ወትሩ ኣብ ሓድሽ ዓመት ሓድሽ ተዋስኦ ዘይፍለዮ ኣባጓይላ ኢሳይያስ፡ ዓመተ 2018 ከኣ፡ ከምኣመሉ ምስ ሱዳን ብሓዱሽ ወጥሪ፡ ምስ ግብጺ ብ“ሃነፍነፍን ጽግዕተኝነትን” ፈሊምዋ ኣሎ፡፡ ፖሊሲታት “ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ኢሉ ከም ቀይዱ ዝበተኸ ፈረስ፣ ንጸድፊ ጠኒኑ ክጸድፍ ገልዳሕ ዝብሎ ዘሎስ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከምተረድኦስ ይስቆሮ ዶኾን ይኸው?ምኽርን ምዕዶን ወኻሩ ጎይተቱ ሰሚዑ፣ መንነቱ ኣጥፊኡ ይጸድፍ ከምዘሎኸ ይርድኦ ዶኾን ይኸው?

ምስዚ ብሳክቲዝም ዝተዳለወ ሓተታ፣”እዋናዊ ዛዕባ” ዝሰማማዕ ርእይቶ ብደቀባት ዝተጣበቐ ጥብቆ። ብቱርካውያንን ግብጻውያንን ተሓጊዙ ዝተበገሰ ኣረሜን ወራር መሓመድ ግራኝ፣ ብሓገዝ ባሕረ ነጋሲ ኢሳቕ ዘድባርዋ፣ ምስ ፖርቱጋላውያን ብምልፋን፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተደምሲሱ። ህዝቢ ምድረባሕሪ፣ ኣብቲ ብጀጋኑ በሓረ-ነገስታት፣ ዝመሓደረሉ ዝነበረ ዘመን እንተኾነውን፣ ካብ 14 ክሳብ ክሳብ 16 ክፍለ-ዘመን ማለትዩ፣ ንሓይሊ ወራር ቱርኪ፣ ካብ ሕርጊጎ ብግስ ከምዘይብል በይኑ ክምክቶ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ መወዳእታ ጠቕሊሉ ንሃገሩ ከምዝዕዘር ገይሩዎ እዩ። ወራር ግብጺ ብሰላዪ ሙዚንገር ተሰንዩ ንመላእ ኢትዮጵያ ክወርር ምስ ተበገሰ ኣብ ጉንደት ብጀጋኑ ኤርትራውያንን ትግራዎትን ትጸፊዑ ተሳዒሩ እዩ። ወራር ኣኽራሪ ሓይሊ ዶርቢሽ ወይ ማህዲ ድማ 1888 ዓ.ም.ፈ. ብሓገዝ ሃጸያዊት ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካብ ሱዳን ተላዒሉ ክሳብ ጎንደር ክኣቱ ቀሪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ብጀጋኑ ኤርትራውያንን ትግራዎትን ያኣላህ እንዳበለ ተደምሲሱ እዩ።

ወራር ኮሎንያል ጣልያን ድማ ኣብ ዶጓሊ ብጀጋኑ ኤርትራውያን 75 % ሠራዊት ራእሲ ወልደሚካኤል ዝነበሩ፣ ከምኡውን ሸቃ ኣሉላ ዝመርሖም ትግራዎት ተደምሲሱ እዩ። ኣብ ኲናት ዓድዋ እንተኾነውን ባaል ደግያት ኣበራ፣ ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ፣ ብዓል ጅግና ራሲ ወልደሚካኤ ሰለሞን ዝውዓሉዎ፣ብብልሓት ጅግና ባሻይ ኣውዓሎም ስትራተጂ ቦጅባጅ ኮሎንያል ጣልያን ዘፍሸለን፣ ምስ ጀጋኑ ትግራዎትን ተደምሲሱ እዩ። ኣቲ ካብ ኩሉ ዘስደም ከኣ፣ ሎሚ ዛጊት መቐጸልታ ኮሎንያል ጣልያን ኮይኑ ፈዛዝ ሰላዪ ኢሰያስ ተላኢኹልና ንመሬት ጀጋኑ ኣሕሊፉ ንባዕዳውያን ከረክብ ገልዳሕ ክብል ንዕዘብ ኣሎና። እንተኾይንልክን ጽባሕ ንርኤክና!!!

