እዛ ምስሊ ራሻይዳ ዝኾነት፣ መደናገሪት ኣስላም ኢሉ ዝተዓመማ፣ ስእሊ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ምስ ዕማመቱ ምስርኣዩ፣ ብዙሓት ሰባት ነዲሮም ወቐሳታት ልኢኾም።  ሰባት ዝኾነ ጽሑፍን ስእልን ከመይ ይርድእዎ፣ ስራሕ ጽሓፍን ሳኣላይን ዘይኮነስ ትዕዝብትን ጠመተን ኣንበብትን ስራሕ’ዩ። ስለዚ ነዚ ስእሊ ብቃሕ ዝበለኩም ክትርድእዎ ሓላፍነትኩምን፣ ብቕዓትኩምን ዝሓትት’ዩ። ነብሲ ወከፍ ተኻታታሊ ኣብዚ ስእሊ  እዚ ብዙሕ ትርጉም ክህቦን ላህመታዊ ኣረዳድኣ ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ረብሓ እዚ ስእልን ጽሑፉን ንመን እዩ ዝብል ሕቶ ኣረዳድኣና’ ጥራይ እዩ ዝምልሶ። ግንከኣ ንምድንጋር ገርሀኛ ህዝቢ ምስልምና ኢሉ ዝፈጠሮ ኣከዳንድና እዩምበር፣ እቲ ቀንዲ ኣከዳድና ተዛረብቲ ትግሪኛ ኣግኣዝያን ግና፣ ብዓል ዕቢን ኢደጠባብን በትርን በቕልን ባርኔጣን እዩ። ኢሰያስ ግን ዕማመት ራሻይዳን፣ ገመል በደውን መሪጹ፣ ዓሻ መሲልካ ድራሮም ወድኣሎም።

ብዙሓት ሰባት ካብቲ ሰባብ ጭፍራ ህግደፍ ዝቐሰምዎ ዝንቡዕ ውዲታዊ ትምህርቲ ሓሶት፣ ግንከኣ ብመርዛም ሙዚቃ ዝተሰነየ ፕሮፖጋንዳ ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ኣእምርኦም ሰሪጹ ፣ ንኸይርድኡ ስለዘፍዘዞም እዩ። በዚ መኽንያት እዚ እምብኣር እቲ ወዝኖ ዝነበረ ኣእምርኦም፣ ብግቡእ ክመታን ከይሓስብ፣ ግብግዕዙ ባህሊ ህግደፍ ስለዝተመረዘ እዩ። እዚ እከይ ስነኣእምራዊ ሕማም እዩ እምብኣር፣ ንብዙሓት ስዓብቲ ርኹስ ሃይማኖት ህግደፍ ካብ ጴንጠን መሰኻኽር ጂሆቫን ዝገደደ ሴክት፣ ንኸይርድኡ ጠንቂ ኮይኑዎም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣፍዚዙዎም ዘሎ። እወ፣ ህግደፍ ብፍላይ ሕልሙ ነተን ሰለስተ ኣውራጃታት ከበስ፣ ትግሪኛ ተዛረብቲ ዝኾኑ ህዝበን፣ ኣጽኒቱ፣ ብንኡሳት ብሄራት ተኪኡ፣ ነቶም ዝተረፉ ማለት ኣእምርኦም ዝፈዘዘ እካብ ወዲ እካብ ድማ ፣ ካብ ኣውራኋነትን ሃገራዊነትን ዘንቢዖም በቶም ንኣሽቱ ብሔራት ተዓብሊሎም ፈዚዞም ንኽነብሩ ዝተኣልመ ረቂቕ ማእለማ ጽዮናውያን እዩ።

እቲ ቀንዲ መበገሲኡ ድማ፣ ህዝቢ ከበሳ፣ ብጅግንነቱ፣ ንኣሽሓት ዓመታት፣ ንምድረባሕሪ ሎሚ ሓዳስ ኤርትራ፣ ካብ ኩሎም ወረርቲ ሓሊዩዋ ስለዝጸንሐ፣እኳድኣ ድሎ ከይትዕሎ እንዳበለ፣ ንዘዝመጸ ወራሪ ጨጨርጊፉ ካብ እመሬት ኤርትራ ከምዝብቆጽ ክገብሮ ስለዝጸንሐ፣ ሎሚ ኣብዚ ሰንካም ዝኾነ ግሎባላይዘሽን፣ ወይ ከኣ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት፣ ህዝቢ ከበስ ዕንቅፋት መታን ንኸይከውን እዩ ብገረብ ብሓኽላ፣ በዞም ካብ ብኣእምርኦም፣ ብሕንብርቶም ዝሓስቡ ህግደፍ ፈንዩ ዘጽንቶ ዘሎ። እወ፣ ብዂናት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ግዕዙይ ባህልን ፍሹል ታሪኽን ኣብ ኣእምርኦም ብምስራጽ፣ ብስነኣእምራዊ ወፍሪ ኣካይዱ ድማ ነቲ ዝተረፈ ኣእምሮኡ ኣደንጽዚዙዎ እዩ።

ህዝቢ ወይ ብሔረ ትግርኛ ካብ መላእ ህዝብታት ኤርትራ ዝበዝሕ ኮይኑ ቁጽሩ 53% ኮይኑ 99% ከኣ ኣማናይ እብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እዩ። ብግዛእ ቛንቋኡ ዝዛረብን፣ ብገዛእ ፊደላቱ ዝጽሕፍን ዝደርስን ህዝቢ እዩ። ኣብ ርእሲቲ ቅዱስ ሃይማኖታዊ እምነቱ ድማ፣ ውርዙይ ባህሊን፣ ኩሩዕ መንነትን፣ ፍትሓዊ ሕጊ እንዳባን፣ ብማዕርነት ዝምቀሎ መሬትን ርስትን ዝውንን ህዝቢ እዩ። ነዚ ህዝቢ እዚ እምብኣር፣ ብዝተፋላለየ ወፍርታት ኣላሽ ምስ ኣበልካዮ፣ ብንኡሳት ብሄራት፣ ምስተካእካዮን፣ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ድማ፣ ነቲ ብባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደለ መሬቱ ንምዝማት እዩ እቲ ቀንዲ ሕልሚ።

ህዝቢ ወይ ብሔረ ትግረ ብዝሑ 30% ኮይኑ፣ ከም ካልኣይ ደረጃ ድሕሪ ብሔረ ትግሪኛ ዝስራዕ ህዝቢ እዩ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ትግረ ግና ብሰንኪ ወራር ቱርክን፣ ግብጽን ካብ ክርስትና እምነቱ ብቐስብ ኣብ ምስልምና ሃይማኖት ዝኣተወ እዩ። ኣብ ሳሕልን፣ ኣብ ሰኒሒትን፣ መንሳዕን፣ ባርካን ሰምሃርን ደንከልን፣ ዓሳውርታን ድማ ኣብ ኣከለጊዛይን ይነብሩ።

