ጠበቓ ኣቶ ኣንድ-እድርጋቸው ጽገ፣ ከምዝበሎ “ኣንድ-እድርጋቸው ይቕሬታ እንተድኣ ሓቲቱ፣ ነቲ ፖለቲካዊ መዳይ ከግፍሖ ይኽእልዩ”። ጭጒራፍስ ወቒዓ ተእውዪ፣ ወይ ጉድ! ኣቱም ሰባት! እዘን “ጣዕሳን ይቕሬታን” ዝብሃላ ብውዲት መሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተኣልማ ቃላት እኮ፣ ንህግደፍን ወያኔን ቀንዲ መሳርሒኦምን፣ መጽረይ ኣፎም ኮይነን። ህግደፍን ወያኔን ብፍላይ ብዛዕባ’ዚ ስነኣምራዊ ሲስተም’ዚ ብስለላ መርበብ ሲ.ኣይ.ኤ.ን ሞሳድን ኤም.ኣይ.6ን እንግሊዝን ድሮ ሰልጢኖም እዮም!። እዚ ውዲታዊ ሜላ እዚ ድማ መሃንድሳት ጽዮናውያን ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ዝተማህዘ እዩ። ግና ኣብዚ እዋንዚ ጉዱ እንዳተቐልዐ ዝኸይድ ዘሎ ኣረጊት ሽጣራ ኮይኑሎ።

Attorney general says decision for Andargachew Tsige’s pardon was part of moves intended to ‘widen political space’. እሞ በልስከ፣ ክቡር ሓርበኛ ኣቶ ኣንድኣድርጋቸው ጽጌ  ካብቲ ንበላይ  ዘለቀን፣ንመንግስቱ ነዋዩን፣  ንካልኦት ሓርበኛታትን ጀጋኑ ደቂ ሃገር ኢትዮጵያ ዘጓነፎም ሕማቕ ዕድል የድሕንካ። ራእዪኻ ከኣ የስምረልካ።

ነዛ “ጣዕሳ” እትብሃል ውዲታዊት ቃል፣እቶም ቀንዲ መሃዝታ እኳ እቶም ጐይቶት ህግደፍን ወያኔን መሃንድሳት ጽዮናውያን እዮም። ንመንግስቲ ወያነን ህግደፍን ተቓዊሙ ዝተኣስረ ሓርበኛ ወዲ ሃገር፣ ካብ ማእሰርቲ ክወጽእ እንተድኣ ኮይኑ፣ተቓዳዲሞም ፎርሙላ ጣዕሳ ክመልእ ከምዘለዎ እዮም ምርጫ ዝህቡዎ። እዚ ማለት ድማ ሓደ እሱር ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ተገዲዱ “በዲለ እየሞ፣ ድሕሪ ሕጂ ከኣ ኣይደግምን እየ” ኢሉ ነቲ ዝጭቊንን ዝኣስርን ዝጨውን ዘሎ መንግስቲ ጣዕሳኡ ክገልጽ ኣለዎ። ኣብቲ ፎርም ጣዕሳ መሊኡ ከኣ ክፍርም ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ እቲ ብመሃንድሳት ዝተማህዘ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ጸረ ሰውራውያን ግንከኣ ብስነኣምራዊ ግብረ ሽበራ ኣገባብ ዝሳለጥ ውዲት እዩ። ዝኣሰረን ዝጨወየን ይቕሬታ ዘይሓተተስ ዝተኣስረን ዝተጨውየን?ሓያል ውሕጅ ኣንቃዕሪሩ ይውሕዝ። ስለዚ ኣቶ እንድ ኣድርጋቸው ጽጌ ድማ ድሕሪ 4 ዓመታት ማእሰርቲ እንሆ ሎሚ ፎርም ጣዕሳ መሊኡ ካብቲ ጽኑዓ ማእሰርቲ ንኽወጽእ ተፈቒዱሉ ይብሃል ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ቍጣዔ ህዝቢ ንወያኔ መኪቱ ምስተባርዐ፣ መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ወይከኣ ጎይቶ ወያኔ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን፣ ኤም.ኣይ6 ስለላ መርበብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ስለላ መርበብ እስራኤል ሞሳድን፣ ነቲ ዝልዓል ዘሎ ሰውራ፣ብፍላይ ብህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ንምብርዓን ለይትን መዓልትን ገልዳሕ ይብሉ ኣለው።

