መንነቱ ክሒዱ መንነት ሽዋ ዝመረጸ ጀነራል ነበር፣ ጻድቃን!!

እዚ ሰብ’ዚ፣ ኣብ’ቲ ብውዲት መሃንድሳት ጽዮናውያን ኮነ ኢልካ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ሓዲሽ ዓለማዊ ሥርዓት ተባሂሉ ዝተወልዐ ሕሱርን ኣዕናዊን “ዶባዊ ኲናት” 1998፣ ግንከኣ ካብ ኣስታት 200 ሽሕ ሃገራውያን መንእሰያት ደቂ ሓበሻ ዝመንቆሰ ኣዛዝን ቀያስን ውግእ ዝነበረ እዩ።

Bild könnte enthalten: 1 Person, Nahaufnahmeእዚ ብጀነራል ጻድቃን ዝፍለጥ እቲ ዝተጠምቀሉ ስም ግና ካልእ ስም ዝኾነ፣ ኣብቲ “ዶባዊ ኲናት” ባዱመ ኣዛዚ ሰራዊት  ወያነ ኮይኑ ሕይወት 200 ሽሕ መንእሰያት ደቂ ሓበሻ ዝመንቆሰ እዩ። በቲ ኣብቲ ብስም “ዶባዊ ኲናት” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ግን ከኣ ካብ ንሰራዊት ደቂ ሓበሻ ንምጽናት ካልእ ምንም ትርጉም ዘይነበሮ፣ ብጽዮናውያን ተኣሊም ዝተጠልፈ ኣዕናዊ ኲናት፣ ከም መሃንድስ ውግእ ኮይኑ ታሪኽ ደቂ ምድረባሕሪ ንክድምስስ ዝውፈረ ግዳይ መንነቱ ዝኾነ ተዛራቢ ኣቕሓ እዩ። ድሕሪ እቲ ሕሱር ኲናት ድማ፣ ብውዲት ደስኪሉ ተባሂሉ፣ ሚልዮናት ዘኻዕብተሉ ሓዲሽ ግላዊ ትካል ንኽተክል ተፈቒዱሉ። ንሓያሎ ዓመታት ርእሰማሉ ከኻዕብት ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፣ ኣብዚ እዋንዚ ከም ፖለቲካዊ ክኢላ ኮይኑ ፖለቲካ ሽዋ ንኸሓድስ ስርሐይ ኢሉ ተዋፊሩ ይርከብ። እዚ ብጀነራል ጻድቃን ክፍለጥ ጸኒሑ፣ ሚልዮነር ወናኒ ትካላት ሰብዚ፣ ተታሓሒዙዎ ዘሎ ሕሱር ፖለቲካ፣ ንታሪኽ ሰውራ ትግራዎትን ኣሕዋቶም ደቂ ምድረባሕሪ (ሎሚ ሓዳስ ኤርትራ ) ክድምስስ፣ ድራማ ዝሰርሕ ዘሎ ሰብዩ።  እዚ ድሕሪ ውግእ በቲ ኲናት ባድመ ቲሲስ ጽሒፉ፣ ድግሪ ሓሶት ዝሰቐለ ከዳእ ሰብዚ፣ ሎሚ  እብ ብዙሕ ኣኼባታት ቀሪቡ፣ ሓድሽን ፍሹልን ፖለቲካዊ ወፍሪ ከካይድ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተመዚዙ ክጓየ ይርአ ኣሎ።

ጭርጭር ዓበደ ፖለቲካ ትግራይ ይኣክል!

ህዝቢ ሓበሻ ህዝቢ ሳባዊ፣ ህዝቢ ምድረባሕሪ፣ ካብ ዘመነ ነገስታት ኤዛናን ሴዛናን ጀሚሩ ንኣሽሓት ዘመናት ነታ ርስቲ ኣቦታቱ፡ ምድሪ ታቦትን ካህናትን ቅዱስ ህዝብን ዝኾነት ከም ብሌን ዓይኑ ክሕልዋን ክከላኸለላን ጸኒሑን እዩ። ምስቲ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሩን፣ ኣብዛ ካብ ቅድሚ ዘመነ ባርነትን ጀሚሮም ብርሃጽን ደምን ዝነብሩ ትውነን ዘላ ዓለም፣ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ምስ መስፋሕፋሕቲ ጎረባብቱ ስነ-ሓሳብ #ምስልምናን #ኣምሓራይን ተደሚሩዎ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስሕበት ዓለምና ብምኻኑውን እቲ ቀጻሊ ተጻብኦታት ከም ቅቡል ወሲድናዮ፣ ንዝመጸ ፈተና በብግዚኡ ከምዘስገር የልቦን ግና ሰጊርናዮን ንሰግሮን ኣለና። ነዚ ኩሉ ፈተናውን ንሕና #ሳባውያን #ኣግኣዝያን #ተጋሩ ብዘይካ እዛ በለጭታ ትማሊ ዝነበረት #ጸላም #ኣጋጣሚ ኣብ ታሪኽና ተፈላሊና ዝገጠምናዮ ጸላኢ ኣይነበረን።