ትማል ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ድማ እቶም ደቂ ደቆም ነቶም ኣብ ኲናት ዶጓሊን፣ ዓድዋን ዝውዓሉ ታሪኽ ደጊሞም፣ንስትራተጂካዊ ሕልሚ ሶቭየት ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣፍሺሎሞ እዮ። ነዚ ኩሉ ቅያታት ደቂ ምድረባሕርን ትግራዎትን ግና፣እቲ ንውሉድ ወለዶ እንዳተዋራረሰ ክተሓላለፍ ዝጸንሐ ጅግንነት ደቂ ምድረባሕሪ ግና፣ ሎሚ ልኡኽ ባዕዳውያን ሰላዪ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኽድምስሶ ገልዳሕ ይብል ኣሎ። ስለዚ እምብኣር እቶም ኣምሆ ዘመን ብድሎ ከይትዕሎ ክስዕሩና ዘይከኣሉ፣ ሎሚ ድሕሪ 400 ዓመታት ታሪኽ ንኽደግሙ ክቃላቈሉ ይርኣዩ ኣለው። ህዝቢ ምድረባሕሪ ጨሪሱ ከምዘይጸንትን እዞም ብገረብ ብሓኽላ ገሮም ከጽንቱዎ ዝሓልሙ ዘለው ግና ቅድሚ ጥፍኣት ህዝቢ ምድረ ባሕሪ፣ ኣብ ነንሓድሕዶም ብኣቶሚክ ቦምብ ክማናቖሱ እዮም። ሽዑ ድማ እቲ ትንቢት፣” ንፈሪሃ እግዚኣቢሄር ዘለዎ ህዝቢ ዝደፍር ሓይሊ ክልዓል ከሎ መወዳእታ ዓለም እዩ” ዝብሎ ስለዝጸም፣እዞም ማሕበር ጸልማት ከምዘይዕወቱ  ርጉጽ እዩ። 

ነዚ ብሳካቲዝም ዝቐረበ ሓተታ እስኪ ብኣቕልቦ ተኸታተሉዎ እሞ፣ ምስ ሕሉፍ ታሪኽና ኣዋዳዲርኩም ኣስተንትንሉ። ታሪኽ ንኽድምስሱ ብዓል ፈዛዝ ኢሰያስ ሰላዪ መበል 21 ዓመተ ዓለም፣ ብጽዮናውያን ዝተመልመሉ፣ ገረብ ብሓኽላ ዝብል ውዲት ተላኢኾም ንታሪኽና ክድምስሱ እኳ እንተተራባረቡ ኣብ መወዳእታ ግና ከምዝስዓሩ ጥርጥር የልቦን።ሰናይ ንባብ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት

ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ኣመልኪተ፡ ብተኸታታሊ ክፍንወልኩም ዝጸናሕኹ ሓበሬታ፡ ኣብ ቀረባ ከምዘቕጽሎ እንዳሓበርኩ፡ ንሎሚ ኣብ እዋናዊ ወጥርታት ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ሱዳንን ኣመልኪተ፡ ዘዳለኹዎ ጽሑፍ፡ ከም እዋናዊ ዛዕባ እፍንወልኩም፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ኣብዚ ቅንያት፡ ብወገን ምዕራባዊ ዶባት ሃገርና፡ ዘንጸላሉ ዘሎ ኣዚዩ ሓደገኛ ተርእዮ፡ ከም ዜጋታት ክነስተብህለሉ ዝግባእን፡ ንኣመታቱ ድማ፡ ብኣግኡ ክንዳለወሉ ዘለና ክውንነት እዩ፡፡ ስርዓት ኢሳይያስን መንግስቲ ሱዳንን፡ ከምቲ ኣብ 1990ታት ዝነበረ ዓይነት ምትፍናን ገጾም የምርሑ ኣለው፡፡ ናይ’ዚ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኢሳይያስ ዝኽተሎ መትከል ኣልቦ፡ ጽግዕተኛ ፖሊሲ ዲፕማሲያዊ ጽምዶ ኮይኑ፡ ብፍላይ ምስ ምቋም ወትሃደራዊ ኪዳናትን ፈለግ ኒልን ዝተኣሳሰረ ‘ዩ፡፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ስትራተጅካዊ መትረብ ስዊዝን ባቢኤል መንደብን፡ ከምኡ’ውን ንግብረ ሽባራዊ ስርሒታት ብዝብል፡ ብዘይልሙድ ኣገባብ፡ ናይ ሃገራት ልዕለ ሓያላንን ካልጅን ድሌታት ክረአ ጸኒሑ ‘ሎ፡፡ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነዚ ሓድሽ ትርእዮ ብህድኣት ገምጊመን፡ ፖሊሰታት ኣብ ዘውጻኣሉ ዘለዋ ኩነት፡ ብወገን ኤርትራ ግን ዝረአ ዘሎ መስርሕ ዘይሓላፍነታዊን ኣዚዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎን ‘ዩ፡፡

ጉዳይ ፈለግ ኒልን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናጽ ዝርከብ ዲጋን ድማ፡ ነቲ ወጥሪ ናብ ዝሓየለ ደረጃ ኣበሪኽዎ ኣሎ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት፡ ኢሳይያስ ዝሓረዮ ፖሊሲ፡ ናብ ሰላማዊ ጉርብትና ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝወስድ ዘይኮነስ፡ ከዳሚ ናይተን ርሑቓት ሃገራት ምኻን እዩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ዛጊት ጽልዋታቱ ብወገን ሱዳን ክረአ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ መንግስቲ ሱዳን ምስ ግብጺ ኣብ ዘለዎ ርክባት ዝወሰዶ መርገጺ፡ ምስ ኣንጻር ግብጺ ዝቖማ ከም በዓል ቱርኪ ዝኣመሳላ ሃገራት ብምኻኑ፡ ኣብ ሞንጎ ዘን ሃገራት ዝጸንሐ ምስሕሓብ’ውን፡ ናብ ግብራዊ ወጥሪ ተሰጋጊሩ ‘ሎ፡፡

ኢሳይያስ ከኣ ነዚ ብኮ መዝሚዙ፡ ብቀንዱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳማህመነ ዝመጸ ናይ ወጻእ ሽርፊ ኣታዊታት ንምንዳይን ኣጋጢምዎ ዘሎ ዓለማዊ ተነጽሎ ንምምሕያሽ ብዝብል ኣብ ክንዲ ምስ ስትራተጅካዊ ረብሓታት ዘለወን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ምስ በዓል ግብጺ፡ ኢማራትን ንግስነት ስዑድ ዓረብን ብምውጋን፡ ሓደገኛ ጠላዕ ኣብ ልዕሊ ህብናን ሃገርናን ይጻወት’ሎ፡፡ ዛጊት ወደባዊት ከተማ ዓሰብን ወደባታን፡ ብሊዝ ንወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ከልጅ ዝተሸጠ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቅንያት ከኣ፡ ኣንጻር ሱዳን ብግብጺ ንዝሕብሐቡ ጉጅለታት፡ ኣብ መሬት ኤርትራ መዕቖቢ ጥጡሕ ባይታ ፈጢርሎም ‘ሎ፡፡ ብርክት ዝበሉ ዕጡቋት ጉጅለታት ዳርፉርን ቤጃን ኣብ መፋርቕ ወርሒ 12. 2017 ኣብ ከባቢታት ዓጋመት ዓስኪሮም ኣለው፡፡ (ዝርዝሩ ምስ ኣጻፈፍኩ ክፍንወልኩም እየ)

ነዚ ተረኽቦ፡ ብኣንክሮ ክከታተሎ ዝጸንሐ መንግስቲ ሱዳን ድማ፡ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝነበሮ “ርክብ” ንምቁራጽ ተገዲዱ ኣሎ፡፡ ብዕለት 04 ጥሪ 2018 ድሕሪ ቀትሪ፡ ብድሩዓት መካይን ዝተሰነየ ገጅፍ ወትሃደራዊ ቃፍላይ፡ ኣብ ከባቢታት ግርማይካ ዝርከባ ክራየትን ኣቡገመልን ዝተብሃላ ከባቢታት፡ ኣጸጊዑ ኣሎ፡፡ ምጽጋዕ ሰራዊት ሱዳን፡ ከም ኣካል’ቲ ኣብ ኮርዳፋንን ከሰላን ዝተኣወጀ ህጹጽ ኣዋጅ ብዝብል ንምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ንግዲ፡ ምዝውዋር ኣጽዋርን ስግረ ዶብን ዋላ እንተተብሃለ፡ እቲ ቀንዲ ክውል ምኽንያት ግን፡ ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ግብጽን ሃገራት ከልጅን ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ‘ዩ፡፡ ቅድሚ ምጽጋዕ ሰራዊት፡ መንግስቲ ሱዳን ካብ መፋርቕ ታሕሳስ 2017 ጀሚሩ፡ ብኮርፕረሽን ቀይሕ ባሕሪ (09) ዝተዋፈራ በጠሓት ዕቱብ ተፍትሽን ምክትታልን ክካየደልን ድሕሪ ምጽንሑ፡ ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ውን ሃጊሩ ኢዩ፡፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ማሕረ ኮም፡ ኢምባሲ ኤርትራ፡ መንእሰያት ህግደፍን ኣባላት ሃማድኤን’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ‘ዩም፡፡

ኢሳይያስ ውን ኣንጻር ሱዳን ዝቐንዑ ሓይልታት፡ ናብ ዶባት ክጽግዑ ኣዚዙ ኣሎ፡፡ “ሰራዊት እንተፈሊጡ ክሃድመና እዩ” ካብ ዝብል ስግኣት፡ ምኽንያት ከይተሓበሮም፡ ሃንደበት ብኮ/ል ሃይለኣብ ኢሳቕ (ወዲ ኢሳቕ) ካብ ትምራሕ ክ/ሰ 35፡ ገለ ብርጌዳት ናብ ዶባት ሱዳን ተጸጊዖም ኣለው፡፡ ብተመሳሳሊ ብኮ/ል ዘርኢት ወልደማርያም ካብ ትምራሕ ክ/ሰ 29፡ ሰለስተ ብርጌዳት፡ ናብ ዶባት ክጽግዑ ተገይሮም ኣለው፡፡ ኣብ ከባቢታት ኦሞሓጀር፣ ግርማይካ፣ ቃሩራን ዝርከባ ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት 61፡ 65፡ ምክትታ ዶባትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት (ስለያ 05)ን እውን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተጠንቀቕ ክኾኑ ተኣዚዞም ኣለው፡፡

ምስ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊን ወትሃደራዊን ምትፍናን፡ ሓያል ጭንቀት ዝፈጠረሉ ኢሳይያስ ቀቅድሚ ምስ ኣልሲሲ ምርኻቡ፡ ብኢምባሲ ካርቱም ኣቢሉ ምስ ኣልበሽር ንኽላዘብ ሓቲቱ ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ “ማዕልቦ ክሳብ ዝግበረሉ” ወረ ናብ ህዝቢ ንከይላባዕ ጥንቃቓታት ክግበርን፡ “ነቲ ኩነታት ብዕቱብ ክታተልዎን” ንዝምልከቶም ኣዘዝቲ ሓቢሩ ኣሎ፡፡ ድሕሪ ኩነታት ምስ ኢትዮጵያ፡ የመንን ጅቡቲን እታ እንኮ ምንጪ መሰረታዊ ሃለኽቲ ዝኾነት ሱዳን፡ ዛጊት ዶባታ ካብ ትዓጹ፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ህዝብና ርኡይ ሳዕቤናት ይረአ ‘ሎ፡፡

