ኣብ ስደት ኮኖም ኣይተፈለጥናን ኣናበሉ :መልእኽቲ ኢሰያስ ዘባጻጽሑ ዘለው ዕሱባት ተላኣኣኽቲ: ግንከኣ ኣብ ክንዲ ብባጠራ ናቕፋ: ብዶላር ኣመሪካ እንዳተኸፍሉ: ዓሳኽር ኢሰያስ ኢሰያስ መልእኽቲ ዘባጻጽሑ ዘለው: ዕሱባት ተላኣኣኽቲ መን’ዮም? ትፈልጡዎምዶ?? ብፍላይ ኣብ ስደት ዝነብር አርትራዊ፣ ክሳብ ሎሚ ከየለልዮም ዝሎ ሰለልቲ  ሰላዪ ባዕዳውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂ።

ኢሰያስ ኣፈወርቅ “ፕረሲደንት” ሃገር ኤርትራ ብዛዕባ መበቈሉን ወለድኡን ብዙሕ ግዜ ስለዝተገልጸ : ምድግጋም ኣገዳሲ ኣይኮነን። እዚ ሰብዚ ካብ 1966 .. ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ (2019 ...)  ንኣስታት 52 ዓመታት  እንኮ መላኺ ኮይኑ ኣብ ስልጣን  ኣሎ::

