ድሕሪ ሰፍ ዘይብል ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምውድኡ፣ ኣብ ልዕሊ ደላይ ሰላምን ደላይ ሕርነትን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ሓድሽን ጸረ ሓርነትን ልዑላውነትን ውዲታዊ ፕሮጀክት ብስውር ተኣዊጁ። እቶም ብረቂቕ መጽናዕቲ ተጸኒዖም ዝተዳለዉ ውዲታት ከኣ፣ መልክዖም እንዳቀያየሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በብሓደ ብግህዶ ክትግበሩ ክንከታተሎም ጸኒሕና ገና ድማ ንከታተሎም ኣሎና። እቲ ቀንዲ መንቀሊ እቲ ውዲት ድማ ብ1952 ዓ.ም.ፈ. መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ብልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ብመርገጽ ከምዘይ ኣምን፣ ኣብ ጒባኤ ባይቶ ሕቡራት መንግስታ ዓለም ስለዘፍለጠ እዩ።

ነቲ ፖሊሲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ኤርትራውያን ምሁራት ይኹኑ ለባማት ዝብሃሉ፣ ወይ መራሕቲ ሰውራ ኢና ብሃልቲ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ሓቂ ኣፍሊጦም ካልእ ዓይነት ቃልሲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር ዓበይቲ መንግስታት ኣልዒልካ ምውጋእ ካልእ ኣማራጺ ወይ ስነኣእምራዊ ቃልሲ ንኸካይድ ክሕብሩዎ ነይሩዎም። ኣብ ክንዲ ዝምዕዱዎን፣ ክንዲ ዝሕብሩዎን ግና፣ ነቲ ምስጢር እንዳፈለጡ ኣብ ረታዊ ቃልሲ ጸሚዶም ከምዝምንቆስ ገሮሞ። ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ግና፣ ድሕሪ 30 ዓመታት ቃልሲ፣ ግንከኣ ማእለያ ዘይብሉ ደም ድሕሪ ምፍሳስ፣ ንወተሃደራዊ ወራር መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብድሎ ከይትዕሎ ገጢሙ ካብ መሬት ኤርትራ ብስዕረት ንሃገሩ ኣፋንዩዎ። ኣብቲ ንፍርቂ ዘመን ዝተኽእየደ ቃልሲ ግና ዘይተኣደነ ክሳራ ግና ከሲሩ።

Image result for isis the israel and us proxy
ብድሕሪ ኢሰያስን ወያኔን ክይኖም  ነቲ ፕሮጀክት ህልቀት ህዝቢ ዝዝውሩዎ  ንሶም ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን እዮም።

ባህ ክብላ ልባ ጽብሓላ ዱባ ከምዝብሃል ከኣ፣ መንግስቲ ኣሜሪካን ኤውሮጳ ሕብረትን ካልኦት ሃገራት ዓለምን  ንይምሰል ብነጻነት ኤርትራ ከምዝኣመኑ ብወግዒ ኣፍሊጦም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ 3 ክሳብ 4 ሚሎን ዝኸውን ቊችሩ ክነሱ፣ ኣንጻር 100 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብድሎ ከይትዕሎ ገጢሙ ክስዓር ስለዘይተኻእለ፣ ንግዜኡ ንይምሰልን ባህ ንክብሎን፣ “ከምቲ ኣምሆ ዘመን ንፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዘፍረስናዮ፣ ጽባሕ ብጊሓት ድማ ነዚ ነጻነት እንዳበለ ዝሕበነሉ ዘሎ ብውዲት ክንድምስሶ ኢና ብዝብል ውዲታዊ ስልቲ፣ ንራእዪን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ንከበርዕኑዎ መዲቦም። ነዚ ዘውጽኡዎ  መድብ ዕዮ ዘተግብር ከኣ ፍቱን ሰላዪና ኢሰያስ ኣፈወርቂ መልሚሎም ኣሰልጢኖም።  እንሆከኣ ብኢሰያስ ስለዝተኣማመኑ ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ ካብ ዝብል ድርቅንኦም“፣ ነቲ እከይን ጸረ ህዝቢ ኤርትራን ዝኾነ ፕሮጀክቶም እንሆ ሎሚ ክዕወትሉ ንርእዮም ኣሎና።