ድሮ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ጥራይ፡ ሕጽረታት ኣስቤዛን ናህሪ ዋጋታትን ተኸሲቱ ኣሎ፡፡ ካብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ናብ ክፍሊ ምምሕዳር (ናብ ኮ/ል ክፍለማርያም ባህረ- ወዲ ባህረ) ብዝወረደ መምርሒ መሰረት፡ ኣሃዱ ስንቂ ሚኒስትሪ ምክልኻል’ውን፡ ኣብ ቀረብ መሻርፍ ሰራዊት ለውጥታት ክግበር ወረቓቕቲ ኣብ ምጽፋፍ ይርከብ፡፡ ብመሰረት’ዚ ከኣ፡ ኣብ 9 መኻዚኖታት ጨናፍር ስንቂ ምክልኻል፡ ማለት ዕዳጋ ሓሙስ፡ ገጀረት፡ መንደፈራ፡ ባጽዕ፡ ዓሰብ፡ ከረን፡ ባረንቱ፡ ተሰነይን ሳዋን ተኸዚኑ ዘሎ ህልው ዓቐን ሓሩጭ ምሸላን ፊኖን፡ ከምኡ’ውን ዓደስ፡ ቀጠፍ፡ ሽኮርን ዘይትን ክሳብ ክንደይ ግዜ ከጽንሕ ከምዝኽእል ተጸብጺቡ፡ ብህጹጽ ክለኣኽ መምርሒታት ወሪዱ ኣሎ፡፡ ከም ዝፍለጥ ኣስታት 90 ሚእታዊት መሻርፍ ሓይልታት ምክልኻል፡ ብሱዳን ኣቢሉ ዝኣቱ ‘ዩ፡፡ ወርሓዊ መሻርፍ ሰራዊት ማለት (ንሓደ ወትሃደር 13 ኪሎ ወዲ ዓከር፡ 2.5 ኪሎ ፊኖ፡ 1 ኪሎ ዓደስ፡ 1 ኪሎ ሽኮር፡ 1 ሊትሮ ዘይቲ፡ 0.75 ግራም ቀጠፍን) በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደስቲ ምዕባለታት ምጉዳል ከምዝግበረሉ ርዱእ ‘ዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ንዓመታት ብስም “ሱዳናውያን ነጋዶ”፡ ካብ ወደብ ባጽዕ ብ “ትራንዚት” ናብ ተጎለል፡ ዓሊ ጊደርን መኸሰራትን ዝኣቱ ዝነበረ፡ መስርሕ ኣታዊን ሰደድን’ውን፡ ኣብ ሓደጋ ጥሒሉ ኣሎ፡፡ እዚ ብደረጃ “መንግስቲ” ዝምራሕ ዝተፈላለዩ ሽርሒታት ዘጠቓልል፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ፡ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊታት ቑጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኮይኑ፡ ንግዳዊ ኮርፕረሽን ቀይሕ ባሕሪ “ከም ኮንሳይኒ- Consignee” ኮይኑ፡ ንብረት ካብ ወጻእ ብምዕዳግ፡ ንሱዳናውያን ነጋዶ ብሄረ ራሻይዳ ብምሻጥ፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘኻዕብተሉን ብምስምስ “ኮንትሮባንዳ” ናብ ከተማታት ዝኣቱ ንብረት መሊሱ ዝህግረሉ መስርሕ ‘ዩ፡፡ በዚ መስርሕ ተጠቒሙ፡ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ማእለያ ዘይብሉ ኣታዊታት ክረክብ ጸኒሑ ‘ዩ፡፡ ክሳብ ቀረባ እዋናት በዚ ዘይሕጋዊ መስርሕ፡ ካብ ምስላጥ፡ ቀረብ መጓዓዝያ (ሊሎን ትራንስ ሆርንን)፡ ክራይ ወደብን መኻዚኖታትን፡ ብኣማኢት ሚሊዮን ዶላራት ዝጽብጸብ ኣታዊታት ክረክብ ጸኒሑ’ዩ፡፡ ድሮ እኳ፡ እዚ ዘይሕጋዊ መስርሕ ንግዲ፡ ብሰንኪ ምዕጻው ዶብ ሱዳን ሰንከልከል ኢሉ ኣሎ፡፡ ምድኻም ንግዲ ኮርፕረሽን ቀይሕ ባሕሪ (09)፡ ኣብ ዘቤታዊ ቀረብ ሃለኽቲ ውን ሓያሎ ጽልዋ ፈጢሩ ‘ሎ፡፡

