ክቡራት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባትን ከምኡ ድማ መርበብ ሓበሬታ ፓልቶክ

በብግዜኡ ኣብ ደቀባት ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ርእይቶታቶም ብዛዕባኣለናወይ ከም ብዓልፓይሎትሓጎስፎሮ12“ን፣ ኣቶ ቀለታ ኪዳነ፣እንታይ ትብሉና እንዳበሉ መልእኵትታት ደጋጊሞም ልኢኾምልና  ነይሮም እዮም። ግና ክሳብ ሎሚ መልሲ ኣይሃብናዮምን። መኽንያቱ ቁሩብ ጸኒሕና ብጃምላ ገርና ክንሕብሮም ስለዝደለና ጥራይ ኢና እምበር እቲ ጉዳማትስ ንፈልጦ ኢና። እታይ እሞ! “ስኣን ፍልጠት ህዝበይ ይጠፍእ ኣሎእንድዩ ኮይኑ።  “ዝኣረገ ኣንበሳስ ወኻሩ ይጻወታሉከምዝብሃል፣ ንገርሄኛ ህዝቢ ኤርትራ ድማ እንዳህግደፍ  ኮራኹሮም እንዳ ኣዋፈሩ ይላገጸሉ ኣሎው።

እቲ ዝሸበና ዘሎ ሃጽፍታት ስለይቲ ኣዝዩ ጽዑቕ ስልዝኾነ፣ በየናይ ከምንጅምሮ እኳ ሎምስ ጸጊሙና። ይኹንእምበር ንከስተብህልን ክመራመርን ክርዳእን ዝደሊ ሃገራዊ ኤርትራዊ እንትድኣ ኣልዩ፣ ነዞም በብግዜኡ እንዳተቓያየሩ ተዋፊሮም ዕንክሊል ዝብሉና ዘለው፣ ግንከኣ ኣብክንዲ ብኣእምርኦም ብሕምብርቶም ዝሕስቡ፣ ጸረ መንነትን ሃገርን ዝኾኑ ሃሱሳት  ሓደስቲ ክታባት ስለያ ኮይኖም ጸረ ህዝቢ ዝኽድሙ ዘለውጥራይ ዘይኮነስ መን ከምዝኾኑ ልኣኽቶም ከይተረፉ ክንሕብር ንኽእል ኢና። ነዞም ንኣሽቱ ኮርኹር ክኣ ድሮ ፈሊጥናዮም ስለዘሎና እግሪእግሮም ክንስዕቦም ኢና።ከነቃልሖም ድማ ኢና። መኽንያት ሃገርዊ ሓላፍነትና ስለዝኾነ።ብሓጺሩ እኳ፣ ከይትቕየሙ እንበር፣ ህዝባዊ ግንባር ብቐንዱ ንብረት ኣሜሪካን እስራኤልን ዓባይ ብሪጣንያን እዩ። እቲ ጉዳይ ቃልሲ ኤርትራ ከኣ፣ 1969 ... ኣይተ ኢሰያስ ቴንቤናይ ብስለላ መርበብ .ኣይ.. ተመልሚሉ፣ ብመደቦም ተሰንዩን (ንሕናን ዓላማናን: ዓማ ክትሓቅቕ እያ!)  ቅያር ንጉስ ሃይለስላሴ ኮይኑ: ነቲ እልፋ ዝነበረ መንነት ህዝቢ ምድረባሕሪ፣ ኣብ ኦሜጋ ንምቕያር እዩ። ነዚ ትኾልኵሉ ንሳሕል ምስ ወፈረ ከኣ፣ ሽዑ እዩ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ኢድ ባዕዳውያን፣ ብፍላይ እኳድኣ ኣብ ኢድ ኣማሪካን  ዓባይብሪጣንያ እስራኤልን ዝወደቐ። ካብ ጉድይ አርትራስ ጉዳይ ፓለስቲና እኳ ይሓይሽ።

እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ መዓት ከይኣክልስ፣ኩላትና ኣብ ስደት እንነብር፣ መዓት ህዝብና ንኽቕንጠጠልና  ሓቢርና ኢሂንምሂን መታን ከይንብል፣ እቶም ጎይቶት ኢሰያስን ባዕሉን ዕንክሊል ንከብሉና ብዝረቐቐ ሜላ ብዓልፎሮባልዕ! ኣዋፊሮምልና። እወ፣ ነዚ ኣለሊኻ ምብድሁ ግና ሓላፍነትና ይኸውን። ስለዚ እዞም ርእይቶኹም ትልእኩልና ዘለኹም ድማ ነዚ ውዲታት እንዳ ህግደፍ ዘለሌኹሞ ስለትመስሉ ኣጆኹም! ምርማርኩም ቀጽሉ ኢኹም።

ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ! እወ፣ ዘሎናዮ ዘመን፣ ዘመን ስለላን ኮለላን ድኣንበር ዘመን ፖለቲካ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ እንሆ እቶም ስዉራት ሓይልታት ዘውፈሩዎም ተዛረብቲ ኣቑሑት፣ ብኻልእ እዘራርባ ካብ ብኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሕስቡ፣ ንምስልና ዝመስሉ፣
ግንከኣ ከምቲ ሽሞም እንዳ ባዶ ዝኾኑ ቅዳሕ ሞሳድን ሲኣይኤን፣ ኣብ ፓልቶክ ተዋፊሮም የረብሩብና ኣሎው። ህዝቢ ክጸንት ከሎ፣ ካብ ዓሰብቶም ዝትኮበሎም ባጤራ ይሕሽና ዝበሉ ዓናጅል ተዛረብቲ ኣቕሑት እዮም።

እቲ ኣውራ እውራ ኣብዚ እዋንዚ ንዕዘቦ ዘሎና፣ ግንከኣ ኣብ ልዕሌና ተጻዊዱ ዘሎ ከቢድ ወፍሪ ሓሶትን ምድንጋርን እዩ።ንሱ ድማ ብመሃንድሳት ስዉራት ሓይልታት ዝተሓንጸጸን ዝተኣልመን ኮይኑ፣ እከይ ወፍሪ ፕሮጀክት °ርበት እዩ። ሎሚ ግና ዳርጋ ኣብ ዓለም ምስጢሮም እንዳተቐልዔ ይኽይድ ዘሎ እምበር፣ ጽዮናውያን ህጸያውያንን ካብ ዘመነ ባርነት ኣትሒዞም እኮ እዮም ንዓለም ዝዝውሩዋ ዘለው።

ኣልፋ ዝነበረ ብቐስብ ኣብ ኦሜጋ ንኽቕዩሩዎ፣ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ፣ክንደይኳ ንዘስተብህለሎም ኣሎና። እቶም ገሊኣትናስ ውዲት ባዕዳውያን ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ እዩ ተረዲኡና ነይሩ።  ውዲታዊ ሰውራ ኤርትራ ከምዝመሃዙ ድማ ፈልጥና ኔርና። እወ፣ ፈላስፋትት ብእዓል ዶክተር እዮብ ገብረልኡል እኳ ኢና ኣጥፊእና፣ ብዓል መንግስትኣብ ኢሳቕ ካብ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራውያን ኣሜሪካ ብብዓል ሓጎስ ክሻ ካብ 5 ደርቢ ፐላሶ ተሰንድዮም ዝተጨፍለቑ ፈላስፋታት እኳ ኢና ኣጥፊእና። እወ፣ ብዓል ኣፈወርቂ ኣምሓራይ፣ ብእዓል ሙሴ ፣ብዓል የውህንስ ብሬን፣ ብዓል ዶር. ጎይተኦም (ብጻይ), እንታ፣ 3ወገን ጀብሃስ ክንደይ ድዮም ዓሪቦም፣ ብዓል ኪዳነ ዓንደመስቀል፣ ብዓል እንበሳ ኣስመራ ኣብርሃም ተሕለ ወዲ ዓንደሎይ፣ ብዓል መልኣከ  ተኽለ፣ ብዓል ዕብደልቃድር ሮሞዳን፣ ብዓል ገብረብርሃን ዘርኤ፣ ብዓል ዘካርያስ ብዓል ደቂ መሓረ ድንበዛን ብዓል ዘየሱስ ፈላስፋ፣ ብዓል ክብሮም ፈላስፋ ኣብ ማይ ዕዳጋ ብግጅለ ቅንጸላ ሻዕብያ ዝተቐንጸለ፣  ክንደይ ኢልና ኢናሞ ክንጽብጽቦም። እዚኦም ክጠፍኡ ከለው ደይኮነን ኣልፋ ነይሩ፣ ሕጂ ድማ  ኣብ ኦሜጋ ንጉዓዝ ኣሎና። ዘይኢነገር እዩ ጉዳይና።

