢሳይያስ ምኻኑ ዝንገረሉ ሓደ ኤፍሬም ገብረሚካኤል ዝተብሃለ መንእሰይ ኣብቲ ኣኼባ ንሮቤል ሹፋ ተኪኡ ዝሳተፈሉ እዋናት ኣሎ፡፡

ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓ (National Interest) ኩሎም ዜጋታት ናይ ሓንቲ ሃገር ከከም ዓቕሞምን ክእለቶምን ኣብ ዘዝተዋፈርሉ ስርሓት ኣድማዒ ኣበርክቶ ክህልዎም ይኽእል’ዩ፡፡ ኣብ ሃገራት ዓለም ኣብ ፖሊሲታት ውሕስነት መግቢ፡ ትሕቲ ቅርጺን ኣገልግሎታትን ዝስልዕኦ ባጀት፡ ዝምድብኦ ግዜን፡ ዘዋፍርዎ ሰብኣዊ ዓቕምን እቲ ዝለዓለን ኣዚዩ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈን’ዩ፡፡ ከምቲ ዝተዓዘብኩምዎ ኣብ ሃገርና ድማ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ኢድ ሓደ ገባቲ ውልቀ ሰብ ምስ ወዓለ፡ ኩሎም ዓይነት ፖሊሲታትን ስትራተጅታትን ከምኡ ውን ዝሳተፍ ዓቕሚ ሰብ ብሕርያ “ኩሉ ባዕለይ” ኢሳይያስ ጥራይ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ሃገር ብሃገራ ተሓላቓይን ሙሁርን ዘይብላ እንክትመስል፡ ካብዞም ዝተገልጹ ሰባት ንጨና እኳ ኪኢላ “ዲጋን ዓበይቲ ፕሮጀክታትን” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል ዋላ ሓደ የልቦን፡፡

ኢሳይያስ ዘላቒ ፈታዊ ዘይብሉ ኣብ ሕልሚ ዝነብር ሰብ’ዩ፡፡ ታሪኽ ጉዕዞ 26 ዓመታት ኣጸቢቑ ንዝተዓዘቦ ሰብ ዘረጋግጾ ጉዳይ እንተሎ ኣብ ሃገርና “ሰብ እዋን…መጋብርቲ ምልኪ” ‘ምበር ብክእለቶምን ኣበርክትኦምን ናብ ስልጣን ዝተመዙ ዜጋታት ዘይምንባሮም’ዩ፡፡ ሎሚ’ውን ኣብዚ ዓውዲ ትማል ከም “እንዳ ማርያም ኣስመራ” ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ናብ ዓሻ ጎልጎል እንዳተመላለሰ ዝሳለሞ ዝነበረ ንወልዱ ባርያ ኣደስኪሉ፡ ካልኦት ቆጣቑጢ ሰብ ግዜ ብቦትኡ ክትክኡ ጌሩ ኣሎ፡፡ “ግዜ ለኩሉ” ከምዝበሎ ጠቢበ ሰለሙን ሕጂ’ውን እቲ ብንቕጽንኡን ብስርቁን ዝልለ ወልዱ ባርያ ፈቖዶ ባራት ኣስመራ ክኾልል ይውዕል’ሎ፡፡ ናይዞም ኣዘዝቲ “መኸተ ዞባ” ኮነ ሓለፍቲ ክፍልታት ዓዲሃሎ መወዳእታ’ውን ብሓባር ንሪኦ…ስለምንታይሲ ኣብ ጉዳይ ኢሳይያስ እቲ መልሲ… “ግዜ ለኩሉ” ጥራይ ስለዝኾነ፡፡
ወደሓንኩም!!!