ፍሉይ ሕታም

ሓቂ መራር እያ፣
ኣዳላዊ መም. ቀለተ እስፋሃ
02.የካቲት 2018 ዓ.ም.ፈ.

ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብገረብ ብሓኽላ ይሳቐ ከምዘሎስ ትፈልጡዎዶ ?
እቶም ቀንዲ መሃንድሳት ንጉዳይ ኤርትራ ተታሓሒዞሞ ዘለው ሓይልታትከ ብዓል መን ምዃኖም ትፈልጡዎምዶ ? ካብ መዓስ ጀሚሮም ነቲ ውዲት ከምዝጀመሩዎከ ትፈልጡዎዶ?
ነዘን ሕቶትታት እዚአን ንምምላስ ብሕጽር ዝበለ ትንተና ቀሪቡ ኣሎሞ ብምስትባሃል ክትከታተሉዎ ሓደራ።

መተሓሳሰቢ ንተኻታተልቲ፣ እዚ ጽሑፍዚ ብዛዕባ ሓቀኛ መንነት ህዝቢ ኤርትራን፣ መንነት ጸላእቱን፣ ካብ ጥንቲ ዘመን ጀሚሩ ከኣ ክሳብ ሎሚ ዘሕልፎ ዘሎ ኢሰብኣዊ ጸገማትን ተንቲኑ ዘብርህ ጽሑፍ እዩ። ነቲ ታሪኻዊ ትሕዝቶኡ ድማ ኣንባቢ ብግቡእ መታን ክርድኦ ካብ ዝብል ተበግሶ፣ በብንኣሽቱ ኣርእስቲ ተኸፊሉ ይቐርብ ኣሎ። ስለዚ ነዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ኣርእስታት በብግዜኡ ብምዕራፋት እንዳከፋፈልና ነቐርበን ኣሎናሞ፣ ብምርዳእ ዝተሰነየ ሰናይ ንባብ ንምነየልኩም።

ኣርእስቲ
1ይ. ምዕራፍ፣ መእተዊ
2ይ. ምዕራፍ፤መለለዪ ደቂ ምድረ ባሕሪ
3ይ. ምዕራፍ፣ ምሕደራ ባሕረነግስታት
4ይ. ምዕራፍ፣ ወራር መሓመድ ግርኝ
5ይ. ምዕራፍ፣ ወራር ቱርኪ
6ይ. ምዕራፍ፣ ስለላ ኣብ ኤርትራ፣ ምዓስ ተጀሚሩ?
7ይ. ምዕራፍ፣ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ
8ይ. ምዕራፍ፣ መሳፍንቲ ትግራይ
9ይ. ምዕራፍ፣ ወራር ግብጺ
10ይ. ምዕራፍ፣ ወራር ማህዲ ካብ ሱዳን
መበል 11 ምዕራፍ፣ ኮሎንያል ጣልያን
መበል 12 ምዕራፍ፣ መጒዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ
መበል 13 ምዕራፍ፣ ውሳኔ ኣሜሪካን መሰል ርእሰ ውሳኔ ኤርትራ
መበል 14  ምዕራፍ፤ ምፍራስ ፈደረሽን
መበል 15  ምዕራፍ፤ ሰውራ ኤርትራ
መበል 16 ምዕራፍ፤ ሃገር ድሕሪ ነጻነት
መበል 17 ምዕራፍ፤ መሸጣ ሃገር ንጽዮናውያን ኣብ ለንደን
መበል 18 ማራፍ፤ ወፍሪ ስለላ መርበባት ጽዮናውያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ
መበል 19 ምዕራፍ፤ ማእሰርትን ቅንጸላን ደቀባት ኤርትራ
መበል 20 ምዕራፍ፤ ዶባዊ ኲናት ባድመ ፕሮጀክት ጽዮናውያን
መበል 21 ምዕራፍ፤ ዋርድያታት ሥልጣን ኢሰያስ
መበል 22 ምዕራፍ፤ ስደትን ጠንቂ ስደትን
መበል 23 ምዕራፍ፣ ህሉው ኲነታትን ሃለዋትን ህዝቢ ኤርትራን