መስፍን ሓጎስ (መከላኸሊ-ሚንስተር ነበር) ካብ ወረዳ   ካርነሽም ኣውራጃ ሓማሴን

ኣድሓኖም ገብረማርያም (ኣምባሳደር ኣብ ናይጀርያ ነበር) ካብ ወረዳ ኣንገንኣ ኣውራጃ ኣከለጕዛይ

ዓብደላ ኣደም (ኣምባሳደር ኣብ ሱዳን ነበር) ካብ ዓሌት ዓሳውርታ ኣውራጃ ኣከለጕዛይ

ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቲ ማፊያዊ ሕገ-ኣልቦ ኢሰያስ መታን ከይገላገል: ውሻላት ኮይኖም ተዋፊሮምሉ ዘለው ከኣ፣ ብዘይካቶም ብወያኔ ዝስረፉ ባርኖስ ተቓወምቲ ለቢሶም ንቃውም ኣሎና እናበሉ ዕንክሊል ዝብሉ ዘለው ዕሱባት፣ እዞም ኣስማቶምን ኣብ ላዕሊ ተዘርጊሑ ዘሎ ካብ ብሓንጐሎም ብኸብዶም ዝሓስቡ ሃዋርያት ዲያብሎስ-ኢሰያስ፣ ካብ ኣስመራ ብኢድ መጋምንዶ ኢሰያስ ልቸንሳ-ስለላ ተዓዲሉዎም ኣብ ወጻኢ ተዋፊሮም ዘለው። እዞም ሰባት እዚኦም ድሕሪ ምእሳር ጕጅለ-15 ዝሓለፈ ገበናት ኢሰያስ ኣጸቢቖም ስለዝፈልጡን: ንሶም’ውን መሻርኽቲ ገበናት ኢሰያስ ስለዝኾኑን፣”ተቓወምቲ ዲክታቶር ኢሰያስ ኢና” ብዝብል ጕልባብ: ህዝቢ ኤርትራ ዝድሕነላ ዕለት ሃንቀው እናበለ ኣብ ጻዕሪ ሞት ከሎ፣ ኣብ ክንዲ ብግቡእ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዝርከቡ ሓፋሽ ውድባት ኣትዮም: ምስጢር ኢሰያስ ከሺሖም ንህዝቢ ብሓዲሽ ውደባ ወዲቦም ኣንጻር ጸላእቱ ዘዕጥቕዎ: ብኣንጻሩ ፍታሕ ንኸይርከብ ንክካላኸሉ፣ ኢሰያስ ብኔው ንሕና ብነጀው ኢሎም ማኣለያ ዘይብሉ ገንዘብ ህ.ግ.ደፍ ሰኒቖም: ብመደብ ኣብ ፈቐዶ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዝተዋፈሩ ከደምቲሃዋራያት ኢሰያስ’ዮም። እቲ ካብ ኵሉ ዘስደምም ከኣ መብዛሕትኡ ህዝቢ ከየለለዮም ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጥናን ኣናበሉ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው። መስፍን ሓጐስን ዓብደላ ኣደምን ኣድሓኖም ገብረማርያምን: ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ዝንባሌኡን ሕልናኡን ሰሊቦም ንኸይቃለስ ትዓጢቖም ተቓሊሶሞ’ዮም። ኣዞም ናይ ሓደ ቅርሺ 3 ገጽ ዝኾኑ ሃርጋፋት ልኡኻት ኢሰያስ: ንኸእምኑ ንቍሩብ እዋን “ሓቢርና ንቃለስ ኣሎና” ክብሉ ጀሚሮም’ዮም። ካብ መጀመርያ ተልእኾኦም ሓቢሮም ንኽቃለሱ ስለዘይኮነ ግና ንህዝቢ ንኸሃምሉ ብፍላጥ ተፋላልዮም። ጸኒሑ ዝፍዳሕ ኣከይ መደብ-ዕዮ ሒዞም ከኣ ማዕበል ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ንኽዓግቱ ተዋፊሮም። በትሪ ሓቅስ ትቐጥን’ምበር ከምዘይትስበር ግና እንሆ ሰነዳት “ኣለና” ሎሚ ይኸሽሖም ኣሎ። ንምስጢራት ኢሰያስ ክኽውሉ ኣብ ማእከል ህዝቢ ሰሊኾም ንኣስታት 10 ዓመታት ሕልናኡ መዝሚዞም “ወሲድናምበር ኣይሰረቕናን” ዝዓይነቱ ሜላ ተጠቒሞም ላዕልን ታሕትን ኢሎም’ዮም። እዞም 3 ቍጥሚ-ግጥሚ ዝኾኑ ሃዋርያት ኢሰያስ እዚኦም: ንሱ ብውሽጢ ህዝቢ እናጽነተን: ንሶም ከኣ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ብፍላይ: ዓብደላ ኣደም ብስም “ግንባር ሃገራዊ ድሕነት” ዝብል ጕልባብ ንህዝቢ ዓሳውርታን ሳሆን ከሃምል: ምስ ኣሕመድ ናስር ሰሊኹ ከደናግር ፈቲንዩ። መሰረታውያን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ግና: ንዓብደላ ኣደም ኣብቲ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተገብረ ኣኼባ: “ንስኻ ኣይትውክለናን ኢኻ“፣ ኢሎም ካብ ኣባልነት ምስ ሰጐጕዎ: ሕጂ ድማ ከይሓነኸ  ሳላ ባጀት ህግደፍ “ሓዲሽ ውድብ መስሪተ“ ኢሉ ላዕን ታሕትን ይብል ኣሎ። ኣድሓኖም ገብረማርያም ከኣ ብስም “ህዝባዊ ምንቅስቓስ” ዝብል ሽፋን ተመሪሑ ንህዝቢ ኣከለጕዛይ ከታልል ብዙሕ ተዋናጪፉ። እቶም ገርሀኛታት ኣሕዋትና ደቂ ኣከለጕዛይ ግና ንኸዳናግሮም ከምዝወፈረ ምስ ፈለጡዎ ሳዕ ኣኢሎሞ’ይም። መስፍን ሓጐስ ድማ ብስም “ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ” ዝብል ታቤላ ሒዙ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ሓማሴን: ንመደብ ኢሰያስ ንኸተግብር ተላኣኢኹ። ንስ’ውን እቶም ሳኡ ተወዲቦም ዝነበሩ ሃገራውያን ጠንቲኖሞ’ዮም። እዞም ሰባባት ሰለልቲ’ዚኦም ህዝቢ ከየለለዮም ከይሓነኹ ብዙሕ ግዜ ጸኒሖም’ዮም። <ኣብ ክንዲ ሓናትስ ጽግዕ> ከምዝብሃል: ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ግፍዕን ጭቈና መጋሚንዶ ኢሰያስ ተረዲኡዎ ክምክት ኣናብሃገ ከሎ፣ ኣዚኦም ከደምቲ ስለላ-መርበብ ኢሰያስ ግና ባህጉ ሰሪቖም ንቓልሲ ከይብገስ ዓጊቶሞ’ዮም። እዞም ቍርዲድ ቈርበት ዝኾኑ ደረቐናታት ሰለልቲ’ዚኦም: ባርኖስ-ቃልሲ ተኸዲኖም ኣዲስ ኣበባን ዋሺንግቶንን ሎንዶንን ፍራንክፍፈትን እናተሸራሸሩ፣ ንመገዲ-ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓዲግ-መዲግ ከትርፉዎ ብዙሕ ጽዒሮም’ዮም። ንህዝቢ ንኸይቃለስ ከኣ ኣዳዕዲዖም ተቓሊሶም’ዮም። እዞም ከደምቲ ኢሰያስ’ዚኦም: ካብ ድሕሪ ማእሰርቲ ጕጅለ 15 ጀሚሮም: ሓለይቲ ህዝቢ ኤርትራ ተመሲሎም ምንቅስቓስ ህዝቢ ንኽዓግቱ ዘይገበሩዎ ውዲት የለን። ሎሚ ግና እዋኖምን መድረኾምን ስለዝኣኸለ እዚ ብ”ኣለና” ዝፍኖ ዘሎ ደወል ዓወት: “ይኣክል!” ብዝብል ድምጺ ብዘይቀላዓለም ይኸሽሖም ስለ ዘሎ ዝቕህምሉ ስዓት ኣብቂዑ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሕማቕ ዕድል ኣጓኒፉዎ እቶም ቀንዲ ባዕዳውያን ጸላእቱ ኣማዕድዮም ክዕዘቡ ከለው: ደቂ ሃገር ብባዕዳውያን ተኸቲቦም: መልክዖም ኣናቀያየሩ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም: ነቲ ህዝቢ ከይተወደበ ፋሕ ብትን ኢሉ ክጸንት: ከይሓፈሩ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው። ኣዝዩ ዘሕዝን!

