ቅንጣብ መሬት ይኹን ዕማኾ ሓመድና፣ ኣሕሊፍና ኣይንህብን ንጣብ ማይ ባሕርና። ስለዚ ድማዩ ተሰኪምናዮ ብረት መስዋእቲ ከፊልና ዕርቡን ንሓርነት።

ሓማሴን ሰራየ ከለጉዛይ ደንከል፣ሓማሴን ሰራየ ከለጉዛይ ደንከል፣ሰምሃር ሰንሒት ባርካ ጋሽ፣ ኩሉ ምስሳሕል፣ ንዑባ ንተኣከብ ጉዳይና ንዕልል።

ድምጽኻ’ዩ ህዝቢ ዘይዕገት ማዕበል እምብለይ እምብለይ ኣይግዛእንየ በል! ድምጽኻ’ዩ ህዝቢ ዘይዕገት ማዕበል እምብለይ እምብለይ ኣይግዛእንየ በል! ምእንታኻዩ ናይ ሓርነትካ ደወል።

ሓድነትናዩ ዘይድፈር ዕርዲ
ዝሰመረ ቅልጽም ዝተረረ ዓንዲ
ሓባራዊ ጉዕዞዩ ዝሓጸረ መንገዲ።

ሎሚ ይኹን ጽባሕ ከምቲ ዝሓለፈ
ኣይርከብንዩ ሰላም መግዛእቲ ከይተረፈ።

ጸላኢ ንጥቕሙ ከምኣመሉ መሬት ክመቓቕሎ
ኣይትተሃመለሉ ሻምላኻ ኣልዕሎ።

ሓማሴን ሰራየ ከለጉዛይ ደንከል፣ሓማሴን ሰራየ ከለጉዛይ ደንከል፣ሰምሃር ሰንሒት ባርካ ጋሽ፣ ኩሉ ምስሳሕል፣ ንዑባ ንተኣከብ ጉዳይና ንዕልል።

ወገነይ ወገንካ ሃይማኖት ቀቢላ፣
ወጊድ ምፍንጫል ንጥፍኣት ታኼላ
ኣታ ሓደስከ ንኹን ሃገርና በዂራ።

ሃገገረይ ኤርትራ ዓዲ ስገም ስርናይ ዑፉን ምስ መሸላ
መንገዲ ባቡራት ማያት ቀይሕ ባሕራ።


ኣብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝብታት ዘይኣምን
ኣብ መሰል ርእሰ ውሳኔ  ኤርትራ ዘይኣምን
እንታይ ኣፍሊጡዎ ንሰላም ዝልምን።


ደላይ ሰላምዩ ደላይ ነጻነት
ደላይ ሰላምዩ ደላይ ነጻነት
ቅኑዕንድዩ ንኽኸፍል መስዋእትነት።

ሓርበኛ ክኢላ ኣርቲስትን የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)

 

እዋናዊ መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብብፁዕ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኣቡነ መቃርዮስ 22 ሓምለ 2018 ብትግሪኛ