እዋናዊ ዛዕባ

ጣቋ ሞራልን ሰብኣዊነትን ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ መውዳእታ እስትንፋሳቱ፡ ካብ መብጽዓታት ተዋስኦታት ተሰጋጊሩ ከምዝርከብ ዛጊት ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡ እወ! ክወግሕ! ምውጉሑስ ኣይተርፍን! ዒቕ ካብ እንብሎ ዓመታት ሓሊፉና ዩ፡፡ እዚ ጉጅለ ጠለማት እንታይና እሞ ዘይተንከፈ?? ናይ ትማል ሓዲግና ካብ መሰረታዊ ጠለባት ወዲ ኣዳም ጀሚርካ ዜጋታት መንበሪ ኣባይቲ ንከይሃንጹ ኣብ 2007 ነቶም ምኩራት ኪኢላታትን ኣሲሩ፡ ትካላት ዓጽዩ እንተብቅዕ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ነቲ ዝተረፈ ብኽንደይ ወጻኢታትን ረሃጽን ዝሃጸነጽናዮ፡ ኣባይቲ ኣብ ቋሕ ሰም እንዳፍረሰ ግዳም ሓደር ገይሩና፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ካብ 4 ሺሕ ንላዕሊ ኣባይትን ርሻናትን ብዶዞራት ኣፍሪሱ ህዝቢ ፈቖዶ በረኻታትን ዓድታን ክበታተን ጌሩዩ፡፡

እምበኣር ንሎሚ ከም መቐጸልታ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ህዝብና ዘሻቐሉ ተዋስኦታት ካብ ዝኾኑ ገለ እዋናዊ ጉዳያት ናባኹም ክፍኑ፡፡ ክቡራት ተኸታተልቲ! ከምቶም ንኣዋርሕ ሙሉእ ዓለም ከዘራረቡ ዝጸንሑ ናይ ጠለማት ህግደፋውያንን ኣባጓይሎኦምን ሚስጢራት ሕጂ እውን ብውህሉል ምሳይ ስለዘለው ቀስብቀስ ክፍንወልኩም እየ፡፡ ኣብዚ ሰሙናት ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ኣድሂበ ጽሑፋት ዝፍንወሉ ዘለኹ ቐንዲ ምኽንያት፡ ብሓደ ገጽ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዕርበተ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝውሰዱ ዘለው ናይ ቀቢጸ ተስፋ ስጉምታት ክንርድኦምን፡ ብካልእ ገጽ ከኣ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ተቓዉሞታት እንዳሓየለን ርኡይ እንዳኾነ ምምጽኡ ንምርዳእ ዩ፡፡ ስለዚ ሚስጢርቶም ጠላማት ኢሳይያሳውያን ሕጂ ውን በቢግዚኡ ከምዘቃልዖ ብምሕባር ኣብዚ ሰሙናት ኩላትና ንእዋናዊ ዛዕባታት ኣድህቦና ክህንብን ሓባራዊ ምርድዳእ ጌርና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝጎሃሃር ዘሎ ተቓሙሞታት በቢዓቕምና ዚያዳ ድርኺት ክንፈጥረሉ እላቦ፡፡

ከምቲ ንሓድሽ ወሰኽ ደሞዝን ምዕባለታቱን ኣመልኪተ ኣቐዲመ ኣብ ዝፈነኹዎ ጽሑፍ ዝሓበርኩዎ ቐንዲ ስግኣት ህግደፍ ኣብዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገርና ንምቁጽጻሩ ዘጸግም ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ኮይኑ ኣሎ፡፡ ነዚ ስግኣት ኣቐዲምካ ንምቑጻይ ንኩለን ኣካላት መንግስቲ ከከም ኣድላይነቱ ዝተፈላለዩ መምርሒታትን ትእዛዛትን ኣብ ምውራድ ይርከብ፡፡ ንሎሚ ከኣ ደድሕሪ እቲ ጽሑፍ ዝሰዓቡ ኣብ ወረቐት ጥራይ ዝተረፉ ብገንኡ ዝኣጎሉ እዋናዊ ኣዋጃትን መመርሒታት ምስ ዝርዝር ሳዕቤናቶም እንሆ፡