ካብ ቅድም ጀሚሮም: ተተቕልቂሎም ዝጠፍኡ ስለልቲ ኢሰያስ ብዙሓት’ዮ

ብሕልፊ’ኳ ድኣ ድህሪ ምእሳር ግጅለ-15 ተተቕልቂሎም ዝጠፍኡ ስለልቲ ኢሰያስ ብዙሓት’ዮም። ኣብ መወዳእታ 2010 ዓ.ም.ፈ.ግና ኣናተከሽሑ ክቕህሙ ጀሚሮም። <ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦዅራ ትጽሕጽሕ> ከም ዝብሃል ግና፣ እንሆ ሓዲሽ ኮይኑ ዝነብር ነገር ስለዘየለ ንዓመታት ተሰዊሩ ዝጸንሐ ሓጥያት ኢሰያስ ንኽኽሻሕ ሎሚ መድረኹ ስለዝኣኸለ: ካብ ወርሒ መስከረም 2010 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ንግዜኡ ብ ”ኣለና” ዝፍለጡ ሓርበኛታት ምስጢር ማፍያ ኢሰያስ ፈጋዕጋዕ ከብሉዎ ጀሚሮም ኣለው። እዚ ኣልፋ ብስራት ዓወት ህዝቢ ኤርትራ’ዚ ብቐጻሊ ኣንተድኣ ተፈኒዩ ከኣ: ኢሰያስን ልኣኽቲ ኢሰያስን መሻርኽቲ ኢሰያስን፣ መን ምዃኖም ሽዑ ህዝቢ ኤርትራ ከለልዮም’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣለለዮምን: ራእዪ “ኣለና” ድማ ብኣዋጅ ምስ ተፈነው ግድነት ኵነታት ኤርትራ ክቕየር’ዩ: ኣልፋን ኦሜጋን ሕገ ኣልቦ ኢሰይስ ክኸውን’ዩ። ሃልየ-ሉያ ከኣ ክብሃል እዩ።

