እዞም ቀንዲ ልኡኻት ባዕዳውያን “ኤሊት” ህግደፍ እዚኣቶም፣ ብብጊሓቱ ነብሶምን መንነቶምን ሸይጦም ግዳይ ቶዃሉ ጽዮናውያን ዝኾኑ ክናናን ምናናን እዮም። ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም፣ ተጋዳላይ ብገርሁ ከሎ፣ መደብ ጽዮናውያን ተኾልኲሎም፣ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ንኸጥፍኡ  ዝተመልመሉ ካብ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ተላኢኾም ንሜዳ ዝተላእኩ ወይጦታት እዮም። ገናውን፣ ተልኡኽኦም ክሳብ መወዳእታ  ነቲ ከባቢ ንባዕዳውያን ንኸረክቡ ተዓጢቖም ዝጕዓዙ ዘለው  ቀንዲ ዕሱባት ጽዮናውያንን ግንከኣ ዋናታት ትካል ማፍያ ህግደፍ እዮም።

እዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ዋናታታ እቶም መሃንድሳት ጽዮናውያንን ሃጸያውያን ዝኾኑ፣ “ኤሊት“ ዝብሃሉ ስዉራት ሓይልታት እዮም። ንጭፍራ ህግደፍ ከም ትሑታት ደርቢ “ኤሊት“ ሊኢኾም ግና፣ ብፍላይ ነቲ ኣካል ህዝቢ ኣግኣዝያን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ታሪኹ ንኽሓኩ ገልዳሕ ይብሉ ኣለዉ።

እቲ ቀንዲ ዓላማ “ኤሊት“ ድማ ብረቂቕ ውዲት፣ ማለት ብሓንጎል ተጠቒሞም፣ ንኣእምሮን ቀልብን ዋናታት ባህርያዊ ጸጋ (ሪሰዎርስ) ዝኾኑ ደቀባት ሓንቲ ትንኣስ ትዕበ በዘየገድስ፣ ጥራይ ባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደለት ትኹን እምበር፣ ነታ ሃገር ተቛጻጺርካ፣ ነቲ ባህርያዊ ሃብታ ንምዝማት ጥራይ እዩ። ሃገርና ኤርትራ እምብኣር በቶም ነፋጣት ጭፍራ ህግደፍ ዘይኮነስ፣ እቶም ላዕለዎት “ኤሊት“ ጽዮናውያን ጎይቶቶም ን“ኤሊት“ ጭፍራ ህግደፍ ከቲቦም ዝልኣኹዎምን እያ ትግዛእ ዘላን ህዝባ ድማ ዝጸንት ዘሎን። እወ ህዝቢ ኣግኣዝያን ግዳይ መንነቱን እምነቱን ጅግንነቱን ሃይማኖቱን ኮይኑ፣ በቶም ዓበይቲ “ኤሊት“ ዝብሃሉ ስዉራት ሓይልታት ቾፕላ ተባሂሎም ዝተዋፈሩ ማፍያ ህግደፍ እዩ ዝዋረድ ዘሎ።

እቲ ዋና ውዲታዊ ፕሮጀክት እዞም “ኤሊት“ ዝብሃሉ ስዉራት ሓይልታት እምብኣር፣ ነዞም ኣብ ኤርትራ ዝገዝኡ ዘለው ንኣሽቱ  ወኻሩ ግንከኣ ብ”ኤሊት” ዝፍለጡ፣ ከቲቦምን፣ ነቲ ፕሮጀክት ጥፍኣት ብድሕሪ መጋረጃ ኰይኖም ይከታተሉዎ ኣለው። ብኾፎም ከለው ድማ ወርቅናን ካልእ ባህርያዊ ሃብትናን ካብ ገዛእ ግራትናን መሬትናን ጓሕጒሖም ይየዘምቱዎ ኣለው። ውሃብቲ ፍቓድን ዓደልቲ ንብረትን ድማ እቶም ደቀባት ዘይኮኑ፣ ግንከኣ ብጽዮናውያን ዝተመልመሉ ማፍያ ከብዲ ዓዲ እዮም።

እቶም ቀንዲ ልኡኻት ባዕዳውያን ኤሊት ህግደፍ ትፈልጡዎምዶ??

