ሓውካ፣ ሓብትኻ  ወድኻ ጓልካ፣ ብዓልቲ ቤትካ ተኣሲሮም ክጠፍኡ ክሓቁ
ንባዕልኻ ተዳጒንካ ተኸትኪትካ ትንፋስካ መሊቑ
ወድኻ ካብ ኢዶም መልቑ፣ ኮብሊሉ ሞይቱ፣ ወይ ዓዲ’ርሒቑ

50 ሽሕ ትኸፍል ወይ ትእሰር ብዘይ ምሕረት
ንሃገርካ ተጋዲልካ ልዕሊ 30 ዓመት

ብዘይ ሕጊ ደስኪልካ ተባሂልካ ትብል ጆግነን ከርተት
ገበን ኢሰያስ እንዳፈለጥካዮ ብሓላፍነት
ሃገርካ ጠንጢንካ ወጺእካ ንስደት
ጽዮናውያን ከኣ ይዘምቱዎ ጸጋ ሃገር ንብረት

ከይትዛረብ ነገር ከይተምሉቕ
እርም  ጥርቅም ኣስቂጥካ ስቕ
እዚስ ትዕግስቲዶ ወይስ ሕመቕ?

ብማእሰርትን ቅጥትለትን
ጭውያን ብኮለላን ስለላን
ብበለካ ለኽዓካ ኣመል 03 ሓሶትን
ንዓኻ ዘርዕድ ከይሲ ብዓል እዋን
ልኢኾምልካ ጽዮናውያን
መፈጠርካ ዘጽልእ ሕማቕ ዘመን
እናሃለወ ትም ኢልካ ክትርእዮ ነዚ ሰላዪ ንኽሻድን
ስንፍናን ሕመቕን ድኣንበር ትዕግስትስ ኣይከውንን
ግቡኡ’ዩ እቲ ህዝቢ ብሓባር ንጸላኢኡ ኣለልዩ ክቃለስን ክምክትን
እቲ ልኡኽ ባዕዳውያን መላኺ ክጉሓፍ ካብ ስልጣን
ምሉእ ነጻነትን ሓርንትን ኣብ ሃገር ክሰፍን

እቲ ትም ምባልንን ምስቃጥን፣ እንተድኣ ቀጺሉ ኣብዘይ ቦታኡ
ወዮ ልኡኽ መላኺ ምስ ጉጅልኡ
ንሃገር ከዕንዉ ንህዝቢ ከጥፍኡ
ዝተላኡ ዕጡቓትዮም እንካብ ብንግሆኡ፣

ክዘርእና ከይበትኻ ኣብዛ ኤርትራ ሃገር
ጸላኢና ኣለሊና ብሓባር ንበራበር
ስልጣን ዋንኡ ህዝቢዩ፣ ኣብ ህዝቢ ንኽምለስ ንጽዓር
ከምቲ ፍንፉን መላኺ ጥራሕ ኣብ ስልጣን ኣይንመጣጠር
ስልጣን ዋናኡ ህዝቢ’ምበር ንብረት ኢሰያስ ከምዘይኮነ ብኣእምሮ ንመራመር

(ኤርትራዊ ሆመር)

ብሓልዮት መርበብ ደቀባት-ኣግኣዝያን 27:zekaTI.2017 ዓ.ም.ፈ.