ኣብዚ እዋን ኣብ ኣስመራ ዝተደኮና እተን 101 “ድኳናት ሕድሪ” ተዓጽየን፡ እታ ናይ ቤት ገርግሽ ድኳን ጥራይ ኣገልግሎት ትህብ ኣላ፡፡ ኣካያዲ ስራሕ “ድኳን ሕድሪ”፡ ኣቶ መንግስትኣብ’ውን ደስኪሉ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝተመደቡ ሓያሎ ሰራሕተኛታት፡ ብ”ምጥፍፋእ” ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ኣለው፡፡

ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብሓይሊ ዝተፈጸመ ምዕሻግ ብሕታውያን ትካላት ንግዲ፡ ምዕጻው ዶብ ሱዳንን’ውን፡ ህዝብና ኣብ ከቢድ ሻቕሎትን ጭንቀትን ክሽመም ጌርዎ ‘ሎ፡፡ ኣብ ዕለታዊ ቀረብ መሰረታዊ ሃለኽቲ፡ ናህሪ ዋጋታትን ሕጸረታትንን ይፍጠር ኣሎ፡፡ ዋጋ ኣቐዲሙ ብዶባት ሱዳን ዝኣተወ መሰረታዊ ሃለኽቲ ሸቐጣት ኣእካል ፡ ሽኮር፡ ቀጠፍ፡ ነዳዲ፡ ዘይቲ፡ ሳሙና፡ ኦሞ፡ ቡን፡ በርበረ፡ ፊኖ፡ ተምሪ፡ ዓሲራት፡ ጌሾን ካልኦትን ውን ይውስኽ ኣሎ፡፡ ድሮ እኳ 3 ናቕፋ ዝነበረ ባኒ ናብ 5 ናቕፋ፡ ኪሎ ሽኮር ናብ 35 ናቕፋ ….ክብ ኢሉ ኣሎ፡፡

ወትሩ ኣብ ሓድሽ ዓመት ሓድሽ ተዋስኦ ዘይፍለዮ ኣባጓይላ ኢሳይያስ፡ ዓመተ 2018 ከኣ፡ ምስ ሱዳን ብሓዱሽ ወጥሪ፡ ምስ ግብጺ ብ “ሃነፍነፍን ጽግዕተኝነትን” ፈሊምዋ ኣሎ፡፡ ፖሊሲታት “ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ብግብሪ ኣብ ዝተረኣየሉ መድርኽ፡ እንሆ ኢሳይያስ፡ ሕጂ’ውን ምስ ኩለን ጎረባብትና ጽልእን ቅርሕንትን ፈጢሩ፡ ምስተን ብባህልን ብብህሪያዊ ባእታታትን ዘይመሳሰለና ሃገራት ዓረብ፡ ዘይምእኩል ዝምድናታት መስሪቱ ኣሎ፡፡ መሬትና፡ ወደባትና፡ ባሕርና’ውን፡ መዕንደሪ እዞም ግዳማውያንን መናውሒ ዕምሪ ስልጣኑን ገይርዎ ኣሎ፡፡ መንግስቲ፡ ቅዋምን ባይቶን ኣብ ዘይሕሰበላ ብሓደ ኣረሜን እትምራሕ ሃገር፡ ብግዳማውያን ወትሃደራዊ መዓስከራት ተጎዛዚያ፡ ክትርኢ ከለኻ ኣዚዩ መዓንጣኻ ዝቖርጽ ‘ዩ፡፡ ውጽኢት ናይዚ ዘይሓላፍነታዊን ሓደገኛን ስጉምቲ ከኣ፡ ብሓባር ንሪኦ ንኸውን፡፡

ወደሓንኩም

Source