  • እቶም ንዓለም ክቆጻጸሩዋ ዝደልዩ፣ ዘለው መሃንድሳት ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን፣ ኣብ ኤርትራ ክመርሕ ዝግብኦ ልቀ-ሰብ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም መልሚሎም ዝጠፍጠፍዎ ጥራይ ከኸውን ከሎዎ። እወ፣ ብመንነቱ ድማ ጽሩይ ወደባት ሰራየን፣ ሓማሴንን ኣከለጉዛይን፣ ሰኒሒትን፣ሳሕልን፣ባርካን፣ሰምሃርን፣ደንከልን ክኸውን ብፍጹም የብሉን። መኽንያቱ እቲ ወደባት ንህዝቢ ስለዝሓሊ ንህዝቡን ንሃገሩን ንባዓዳውያን ኣሕሊፉ ከኣ ከምዘይህብ፣ ኣብ ታሪኽን መንነትን እቲ ህዝቢ ተመርኲሶም፣ ብመጽናዕትን ምርምርን ዝለዝበጽሑዎ፣ ግድነት እዮም ወይ በዲኡ ወይ በብኡ ካብ ካልእ ዝተወልደ ወይ ድዓላ መልሚሎም ኣብ ስልጣን ከብጽሑዎ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ብባሕርን ኣፍላጋትን ዝተማእከለት፣ ግንከኣ ብባህርያዊ ጸጋ ዝበልጸገት ንእሽቶ ሃገር ከምዝነብርን፣ ንዘመናት ዝኣክል ድማ ብባዓዳውያን ከይተደፍረ ዝጸንሐ ህዝቢ ከምዝኾነን፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ማለት ካብ ቅድሚ 200 ዓመታት እዮም ኣለልዮሞ ነይሮም። ድሕርቲ ክንደይ ውግእን ኲናትን ግና፣ ሎሚ ዛጊት እቶም ንርስቶምን ባሕሮምን መንነቶምን፣ ባህሎምን ፣ ሃይማኖቶምን ካብ ወራር ባዕዳውያን ተኻላኺሎም ንመዋል ዓቂቦም ዝጸንሑ  ጀጋኑ ስለዘጥፍኡ፣ ነዞም፣ ኣብታሕቲ ተጠቒሶም ዘለው ማሕበር ሰይጣን መልሚሎም፣ ነዚ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎ ጭዋን ህዝቢ ኣግኣዝያን ደይመደይ ኢሎም፣ ንኸጥፍኡዎ ኣዋፊሮምልና ኣለው። ገረብ ብሓኽላ!!!

በዚ መኽንያት እዚ ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ  ብፍላይ ካብ ትግራይ ዝተወልዱ ልኡኻቶም ሓለውቲ ሕዛእቲ ጥራይ እዮም ኣላሽ ከብሉዎ ዝኽእሉ ካብ ዝብል መጽናዕትን ምርምርን ተበጊሶም፣ ነዞም ቅልውላው ወለዶ ዘማሰኖም ካብ ትግራይ ዝተወልዱ ግንከኣ ንህዝቢ ትግራይ ዘይውክሉ ማፍያ ኣዋፊሮም፣ ነቲ ህዝቢ ትኣምኖ ልኢኽካስ ኣይትጠራጠር ከምዝብሃል፣ እሙናት ኮራኹር ሰለይቲ ልኢኾም፣ እንሆ ንህዝቢ ኤርትራ ሰጥለበጥ ኣቢሎም ምግዛእ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ወለድኡ ከይተረፈ ከጽንቱዎ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። እወ፣ እቶም ምዕራባውያን ንህዝቢ ኣግኣዝያን ኣብ ኲናት ዶጋሊን ዓድዋን ስለዝፈተኑዎ፣ ብኣካል እንተድኣ ወሪሮሞ ንህይወቶም ስለዝሰግኡ፣ ነዞም መንነት ኣልቦ ዝኾኑ ክናናን ምናናን ቾፕላ እንዳበሉ ይምንቁሱዎ ኣለው።

እቶም ቀንዲ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከም ባልዕ ባርኖሳይ ኮይኖም፣ ብዘይ ንሕስያ ንህዝቢ ኤርትራ ንኸጽንቱዎ ምስ ባዕዳውያን መብጽዓ ኣትዮም ዕንክሊል ዝብሉ ዘለው፣ እዞም ዝስዕቡ ብስለላ መርበብ ጽዮናውያን ዝሰልጠኑ ካብ ብኣእምሮኦም ብሕምብርቶም ጽሓስቡ፣ ንብረት ባዕዳውያን እዮም።

  • ወለዶን መበቆልን ሰላዪ ኢሰያስ ኣፈወርቂ

  • ወለዶን መበቆልን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ እንዳ ንጉስ የውሃንስ 4ይ እዩ። ምዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክሳብ ሎሚ ብስም የውሃንስ 4ይ ይጽዋዕ ኣሎ። እሞ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ ዘርኢ ትግራይ ስለዝኾነስ ንህዝቢ ትግራይ ረብሓ ማለት ድዩ። ኢሰያስ ትግራዋይ ስለዝኾነ፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ መግዝእቲ ኢሰያስ ዝረብሖ እንታይ እዩ?  ደጃዝማች ምርጫ ወልደኪዳን: ንጉስ የውሃንስ ምርጫ ወልደኪዳን፤ ንደጃዝማች ማሩ ምርጫ ወልደኪዳን: ኣብርሃ ሓጎስ ምርጫ: ንደጃዝማች ሰለሙን ኣብርሃ: ንመኮንን ኣብርሃ ሓጎስ: ንኣፈወርቂ ኣብርሃ ሓጎስ:ንሓጎስ ኣብርሃ ሓጎስ ወለደ:: ኣፈወርቂ ኣብርሃ ሓጎስ ዝወለዶም ድማ: ኣማረ ኣፈወርቂ ኣብርሃ: ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ: ኣማኑአል ኣፈወርቂ ኣብርሃ: ብሰንኪ ኢሰያስ ከምሞተ እዩ ፍለጥ። ኤርምያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ: ጽገረዳ ኣፈወርቂ ኣብርሃ

    እቲ ውዲት ጽዮናውያን፣ ንኢሰያስ ትግራዋይ መልሚሎም ከምጽኡዎ ከለው፣ ንህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ትግራይን አርትራን ኣጻሊእካ፣ ቅድም ንህዝቢ አርትራ ኣጽኒትካ ብቐጻሊ ድማ፣ ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣሕዋት ዝኾነ ብጅግነቱን ብመንነቱን፣ ብሃይማነቱን ባህሉን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ መዘና ዘይብሉ ህዝቢ ኣግኣዝያን ኣጥፊእካ፣ ነቲ ዞባ ተቛጻጺርካ ባህርያዊ ጸግኡ ንምዝማት ጥራይ እዩ። ጸኒሓካ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ እዩ፣ ንምምንቋስ እዩ እምበር ንህዝቢ ትግራይ ረብሓ ኣይኮነን።.

    ንመረዳእታ፣ ከምዚ ዝዓይነቶም መደብ ዕዮታት እዮም በቶም ዓሰብቱ መሃንድሳት ጽዮናውያን ንቢግ ብራዘር ኢሰያስ ዝውሃቡዎ። ኣብ ሜዳን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ምሁራትን ለባማትን ደቀባት ተጋደልቲ ቀንጽሎም እሰሮም፣ ብስሚ ሰሚምካ ቅጠሎም። ነስመራ ምስኣቶኻ ስም ህዝባዊ ግንባር ብህግደፍ ተክኣዮ፣ ንሰራዊት ኣጣይሶ፣ ኣደስክሎ፤ ጸልጽሎ፣ ኣስማት ኣውራጃታት ደምስሶ፣ ኩናት ምስ ውያኔ ወልዕ፣ ውደባት ኤርትራ ንሃገራት ኣዕራብ ኣካርዮ፣ ሳዋ ወፍሪ ባርነት ገርካ ንመንእሰያት መሮር ኣስፍሮም፣ ንስኻ ብዘይ ተቓውሞ መታን ክትገዝእ፣ እቲ ህዝቢ ጸላኢኡ ምዃንካ ከለልየካ እንተድኣ ፈቲኑ ከኣ፣ ኣብያተ ማእሰርቲታት ሰሪሕካ ኣብኡ ዳጉኖ፣ ስራሕን ገንዘብን ድማ ሃግሮ። ማይ ሉቸ ከምዝስኣን ግበሮ። ወርቂ ብሻን ሃይኮታን ድማ እቲ ሽያጡ ጥረገንዘብ ኣብቲ ባንክታትና (BIS ኢንተርናሽናክል  ባንክ ኦፍ ሰትለመንት ስዊዘርላንድ) ክመሓላለፍ ፈሪም ኢኻ። ወግዓዊ መንግስትነትን ከኣ ከይትገብር። ወዘተ. . . . . ።

  • ካብ 1969 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ፣ ሰላዪ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤልን ኮይኑ፣ ነቲ ብራእዪ ህዝቢ ኤርትራ ዝተተለመ፣ ግንከኣ ጸኒሑ ካብ ህዝቢ ብረቂቕ ውዲት ባዕዳውያን ተመንዚዑ፣ ትካል ባዕዳውያን ዝኾነ፣ “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ” ንኽመርሕ ብስለላ መርበብ ሲ.ኣይ.ኤን ሞሳድን ተመልሚሉን ተዓሊሙን ንሜዳ ኤርትራ “የኛ ሰው በደማስቆ” ኮይኑ ዝተላእከ ሰላዪ እዩ። ንኢሰያስ ስድርኡ ትግራዎት እዮም። ኣቡኡ ተንቤን ኣዲኡ ድማ ጓል ዓድዋ እዮም።  ንመስኪን ህዝቢ ትግራይ ንኽሕግዝ ኣይኮነን ግና ንሜዳ ወፊሩ፣ ወይ ክሳብ ሎሚ ዝኽድም ዘሎ። እኳድኣ ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ብፍላይ ነዚ ክልተ ጥንታዊ ሓላው ወሰን (ጅግና ኲናት ደጓሊ፣ ኲናት ዓድዋ፣ ኲናት መተማ፤ ኲናት ግብጺ፣ ወዘት…) ዝኾነ ህዝቢ ኣግኣዝያን ንኸጽንት ዝተኸትበ መንነተ-ኣልቦ ሰላዪ እዩ። ገርሀኛ ህዝቢ ሓማሴን ንምዕንጃል ከኣ ከም ሓማሴናይ ኣምሲሎም ንሜዳ ልኢኾሞ። እንሆድማ ዛጊት ወለዶ ህዝቢ ሓማሴን የጽትንቶ ኣሎ። ካብ  ሚእቲ እቶት ሚእቲ ሓሶት እናገበረ ግና ድሓን ጽባሕ ክወግሕ እዩ እንተዘይመትኩም ጥዕና ኣሎኩም እንዳበል የታልሎ ኣሎ።

  • ብዘይካ ሞትን ስደትን ጥሜትን ምዝመዛን ካልእ ኣዎንታዊ  ረብሓ ግና ከቶ ዝገበረሉ የልቦን። እቶም መሃንድሳት ጥፍኣት ድማ ረቂቕ ፕሮፓጋንዳ እናኣካየዱ፣ ንርብሓኦም ክብሉ  ኣብ ግዜ ሰውራ ምስይቲ ኩሉ ክፍኣቱን ስለላዊ ተግባሩን ስሙ ሰማይ ሰቒሎሞ።  ሎሚ ከኣ ህዝቢ እንዳጥፍኤ ማሕበር ሕቡራት ኤውሮጳ ከይተረፉ፣ ንኢሰያስ ረዲኤት ይተኽዅቡሉ ኣለው።  መኽንያቱ ድማ ኢሰያስ ኤውሮጳውያን ዝረብሕሉ ትካል ይሕሉ ስለዘሎ። ንመረዳእታ ፣ ዕደና ወርቂ ቢሻን ሃይኮታን ካምፓኒታት መጀመርያ ክትከል ከሎ ብፍቍድ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ ተተኺሉ። እተን ዝተኸልኦ ካንፓኒታት ድማ ካብ ጀርመን እተን ዓበያ  ብዓል ክሩብን ቲሶንን እየን ሰሪሐንኦ። እተን ወርቂ ዘማላልሳ ምዓበይቲ ናይጽዕነት ማካይን ድማ፣ እታ ዝዓበየት ወርቂ እትነግድ ደጉሳ እትባህል ካምፓኒ ዋና ቤት ጽሕፈታ ኣብ ሙኒክ እትርከብ እያ ትውንነን። እቲ ወቂ ምስተሸጠ ዝበዝሐ ዝግብቱዎ ድማ ኣብ ከናዳን ኒውዮርክን ለንደንን ዘለው ዝዮናውያን ርእሰማላውያን እዮም።

  • “ኩሉ ዓዲ ዘይብሉ ሓምሴን፣ ኣከለጉዛይ ወይ ሰራየ ይብል” ከምዝብሃል፣ እዚ ሰላዪ እዚ ድማ ከም  “ወዲ ሓማሴን ወዲ ጸሎት ወረዳ ስሓርቲ” እንዳተባህለ ሰለይ ክብል ጸኒሑ።  ካብ ኣምሆ ዘመን (ካብ 1969 ዓ.ም.ፈ.) ጀሚሩ ግና፣ ሓማሴናይ ተመሲሉ በቲ ባዕዳውያን ዘውጽኡሉ ውዲታዊ መደብ ዕዮ ተመሪሑ ንረብሓ ባዕዳውያን ብደም ህዝቢ ሓማሴን ክኽድም ሓግዩን ከሪሙን። አረ ሎምስ ስለላን ኮለላን ዲጂታላይዝድ ዝኾነሉ እዋን ኣርኪብና ስለዘሎና፣ ብቐሊሉ ካብቶም ኣብ ኣስመራ ዘለው ምዕራባውያን ኢንባስታት ክርከብ ከሎ፣  ካብ ፔንታጎን እንተርሓቖ ድማ ኣብ ቀጠር ገዛ ቀዪሮም ስለዘለው ንቀጠር ያ ኢሉ እዩ ብቀጥታ ውዲታዊ ሓበሬቲ  ዝረክብ። ዋላ ኣብ ዕዲ ሃሎ ይኾብልል ወይ ኣብ ኣፍዓበት ብዘይ ጸገም እዩ  እቲ ትእዛዛት ጎይተቱ ዝመጾ።

እቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ መሃንድሳት ጽዮንነት፣ ነዚ ሰብዚ ብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ክምልምሉዎ ከለው፣ ንዝንባሌ ገርሀኛ ግንከኣ ጅግና ህዝቢኤርትራ ብፍላይ እኳድኣ ንህዝቢ ሓማሴን ስለዘለለዩ፣ ብዘርኡን መበቆሉን፣ ውሽጣዊ ጸገማቱን ኣጽኒዖምን መርሚሮምን እዮም ኣሰልጢኖም ኣፋንየሞ። እዚ  መንነተ-ኣልቦ ድያብሎስ ሰብዚ እምብኣር፣  ብብጊሓቱ መንነቱን መበቆሉን ዝሓኸኸ፣ ግንከኣ መንነት ጽዮናውያን ለቢሱ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒቱ፣  ንባዕሉ ግና ግዳይ ማፍያ ጽዮናውያን ኮይኑ ዘሎ ዘደንግጽ ሰብ እዩ። መንነትካ ብገንዘብ ሸጥካ መሳርሒ ባዓዳውያን ምዃን እሞ ብደም ህዝቢ ንረብሓ ባዕዳውያን ምኽዳም፣ ካብዚኣ ትኸፍእ ህፍረትን ሕንከትን የልቦን። ዘርኢ መርገም ክእንተድኣ ኮይኑ ግና ንኸብዱ ክብል ነብሱውን ይሽይጥ እዩ።

እዚ ድማ ማንም ወዲ ኤርትራ ኣይፍጽሞን እዩ ነዚ ስለዘለለዩ ድማ እዮም ጽዮናውያን፣ ሓማሴናይ ዘይኮነ ስለዝኾነ ብዘይ ተጉላብ ንኸገልግሎም መልሚሎም ዝኸተቡዎ። እዚ ሰብዚ ህዝብና ብገርሁ ከሎ ተመልሚሉ ንሜዳ ተላኢኹ። መሃንድሳት ስለላ ጽዮናውያን፣ ዝኣዘዙዎ ክፍጽም ማሕላ ስለ ዝመሓለ፣ ንህይወቱ ዋሕስነት ኢንሹራንስ ኣትዮምሉ እዮም። ካብቲ ተዋሂቡዎ ዘሎ ፕሮጀክት ህልቀት ህዝቢ ኤርትራ ምዒይ እንተድኣ ኢሉ ግና ከም ዝቕንጽሉዎ ኣፍሊጦሞ እዮም። ስለዚ እቲ ኩሉ  ሰለላዊን ኮለላዊ ውደባ ባዕሎም እቶም መሃንድሳት ስለላ መርበብ ሲኣይኤን ሞሳድን እዮም ዘካይድዎ። ነፋጥ ኢሰያስ ድኣ ተውሳኺቱ ደይ ከም ሪሞት ኮንትሮል ኮይኑ  እዩ ነቲ ፕሮጀክት ዝመርሖ ዘሎ። ዋላ ኣብ ዓዲ ሃሎ ይንበር ወይ ኣብ ናቕፋ ድማ ፣ ሎሚ ኣብ ዓለም እቲ ሓበሬታ ዲጂታላይዝድ ስለዝኾነ፣ ንኢሰያስ እቲ ሓበሬታ ካብ ጎይቶቱ ብቐሊሉ እዩ ብሳተላይት ዝመሓላለፈሉ። እቲ ገርሀኛ ህዝቢ ድማ ኢሰያስ ከም ሓደ መሎኮታዊ ብዓል ስልጣን ገሩ ይርእዮ ኣሎ። ካብ ኢሰያስ የድሕንኩም፣ ኢሰያስ በቶም መሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣሜሪካን እስራኤልን ክሎንድ ኮይኑ እዩ። መሃንድሳት ሞሳድ ኣብ ቆርበቱ ከይተረፈ ቺፕስ ኣልጊቦምሉ እዮም። ከምዚ ኢልካ ክዝረብ ከሎ ግና ቡዙሕ ሰብ ጽውጽዋይ ገሩ እዩ ዝርእዮ።  እዚ ሰብዚ እምባኣር ነዚ ፈሊጡ እዩ ገና ዘሽካዕሊል ዘሎ። እቶም ተዋፊሮም ዘለው ወይጦታት ብዓል ፎሮ ሓጎስ ፓይሎት ወዘተ . . . ድማ፣ ክሳብ ሎሚ ብዝዕባ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ንኢሰያስ ቾፕላ ዝብሉዎ ዘለው  ውዲታውያን ጽዮናውያን ብጭቕ ኢሎም ተዛሪቦም ኣይፈልጡን እዮም። መኽንያቱ ድማ  ኣዋፈርቶም ብተዘዋዋሪ ሜላ ንሶም ስለዝልኣኹዎ እዮም። እቲ ህዝቢ ነቶም ማሕበር ሰይጣን ከየለለየ ኣብ ኢሰያስ ጥራይ ከምልኽ እሞ፣  ብኢሰያስ ኣሚኑ ድማ ዓሕ እናበለ ክሳብቶም ማሕበር ሰይጣን ጽባሕ ብባጽዕን ዓሰብን ኣቢሎም ዝወርዎ፣ ከይፈለጦም መታን ክጸንሕ እዩ እቲ ቀንዲ ውዲት።

