ዘይዘራእካዮ ኣይትሓፍስን ኢኻ።

ኣምሆ ዘመን ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝውሃብ ዝነበረ ዝንቡዕ ፖለቲካዊ ትምህርቲ እዩ፣ ሎሚ ዝንቡዕ ስርዓት ተመስሪቱ ዝርአ ዘሎ። ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ትሕዝቶኡ ኣብ መንነትን፣ ኣብ ባህልን፣ ኣብ ዋንነት መሬትን፣ ኣብ ሃይማኖትን ዓደቦ ዝተመስረተ ክኸውን ነይሩዎ። ብኣንጻሩ ግና ዘይፍጸም ፍሹል ፍልስፍና፣ ምብራቓውያን፣ ማርክሰ ለኒነትን ስታሊንነትን ማኦይዝምን ዝብሉ፣ ኮሚንስትን ሶሻልስትን ይኣይ ንንምስራት ሃለውለዋት  ጥራይ እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብክኢላታት ደቂ ሃገር ተዳልዩ ከም ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኮይኑ ክቐርብ ዝነበሮ ስነሓሳብ፣ ኣብቲ ጥንታዊን መሰረታዊን ዘተኣማምንን ስነሓሳብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተመርኮሰ ኣስተምህሮ ንተጋደልቲ እንተዝውሃብ ነይሩ፣ እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ፋሉል ዝኾነ ሕገ እልቦ ህግደፍ ወሪዱ ዘሎ ስቓይ ኣይምወረደን ነይሩ። እቲ ጉዳይ ካብ መጥበሲኡ እዩ። መኽንያቱ፣ ብቅኑዕ ፍልስፍና ዝተመልመለ ተጋዳላይ ጥራይ እዩ፣ ፍትሒን ዲሞክራስን ኣብ ሃገር ከስፍን ዝኽእል።

እቲ በቶም ጎይቶት ልኡኽ ባዕዳውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝኾኑ፣ መሃንድሳት ጽዮናውያን ተሓንጺጹ ንኢሰያስ ዝተዋህቦ፣ ካብ ባዕዲ ብለቓሕ ዝመጸ ምጻእተኛ ስነሓሳብ ማርክሰ ለሊንነት፣ ይኣይ ከም ዓቢ ፍልስፍና ተወሲዱ፣ በቶም ፓፓጋሎ ካድረታት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንተጋደልቲ ይቐርብ ነይሩ።  እቲ መስኪን ተጋዳላይ ድማ ርሑቕ ዓዲ መሓሰዊ ምዃኑ ከይተረድኦ፣ ዝተማህሮ ጽውጽዋይ ኣሚኑ ህይወቱ ክውፊ ጸኒሑ።

ካብቲ ቅድሚ ባዕዳውያን ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝመሃዞ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ከኣ ካብ ወለዶ ኣብ ወለዶ እንዳተወራረሰ ዝጸንሐ ኣብ ንቡር መንነትን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰረተ ስነሓሳብ ሃዲምካ፣ ስነሓሳብ ባዕዳውያን ከም ቀዳማይ ፍልስፍና ወሲድካ፣ ንህዝብን ተጋደልትን ምድንቋር፣ ውጽኢቱ እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንርእዮ ዘሎና ሕገ ኣልቦን ፋሉልን ስርዓት እዩ።

እቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ከም ፕሮግራም ኮይኑ ክቐርብ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ፍልስፍና፣ ትሕዝቶኡ ብመጠኑ ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ነጥብታት ዝተመርኮሰ ክኸውን ነይሩዎ።

  • መሬትናን ባሕርናን ርስትናን ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ስለዝተወሰደ፣ ተቓሊስና ክንመልሶ ኣሎና።

  • ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ሕጊንዳባ ዝነበረ፣ ካብ እዋን ፈደረሽን ከኣ፣ ሕገ መንግስቲ ዝነበረ፣ ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ስለዝተወሰደ፣ ተቓሊስና ክንመልሶ ኣሎና።