እዞም ዝስዕቡ ንኣሽቱ ብሐራት ድማ ፡ ዳርጋ ብሙሉኣቶም ሰዓብቲ መሓመድሱኒት ኣስላም እዮም።
4ይ፡ሕዳረብ
5ይ፡ብሌን
6ይ፡ዓፋር
7ይ፡ኩናማ
8ይ፡ራሻይዳ
9፡ናራ
……ኣብዚ ክምለስ ዘለዎ ዓቢ ሕቶ ኣሎ። መን’ዩ ነዚ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ተሳንዩ ክነብር ዝጸንሕ ህዝብታት፣ ከበሳ ኣብ ልዕሊኡ ሃሳዪ ተዋስኦ ጥፍኣት ዝፍጽም ዘሎ? ንዝብል ሕቶ ንምላስ፣ ደቂ ከብሳ ተዛረብቲ ትግሪኛ ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩ፣ ግናከኣ ብቅልውላው መበቆልን ወለዶን ዘለዎም ባእታታት እዮም። ስለዚ ጭራ ህግደፍ፣ ብጽዮናውያን ተላኢኾም፣ ከም ሃዋርያት ድያብሎስ ኮይኖም ነዚ ህዝቢ ከበሳ የጽንቱዎ ኣለው። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ፣ ንህዝቢ ከበሳ ፋሕብትን ኣቢሎም፣ ብንኣሽቱ ብሔራትን ግንከኣ ኣመንቲ ምስልምናን ተኪኦም፣ ነቲ ጅግንነታዊ መንነት ህዝቢ ብሔረ ትግሪኛ ንንምቋስ እዩ። እቲ ቀንዲ ሸቶ ድማ ነቲ ህዝቢ ከበሳ፣ ብመንነቱ ዘይተኣማመን እኽብካብ ሓንጨመንጪ ህዝብታት ከም ራሻይዳን ካልኦት ንእሽቱ ህዝብታትን ተኪእካ፣ ጽባሕ ብጊሓት፣ ቶዃሉ ጽዮናውያን መሬትናን ባህርናን ክዘምቱ ክመጹ ከለው፣ ንሃገሩ ክከላኸል ከምዘይክእል ንምልማስ ተባሂሉ ብመደብ ዝተኣልመ ስነኣእምራዊ ወፍሪ እዩ።

ኣብዚ ግና ክንዝንግዖ ዘይብልና፣ ጽዮናውያን ካብ 1884 ዓ.ም.ፌ. ጀሚሮም እዮም፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቍጽጻር መደብ ኣውጺኦም። ብ27. ጥሪ 1887 ዓ.ም.ፈ. ድማ ንኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ክወርር ልኣኹዎ፣ ኣብ ኲናት ዶጓሊ ከኣ ብፍላይ ካብ 75 ካብ ሚእቲ ኤርትራውይን ጀጋኑ ጥራይ መኪቶም ክድምስሱዎ በቒዖም። እቲ ኣሉሉ እንዳተባህለ ዝዝዝንተወሉ ሓሶት እዩ፣ 75 ካብ ምእቲ ሰራዊት ራእሲ ወልደሚካኤል ሒዙ እዩ ንዶጋሊ ወሪዱ፣ ድሕሪ ፍርቂ ስዓት ድማ ኣብቲ ኲናት ተውጊau ደቂ ሓማሴን ድማ ቆሊቦም ወሲዶም ኣድሒኖሞ። ካብዚ ጀሚሮም እምብኣር፣ ጽዮናውያን ንጀጋኑ ኤርትራውያን ንምምንቋስ መደብ ኣውጺኦም።

ብውዲትን ብእከይ ሜላ ስለላ መርበብ ሃጸያዊት ዓባይ ብሪጣንያ ተማእኪሉ፣ ጀጃዊ ኮሎንያል ጣልያን ብ1889 ዓ.ም.ፈ. ድማ ንኤርትራ ክቆጻጸር ክኢሉ። ካብኡ ጀጃዊ ኮሎንያልክ ጣልያን ንኤርትራውያን ብቐስብን ብሜላን ዓስኪሩ ኣብ ቅድመ ግንባር ሰሪዑ ድማ ንኢትዮጵያ ንኵወርር ፈተነ። ኣብ ኲናት ዓድዋ ድማ፣ መብዛሕትኦም ጀጋኑ ኤርትራውያን ምስ ትግራዎትን ኮይኖም እዮም ንኮሎንያል ጣልያን ዝመከትዎ። ካብ ኣምሓራ ድማ ወሎ እንዳ ራእሲ ዓሊን፣ ብሓድ ልኡል መኮነን ኣብኡ ንንጉስ ሃይለስላሴ ዝምራሕ ጥራይ ሰራዊት ኢትዮጵያን እዮም ዝነበሩ። እቲ ስትራተጂ ኮሎንያል ጣልያን ድማ ብጅግና ኣውዓሎም ብዓል ጸዓዘጋ ምስተጠልፈ፣ኣብ ውሽጢ 3 ስዓታት ሰራዊት ጣልያን ተደምሲሰ።