1.   ሓድሽ ኣዋጅ ምቕናስ ዋጋ ነዳዲ

ሃገርና ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት በቢዓመቱ ብኣማኢት ሚሊዮን ሊትሮ ዝግመት ዋጋ ነዳዲ ካብ ሃገራት ዓረብ ብፍላይ ከኣ ካብ ቀጠር፡ ኩይወትን ሊብያን ክተማልእ ጸኒሓያ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝነበሩ ዓመታት Independent Petroleum Group ካብ ዝተብሃለ ናይ ኩወይት ትካል ጠለብ ነዳዲ ክተማልእ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ድሕሪ 1998 ድማ ምስ ኮሎኔል ዑመር ቃዛፊ ብዝተገብረ ስምምዕ ብመሓመድ ዝተብሃለ ወዱ ዝውነን Tam Oil & Oil Libya ካብ ዝተብሃሉ ኩባንያታት ጠለብ ነዳዲ ክተማልእ ጸኒሓ፡፡ ንኣብነት ኣብ 2006 ሃገርና ካብ ሊቢያን ኩወይትን ዝዓደገቶ መጠን ነዳዲ ምስ እንዕዘብ፡ ጋዝ 2,493,915 ቤንዚን 4,621,385 ጄት ዋን (ላምባ) 18,710,265 ናፍታ 45,932,474 ፎኪስ ፈርነስ 44,635,302 ሊትሮ ዓዲጋ እያ፡፡ ክሳብ 2006/07 ኣብ ነፍሰወከፍ ቤት ከከም ዓቕሙ ነዳዲ ወይ ላምባ ዳርጋ ኔሩ ክበሃል ይከኣል፡፡ ከም ነፋሒቶ ዝለዋወጥ ባህሪያት ኢሳይያስ ንዓናን ንዓለምን ምስተጋሃደ ግን ነዳዲ ኣብ ሰማይ ዝተሰቕለ ባኒ ኮይኑና፡ ካብ ባህሪያዊ ጸጋታትና ተሓሪምና ግዳይ ጥልመትን ስቓይን ኮይና፡፡ ካብ 2010 ንነጀው ዳርጋ ኩለን መኻዚኖታትን ዲፖታትን ጸሪረን፡ ኤርትራ ንክፉእ እዋን እትጥቀመሉ ክዙን ነዳዲ ዘይብላ ሃገር ብምኻና መንግስቲ ከም ህዝቡ ናብ ኮንትሮባንዲስታ ተለዊጡ ካብ ራሻይዳ ተዳፊኡ ብጀሪካናት ከዋህልል ተራእዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ጥሪ 2016 ኣብ ነፋሲት ካብ ዝርከባ 17 ናይ ሚኒስትሪ ምክለኻል ዲፖታት ኣብ ዝተገብረ ተፍትሽ ዓቐን (Calibration) ዳርጋ ኩለን ጥራየን ምኻንን ተፈሊጡ እዩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ዋጋ ነዳዲ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብኮንትሮባንድ ዝኣተወ ነዳዲ ብሓደ ገጽ ብመንግስቲ እንዳተሃገረ ብካልእ ገጽ ከኣ ኣዚዩ ብኹቡር ዋጋ ክሽየጥ ጸኒሑ፡፡

ናፍታ ንሊትሮ 45 ናቕፋ፡ ቤንዚን ንሊትሮ 50 ናቕፋ፡ ላምባ ንሊትሮ 65 ናቕፋ ክሽየጥ ድሕሪ ምጽንሑ ዓርኪ ኢሳይያስ ቃዛፊ ካብ ጎዳጉዲ ወጺኡ ብውርደት ምስተቐተለ ከኣ ካብ ሊብያ ዝኣቱ ዝነበረ ፈርነስ ጠፊኡ፡ መመንጨዊ ጸዓት ሕርጊጎ ምስ ቴክኒካዊ ሕጽረታቱ ይትረፍ ሃገር ክተብርህ ንባዕላ ስእነት ልቺ ኣጓነፋ፡፡   .