  • የማነ ገብረ-መስቀል ክሳብ ኤርትራ በዞም ልኡኻት ሳጥናአል ህግደፍ፣ ካብ ሰራዊት ግዝያዊ ወተሃደራዊ ደርግ ነጻ ዘውጽኡላ ኣዋን፣ ኣብ ሃገር ኣንግሊዝ ደቂ ኣንስትዮ ንሎርድስ እንዳ ኣቃጠረ ድራር ዕለቱ ዝእቱ ዝነበረ ወዲኒ ሰብዩ። ኣብ ሃገር እንግሊዝ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ንኤርትራ ዝኣተወ፣ ብስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝ ኤም.ኣይ.6. ተመልሚሉ እዩ። እዚ ንብረት ሃገር እንግሊዝ ዝኾነ ሰብዚ፣ ኣብቲ ዝልዓለ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ተወጢሑ፣ ንሃገር እንግሊዝ ጸብጻቡ ዘምሓላልፍ እዩ። እዚ ሰላዪ እንግሊዝ ሰብዚ እዚ፣ እውን ብመደብ እዮም ባዕዳውያን መልሚሎሞ። ኣዲኡ ካብ ኣውራጃ ዓጋመ ክትከውን ከላ፣ ኣብኡ ድማ ካብቲ ብህግደፍ ሎሚ ዞባ ደቡብ ተጠሚቑ ዘሎ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ፣ ኣብ ስመጃና እትርከብ፣ ሓንቲ ንእሽቶ ዳሽም እትብሃል ዓዲ እዩ መበቆሉ ይብሃል።

  • የማነ ገብረ-ኣብ ካብ ሰብዓታት ጀሚሩ፣ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ እዩ ክነብር ጸኒሑ። ብኢንጂነሪንግ ትምህርቱ ድሕሪ ምውዳኣ ኣብ ከተማ ስያተል ኣሜሪካ ኣባል ጴንጠ ኮይኑ ኣምላኽ ይባረኽ ክብል ክሳብ 1986 ዓ.ም.ፈ. ድሕሪ ምጽናሕ፣ ታዕሊም ስለላን ኮለላን ሲኣይኤ ኣጠናቒቑ ተዓለመ። ነቲ ስለላ መርበብ ኣዳልዮም ዝቐረብሉ ፕሮግራም ህግደፍ ተኾልኲሉ ድማ ብትእዛዝ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ንሜዳ ኣተወ። ካብኡ ነታ ትካል ሲ.ኣይ.ኤይ. ዝኾነት ሰልፊ ህግደፍ መስሪተ። ማንኪ ሰላዪ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤን ኮይኑ ዝልዓለ ኣብ ትሕቲ ጎይትኡ ኮይኑ ንመንግስቲ ህግደፍ ዝውንን፣ ግንከኣ ጸብጻቡ ነተን ስለላ መርበባት በብእዋኑ ዘመሓላልፍ ከዳሚ   ጽዮናውያን እዩ። እዚ ሰላዪ ሰብዚ ኣድኡ ወይዘሮ ገብሪኤላ ግጓል ዓድዋ ትግራወይቲ ኮይነን ኣብ ገጅረት እንዳስዋ ዝነበረን ነበራ። ነዚ ድቋላ ሰብዚ ካበይ ከምዝወለድኦ ንሰን ባዕለን ጥራይ እየን ዝፈልጥኦ። ወዲ ሓማሴን ንኽብሃለለን ግና፣ ንኣቶ ገብርኣብ ዝብሃሉ፣ ኣብቲ እንዳስዋ ዝቀላቐሉ ዝነበሩ፣ ብትውልዶም ዓዲ ሰጕዶ ዝኾነኑ፣ ምቕማጦም ግና ሽከቲ ዝኾነ ወደባት ሓማሴናይ ኣልጊባትሉ። እዚ ሰብዚ ንህበይ ምዓልዲ እንተዘይኮኑ፣ ንኣቶ ገብረኣብ ኹን ንደቂ ኣቶ ገብርኣብ  ፈጺሙ ዘይመሳሰል፣ ብመንነት ቅልውላው ዝጠስጠ፣ ሎሚ ግና ጎብለል ኮይኑ ንወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት ዘሎ ፣ ወገኑን ዓሌቱን ስለላ መርበብ ባዕዳውያን እምበር ባዕሉ ዘይፈልጦ ግንከኣ መንነተ ኣልቦ ዝኾነ ድያብሎስ እዩ።