ካብቶም ኣብቲ ውግእ ዓድዋ ዝውዓሉ መዘና ዘይብሎም ጀጋኑ ኤርትራውይን፣ ከም ደግያት ኣበራ “ከሺ ኣበራ ኣንድ እበራ” ኢሉ ንጉስ ዳግማዊ ሚነሊክ ዘድነቖ ፣ ወዲ ራእሲ ሃይሉ ጸዓዘጋ፣ ጅግና ግንከኣ ጨካንን ራእሲ ወልደንኪኤ ሰለሞን፣ ብዓል ሃዘጋ፣ ካልኦት ብዙሓት ጀጋኑ ኤርትራውያን ነበሩ። ኣብዚ ስዕረት ጣልያን እዚውን፣ መላእ ኤውሮጳ ኣዝያ ርዓደት። መኽንያቱ ዝኾነት ትኹን ኤውሮጳዊት ኮሎንያል ገዛኢት፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ክትወር ከላ ተሳዒራ ስለዘይትፈልጥ፣ ስዕረት ጥልያን ኣብ ድጓልን ዓድዋን፣ ንጽዮናውያን ውጽኣት ኣምጺኡሎም፣ ካብኡ ጀሚሮም ድማ መደብ ኣውጺኦም፣ ንሱ ድማ “ኣብ ዝተናውሐ እዋን፣ ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን እንተዘይ ተቛጻጺርናዮ፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ክንቆጻጸር ኣይንኽእልን ኢና”፣ ኢሎም ስለዝኣመን፣ ብረቂቕ መጽናዕትን ምርምርን፣ ነዞም ሎሚ ክናናን ምናናን ዝኾኑ፣ ጭፍራ ህግደፍን ወያኔን ልኢኾም እንሆ ነቲ ካብ 8ይ ክፍለዘመን ጀሚሩ ክሳ 20 ክፍለዘምን ኣላሽ ኢሉ ዘይፈልጥ ጅግና ህዝቢ ከበሳ፣ ሎሚ ኣላሽ ከብሉዎ ሸበድበድ ይብሉ ኣለው።

ምልክታት

1ይ. ምልክት፤ ሄርማን ኮሀን ወልኪል ወጻኢ ጉዳያት መንጋስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ወይከኣ  ፍሉይ ወኪል ስተይት ዲፓርትሜን ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዝኾነ፣ ንብዙሕ ዓመታት ንወያኔን ህግደፍን ክዝውሮም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ እዋንዚ ንኣዲስ ኣበባ እንዳተመላለሰ፣ ብዛዕባቲ ኮነ ኢሉ ኣደስኪሉዎ ዝነበረ፣ ግንከኣ ብኣልጀርያን፣ ደንሃግን ተደምዲሙ ዝነበረ ጉዳይ ዶብ ባድመ፣ ሎሚ ህዝብና ምስጠፍአን መንእሰያትና ምስ ተሰዱን፣ ሓይሊ ሰራዊት ምስተዳኸመን፣ ክድምደም ኣለዎ ክብል ይስማዓ ኣሎ።

2ይ. ምልክት፤ ፕሮፈሶር በረኸት ሃብተስላሴ ኣብ ማዕከናት ዜና ዝሃቦ መልእኽቲ፣ “ወያኔን ህግደፍን ኣልጊስካ፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓር ዝነብራሉ፣ ወይ ዝመሓደራሉ እዋን ከይርኣኹ ኣምላኽ እይውሰደኒ” ወዘተ  ዝዓይነቱ ሓቢሩ። ዝብኢ ምስ ከደስ ከልቢ ነብሐ።

