ኢሰያስ ብጎይተቱ ሃጸያውያን ተመልሚሉ፣ እዩ ንሜዳ ወፊሩ። ኣብ ግዜ ሰውራ ጥራይ ማእለያ ዘይብሎም ጀጋኑን ፈላስፋታትን ደቀባት መንቁሱ። 1991 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ሕጊ ኣልቦ ግይዛዊ መንግስቲ ኣዊጁ። ሕገኣልቦ ዝኾነ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ጀሚሩ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግህሰት መሰል ሰብኣውነት፣ ህልቀት ስደትን (ኤክሶዶስን) ህዝቢ እዩ ተፈጺሙ። ብኸምዚ ከኣ ን26 ዓመታት ዝኣክል ህዝቢ ኤርትራ መላገጺ ኢሰያስን፣ ምስሓቕ ሸራፋትን ኮይኑ።

ክቡራት ደቂ ሃገር፣ “ካብ ብዙሕ ምጕያይ ክሳድ መሓዝ” ከምዝብሃል፣ እስከ ነቲ ብባንቡላታት ጋዜጠኛታት ህግደፍ ተሓቲቱ፣ ዓጀጀው ክብሎ ዝቐነየ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ፣ በዛ “ጸላኢኻ ኣብ መኣድኻ” እትብክል ቪድዮ ሰሚዕና ፍርድና ንሃበሉ። እወ፣ ኩሉ ማእለያ ዘይብሉ  ማዓልቲዊ ግህሰት መሰል ህዝቢ ኤርትራ ብትእዛዝ ልኡኽ ጽዮናውያን ባርባራዊ ገዛኢ ኢሰያስ ጥራይ እዩ ዝፍጸም ዘሎ። እዚ ጉድ እዚ ከሎ እዩ እምብኣር፣ ዕቡድ ኢሰያስ ኣብ ኢንተርቪው 2017  ኣሽካዕላ ዝኾነ ላግጺ ክላገጽ ዝሰማዕናዮ።

እስከ ነዛ “ግፍዕታት ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብልሳን ግዳያት” ቪድዮ ኢዚኣ ድማ ንከታተላ;

https://youtu.be/1Z2cNJgbeFk

ነቲ ብዛዕቦ ተልእኾ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዘይፈልጥ ሰብ፣ ከም ሓበሬታ መጠን፣ ኢሰያስ ካብ 1969 ዓ.ም.ፌ. ጅምሩ ብባዕዳውያን ተመልሚሉ፣ ወኪል ባዕዳውያን ኮይኑ ንኸገልግል እዩ ንሜዳ ኤርትራ ወፊሩ። ስለዚ እዚንሃዝቢ ኤትርራ ኣሽካዕላ ዝላገጸሉ ዘሎ፣ ሰብዚ ከምኡ ኢልካ ተላገጸሎም ኢሎም ዝልኣኹዎ ጎይቶቱ ጽዮናውያን ጥራይ እዩ ዝፍጽም ዘሎ እምበር ካብት ሓንጎሉ ኣይኮነን። ኢሰያስ ብመደብ ሰላዪ ኣዕራብን ህዝቢ ኤርትራን ኮይኑ ንኸገልግል፣ ብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን፣ ስለላ መርበብ ኢስራኤልን ስዉር ስለላን ኮሎላን ብስርዓት ድማ ቋንቋ ዓረብኛ ዓሊሞሞ እዩ ንሜዳ ወፊሩምበር ከም ወዲ ሓማሴን ኮይኑ ንህዝቢ ከገልግል እሉ ኣይኮነ።