ብሰሪ ባህሪያት ጉጅለ ህግደፍን ትእዛዛት ኢሳይያስን ኣብ ጸዓትን መዓድንን ዝካየዱ መናውራታት ንካልእ እዋን ሓዲገ፡ ንሎሚ ነዳዲ ኣመልኪተ ሓደ እዋናዊ ሓበሬታ ክፍንወልኩም፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ካብ ንዝሓላፉ ኣስታት 15 ዓመታት ኣብ ጸዓትን መዓድንን ዝተገብሩ መጽናዕታት፡ ስትራተጅካዊ ውጥናት፡ ደቓይቕ፡ ፊናንሳዊ ዝርዝራት፡ ጆርናላትን ካልኦትን ብቐጥታ ካብ Office of the President ዝተረኸቡ ሰነዳት በቢእዋኑ ከምዝፍንወልኩም ቃል እኣቱ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብነዳዲ ዝፈለመ ሓድሽ ብሉይ ተዋስኦ ኢሳይያሳውያን፡ ምስ ውቅባት ቃላቶም በቶም ኣሳሰይቲ ከምዚስዕብ ተባሂልሉ ኔሩ፡፡ ሎሚ መዓልቲ 4 ጥቅምቲ 2016 ንኹሉ ወሃቢ ኣገልግሎትን ተጠቃሚ ሓፋሽ ህዝቢ ብማዕረ ዘሕጎሰት መዓልቲ ብዝብል ዋጋ ቤንዚን ብኣስታት 35 ሚእታዊት ቀኒሱ ብሊትሮ 30 ናቕፋ፡ ናፍታ 20 ናቕፋ ከምኡ ውን ፈርነስ ብሊትሮ 10 ናቕፋ ከምዝተገብረ ብኮርፐረሽን ነዳዲ ተሰንዩ ቀሪቡ ኔሩ፡፡ ከም ቆርበት እንዳሓደሩ ዝፈኹሱ ኢሳይያሳውያን ሕብሪ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ከይሃሰሰ፡ ንጽባሒትኡ ብስም ምምሕያሽ ዋጋ ነዳዲ ዝጠጅኡዎ ተዋስኦ ተፈደሐ፡፡ እቲ ጥጅእ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡፡ ኣብ ወርሓ ጥቅምቲ ዝተተግበረ ሓድሽ ወሰኽ ደሞዝ ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ሓያል ነድርን ቁጠዐን ምስፈጠረ፡ ጎኒንጎኒ መንግስቲ ኣብ ነዳዲ ናይ ዋጋ ምቕናስ ስጉምቲ ጌሩ ንምባል ከምቲ ዝለመድዎ ሕንፍሽፍሽ ብምእታው ኣብ ሞንጎ ህዘቢ ሓድሽ መዘራረቢ ኣጀንዳ ፈጢርካ ግዜ ንምግዛእ ዝተምሃዘ ኢሳይያሳዊ ውዲት እዩ፡፡ ዝኾነ ግዱስ ኤርትራዊ ደዊሉ ወይ ሓቲቱ ከረጋግጾ ከምዝኽእል ሓድሽ ኣዋጅ ዋጋ ነዳዲ ብኤረ ቲቪ፡ ሓዳስ ኤርትራን መሓውራት 03 ምስተፈነወ ብግበሪ ከምዘይተተግበረን ዝኾነ ዓይነት ናይ ዋጋ ለውጢ ከምዘየሎን እዩ፡፡ የግዳስ ህዝቢ መንግስቲ ዋጋ ነዳዲ ቀኒሱ ሓድሽ ታሪፍ መጓዓዝያ ኣውጺኡ እንዳበለ ምስ ወነንቲ መካይን ክዋጠጥ፡ ወነንቲ መካይን ድማ ዝተገብረ ምንካይ ዋጋ ነዳዲ የለን ብምባል እንዳተሰሓሓቡ ኣብ ኣዚዩ ተኣፊፊ ኩነታት ጥሒሎም ኣለው፡፡ ወዮ ደኣ እንዳሓደረ ስለዝርሳዕምበር ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣንፈት ህዝቢ ንምጥምዛዝ ዝካየዱ ብሉያት ውዲታት ኢሳይያስ ንዓና ንኤርትራውያን ሓደስቲ ኣይኮኑን፡፡