መእተዊን ትርጒምን
ኤርትራ ብቋንቋ ግሪኽ ስም ባሕሪ ማለት እዩ። ካብ ፖርት ስዒድ ክሳብ ባሕሪ ህንዲ፣ ወይ ከኣ ካብ ወደብ ስዮስ ክሳብ ባብኤልመንደብ ዘሎ ባሕሪ እዩ። እዋሃህባ ስሙ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዕንባባ ባሕርን መሬትን ስለ ዝርኣዩሉ፣ ቀይሕ ሰበባ ዝንሳፍፈሉ፣ ቀያሕቲ ዓሳታት ዝፈርዩሉ፣ ኣብ መንጎ ጻዕዳን ጸሊምን ዘለዎም ቅዪሕ ዝበሉ (ከደሮት) ህዝቢ ዝነብሩዎ ስለዝኾነ እዩ። ነቢይ ሙሴ ንቀዪሕ ባሕሪ ብቋንቋ ዕባራይስጥ፣ ያም ሱፍ ኢሉ ሰመያ (ያም= ባሕሪ  ክኸውን ከሎ ትርጒሙ፣ ሱፍ ከኣ = ቀይሕ ሕብሪ) ማለትዩ።

ስለዚ ኤርትራ ማለት ቀይሕ ባሕሪ ፣ ቀይሕ ምድሪ ማለት እዩ።

(መወከሲ መጻሕፍቲ፣ኣባ ጋስፓሪኒ ጉማ የኢትዮጵያ ታሪክ ገጽ 49: ኪዳኔ ወልድ ክፍሌ መጽሓፈ ሰዋስው ወግስ ገጽ 243)
ካብ ጥንቲ እዚ ሎሚ ኤርትራ ዝብሃል ዘሎ መሬት፣ ምድረ ሓማሴን፣ ምድረ ባሕሪ ነጋሲ፣ምድረ ባሕሪ፣ ምድረ ኣግኣዝያን ወዘተ..ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፣ መንግስቲ ኮሎንያል ጣልያን፣ ብ3 ንሓሰ 1889 ዓ.ም.ፈ. ነስመራ ምስወረረ፣ ብኣዋጅ “ኤርትራ” ኢሉ ሰመዮ።

ህዝቢ ምድረ ባሕሪ፣ ህዝቢ ሓማሴን፣ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ፣ኣብ ታሕጓስን ሓዘንን፣ ኣብ ራህዋን ጸበባን፣ ሓቢሩን ተጠሚሩን፣ ከም ፍረ ዘለላ-ወይኒ፣ ብዙሓት ጭናፍር ግንከኣ ሓንቲ ተኽሊ ዘለዋ ኮይኑ፣ ኣብ መኣዛዊ ኣየር ዘለዎ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብሰንኪ ባዕዳውያን ወራራት ከም ወራር ቱርካውያን፣ በብቚሩብ ንደቡባዊ ክፍሊ ምድረባሕሪ እንዳደፍአ፣ ኣብ ኣኽሱም ዝልዓለ ጫፍ ስልጣኔ መስሪቱ ንመላእ ኣፍሪቃ ኣንዳሓለፈ፣ኣብ ዳርጋ ኩሉ እዋናት፣ ፍጹም ርእሰ ምምሕዳሩ ዓቂቡ ዝነብር ዝነበረ እዩ። መላእ ህዝቢ ምድረባሕሪ ርእሱ እናማሓደረ፣ ምስ ንግስነት ኢትዮጵያ ክልሰሓሳብውን መጸዋዕታን ድኣምበር፣ ከምቲ ገለገለ ደብተራታት ጽሓፍቲ ታሪኽ ኢትዮጵያ፣ ወይ ከም ብዓል ፕሮፈሶር ሃጋይ ኤርሊኽ ኣብ መጻሕፍቱ ዝወቓቐጡዎ ሃጠውቀጠው ዘይኮነ፣ ግብራዊ ዝኾነ ምትእስሳር ወይ ውህደት ኣይነበሮን።