ዘሎናዮ መዋእል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ምድንጋራት ገኒኑ ይርአ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ህዝቢ ኤርትራ ዘይ ኢዱ ረኺቡ: ቅዱስን ጭዋን ባህሉ ብብልሹው ባህሊ ህግደፍ ተጸይቑ ኣሎ። እቲ ጻድቕ ሓጥያተኛ ኮይኑ፣ እቲ ሓጥያተኛ ጻድቕ ተቐይሩ: እቲ ንጹህ ርኹስ ኮይኑ: እቲ ርኹስ ድማ ንጹህ ተለዊጡ፣ እቲ ሓሶት ሓቂ: እቲ ሓቂ ድማ ሓሶት ኮይኑ ዝርኣየሉ፣ <እዋን ዘበነ ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ> ኮይኑ ኣሎ። ሽለዚ ድማ ካብ ብኸብዶም ብኣእምሮኦም ዝሓስቡ፣ ብዙሓት ወይጦታት ብባጀት ኢሰያስን መለስን እናተሰረፉ፣ ኣብ ኩሉ ኵርናዕ ዓለም ተነዚሖም ኣለው። ካብዚኣቶም ንመረዳእታ ገለ ውሑዳት ንምጥቃስ:- ሓደ እዋን ሓደ ዳብል-ኤጀንት ኢሰያስን መለስን ዝኾነ ደረጃ ምዓርጉ ዘይፍለጥ ወለድኡን መበቈሉን ትግራይ ትግሪኝ ዝኾነ: ኢሰያስ ብእዝነይ ሽንጫር መሊሱለይ: ብዅሊተይ እሾኽ ነቒሱለይ እናበለ: ኣብ ኤውሮጳ ንገለ ወርሓት ከዳናግር ጀሚሩ። ጸኒሑ ግና ዝህመለሉ ስለዘይረኸበ ቀልጢፉ ቅሂሙ። ኣብ 2008 ዓ.ም. ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ሓደ ዳብል-ኤጀንት ኢሰያስን መለስን: መዓርግ  ለተናንት ኮሎነል ዘልዎ:  ካብ ኤርትራ ተላኢኹ ኣብ ሮማ ዋና ከተማ ኢጣልያን ዓሪዱ: ብውሕሉል ሜላ “መደባትና ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና ንምቕንጣጥ’ዩ”: ዝብል ሰነዳዊ ርእሰ ዓንቀጽ እናዘርግሐ: ንገለ ሓያሎይ ወርሓት ሓቅን-ሓሶትን ሰነዳት እናመዘዘ: ንህዝቢ ብስምዒቱን ብዝንባሌኡን ኣትዩ: ዕንክሊል ከብሎ ወሪሑ’ዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ግና ሽዑ እዋን እቲ ንኢሰያስ ክምክቶ ተላዒሉ ዘሎ ሓይሊ “ብኣቶ ወልደሚካኤል ገብረማርያም ዝምራሕ ሓደ ሓርበኛ ጕጅለ’ዩ” ኣናተባህለ: ብመርበብ ሓበሬታ “ኣሰና” ብዙሕ ጥሩምባታት ክዝርጋሕ ቀንዩ። ገርሀኛ ህዝቢ ከኣ ሓቂ መሲሉዎ: ወጊሓ መሬት ክብል ቀነየ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ከምዝኾነ ኣምሲልካ ከኣ  ብራድዮ ብኢንተርቪው ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ኮይኑ “ለለ” ተባህለ። <ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይ> እቲ ከደናግር ዝቐነየ ዳብል-ኣጀንታት ኢሰያስን መለስን ከኣ መድረኹ ኣብቂዑ ተኸዊሉ ተረፈ። ካብ ሮማ ነፊጹ ድማ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ሓንቲ ከተማ ይቕመጥ ከምዘሎ ሓበረታ ኣሎ።

ንተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕጋት ሰለልቲ ህግደፍን ወያኔን ጥራይ ኣይኮኑን ተነዚሖም ዘለው። ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ተዘርጊሐን ዘለዋ ብዙሓት መርበብ ሓበሬታታት ኤርትራ’ውን ኣብ ሰኪዔት ስለላ መርበብ ኣትየን ንቃለስ ኣሎና ይብላ ኣለዋ። እዚኣተን’ውን ኣብ መጽናዕቲ ኣትየን ኣሎዋ። ሎሚ ንኤርትራ ኢልና ሓበሬታት ንዝርግሕ ኣሎና ዝብላ 30 ዝኾና መርበብ ሓበሬታታት ኤርትራ ተዘርጊሐን ኣለዋ። ካብዘን 30 መርበብ ሓበሬታታት ኤርትራ እዚኣተን ግና ክንደይ እየን ብዘይ ተጽዕኖ ሓራ ኮይነን ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ዘገልግላ ዘለዋ: ክንደይከ እየን ብባጀት ህግደፍን ወያኔን ተሰሪፈን መሳርሒ ስለላ ኮይነን ዝዓያ ዘለዋ፣ ኣብ ጭብጢ ዝተመርኮሰ ኣብ እዋኑ መንነተን ክኽሻ’ዩ።

