ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኦርቶድክሳዊት ቅድስቲ ቤተክርስትያን፣ ክእሰሩ ከለው ኣፍና ሒዝና፣ ሕጂ ግና “መልእኽቲ ሓጂ ሙሳ ቃል ኩልና ፡ ንመሰልና ክንስየፍ ሓላፍነት የሰክመና” ንብል ኣሎና። እዚውን ተባዕ ተበግሶ እዩ! መርበብ ስለላን ኮለላን ህግደፍ፣ ንክፈላልየና ዝኣልሞ ማእለማታት ብዙሕ ስለዝኾነ፣ ኣይንተሃመል፣ ኣስላምናን ክርስትያናን ብሓባር ክንምክት እንተዘይ በቒዕና ንጥፍኣትና ጥራይ እዩ ።

ብወገን ማሕበር ኣግኣዝያንከ ኣንታይ ዓይነት ሓበሬታ ኣሎ?

ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ መንግስቲ ስዊደን ቀሪቦም፣ “መልእኽቲ ሓጂ ሙሳ ቃል ኩልና ፡ ንመሰልና ክንስየፍ ሓላፍነት የሰክመና”! ኢሎም እንዳጨርሑ፤ ኣንጻርቲ ገባር እከይ ጭፍራ ህግደፍ  ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ኣል-ድያእ ዝፈጸሞ ባርባራዊ ስጉምቲ ንምቅዋም፣ መኸተ ዝመልኦ ተቕውሞ ኣርእዮም። ድሕረ-ተቃውሞ ካብ ኣስመራ ድማ፥ ሓጺር ጸብጻብ ምዕባለታት ብኣባላት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ኣስመራ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ኣሎሞ ሰናይ ንባብ።

ኣብ ሃገር ስዊድን፣ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፣ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ መንግስቲ ስዊደን መኸተ ዝመልኦ ተቕቃውሞ፣ ኣንጻር መግዛእቲ ህግደፍ ኣርእዮም።

“ደገፍና ንህዝባዊ ማዕበል፣ ኣንጻር ምልኪ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ!

“ፈላሊኻ ግዛእ ንህዝቢ ክርስትያንን ኣስላምን ይኣክል”!

استوكهلم stockhlom

Posted by Mussa Ismail on Freitag, 3. November 2017

ተባዓት ኤርትራውያን ኣስላሞምን ክርስትያኖም፣ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ መንግስቲ ስዊደን ብትብዓት ዝመልኦ መኸተ ተቕቃውሞኦም ኣርእዮም።
ካብቲ ዝነበረ ጭርሖ ድማ፣ “ኣጆኻ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኖኻ  ኣሎና”!

“ስርዓት ህግደፍ ግብኣተ መሬቱ ይቀራረብ ከምዘሎ፣ ገጂፍ ምልክታት ክርአ ጀሚሩ ኣሎ፣ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ውሑድ ግዜ ከተታልሎ ይኽእል እዩ፣ ንብዙሕ ግዜ’ውን ከተታልሎ ይኽእል  እዩ፣ ንዘልኣለም ግና ክታልሎ  ከምዘዝክእል ሎሚ ዛጊት ተረዲኡዎ እዩ። ውድቀት ህግደፍ ጉያ ወሲኹ ይክቃላዕ  ኣሎ።ንፓትርያርክ ቅድስቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ሓዩሩዎም። ሎሚ ድማ ንሓጂ ህዝቢ ኣጆኻ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኖኻ  ኣሎና”!

 

ተወሳኺ ሓጺር ጸብጻብ ምዕባለታት ድሕረ-ተቃውሞ ካብ ኣስመራ፥ ብኣባላት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ኣስመራዝቐረበ ሓበሬታ።

ሓጺር ጸብጻብ ምዕባለታት ድሕረ-ተቃውሞ ካብ ኣስመራ፥ ብኣባላት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት

ድሕሪ እቲ ብሰሉስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድያእ ከምኡ’ድማ ኣብ ጎደና ሓርነት ዘጋጠመ ናይ ተቃውሞ ሰልፍን ንዕኡ ንምብታን ዝሰዓበ ተኹስን ማእሰርትን ሎሚ ኩነታት ብተዛማዲ ሃዲኡ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ’ድማ ኣብቲ እቶም ምስቲ ኩነታት ብምትእስሳር ተቀይዶም ዝነበሩ ተማሃሮን ኣዴታትን በብቅሩብ ይልቀቁ ኣለው። ድሮ ኣብ ኣኽርያ 5 ተማሃሮን 3 ኣዴታትን ተለቂቆም ኣለው። ንሶም ብዛዕባ ማእሰርቶም፡ ዝተገብረሎም መርመራን ካልእን ምስ ዝኾነ ሰብ ከይዘራረቡ ከቢድ መጠንቀቅታ ተዋሂብዎም ኣሎ። የግዳስ ሓደ ካብቶም ዝተለቀቁ ኣብ ኣኽርያ ብልምዲ ጻዕዳ ጽርግያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣከባቢ ዝቅመጥ፡ ንግዜኡ ብጸጥታዊ ምኽንያት ስሙ ክንዕቅቦ ዝመረጽና፡ተማሃራይ 10 ክፍሊ ቤትትምህርቲ ድያእ፡ ከምዝገለጸልና ምስ ሓዝዎ ናብ ኤክስፖ ዝርከብ 6ይ መደበር ፖሊስ ከምዝወሰድዎምን፡ ስም ናይ ወደብትኹም ግለጹ ብምባል ዝሑል ማይ ኣብ ነብሶም ብምኽዓው ብቁልፊ እናኸትከቱ ከምዝመርመርዎም ሓቢሩ።

ኣባላት ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ከም ወትሩ ነገራት ክሳብ ዝዝሕለሎም ድሕሪ ምጽባይ፡ ሎሚ ቤት ትምህርቲ ድያእ ከፊቶማ ኣለው። እቲ ኸባቢ ኣቃልቦ ስሒቡ ከምዘሎ ድሕሪ ምፍላጦም ድማ ንኹሉ ሰራዊትን ፖሊስን ኣልዮምን ክልተ ዕጡቃት ኣባላት ፖሊስን ሓደ ዕጡቅ ወተሃደርን ጥራይ ከም ሓለዋ ኣብ ከባቢ እቲ ቤትምህርቲ ውዒሎም። የግዳስ ሲቪል ዝለበሱ ኣባላት ጸጥታ ኣብ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ዓሲሎም ኣለው።

ኣባላት ጸጥታ የግዳስ ኣብዚ እዋንዚ ስልቲ ቀይሮም፡ ኣብ ክንዲ ከም ወትሩ ካብ ቤት ብለይቲ መጺእካ ናይ ምቅያድ፡ ንዝደለይዎም ሰባት ናብ ምምሕዳር ከባቢ ብምጽዋዕ ካብ ምምሕዳር’ድማ፡ ኣባላት ጸጥታ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ይወስድዎም ኣለው። ንኣብነት ሎሚ ኣብ ሰዓታት ምሳሕ ኣብ ኣኽርያ ሪጋ ሶማል፡ ከምኡ ድማ እንዳ ዓሊ በኺት ዝበሃል ስፍራ ዝቅመጡ ዓብደልቃድር ኣሕመድ፡ ከምኡ’ድማ ነጋሽ በያን ዝተባህሉ ሰባት ናብ ምምሕዳር ጸዊዖም ካብኡ ድማ ሰዊሮሞም ኣለው።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር፡ ጀነራል ፊሊጶስ ኣብ ግዜ ተቃውሞ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ን ኣባላቶም ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተኹሲ ክኸፍቱ ተኣዚዞም፡ ንላዕሊ ጥራይ ምትኳሶም፡ ትእዛዝ ጥሒስኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ክኣትው ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ሰብኣውነት ተሰሚዕዎም ኣንጻር ህዝቦም ምትኳስ ዝኣበዩ ደቂ ህዝቢ ኣባላት ሰራዊት ብስም ህዝቢ ኤርትራ ምስጋናና ንገልጽ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ስርዓት ከም ወትሩ ናይ ሓደ ሃይማኖት ምንቅስቃስ ንምምሳሉ ጽዑቅ ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተ የካይድ ብምህላውን፡ ገለ ሰባት’ድማ ብዘይፍላጥ ነቲ ናይቲ ስርዓት ስውር ሽርሒ ይደጋግሙ ብምህላዎምን፡ ኩሉ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከብ ህዝብና እዚ ተቃውሞ ምግባትን ዓመጽን ዘንቀሎ ምዃኑን ዋሏ’ኳ ብተማሃሮ ኣኽርያ ዝተጀመረ እንተኾነ፡ ኩሉ ተቀማጢ ኣኽርያ ኢዱ ዝሓወሰሉ ምዃኑን፡ ሕጂ’ውን እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ዓመጽ ንኽዕወት ኩልና ኣብ ደቀቅቲ ጉዳያት ምድሃብ ገዲፍና፡ ነዚ ቃልሲ ደገፍና ከነርእዮ ንጽውዕ።

ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ኣስመራ