ዝተኣረመ ፖለቲካዊ ሓተታ

ጉዕዞ ልኡኻት ህግደፍ ንኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ድዩ ወይስ ግላዊ? እዚ ጉዕዞ ልኡኻት ኢሰያስ ንኣዲስ ኣበባ፣ መሰል ልዑላዊነት አርትራ ብኢንተርናሽናል ቅጥዒ International Issue ዘማልአ ኣጀንዳ  ድዩ?


ንመን ትመጾ መን ይመጻ ትመጾ፣ ንመን ትመጾ ድማ መን ይመጻ ትመጾ። ብመሃንድሳት ስነኣምራዊ ምርምርን ስለላ መርበብ ጽዮናውያንን ተጸኒዑ ዝትግበር ዘሎ ድራማ። ክንብርኩት ከይንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ። ንሓደ ህዝቢ ውሑድ ግዜ ከተታልሎ ትኽእል፣ ብዙሕ ግዜ ድማ ከተታልሎ ትኽእል፣ ንዘልኣለም ከተታልሎ ግና ዘበትዩ።

 ንምዃኑ እዞም ሰለስተ ልኡኻት ኢሰያስ መንነቶም ካብ ሓማሴን ወይ ካብ ሰራየ ወይከኣ ካብ ኣከለጒዛይ፣ ካብ ባርካን ሰኒሒትን ሰምሃርን ደንከል ጋሽ ሰቲትን ድዮም? ወይስ ካብ ትግራይን ኣምሓራ?

እዚ የማነ ኣሰገሀኝ መሸሻ ዝብሃል በብኡ ኣምሓራይ በዲኡ ትግራዋይ ህበይ ዓላ ወይ ህበይ መዓልዲ ዝመስል ሰብዚ። ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ገብሪኤላ ብዓልቲ ዕድዋ፣ መዋእለን ስዋ ጸሚቖን ድራር ዕለተን ዘእትዋ ዝነበራ ኮይኑ፣  ወይዘሮ ገብሪኤላ ግና ወደን ካብ ሓደ ሓማሴናይ መታን መሲሉ ክረኣየለን፣ ቀንዲ ኣ ቡኡ ኣምሓራይ ኣሰገኝ መሸሻ ዝብሃል ክነሱ፣ ንኣቶ ገብረእብ ብዓል ሽከቲ ኣልጊበናሉ። ኣቶ ገብረኣብ ሓማሴናይ ወደባት እዮም:: ብመልክዕ ይኹን ብገጽ ብፍጹም ተኣምር ምስዚ ህበይ ዝመስል ፍጥረት እዚ ኣይመሳሰሉን እዮም። እቶም ኩሎም ደቀቦይ ገብረኣብ ድማ ምስዚ ሰላዪ ኣሜሪካ ፍጥረትዚ ፈጺሞም ኣይመሳሰሉዎን እዮም። ዝሓለፈሉ ድሙ ገረማርያም ስሙ።

የማነ ኣሰገሀኝ መሸሻ (ቅጽል ስሙ የማነ ገብረኣብ) ሓማሴናይ መታን መሲሉ ክረኣየለን፣ ቀንዲ ኣ ቡኡ ኣምሓራይ ኣሰገኝ መሸሻ ዝብሃል ክነሱ፣ ንኣቶ ገብረእብ ብዓል ሽከቲ ኣልጊበናሉ። ኣቶ ገብረኣብ ሓማሴናይ ወደባት እዮም ብመልክዕ ይኹን ብገጽ ብፍጹም ተኣምር ምስዚ ህበይ ዝመስል ፍጥረት እዚ ኣይመሳሰሉን እዮም።

ኣቶ ገብረኣብ ኣብ ሽከትን ኣብ ዓዲ ሰጕዶን መሬትን ርስትን ዝነበሩ ሓማሴናይ እዮም።

እዚ ትርእዩዎ ዘሎኹም ዖስማን ሳሊሕ ሞሓመድ ዝብሃክል ወሎየ፣በደውን ዓባስን እዩ ስለዝኾነ የማነ ማንኪ ጽሒፉ ዝሃቦ ጥራይ እዩ ወታእታእ እናበለ ዘንብብ። ሰብ ጸውዓለይ እንተበልኩዎስ ብዓል በለስ።ሓንሳብ ወዲ ዓፋር፣ ሓንሳእ ወዲ ዓሳውርታ እንዳተባህለ ይንገረሉ እምበር፣ እቲ ቀንዲ መወለዱስ ካብ ዎሎ እዩ። ምስ የማነ ማንኪ፣ ከም ሙሴን ኣሮንን ኮይኖም፣ እንዳገሹ፣ የማነ ዝበሎ ዝዛረብ ፓፓጋሎ እዩ። (ታርኽ ነቢ ሙሴን ኣሮንን፣ ሙሴ ወታእ እዩ ነይሩ፣ ንሙሴ ዝትርጉመሉን ዝዝረበሉን ኣሮን ስለዝነበረ እዩ።)ንመን ትመጾ መን ይመጻ ትመጾ፣ ንመት ትመጻ ድማ መን ትመጻ ይመጻ። እዛ ዓዲ ጀጋኑን ፈላስፋታትን ዝኾነት ሃገርና ኤርትራስ በዞም እካብ ወዲእካብ ክትግዛእ ከላ ኣዝዩ መዓንጣኻ ዝብንጥስ ነገር እዩ። እዚ ኣርእያ ደስታ ዝብሃል ድማ በብኡን በዲኡን ወዲ ኣውራጃ ዓጋመ እዩ። እቲ ብጽዮናውያን ዝተሓንጸጽ ውዲት፣ ንደቀባት ሓማሴንን ኣከለጒዛይን፣ ሰራየን፣ ኣላዕ ከተብሎም እንተድኣ ኮንካ ወይ ብንዳ ኣዲኡ ወይ ብንዳ ኣቦኡ ኣምሓራይ ወይ ትግራዋይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ስለዝኾነ፣ በቲ መደብ ጽዮናውያን እምብኣር ኣብ ውሽጢ ህግደፍ ኮይኖም ኣብ ዝልዓለ ጽፍሒ ስልጣን ተወጢሖም ዘለው፣ ኩሎም ካብ ሓለቕኦም ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተንቤናይ ጀሚሮም ምጻእተኛ እምበር ደቀባት የብሎምን።