እቲ ንህዝቢ ንምውቓዕ ብስውራት መሃንድሳት ወያኔን ህግደፍን ዝተኣልመ ግና: መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ’ዩ። ንህዝቢ’ውን ኣደናጊሩ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ሎሚ’ውን ብዙሓት ቈርበት በጊዕ ዝተኸድኑ: ብመሳርፍ ኢሰያስን መለስን ዝምወሉ: ንኸይጥርነፍ ላሕ ከብሉዎ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተዋፊሮም ከምዘለው ብኣድህቦ ክከታትል ይግባእ። እዞም ኵሎም ዕሱባት ኣብ ወጻኢ ኣናተዋፈሩ ዝኽድሙ ዘለው ግና: በቶም ገና ኒሖምን ሓቡኦምን ኤርትራውነቶምን ዘይጸንቀቑ ደቂ ሃገር በታ ማንፊት ህዝቢ ክንፈዩን ከምዝኾኑ ክፈልጡ ኣለዎም። ጽባሕ ብጊሓት ታሪኽ ከምዝጕሕፎም ከኣ ኣጸቢቖም ዝተረጋገጸ’ዩ። ስለ’ዚ ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ከድሕን’የ ወፊረ ዝብል ሓይሊ ኣንተድኣ ሃልዩ: ነታ ህዝቢ ብግቡእ ወዲብካ: ጸላእቱ ኣለልዩ ንኽምክት ምዕጣቕ: እትብል ዘምዘምያ ክዓጥቃ ኣለዎ። ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ሕንፍሽፍሽ ምእታው ግና: <ዝገብር ነዲኡ ነይነግር> ከምዝብሃል: ብውሕሉል ህዝቢ ንኽጥርንፍ ክብገስ ኣለዎ። ካብኡ ሓሊፉ ግና ወይልኦም ድኣ እቶም ካብ ብኣእምሮኦም ብከብዶም ዝሓስቡ’ምበር: ህዝቢ ኤርትራስ ተወዲቡ ብቝጣዐ ዝልዓለሉ መድረኽ እዋኑን መድረኹን ኣናተቃራርበ ይመጽእ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ብረት ተሰኪሙ ንመስፍናዊ መንግስቲ ሃይለስላሴን ፋሺስታዊ ደርግን ዓንገልቶምን መኪቱ ስዒሩዎም’ዩ። መሬትን ባሕርን ኤርትራ ካብ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሓራ ካብ ዝወጽእ ኣንሆ ዳርጋ 28 ዓመታት (24.05.2019 ዓ.ም.ፈ.) ክኸውን መንፈቕ ተሪፉዎ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ባህጉን ራእዪኡን ኣይረኸበን። መኽንያቱ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ druglords and mafia figures PFDJ መብጽዓ ስውኣት ተጠሊሙን ተረሲዑን: ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ንግዜኡ ግዳይ ህግደፍ ኮይኑሉ ዘሎ’ዩ። ንመጻኢ’ውን ሃገር ኤርትራ መጽለው ጽሓይ ጽዓዱ ንኽትከውን መንገዲ ይጽረግ ኣሎ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽርግያታት ከተማታት ኤርትራ ወጺኡ: ብሰላማዊን ጐነጻዊን ሰልፊ ቍጣዔኡ ክገልጽ ዝግባኦ መድረኽ’ዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መንእሰያት ኤርትራ ከም’ቲ ደቂ ፓለስቲና ንድሕነት ህዝቦም: ኣንጻር ዓመጽ እስራኤላውያን ነብሶም ፈንጂሮም ዝስውኡ፣ ካብ ኢሰያስን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ጀጂዮም ካብ ሃገሮም ነፊጾምን ኮብሊሎምን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥሓል መሪጾም ኣለው። ሎሚ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምድረበዳ ብዘራጊቶ-ንፋስ (ካምሲን) ተቐቢሮም ክሞቱ መሪጾም ኣለው። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እቲ ብሓቂ ብኤርትራውነቱ ዝዅርዕን: ሕሰም ህዝቡ ብግቡእ ዝተረድኤን ኤርትራዊ ዜጋ ግና፣ <መን የርድእ ዝቐበረ: መን ይንገር ዝነበረ።> <ተናገር ዝመሰለ: ብላዕ ዝበሰለ።> <ተባዕ ኣይሞተ ፈራሕ ኣይሞተ: ለንግለንጋ ሞተ።> ዝብሉ ምሳሌታት ዓደቦኡ ተኸቲሉ: ንህዝቡ ብግልጺ መኪቱ ክጣበቕ ይልዓል ኣሎ። ኵይኑ ግና እቲ ካብ ኩሉ ዘስድምም ተርእዮ: ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ: ኣብ ክንዲ ተወዲቡን ተጠርኒፉን ብውህደትን ብሓንጐልን ንመሰሉ ክጣበቕ ዝቃለስ፣ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፋሕ-ጭንግራሕ ኢሉ ግዳይ ወዲኒ ኢሰያስን መጋሚንዶታት ጭፍራ ህግደፍን: ወያኔ ዝውሕልሉሉን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

