ኣይተራእየን ከምዚ ናትካ ስርዓት
ህዝብና ጾሙ እናሓደረ ብዘይ ገለ መንቲ
ሓሪሙዎ ማይ መብራህቲ
ስርዓተ ኢሰያስ ኣብ ክንዲ ዝሓንጽ ኣብያተ ትምህርቲ
በቲ ካልእ መዳይ ከይሰርሕ ኮለጃት ዩኒቨርሲቲ
ብብዝሒ ኣስሪሑ ኣብያተ ማእሰርቲ!
ህዝቢ ከይዛረብ ደፊሩ ከይዝቲ
ስግኣት ሓዲሩዎ ከይመጾ መቕጻዕቲ፣

ርዒዱ ፈሪሑ በዘስካሕክሕ ቅጥለት
ብኢሳያሳዊ ባርባራዊ ስርዓት
ብዘይካ ምስቓይ ምኽትካት ክሳብ ሞት
ኣፍልጦ የብሉን ንእሱራት ምሕረት

ዘመንካ ኢሰያስ ህውከት እምበር ሰላም ዘይተራእዮ
ስእነትን ስደትን ህልቀትን ማእሰርትን ዝተበራረዮ
ንህዝቢ አርትራ ንዝወለዶም ደቁ ኣስኢንካዮ
ከይገልጽ ብነጻ ነቲ ዝደለዮ
ብናትካ ስለያን ኮለላን ጓሲኻዮ
ብጭቆናን ራዕድን ኣፍሪሕካዮ፣

እቶም እትኣስሮም ዘይኮኑ ዘይወጹ
ከየተንፍስ ከይስምዕ ድምጹ
ፈሪሁ ርዒዱ ትም ክብል መሪጹ
ህዝብና ብኣኻ ዝብሎ ጠፊኡዎ ተናዊጹ፣

ኣብ ታሪኽ ወለዶ ኣቦታት
ጭኰናን ሕሰምን ዝዓብለሎ ህሞት
ኣይተራእየን ከምዚናትካ ስርዓት
ኣይተ ኢሰያስ ጎይትኣ ንኽፍኣት።

ስርዓት ደርጊ ነይሩ ባዕዳዊ ገዛኢ
ዝኣስር ዝርሽን ዝቐትል ብወግዒ
እንተኾነ ዝሓ’ለፈ እዩ ናትካ ግፍዒ
ልዕሊ 40 ግርድ ምድረበዳ ዋዒ
ኣብ ትሕቲ መሬትን ሓጺን ኮንተይነርን ኣሲርካ ዜጋታት
ተምክኽ ከም ስምዒ
ንባዕልኻ ኮንካ ንህዝቢ ጸላኢ
ኣባጽሕ ተሕቅቕ ተስፋታት መጻኢ

እምብኣር ህዝቢ ኤርትራ ንዝሕቅቖ ነቲ ዝቕፍዶ
ዓዱ ንኽሓድግ ዝገድዶ
ብሒም ንኸይብል ዘፍርሖ ዘርዕዶ
ክብረቱ ግሂሱ ዘዋርዶ
መሰል ሓርነቱ ንዝኽሕዶ
ንዋሕስነቱ ቅዋም ዝኣገዶ
ፍትሒ ንዘይብሉ ስርዓት ኣልቦ ባዶ

ደው ኢሉ ብቕድሜኡ ንኸጣቕዓሉ
መራሒየይ ኢሉ ንኸዕልለሉ
ነቲ ኩሉ ተንኮሉ ዘይፈልጦ ገናጺሉ
በይኑ ኮይኑ ሓጋዚ ዘይብሉ
እናበለ ክደናገጸሉ
ንእምባ ገበናቱ ክሸፋፍነሉ
ዘይግባእዩ ሓቅነት ዘይብሉ