እቶም ደቀባት ኤርትራ ግና ኣብ ቤት ማእሰቲ ይበልዩ ኣለው። እዚ ድማ ትእዛዝን መድብን ጽዮናውያን፣ “ንህዝቢ ኤርትራ ብገረብ ብሓኽላ ገርካ ጥራይ ኢኽ ኣላሽ ከተብሎ ዝከኣል እምበር፣ ብፍላይ ካብቶም ደቀባት ከበሳ እንተድኣ ኣብ መሪሕነት ኣምጺእካ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ክትቆጻጽሮ ኣይከኣልን እዩ” ካብ ዝብል ውዲት እዩ እምብኣር፣ ጽዮናውያን ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ነዞም ጁጅማጁጅ መልሚሎም ብምስልጣን ትንፋስ ህዝቢ ዘምልዑ ዘለው።  እዚ ኣርኣያ ደስታ ዝብሃል ሰብዚ፣ ብ1945 ዓ.ም.ፈ. ዝተወልደ፣ ኣብ ሜዳ ከይዱ ግና ብራሾማይ ወይ ብራኳ ማይ ዘየቐበለ፣ ክሳብ ሎሚ ዲፕሎማት ኢሰያስ ኮይኑ እዩ ንኢሰያስ ዘገልግል ዘሎ። እዚ ሰብዚ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሃገር ስዊድን ከም ዲፕሎማት ህግደፍ ኮይኑ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሰብ ጸውዓለይ እንተበልኩዎስ ብዓል በለስ ከምዝብሃል ግና፣ ካብ 2006 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ክሳብ 2014 ዓ.ም.ፈ. ወኪል ኢሰያስ ኮይኑ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸኒሑ። ሎሚ ከኣ በቲ ዝሰልጠኖ ሞያ ስለላ ስኣይኤ ንኢሰያስ ወኪሉ ምስ የማነ ማንኪን ምስ ዖስማን ሳሊሕ ሞሓመድ ንኢትዮጵያ ተላኢኹ። ክንብርኲት ከይንብርኲት ኣብ ማይ እስከ ንብጻ!  

ንህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ገፊፍካ፣ብውዲት ባዕዳውያን ሃገራት ብፍላይ ከኣ ብኣመንግስቲ ኣሜሪካን፣ እንግሊዝን እስራኤን፣ ዝተመደበን ዝተውሰነን  ፕሮጀክት ዓመጽ፣ ኮይኑ፣ በቲ ኣባሎም እንኮ ሕገ-ኣልቦ ኢሰያስን፣ ብዚ መልሚሎም ኣምጺኦሞ ዘለው ዶር. እቢዪ ኣሓመድን ጸረ  ህዝባዊን ልዑላዊን ቅጥዒ ዝኾነ ውዲት ይካየድ ኣሎ። ንሓደ ህዝቢ፣ ውሑድ ግዜ ከተታልሎ ይከኣል እዩ፣ ብዙሕ ግዜ ከተታልሎውን ይከኣል እዩ፣ ንዘልኣለም ከተታልሎ ግና ዘበት። እዞም ዘይሓንኩ እካብ ወዲ እካብ መራሕቲ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ ግና፣ ንዘልኣለም ንህዝቢ ኤርትራ ንኸታልልዎ ገልዳሕ ይብሉ ንዕዘቦም ኣሎና። ክንደይ ዓቐብ ዘይጠረጥና በለት እድጊ እንዳቦይ ሰዓረ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚኦም ዘረብረበ እዩ። ዝመጸ እንተመጸ ግና እቲ ቃልሲ ህዝቢ አርትር ደው ኣይክብልን እዩ። 

ን20 ዓመታት  ተረሲዑ ዝጸንሕ ዶባዊ ጕዳይ፣ ስለምንታይ ሎሚ ብፍላይ ድሕሪ ዑደት ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ንኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ሓዲሽ ተርእዮ ክኽሰት  ጀሚሩ?