ብሓባር ንኢሰያስ ብኸመይ ንመክቶ? ብኸመይ ፍታሕ ክርከብ ይከኣል ዝብል ግሉጽ ሓበሬታ ምስተፈነወ ድማ መጋሚንዶ ኢሰያስን ማፍያታት ኮራዅሩን መሕብኢኦም ክጠፍኦም’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ’ኳ ኣብ ክንዲ ሓቂ ሓሶት: ኣብ ክንዲ ዋዕላ ጓይላ ክሰንቕ ኣንተጸንሐ: ሎሚ ግና ብሓቅን ብግሉጽነትን ተጠርኒፉ ንጸላእቱ ክምክት ቅኑዓት ሃዋርያት ኣለና ይብሉዎ ኣለው። “ኣለና” ከኣ ሃዋርያት ዓወትን ፍታሕን’ዮም። ሓሸውየን ዕንክሊልን ውድባትን ልኡኻት ኢሰያስን ይኣክል። ፍታሕ ኣብ ኢድካ ከሎ ስኣን ንቕሓትን ጥርናፈ ምኒን እናበልካ ባህርያዊ ሞት ምጽባይ’ውን ይኣክል። ሕሉፍን ህሉውን መጻእን ተሪኽ ገምጊምካ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ኣነጺርካ ምጕዓዝ ጥራይ እዩ ንህዝብና ክድበሶን መብጽዓ ሰማእታት ክትግበር ዝኽእል። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝብኢ ሃዲሙ (ካብ ኢሰያስ ወይ ህግደፍ): ኣብ ቶዅላ (ኣብ መለስ ወይ ወያኔ) ንኽዕቈብ ኣይኮነን ክቃለስ ዘለዎ። ነቲ ዝብኢ ተወዲቡ መኪቱ: ነቲ ቶዅላ ከይመጾ ድማ ነቒሑን ተወዲቡን ተቐሪቡ ክጸንሖ’ዩ ዘለዎ። ኣዚ’ዩ እቲ መተካእታ ዘይብሉ ንጹር መንገዲ ዓወት። እንቶ’ዚ መጋሚንዶ ሰብ’ዚ! (ኢሰያስ) ግና ሓቂ መሲሉዎ: መሃንድሳት ስለላ-መርበብ ዝመኸሩዎ ከተግብር <ዋላ ትንፈር ጠል’ያ።> እናበለን ምስ መንደቕ እናተናግዐ ንብዙሕ ዓመታት ዕንክሊል ክብል ጸኒሑ’ዩ። ሎሚ ግና ሓዲሽ ኮይኑ ዝነብር ስለዘየለ። መድረኹ ስለዝኣኸለ፣ ካብ ከርሲ ኤርትራ ዝተወልዱ ጀጋኑ ደቀባት “ኣሎና“! ሎሚ ኣሎና! ጽባሕ ክንህሉ’ና! ንወትሩ ግዜ ክኣ ክንህሉ ኢና! ኣናበሉ ነጋሪት ህዝቢ ይሃርምሙ ኣሎው። ካልኦት ብዙሓት ከኣ ክስዕቡዎም ከም ምዃኖም ጥርጥር የልቦን። መንደላይ ተመን ኢሰያስን መጋሚንዶታት ዕሱባቱን ግና: መኸወሊም ብዓቲ የናድዩ ኣለው።