ንሎሚ ኣካል ናይቲ ክብ ኢለ ቃል ዝኣተኹልኩም ዝኾነ ሓደ ብሚ/ ጸዓትን መዓድንን ዝተዳለወ ብኣሉታ ኣሃዛት (Negative growth) ዝተደምደመ ካብ 1994 ክሳብ 2007 ዝነበረ ጠለብ ነዳዲ ዘርኢ ሰደቓ ብተለቃቢነት ይፍንወልኩም፡፡

2.   ሓድሽ ኣዋጅ ምሕደራ መሬት

ኣብ ሓመድ ድበ ዝርከቡ ዲክታተርያውያን መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ዕርበቶም እንዳተጋሃደ ምስ ዝመጽእ ኣዋጃትን መብጸዓታትን የብዝሑ፡፡ ብፍላይ ንመሬት፡ ንባህሪያዊ ጸጋታትን ፊስካላዊ ለውጥታት ኣመልኪቶም ኣዋጃት ክሕንጽጹ፡ መብጽዓታት ክኣትው ዝረኣዩ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ብዙሓት ዮም፡፡ ፕረሲዳንት ሃገረ ሊብያ ኣብ ኣጋዕርበቱ ንመሬትን ጸዓትን ተጠቒሙ ኣዋጃትን መብጽዓታትን ንህዝቡ ጌሩ ኔሩ፡፡ ድሕሪ 2011 ዝኾነ ሊቢያዊ ዜጋ ኣብ ዓዱ ገዛ ተኻርዩ ከይነብር መንግስቲ ገዛ ሰሪሑ ከምዝዕድሎ፡ ከምኡውን ካብ ኣታዊታት ሰደድ ነዳዲ ምእኩል ምቕረሐ ንኽህሉ ኩሉ ሊቢያዊ ዜጋ ወርሓዊ ክሳብ 250 ዶላር ከምዝኽፈሎ ቃዛፊ ተመጻቢዑ ኔሩ፡፡ ቃዛፊ ሓሳቡ ከየስመረ ደምኸልቢ ኮይኑ ብሕሱም ኣገባብ ብኻራ እንዳተጠብሐ ናብ መቓብር ወሪዱ፡፡ ታሪኽ ዲክታቶራውያን ኣዕርኽቲ ተደጊሙ፡ ድሕሪ 5 ዓመት ኣባ ጓይላ ጥፍኣት ኢሳይያስ ብተመሳሳሊ ኣብ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስትን ሰራዊትን፡ ኣብ ነዳዲን መሬትን ሓደስቲ ኣዋጃት ከተግብር ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ፡፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ምሕደራ መሬት ዝትግበሩ ዘለው ኣዋጃት ክሳብ ንኡስ ዞባታት ዝርከቡ ኣመሓደርቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ወከልቲ ባይቶታት፡ ሓለፍቲ ጨናፍርን ካልኦት መሻርኽትን ክሳተፉ ብምግባር ብልዑል ጠመተ ዝድፋአሉ ዘሎ እዩ፡፡

ብምስምስ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ዝተብዓጠ ሓድሽ ኣዋጅ ምሕደራ መሬት፡ ካብ 2015 ኣትሒዙ ክሕሰበሉ ዝጸንሐን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተደናጎየ ኮይኑ ብሓጺሩ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣለዎ፡፡

መሬት ዓዲ ዝበሃል የለን፡ ኩሉ መሬት መንግስቲ ኢዩ፡፡ ኣይሽየጥ ኣይልወጥ፡፡ ዝኾነ ዜጋ ኣብ መሬት ናይ ተጠቃምነት ደኣምበር ናይ ዋንነት መሰል የብሉን፡፡ ብዝብል መበገሲ ሓሳብ ዝጅመር እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ብምቕጻል፡