ሓጎስ ገብረ-ህየት (ክሻ) ብኣዲኡን ኣቡኡን ካብ ኣውራጃ ተንቤን እዩ። እዚ ሰብዚ ኣብ ሰብዓታት ኣብ ሰንዓፈ ዝነበራ ሕትንኡ ብዓልቲ ስዋ ኣብቲ ሰተይቲ ስዋ ኮፍ ዝብሉሉ ጣውላ እንዳደቀሰ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ስዉኣ ሓዲሽ ወልደገርጊሽ ምስኡ ነስመራ ወሲዱ ገዛ ተኻርዩ ዘናብሮ ዝነበረ ምጻእተኛ እዩ።

  • ሓጐስ ገብሪሂወት ክሻ፣ ካብ መሸጣ ቆሎን ዋርድያ ማካይንን እብ ሚንስተር ቁጠባ

  • ሓጐስ ገብሪሂወት ክሻ ግን ጅግና ስዉእ ሓዲሽ ወልደጊዮርጊስ ንመቐለ ብስራሕ ምስ ከደ፣ ኣብ እንዳስዋ ኮማሪት ሓትንኡ፣ ኣብ ኮፍ መንበሊ ጣውላ ትዓምጺጹ ክሕድር ከሎ ስለዘደንገጾ፣ ክፉእ ርእዩ ተማሊእዎ ንኣስመራ መጺኡ።

ንእሽቶይ እንከሎ ድማ ኣብ ኣስመራ ሃያ ቆሎ! እንዳበለ ድራር እለቱ ይእክብ ነይሩ። ጸኒሑ ግና ዝሓለፈሉ ድሙስ ገብረማርያም ስሙ ከምዝብሃል፣ ንኣሜሪካ ኣተወ። ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ርእሲ ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከኣ፣ ኣብ ሓፋሽ ውድባት ተሰሪዑ፣ ንማሕበር ተማሃሮ ሰሜን ኣሜሪካ  ዝበታተነ ኣርዮስ ሰላዪ ነበረ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ ንፍላስፋ መንግስትኣብ ኢስቕ፣ መራሒ ማሕበር ተማሃሮ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነበረ፣ ካብ 5ይ ደርቢ ብፍኒስታራ ኣጽዲፉ ዝቐንጸለ፣ ገበነኛ ቀንጻሊን ሰላዪ ሲኣይኤን ተንቤናይ እዩ። እወ ከምኡ እንዳፈጸመ ግና፣ ማካይን ብለይቲ ዋርድያ ኮይኑ እንዳሓለወ እዩ ሳናቲም ብምእራይ ድራር ዕለቱ ዝረክብ ነይሩ። ከምኡ ኢሉ እንዳሰርሐ ግና ኣብ ሻዕብያ ብስለላን ኮለላን ተዓሲቡ የገልግል ነበረ። ቅድሚ መራሕቲ ኤናሳኣ ጴጥሮስ ዝበሃል ሓደ በሊሕ እንጂነር ምሁር ኤርትራዊ፣ ንሜዳ  ኣትዩ ነቲ ከዳዕ መሪሕነት ኢሰያስ ከጽንዕን ክዕዘብን፣ብክሻን ማንክን ግርማይ ኣስመሮምን ተሰንዩ ንሜዳ ምስኣተው፣ ኣብ ሜዳ ሓደ ወርሒ ምስ ጸንሐ፣ ብውዲት ብማኪና ሓደጋ ሞይቱ ተባሂሉ ተወርዩሉ። እቶም ቀንዲ ቀንጸልቱ ግና ክሻን ማንክን ግርማይ ኣስመሮምን እዮም ዝነበሩ።ነብሰ ሄር ውሩይ ህገራዊ ህቡብ ስነ ጥበባዊ ሕያ “ከዳዕ ኢያ ዘበንየ ዘዕበኻያ ድሙዶ ተምጽኣልካ ተመንየ” ኢሉ ክደርፍ ከሎ፣ ነዚን ከምዚ ዝኣመሰለ እከይ ነገራት ሻዕብያ ስለዘስተብሃለ እዩ።

