“እዛ ብርኲታ እምኒ’ላታ”! ታሪኽ ዘመነ ካሊፋት
ታሪኽ ዘመነ ካሊፋት 615 ክሳብ 750 ዓ.ም.ፈ. ንመላእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክርስትና ደምሲሶም፣ ብምስልምና ክትክኡዎ ዘይፈተኑዎ ባርባራዊ ወራር ኣይነበረን።

ካብቲ ዝፈጸሙዎ ባርባራዊ ፍጻሜታት ከኣ ብውሑዱ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

1. ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብያተ መቕደሳት ኣቃጺሎምን ኣዕንዮምን

  1. ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድያቆናትን፣ ካህናትን፣ መነኮሳትን፣ ኣቡናትን፣ ፓትሪያርክታትን ርትዓዊ ሃይማኖት (ኦርቶዶክስ) ሓሪዶም። ንካብ ማሕረዲ ዝተረፉ ከኣ ብሓይሊ ኣመስሊሞምም።

  2. ንልቃውንትን፣ ሓሰብትን፣ ምሃዝትን፣ትግሪኛ ተዛረብቲ ብባርባራዊ ዝኾነ ጭካኔ ሓሪዶሞም፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ርቱዕ ሃይማኖት ድማ ብሃልሃልታ ሓዎ ኣምሪቖሞ።

  1. ንመርዳእታ፣ እተን ካብ ጥንቲ ክርስትያን ዝነበራ ኣውራጃታት ኤርትራ፣ ብሰንኪ ባርባራዊ ወራር ኣዕራብ (ኣኽራሪ ኣስላማዊ ሓይሊ ካሊፋት፣ ሎሚ ከኣ ታሪኽ ደጊሙ ብሃገረ ኣስላም ISIS ዝፍለጥ ዘሎ) ኣብ ምስልምና እምነት ብቐስብ ዝተለወጣ፣ ኣውራጃዳት ኤርትራ

እዘን ዝስዕባ እየን፣

ሀ. ባርካ

ለ. ሳሕል

ለ. ሰምሃር

ለ. ደንከል

ለ. ፍርቂ ሰኒሒት ፣

ኣብ ትግራይ
ኣውራጃ ራያ

ውሑዳት ኣስላም ኣብ ሽረን መቐለን

ብመሓመድ ግራኝ ዝመስለሙ

ኣብ ሃረርን ወሎን ኣለው

ውሑዳት ኣስላም ድማ
ኣብ ቤገምድር ጎጃም ኣብ ከባቢ ሑመራን ኣለው

ውሑዳት ኣስላም ኣብ ከባቢ ሰላለ ሽዋ
ህዝቢ ውራጌ ወዘተ….

ህዝቢ ከበሳ፤ ሓማሴንን፣ ኣከለጕዛይን፣ ሰራየን፣ ትግራይን ግን እምቢ ኣይንምስልምን ኢና ኢሎም፣ ብጅግንነት ንባርባራውያን ኣዕራብ ስለዝመከቱዎም፣ ክሳብ ሎሚ ርቱዕ ሃይማኖቶም ዓቂቦም ጸኒሖም ኣለው። ሎሚ ግና ብዘመን እቶም መንነቶምን ሃይማኖቶምን ዝኸሓዱ፣ ከም ብዓል ድያብሎስ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስን ኣፈወርቂን፣ ኮራዂር ጽዮናውያን መራሕቲ ወያኔን፣ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣዕራብ ንኽደግሙ፣ እንሆ ምስቶም ጽሓይ ዓሪባቶም ዘላ ኣዕራብ ተኸደንቲ ጀለብያ ተላፊኖም፣ ብትእዛዝ ጽዮናውያን ቅዱስን ኦሪታዊ ርቱዕ ሃይማኖትና፣ ንብምስልምና ንኽትክኡዎ ለይትን ምዓልትን ገልዳሕ ይብሉ ኣለው።