መግዛእቲ ኢሰያስ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣገባብ ኣሰራርሓ ባዕዳዊ ኣንጀንዳ ኮይኑ፣ መቐጸልታ ኮሎንያል ጣልያን እዩ። መኽንያቱ ኮሎንያል ጣልያን ኣብቲ እዋን እቲ፣ ወኪል ረቀቕቲ ጽዮናውያን ኮይኑ እዩ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ወሪሩ። ኢሰያስ ድማ እቲ ቀንዲ ዝሰርሖ ዘሎ ነቲ መደብ ዕዮ ጽዮናውያን ኣብ ግብሪ ንምውዓል እዩ። ንመረዳእታ፣ ኣብ ብሻን ኣብ ሃይኮታን ዝርከብ ዘሎ ምህርቲ ዕደና ወርቂ፣ ባዕዳውያን እዮም ዝዘምትዎን ዘለው እምበር ህዝቢ ኤርትራ ግና ወርቁ እንዳተዘምተ፣ ደቁ ድማ እንዳተሰዱ፣ ግንከኣ ምስ ባህርያዊ ጸግኡ፣ ማይ ከይዳ ሉቸ መጺኣ ክብል ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ።

ውጽኢት ምግዛእቲ ኢሰያስ ኣብዘን ዝሓለፋ 26 ዓመታት ብውሑድ ንምጥቃስ እዘን ዝስዕባ እየን፤

  1. ንንቡር ኣስማት 8 ኣውራጃታት ደምሲሱ፣ ካብቲ ምሉእን ኢንፍኒቲቭን ቍጽሪ 8 ቀዪሩ፣ ኣብ ጥንቆላ ንሞሮሎጂ ዝተመርኮሰ ርኹስ ቍጽሪ 6 መሪጹ ኣብ 6 ዞባታት ቀይሩወ።

    ኣስተብህል፤ ኮሎንያል ጣልያን ኣብ ዶጋሊ ዝስዓርዎ መብዛሕትኦም ደቂ ሓማሴን፣ ብፍላይ እኳድኣ ደቂ ኣውራጃ ለጎጭዋ ስለዝነበሩ፣ ፈላሊኻ ግዛእ ካብዝብል መደብ ምስ ኣውራጃ ሰራየን ኣከለጉዛይ ተጸንቢራ ጽልማ ተባሂላ።

  2. መሬት ህዝቢ ብኢደወነኑ መሬት መንግስቲ ኢሉ ገቢቱዎ።

    ኣስተብህል፤ ኮሎንያል ጣልያን ድማ ነቲ ስቡሕ መሬት ኤርትራ ነፍራሱን ንደቂ ጣልያንን ይዕደሎ ነይሩ።

  3. ንኹሉ መንእሰይ ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝብል ጉልባብ፣ ካብ ከበሳ ገገፊፉ፣ ኣብ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ሳዋ ዝተባህለ ምድረዓሶ በረኻ ዳጒኑዎም።

    ኣስተብህል፣ መደብ ኮሎንያል ጣልያን፣ ንኩሉ ህዝቢ ከበሳ ኣብ ዶብ ሱዳን ከግዕዞሞ፣ ካብ ሃገር ጣልያን ዝመጹ ስራሕ ኣልቦ ኢታልያውያን ድማ ኣብ ከበሳ ክሰፍሩ እዩ መደብ ኣውጺኡ ነዩሩ።

  4. ብዘይ ሕገ-መንግስቲ ግዝያዊ መንግስቲ መስሪቱ። ነቲ ንቡር ሕግታት እንዳብ ኤርትራ ረሲዑዎ።

    ኣስተብህል፣ ኮሎንያል ጣልያን ንሕጊ እምንዳባ ከይተንከፎ፣ ናቱ ሕገመንግስቲ ነይሩዎ።

  5. ልኡዅ መላኺ ህግደፍ፣ ንህዝቢ ከይተወከሰ፣ ንሰራዊት ኤርትራ ግዳም ሓደር ገሩዎ ኣሎ።

    ኣስተብህል፣ ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራውያን ኣብ ቅድመ ግንባር ኲናት ምስ ኢትዮጵያን ሶማልን ሊብያን የሰልፎም ነይሩ።