  • ባይቶናን ባህልናን ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ስለዝተወርሰ፣ ተቓሊስና ክንመልሶ ኣሎና።

  • ሃይማኖትና ስለዝተደፍረ ኣብ ንቡሩ ንምምላስ ክንቃለስ ኣሎና።

  • መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣሓትና ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ስለዝተደፍረ፣ ተቓሊስና ክንመልሶ ኣሎና።

  • እቲ ካብ ጥንቲ ንቡር ዝነበረ መንነትን ባህልን ኤርትራ፣ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ግና ኣብ ዘይ ንቡር ተቐይሩ ዘሎ፣ ተቓሊስና ኣብ ንቡር ክንመልሶ ኣሎና።

  • ብዛዕባ ቀዳሞት ጀጋኑና ከመይ ገሮም ንባዕዳውያን መኪቶም ሃገርና ከምዘጽንሑልና፣ ከም ኣብነት ኮይኖም፣ ንተጋደልት ብግቡእ ትምህርቲ ከውሃብ።

  • ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፣ ዝወሩናን ዝጻብኡናን ዝነበሩ ባእዕዳውያን ገዛእቲ፣ ብስርዓት ንተጋደልቲ ኣስተምህሮ ክውሃብ።

    “ማርክስ ከምዚ በለ”፣ “ለኒን ከምዚ በለ”፣ ስታሊን ከምዚ በለ”፣ ማኦ ከምዚ በለ”፣ እንዳበልካ፣ ናትካ ገዲፍካ ናይንዳማትካ ከም መምርሒ ምውሳድ፣ ንህዝቢ ንምትላል እንተዘይኮይኑ፣ ንህዝቢ ዓወትን ሓርነትን፣ ፍትሕን ከምጽእ ዝኽእል ፍልስፍና፣ ፍጹም የልቦን።

  • ካብዚ ዝኸፍእ ዕሽነት ግንከኣ የልቦን። ርሑቕ ዓዲ መሓሰዊ ከምዝብሃል፣ ብዙሓት ኣቦታትና፣ ነቲ ኣስተምህሮ ካድረታት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ፎእ! እዮም ዝብሉዎ ነይሮም። እወ! ኣንቱም ሰባት እዚኦምሲ ካበይ እዮም ተፈጢሮም? ኣይናትናን እዮም! ዝብሉ ዝነበሩ ኣቦታት፣ ብጨካናት ጀማሂር ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብጸልማት ተተሓፊሶም ንኣብያተ ማእሰርቲ ተወሲዶም እዮም። ካብ ዝወጹዎ ከይተመልሱ ድማ ጠፊኦም ተሪፎም እዮም።

ኣስተብህል፣ እቲ ኩሉ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብ”ንሕናን ዓላማናን” ዝብል መርዛም መደብ ዕዮ ዝተተለመ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ነጻነትን ሓርነትን፣ ዘምጽእ ፍልስፍና ዘይኮነስ፣  ብቐዳምነት ፈላሊኽ ግዛእ ዝብል ግዕዙይ ፍልስፍና ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ኣተኣታቲኻ፣ ኣብ መወዳእትኡ ድማ፣ ንረብሓ ጽዮናውያን፣ ክሳብ ሽዑ ግና ንፈዛዝ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣  ከም በይኑ ተቓሊሱ ዘምጽኦ፣ ነቲ ኩሉ ስልጣን ህዝቢ ከምዝሕዞ ንምግባር እዩ። እወ፣ እንተድኣ ህዝብናን ሰራዊትናን፣ ተገሪህናን ተሃሚልናን ድኣ ካብዝብኢዶ ዓጽሚ፣ ጽዮናውያን ነዚ ፈዛዝ ሰብዚ ልኢኾም፣ ገና ክሃስዩና እዮም።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
25. ታሕሳስ 2017 ዓ.ም.ፈ.