ኤርትራዊ ህዝቢ ዝነብር ብራዕዲ
ጸገሙ ይዓቁር ይሓብእ ኣብ ከብዲ
ፍርሒ ሓዲሩዎ ከይገልጽ ብጋህዲ
እንካብ ግዳም ገሹ በጺሑ ንዓዲ
ሃገር ጽቡቕ ኣላ ኢሉ’ዩ ዝዛረብ ከይፈቶ ብግዲ፣

ነቲ ግዕዘይ ስርዓት ቅሉዕ ዝገበኑ
ንምሽፋን ዝቐርብ መኽንያት ‘ተዘይኮይኑ
ኤርትራና ሎሚ ርኢናያ ኢና ክትፈርስ ክትዓኑ!

ሓበሬታ፣
ካብ “ንዝኣሰር ንዝሐቅቕ ስርዓት ይግባእዶ እልልታ ጣቕዒት” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ዝተቐድሐ ግጥሚ።

መንግስቲ ዘይብልኩም ኣይትግሹ ሰበይቲ ዘይብሉኩም ኣይትሕረሱ
ቅዋምኩም ሞይቱዩስ ትብለና’ሎኻ መንከ ቀተሎ ንገረና በጃኻ?

ቅዋምናስ ነይመውት ንስኻምበር!
ብሓይሊ መለኮት ሓጪጭካ ትምድር
በቲ ጸሎት ናቶም ስለ ትጠራጠር
መራሕቲ ሃይማኖት ዘይተኽብር
ደለልቲ’ዮም ክኣ ትብል ክንደይከ ትደፍር!
ልሳንካ ዘይቅቡእ እሾኽ ዳንዴር
ጥዑም ዘይወጸካ ኢሰያስ ዒደር
ኣብታ ልሕልሕቲ እትፈትዋን ትዕብደካን መንበር
ሰባት ከይቀርቡዋ ብኣኣ ትብህርር
ካብኣ ከይትጸድፍ ሒዝካያ ክትነብር
ንዓና ጨፍሊቕካ ድላይካ ክትገብር
ሎሚ ዘድልዩና ምሁራ’ዛ ሃገር
ድፋዕ ዝኾኑና ጀጋኑ ትቐብር
ኣብ ሜዳን ኣብ ዓድን ወዲእካዮም እምበር!!
ብኣይሰላም ኲናት ምስምስ ክትነብር
ዓመታት ሓሊፎም በዘይ ቁምነገር
ብህዝብና መዋእልካ ተጻዊዊትካ ቁማር
ክትዋጠት ክትተሃላለኽ ነገራት ክትጽሕትር
ክንደይኳ ኣዕኒኻያ ዓዲ ብዕግርግር
ቁዋምኩም ሞይቱዩ ኢልካውን ትነግር
ቁዋምናስ ነይመውት ንስኻ’ምበር!
ጽባሕ ብጊሓት ሜትካ እትቕበር
ብጸሊም ታሪኽካ ክትውቀስ ትነብር
ንውሉድ ወለዶ ብሕማቕ ትዝከር
ልኣኽትኻን ዓሰብትኻን’ምበር ንስኻዶ ከይትኸብር!!
ንኾንቲ ጻሞኻ እዩ እቲ ኩሉ እትገብሮ ነገር።

ካብ “ሃገራዊ ቅዋምዶ ሰብ’ዩ መዋቲ” እትብል ሓዳስ መጽሓፍ ዝተቐድሐ ግጥሚ
ታሪኽን ገጣምን ህዝባዊ ኣግእዞ

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባ-ኣግኣዝያን

እዛ 500 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ እዚኣ፣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዕዳጋ ቀሪባ ስለዘላ፣ ክጠልብ ዝደሊ ወይ ክትጠልብ እትደሊ፣ብመርበብ ሓበሬታ ደቀባት (e-mail: denbezzan@gmail.com) ኣቢልኩም ትኽእሉ ኢኹም። ዋጋ ድማ 15,00 እዩ።