ውርዙይ ባህልን፣ ጅግንነት ዝመልኦ መንነት ደቂ ምድረባሕሪ ብቪዶ

ካብጥንቲ ጀሚሩ ግና ኤርትራ መሰረት ኢትዮጵያ ምዃና፣ መሰረት ዓሌት መብዛሕትኡ ህዝብታት ከበሳ ኢትዮጵያ ሴማዊ ዝዓብለሎ፣ ከም ምዃኑ መጠን፣ ሴማዊ ህዝቢ ከኣ ኣብ ምድረ ባሕሪ፣ ቀጺሉ ድማ ኣብ ትግራይ እቲ ዝልዓለ ስልጣኔ ምሂዙ ዘሳጐመ ምዃኑ፣ ዝተፈላለዩ ባህርታት ንክምህዝ መኽንያት ከምዝኾነን፣ ክጥቀስ ይከኣል። ስኣን ኣዕሙቕ ኣቢልካ ምምርማር ከኣ፣ገለገለ ምሁራት ኢና ብሃልቲ፣ (ከም ብዓል ፕሮፈሶር ተኸስተ ነጋሽን ካልኦትን)፣ ነቲ መሰረቶም ምድረ ባሕሪ ወይ ምድረ ሓማሴን ገዲፎም፣ ኣዲኣ ገዲፋ ሓትኖኣ ትናፍቕ ዝብል መንገዲ መሪጾም  “ኢትዮጵያውያን ኢና” ክብሉ ይስምዑ። ስኣን ምርዳእ  ክኸውን ይኽእል ክብሃል እኳ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ድሒሩ ዝተቐልቀለ (ትግራይ ወይ ዓደምሓራ) እዩ መበቆል ሃገርና ክብሉውን ይስምዑ እንድዮም። እቲ ሓቂ ግና፣ ካብ ምራራ ሰሜናዊ ባሕሪ ኤርትራ ተበጊሶም፣ ኣብ ዓደምሓራን ትግራይን ከይዶም ድሕሪ ምጽናሕ፣ኣብቲ መዳሕንቶም ዝተቐብሮ መበቆል ዓዶም ዝተመልሱ እዮም። ብርግጽሲ ድማ መበቆሎም  ምድረባሕሪ  እዩ እምበር፣ ዓደምሓራን ትግራይንሲ ከቶ ኣይኮነን።

መዘክር ባህሊ ብዓበይቲ ፈላስፋታት ኤርትራውያን፣ ቪድዮ

ምድረባሕሪ መሰረት ምዃኑ ብሰፊሑ ክንርእዮ እንተዀንና ድማ፣ ብሕጽር ዝበለ ግንከኣ መርትዖ ዘለዎ፣ ብኸምዚ ዝስዕብ ትንታኔ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል :- ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ገዳማት ዓደምሓራ ዝተቐመጡ ኣባ ስብሓትለኣብ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ካህን ከዘንትዉ ከለው፣ “ሊቃውንቲ እምሓሩ ከትግሬ የማይወለድ ከሻንቅላ ወይም ከካይላ (ፈላሻ) ወይም ከጋላ (ኦሮሞ) ነው“ ይብሉ።”ካብ ትግራዎት(ተዛረብቲ ትግሪኛ ቋንቋ ማለቱ እዩ) ዘይውለድ እንተድኣ ኮይኑ፣ ካብ ጋላ ወይ ካብ ሻንቅላ ዝተወልደ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ” ይብሉ። ሃለቃ ታየ ዝተባህሉ ኣምሓራይ ድማ፣ ኣብቲ መጽሓፎም፣ “ቋንቋ ኣምሓሪኛ ዝመጸ፣ ካብ እብራይስጢ፣ ኣባሓጎኡ፣ ካብ ግእዝን ዓረብን ኣቦታቱ፣ ካብ ትግረን ትግሪኛ ኣሕዋቱ“፣ ክብል እቲ መሰረት ኣብ ምድረባሕሪ ምዃኑ ይምስክር። ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ከም ሃገር ምስ ምምጻእ ኮሎንያል ጣልያን እየን ዶበን ተፈሊጡ ወይ ከም ሃገራት ቆይመን።  መበቆል ትርጉም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካበይን ምዓስን ከምዝኾነን፣ብፍላይ ኢትዮጵያ ዝብል ቃል፣ ነቲ ሕጂ ብሃገር ደረጃ ቆይሙ ዘሎ መሬት ዘየስምዕ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዘተኣሳስርን ዘዛምድን ከምዘይብሉ ኣብዚ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ትንታኔ ክንርኢ ኢና :-

”ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፣ ኣብ እዋን ጸገሞም ንህዝቢ ምድረባሕሪ ርድኡና ክብሉ፣ ህዝቢ ምድረባሕሪ ድማ ረዲኡ ጸላእቶም ደምሲሱ፣ ህላዊኦም የረጋግጸሎም ከምዝነበረ፣ ሩፊኖ ፔርኒ “ኢትዮጵያውያን ጸብለልነትነቶም ብሳላቶም ካብ ስሜን ዝመጹ ባእታታት ከምዘረጋገጹ ክንግንዘብ ንኽእል”: ክብል ይምስክር። ሩፊሎ ፐርኒ ትርጉም ቪቶርዮ ሮንካሊ መረብ ምላሽ ገጽ 41

hዝቢ ምድረባሕሪ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፣ ንመሳፍንቲ ትግራይን ኣምሓራን፣ ኣብ እዋን ጸገሞም ወትሩ እናሓገዘ፣ ጸላእቶም እናስዓረን ዝዓውቶም ዝነበረ ህዝቢ እዩ። ካብቶም ንመሳፍንቲ ኢትዮጵያ ትግራይን ዘድሕኑዎም ደቂ ምድረባሕሪ ካብ ውቅያኖስ ብጭልፋ ፈንጪልካ ንምጥቃስ፣

 ባሕረ ነጋሲ ኢሳቕ ኣብ ወራር ግራኝ ምስ ፖርቱጋላውያን ተላፊኑ ንግራኝ ንሓዋሩ ከምዝጠፍእ ገሩ ደምሲሱዎ። ደግያት ኣበራ ወዲ ራሲ ሃይሉ ብዓል ጸዕዘጋ፣ ንንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ፣ ካብ ወራር ኦሮሞ ስለዘድሕኖ፣ “ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ”፣ ኢሉ ከምዘመጎሶ። ኣብ ወራር ኣኽራሪ ኣስላማዊ ሓይሊ ማህዲ ብ1889 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሱዳን ተበጊሱ ንጎንደር ምስ በጽሐ፣ ንንጉስ የውሃንስ 4ይ ረዲኦም ዘዓወቱዎ ደቂ ምድረባሕሪ እዮም ዝነበሩ። ብዘይ ደቂ ምድረባሕሪ ሰራዊት ማህዲ ትግራዎት ጥራይ ኣይምስዓሩዎን ነይሮም። ሎሚ ድማ ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን መስሊሙ  ምሃለወ ነይሩ። ኣብ ኲናት ዓድዋ፣ንወራር ኮሎንያል ጣልያን ብጸብለልትነት ዝነበሮ ጅግንነት ዘፍሸሉዎ፣ ብፍላይ ከም ብዓል ባሻይ ኣውዓሎም፣ ራእሢ ወልደሚካኤል ሰለሞንን፣ ደግያት ኣበራ ወዲ ራእሲ ሃይሉን ብዓል ጸዓዘጋ፣ኣብርሃምን ደቦጭን ደቂ ዓዲ ባሮ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ንጀነራል ግራስያኒ ብቦምባ ኢድ ኣቝሲሎሞ።

ጅግና ዘርኣይ ደረስ፣https://youtu.be/7WWtwxNGVFY ኣብ ከተማ ሮማ መኳንንቲ ጣልያን ንባንዴራ ኢትዮጵያ ክላገጹላ ምስርኣየ፣ ብጉራደ መልዒሱዎም። ኮሎንያል ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስወረራ ንንጉስ ሃይለስላሴ ካብ ኢትዮጵያ ሓቢኡ ብጂቡቲ ኣቢሉ፣ ንሃገር ፈረንሳ ካብ ኮሎንያል ጣልያን ሓቢኡ ዘእተዎ፣ ብላታን ጌታን ሎሬንሶ ታእዛዝ ወዲ ዓዲ ቀይሕ ኣከለጉዛይ ነበረ። ድሕሪ ምውጻእ ኮሎንያል ጣልያን ድማ ፍሉይ ኣማኻሪ ንጉስን፣ ንበይኑ ባዕሉ ጥራይ  ን3 ኣብያተ ሚንስተራት ብብቕዓት (ሚንስተር ሕጊ ሚንስተር ፖስት ሚንስተር ወጻኢ) ንዓመታት ኣማሓዲሩወን። ቶዅላ ስለላ መርበብ እንግልዝ ግና፣ ብፍልጠቱን ብልሓቱን ስለሰግኦም፣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ተሰሚሙ ከምዝምውት ገሮሞ። ኣሰያኡ ድማ ንጆን ስፔንሰር ዝተባህለ ሰላዪ ኣሜሪካዊ ኣማኻሪ ንጉስ ሃይለስላሴ መሪጾም። ንጉስ ሃይለስላሴ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ድማ ክሳብ ዝመውት ስፔንሰር የማኽሮ ነይሩ። ንጉስ ሃይለስላሴ ብጀነራል መንግስቱ ነዋዩ ካብ ስልጣኑ ንኽዕሎ ንጀነራል መንግስቱ ነዋዩ ዝማረኾ ጀነራል ዑቝባዝጊ ኤርትራዊ ሓዉ ንኣቶ ፋሲል ብዓል ዓዲ ተኽላይ ነበረ። ኣብ 60ታት ድማ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ብዓል ጸዓዘጋ፣ ኣብ ኲናት ኣንጻር ሶማል ንቕድሚት ገስጊሱ ንመቓድሾ ንክቆጻጸራ ምስቀረበ፣ ንጉስ ሃይለስላሴ ብውዲት መሃንድሳት ስለላ መርበብ እንግሊዝ ተገዲዱ፣ ተመለስ ተባሂሉ ስለተኣዘዘ ተመሊሱ እምበር ንምልእቲ ሶማል ምተቛጻጸራ ነይሩ።