Thousands of people including several senior opposition leaders have been freed since January [File: Reuters]
ምናልባት ንገርሄኛን፣ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ሒዳሪናይ መለስ ዜናዊ ብባህርያዊ ሞት እምበር፣ ተሰሚሙ ከምዝሞተ ኣይፈልጥን ይኸውን። ኣቶ ኣንድ-ኣድርጋቸው ከኣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ የመን ተጨውዩ ንኣዲስ ኣበባ ክውሰድ ከሎ፣ ምናልባይ ክኢላታት ጸጥታ ጭፍራ ወያነ ዝወሰዱዎ ገሮም ክርድኡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሓቂ ግና ነቲ ጭውያ ዘካየዱዎ ጎይቶት ወያኔ መሃንድሳት ጽዮናውያን እምበር ተውሳኺቶም እንዳ ወያኔስ።  ከምኡውን ምቕያር 1ይ. ሚንስተር ኣቢዪ ኣህመድ፣ ብመሃንድሳት ኢህኣደግ ዝኾነ ይመስሎም ይኸውን፣ እቲ ውዲታዊ መስርሕ ግና፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተኣሊሙ ዝተሰፍየ ምኻኑ ሎሚስ ሓላፍ መንገዲ ዝፈልጦ ምስጢር እዩ ኮይኑ።
ምእሳር ኣንድ-ኣድርጋቸው ጽጌ እንተኾነውን፣ ብስለላ መርበብ እንግሊዝን ሞሳድን ዝተፈጸመ እዩ እምበር፣ ወሪዱዎም እንዳ ወያኔ ድኣ ብዘይ ፍቓድ ጎይቶቶም፣ እሞ ከኣ ንሓደ እንግሊዛዊ ዜግነት ዘለዎ ውልቀሰብ፣ ካብ ወጻኢ ጨውዮም ንኣዲስ ኣበባ ከምጽኡዎስ፣ በየናይ ኣእጋር በየናይ ኣሰጋጋር። ነቶም ቶዃሉ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ሞሳድን ካልኦት ገጀፍቲ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን እንግሊዝን ካልኦት ኤውሮጳውያን ሃገራትን ግና ኩሉ ኣብ ኢዶም እዩ። ባዕሎም ቴሮሪዝም ይምህዙ፣ ባዕሎም ከኣ ይጨውዩ፣ ንሶም ከምዘይኮኑ ድማ በቲ ድምጺ ሕሶት ሜድያኦም ገሮም ከይሓፈሩ ይዝርግሑ።
እወ፣ ኦቼላን ዝተባህለ ሓርበኛ መራሕ ሰውራ ኩርድሳን እኮ ንዝክሮ ኢና፣ ካብ ኬንያ ደይኮኑን ቱርካውያን ብሓገዝ ሞሳድ ጨውዮም ንቱርኪ ዝወሰዱዎ። ክሳብ ሎሚ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ይበሊ ኣሎ። ስለዚ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣቦኹም ኣብ ዘደቀሱና ከምዝኾነ፣ ንኹሉ ግዱስ ሃገራዊ ኤርትራዊ ይኹን፣ ኢትዮጵያዊ ክበርሃሉን ክርድኦን ኣለዎ። ነዚ ተረዲኡ ግና ንመነቱን ዋጋ ክብሩን ክብል ግና ክነቅሕን፣ ንጸላእቱ ከለልን መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ኢትዮጵያውያን ከምተፈትሑ ተሓቢሩ። ኣብ ኤርትራ ዘለው እሱራት ግና ድሃዮም ኣይተሰብዐን። ንኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ ብቶረሪስት ተወንጂሉ እዩ ይኣይ ተኣሲሩ። ክትበልዕ ዝደሌኻ ኣባጉምባሕስ ዛግራ ትብላ።

ስለምንታይ ኢትዮጵያ ምስዚ ኩሉ ባህርያዊ ጸጋኣ፣ ክሳብ ሎሚ ካብ ድኽነትን ውግእን ነጻ ኣይኮነትን? እስከ ነዘን ዝስዕባ መኽንያታት ነስተብህለለን።

1. ኢትዮጵያ ብ1868 ኣብ መዋእል ንጉስ ቴድሮስ ብኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ ተደፊራን ተወሪራን እያ። እቲ ብጀነራል ናምፒር ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብሳላ ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ ሰራዊት ንመቕደላ ደዪቡ ንንጉስ ቴድሮስ ንኽቕንጽል በቕዐ። ጅግና ኣንድ ለናቱ ንጉስ ቴድሮስ ግና ብጀነራል ናምፒር “ኢድካ ሃብ” ምስተባህለ፣ እምቢ ካብ ባዕዳውያን ኢደይ ዝሃብ ሽጉጠይ ሰትየ፣ በጃ ሃገረይን ክብሪ ህዝበይን ክሓልፍ እየ ኢሎም ንሃገሮም ተሰዊኦም።

2. ድሕሪ ምስንባት ኮሎንያል ጣልያን ካብ ኢትዮጵያ፣ እቲ ኣብተን 5 ዓመታት ብጅግንነት ንኮሎንያል ጣልያን ዝምክቶም ዝነበረ ጅግና በላይ ዘለቀ ኣብ ሥልጣን ንኽመጽእ ምሉእ እምነትን ነብሰ ተኣማንነትን እኳ እንተነበሮ፣ዓባይ ብሪጣንያ ስለዘይፈተው ግና፣ እቲ ብምልመላን ስልጠናን ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ንጉስ ሃይለ ሥላሴ ድኣ ተሾመ። በለይ ዘለቀ ድማ ብገመድ ተሓንቀ።