1.) እዞም ልኡኻት ህግደፍ ንኣዲስ እበባ ትማሊ ዝኣተውን፣ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ዝተራኸቡን፣ መሰል ልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእትዮም ድዮም ተራኺቦም?

2.) እዚ ትማሊ ዝተኻየደ ርክብ ልኡኻት ህግደፍ ምስ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ፣ ኣብ ዓለምለኻዊን ወግዓዊን ቅጥዒ ዝተመርኮሰን፣ ጕዳይ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ዝምልከት ውዕል ኣልጀርያን፣ ሕቶ ካሕሳን መሰረታዊ ፍታሕን ዘማልአ ድዩ?

3.) እዚ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ርክብ ወከልቲ ኢሰያስን ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድን፣ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራን፣ ሕቶ ተቓወምቲ ውድባትን ኣብ ግምት ኣእትዩ ድዩ ተኻይዱ፣ ወይስ መንግስቲ ኣሜሪካን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዝደልዩዎ ጠለብ ሒዙ ጥራይ እዩ ተኻይዱ?

4.) ህግደፍ ድሕሪ ዶባዊ ኲናት ባዱመ ድሕሪ 18 ዓመታት ማለትዩ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርድዳእ ንኣዲስ ኣበባ ንኽኸይድ ዝወሰነ ስለምንታይ እዩ ?

5.) ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቶም ዘሎው  መባእታውያን  ተበግሶታት እዞም ዝስዕቡ እዮም :-
> እሱራት ምፍታሕን
> መሰል ሰላማዊ ሰልፊ ምፍቃድ
> ንህዝቢ ተስፋታት ድሕነትን ፍቕርን ምትስፋው

ኣብ ኤርትራኸ

1. ሕቶ እሱራት ምፍታሕ ተላዒሉዶ?
2. መሰል ሰላማዊ ሰልፊኸ ንምዃኑ ኣሎዶ ?
3. ትርጉም ልዑላውነት ህዝብን ሃገርንከ ብህግድፍ ተኸቢሩ ድዩ?

 ስለምንታይ ኣብዘን ዝሓለፋ 18 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ክእሰርን ክጭቆንን ክስደድን ጸኒሑ?

ካብ 1992 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብትእዛዝ ኢሰያስ ዘይተኣደነ ሰብኣዊ ግህሰትን፣ ኢሰብኣዊ ወፍርን ከካይድ ከሎ፣ ስለምንታይ እተን ንፍትሕን ዲሞክራስን ለውጢ መለኽቲ መራሕቲ (ረጂም ቸንጅን =Regiem Change) ንጣበቕ ኢና ዝብላ መንግስታት፣ ከም ብዓል መንግስቲ ኣሜሪካን፣ እንግሊዝን ፈረንሳን ወዘተ… ነዚ ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ ግንከኣ ብሕጊ ዘይቆመን፣ ንህዝቢ መሊኹ ዝገዝእ ዘሎ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዓገብ ዘይበሉዎ? ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን! ጉዳይ ነጻነት ኤርትራ ካብ ቅድሚ ቃልሲ አርትራ ጀሚሩ፣ መንግስቲ ኣሜሪካን እንግልዝን ብመትከል ከምዝቋወምኦ ነቶም ካብ ኣፍንጫና ኣርሕቕ ኣቢና ንጥምት ሰባት ከም ጽሓይ ቀትሪ በሪሁልና እዩ ። ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቦኹም ኣብዘደቀሱና ምኻኑ  ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና ዓው! ኢልና ዝተዛረብናሉ እዩ። ኣብዚ ሎሚ ቅነ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዛዕባ ጕዳይ ዶብ ዝቐርብ ዘሎ በብዓይነቱ ርእይቶታት፣ ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ  ምኻኑ ጥራይ ዘይኮነስ፣ውዲታዊ ምኻኑ ከኣ በሪሁልና እዩ።

ዝኾነኮይኑ፣ እዞም ክልተ-ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ ውድባት ህግደፍን ወያኔን፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም፣ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ግዳይ ጂኦግራፊካዊን፣ ታሪኻዊ ጅግንነቱን ገሮም ኣላሽ ኣቢሎም፣ ነቶም ቶዃሉ ጽዮናውያን ኣሕሊፎም ንኽህቡዎ እዮም ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ሃጸያውያንን ተዓስኪሮም። ሻዕብያን ህውሓት ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽኾኑ እዮም ብመሃንድሳት ጽዮናዉያን ተመልሚሎም ተሰሪሖም። ብፍላይ እኳድኣ ብስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝን ኣሜሪካን እስራአልን እዮም ተመልሚሎም ሰልጢኖም። እወ እዞም  ተዛረብቲ ኣቑሑት ጋንታ ወያኔን ህግደፍን፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም እዮም፣ ንስትራተጂካዊ ረብሓ  ጽዮናውያን ጥራይ ክብሉ እዮም ንኤርትራውን ትግራዋይን ወለዶ ከጽንቱ ጸኒሖም።