 እዚ ድማ ዝተፋላለዩ ዓሌት ግንከኣ ጥሙራት ህዝቢ ስለዝኾኑ። ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ተላም ሓርነትን፣ ሓላዊ ወሰንን፣ ምዉቝ ሃገራዊ ፍቕሪ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ምድረ ባሕሪ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፣ ርእሱ ክኢሉን፣ ሓራ ኮይኑን፣ ንክወሮ ዝመጸ ጸላኢ ተኻላኺሉ ዘጥቅዕ ዝነበረ ህዝቢ እዩ። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ድማ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ምስ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይ ተላፊኖም፣ ነቲ ብማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋር ሶቭየት ሕብረት ዝተዓጥቀ ሰራዊት ደርጊ፣ ብከቢድ ብረትን ታንክታትን ተሰኒዮም ንሓዋሩ ከምዝዓርብ ከምዝገበሩዎ ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ።

ኣየወ፣ ሰራዊት ወያኔን ህዝባዊ ግናባርን ሓቢሩ እንተዝጒዓዝ ነይሩ፣ ወኻሩ ጽዮናውያን ንህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ኢትዮጵያን ሎሚ ኣይምተላገጹሉን ነይሮም።

2ይ ምዕራፍ መለለዪ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ

ብፍላይ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ክንምልሰን እንተድኣ በቒዕና፣ ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ይጸንት ከምዘሎ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።

ሀ) ህዝቢ ኣግኣዝያን ዝጠፍእ ዘሎ፣ ብጭፍራ ህግደፍ ጥራይ ድዩ፣ ወይስ ንህግደፍ ዝዓሰቡዎ ስዉራት ሓይልታት (ጽዮናውያ) እዮም? ንምዃኑኸ እንታይ ስለዝበደለ እዩ ንኽጸንት ተፈሪዱ?

ለ) ስለምንይከ ማእለያ ዘይብሉ ምዕድን ሃገር ንወጻኢ ተጓሕጒሑ፣ ግንከኣ ተዘሚቱ እንዳግዓዘ ከሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ግና ባርነታዊ ህይወት እንዳሕለፈ ኣማዕድዩ ዝርእዮ ዘሎ ?

ሐ) ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብዘይ ግሁድ ኲናት፣ ብማእሰርቲ ብስዉር ቅንጸላ፣ ብስነ-ኣእምራዊ ሽበራን፣ መንነቱን፣ ጅግንነቱን፣ ዘርኡን፣ ባህሉን፣ ሃይማኖቱን ይጠፍእ እሎ?

ኣብዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ነጥብታት ተመርኲስና፣ ብፍላይ ንመለለዪ ህዝቢ ኣግኣዝያን ዝምልከት ታሪኻዊ መግለጺ ኣብ ዝቕጽል ብሰፊሑ ከነቕርቦ ኢና። ከም መበገሲ ግና እንሆ ነቕርበልኩም።

1ይ. ኣብ ቅዱስ ኦሪታዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት ስለዝኣምን
2ይ.ፍትሓዊ ኦሪታዊ ሕጊ እንዳባ ስለዝውንን
ህ. ሕጊ ለጎጭዋ፣
ለ. ሕጊ ዓዲቆንጺ፤
ሐ. ሕጊ 7 ዓንሰባ፣
መ. ሕጊ 7 ድንበዛን፣
ሠ. ሕጊ ክልተ መንሳዕ፣
ረ. ሕጊ ኣድግና ተገልባ፣
ሰ. ሕጊ ኣከለ ምልጋእ
ሸ. ሕጊ ካርነሽም
ቀ. ሕጊ ስሓርቲ

  • ኦሪታዊ ስርዓተ ዴስነት፣ “መሬተይ መቲረ ገባረይ ቆጺረ“ ብዝብል መምርሒ፣ ርስቲ ዓደቦ ኣብ 7 ዓመታት ንነፍሲወከፍ ዓቕሚ እዳም ዝበጽሐ ወዲ ሃገር መሬት ስለዝማሳሕ (ስለዝምቀል)።

  • ነቕ ዘይብል ፍቕሪ መሬቱን ባሕሩን ዘለዎ ኩሩዕን ጅግናን ህዝቢ ስለዝኾነ፣ ጸላኢ ክወሮ እንተመጸ ንመሬቱን ባሕሩን ክከላኸል ከሎ ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ዘይብል፣

  • ካብ ኤውሮጳውያን ኣዝዩ ዝተፈልየ፣ ውርዙይ ባህልን ልምድን፤ ኣብ ቅዱስን ኣዎንታውን ግብራዊን መጎታዊን ቁጽሪ ስለዝኣምን፣ ንመረዳእታ፣ 12 ሃዋርያት፣ 40 መዓልታት (ጾመ ኣርብዓ)
    8 ኣውራጃታት፣ 7 ከዋኽብቲ፣ 7 ዓንሰባ፤ 7 ደቀተሽም።

  • ስብኣዊ መሰል ምኽባር፣

  • ባዕሉ ዝመሃዞ ፊደላትን ቋንቋን ትግሪኛ

ያታዊ ታሪኽ ህዝቢ ምድረባሕሪ ከምዝምስክሮ፣ ኣብ ኣውራጃ ሽዋ ክሳብ ሎሚ ዝነብሩ ዘለው፣ ህዝቢ ሰባት-ቤት ውራጌን፣ መንዜን ዝብሃሉ፣ ንመሳፍንቲ ኢትዮጵያ ካብ ወራር ኦሮሞ ንምክልኻል ክረድኡዎም ካብ ምድረባሕሪ ንሽዋ ምስከዱ፣ ብዝፈጸሙዎ ጅግንነት መሳፍንቲ ኣምሓራ ከኣ ስለዝተደነቑ፣ መሬት ኣማሲሖሞ ኣብዚ ትረፉ ኢሎም ስለ ዝለመንዎም፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣውራጃ ሽዋ ከም ደቀባት ኮይኖም ርስቲ ወኒኖም ዝነብሩ ዘለው፣ ግንከኣ መበቈሎም ደቂ ምድረባሕሪ ዝነበሩ እዮም። መሳፍንቲ ኣምሓራ፣ ብዛዕባ ጅግንነት ደቂ ሓማሴን ክምስክሩ ከለው፣ ከምዚ ይብሉ፣ “ደቂ ሓማሴን፣ ኣብ ግዜ ውግእ፣ ንቕድሚት ጥሒሶም ይኸዱምበር፣ ንድሕሪት ኣይብሉን“። “ትግሬና ነብር ሳይነኩት ኣይነሳም“። ትግሪኛ ዝዛረብ ዓሌትን ነብርን ከይተተንፈ ኣይልዓልን“። ብፍላይ መሳፍንቲ ትግራይ ግና፣ ንህዝቢ ምድረባሕሪ፣ ንሰላሙን ንሓድነቱን ክዘርጉ ብዙሕ ተራባሪቦም እዮም። ብሰንኮም ድማ ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ ግዳይ ኮሎንያል ጣልያን ኮይኑ። ንሶምውን ተንኮሎም ስለዝረኸበቶም፣ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ፣ ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ኣምሓራ ግዳይ ኮሎንያል ጣልያን ገሮም ድኣ ሃሰዩዎ እምበር ኣይድሓኑዎን። ኣብ ኲናት ደጋሊ ብ27 ጥሪ 1887 ዓ.ም.ፈ.ን፣ ኣብ ኲናት ዕድዋ ከኣ ብ1 መጋቢት 1896 ዓ.ም.ፈ. እንተኾነውን፣ ብፍላይ ብሳላ ጀጋኑ ደቂ ምድረ-ባሕሪ እዩ ኮሎንያል ጣልያን ተሳዒሩ። ካብቶም ኩሎም ወረርቲ ኤውሮጳውያን፣ ንመረዳእታ፣ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንኬንያን፣ ንሱዳንን፣ ንናይጀርያን፣ ንኡጋንዳን፣ ወዘተ..ኮሎንያል ፈረንሳ ንኣልጀርያን፣ ሰኔጋልን፣ ቱኒዝያን፣ ሞሮኮን ወዘተ.. እታ ኣዝያ ዝደኸየት ኤውሮጳዊት ሃገርም በልጁም ንኮንጎ፣ ጀርመን ንምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ስፓኛ ንኣንጎላ ፖርቱጋል ንሞዛምክቢክ፣ ክወራ ከለዋ፣ ብዘይካ ኮሎንያል ጣልያን ብኤርትራውያንን ትግራዎንትን ክስዓር ከሎ፣ ንሳተን ግና ዋላኳ ኣፍሪቃውያን እንተመከቱወን፣ ስዒረንኦም እየን ነቲ ሃገር ክቆጻጸሩዎ ካiሎም።

እዚ ጅግንነት ደቂ ምድረባሕሪ እምብኣር፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣእምሮ ኤውሮጳውያን ሰፊሩ ስለዘሳቕዮም፣ ካብዚ ህልኽዚ ተበጊሶም “እዚኦምሲ ክበልጹና፣ ከነጥፍኦም ኣሎና“፣ ካብ ዝብል ሰይጣናዊ ቅንእን ህልኽን ስለዝሓዞም እዮም። ብድሎ ከይትዕሎ ክስዕሩዎ ስለዘይከኣሉ እዮም፣ ክሳብ ሎሚ ብገረብ ብሓኽላ ዝብል ውዲታዊ ሜላ ተጠቒሞም፣ ባህርያዊ ጸጋናን ጂኦርጋፊካዊ ኣቃማምጣ ሃገርናን ስለዘብሃጎም፣ተረፍ መረፍ ደቂ መሳፍንቲ ትግራይ ኣዋፊሮም፣ ወሎደና ንኸጽንቱ ኣራባራብ ዝጻወቱ ዘለው።

እቲ ጉዳይ ግና ካብ ኤውሮጳውያን ሓሊፉ ኣብ ኣሜሪካ ልሒሙ፣ ንታሪሕ ኮሎንያል ኤውሮጳ መጽናዕትን ምርምርን ብምክያድ፣ ሓዲሽ ኮሎንያል መግዛእቲ ምሂዞም፣ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣዋፊሮም፣ እንሆ ብፍላይ ንቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ኣፍሪቃ ንምግባት ብዝተራቐቐ ውዲት ገልዳሕ ይብሉ ኣለው።

ካብዚ ቀጺልና እምባኣር ኣብ ቀጻላይ ምዕራፍ፣ስለላ መርበብ ምዕራባውያን፣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ፣ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ መጻሕፍቲ ታሪኽ ተወኪስና፣ ካብ ብምዓስ ከምዝጀመረን፣ ብመን ከምዝተጀመረን፣  ስለምንታይ ከምዝተጀመረን ብዝተኻእለ መጠን ክንትንትን ኢና.

 እስከ ነዛ ቪድዮ እዚኣ ንከታተላ። መቕጻዕቲ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ጽዮናውያን ውዒሉ ሓዲሩ ከምዝወርድ ኣየጠራጣርን። እስከ ነዛ ቪድዮ እዚኣ ንከታተላ። መቕጻዕቲ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ጽዮናውያን ውዒሉ ሓዲሩ ከምዝወርድ ኣየጠራጣርን።

ንመላእ ህዝቢ ዓለም ዝላገጽሉ ዘለው ስዉራት ሓይልታት መን ምዃኖም ትፈልጡዎምዶ? እስከ ነዚ ትሕዝቶ እዛ ን15 ደቓይቕ እትቕጽል ኣብ ታሕቲ ዘላ ቪድዮ ንከታተላ።

https://youtu.be/piN29cWzrMw

ይቕጽል …….

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