3ይ. ምልክት፤ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝገበሮ ቃለ መሕታት፣ ኣብዚ ዘሎናዮ መዋእል ምስ ጎረባብትኻ ተሳኒኻ ክንበር ኣለዎ ዝዓይነቱ ኣተንቢሁ። ድሕርማይ ኣብ ብዓቲ።

4ይ. ምልክት፤  በቶም ብህግደፍ ንወጻኢ ሃገራት ተላኢኾም ዝተዋፈሩ ላዕለዎት ሰበስልጣናት ህግደፍ ዝቝመ መድረኽ ዝብሃል ውድብ፣ ገለገለ ውሑዳት ተረፍመረፍ መራሕቲ ጀብሃ ዓዲሙ፣ ካብ ዕለት 20.10.2017 ጀሚሩ ክሳብ 23.10.2017 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ፍሉይ ሰሚናር ኣካይዱ። እቲ ዓላማ ሰሚናር ድማ፣ ብፍላይ መተካእታ ህግደፍ ንምፍጣር ዝብል እዩ። ሓቂ እንተሎክን ጽባሕ ንግሆ ንርኤክን።

Bild könnte enthalten: 2 Personen, Personen, die lachen, Ozean, Text und Wasser

እወ፣ ኣብዛ ካብ ፍቕሪ ኢትዮጵያውነትን ትግራውነትን፣ ኤርትራውነትን፣ ፍቕሪ ዓረባውነት ጸብለልትነት ዝርኣየላ ዘሎ፣ ንእሽቶ ግንከኣ ሃብታምን ስትራተጂካዊትን ሃገርና ኤርትራ፣ ልኡኽ መላi ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንባዕሉ ትግሪኛ ተዛራቢ፣ መበቆሉ  ትግራውይ ክነሱ፣ ካብ ንትግራዎትን ኤርትራውያንን፣ ንረብሕ ጽዮናውያን ብምቕዳም፣ ንኢትዮጵያውያንን ትግራዎትን ኤርትራውያንን ነፊጉ፣ ዓረብኛ ተዛረብቲ ኣዕራብ ፣ ንኣሽቱ ብሔራትን ኣብ ኤርትራ ንደቂ ከበሳ ንኽትክኡዎም ገልዳሕ ይብል ኣሎ። ጸረ ህዝቢ ትግሪኛ ዝኾነ ነውራም ጭፍራ ህግደፍ፣ ሎሚ እንዳንቆልቆለ ይኸይድ ስለዘሎ፣ ብዙሕ ሽበድብድ ክብል ንዕዘቦ ኣሎና። እወ፣ ህዝቢ ከበሳ መግዝእቲ ህግደፍ ካብ ሳሕል ምስ መጾ፣ ቀሲኑ ኣይሓደረን። እኳድኣ ግዳይ ድንቁርናን፡ ስደትን፣ ምብትታንን ስድራቤታት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ብጽዮናውያን ዝሕሰብን ዝሕለምን  ዘሎ ውዲት ድማ ፣ ድሕሪ ህግደፍን ወያኔን ንኢትዮጵያን ኤርትርራ ባሃገ-ኣስላም  (ISIS) ኣኽራሪ ኣስላማዊ ሓይሊ ንኽትውረር እዩ። ነዚ ድማ ወያኔን ህግደፍን ድሮ መንገዲ ጸሪጎም ስለዝኾምኑ እቲ ቦታኦም፣ ብኤሊት፣ ከም ብዓል ዶር. ዓንደብርሃንን፣ ሸንገብን፣ መሓመድ ብላታን ወዘተ. . . ክትክእዎ እዮም። በዚኦም ዝመጽእ ራህዋን ሰላምን ግና የልቦን፣ እኳድኣ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ወግዓዊ መዓስከር ከተቕውም እያ። ቻይና ኣብ ጂቡትን ኢትዮጵያን ኣላ፣ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ኤርትራ ክትመጽእ እያ። ኣብዚ ንምብጻሕ እዩ እምብኣር እቲ ኩል ዕንክሊል። ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ 25.10።2017 ዓ.ም.ፈ.