እቲ መደብን ስትራተጂን መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን፣ ኤርትራ ብምንም ዓይነት ሓራ ኮይና ብልዕላውነት ሃገር ክትፍለጥ ፍጹም  ከምዘይደልዩካብ 1952 ዓ.ም.ፈ. ኣፍሊጦምና እዮም። መታን ንሶም ጽዮንዝውያን ዝመደቡዎ መደብ ከይፈሽል ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ይጸንት ኣሎ። እወ፣ እቲ ዝገርመና ግና፣ ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን  ብድሎ ከይትዕሎ ክስዕሩዎ ከምዘይክእሉ ስለዘረጋገጹ፣ ገረብ ብሓኽላ ዝብል ውዲት ፈጢሮም፣ ነዞም ኣተዓብብያን፣ መንነታዊ ቅልውላውን ዝበደሎም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ ደቓሉ ህግደፍን ወያኔን ሊኢኾምሉ። እቲ ዘስደምም ተዋስኦ ድማ ንክልቲኦም (ንሻዕብያን ወያኔን) ከም ሳእኒ ኣብልዮም ምስተጠቕሙሎም ፣ እንሆ ሎሚ ሓዲግ መዲግ ክገብሩዎም ንዕዘብ ኣሎና።

እዞም ብህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዘይግደሱ ክነሶም፣ ፈላልዮም ከባልዑዎ ዝጸንሑ ስልጡናት ማፍያ፣  ብትእዛዝ ጎይቶቶም፣ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤልን፣ ብድሕሪ ነጻነት ኤርትራ፣ ከይሓነኹ! <ደርሆ ሂቦም እንቍቕሖ ይደልዩ> ከምዝብሃል፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ኲናት ሓድሕድ ወሊዖም።  በታ ካብ 16.000 ዘይበዝሕ ህዝቢ ዝነብረላ ቑሸት ባድመ ኣሳቢቦም ድማ ካብ 200.000 ዘይውሕዱ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣህሊቖም። እዚ ኩሉ ሓሊፉ ድማ ሎሚ እዚ ንርእዮ ዘሎና ውዲታዊ ድራማ ይካየድ ኣሎ።

እዞም ተጣበቕቲ ህዝቢ ኢና እንዳበሉ ንፍርቂ ዘመን ዝኣክል ንከልቲኡ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ከዳናግሩ ዝጸንሑ፣ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን፣ ኣብዚ እዋንዚ ግና ድሕሪ ብዙሕ ስቓይን መከራን፣ ስደትን ህልቀትን ጥሜትን ዕርቃንን ህዝብታት፣ መድረኾም ስለዝኣኸለ፣ ብሓዲሽ ውዲት፣ ሓዲሽ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ቀዳማይ ሚንስተር ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዝተባህለ፣ ከም መሲሕ ኮይኑ፣  ነቲ ንዘመናት ዝኸይድ ዝጸንሐ ዘይተኣደነ ሽግር ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ዶባዊ ጉዳይ ባዱመን ጸሮናን ዝኣመሰሉ ዝደስከሉ ሽግራት ክፈትሕ  ዛጊት ብጽዮናውያን ተመልሚሉ ለይትን መዓልትን ዘይፍጸም ተስፋታት ከተስፉ ገልዳሕ ይብል ኣሎ። ንሱውን መን መልሚሉ ከምዝልኣኾ ኣጸቢቕና ፈልጥና ኢና።ጽባሕ ብጊሓት ድማ እንታይ ከምዝመጽእ ዛጊት ፈሊጥና ስለዘሎና፣ በቲ ኣቢዪ ዘተስፉዎ ዘሎ ዘይፍጸም ተስፋታት ኣይክንታለልን ኢና። ኣስተብህል፣ ተስፋታት  ፕረሲደንት ኣሜሪካ ነበር  ባራክ ኦባማ እኮ ተዓዚብናን ተመኲርናን ኢና። ትማልን ሎሚን ድማ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ንህዝቢ ኣሜሪካ እንታይ እንታይ ኢሉ ተስፋታት ከምዝሃቦ እይሰማዕናን፣  ኣይተዕዘብናን ዲና። ክሰርቀኒ ከሎ ዘይኣምኖስ፣ ክህበኒ ነይኣምኖ።

እቶም ክልተ ክናናን ምናናን ህግደፍን ወያኔን ግና፣ በቲ ን27 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተላገጹዎ ላግጺ፣ ንመረዳእታ ብመኽንያት ኢሰብኣዊ ፍጻሜታትን፣ ሰብኣዊ ግህሰትን፣ቅዱስ ሃይማኖት ምንዋርን፣ ውርዙይ ባህሊ ምብዕላግን፣ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ፣ ብስነኣእምራዊ ረቂቕ ውዲት ጽዮናውያን፣ ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዮም፣ ብሳላ ጎይቶቶም  ብነጻ ንክነብሩ ብጎይተቶም ዛጊት መብጽዓ ተኣትዩሎም ኣሎ። “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ”፣  ጉዳይ ዶብ ባድመ፣ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዘይደለይዎ ክነሱ፣ ብድፍኢት ጽዮናውያን ግና ብፍላይ ንምዕባሌ ኤርትራ፣ ብሓፈሻ ከኣ ንኢትዮጵያ ንድሕሪት ክጎትት ክኢሉ። ዓሳኽር ጽዮናውያን ወያኔን ህግደፍን ግና፣ በቲ ዘሚቶም ኣብ ባዕዳውያን ባንክታት (ኦፍሾር ባንክስ) ኣሕሊፎሞ ዘለው ገንዘብን ወርቅን ከም ዋሕስነት ሕይወቶም (ላይፍ ኢንሹራንስ) ብጎይቶቶም ጽዮናውያን ስለዝተሓስበሎም ብዘይ ፍርዲ ዕስክርንኦም ክቕጽሉ ይሕሰብ ኣሎ።