ካብቶም እንዳ ህግደፍን ወያኔን፣ ካብ በረኻ ካብዝኣትዉ ጀሚሮም፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ክርስትና ብሕልፊ ኣብ ልዓሊ ቅዱስን ርቱዕ ኦሪታዊ ሃይማኖት ተዋህዶ፣ ክፍጽምዎም ዝጸንሑ ነውሪ ዝኾኑ ፍጻሜታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

  1. ነውራም ዘመተ ሞባእ ኣብያተ መቕደሳት ተዋህዶ ሃይማኖት (ብህግደፍን ብወያኔ)

  2. ክብርን መሰልን ካህናት ምግፋፍ (ብእንዳ ህግደፍን ወያኔን)

  3. ብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኤርትራ ምሕያር

  4. ካህናትን ድያቆናትን ንወተሃደራዊ ወፍሪ ምግዳድ

ኣብዚ እዋንዚ ግና ኣብ ኤርትራ፣ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቤተመቕዳስ እንዳ ኣቶ ሞባእ ክዘምትን፣ ካህናትን ድያቆናትን መሳርያ ኣዕጢቑ ሞዪኦምገዲፎብ ብቐስብ ኣብ ዕስክርና ንክዋፈሩ ይገብር ኣሎ። ንብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ ርቱዕ ሃይማኖት (ኦርቶዶክስ ብቋንቋ ግሪኽ) ሓዩሩዎም። እዚ ምልክታት እዚ ድማ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንታሪኽ ካሊፋት ዘዘኻኽርን፣ ዝደግምን ኮይኑ ንዕዘቦ ኣሎና።

እዚ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስን፣ ግዛያዊ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢዪ ኣሕመድን፣ ምስ ዛህሮም ዝጠፍአ ሃገራት እዕራብ ዝፍጽሙዎ ዘለው ሓዲሽ ሕጽኖት ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ንምብጻሕ እዩ? መንዮምከ እቶም ድሕሪ እዚ ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለው መሃንድሳት?

ግፍዓዊ መግዛእቲ ኣዕራብ ኣብ ኤርትራን ትግራይን፣ ድሕሪ እቶም ነቢዪ መሓመድ ኣብ ዓዲ ዓረብ ሽግር ምስ ኣጋጠሞ፣ ነቶም ስዕብቱ ንኢትዮጵያ ከይዶም ንክዕቆቡ ነገሮም፣ ብ615 ዓ.ም.ፈ ድማ ኣብቲ ብባሕረ-ነገስታት ዝመሓደር ዝነበረ ምብራቓዊ ትግራይ መጺኦም፣ እቲ ሽዑ ዝመርሕ ዝነበረ ባሕረነጋሽ ብዉቕ ኣቀባብላ ተቐብሉዎም እሞ ሃይማኖቶም ኣኽቢሮም ሃይማኖት ክርስትና ዑቕባ ሓተቱ። እቲ ባሕረ ነጋሲ ሽዕ ዘመን ዘምሓድር ዝነበረ ከኣ ብኽብሪ ተቐቢሉ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ኣኽቢሮም ንኽነበሩ ኣተሓሳሰቦም።

ካብኡ ደፋእ እንዳበሉ ካሊፋት ዝብሃሉ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ካብ ግብጺ ነቒሎም ብሱዳንን እቋሪጾም ንኤርትራ ኣትዮም ምስቶም ኣብ ምድረ ባሕሪ ወይ ምድረ ሓበሳ ዝነበሩ ኣስላም ሓቢሮም ወረሩ። ካብ 620 ክሳብ 750 ድማ ንከባቢ ሳሕልን ደንከልን ባርካን ሳሕልን ዝነበረ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብያተ መቕደሳትን ኣቃጸሉዎ፣ ድያቆናትን፣ ካህናትን፣ ኣቡናት፣ ፓትሪያርክታትን ሓረዱዎምን ቀንጸሉዎምን። በሰንኪ ጠንቂ ባርባራዊ ግፍዓዊ ወራር ኣኽረርቲ ሃይማኖት እስልምና ወይ ኣዕራብ፣ እቶም ካብ ማሕረዲ ዝተረፉ ካህናት ታቦቶም ተሰኪሞ ብለይቲ ተሓቢኦም ኣብ ብቐሊሉ ክትድዪቦ ዘይትኽእል ጎቦታት ተሓቢኦም ሰፈሩ።

