ጠበቓ ኣቶ ኣንድ-እድርጋቸው ጽገ፣ ከምዝበሎ “ኣንድ-እድርጋቸው ይቕሬታ እንተድኣ ሓቲቱ፣ ነቲ ፖለቲካዊ መዳይ ከግፍሖ ይኽእልዩ”። ጭጒራፍስ ወቒዓ ተእውዪ፣ ወይ ጉድ! ኣቱም ሰባት! እዘን “ጣዕሳን ይቕሬታን” ዝብሃላ ብውዲት መሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተኣልማ ቃላት እኮ፣ ንህግደፍን ወያኔን ቀንዲ መሳርሒኦምን፣ መጽረይ ኣፎም ኮይነን። ህግደፍን ወያኔን ብፍላይ ብዛዕባ’ዚ ስነኣምራዊ ሲስተም’ዚ ብስለላ መርበብ ሲ.ኣይ.ኤ.ን ሞሳድን ኤም.ኣይ.6ን እንግሊዝን ድሮ ሰልጢኖም እዮም!። እዚ ውዲታዊ ሜላ እዚ ድማ መሃንድሳት ጽዮናውያን ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ዝተማህዘ እዩ። ግና ኣብዚ እዋንዚ ጉዱ እንዳተቐልዐ ዝኸይድ ዘሎ ኣረጊት ሽጣራ ኮይኑሎ።
ነዛ “ጣዕሳ” እትብሃል ውዲታዊት ቃል፣እቶም ቀንዲ መሃዝታ እኳ እቶም ጐይቶት ህግደፍን ወያኔን መሃንድሳት ጽዮናውያን እዮም። ንመንግስቲ ወያነን ህግደፍን ተቓዊሙ ዝተኣስረ ሓርበኛ ወዲ ሃገር፣ ካብ ማእሰርቲ ክወጽእ እንተድኣ ኮይኑ፣ተቓዳዲሞም ፎርሙላ ጣዕሳ ክመልእ ከምዘለዎ እዮም ምርጫ ዝህቡዎ። እዚ ማለት ድማ ሓደ እሱር ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ተገዲዱ “በዲለ እየሞ፣ ድሕሪ ሕጂ ከኣ ኣይደግምን እየ” ኢሉ ነቲ ዝጭቊንን ዝኣስርን ዝጨውን ዘሎ መንግስቲ ጣዕሳኡ ክገልጽ ኣለዎ። ኣብቲ ፎርም ጣዕሳ መሊኡ ከኣ ክፍርም ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ እቲ ብመሃንድሳት ዝተማህዘ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ጸረ ሰውራውያን ግንከኣ ብስነኣምራዊ ግብረ ሽበራ ኣገባብ ዝሳለጥ ውዲት እዩ። ዝኣሰረን ዝጨወየን ይቕሬታ ዘይሓተተስ ዝተኣስረን ዝተጨውየን?ሓያል ውሕጅ ኣንቃዕሪሩ ይውሕዝ። ስለዚ ኣቶ እንድ ኣድርጋቸው ጽጌ ድማ ድሕሪ 4 ዓመታት ማእሰርቲ እንሆ ሎሚ ፎርም ጣዕሳ መሊኡ ካብቲ ጽኑዓ ማእሰርቲ ንኽወጽእ ተፈቒዱሉ ይብሃል ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ቍጣዔ ህዝቢ ንወያኔ መኪቱ ምስተባርዐ፣ መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ወይከኣ ጎይቶ ወያኔ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን፣ ኤም.ኣይ6 ስለላ መርበብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ስለላ መርበብ እስራኤል ሞሳድን፣ ነቲ ዝልዓል ዘሎ ሰውራ፣ብፍላይ ብህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ንምብርዓን ለይትን መዓልትን ገልዳሕ ይብሉ ኣለው።
ምናልባት ንገርሄኛን፣ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ሒዳሪናይ መለስ ዜናዊ ብባህርያዊ ሞት እምበር፣ ተሰሚሙ ከምዝሞተ ኣይፈልጥን ይኸውን። ኣቶ ኣንድ-ኣድርጋቸው ከኣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ የመን ተጨውዩ ንኣዲስ ኣበባ ክውሰድ ከሎ፣ ምናልባይ ክኢላታት ጸጥታ ጭፍራ ወያነ ዝወሰዱዎ ገሮም ክርድኡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሓቂ ግና ነቲ ጭውያ ዘካየዱዎ ጎይቶት ወያኔ መሃንድሳት ጽዮናውያን እምበር ተውሳኺቶም እንዳ ወያኔስ። ከምኡውን ምቕያር 1ይ. ሚንስተር ኣቢዪ ኣህመድ፣ ብመሃንድሳት ኢህኣደግ ዝኾነ ይመስሎም ይኸውን፣ እቲ ውዲታዊ መስርሕ ግና፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተኣሊሙ ዝተሰፍየ ምኻኑ ሎሚስ ሓላፍ መንገዲ ዝፈልጦ ምስጢር እዩ ኮይኑ።
ምእሳር ኣንድ-ኣድርጋቸው ጽጌ እንተኾነውን፣ ብስለላ መርበብ እንግሊዝን ሞሳድን ዝተፈጸመ እዩ እምበር፣ ወሪዱዎም እንዳ ወያኔ ድኣ ብዘይ ፍቓድ ጎይቶቶም፣ እሞ ከኣ ንሓደ እንግሊዛዊ ዜግነት ዘለዎ ውልቀሰብ፣ ካብ ወጻኢ ጨውዮም ንኣዲስ ኣበባ ከምጽኡዎስ፣ በየናይ ኣእጋር በየናይ ኣሰጋጋር። ነቶም ቶዃሉ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ሞሳድን ካልኦት ገጀፍቲ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን እንግሊዝን ካልኦት ኤውሮጳውያን ሃገራትን ግና ኩሉ ኣብ ኢዶም እዩ። ባዕሎም ቴሮሪዝም ይምህዙ፣ ባዕሎም ከኣ ይጨውዩ፣ ንሶም ከምዘይኮኑ ድማ በቲ ድምጺ ሕሶት ሜድያኦም ገሮም ከይሓፈሩ ይዝርግሑ።
እወ፣ ኦቼላን ዝተባህለ ሓርበኛ መራሕ ሰውራ ኩርድሳን እኮ ንዝክሮ ኢና፣ ካብ ኬንያ ደይኮኑን ቱርካውያን ብሓገዝ ሞሳድ ጨውዮም ንቱርኪ ዝወሰዱዎ። ክሳብ ሎሚ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ይበሊ ኣሎ። ስለዚ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣቦኹም ኣብ ዘደቀሱና ከምዝኾነ፣ ንኹሉ ግዱስ ሃገራዊ ኤርትራዊ ይኹን፣ ኢትዮጵያዊ ክበርሃሉን ክርድኦን ኣለዎ። ነዚ ተረዲኡ ግና ንመነቱን ዋጋ ክብሩን ክብል ግና ክነቅሕን፣ ንጸላእቱ ከለልን መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ።
Recent Comments