) ሓሪሶም ከፍርዩ ዓቕሚ ዝሓጸሮም ማለት ሓለፋይ ዘይብሎም ዜጋታት፡ ኣረጋውያን ይኹኑ ስንኩላን ንብኽነት ባብ ዝኸፍት ኣጠቓቕማ ማለት ብመልክዕ ብላዕ (ርባዕ፡ መስለስ፡ ፈረቓ) ንካልኦት እንዳሃቡ ክጥቀምሉ ጸኒሖም እዮም፡፡ በዚ ሓድሽ ኣዋጅ ግን ኣብ መሬት ተጠቃምነት ክህልዎም ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ክተፍሪ ዓቕሚ የብልካን ተባሂሉ ተጠቃምነት መሬት ሕርሻ ዘይፍቀዶ ዜጋ ሂወቱ ክመርሓሉ ዝኽእል ካልእ ምንጪ ኣታዊ ክረክብ ክሕሰበሉ ዩ፡፡

) ካልእ ናይ መሬት ተጠቃምነት ፍቓድ ረኺቡ ብግቡእ ኣብ መዓላ ዘይውዓለ ዜጋ ነባሪ ወይ ቀጻሊ መሰል ተጠቃምነት ኣይክህልዎን ዩ፡፡

) ዝኾነ ኣውፋራይ ኣብታ ኣውፊሩላ ዘሎ መሬት ናይ ተጠቃምነት መሰል ደኣምበር ናይ ዋንነት መሰል የብሉን፡፡

) ሕርሻዊ ፍቓድ ሒዞም ኣብ ዝተፋለለዩ ንጥፈታት ንግድ፡ ህንጻን ካልእን ዝነጥፉ ዜጋታት ኣብ ዓዲ መሬት ሕርሻ ኣይፍቀደሎምን፡፡ (ይብል)

ኣስተውዕሉ ክቡራት ተኸታተልቲ! እዚ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ዝተኸተበ ሓድሽ ኣዋጅ ዝመስል ስጉምቲ እሞ ከኣ ንመሬት ዝትንፍ ክኾውን ዝተገብረሉ ሽርሒ ንተዓዘብ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብሰንኪ ምንካይ ደሞዝ ዝተረኣዩ ቁጠዐን ምዕዝምዛማት ህዝብን ሰራዊትን ናብ ምእኩል ተቓዉሞ ከይሰጋገር ብዋጋ ነዳዲ ብምጉሳይ ብሓድሽ ኣዋጅ ምሕደራ መሬት ጠመተ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ዝተገብረ ዩ፡፡ ከምዝፍለጥ 80 ሚእታዊት ህዝብና ሂወቱ ኣብ ሕርሻ ዝተሰረተዩ፡፡ ብሰንኪ ሕሱም ምሕደራን፡ ግዱድ ዕስክርናን መሬትና ዝሓርሶ ስኢኑ ምስ ቃደረ፡ ቆልዓ ሰበይትን ሓለፋይ ዘይብሎም ኣረጋውያንን ስንኩላንን ከይተረፉ ሃገሮም ሓዲጎም ናብ ስደት ምስተቐሰቡ እንሆ ኢሳይያሳውያን መሬት ኣሳቢቦም ተቓዉሞ ህዝቢ ክዕፍኑ ይጽዕሩ ኣለው፡፡ ብሓጺሩ ሓድሽ ኣዋጅ ምሕደራ መሬት ኣብ ኣርባዕተ ቐንዲ ዓንኬላት ዝተንጠልጠለዩ፡፡

·         ቅድም ቀዳድም ኣብ ትሕቲ ኣረጋውያን፡ ስንኩላንን ኣንስቲ ሰብ ሓዳርን ባዕሎም ደልዓስዓስ እንዳበሉን ብብላዕ ዝሕረስ ዝነበረ መሬት ምምንጣል