ሰብ ሓደ ፊደልን፣ ታሪኽን፡ ቋንቋን፡ ባህልን፣ ብዘይ ምግናን ድማ ነብራዊ ጅግንነትን ስለዝኾና፣ ብ400 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ተቐልቂሎም ዝነበሩ ዓመጽቲ ይሁዳውያን ዝስዓርና፣ ብ700 ዓ.ም.ፈ. ንከሊፋውያን ስዓብቲ መሓመድ ስዓiርና ርትዓዊ ክርስትና ሃይማኖትና ዝዓቀብና ኢና። ብ1540 ነቲ ካብ ብቱርካውያን ተመዊሉ ካብ ሶማል ተበጊሱ ንመለእ ምድረሓበሻ ንከመስልማ ዝወረረ መሓመድ ግራኝ፣ ኣብ ከባቢ ቤገምድርን ጎጃምን መላስ ኣውያት ዘይብሉ ከምዝተርፍ ገርና ዝደምሰስና ኢና፣። ኣብ ከባብ ብ1560 ዓ.ም.ፈ። እቲ ሰላዪ ጀርመናዊ ክነሱ ፓሻ ዓሊ ዝተባህለ መራሒ ሰራዊት ቱርኪ ዝምራሕ ወራር ቱርኪ ኣብ ድባርዋ ምስ ስዓርናዮ ንሓዋሩ ከምዝዓርብ ዝገበርና ኢና። ብ875 ዓ.ም.ፈ. ነቲ ብሰለልቲ ኤውሮጳውያንን ኣሜሪካውያንን ተመዊሉ ንፈለግ ኒል ንክቆጻጸር ዝተበገሰ ወራር ግብጺ ከኣ፣ ኣብ ጎዳጒድን፣ ኣብ ጉራዕን፣ ኣብ ጉንደት ንመራሒኡ ስሙ ዝቐየረ ጀርመናዊ መበቆል ዝነበሮ ማሪኽና ከምዝሽመም ዝገበርና ኢና። ብ1887 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኲናት ደጎዓሊ ምጽዋዕ ነቲ ቦኍባጅ መዓኮር ህበይ ኮሎንያል ጣልያን ኣባህሪርና ዝስዓርና ኢና። ብ1889 ዓ.ም.ፈ. ቅድሚ ወራር ኮሎንያል ንኣስመራ ምእታው፣ ንወራር ማህዲ ኣብ ጎቦታት መተማ መላስ ኣውያት ዘይብሉ ዝደርዓምና ጀጋኑ ደቂ ሓበሽ ሳባውያን ኢና። ብ1880 ዓ.ም.ፈ. ድማ ንኮሎንያል ጣልያን ኣብ ኲናት ዓድዋ ዝደምሰና ኣናብር ኢና። ነቲ ንሓምሳ ዓመት ዝወሰደ፣ ብምዕራባውያን ዝምወል ወራር መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ዓሊና፣ ነቲ ብሶቭየት ሕብረት ዝምወል ዝነበረ ዋርሳይ ሃይለ ስላሴ ወተሃደራዊ ግዝያዊ መንግስቲ ድማ መራሒኡ ሃገር ኢትዮጵያ ገዲፉ ነፊጹ ንኣፍሪቃዊት ሃገር ዚንባበ ሃጽ ኢሉ ከምዝመሉቕ ድሕሪ ምግባር፣ ንሓደ ሚልዮን ዝኾቅን ሰራዊቱ ደምሲስና፣ ንገባትን ኣግላስን ሓይሊ ሶቭየት ሕብረት ድማ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነፊጹ ከምዝዓርብ ዝገበርና ጀጋኑ ደቂ ሓበሻ ኢና።

ሎሚኸ ኣብ ግዜ ትማሊ ህውሓት ሎሚ ኢህኣደግን፣ እቶም ትማሊ ህግሓኤን፣ ሎሚ ኢህግደፍንከ? እቶም ገዳይም ምዕራባውያን ድዮም ከምኣመሎም ብኣካል ብድሎ ከይትዕሎ ገጢሞም ዘረባረቡና ዘለው፣ ወይስ ንሶም ብድሕሪ መጋረጃ ተኸዊሎም፣ ነቶም ካብ ብኣእምርኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቡ ከም መራሕቲ ወያኔን ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ ደቂ ሓበሽ ብገረብ ብሓኽላ ልኢኾም እዮም ከጽኑቱና ዝረባረቡና ደለው ?

