“ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን (ኤርትራን ኢትዮጵያን)፣ ካብቲ ቅድሚ 17 ዓመታት ዝነበረ ኣይፍለን እዩ”።
ካብ ዓይጋ ፎሩም ዝተቐድሐ ኣገዳሲ ሓበሬታ

ኣብቲ ብዕለት 16 ጥቅምቲ 2017 ኣዳለውቲ ትግራይ ኦንላይን ኣብ ዓይጋ ፎርም ዝውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ፣ “ኣብ ኣይሰላም ኣይኲናት ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ “ህሉው ኩነታትኢትዮ-ኤርትራ ካብቲ ቅድሚ 17 ዓመታት ዝነበረ ኣይፍለን እዩ። እዚ ማለት ከኣ ቅድሚ ምፍርራም ውዕል ኣልጀርስ ዝተፈልየ ኣይኮነን ዘሎ” ። ብምባል እዮም ርእሰ ዓንቀጽ ጽሑፎም ዝጀመሩ። ቀጺሎም ….“እቲ ዝምድናታት ብኣይሰላም ኣይኲናት ዝተጸልወ ኢዩ። ሓሓሊፉ ውን ጠርቛሽ ውግእ ይርአ ኢዩ። እዚ ከኣ እቲ ሃዋሁው ጽቡቕ ዘይምህላዉ ዘመልክት ኢዩ። “ይብሉ።

ኣስዒቦም ከኣ መንግስቲ ፕረዚደንት ኣሰያስ ኣፍወርቂ (መንግስቲ ሻዕብያ ትብል ንውሽጢ ጉስም ኣቢሎም)፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ እገዳ ብህጹጽ ክለዓል ምጽዋዑ ኣዳለውቲ ትግራይ ኦንላይን ከምዘጉሃዮምን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ነቲ ብድፊኢት መንግስቲ ኣመሪካ፣ ብUN ኣብ ልዕሊ ልኡላዊት ኤርትራ ዝቐረበ ዘይምኽኑይ እገዳ፣ ማለት “ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ትገዝእ ኢያ”፤ ብዝብል ምስምስ ዝተገብረ እገዳ፣ ከይለዓል የስምሩሉ። እቲ ሃጠው ቀጠው ብዙሕ ኢዩ፣ ገለ ንምጥቃስ ግን፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ 5 ሽሕ መንእሰያት ካብዛ ሃገር ከምዝወጹ ዓይና ከይሓሰየት ኢያ ጠቒሳ። እቲ ድምር ግንኩሉ ጊዜ 150-170 ሽሕ ኢዩ።

…. ንኣንበብቲ ንጹር ክኸውን ዘለዎ ነጥቢ። ኣብ 2014 ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተሰጎጉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን 150-170 ሽሕብመንገዲ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት International Organization for Migration (IOM) ኣብታ ሃገር ተመሊሶም። ዓመት ወይ ክልተ ኣብ ዘይመልእ እዋን ከኣ፣ብቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ብመንገዲ የመን ጌሮም ንስዑዲ ዝሳገሙ እሞ ከኣ ኣብ 2017 ሓደጋ ምጥራዝ ዘንጸላለዎም ካብ 500-700 ሽሕ ምኳኖም መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ምንባሩ፣ ከይሰምዖ ዝሓለፈ ዜጋ ዘሎ ኣይመስለናን።

መንገዲ ቀይሕ መስቀል ከኣ ብስቱር እንተስ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ከይስንብዱ፣ እንተስ ጸላእቲ ዝበልዎም ከይሕጎሱን ብምስጢር ንክምለሱ ተጻዒሩሉ። እዚኣቶም ብዘይካ እቶም ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኣብ የመን ተቀርቂሮም ዘለዉን፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣብ ሱዳን ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ዝነብሩን፣ ቁጽሮም ዘይተነጸረ ኣብ ጂቡትን ሶማሊ ላንድን ፑንትላንድን ኮይኖም ንስዑዲ ዓረብ ንኽሳገሩ (ሃጽ ኢሎም ንኽስደዱ) ዘቛምቱን፣ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ኤርትራን ተመሲሎም ዝነብሩን ኢዩ።

The two Americans fighting hard to lift the sanctions are former Assistant Secretary of State Herman J. Cohen and Congressman Dana Rohrabacher. Ambassador Cohen runs a lobby firm, Cohen and Woods International, which represents the Government of Zimbabwe and a shady group known as Democracy for Ethiopia. We suspect it is a cover for the Government of Eritrea

ብምባል ንኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ትግራይ ክትወስዶ እትኽእል ስጉምቲ ኣብ ሻቅሎት ኣእትዩዋ ዘሎ። ያኢ ከምቲ ወያኔ ንይምሰል ዲሞክራሲ ዘይበልና፣ ቅንጅት ስዒሩ ኩሎም መራሕቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘይዳጎነን፣ኣብ ዳሕረዋይ ምርጫ ከኣ በይኑ ወያኔ ተወዳዲሩ100% ስዒረ ዝበለሉ ምርጫስ ምስ ዲሞክራሲ ክቁጸር፣ ብዛዕባ ኤርትራ ከስተማስሉ ከኣ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ዶ፣ ምርጭ ጌይሮም ዘይፈልጡ ዶ፣ ንኣልሸባብ ዝሕግዙዶ ወዘተ….ካዕ!ካዕ!ከ!ካዕ!ከ!ከ! እቲ መስሓቕን ሃጠው ቀጠውን ብዙሕ ኢዩ። ካብ ትግባረ ብይን ኮሚሽን ንምህዳም ከኣ :

“The border issue is certainly not what is keeping Ethiopia and Eritrea from normalizing relations. What is keeping Ethiopia and Eritrea from normalizing relations is the Eritrean President, Isayas Afewerki. As long as the Eritrean leader continues to engage in destabilizing Ethiopia and its neighbors, there will be no peace” ከኣ በሉ ከይሓፈሩ።

መንዩ ኣብ መሬት እንዳማቱ ኩድጭ ኢሉ ንትግባረ ብይን ናይመወዳእታን ቀያድን ኣብዩ ዘሎ? መን ኢዩኸ ሓንሳእ ዕደና ወርቂ ቢሻ፣ ካልእ ሳዕ መምንጨዊ ሓይሊ ኤለትሪክ ሕርጊጎ፣ ጸኒሑ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ሳዋ ደብዲበ ወዘተረፈ ….ዝብልን? ሃሱሳትን ጥሩፋትና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሳስን ግዲ!!

መን እዩኸ “ሃዋህው ኣይኲናት ኣይሰላም ካብ ማንም ንላዕሊ ነዓና ጸልዩና ኢዩ” ዝበለ ህዝቢ? ዝምድና ኤርትራንኢትዮጵያን ኣብ ንቡር ክምለስ እንታይ ዝሓዝኩሞ መደብ ኣሎ? ተባሂሉ ምስተሓተ፣ “ብዂናት መንግስቲ ምቅያር ኣይከኣልናን፣ ብእገዳ ነታ ሃገር ምርኹማሽ’ውን ኣይሰለጠናን፣ እሞ ካልእ ፖሊሲ ሓንጺጽና ኣለና። ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከኣ፣ ኣብ ህዝቢ ከነውርዶ ኢና” ዝበለኸ መንዩ? ወያኔ እቲ ዘራጊ ሰላም ናይቲ ከባቢዶ ኣይኮነን። ወዮ ደኣ መርከቦም ትጠልሞም ሃልያእምበር፣ መራሕታኮ ከምዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝስማዕ፣ ነታ ሃገር ፋምፋም ኣቢሎማ ኢዮም። ብተከታታሊ ዓመታት ክልተ ኣሃዛዊ መለኪዒ ዘለዎ ቁጠባዊ ዕቤት ኣመዝጊብና እንዳበሉ ጀበብኦም እንዳመልኡ፣ ቢልዮናት ዶላራት ኣብ ባንክታት ዓለም ዘቐመጡ’ኳ፣ ብስም እቶም ብጎሓፍ ጽተጸቕጡን ብጥሜት ዝሃልቁ ዘለዉን፣ ካልእን ዝተተዅበ (ካብ ባዕዳውያን ዝተመጽወተ ምጽዋት) ረዲኤት ኣብ ማዕከኖም ስለ ዘእተዉ ኢዮም።

ኣይንፋላለ-ኤርትራ