እዞም ካብ ብኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ ጭፍራ ወያኔን ህግደፍን፣ ብመጽናዕቲ መሃንድሳት ባዕድውያን፣ ገና ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብገርሁ ከሎ፣ ብመደብ ተመልሚሎም፣ ከም ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ንስትራተጂካዊ ረብሓ ባዕዳውያን ንኽኽድሙ ዝተላእኩ ክንሶም፣ ንህዝቢ ንኸታልሉ ግና ብማርክሰ ለሊንነት ገሮም ንቀልቢ መንእሰይ ሰሊቦም ንረብሓ ባዕዳውያን በጃ ከምዝሓልፍ ገሮሞ። ሓቂዶ ሓሶት? እወ፣ ብማርክሰ ለኒን ብምሽቃጥ ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ተላጊጾምሉ። ብሕጂ ግና ሓዲስሽ ኮይኑ ዝነብር ስለዘየለ ንሶምውን እንሆ ዕጫ ንጉስ ሃይለስላሴን መንግስቱ ኃይለማርያምን ከተርክቦም ንዕዘብ ኣሎን። መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ።

ስለምንታይ ድሕሪ 30 ዓመት ዝወሰደ ሰውራ  ኤርትራ፣ ድሕሪ 17 ዓመት ከኣ ሰውራ ትግራይ፣ እዞም ብዓሌትን ብባህልን ዘይርሓሓቑ ክልተ ገጽ ሓደቅርሺ ዝኾኑ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን፣ ኣብ ኲናት ባድመ ብምእታው ሕማም ድሕር ፈጢሮም፣ ንዝብል ሕቶ መልሱ፣ ነቲ ዝመራመርን ብፍላይ ንታሪኽ መሳፍንቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ከኣ ክከታተል ዝጸንሐን ግዱስ ሃገራዊ  ኣይጠፍኦን እዩ። እወ፣ ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ፣ ኣብ ሃገራዊ ልምዓትን፣ ኣብ ሰላምን ኣድሂቦም ክንዲ ንህዝቢ ዝመርሑ፣ ብባዕዳውያን ተኣዚዞም ግና ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን57 ዓመታት፣ ካብ  ፍርቂ ዘመን ንላዕሊ ድሕሪ ምድኻሞም፣ ካብ ምዕባሌን ሓርነትን ንድሕሪ መሊሶሞ። ሓቂዶ ሓሶት ክቡራት ተኻታተልቲ!

 ዊዲታዊ ግንከኣ ክትርድኦ ቀሊል ዘይኮነ ረፎርሙላ

ነዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ሓተታ እንተድኣ ተረዲኡኩም ንውዲት ጎይቶት  ህግደን ወያኔን፣ ከምእውን ንወያኔን ህግደፍን ክትርድኡዎ ኢኹም።

 ንቡር – ጸረ-ንቡር= ዘይንቡር (Thesis, Antithesis, Synthesis)

እቲ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1868 ድሕሪ ሞት ንጉስ ቴድሮስ፣ ኣብ ዊዲታዊን፣ ግንከኣ ክትርድኦ ቀሊል ዘይኮነ ፎርሙላን ዝተመርኮሰ መስርሕ እዩ ክኸይድ ጸኒሑ።

እዞም ንቡር፣ ጸረ-ንቡር= ዘይንቡር (Thesis, Antithesis= Synthesis) ዝብሃሉ ፎርሙላታት፣ ትርጉሞም ብኣድህቦ እንተድኣ ተረዲእናዮም፣ ኣብ ኩሉ ኲርናዕ ዓለም ዘሎ መስርሕ ፖለቲካ ሓንቲ ሃገር ብቐሊሉ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ንመረዳእታ፤ Thesis: People need to go the bank to draw cash. ህዝቢ ገንዘብ ከውጽእ ንባንክ ይኸይድ Antithesis: It’s not necessary to go to the bank to draw money. ገንዘብ ንምውጻእ ንባንኪ ምኻድ ኣየድልን። Synthesis: Develop ATMs that can dispense cash at convenient locations. ኣብ ኣድላዪ ቦታታት ገንዘብ ከተውጽኣለን እትኽእል ኣውተማቲክ ማሺናት ከተማዕብል ኣሎካ