ንመረድእታ፣ እቲ ክሳብ ሎም ከም ሙዝየም ኮይኑ ካህናት ዝነብሩሉ ዘለው ገዳማት፣ ከም ገዳም ኣቡነ ፍሊጶስ፣ ኣብ ብዜን መንገዲ ባጽዕ፣ ከም ገዳም እንዳስላሴ ወይ ጻዕዳ-እምባ፣ ኣብ ከባቢ ሰኒሒት ዝርከብ፣ ገዳም ደብረሲና ኣብ ከባቢ ምድረ መንሳዕ ኣውራጃ ሰኒሒት ዝርከብ። ኣብ ከባቢ ኣከለጒዝያ ስመኋናን ዝርከቡ ንታውያን ገዳማት። ኣብ ትግራይ ዝርከብ ገዳም ደብረ ዳሞ፣ ኣቡነ ኣረጋዊ ወዘተ….።

ድሕሪዚ ኩሉ ባርባራዊ ወራር ኣኽረርቲ ምስልምና እምነት ኣዕራብ፣ ብ ፍላይ ጀጋኑ ደቂ ከበሳ ብትብዓት ስለዝመከቱዎም ኣብ 750 ዓ.ም.ፈ. ካብ መሬት ኤርትራ ተደምሲሶም ወጹ። ካብኡ ክኣ እቲ ርቱዕን ኦሪታዊን ሃይማኖት ክርስትና (ብግሪኽኛ ቋንቋ = ኦርቶዶክ) ኣብ ኤርትራን ትግራይን ኢትዮጵያን እንደገና ተንስአ። እቶም ኣብ ኣውራጃ ሳሕልን፣ ባርካን፣ ሰምሃርን፣ ደንከል፣ ጀበርቲ ኣብ ትግራይን ኣብ ኣኽርያን መንደፈራን ዝነብሩ ዘለው፣ ኣብቲ እዋንቲ በቶም ኣረሜን ካሊፋት ብሓይሊ ስለዝመለሙ፣ ካብ 750 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ መስሊሞም ኣለው።

 መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂዳ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝኣተዎ በዓል 7ነጥብታት ውዕላትን መትከላትን ንህዝቢ ወግዓዊ ጌሩ. (ትግሪኛ ዝተተርጎመ)

ብመሰረት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣስመራ ኣቀዲመን ብ9 ሓምለ 2018 ዝበጽሕኦ ናይ ሰላም ኣዋጅን ወዕላትን፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ ሰብ ዓለም ውን ብ16 መስከረም 2018 ሰንበት ኣብ ጂዳ ብዝሓየለ መንገዲ ነቲ ዉዕል ከጽድቅኦ ኪኢለን ኣለዋ። ዝርዝር እቲ ውዕል ከምዚ ይብል!

እዛ ቡርኲታ እምኒ ኣላታ ….ሰብ ጀለብያ መሳፍንቲ እዕራብስ ሰብ ኮይኖም ንኢትዮጵያን ኤርትራን ይኣይ ከምእክሉ ወይ ጉድ እዞም ጽዮናውያንስ ዘይምህዙዎ የብሎምን!!!!!