Image result for Iseias the CIA Agent
መንነት ወረቐት ኢሰያስ  ኣብ ቃኘው ስቴሽን እስመራ ሰነ 1970 ዓ.ም.ፈ. እዚ ሎሚ ኢሰያስ ምስ ዶር. ኣቢ ኮይኑ ዝጓየየሉ ዘሎ ውዲታዊ መደብ ዕዮ፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተዋህቦ ፕሮጀክት ፈልሲ እዩ።

ካብዚ ብምምጋስ ድማ ብስነኣምሮ ዝሰልጠኑ መሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተዳለወ ረቂቕ ስነ-ኣእምራዊ መድብ ዕዮ ኣውጺኦም፣ ንሰላዪ ኢሰያስ ኣረከቡዎ። እወ፣ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ፍቕሪ ሃገሩን ልዑላውነት ህገሩን ከም ዝጸልእን ከም ዝፍንፍን ገሮም ኣላሽ ንምባል ምስ ህዝቢ ኤርትራ ይረባረቡ ኣለው። እንሆ ከኣ ብኣዝዩ ዝረቐቐ ሜላ ግንከኣ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ነቲ ዘውጽኡዎ ፕሮጀክት ንምዕዋት እከይን ረቂቕን ወፍሪ ጀመሩ። ነቲ ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ንድምሳስ እምብኣር ብግድል < ዓንቅፋት >= ፍታሕ (ፕሮብለም < ሪኣክሽን >= ሶሉሽን) ዝብሉ ፎርሙላታት ዝተሰነየ ረቂቕ ስነእእምራዊ መደብ ዕዮ ከኣ ንወኪሎም ዕሱብ ሰላዪ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣረከቦም የተግብሩዎ ኣለው። ብድሕሪዚ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነቲ ዝተዋህቦ መድብ ዕዮ በብዓይነቶም ምስምሳት እንዳምሃዘ፣ ብዘገምታዊ ከይዲ፣ ከምቲ ንሱ ዝብሎ “ኣካይዳ ጎብየ እንዳከደ” በብሓደ ከተግብሮ ጀመረ።

እቲ ቀንዲ ዓላማ እቲ መደብ ዕዮ ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ፍቕሪ ሃገሩን ልዑላውነት ህገሩን ከም ዝጸልእን ዝፍንፍንን ገርካ ኣላሽ ምስ ኣበልካዮ፣ ነቲ ባህርያዊ ጸግኡ፣ መሬቱን ባሕሩን ንምዝማት እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንክ ግዳይ ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣኡን፣ ባህርያዊ ጸጋኡን ኮይኑ፣ ጽዮናውያን ንሃገሩ ንክቆጻጸሩ ተታሓሒዞሞ ንዕዘብ ኣሎና። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ግና፣ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ሰራዊት ኤርትራ፣ እቲ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ ኢሰያስ ንህዝብን ንሰራዊትን ንምትላል  ዘምጽኦም ዘይተኣደኑ ምስምሳትን ወይ ብውዲት ዝተኣልሙ ሜላታት፣ኢሰያስ ባዕሉ ዝመሃዞ ገሩ እዩ ክርድኦ ጸኒሑ። እቲ ሓቂ ግና ብድሕሪ ኢሰያስ ኮይኖም ብመደብ ንኢሰያስ ከም ፈረስ ዘጋልቡዎን፣ ዝዝውሩዎን ስዉራት መሃንድሳት ጽዮናውያን እዮም። እወ እዞም መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ብጸልማት ተኸዊሎም ንደቀባት ዘይኮኑን ቅልውላው መንነት ዘለዎም፣ ከም ብዓል ፈዛዝ ኢሰያስ ኣፈወርቂ  መልሚሎም እዮም ንድልየትን ራእዪን ህዝቢ ጨውዮም ንረብሓኦም ዝቃለሱ።

እዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩለን ብ”ሳልሳይ ዓለም “ዝፍለጣ ሃገራት ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ብኸምዚ ንነዊሕ ዝኸይድ መደብ ዕዮ ገሮም ዝቃለሱወን። ንመረዳእታ ኣብ ሃገር ፔሩ ብሓደ ጃፓናዊ ድቓላ ገሮም ኣብ ድኽነትን ቅልውላውን ኣእትዮማ። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ኣብነት ንቃልሲ ሃገር ሞዛምቢክን፣ ኣንጎላን፣ ጊኒ ቢሳውን፣ ኮንጎን፣ ኣበርዒኖሞ እዮም። ንኤርትራ ከኣ ንኣስታት ሓደ ሚእቲ ዓመታት ዝኣክል ብምርብራብ፣ እንሆ ሎሚ ሰላዪ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስ ሓዲሽን መንእሰያን ሰላሊ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ ዝገብሮ ዘሎ ውዲታዊ ፣ ጭሉቕ ቃልኪዳን በቶም ስዉራት ሓይልታት ጽዮናውያን ዝተዳለወ ውዲት እዩ።

እቶም ብውዲት ብስነኣእምራዊ ሞያ ዘሰልጠኑ መሃንድሳት ጽዮናውያንን ሃጸያውያን ተሓንጺጾም፣ ካብ 1993 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ ሎሚ 2018 ዓ.ም.ፈ. ዝፍጸሙ ዘለው እምብኣር እዞም ዝስዕቡ ሜላታት እዮም።

  1. ኢሰያስ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ዛጊት መንግስቲ ከይንእውጅ ብጎረባብትና ጸገም ስለዘሎና እዩ ክብል ምስምስ ምሂዙ። ብኣንጻሩ ግን ነቲ መደብ ኲናት ቀዳምነት ብምሃብ፣ ነቲ ጉዳይ ወግዓዊ መንግስቲ ክኣ ን27 ዓመታት ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ ከምዝቕጽል ኮነ። ሕገ መንግስቲ ወይ ቅዋም ኣርቂቕና ከይነጽድቕ ብዶብ ዝተሳበበ ኲናት ምስ ወያኔ ስለዘጋጠመ ዓንቂፉና ክብል እዩ ሓንካስ ምስምሳት በብግዜኡ ከምጽእ ጸኒሑ። ዶብ ከይተሓንጸጸ ሕገ መንግስቲ ደስኪሉ ክጸንሕዩ፣ ክብል ድማ ተጠሊዑ ሓሲዩ።

  2. ብኣዋጃት ዝትግበሩ መድብ ዕዮታት፣ ከም መሬት መሬት መንግስቲ እዩ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወዘተ…..እንዳበለ፣ ብዘይ ውዓል ሕደር ከተግብሮም ተራእዩ። ንመረዳእታ፤ መሬት ህዝቢ መሬት መንግስቲ እዩ፣ ኣስማት ኣውራጃታት ብዞባታት ምቕያር፣ ገዛውቲ ህዝቢ ብግሬደራት ምፍራስ፣ መቓብር ዓዲ ሰግዶን ቤት ምኻን ብግሬደር ኣፍሪስካ ሓዲሽ መቓብር ህግደፍ (መቓብር ሓርበኛታት) ምቕያር። ንኣካለ ስንኩላን ማይሓባር ብጥዪት ምቝሽማድ፣ ካብዚ ንላዕሊ ጸረ ልዑላውነት የልቦን። ህዝብና ግና ኣዝዩ ተገሪሁ፣ እቶም ዝተቓወሙዎ ሓርበኛታት ድማ ብወረጦ እንዳ ኣረየ መንቊሱዎም።