እዚ ማለት ድማ፣ ነቲ ንቡር ወይ ንመዋእል ዝጸንሐ ምዕባሌ፣ ለውጢ ዘምጽእ መስርሕ ፈጢርካ ብሓዲሽ ምቕያሩ። እቲ ንቡር ስርዓት ንነዊሕ እዋን ምስዝቕጽል፣ ባህርያዊ እዩ እቲ መንግስቲ ጌጋ ክገብር፣ እቲ ህዝቢ ድማ ምሕደራ ክጎድል ክዕዘብ ከሎ፣ ግድነትን ባህርያዊን እዩ ቁጠዕዑ ከርኢ። ብዚ መኽንያትዚ እምብኣር፣ነቲ ንቡር ብጸረ-ንቡር ገሩ ኣብ ዘይንቡር ይቕይሮ ማለት እዩ። እዚ ማለት ግና ብቕኑዕ ኣፈታትኻ ግርጭት ተጠቒምካ፣ ንህዝቢ ከይከዳዕካን  ምዕቡል ዝኾነ (Synthesis) ምሕደርስ ምምጻእ ማለትይ እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፣ ነቲ ፍትሓዊ ዝኾነ ተበግሶ ህዝባዊ መኸተ፣ ብከድዓት ይጭወሞ፣ ነቲ ህዝቢ ተመሲሎም፣ ድልየት ህዝቢ ከኣ ዘተግብሩ ተመሲሎም፣ ኣብ መወዳእታ ግና  ነቲ ህዝቢ ከዲዖም፣ ነቲ ብመኸተን ቃልስን ህዝቢ ዝተረኽበ ዓወት ኣብ ጸረ ህዝቢ ቀዪሮም ኣብ ረብሐኦም የውዕሉዎ ማለትዩ።

እዚ መስርሕዚ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ  ሞት ንጉስ ቴድሮስ  ጀሚሮም ጽዮናውያን በዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ 3 ፎርሙላታት ቀንዲ መሳለጢ ፖለቲካዊ ብዕልግና ገሮመን። እወ፣ እዚ ማለት ከኣ እቶም ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ንህዝቢ ተመሲሎም፣ ግንከኣ ንሕልናን ስምዒትን ጭርሖታት ህዝቢ ብውዲት ዘሚቶም፣ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ዝስለፉ ተመሲሎም፣ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ የበርዕኑዎ። እቲ ንቡር ዝነበረ ምሕደራ እምብኣር፣ ብጸረ ንቡር ተጨውዩ፣  ዘይንቡር ስርዓት ይምስርት ማለትዩ።

ንመረዳእታ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንጉስ ቴድሮስ ነይሩ፣ ብ1868 ብእንግሊዛውያን ተሳዒሩ፣ ብጸረ-ንቡር ወይ ብወራር ኣብ ዘይንቡር ተለዊጡ። ድሕሪኡ ንግስነት ንጉስ የውሃንስ ትግራዋይ ኣርኪቡ። ንሱውን ሓሊፉ። ድሕሪ  ሞት ንጉስ ትግራይ ድማ ንግስነት ዳግማዊ ምነሊክ ኣርከበ፣ ነዚ ድማ ብወራር ጣልያን ነቲ ንቡር ኮይኑ ዝጸንሐ መስርሕ ምሕደራ፣ ደምሲሶም ብዕሉግ ባህሊ ኤውሮጳ ዝሓዘ ጸረ ባህልን ሃይማኖትን ዝኾነ ዘይንቡር ምሕደራ ኣብ  ኢትዮጵያ ተኣታተወ። ስለዚ እምብኣር እቲ ንቡር ዝነበረ ምሕደራ ብጸረንቡር ተጨውዩ ኣብ ዘይንቡር ስርዓት ተቐየረ። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ንጉስ ዳግማዊ ምነሊክን ብኮሎንያል ጣልያን ተተኪእ። ኮሎንያል ጣልያን ድማ ተሳዒሩ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ምስወጸ  ብንጉስ ሃይለስላሴ ተተኪኡ፣ መስፍናዊ ሥርዓት ህይለስላሴ  ድማ ከም ንቡር ኮይኑ ን40 ዓመታት ጸኒሑ።

ብድሕር መስፍናዊ ጭቆናን፣ ብጥሜት ኣብ ክፍለሃገር ወሎን ትግራይን ዝተባርዐ ጥሜትን ዕርቃንን፣ እኳድኣ ዘይሕለ መኸተ ድማ ብህዝቢ ኤርትራን ምስተኸስተ፣ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ብጸረ ንቡር ብኣብዮት ህዝቢ ካብ ስልጣኑ ተሳናቢቱ። እቲ ህዝባዊ መኸተ ዘምጽኦ ዓወት ግና ብግጅለ መኮንናት ወተሃደራት ተዘሚቱ (ብጸረ ንቡር)። ኣንግህ ኣቢሉ ድማ እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ፣ ”ኢትዮጵያ ትቕደም ያለምንም ደም“ ዝብል ዘብህግን፣ ስምዒትካ ዝትንክፍን ውዲታዊ ጭርሖ ኣምጽኤ።  ድሕሪ ምዓር ዝተሓወሶ  ጭርሖ ክጭርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ግና፣  መታን ነቲ መደባቱ ከተግብር ከኣ “ወፍሪ ልምዓት ሃገር” ዘመቻ ዝብሃል ፕሮግራም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣወጀሉ።

እቲ ቀንዲ መደቡ ግና ተማሃሮ እንተድኣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቶምን ዩኒቬርሲቲን ጸኒሖም፣ ግድነት ነቲ ፕሮግራም ህልቀትን ጥፍኣትን ህዝቢ፣ ወተሃደራዊ መንግስቲ ክዕንቅፎ ስለዝኽእል፣ ወፍሪ ተማሃሮ ብኣዋጅ ኣተግበረ። ሽዑ ድማ ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ፣ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ  ንበረኻ ምስከዱሉ፣ ነቲ ”ኢትዮጵያ ትቕደም፣ ያለ ምንም ደም“ ኢሉ ዝጨርሖ ጭርሖ ክሒዱ፣ ራዛ ናየብኡ ሓዛ፣ ከምታ ንጉስ ሃይለስላሴ ዝፍጽማ ዝነበረ፣ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ሰውራ ኤርትራን ኲናት ኣዊጁ። ኣስተብህል፣ ብፍላይ ፕሮጀክት ጽዮናውያን፣ ብሓፈሻ ድማ oሮጀክት ኣሜሪካን እንግሊዝን። ኣብዚ እምብኣር ግዝያዊ መንግስቲ ደርጊ ነቲ ንቡር ዝነበረ (መግዛእቲ ንጉስ ሃይለስላሰ) ብጸረ ንቡር (ሰውራ ወይ ኣብዮት) ገሩ ኣብ ዘይንቡር ቀየሮ። ጸኑሑ ድማ እቲ ዘይንቡር ከም ንቡር ኮይኑ ቀጸለ። መጎታዊን ባህርያዊን ስለ ዝኾነ ድማ ግድነት ይኸውን ህዝቢ እንደገና ምስመረሮ ቊጠዓዑ ከርኢ። ጸረ ንቡር ቃልሲ ከካዪድ ማለትዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ጭፍራ ወያኔን ጭፍራ ሻዕብያን፣ ብውዲታዊ ስራሕ ጽዮናውያን ተመiሖም፣ ተሓለቕቲ ህዝቢ ተመሲሎም፣ ጸረ ንቡር (ሰውራ) ኣካዪዶም በቲ ብጂሚ ካርተር ዝተዋህቦም ስትራተጂ ድማ  ንመንግስቲ ደርጊ ኣውደቑዎ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ካ ሶቭየት ሕብረት ነጻ ኮነት። ወያነን ሻዕብያን እምብኣር ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኖም በዚ ይረጋገጽ፣ ሓቂዶ ሓሶት?።

ንጉስ ቴድሮስን፣ ንጉስስ የውሃንስን፣ ንጉስ ዳግማዊ ምነሊክን
መሃንድሳት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን

ኣስተብህል፣ ድሕሪ ሞት ንጉስ ቴድሮስ፣ ንጉስ የውሃንስ ኣብ ትግራይ፣ ንጉስ ዳግማዊ ሚነሊክ ድማ ኣብ ሽዋ ነበሩ። እንግሊዛውያን፣ ንንጉስ ቴድሮስ ብውዲት ምስ ስዓሩዎ ንንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ ብረቂቕ ስለላዊ ውዲት ዓስከሩዎ። ንጉስ መነሊክ ድማ ሰላዪ እንግሊዝን ኮሎንያል ጣልያንን ከኣ ኮነ። ብድሕሪዚ ንንጉስ ትግራይ የውሃንስ ብውዲት እንግሊዝ ኣብ መተማ ድሕሪ ምስያፉ፣ ንጉስ መነሊክ ግና ብእንግሊዝን ኮሎንያል ጣልያንን ሓዲሽ ሰላዪ ኮይኑ ክሳብ ብባህርያዊ ሞት ዝሓልፍ ንጉስ ኢዮጵያ ኮነ።  ድሕሪ ሞት ንጉስ መነሊክ ድማ ብዓባይ ብሪጣንያ ዝሰልጠነ ንጉስ ሃይለስላሴ ዝብሃል ኣሰልጢኖም ወራስ ዓራት ንኽኸውን ሓጸዩዎ። ድሕሪ ወራር ኮሎንያል ጣልያን ድማ፣ ንጉስ ሃይለስላሴ ንእንግሊዝ ሃገር ተሰደ። ድሕሪ ስዕረት ኮሎንያል ጣልያን ብኮሎንያል እንግሊዝ ድማ ንጉስ ሃይለስላሴ ብመንግስቲ እንግሊዝ ዘውዲ ደፊኡ ንጉስ ኢትዮጵያ ኣበለ። ድሕሪኡ ግና መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ ኢድ እንግሊዝ ከኣ ጨወዮም ኩርኩሮም ገበሩዎ።ክሳብ ዝመውት ድማ ጆን ስፐንሰር ዝብሃል ኣሜሪካዊ ቀንዲ ኣማኻሪ ንጉስ ሃይለስላሴ ከተብሉ። ክሳብ ዝመውት ድማ ክፍኣትን ስለላን ኮሎላን የማኽሮ ነበረ።