እዛ ንነብረላ ዘሎና ንእሽቶ ፕላኔት ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚራ በቶም ሃርጋፋት ዋናታት ባጤራን፣ ዘይትን ላምባን፣ በልዚንን፣ ወርቅን፣ ድያሞንድን፣ ከምትግዝእ ምኣስ ሲሒትናዮ ዕሱባቶም ደቂ ሃገር ተመሲሎም ዝተዋፈሩ ግና፣ እንሆ መንነትናን መሬትናን ባሕርናን ሃይማኖትና ተቛጻጺሮም ትንፋስና የውጽኡና ኣለው። እቲ ረብሓ ግና ንመን ኮን ክኸውን ኣዩ? ነዚታት ተመራሚርና ንህዝብና ከይንሕግዝ ድማ፣ኣብ ርእሲ ሓናትስ ጽግዕከምዝብሃል፣ ብዓልፎሮዝሮምሮ  እንዳኣዋፈሩ ዕንክሊል የብሉና ኣለው። ርግጽዩ፣ እዚ ጸጸኒሑ ዘጓዪየና ዘሎ ሃጽፊ ስለላን ኮለላን፣ በቶም መሃንድሳት ጽዮንነትን ሃጸይነትን፣ እወ መቐጸልትኦም ድማ ሓዲሽ ዓለማዊ ስትርዓትን ዝኾኑ፣ ግንከኣ ንብዓል ነፋጥ ኢሰያስን ቾፕላ! ሓዞ! እንዳበሉ እዮም ዝላገጹልና ዘለው።

ሰለይቲ፣ ክንደይ ኢልናሞ ክንቆጽሮም ኢና፣ ብዓልኣለናውራዮም ተልእኾኦም ገሮም፣ምጽሓ ሓናጢጦም ብምሻጥ ማሕፉዳኦም ቁሩብ ኣህጢሮም ጸግዖም ሒዞም። ድሕሪኦም ድማ ብዓልፓይሎትቀጺሎም። ኣብቲ እንዳ መርበብ ባዶ 3 ሠንኮለል aናበሉ ብዙቡዕ ስነጽሑፍ ንኣንበብቲ ዘሃምሉ ድማ፣ እቶም ኣቶ ቀለታ ኪዳነ ዝብሃሉን ኣለው።

እው፣ መድረኽ ብዓልፓይሎትምስ ኣብቅዐ፣ መድረኽ ብዓልሓጎስፎሮ12“ ኣርኪቡ። ጽባሕ ብጊሓት ድማ ፊሒራ ይኹን ድሙ ወይ ኣንጭዋ ክልኣኹ እዮም። እንታይ ጸገምዶ ኣሎዩ ፣ካሳ ህግደፍ እኮ ማእለያ የብሉን፣ ንህዝቢ ድኣዩ ዘይከውን እምበር፣ ንስለላ ዝኽፈል ባጀትሲ ክንደይኳ ኣሎምበር።ገንዘብ ካለ በሰማይ መንገድ ኣለ

ዘረባ የብሉን በብእዋኑ ከሃምሉናን ከዋቕዑናን ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። እዚ መደብ ዕዮ እዚ ድማ መደብ ዕዮ ኤሊት መሃንድሳት፣ ስለላ መርበባት ኣሜሪካን፣ ኢስራኤልን፣ ዓባይ ብሪጣንያን እየን። ስለዝግሄር ኢሰያስ ነፋጥ ግና ቾፕላ ተባሂሉ ጥራይ እዩ ከም ሪሞት ኮንትሮል ኮይኑ ዘገግሎም ዘሎ እምበር ንባዕሉ ጸገም ኣለዎ። ኣብዘይ ፈልጦ ደልሃመት እዩ ጥሒሉ ዘሎ፣ ዘረባ ህዝቢ ኤርትራ እንተድኣ ሰሚዑ ግና እቶም ጎይተቱ  ሽዑንሽዑ ከንቅጹዎ እዮም። ንባዕሉ እውን ኣብዘይተረድኦ መጻወድያ እዩ እትዩ ዘሎ። ምዕይ እንተበለ ድማ ከምዛ ናይ መለስ ዝረኰኸበቶ ስሚ እዮም ከምዕጕዎ።

እቲ ቀንዲ ወፍሮም ድማ፣ጀጋኑና ጠፊኦም፣ ምሁራትና ሃሊቖም፣ መንእሰያትና፣ ኮብሊሎም፣ሽማገለታት ዓዲ ብባህርያዊ ሞት ሓሊፎም። ስለዚ እቶም ኣብ ስደት ዘሎና ደቀባት ተኣኪብና ንድሕነት ሃገር ህንህን ከይንብል ድማ ከምዚ ብዓል ፎሮ፣ ብዓልኣያቀለታ፣ ብዓል ሓጎስ፣ ዝገብሩዎ ዘለው እንዳገበሩ ይላገጹልና ኣለው። የርህዎ እዩ ዝብሃll! !!እቱም ሰባት ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ኣሜሪካን እንተኵoነውን ነዞም ሠፋቱ ገደና ወስ ክንብሎም ንኽእል ኢና። ወስ ከይበልካ ተቛይቕካ ጥራይሲ ከቶ ኣይወግሕን እዩ።

ብሕልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኣግኣዝያን

29 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም.ፈ.