    3. ወፍሪ ዋርሳይ እከኣሎ እዊጁ ንመንእሰያት ካብ መኣዲ ትምህርቶም ገገፊፉ ንበረኻ ምውፋር፣ ገንዘብ ህዝቢ ሃጊሩ ንህዝቢ በተኽ ምግባር፣ ሃብታም ኤርትራ እምበር ሃብታም ኤርትራዊ የልቦን እንዳበለ፣ ኩሎም ነጋዶ ኤርትራውያን፣ ኣብ ሃገራት ሱዳንን ኡጋንዳን ኬንያን እንጎላን ተሰዲዶምን ተባታቲኖምን ከምዝስደደዱ ምግባር። ነቶም ብነጻነት ዝኣምኑ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት  ኤርትራ ገገፊፉ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምድጓን። ነቶም ጸረ ነጻነትን ምጻእተኛን ኣብ ስልጣን ኣምጺኡ ንህዝቢ ብስለላን ኮለላን ምእሳርን ምጭዋይን። ካብዚ ንላዕሊ ጸረ ልዑላውነት ወፍሪ የልቦን። እገዳ ብዝብል ጉልባብ ብዙሕ ግዜ ከመሳምስ ሃሊኹ እዩ፣ እገዳ ግና ባዕሉ ኢሰያስ እዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣጊዱ እምበር፣ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝተገብረ እገዳ የልቦን። እዚውን ንስልጣን ኢሰያስ ንምንዋሕ ተባሂሉ ብጎይተቱ ጽዮናውያን ዝተኣልመ ማእለማ እዩ።

  3. ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ብግቡእ ዓስቡን ጥሮታኡን፣ ከይረኸበ ብዶብ ኣሳቢቡ ኣብ ፈቐዶ ጎቦታት ዶብ ከም ዝበሊ ምግባርን፣ ካብኡ ተሰዲዱ ፋሕ ብትን ከምዝብልን ምግባር።

  4. ሕገ ኣልቦ ግዝያዊ መንግስቲ ን27 ዓመታት ዝኣክል ምቕጻል ፣ ዝተኣስሩ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ ንሕልፈታት ከምዝተረስዑ። እቲ ኩሉ ገበናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኢሰያስ ዝፍጽሞ ዘሎ፣ ኣብ ፍርዲ ቤት ከቕርቦን ከኽስሶን ኣይክእልን እዩ። መኽንያቱ ኣብ ኤርትራ፣  ብሓጋጊ ኣካልን ፣ ፈራዲ ኣካልን፣ ፈጻሚ ኣካልን  ዝቖመ ሕገመንግስቲ ስለዘየልቦ።

ነዞም ኩሎም ጸረ ልዑላውነት ኤርትራ ዝኾኑ መደብ ዕዮታት ከይሓፈረ ክፍጽም ከሎ፣ እቲ ህዝቢ ዋላኳ ነቲ ውዲታዊ መደብ ዕዮታት ይቃወሞ እንተነበረ፣ በብሓደ እንዳገፈፈ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትታት ዳጒኑዎ እዩ። ነቲ ካብ ማእሰርቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግንከኣ ብፍርሕን ብራዕድን ዝነብር ድማ፣ ስለዝነዓቖ ትማሊ ከይሓነኸ ተጠሊዑ  „ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተደሚርና ኢና፣ ካብ ሎሚ ጀሚሩ መራሒና ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ እዩ“ ኢሉና። “ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ”! እሞ ሕጂኸ እንታይ ኢና ንጽበ ዘሎና? ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ ነዚ ሃየንታ እዚ ብኸመይ ይርእዮን ይግምግሞን ኣሎ ? ነዚ ብኢሰያስ ኣፈውርቂ ኣብ ልዕሊ ደላይ ሰላምን ደላይ ፍትሕን ህዝቢ ኤርትራ ክፍጸም ንርእዮ ዘሎና ዘይተኣደነ ላግጺ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ብዘይ ውዓል ሕደር ቁጣዔዑ ዘርእየሉ መድረኽ ኣኺሉ  እዩ። ስለዚ ሕጂ መኸተኡ ከርኢ መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ።

ላግጺ ሰላዪን ልኡኽ ባዕዳውያን  ኢሰያስ ኣብቂዑ እዩ ! ህዝቢ ኤርትራ ንላግጺ ኢሰያስን ጽዮናውያን ጎይተቱን ኣለልዩዎ እዩ !! ኣወ ! ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኩሎም ጸላእቱ ተዓዊቱ እዩ!

 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

16.08.2018 ዓ.ም.ፈ.