  6. ህግደፍ ዝቕበሩሉ መቓብር፣ ብስም “መቓብር ሓርበኛታት” ፈልዩዎ እዩ።

    ኣስተብህል፤ መንግስቲ ኮሎንያል ጣልያን ኣስመራ ከኣ፣ እጣልያውያን ጥራይ ዝቕበርሉ መቓብ ንበይኑ ኣዳልዩ ነበረ።

  7. ልኡዅ መላኺ ንጉስ ህግደፍ፣ ገንዘብ ህዝቢ ሃጊሩ፣ ኣብ ወርሒ ወርሒ ድማ ካብ 5000፣00 ናቕፋ ንላዕሊ ካብ ባንኪ ገንዘብ ከምዘየውጽእ ኣዊጁ።

    ኣስተብህል፣ ኣብ እዋን ኮሎንያል ጣልያን ግና፣ ነብሲ-ወከፍ ሰብ ከምድላዩ ኣብ ባንኪ ገንዘብ ከእቱን ክውጽእን ይኽእል ነይሩ። ኣብ እዋን መንግስቲ ሃይለስላሴን፣ ኣብ መንግስቲ ግዝያዊ መንግስቲ እንተኾነውን ህዝቢ ከምድላዩ እዩ ገንዘብ ኣብ ባንኪ ዝከእቱን ከውጽእን መሰል ዝነበሮ።

  8. እሱራት ኣብ ኤርትራ ምስተኣስሩ፣ ካብ ዝተኣስሩዎ፣ ኣብያተ ማእሰርትታት ክወጺ መስል የንብሎምን።
    ኣስተብህል፤ ኣብ እዋን ጣልያን ዝተኣስሩ ብጠበቓ ተሰንዮም፣ ብኣቃበ ሕጊ ተማእኪሉ ብቤት ፍርዲ ተበይኑ እዩ ዝወጽእ ነይሩ። ኣብ እዋን ንጉስ ሃይለስላሴን ግዝያዊ መንግስቲ ን ደርግን እንተኾነውን እሱር፣ ይብጻሕ፣ ብቤት ፍርዲ ተበይኑ ድማ ፍርዱ ይረክብ ነይሩ።

እዚ ከይኣክል ድማኒ፣ ዘይሓፍር መላኺ ኢሰያስ፣ ኣብ ቅድሚ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ተገቲሩ፣ ኣብቲ ድምጺ ሓሶ ዝኾነ ቲቪ.ኤረ ሃጠውቀጥው ክብል ክትሰምዕ ከሎኻስ “ሓጺሩኒ እንተበልክዎስ ተደቢሩ ይስዕስ“ ኢልካ ዘይሕለፍ ሀየንታ ጥራይ እዩ።

ስለዚ እቶም ንኢሰያስ ከም “ፕረሲደንት ሃገር“ ቆጺርኩም “ክቡር ፕረሲደንት“ እንዳበልኩም ትጽሕፉን ትምድሩን፣ ወይልኹም ትጋገዩ ኣሎኹም!! ፕረሲደንት ሃገር ዝብሃል ከምቲ ኣብ ከም ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኣብ ኣብ 4 ዓመታት ብህዝቢ ዝምረጹ ፕርሲደንትታን ቀዳማይ ሚንስተራትን ተመሪጹ ኣይኮነን ኣብ ስልጣን መጺኡ።

ኢሰያስ ግና ብኢደወነኑ ህዝቢ ከይመረጾ እዩ ንኣስታት 26 ዓመታት፣ ብህዝቢ እንዳተላገጸ ኣብዛ ቅትለትን ሞትን ስደትን ማእሰርት ዝፍጽመላ ዘሎ ልሕልሕቲ ስልጣን ተወጢሑ ዘሎ። ስለዚ ነቶም እብ ኢንተርነት “ክቡር ፕረሲደንት“ እንዳበልኩም ትጽሕፉን ትምድሩን ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ኣቐዲምኩም ብዛዓባ ኢሰያስ ተመራሚርኩም መንነቱን ክብሪ ስልጣኑን ተረዲaኩም እንተጽሓፍኩምን መደርኩምን ይሓሽ ንብል።