  • ኣብ ተስዓታት ድማ እዚ ዝተጠቕሰ ሞያ ስለዝነበሮ፣ ብማእከላይ ስለላ መርባብ ኣሜሪካ ተመዚዙ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ነስመራ መጺኡ ሓላፊ ቍጠባ መንግስቲ ህግደፍ ኮይኑ ብምኽሪ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ተሾመ። ጸኒሑ ኢናብሲ ተሸሙ ንዋሺንግቶን ተመዚዙ፣ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ግና እቶም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ዘለው ኤርትራውያን ተቓውሞ ስለዘርኣዩ፣ ነስመራ ተሳሒቡ ሓላፊ ቁጠባን ዕደና ወርቂ ብሻን ሃይኮታን ኮይኑ እንዳነበረ፣ ጸብጻቡ ንስለላ መርበብ ሲ.ኣይ.ኤይ. እንዳማሕላለፈ ከኣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስልጣን ኣሎ። ክሻ ኣሜሪካዊ ዜግነት እዩ ዘለዎ። ኩሉ ግዜ ምርጫ ፕረሲደንት ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ክካየድ ከሎ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኢናብሲ ኣሜሪካ ከከይዶም  ድምጾም ክምዝህቡ እቶም ኣብ ኢናባሲ ኣሜሪካ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ደጋጊሞም ዝሓበሩዎ ሓበሬታ እዩ።

  • ክሻ ገና ህዝብን ሰራዊትን ሓፋሽ ውድባትን ከየለለዩዎ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰላዪ ባዕድውያን እዩ። እወ፣ ሎሚ እሞከኣ ስልጣናት ስለላ ወሲኹ፣ ሰላዪ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤልን ኮይኑ እዩ ንጽዮናውያን ዘገልግል ዘሎ። ካብቶም ድሕሪ ኢሰያስ ጽባሕ ብጊሓት ንባህርያዊ ጸጋ ህዝቢ አርትራ ከም ዕደና ወርቅን ካልእ ክቡር ማዕድናትን ኤርትራ ኣሕሊፉ ንባዕዳውያን ብምዕዳል ተኸሲሱ ከምዝቐርብ ዘየጣራጥር ሓቂ እዩ። ኣብኡ ጥራይ የብጽሓና። ክሻ ኣብ ባንክታት ስዊዘርላንድን ዱባይን ብስሙ ማእለያ ዘይብሉ ሚልዮናት ዶላራት ዘኻዕበተ ሰላዩ እዩ። እምብኣር እዞም ሰለስተ ልኡኻት ሳጥናኤል (ደማሙ ጎዱፍ ማይበላ) ህዝብና ዝናበዮምን ዘዕበዮምን፣ ሎሚ ብባዕዳውያን ተኸቲቦም፣ ንህዝብና የጽንትዎ ኣለው። መሲሉዎም ድኣእምበር ንረብሓ ባዕዳውያን ክብሉ እኳ እንተከደሙ፣ ጽባሕ ብጊሓት ደም ክሰትዩ እዮም። ብገንዘብን ብብልሽውናን ስለዝጠስጠሱ፣ ንባዕዳውያን ገና ኣይፈለጡዎምን ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ምስ ጉሓፉዎም ግና ነቲ ጠምጠም ኢሎም ዝሰትዩዎ ዝጸንሑ ደም እንደገና ክተፍኡዎ እዮም። ህዝቢ የጽንቱ ኣለው እምበር፣ ኣብ መወዳእታስ ታሪኾም ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ ከለው፣ ” ብማይ ጨሎት ዝዓበየ ቈልዓስ፣ ውሕጅ ወዲ ሓፍተይ ኢላ ትወስዶ“ ከምዝኸውን፣ ኣየጠራጥርን እዩ።

  • ኣስተብህል፣ እዞም ዝተጠቕሱ ሰለልቲ ማፍያ፣ ግንከኣ መሳርሒ ጽዮናውያን ኮይኖም፣ ኣብ ምጽናት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይ ዝልዓለ ተራ ዘለዎም ከደምቲ ባዕዳውያን፣ መበቆሎም እኳ ትግራዎት እንተኾኑ፣ ንህዝቢ ትግራይ ግና ሓንቲ ነገር ኣይዓብስሉን እዮም። ርግጽዩ ቲ ኣሕዋት ዝኾነ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይን ሕዝቢ ኤርትራን፣ ነዚኦም ምውላዱ ይሓዝን እዩ። ብመንነቱ ዝኾርዕ ህዝቢ ክነሱ፣ በዞም ደቓሉ እዚኦም ግና ይሓስር  ምህላዉ  ዘጕሂ እዩ። ውዲታውያን ጽዮናውያን ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም፣ ብኸምዝን ዝኸምዝን ረቂቕ ውዲት ገሮም ንህዝቢ ኣግኣዝያን ንኸጻልኡዎ ዝኣለምዎ ማእለማ እዩ።

ንህዝቢ ኣግኣዝያን ግና፣ ሰንኪ እዞም ልኡኻት ባዕዳውያን መመክኺ ባዕዳውያን ከይከውን፣ ኣምላኽ ኣብቲ ቅድሚ 19 ክፍለዘመን ዝነበሮ ዘመነ ኩርዓትን ጅግንነትን ንኽምለስ  ይሓግዞ!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቅባት-ኣግኣዝያን
8 ጥሪ 2016 ዓ.ም.ፈ.