·         ዕርፊ ዘቕንዕ ውላድ ብስደት ተመንጢሎም ሓጋዚ ሓርቢትዎም ናብ ስደት ዘምርሑ ዜጋታትን ዝሕረስ መሬት ሃሊይዎም ናብ ስደት ዝተቐሰቡ ዜጋታት መሬቶም ምምንጣል

·         ብሰንኪ ክብሪ መነባብሮ ካብ ሕርሻ ብተወሳኺ ኣብ ናእሽቱ ንግድን ህንጻን ዝነጥፉ ዜጋታት ብክልተ ምብላዕ ኣይከኣልን ብዝብል ሰበብ መሬት ምምንጣል

·         ኣብ ምፍጻም ሃገራዊ ግበእ ዝርከቡ ሓድሽ ወሰኽ ደሞዝ ተገይርሎም ዝተብሃሉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስትን ድማ መንግስቲ ወሰኽ ደሞዝ ስለዝገበረ ብክልተ ምብላዕ ኣይከኣልን ብዝብል ምስምስ መሬቶም ንምምንጣል ዝተሓንጸጸ ሓድሽ ኣዋጅ ምሕደራ መሬትዩ፡፡

ክበልዕዋያ ዝደለዩ ኣባጉምባሕስ ዛግራ ይብሉዋ ከምዝብሉዎ ለባማት፡ ኣብዚ ቅንያት ኢሳይያሳውያን ንሕርሻ መሬት ውጹዕ ህዝብና ብዝተፈለለየ ምኽንያታት ኣሳቢቦም ክምንጥሉ ይሸባሸቡ ኣለው፡፡ እቲ ምትንታኑ ንዓኹም ክሓድጎ ብዝኾነ ወግሐ ጸብሐ ብሰበብ ኣስባብ ህዝቢ ቀይድካ ዕምርኻ ተናውሓሉ ግዜ እንዳሓጸረ መሸንቆቕ ናብ ክሳድካ እንዳዛዘወት ምስትኸይድ ዓቕሊ ጽበታዊ ስጉምታት ምውሳድ ልሙድ ተርእዮዩ፡፡

ካብ መጽብዓታት ናብ ተዋስኦታት ዝተሰጋገረ ኢሳይያስ፡ 2016 ብተዋስኦታት ወሰኽ ደሞዝ ምንካይ ዋጋ ነዳዲ ፈሊሙ ብምምንጣል ሕርሻዊ መሬት ክዛዝማ ይዳሎ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንተ መሬቱን ናጽነቱን ምዑታት ዝኸፈለ ህዝቢ ምኻኑ ረሲዕዎ ግዲ፡ ክሳብ ሕጂ ሰብኣዊ መሰላቱ ዝተመንጠለ ህዝቢ ምንጪ ኩሉ እቶቱ ዝኾነት መሬቱ ምስ ዝድገም፡ ዕርበት ጠላማት ምቅልጣፉ ናይ ግድን እዩ፡፡

ሕጂ እውን ጭርጭር ዓበደ ነገረ ኢሳይያስ ሓዲግና፡ ስምረትና ንምፍራስን፡ ሓድነትና ንምብትታንን በቢእዋኑ ዝህቀኑ መናውራታት ብምብርዓን፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝብና ኣብ ጎኑ ተሰሊፍና ድርዒ ክንፈጥረሉ አእጃምና ነበርክት፡፡ ውሽጣዊ ተቓዉሞታት እንዳተጎሃሃረ ኣብዝመጸሉ ዘሎ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ግዳም ድማ ቆርበት በጊዕ ዝተኸደኑ ከም በዓል ፎሮ 12 ዝኣመሰሉ ልኡኻት ክነስተብህለሎም ኣብ ፓልቶካትን ካልኦት ሚዲያታትን ዝነዝሕዎ ዘለዉ ስሚ ብስምረት ክነምክኖ ይግባእ፡፡

(ኣብ ቀጻሊ ንሓይሊ ኣየርን እዋናዊ ምዕባለታቱን ዝምልከት ዝጀመርኩዎ ጽሑፍ ብተለቀብቲ ሰነዳት ኣሰንየ ክፍንወልኩም የ፡፡)

 

·