ስምምዕ ሰላም፡ ምሕዝነት፡ ከምኡውን ኣጣቃላሊ ምትሕግጋዝ ፈደራላዊት ዲሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ሃገረ ኤርትራን.
——————————————–
ፈደራላዊት ዲሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ሃገረ ኤርትራን ክልቲኦም ኣካላት፡

ናይ ሓባር ዶብ፡ ጂኦግራፊያዊ፡ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ከማኡ ውን ሃይማኖት ክልቲኡ ሃገርን፡ ህዝብን ኣብ ግምት ብምእታው፡

ሓድሕድ ምክብባር ናጽነት፡ ልኡላውነት፡ ከምኡ ውን ግዝኣታዊ ሓድነት፡

ኣብ ድሌት ዛዛሚ ሰላምን፡ ምንጻፍ ታሪኻዊ ባይታ/ውህደት ንዝበረኸ ዕላማ ዝተሞርከሰ፡

ኣብ ምዕሩይን ድምር ንጥፈትን ዝተሞርከሰ ምምስራት ኣጣቃላሊ ምትሕግጋዝ፡

ንዝያዳ ሰላምን ጸጥታን ንጡፍ ዞባውን ዓለማዉን ሓባራዊ ኣበርክቶ ኣብ ግምት ዘእተወ፡

ንዳግማይ ምርግጋጽ ዝተበጽሐ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣስመራ 09 ሓምለ 2018፡

ንምርግጋጽ/ምምእዛዝ ግዴታ/መብጽዓ መትከላትን ኣገዳስነትን ቻርተር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡

ክልቲኦም ወገናት ነዞም ዝስዕቡ ዓንቀጻት ተሰማሚዖም፡–

ዓንቀጽ ሓደ፡

ኲናትን ተጻብኦን ብወግዒ ኣቆሪጹ፡ ሓዲሽ ዘበን ሰላምን፡ ምሕዝነትን ከምኡ ውን ኣጣቃላሊ ምትሕግጋዝን ጀሚሩ ኣሎ።

ዓንቀጽ ክልተ፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምዕሩይን ሓባራዊ ስራሕን ዝተሞርከሰ ኣጣቃላሊ ምትሕጋዝ ኣብ መዳይ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታትዊ፡ ምክልኻል፡ ቁጠባ፡ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ባህልን፡ ማሕበራዊ ጉዳያትን ንክህሉ ከተባብዓ እየን።

ዓንቀጽ ሰለስተ፡

ክልቲአን ሃገራት ሓደ ፍሉይ ሓባራዊ ቀጠባዊ ዞባ ዘጠቃለለ፡ ክልተኣዊ ልምዓታዊ ወፍሪ ፕሮጀክታት ክህልወን።

ዓንቀጽ ኣርባዕተ፡

ክልቲአን ሃገራት ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያ EEBC ኣብ ግብሪ ከተግብራ።

ዓንቀጽ ሓሙሽተ፡

ክልቲአን ሃገራት ንዞባውን ኣህጉራውን ሰላም፡ ጸጥታ ከምኡውን ምትሕግጋጽ ክደፋኣሉ፡

ዓንቀጽ ሽዱሽተ፡

ክልቲአን ሃገራት ንግብረሽበራን ምስግጋር/ኮንትሮባድ ደቂ ሰባት፡ ኣጽዋር፡ ከምኡ ውን ዕጸፋርስ ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላትን ኪዳን/መሻርኽትን ተሞርኪሰን ክገጥምኦ።

ዓንቀጽ ሸውዓተ፡

ክልቲአን ሃገራት ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ውዕላት ኣብ ባይታ ንምትግባር ሓላፍነት ወሲዱ ዝሰርሕ ሓባራዊ ላዕለዋይ ደረጃ ኮሚተ፡ ከምኡ ውን ኣገዳስነቱ ተራእዩ ንኡስ ኮሚተ ከቁማ።

እዚ ስምምዕ እዚ ብ16 መስከረም፡ ኣብ ጂዳ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተፈጺሙ፡ ንነፍሲ ወከፉ፡ ብትግሪኛ፡ ኣምሓሪኛ፡ ዓረብ ከክልተ ቅደሓት ተዳሊሉ፡ ከምኡ ውን ናይ ኣተራጓጉማ ጸገም ከየምጽእ፡ ብእንግሊዘኛ ይዘርጋሕ!

ንፈደራላዊት ዲሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ
ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢየ ኣሕመድ ዓሊ

ንሃገረ ኤርትራ
ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