ፍ ታ ሕ

ኣብ’ዚ በጺሕናዮ ዘሎና እዋን: ህዝቢ ኤርትራ ካብ ከስዔኡ ዝተወልዱ ብቑዓት ጀጋኑ ጠበቓታት የድልዩዎ ኣለው። ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ሎሚ ወሪዱዎ ዘሎ ኣይሞት ኣይህይወት: ኣይውግእ ኣይሰላም መድረኽ መታን ክገላገል: ብቕኑዓት ሃዋርያት ደቂ ሃገር ዝተወደበ ኤርትራዊ ሓይሊ ክህልዎ ይጽበ ኣሎ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ’ዚኦም ብውሽጥን ብደገን: ከም ኣብ መንጎ ክልተ እምኒ ዝበቘለት ኪታ ኮይኑ ተቐርቂሩ ይበትኽ ኣሎ። መሲሉዎም ድኣንበር ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ይእውዪ ስለዘሎ: ፍታሕ ዝረኽበሉ እንተዘይኮይኑ ዝእውይየሉ ኣየድልዮን’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ክሳብ ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ባዕሉ ሓዲኡ ዘፍልጥ: ጀማሎም ሒዞም እንተዝዕዘቡ ጽቡቕ ነይሩ።

እዚ ብእኩብ ድምር ምዕዶን ምኽርን መሃንድሳት ዋናታት ርእሰማልን: ግሎባል ፕለየርስን ድርብ-ድርብርብ ስለላ መርበብ ዓበይትን ንኣሽቱን ሃገራትን ተሰንዩ: ንህዝቢ ኤርትራ ብባርባራዊ ሓለንጊ ዘብትኾ ዘሎ መጋሚንዶ ኢሰያስ: ካብ ስልጣኑ ከልግስ ዝኽእል ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን: ብወያኔ ዝጓሰ ኣኼባታት ምሕዝነትን ኪዳንን: ምእካብን ምፍንጣሕን ዕስራን ዓሰርተን ውድባትን እናኣካየድካ ኣይኮነን። ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ፈስቲቫላት ኣናገበርካ’ውን ኣይኮነን። ገለ ነገር ከይደምደምካ “ደምዳሚ ኣዋጃት“ ስለዝኣወጅካ’ውን ኣይኮነን። “ትማሊ ፓርትታት ኣቝምና: ሎሚ ከኣ ብሔራት መሲርትና“ ኣናበልካ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ብዜና ማዕከን ወያኔ ስለዘቃላሕካ’ውን ኣይኮነን። ስምዒትን ሕልናን ገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰልብ ፍሹል ፍልስፍና ኣናመሃዝካ: እሂባ “ስድሪ” እሂባ “ሃገራዊ ዋዕላ” እናበልካ ዕንክሊል ምባል’ውን ከንቱን መናውሒ ስልጣን ኢሰያስን ጥራይ እዩ። ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ድሮ ፈልጡዎ ዘሎ ሓጥያታት ኢሰያስ እናጸባጸብካ: “ተሓለቕቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾና ምሁራት (ኤሊት) ኢና: ፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ይሕሸና” ኣናበልካ ሰሚናራትን ዎርክሾባትን ኣናኣካየድካ ኮለል ምባል’ውን: ንህዝቢ ኤርትራ ተወሳኺ ሽግር ምምጻእን: ንዕምሪ ኢሰያስን ጭፍራ ህግደፍን ከኣ ዕድመ ምንዋሕን እንተዘይኮይኑ: ከቶ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርዑት ኢሰያስ ከጋላግሎ ኣይክእልን’ዩ። “ካብ ዲክታቶር ኢሰያስ ውያኔ ይሕሹ። ውያኔ’ኳ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ፈሊጦምልና’ዮም። “መለስ ዜናዊ ብሕግን ብፓርላማን ተማኣኪሉ እኮ’ዩ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ። ምሕደራ መለስ እኳ ይሓይሽ ካብ ምሕደራ ኢሰያስ” ኣናበልካ ምስትምሳል ሓሓሊፉ ይስማዕ’ዩ። ኣዚ ግና ምልክት ተስፋ-ቍርጸት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እዚ ወፍሪ’ዚ መታን ህዝቢ ኤርትራ ከይቃለስ ንኽለምስን ኣላሽ ክብል ተባሂሉ፣ ብረቂቕ ሜላ ዝተማህዘ ፍሹል ስነኣእራዊ ከይዲ’ዩ። ንመጻናንዒ ተስፋ-ቍርጸትካ (ፍራስትረሽንካ) ኢልካ ዝግበር ሃለውለው’ዩ ኣውን ክብሃል ይከኣል። መኽንያቱ ሰራዊት ኤርትራ ብትብዓቱ መኪቱ ንኤርትራ ሓራ ኣውጺኡዋ። ወተሃደራት ኢትዮጵያ ድማ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ: ካብ ኤርትራ መሬታን ባሕራን ለቒቁ። እንታይ ድኣ እዩ’ሞ “ወያኔ ፈሊጦምልና ወያነ ፈጢሮምልና” ኣናበልካ ዕላል? ብሓጺሩ እዚ ቀቢጸ-ተስፋዊ ሃውተታ’ዚ ነቲ ወሪዱካ ዘሎ ምዓት: ኣላሽ ከይበልካ ብነብስኻ ተኣማሚንካ ኣብ ክንዲ ምምካት: ካብ ዝብኢ ሃዲምካ ኣብ ቶዅላ ምዕቋብ ጥራይ እዩ። እዚ ወፍሪ’ዚ ከኣ ብሓጺሩ ዕምሪን ስልጣንን ኢሰያስን: ሕሰም ህዝቢ ኤርትራን እናዊሑ: ንህዝቢ ኣኤርትራ ድማ ካብ ኤርትራውነት ኣብ ኢትዮጵያውነ ዘምርሖ ረቂቕ ስነኣእምራዊ ሃውተታ ጥራይ እዩ። ድሕረትን ውድቀትን ከምጽእ እንተዘይኮይኑ ዓወት ግና ከቶ ኣየምጽእን’ዩ። ምናልባት ግና ንስልጣን መለስ ዘናውሕ ሜላ ክኸውን ይኽእል።

ዝስቈሮም ኣንተድኣ ኮይኑ: እቲ በዅሩ ዘሎ ሕቶ ውደባን ውህደትን ህዝቢ ኤርትራ ብኤርትራውያን ድኣ’ምበር ምስምስ ብዛዕባ መንግስቲ ወያኔን ሱዳንን ወዘተ…ኣይኮነን። ወያኔስ ውራዮም ኣለዎም። እስከ ውራይ ኦሮምኦምን ኣምሓርኦምን ኦጋደኖምን ይግበሩ። እቲ መተካእታ ዘይብሉን: ተስፋ ጥራይ ዘይኮነስ ርግጸኛ ዓወት ከምጽእ ዝኽእል ኣገባብ ቃልሲ ግና: ንመርበብ ማፍያዊ ጕጅለ ህግደፍን እከይ ተልእኾ ኢሰያስን ፈርከሽ-ከሽ ከም ዝብል: ኤርትራዊ ዝኾነ ንጹር መደብ-ዕዮ ምውጻእ’ዩ። ንሱ ድማ ብውህደታዊን ስሙርን ቅልጽም ደቀ-ባት ኤርትራን፣ ሓደን መተካእታ ዘይብሉን ጎነጻዊን ግንከኣ ተግባርዊን መኸተ ጥራይ እዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ ሎሚ መንእሰያትን ምሁራት ዓበይቲ ዓድን ለባማትን ኤርትራ ኣብ መጋብኣያ ወጺኦም፣ ነቲ በዅሩ ዘሎ ሕቶ ውደባን ውህደትን ክምልሱ መድረኽ ይጠልቦም ኣሎ። እቲ ዘየዋላውል ዓወት ክመጽእ ዝኽእል ድማ: ንሓቀኛ ድሕረባይታን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ጭቡጥ ግምት ዘእተው ካብ ኩለን ሃይማኖታትን ኣውራጃታት ሃገራውያን ውድባት ማሕበራውያን ሓይልታት ዝተዋጽኡ: ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ክውክሉ ዝበቕዑ: ግን ከኣ ካብ ግዳማዊን ሰላሕታዊ ኢድ ምትእታው ህግደፍን ወያኔን ነጻ ዝኾኑን ርእሰተኣማንነት ዘለዎም ደቂ ሃገር ዝመስረቱዎ ባይቶ ደቂ ሃገር ጥራይ እዩ። ካብ ሓሊፉ ዝግበር ኣገባብ ቃልሲ ግና: ባህርያዊ ሞት ክሳብ ዝመጸካ ንግበሮን ኣይነጸብቆን እናገበርካ ዕንክሊል ምባል ጥራይ እዩ ትርፉ

ብሓልዮት መርበብ ሓብሬታ ደቀባት ኤርትራ