እዚ ትማሊ ጅግና ሌ/ጀ/ጻድቃን ዝነበረ፣ ሎሚ ምስ ሓደ ብ/ጀ/ካሳዬ ዝፍለጥ ገዲም፣ ጀነራል #ጃንሆይን፣ #ደርግን ዝነበረ ዝነበረ ሰብ፣ ኣብ ማዕከን ተለቪዥን LTV WORLD ዝገበሮ ቃለ-መሕትትን፡ እዋናዊ ነጸብራቕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት Facebookን ካልእን ዝኸይድ ዘሎ ኣተሓሳስባ መንእሰያትኣዘምቢዑ፣ መርገጺ  #ኣብዮታዊት #ህወሓትን ዝጽግን እከይ ወፍሪ ኢዩ። እዚ ብሰሜን ትግራይ ዘሎ ገዛኢ ደርቢ እንታይ ዓይነት ፕሮግራም ሒዙ ይረግጸና ስለዘሎ ዘካትዕ ኣይኮነን። ፈቲኻ ኤርትራዊ መንነት ተቐበል፡ ኣይደለኻን ግና  #ስውር በል ዝብል እዩ። እቲ ኣማራጺ ግን ነዚ ውዲታዊ ወፍሪዚ፣ ንሕና ደቂ ሓበሻ ብምሉእ ዓቕምናን ብንቕሓትን ክንስዕሮ ጥራይ ኢና ዘለና። እንሆ ድማ እቲ ጉዕዞ ምትካእ #ህግደፍን ምድምሳስ #ኤርትራውነትን ተፋሪቑ ንዕዘቦ ኣሎና። እቶም ዝቃወሙ ዘለዉ እናመሰሎም ዝድግፉ ዝነበሩ ደንበ ተቃውሞ’ውን ብወግዒ፣ ካብቲ ኣምሆ ዘመን ዝነበሮም ስንኩል መርገጾም ብግህዶ ቀዪሮም ንዕዘቦም ኣሎና። እቲ ብጉልባብ ደንበ ተቓውሞ ሃገርና እስላማዊት ዓረባዊት ሃገር ንኽገብራ ለይትን ቀትርን ዝሰርሕ ዘሎ ትካል #ኣልናህዳ ዝብሃል ብመደብ መሃንድሳት ስለላ መርበብ እንግሊዝ ተመልሚሉ ዝተሰንዐ፣ እቶም ምልሙላት መራሕቱ ድማ ቋንቋ ዓረብኛን፣ ትግሪኛን፣ ኣምሓሪኛን እንግሊዝኛ ክዛረብ ዝኽእሉ ኢዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ እታ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ፣ ስለላዊን ኮለላዊን ኣበርክቶ ተበርክት ዝነበረትን ዘላን የማናይ ኢድ እከይ ስነ-ሓሳብ #ህግደፍ ድማ፣  እዛ ብሰለቲ መራሕቲ እትምራሕ ግንከኣ ብስዉር ብመሃንድሳት ጽዮናውያን እትዝወር፣ ደም ህዝቢ ሓበሻ ክትመጥጥ ትውዕል ዘላ #”ኣብዮታዊት” # ጭፍራ ህወሓት ኢያ።