4. ብ1960 ዓ.ም.ፈ. ሓገራዊ መንግስቱ ነዋዩ ምስ ክልተ ኣሕዋቱ ንመስፍናዊ ንጉስ ሃይለስላሴ ክግልብጥ ምስ ፈተነ፣ እኳ ድኣ ኣለቀ ደቀ ተባሂሉ ዛጊት ብራድዮ ኢትዮጵያ ዜና ምስተነዝሐ፣ ብሳላ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ሲኣይኤን፣ ሞሳድን ግና እቲ መፈንቅለ መንግስቲ መንግስቱ ነዋይ ክፈሽል ከኣለ። ንጉስ ሃይለስላሴ ድማ ክሳብ ብምርኩስ ዝኸይድ ክሳብ 84 ዓመት ንኢትዮጵያ ገዝኣ።

5. ኣብ ግዜ ንግስነት ሃይለስላሴ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኢትዮጵያውን፣ ብዙሓት ጀጋኑን ሊቃውንትን ኢትዮጵያውያ በጃ ሃገሮም ሓሊፎም እዮም። ንመረዳእታ፣በቶም ዋርድያታት ንጉስ ሃይለስላሴ ዝነበሩ ስለላ መርበብ ሲ.ኣይ.ኤን. ኤም.ኣይ.6ን እንግሊዝን ስለላ መርበብ ሞሳድን በጃ ዝሓለፉ፣ካብ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ  ከም ብዓል ጥላሁንን፣ ዋልልኝን ካልኦት ብዙሓት ተማሃሮን ነይሮም።

6. ኣብ ግዜ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ደርግ፣ ድማ ማእለያ ዘይብሎም ሊቃውንትን፣ ሓርበኛታትን ደቂ ሃገር ጸኒቶም እዮም። ንመረዳእታ ከም ዶር. ሃይለ ፊዳ  ካልኦት ብኣሽሓት ዝቕጸሩ ኣባላት ህዝባዊ ሰውራ ኢትዮጵያ ዝብሃሉ (EPRP) ደቂ ሃገር ጸኒቶም እዮም።

 7. ክትክኡ ዘይክእሉ ብሉጻት ጀነራላትን መሃንድሳት ኲናትን፣ ብዘመን ደርጊ ጸኒቶም እዮም። ሎሚኸ ብወያኔ ዝተኣስሩን ዝተቐንጸሉን ደቂ ሃገር ኢትዮጵያ እኮ ማእለያ የብሎምን። ከምዚ ንሰምዖ ዘሎና ግና ከም ሓርበኛ ኣንድኣድርጋቸው ጽጌን ካልኦት እሱራትን ተፈቲሖም ይብሃል ኣሎ። እቶም ኣብታ ደሴት ማእሰርትን ገሃነበ እሳትን ኮይና ዘላን፣ ግንከኣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን እትግዛእን ላቦራቶሪ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ዝኾነትን ኤርትራ  ዘለው እሱራት ግና ድሃዮም ፍጹም ኣይልዓልን እዩ። እዚ ፈላሊኽ ግዛ ዝብል ውዲታዊ ሜላ ጽዮናውያን ግና ተረዲኡና እዩ ሎምስ።። መንዮም እቶም ነቲ ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝዝውሩዎ ዘለው እንተኾነው  ሳላ መድረኽ ተረዲኡና እዩ።

ስለዚ መሰረታዊ ፍታሕን ሰላምን ራህዋን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክመጽእ እንተድኣ ኮይኑ፣ ብጽዮናውያን ኣብ ስለላን ኮለላን ተዋፊሮም  ዘለው፣  ብፍላይ እኳድኣ ደቂ ሃገር፣ ብገረብ ብሓኽላ ዝብል ሜላ ዝተዋፈሩ፣ ከም ብዓል ኢሰያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰለልትን፣ በብሓደ ክህደኑ ኣለዎም። እዚኦም ከይጠፍኡ  ፍጹም ነጻነት ኣይርከብን እዩ።። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ፣ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራ ጸላእቱን ፈተውቱን ፈሊጡ፣ ብመኸተኡ ክሕይል ኣለዎ። ብዘይካ ሓይሊ ካልእ ፍታሕ የልቦን። እዞም ጀጀውቲ “ጽዓዱ” ምዕራባውያን ወይ ጽዮናውያን ድማ ብዘይካ ድሎ ከይትዕሎ ዘጃጅዎም ካልእ ነገር የልቦን። መንእሰይ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ከኣ  ካብ ዓላማኻ ንድሕሪት ኣይትበል። ንጸላእትኻ ድማ ኣለሊኻ ተቓለስ።

ኣምላኽ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይኹን

ብሓልዮ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት  ኤርትራ፣ 28 ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ.