መሬት ከም ኣፍ ዕንቂ ዝጸበበቶ ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ ዝሰተዮ ደም ንጽሃት ኣየዕገቦን ግዲ ኮይኑ ኣብ ድርኩኺት ዕርበቱ ሚሊዮናት ሰሊዑ ብስም ሰብኣዊ መሰል ክሽቅጥ ትልኽ ክብል ይረአ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ቅንያት ካብ ማሕፈድኡ ዝተመንዘዐ ሚስጢራዊ ሰነድ ኣብ ዓለም ምስተዘርገሐ ጭንቁ ሰማይ ዓሪጉ ብሃውሪ ኢሳይያስ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ተሳተፉ ዳሪክቶር ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ሚኒስተር ዜና የማነ ቻርሊ፡ ሚኒስተር ጸዓትን መዓድንን ጀነራል ሰብሓት፡ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ፍሊጶስ፡ ሓላፊ ወጻእ ስለያ ኮሎኔል ጋይም ተስፋሚኪኤል፡ ጊዝያዊ ኣወሃሃዲ ላዕለዋይ ኮሚቴ ንሰብኣዊ መሰላት ኣምባሳዶር ተስፋሚካኤል ገራህቱ (ወዲ ገራህቱ)ን ኣዛዚ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኮይኖም ትሕዝቶ እቲ ኣኼባ ንግዚኡ ኣይተፈልጠን፡፡

ቀጺሉ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ማንኪን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዑስማን ሳልሕን ኣንጻር እቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐርብ ጸብጻብ ንምቅዋም ዘካይድዎ ዘለው ናይ ኤውሮጳ ዑደት ከካይዱ ፈረንሳ ኣትዮም፡፡ ኣብ ፈረንሳ ዝነበሮም መደብ ንኣስታት ክልተ መዓልቲ ምስ ኣምባሳዶራትን ቆንሲላታትን ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ብምርኻብ ነቲ ብዕለት 12 ሚያዝያ 2016 ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝወጸ ሰነድ ብቅልጡፍ ንምትግባር ተኣዚዞም፡፡

ካብ ግምትን ቁጽጽርን ወጻእ እቲ ሰነድ ቀዲሙ ናብ ህዝቢ ስለ ዝበጽሐን ኣብ ሓጺር ግዜ ብደለይቲ ፍትሒ በዳሂ ኩነታት ከይፍጠር ስለዝሰግኡን ተቐዳዲሞም ንማሕበረ ኮማት፡ ተሓባበርትን ወኪላትን ወጻእ ሰለያ፡ ኣባላት YPFDJ፡ ኣባላት ሃማደኤ፡ ጉጅለታት ህግደፍ፡ ኣባላት ዋርሳይን ሕድርን ዝጥርንፍ ሓደ ሓይሊ ዕማም ብምውዳብ ኣብ ትሕቲ ስማዊ “ዓለም ለኸ ኤርትራዊ መኸተ ንፍትሒ” ብምጥርናፍ ኣንጻር ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን “ብዝለዓለ ኣድማዕነት” ክስርሓሉ ምሉእ ኣተኩረኦም ሂቦምሉ ኣለው፡፡

ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መርሓን ታርጌትን ነብስወከፍ ኣብ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝርከባ ኢንባሲታት ኣብ ውሽጢ 4 መዓልቲ ንጹር ታርጌትን ኣውዳድባን ዝሓዘ ውጥን ብምድላው ብህጹጽ ንየማነ ማንኪ ከቕርባ ተሓቢረን ኣሎዋ፡፡ ዛጊት ኣብ ክልቲኡ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ዩጓንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ስራሕ ጀሚሮም ኣለው፡፡

ኩለን ውዳበታት ናብ መበል 25 ዓመት ጽንበል ናጽነት ንምኽባር ናብ ኤርትራ ዝገሹ ዜጋታት ብምውዳብ ነቲ ምእካብ ክታምን ፐቴሽንን ቅድሚ ምብጋሶም ክገብርዎ ማንኪ ብጥብቂ ይሰርሓሉ ኣሎ፡፡ በተመሳሳሊ ኣብ ሞንጎ ኩለን ውዳበታት ምልውዋጥ ሓበሬታ፡ ሓሳባትን ተሞኩሮን ንክህሉ ኣድላይ በጀትን ምትእሳርን ምውህሃድን ብመገዲ “ኣወሃሃዲ መኸተ ኤውሮጳ” ኣምባሳደር ፍስሃጽዮን ጴጥሮስን ቋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳዶር ግርማ ኣስመሮምን ከምዝኾነ ንኹሎም ኣምበሳዶራትን ቆንስላታትን ተሓቢሩ፡፡ ኣብዚ ዓቕሊ ጽበታዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኤውሮጳ ዝነጥፉ ዘለው ኣምባሳደራትን ወከልታትን እዞም ዝስዕቡ እዮም፡፡

1. ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ዑስማን ሳልሕ
2. ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን
3. ፈጻሚ ጉዳይ ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንድ ኒቭያ ኣቶ ዮናስ ማና
4. ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ስቲፋኖስ ሃብተማርያም
5. ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ
6. ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሃጽዮን ጴጥሮስ …. እዮም፡፡

ኤውሮጳ ካብ ዝርከቡ ጉጅለታት ህግደፍ፡ ኣባላት YPFDJ ንትግባረ ሰነድ ምትእኽኻብ፡ ፊርማን ፐቴሽንን ብየማነ ማንኪ ተሓሪዮም ኣብ መዝገብ ዝሰፈሩ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡፡

1. ዘርኣይ ተኽለ ኣቦወንበር መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ
2. ኤደን ከበደ ኣባል ማእከላይ ኮሚቲ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ
3. ሰሎሞን ሰረቐብርሃን ኣባል ማእከላይ ኮሚቲ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ
4. ዮዲት ተከስተ ኣባል ማእከላይ ኮሚቲ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ
5. ቴድሮስ ያሬድ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ነርወይ
6. ሰናይ ሰሎሙን ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ዴንማርክ
7. ስምኦን ኣፍወርቂ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ስዊድን
8. ሲራክ ባህልቢ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ
9. ረዲኤት ክፍለ ኣባል ምንእሰያት ህግደፍ ኣመሪካ
10. ሰምሃር ብርሃነ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ጀርመን
11. መሰረት ባህልቢ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ሆላንድ
12. ቢንያም ታረቀ ኣባል ምእሰያት ህግደፍ ሽወደን
13. ኣማኒኤል መንግስቱ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ሽወደን
14. ደጀን መለስ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ሽወደን
15. ሰምሃር ገብረኣብ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ጀርመን
16. ሚለን ዳኒኤል ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ሽወደን
17. ቤንሁር ግርማ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ከናዳ
18. ሚኪኤለ ሃይለ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ኣመሪካ
19. ስምኦን ተስፋማርያም ኣባል መንእሰያት ህግደፍን ሬድ ሲ ኢንስቲዩት
20. ዳኒኤል ጎይቶኦም ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ
21. ፍትሓዊ መሓሪ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳን ካልኦትን እዮም፡፡
22. ሳውል ባህታ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ ሰዊስ

ምስ በዓል የማነ ማንኪን ምስዞም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ ንኤርትራ ብስምን ኣብ ጽንብላትን ዝተላለይዋ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይምልከቶም ብበርገር ዝዓበዩ “ደቂ ማማ” ኮይኖም ኣብ ምትእኽኻብ ክታማት ድጋፍ ክገብሩ ዝኽእሉ ብስም መሓዙት (Partners) ካብ ዝተሰመዩ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡፡

1. ኣምባሳደር ሄርማን ጀ ኮሆን
2. ሚስተር ኢሚሊዮ ዲ ደሉጊ
3. ዶ/ር ቻርለስ ካንታሉጎ
4. ዶ/ር ሳሚኤል መሃፊ
5. ዶ/ር ፒተር ሽወድተል ኣርኪሜድ
6. ዶ/ር ቶኒ ሎኮር እዮም፡፡ ነዞም ብስም “መሓዙት ኤርትራ” ዝተረቑሑ ወጻእተኛታት ኣብ ምልዛብን ምሕብሓብን ዝነጥፉ 17 ሰባት ዝተመርጹ እንትኾኑ ካብዚኦም ዶ/ር ግድዎን ኣባይ፡ ሶፍያ ተስፋማርያም፡ ዶ/ር ተስፋይ ኣርዓዶምን ወ/ሮ ሳባ ገብረገርግሽን እዮም፡፡

ብተወሳኺ ብሓላፊ ወጻእ ስለያ ኮሎኔል ጋይም ተስፋሚካኤል ዝምርሑ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝርከቡ ኣበጻጻሕቲ ወረታት ነዚ እዋናዊ መደብ ምእካብ ክታማት ብዕቱብ ክሰርሑሉን ኣብ ምውዳብ ዜጋታት ክነጥፉ ተሓቢርዎም ኣሎ፡፡ ብመሰረት እዚ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ወጻኢ ስለያ ካብ ዝርከቡ ሰነዳት ብፍላይ ብመገዲ ዕስብቲ ህግደፍ ወ/ሪት ሶፍያ ተስፋማርያምን ካልኦትን ድርኺት መንነቶምን ድሕረ ባይቶኦምን ተጸኒዑ ብዛዕባ ኣብ ወጻእ ዝነበር ኤርትራዊ ዲያጶራ፡ ንምንቅስቓስ ደላይ ፍትሕን ኢትዮጵያውያንን ካብ ዝጸናጸኑ ገለ ጃሱሳት ነዚ ሰነድ ከተግብሩ ኣብ መዝገብ ሰፊሮም ኣለው፡፡

ንሎሚ ናይ ገለ ዝርዝር ኣስማት ክጠቕሰልኩም
1. ሃብቶም ኪዳነ (ዩጓንዳ)
2. ኣፍወርቂ ካሓሰ ኣርአያ (ዩጓንዳ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን)
3. መንግስትኣብ በረኸት (ጎድነይ) ዩጓንዳ
4. ሳሚኤል ጅምዕ (ኬንያ)
5. ዳዊት ዓገፋ (ዩጓንዳ)
6. በረኸት የማነ (ዩጓንዳ)
7. ፍረወይኒ ካህሳይ (USA)
8. ፍስሃየ ጸጋይ (USA)
9. ኣስቴር ተኽለ (መንበሪ ቬርጂንያ ዕድመ 48 ደ/ት 12+3፡ መደብ ስራሕ Accountant at Industrial Bank ኣባል ሃማደኤ፡)
10. ዮዲት ነጋሲ (USA)
11. የማነ ፍቃዱ ዕድመ 55 ኣድራሻ 3820 NE 92nd St. Seattle WA.95115 tel home 0012065257497 mobile 0012068183965 Email yfecadu@aol.com ምድብ ስራሕ፡ ነርስ፡፡
12. ግርማይ ገብረማርያም
13. ራሄል ኣብርሃ ዘካርያስ ዕድመ 48 ኣድራሻ 27022nd St. SEE. Washington DC 20032 BA ብስነ ቁጽሪ
14. ሃና ዓንደማርያም (USA)
15. ኣኽበረት ሚኒሶታ
16. ኣልማዝ ናቡ (USA)
17. ቢንያም ሕሩይ (ምቕማጡ ዓዲ እንግሊዝ UK) እዮም፡፡

ክቡራን ኣንበብቲ!!

ቀለም መዓሙቕ ባሕሪ ዘይኣኽሎ ግፍዕታት ህግደፍ ይትረፍ ዶ ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም እውን ኣጸቢቑ ፈሊጥዎ እዩ፡፡ ናይ ጻዕረ-ሞት መደባት ንምትግባር ዝካየዱ ኩሎም ህግደፋዊ ህቃነታት ምፍሻሎም ናይ ግድን እዩ፡፡ እቶም ኣተግበርትን ኣሳሰይትን እውን ሓደ ግዜ ኣብ ክፋእ ስለተኣለኹ ተሰኒንዎም ደኣምበር ነዚ ንምትግባር ሞራልን ዓቕምን የብሎምን ጥራይ ዘይኮነ መጋበርያ ምልኪ ኮይኖም ብሰሪ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተጠልመ ህዝብና ዝፈጸምዎ በደላት ብሓደ ወገን እንዳተሰከፉ ብካልእ ወገን ከኣ ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ብምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ እናሻዕ ዝርዕዱን እዮም፡፡

ስለዚ ኩላትና ደላይቲ ፍትሒ ሕጂ እውን ከም ትማል ስምረትናን ሓድነትናን ኣትሪርና፡ ነዚ መንሽሮ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ጉጅለ ንምእላይ ኣብ ዝካየዱ ኩሎም ጻውዒታት ክንሳተፍ፡ ንጸብጻባት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክንድግፍ፡ እዋናዊ ውደባታትን ዓቕሊ ጽበታዊ መደባት ህግደፍ ብምብርዓን ኢሳይያስን ሒደት ሰዓብቱን ናብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ክቐርቡ ክንጽዕር ኣለና፡፡