ኣብ LTV WORLD ክምለስ ግን፡ እቲ ትማል ከም “ጅግና” ተባሂሉ  ጀነራል ጻድቃን ዝብሃል ዝነበረ፣ ኣብ መጻወድያ/Trap/ እቲ በሊሕ ጋዜጠኛ ምስ ኣተወ፡ “ጅግንነቱ ክብሩን” ክዝረፍን፡ ታሪኽን ዕላማን እቶም ጀጋኑ መዋድቕቱ ተጋደልቲ ህወሓት ክድምስስን ተሰሚዑ። ሞትን ማሕረድትን ንብዓትን እቶም ንጹሃት ወለድን ስድራ ጀጋኑን ፈጺሙ ኣይዘከሮን። ደብዳብ ነፈርቲ ሓውዜን’ውን ከይተረፈ ተልእኾ ሃገራዊ ሰራዊት ከምዝነበረን፡ እቲ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ዝተወስደ ዕጥቃዊ ቃልሲ ድማ፣ ጸረ እቲ ንጹህ ኣብ ተልእኾ ዝነበረ ሰራዊት መንግስቲ ከም ዝነበረን፣ ይቕሬታ ክሓተሉ ከም ዘለዎን ብትሪ ኣተሓሳሲቦሞ። ሰራዊት ኢትዮጵያ በዓል #ውዕለትና ከም ዝነበረ ድማ ብመንገዲ እዚ ክብረቱ ዝሸጠ ጀነራል ኣቢሎም እቲ #ስዉር ስነኣእምራዊ ወራር ኣምሓራዊ ኣተሓሳስባን ከስፋሕፍሑን ታሪኽ ክጥምዙዙን ክዓዩ ንዕዘቦም ኣሎና።

ሕሉፍ ሓሊፉዎ እዚ ዝሩግ “ጀነራል ጻድቃን” ድማ ነታ ብደምን ኣዕጽምትን ነብሲ-ወከፍ ትግራዋይ ዝተረጋገጸት ልኡላዊት #ሃገረ #ተጋሩ #ኤርትራ ፡ ከምዚ ብፍታው ኣምሓሩን ደርጋውያንን ዝተመጽወተትልና መሲሉዎ፣ ከይሕእፈረ ተጠሊዑ “እቲ ቀዳማይ ውሳኔ ንኢትዮጵያ #ወደብ #ኣልባ ክትከውን ዝወሰድናዮ ስጉምቲ #ጌጋ ነይሩ” ይብል። ዝኑብ ከዳዕ መሳርሒ ሓዲሽ ዓለማዊ ሥርዓት፣ ታሪኽን ጅግንነትን ኣቦሓጎታቱ ዝኸሓደ ዕሱብ ጽዮናውያን እዩ!። “#ኣሳፊሕካ ሞት #ተኾርሚኻ ሞት”! ምስላ ኣቦታቱ ጠፊኡዎ ዘይኮነስ ኮነ ኢሉ ዝኸሓዶ እዩ። እዚ ዓስከር ምዕራባውያንን መሳለጢ ስትራተኊኦም ቀዪሕ ባሕርን ዝኾነ ሰብዚ፣ ነዛ ንተጋሩ ዘይትኸውን ኢትይጵያ ክብል፡ ካብ ተጋሩ መንዚዑ ነቶም ዘፋጥጥሉ ዘለዉ ኣምሓሩ #ገጸ #በረከት ከም መተዓረቒ ከቕርበሎም ላዕልን ታሕትን ዕንክሊል ይብል ኣሎ። #ከንቱ ሕልሚን ባህግ!!!

እቲ ዋና ነገር ንሕና መንእሰያት ትግራዎትን ኤርትራውያንን ብሓፈሻ መንእሰይ ሓበሻ ግና፣  ካብዚ ውዲታዊ መስርሕ እዚ እንታይ ክንግንዘብን ክንምሃርን ይግብኣና? ስለምንታይ ኢዩ ጀነራል ዝኣክል፡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ በረኻ ወጺኡ፡ ምስ ጸላእቱ ፊት ንፊት ገጢሙ ዝተዓወተ ድኣ፣ ኣብዚ ደረጃ ወዲቑ? ነብሱ ኣሕሲሩ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ገድሊ ህወሓትን ሻዕብያን ኢፍትሓዊ ከም ዝነበረን ታሪኽ ከም ብሓዱሽ ክጸሓፍ ዝደልዮ ዘሎን? ተራ መንእሰይ ትግራዋይን ኤርትራን እምበኣር ኣብቶም ዝተፈጥሩ ሳዕቤናት ክንፍውስ ዘይኮነስ፡ ጠንቂ እዚ ኩሉ ሽግር ኣለሊና መሰረታውን ዘላቕን ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ንከነተኲር መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።

እቲ ጠንቅን ምስጢር ኩሉ ውድቀትናን እቲ ኣብ ክልተ ተገሚዕና፡ #ተጋሩ ኮይንና ንከይንነብር ብወግዒ ምስ ተኣወጀልና ኢዩ። እቲ ብባዕዳውያን ዝወረደና ተጽዕኖ ዘይኮነስ፣ በቶም ቋንቋ ትግሪኛ ዝቛንቍኦም፣ ባህልና ዝባህሎም፡ ታሪኽና ዝታሪኾም፡ ዕጫና ዝዕጭኦም ተጋሩ መራሕትናን፣ ኣብ እንግድዓ ህዝብና ተሓዚሎም ክነብሩ ዝደልዩ ኣሳሰይቶምን ኢዩ። እምብኣር ገዛእቲ ደርቢ ሰሜን ትግራይን  ብፍላይ ኤርትራ ኣብ ዘይከኣል ዕዮ-ገዛ ተጸሚዱ ብጋህዲ ኣደዳ ስደትን ሞትን ጽንተትን ኣውዲቑና። እዚ መሪሕነት ደቡብ ድማ ኣብ መግለጺ ዘይርከቦ በለጽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ደቡብ ኢደ-ቤዛ እዚ ኣብ ሰሜን ዘሎ መሪሕነት ብሙኻን ኣብ ስልጣን ክነብር መሪጹ። ነዚ ኣብ ደቡብ ተሃዚቡ ዘሎ ህዝብና ከም መሳርሒ ተጠቂምካ ኣብዮታዊ መንግስቲ እተቐጽለሉ ግዚኡ ምስ ኣብቅዐ ድማ፣ ተመሊሳ ነዚ ውጹዕ ህዝቢ ከም መዕቆቢ ክትጥቀመሉ መሪጻ። ኣብዮታዊት ህወሓት ዝነበራ ዓቕሚ ጸንቂቓ ነቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ ብጾታ ከይተረፈ፡ መድሕን ክትከውንስ ይትረፍ ከም መተዓረቒ እንተመጠዎቶም ከማን ግልጽ ኢሉ ዝጥምታ ኣይረኸበትን።

ነዚ ዘስተውዓለ ኢዩ ድማ ጀነራል ጻድቃን፡ ካብታ መሪሕነትን ካብ መንእሰይ ትግራይን ንጹር ዝኾነ መርገጽን መንገድን ስለዘይረኣየ ዝኽፈል ከፊሉ፡ ክንዲ ዝተዋረደ ይዋረድ ደጊሙ ነዛ ውልቃዊት ሕወቱን ገንዘቡን ክብል ብዋጋ ህዝቢ ትግራይ ክጣላዕ ዝህቅን ዘሎ። ኣብዮታዊት ህወሓት ደጊማ ኣብ ስልጣን ክትመጽእስ ይትረፍ፡ ኣብቲ ዝግበር ምርጫ ውን ምስኣ ክላፈን ዝደሊ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ፓርቲ ኣይክህሉን ኢዩ። ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ውን ዝኾነ ይኹን ጽልዋ የብላን። ነግዲ ኣምሩ! “ነዚ ክትጥሕና ዲኽን ትርህጻ” ዘብል እዩ።

ስትራተጂካዊ መሓዙት እዛ ኣብዮታዊት ህወሓት፣ ብከመይን መኣስን ከምዝጠለማኣ ንዝኾነ ሰብ ግልጺ ኢዩ። ስለዚ እቶም ኢትዮጵያ ክትቅጽል ዝደልዩ ሓይልታት፡ ትግራይ ብመን ትወከል ኣብ ዝብል ነጥቢ ተጊሆም ክሰርሕሉን ህዝቢ ትግራይ ድማ ካብ ህወሓት ነጺልካ፡ ግንከኣ መለሳ ብዘይብሉን ደጊሞም ኣብታ ሓራዲት ትግራዋይ ዝኾነት ኢትዮጵያ ክኣስርዎ ምስዞም ክብረቶም ዝሸጡ ጀነራላት ዝምድና ፈጢሮም፣ ልብን ቀልብን ትግራዋይ ምውሳድ እዩ። እቲ ምልክታት ባዕልኹም መርምርዎን ተዓዘብዎን።

ዘይሩ ዘይሩ ግን እቲ ጉዳይ #ወጮ ተገልበጥካዮስ #ወጮ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ ። ስለዚ ኣታ መንእሰይ ትግራይ ካብ ስምዒት ወጺኻ ንነገራት ብብልሒ፡ ብንጹህ ልብን ምስትውዓልን ክትምርምር ናትካ ተራ ኢዩ። እቲ ፍታሕ ንሕና ተጋሩ ኢና፣ ተጋሩ ኮይንና ድማ ንንበር። ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ብመግዛእቲ ተቐይዱ እምበር ብፍታዉ ኢትዮጵያዊ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ንሕና ተጋሩ/ ደቂ ምድረባሕሪ/ ሽግር ተጋሩ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ጥራይ ኢዩ ዝፍታሕ ንብል ኣለና። ጀነራል ካሳዬ ጨመዳ ከይተረፈ ተረዲኡዎስ (ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ-ባሕሪ ብዝረሓቐቶ ቁጽሪ፡ እናደኸመት ኢያ ትኸይድ።) ኢሉ። ከመይ ደኣሞ ኣብ ተጋሩ በጺሑ እዚ ሓሳብ ተሰዊሩኩም። ነዚ ህዝቢ ደቡብን ሰሜንን ኣብ ሓደ ኣምጺኡ፡ መሰረታዊ ፍታሕን ዘላቒ ራህዋን ቁጠባዊ ዕብየትን ባህላዊ ትንሳኤናን ውሕስነትና ቀጻልነትናን እነረጋግጸሉ እምበኣር፣ እዚ  #ማሕበር #የሕዋት #ኣግኣዝያን ኢዩ። እዚ ሞያዊ ሓሳብ እዚ ኣብ ህዝብና ተኣምራታዊ ለውጢ ኣምጺኡ ክንሱ፡ ኣብክንዲ ነቲ ኩነታት ተረዲኣ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከተውዕሎ ትፍትን እዛ ሸዋዲት ህወሓት ግን፡ ነቲ ብመንነቱ ክጥርነፍን ድርዒ ጀጋኑ ኣያታቱ ህወሓት ክኾነላ ዝተመነየ መንእሰይ ከም መፈራርሒ፣ ነቶም ካብ 4 ኪሎ ዝሰጎጉዋ ክትጥቀመሉ እምበር፡ ጀጋኑ ደቅና እንቃዕ እዚ ኣርኣየና፡ ንሕና ኣያታትኩም ክንገብሮ እንኽእል ጌርና ኢናሞ፣ ሃገር ተረከቡና ንሕና ውን ከነዕርፍ ኣይበለትን።

ብግልባጡ ነቲ ሃገራውነት ትግራይ ሰማይ ከም ዝዓርግ ዝገበረን፡ ነታ ንትግራይ ክትሓንቕ ዝተፈጥረት ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ኣብ ምፍሻልን መዘና ኣልቦ ዓወት ዘመዝገበ ምንቅስቓስ ማሕበር የሕዋት ኣግኣዝያን፡ እንተስ ብቐጥታ እንተስ ብተዘዋዋሪ ካብ ህዝብን መንእሰይን ትግራይ ክትንጽሎን ተዓጢቓ ዕንክሊል ትብል ኣላ። ዘሎን ዘየሎን ሽርሒታት ኣኪባ ድማ ጎስጋሳ ትቕጽል ኣላ። ካብ ኣብዮታዊት ህወሓትስ ያኢ ተኻኢሉለይ ተባሂሉ ኣብ ሞንጎ ደቡብን ሰሜንን ህዝብና ጆኬር/crisis manager/ ኮይና ክትቅኒ ሃቂና። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ከም በዓል ጀነራል ጻድቃን ከምዚ ሕጂ ቀባሕ-ባሕ እናበሉ ብነብሰ-ምትሓት በቶም ስዑራት ይቕሬታ ክሓቱ ክግደዱስ ይትረፍ፡ ነቶም ብኲናት ዝሰንከሉ ስንኩላን ጀጋኑ ተጋደልቲ ህወሓትን ሻዕብያን፡ ስድራ ስዉኣትን ደቂ ስዉኣትን ዳግማይ ከም ዝተፈጥሩ ዝሓስቡላ ሃገር ክንምስርት ኢዩ እቲ ዕላማ እምበር፡ ጭርጭር ዓበደ ፖለቲካ ሸዋዊት ህወሓት ክንደግም ኣይኮነን። እዞም ብወገን ደቡብ ዝነብሩ ተጋሩ መንእሰያት ድማ፡ በዚ ኣብ FACEBOOK ዝዝርጋሕ ተባራሪ  ጽሑፍ፣ ማንም ድላዩ ዝልጥፈሉ ዘይኮነስ ፡ ኣብቲ ወግዓዊ ገጽ ኣቲኹም፡ ብንጹር መምርሒ ከተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ዓለም ዓለም ምኻና ኣይተርፋን ኢዩ። ተወዳዲርካ እትዕወተሉ እምበር፡ ብግብርኻን እምነትካን ማና ካብ ሰማይ እትጽበየላ ኣይኮነትን።

መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