ደርግን መሃንድሳት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን

መስፍናዊ መግዛእቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ንኣስታት 40 ዓመታት ድሕሪ ምጽና ክምሽምሽ ጀመረ። ብህዝባዊ ናዕቢ ድማ ተሳናበተ። መንግስቲ እንግሊዝ ግና ንንጉስ ሃይለስላሴ ስለዝኣረገ ከተድሕኖ ኣይከኣለትን። ድሕሪኡ ግና ግዝያዊ መንግስቲ ወተሃደራዊ ደርጊ  ኣብ ስልጣን መጸ። ድሕሪ ውድቀት ንጉስ ሃይለስላሴ ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ በዅሪ ኣኼባኡ ከካይድ ከሎ፣ ካብ መላእ ዓለም ዘለዋ ሃገራት፣ ስለላ መርበብ እንግሊዝ ጥራይ እዮም ነቲ ኣኼባ ደርጊ ተኻፊሎሞ።

ወያኔን መሃንድሳት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን

ንወያኔ ድማ ገና ንሜዳ ቅድሚ ምውፋሮም ብመጽናዕትን ምርምርም መሃንድሳት ጽዮናውያን ንነዊሕ ስትራተጂ ንኸገልግሉዎም፣ ግንከኣ ምስቲ ቅድሚ ወያኔ ምፍጣሮም፣ ብሲ.ኣይ.ኤ. ዝተዓስከረ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተላፊኖም እንዳሰርሑ፣ መተካእታ ደርግን ንጉስ ሃይለስላሴን ብምኻን፣ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ክሰርሑን፣ ብረቂቕ ውዲታዊ ሜላ፣ መልሚሎም ዘሰልጠኑዎም እዮም። እወ፣ ብርግጽ ንወያኔ ዝመሃዙዎም መሃንድሳት ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝ እዮም። ንኢሰያስ ድማ ካብ 1966 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም ብስለላ መልሚሎምን ኣሰልጢኖምን ዝኸተቡዎ፣ ማእከላይ ሰለላ መርበብ ኣሜሪካ እዮም።

ኣስተብህል፣
ንንጉስ ሃይለስላሴ ኣሰልጢኖም ኣብ ንግስነት ዝሰቐሉዎ እንግሊዛውያን ካብ ኮኑ፣ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ብተልሜደን መኮንናት ዝተኻየደ ቦኽሪ ኣኼባ ደርጊ ፣ ካብ ነበሩ፣ ነቲ ገርሀኛ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምድንጋር ሽዑ ዝዝርጋሕ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ ግና፣ “ፖለቲካዊን ስትራተ- ጂካዊን ዝምድና መንግሥቱ ኃይለማርያም፣ ምስ ሶቭየት ሕብረት እዩ“ ዝብልዩ ዝነበረ። እቲ ሓቂ ግና ብፍላይ መንግስቲ እንግሊዝ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ኤም.ኣይ.6፣ ብሓፈሻ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካን ብማእከላይ ስለላ መርበባ ኣሜሪካ (ሲኣይኤ)፣ መንግስቲ እስራኤል ድማ ብስለላ መርበባ ሞሳዓድ ኣዋፊረን እየን ንደርጊ ብስዉር ውዲታዊ ሜላ ኣብትሕቲኤን ኣእቲየንኦ ዝነበራ። (ንመወከሲ ብዘነበ ፈለቀ ዝተደርሰ “ነበር“ መጽሓፍ)

ንወያኔን ንሻዕብያንውን ከደምቲ ጽዮናውያን ንኽኾኑ ስለላ መርበብ ባዕዳውያን ብፍላይ እኳድኣ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ (ኤምኣይ6) ካብ መሃዞም፣ ሎሚኸ ኣቢዪ ኣሕመድ፣ ንሽግር ኤርትራን ኢትዮጵያን ንክፈትሕ ኢሉ ድዩ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ዱብ ኢሉ መጺኡ? ወይስ ባዕዳውያን ብፍላይ መሃንድሳት እንግሊዝን ኣሜሪካን፣ ብረቂቕ ውዲታዊ ሜላ፣ ወይከኣ ብስነኣእምራዊ ስልቲ ዝተሰነየ ስለላዊ ትምህርቲ ኣስኒቖም፣ ኣሰልጢኖም ዝልኣኹዎ እዮም። ርግጽዩ፣ ንሕልናን እዋናዊ ስምዒትን ህዝቢ መዝሚዙ፣ ዝፍጸሙን ዘይፍጸሙን ተስፋታት ንህዝቢ እንዳኣተስፈወ፣ ንነዊሕ ዝኸይድ ስትራተጂካዊ ረብሓ ጽዮናውያን ዝሕሉ ረቂቕ ፕላትፎርም ሒዙ እዩ ተፈንዩ ዘሎ? ንምዃኑ መንዮም ንዶር. እቢዪ ኣሕመድከ ልኢኾሞ ትፈልጡዎምዶ? ህዝቢ ኢትዮጵያዶ? ባዕዳውያን መንግስታት? እንግሊዝን ኣሜሪካንዶ ወይስ ከኣ ስለላ መርበብ እስራኤል  (ሞሳዓድ) እስራኤል ምዃኖምዶ ትፈልጡዎም?

 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ 27 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ.